ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

 ቈሎሴ 1:⁠16 ብዛዕባ ወዲ ኣምላኽ “ኵሉ ብእኡን ንእኡን እዩ እተፈጥረ” ትብል። ኵሉ “ንእኡ” ማለት ነቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ኢዩ ተፈጢሩ ኽበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧

የሆዋ ብዘይ​ካ ንየሱስ ንዅሉ ኻልእ ነገራት ኣብ ምፍጣር ነዚ ሓደ ወዱ ኸም ሰራሕተኛ ተጠቒሙሉ ኢዩ። (ምሳሌ 8:⁠27-30፣ ዮሃንስ 1:⁠3) እቲ ወዲ ብስርሑ እንተ ተሓጐሰ ኣየገርምን ኢዩ: በዚ መዳይ እዚ ኸኣ “ንእኡ” ኢዩ ተፈጢሩ ኽበሃል ይከኣል ኢዩ።

ሰብኣውያን ወለዲ ኻብ ደቆም ሓጐስ ክረኽቡ ከም ዝጽበዩን መብዛሕትኡ እዋን ከም ዝረኽቡን ንፈልጥ ኢና። ስለዚ ኸኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ምሳሌ ብዛዕባ ሓደ ‘ኣቦኡ እተሓጐሰሉ ውሉድ’ ይዛረብ ኢዩ። (ምሳሌ 3:⁠12 NW፣ 29:⁠17) ብተመሳሳሊ የሆዋ ኣምላኽ: እስራኤላውያን እሙናት ኣብ ዝነበርሉ እዋን ብኣኣቶም ይሕጐስ ነይሩ ኢዩ። (መዝሙር 44:⁠3፣ 119:⁠108፣ 147:⁠11) ክሳዕ እዚ ግዜና እዚውን እቶም እሙናቱ የሐጕስዎ ኢዮም።​—⁠ምሳሌ 12:⁠22፣ እብራውያን 10:⁠38

ስለዚ እምበኣር ኣምላኽ እውን ነቲ መተዓይይቱ ዝዀነ የሱስ ብተግባሩ ኸም ዝሕጐስ እንተ ገበሮ ዝግባእ ኢዩ። አረ ምሳሌ 8:⁠31 እቲ ወዲ ‘ኣብ ምድሪ ብዝነብር ይሕጐስ: ተድላኡ ኸኣ ብደቅ​ሰብ ምንባሩ’ ትገልጽ ኢያ። ቈሎሴ 1:⁠16 “ኵሉ ብእኡን ንእኡን እዩ እተፈጥረ” ኽትብል ከላ እምበኣር ነዚ ማለታ ኢዩ። (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።)