መማሰዊ ኹን እሞ ሕጉስ ክትከውን ኢኻ
መማሰዊ ኹን እሞ ሕጉስ ክትከውን ኢኻ
ኣብ ካናዳ እትሕተም ካልጋሪ ሄራልድ እትበሃል ጋዜጣ “ምስጋና መሰረታዊ ባህርይ ወድሰብ ኢዩ” በለት። እዛ ጋዜጣ እዚኣ ብዛዕባ እቶም ንዅሉ እቲ ዘማስዉሉ ነገራት ክጽሕፉ ብመምህሮም እተሓቱ ደቂ ትሽዓተ ዓመት ተማሃሮ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ጠቐሰት። ሓደ ቘልዓ ስድራቤቱ ‘ስለ ዝከናኸንዎ’ ከም ዘማስዎም ገለጸ። ሓንቲ ቘልዓ እውን ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ንስድራቤታ ከም እተማሱ ገለጸት:- “ዕቝባ ይዀኑኒ: ጥዕና ንኽረክብ ይከናኸኑኒ: ይኣልዩኒ: የፍቅሩኒ: ከምኡውን ይዕንግሉኒ ኢዮም፣ ወለደይ እንተ ዘይወልዱኒ ነይሮም ድማ ናብዛ ዓለም ኣይምመጻእኩን።”
ዘይመማሰዊ ምዃን ፈጺምካ ዘይትዓግብ ከም እትኸውን ኢዩ ዝገብረካ። እቲ ፈላስፋን ናይ ሃይማኖት ምሁርን ጀይ. ኣይ. ፓከር “ምስ ኣምላኽ ተጸጊዕናን ንሓድሕድና እናተደጋገፍናን ንኽንነብር ኢና ተፈጢርና” በለ። እዚ ድማ ነቲ ቕድሚ ዘመናት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጻሕፈ “መማሰውቲ ኹኑ” ዝብል ምኽሪ የዘኻኽረና። (ቈሎሴ 3:15) ሞሳኻን ልባዊ ምስጋናኻን ምግላጽ: ንኻልኦት ናይ ምሕላይ ባህርይ ንኽትኵስኵስ ይሕግዘካ።
ብተወሳኺ: ንሓድሕድና ሞሳ ብምርኣይን ብምክብባርን: ንየሆዋ ከም እነማስዎ ነርኢ: ንሱ እውን ነዚ ይርእዮ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ነቶም ፈጺሙ ልቦም ናብኡ ዚጽጋዕ ምእንቲ ኼጽንዖምሲ: ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብ ብዘላ ምድሪ እየን ዚዞራ” ይብል። (2 ዜና መዋእል 16:9) ኣምላኽ ነቲ ሰባት ንስሙ ዘርእይዎ ፍቕሪ ኸም ዝዝክሮን ኣኽቢሩ ኸም ዝርእዮን ኣረጋጊጹልና ኣሎ። (እብራውያን 6:10) መዓልታዊ ነዛ ኣምላኻዊት ባህርይ እዚኣ ምንጽብራቕ ንየሆዋ ባህ ስለ ዘብሎን ንሓጐስና ኣበርክቶ ስለ ዝገብርን: መማሰውቲ ንምዃን እኹል ምኽንያት ኣሎና። ከምቲ ምሳሌ 15:13 “ሕጉስ ልቢ ንገጽ የብርሆ” ብምባል ዝገለጾ ኢዩ።