ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሰላም ክርስቶስ ብኸመይ ኣብ ልብና ኽገዝእ ይኽእል፧

ሰላም ክርስቶስ ብኸመይ ኣብ ልብና ኽገዝእ ይኽእል፧

ሰላም ክርስቶስ ብኸመይ ኣብ ልብና ኽገዝእ ይኽእል፧

“ሰላም ክርስቶስ ከኣ ኣብ ልብኹም ይግዛእ: ነዚ ብሓደ ስጋ ተጸዊዕኩም ኢኹም።”​—⁠ቈሎሴ 3:⁠15

1, 2. “ሰላም ክርስቶስ” ንልቢ ሓደ ክርስትያን ዝገዝኦ ብኸመይ ኢዩ፧

 ብዙሓት ሰባት ነታ ምግዛእ እትብል ቃል ምስ ምግዳድን ምቍጽጻርን ስለ ዘተሓሕዝዋ ኣይፈትዉዋን ኢዮም። ስለዚ ኸኣ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቈሎሴ ዝነበሩ ክርስትያናት “ሰላም ክርስቶስ ከኣ ኣብ ልብኹም ይግዛእ” ምባሉ ንገሊኣቶም ኣሉታዊ ስምዒት ኣሕዲሩሎም ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (ቈሎሴ 3:⁠15) ዝደለናዮ ናይ ምምራጽ ናጽነትዶ የብልናን ኢዩ፧ ንምንታይ ደኣ እሞ ኢና ካልእ ነገር ወይ ኣካል ንልብና ኽቈጻጸሮ እነፍቅደሉ፧

2 ጳውሎስ ንሰብ ቈሎሴ ነቲ ናጻ ድሌቶም ክርገጽ ከፍቅዱ ኣይኰነን ዝዛረቦም ነይሩ። እታ ኣብ ቈሎሴ 3:⁠15 “ይግዛእ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል: ምስታ ንሓደ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ውድድር ኣትለቲክስ ዳኛ ዀይኑ ንዝዓዪ ሰብ ዝጥቀሙላ መጸውዒ እትተሓሓዝ ኢያ። እቶም ተወዳደርቲ ኣብ ቀይዲ ሕግታት ናይቲ ጸወታ ሓርነት ነይርዎም ኢዩ: ኣብ መወዳእታ ግን ነቲ ሕጊ ኸየፍረሰ ዝተዓወተ መን ምዃኑ እቲ ዳኛ ኢዩ ዝውስን። ብተመሳሳሊ ኣብ ህይወትና ብዙሕ ውሳነታት ንምግባር ሓርነት ኣሎና: ከምዚ ኽንገብር ከሎና ግን ሰላም ክርስቶስ ወትሩ “ዳኛ” ክዀነና ወይ ከምቲ ኤድጋር ጀይ. ጉድስፒድ ተርጒምዎ ዘሎ ንልብና “ናይ ምቍጽጻር ስልጣን” ክህልዎ ኣለዎ።

3. “ሰላም ክርስቶስ” እንታይ ኢዩ፧

3 “ሰላም ክርስቶስ” እንታይ ኢዩ፧ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ምስ ኰንና ከምኡውን የሆዋ ኣምላኽን ወዱን ከም ዝሰምሩናን ዘፍቅሩናን ምስ ፈለጥና እነጥርዮ ህድኣትን ውሽጣዊ ቅሳነትን ኢዩ። የሱስ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ዝፍለየሉ እዋን ምስ ቀረበ “ሰላመይውን እህበኩም አሎኹ። . . . ልብኹም ኣይሸበርን ኣይሰምብድን” በሎም። (ዮሃንስ 14:⁠27) ን2,000 ዝኸውን ዓመታት እቶም ክፍሊ ኣካል ክርስቶስ ዝዀኑ እሙናት ቅቡኣት ነዚ ሰላም እዚ ኣስተማቒሮሞ ኢዮም: እዞም ሎሚ ዘለዉ “ኻልኦት ኣባጊዕ” ብጾቶም እውን እዚ ሰላም እዚ ኣለዎም። (ዮሃንስ 10:⁠16) እዚ ሰላም እዚ ኣብ ልብና ኽገዝእ ኣለዎ። ከቢድ ፈተና ኸጋጥመና ኸሎ: ብፍርሂ ኸይንመክኽ ወይ ብሕሉፍ ጭንቀት ኸይንወሓጥ ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ። ክንብደል ከሎና: ክንጭነቕ ከሎና: ከምኡውን ዋጋ ዘይብልና ዀይኑ ኽስምዓና ኸሎ እዚ ሰላም እዚ ብኸመይ ከም ዝሕግዘና እስከ ንርአ።

ክንብደል ከሎና

4. (ሀ) የሱስ ንበደል ዝፈለጦ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ክርስትያናት ክብደሉ ኸለዉ እንታይ ኢዮም ዝገብሩ፧

4 ንጉስ ሰሎሞን ‘ሰብ ኣብ ልዕሊ ሰብ ንጕድኣቱ ሰልጠነ’ ኢሉ ተዛረበ። (መክብብ 8:⁠9) የሱስ እዘን ቃላት እዚኣተን ሓቂ ምዃነን ይርዳእ ነይሩ ኢዩ። ኣብ ሰማይ ከሎ: ሰባት ኣብ ነሓድሕዶም ዝፈጸምዎ ከቢድ በደል ርእይዎ ኢዩ። ኣብ ምድሪ ምስ መጸ: ሓጢኣት ዘይብሉ ኽነሱ ተጻሪፍካ ብዝብል ክሲ ከም ዓመጸኛ ስለ እተቐትለ እቲ ዝኸፍአ በደል ተፈጺምዎ ኢዩ። (ማቴዎስ 26:⁠63-66፣ ማርቆስ 15:⁠27) ሎሚ: ምጕዳል ፍትሒ ኣስፋሕፊሑ ኢዩ ዘሎ: ሓቀኛታት ክርስትያናት ከኣ “ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ጽሉኣት” ስለ ዝዀኑ ብዙሕ በደል ወሪድዎም ኢዩ። (ማቴዎስ 24:⁠9) ኣብ ደምበ ሞት ናዚን ኣብ ደምበ ሸቕሊ ሶቭየትን ዘሰቅቕ መከራ ኣሕሊፎም: ኣደዳ ናዕቢ ዀይኖም: ብሓሶት ተኸሲሶም: ከምኡውን መጥቃዕቲ ወሪድዎም ክነሱ ሰላም ክርስቶስ ግን ኣጽኒዕዎም ኢዩ። ነቲ “ምስ ጸረፍዎ መሊሱ ዘይጸረፈ: መከራ ምስ ኣጽገብዎ ኸኣ: ነቲ ብቕንዕና ዚፈርድ ደኣ ነገሩ ኣሕሊፉ ሀበ እምበር: ዘየፋራርሄ” ብምባል እተጻሕፈሉ የሱስ መሲሎሞ ኢዮም።​—⁠1 ጴጥሮስ 2:⁠23

5. ኣብ ጉባኤ በደል እተፈጸመ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑና: መጀመርታ እንታይ ኢና ኽንሓስብ ዘሎና፧

5 ካብዚ ብዝንእስ ደረጃ እውን ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ሓደ ሰብ እተበደለ ዀይኑ ኽስምዓና ይኽእል ኢዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ከምቲ “መን እዩ ዚዕንቀፍ: ኣነ ኸኣ ዘይነድድ፧” ዝበለ ጳውሎስ ዝነበሮ ዓይነት ስምዒት ይስምዓና ይኸውን። (2 ቈረንቶስ 11:⁠29) እንታይ ኢና ግን ክንገብር እንኽእል፧ ‘ብሓቂዶ በደል ተፈጺሙ ኢዩ፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትት ኣሎና። መብዛሕትኡ እዋን ነቲ ጕዳይ ብምሉኡ ኣይንፈልጦን ኢና። ሓደ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ይፈልጥ ኢዩ እንብሎ ሰብ ዝበለና ብምስማዕ ጥራይ በደል እተፈጸመ ይመስለና ይኸውን። መጽሓፍ ቅዱስ “ገርሂ ሰብ ንዅሉ ቓል ይአምን” ክብል ሓቁ ኢዩ። (ምሳሌ 14:⁠15) ስለዚ: ጥንቁቓት ክንከውን ኣሎና።

6. ኣብ ጉባኤ እተበደልና ዀይኑ ምስ ዝስመዓና እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

6 እተበደልና ዀይኑ ተሰሚዑና እስከ ንበል። ሓደ ኣብ ልቡ ሰላም ክርስቶስ ዘለዎ ሰብ ከምዚ ምስ ዘጋጥሞ እንታይ ኢዩ ኽገብር ዘለዎ፧ ምስቲ በዲሉና እንብሎ ዘሎና ሰብ ምዝርራብ የድሊ ይኸውን። ድሕሪኡ: ንዝረኸብናዮ ሰብ ኣብ ክንዲ ምንጋር: ፍትሒ ኸም ዘውጽኣልና ኣብ የሆዋ ብምትእምማን ንምንታይ ነቲ ጕዳይ ብጸሎት ናብኡ ዘይንገድፎ፧ (መዝሙር 9:⁠10፣ ምሳሌ 3:⁠5) ቀጺልና: ነቲ ጕዳይ ኣብ ልብና ኸሎ ብምፍታሕናን ‘ስቕ ብምባልናን’ ዕግበት ክንረክብ ኢና። (መዝሙር 4:⁠4) ኣብ መብዛሕትኡ ጕዳያት: እቲ ኸምዚ ዝስዕብ ዝብል ጳውሎስ ዝሃቦ ማዕዳ ይዓዪ ኢዩ:- “ንሓድሕድኩም እናተጻወርኩም: እቲ ሓደ ኣብቲ ሓደ ኽሲ እንተለዎ: ይቕረ ተባሃሀሉ። ከምቲ ክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም: ንስኻትኩምውን ከምኡ ይቕረ በሉ።”​—⁠ቈሎሴ 3:⁠13

7. ምስ ኣሕዋት ኣብ ዘሎና ርክብ እንታይ ኢና ወትሩ ኽንዝክር ዘሎና፧

7 ዝዀነ ዀይኑ: ንዝፍጸም ነገራት ክንቈጻጸሮ ዘይንኽእል እኳ እንተዀንና: ንእነርእዮ መልሰ⁠-​ግብሪ ግን ክንቈጻጸሮ ንኽእል ኢና። ነቲ እተፈጸመ በደል ሚዛናዊ ብዘይ​ኰነ መገዲ መልሰ⁠-​ግብሪ እንተ ሂብናሉ: ካብቲ እተፈጸመ በደል ንላዕሊ ንሰላምና ኽዘርጎ ይኽእል ኢዩ። (ምሳሌ 18:⁠14) አረ ኽንዕንቀፍን እቲ ነገር ክሳዕ ዝፍታሕ ምስ ጉባኤ ምሕባር ክንገድፎን ንኽእል ኢና። እቲ ጸሓፍ መዝሙር: እቶም ንሕግታት የሆዋ ዘፍቅሩ “ዜዐንቅፎም . . . የልቦን” ብምባል ጸሓፈ። (መዝሙር 119:⁠165) ከም ሓቂ እንተዀይኑ: ኵሉ ሰብ ሓሓሊፉ ይብደል ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሕማቕ ኣጋጣሚታት: ንየሆዋ ካብ ምግልጋል ክዓናቕፈካ ኣይተፍቅደሉ። ኣብ ክንድኡስ: ሰላም ክርስቶስ ንልብኻ ይግዝኣዮ።

ክንጭነቕ ከሎና

8. ጭንቀት ከምጽእ ዝኽእል ገለ ነገራት እንታይ ኢዩ: ጭንቀትከ እንታይ ከስዕብ ይኽእል፧

8 ኣብዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” ጭንቀት ክፍሊ መዓልታዊ ህይወት ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠1) ልክዕ ኢዩ: የሱስ “ንህይወትኩም ብትበልዕዎ ወይስ ንስጋኹም ብትኽደንዎ ኣይትጨነቑ” ኢሉ ኢዩ። (ሉቃስ 12:⁠22) እንተዀነ ግን: ኵሉ ጭንቀት ካብ ስጋዊ ነገራት ጥራይ ኣይኰነን ዝብገስ። ሎጥ ብሰንኪ እከይ ሶዶም ‘ይስቀ’ ነበረ። (2 ጴጥሮስ 2:⁠7) ጳውሎስ በቲ “ንዅላተን ማሕበራት ዝሐልዮ . . . ሓልዮት” ይጸቦ ነበረ። (2 ቈረንቶስ 11:⁠28) የሱስ ኣብታ ድሮ ሞቱ ዝነበረት ምሸት ካብ ጭንቀቱ እተላዕለ “ረሃጹ . . . ከም ነጥቢ ደም ናብ ምድሪ ይነጥብ ነበረ።” (ሉቃስ 22:⁠44) ስለዚ: ኵሉ ጭንቀት ብምጕዳል እምነት ዝመጽእ ኢዩ ማለት ከም ዘይኰነ ንጹር ኢዩ። መበገሲኡ ብዘየገድስ ግን እቲ ጭንቀት ከቢድን ንነዊሕ እዋን ዝቐጸለን እንተ ዀይኑ: ሰላምና ኽዘርገልና ይኽእል ኢዩ። ገሊኣቶም ብጭንቀት ስለ እተዋሕጡ: ንየሆዋ ምግልጋል ዘምጽኦ ሓላፍነታት ክስከምዎ ዘይክእሉ ዀይኑ ኸም ዝስምዖም ገይርዎም ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “እቲ ኣብ ልቢ ሰብ ዝሐደረ ጓሂ ንእኡ ይጸቕጦ” ይብለና። (ምሳሌ 12:⁠25) ብጭንቀት ንሳቐ እንተሊና ደኣ እሞ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

9. ካብ ጭንቀት ንምንጋፍ እንታይ ተግባራዊ ስጕምትታት ክውሰድ ይከኣል: እንታይ ጠንቂ ጭንቀት ኢዩ ግን ክውገድ ዘይከኣል፧

9 ኣብ ገሊኡ ዅነታት: ተግባራዊ ስጕምትታት ክንወስድ ንኽእል ኢና። ጠንቂ ጭንቀትና ሕማም እንተ ዀይኑ: ሕክምና ምግባር ጥበባዊ ኢዩ፣ ልክዕ ኢዩ እዚ ብሕታዊ ውሳነ ኢዩ። a (ማቴዎስ 9:⁠12) ካብ መጠን ንላዕሊ ሓላፍነታት እንተድኣ ተሰኪምና: ገሊኡ ንኻልኦት ክንህቦም ንኽእል ኢና። (ዘጸኣት 18:⁠13-23) እንተዀነ ግን: እቶም ከም ወለዲ ዝኣመሰሉ ንኻልእ ከካፍልዎ ዘይክእሉ ኸቢድ ሓላፍነት ዘለዎም ሰባትከ እንታይ ይግበሩ፧ ምስ ተጻራሪ ናይ መርዓ ብጻዮም ዝነብሩ ክርስትያናትከ፧ ኣብ ከቢድ ቍጠባዊ ጸገም ዘለዉ ወይ ውግእ ኣብ ዘለዎ ቦታ ዝነብሩ ስድራ​ቤትከ እንታይ ኢዮም ዝገብርዎ፧ ኣብዚ ኣረጊት ኣገባብ እዚ ንዘሎ ዅሉ ጠንቂ ጭንቀት ከነወግዶ ኸም ዘይንኽእል ንጹር ኢዩ። ሰላም ክርስቶስ ግን ኣብ ልብና ኽንዕቅቦ ንኽእል ኢና። ብኸመይ፧

10. ሓደ ክርስትያን ካብ ጭንቀቱ ዕረፍቲ ኽረኽበሉ ዝኽእል ክልተ መገድታት እንታይ ኢዩ፧

10 ካብ ቃል ኣምላኽ ምጽንናዕ ንምርካብ ሃለው ምባል ሓደ ኻብቲ ኽንዋጽኣሉ እንኽእል መገዲ ኢዩ። ንጉስ ዳዊት “ጓሂ ልበይ ኣብ ውሽጠይ ምስ በዝሔ: ምጽንናዕካ ንነፍሰይ ኣሐጐሳ” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝሙር 94:⁠19) የሆዋ ዝህቦ “ምጽንናዕ” ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ክርከብ ይከኣል ኢዩ። ነዚ መንፈስ ዝነፈሶ መጽሓፍ መዓልታዊ ምንባብ ንሰላም ክርስቶስ ኣብ ልብና ንኽንዕቅቦ ኽሕግዘና ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ጾርካ ናብ እግዚኣብሄር ደርብዮ: ንሱ ኺድግፈካ እዩ። ንጻድቕ ሰንከልከል ኪብል ከቶ ኣይሐድጎን” ይብል ኢዩ። (መዝሙር 55:⁠22) ጳውሎስ እውን ብተመሳሳሊ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር: ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ። እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ።” (ፊልጲ 4:⁠6, 7) ልባውን ስርዓታውን ጸሎት ሰላምና ንኽንዕቅብ ክሕግዘና ኢዩ።

11. (ሀ) የሱስ ብጸሎት ዝመጸ ሰናይ ኣብነት ዝገደፈልና ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ንጸሎት ብኸመይ ክንርእዮ ኣሎና፧

11 በዚ መዳይ እዚ የሱስ ብሉጽ ኣብነት ገዲፉልና ኢዩ። ሓድሓደ ግዜ ንሰዓታት ዝኸውን ናብ ሰማያዊ ኣቦኡ ይጽሊ ነይሩ ኢዩ። (ማቴዎስ 14:⁠23፣ ሉቃስ 6:⁠12) ጸሎት ነቲ ዝኸበደ ፈተና ኽጻወር ሓጊዝዎ ኢዩ። ድሮ ሞቱ ኣብ ዝነበረት ምሸት: ኣዝዩ ተጨኒቑ ነበረ። እንታይከ ኢዩ ዝገበረ፧ ‘ኣጽኒዑ ለመነ።’ (ሉቃስ 22:⁠44) እወ: እቲ ፍጹም ወዲ ኣምላኽ ጸሎት ዘዘውትር ሰብ ኢዩ ነይሩ። እቶም ዘይፍጹማት ሰዓብቱ ደኣኸ: ክሳዕ ክንደይ ብዝያዳ ናይ ምጽላይ ልማድ ከማዕብሉ ዘይግባእ! የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “ከይቀበጹ ዅሉ ሳዕ ኪጽልዩ” ኸም ዝግብኦም መሃሮም። (ሉቃስ 18:⁠1) ጸሎት ምስቲ ብዛዕባና ኻባና ንላዕሊ ፍልጠት ዘለዎ ኣካል ዝግበር ናይ ሓቅን ኣገዳስን ርክብ ኢዩ። (መዝሙር 103:⁠14) ነቲ ኣብ ልብና ዘሎ ሰላም ክርስቶስ ክንዕቅብ እንተድኣ ዄንና: ‘ከየባተኽና ክንጽሊ’ ኣሎና።​—⁠1 ተሰሎንቄ 5:⁠17

ንድሩትነትና ምስናፍ

12. ገሊኣቶም ኣገልግሎቶም ብቑዕ ኰይኑ ዘይስምዖም ስለምንታይ ኢዩ፧

12 የሆዋ ንነፍሲ ወከፍ ኣገልጋሊኡ ኸም ክቡር ነገር ገይሩ ኢዩ ዝርእዮ። (ሃጌ 2:⁠7) እንተዀነ ግን: ብዙሓት ነዚ ምቕባል የጸግሞም ኢዩ። ገሊኣቶም ብዕድመ ስለ ዝደፍኡ: ተወሳኺ ናይ ስድራ​ቤት ሓላፍነት ስለ ዝስከሙ: ወይ ጥዕና እናሰኣኑ ስለ ዝኸዱ ተስፋ ይቘርጹ ኢዮም። ገሊኣቶም ከኣ ሕማቕ ኣተዓባብያ ስለ ዘሕለፉ ዘይረብሑ ዀይኑ ይስምዖም። ካልኦት እውን ቀደም ንዝፈጸምዎ ኣበሳ: የሆዋ ይቕረ ኢልሎም ድዩ ኣይበለሎምን ስለ ዝጠራጠሩ ይሳቐዩ ይዀኑ። (መዝሙር 51:⁠3) ከምዚ ዝኣመሰለ ስምዒታት ምስ ዝህልወና እንታይ ክግበር ይከኣል፧

13. ነቶም ዋጋ ዘይብሎም ኰይኑ ዝስምዖም እንታይ ቅዱስ ጽሑፋዊ መጸናንዒ ኢዩ ዘሎ፧

13 ሰላም ክርስቶስ: የሆዋ ከም ዘፍቅረና የረጋግጸልና ኢዩ። የሱስ ተደለይቲ ምዃንና ዝዕቀን እቲ እንገብሮ ነገራት ምስቲ ካልኦት ዝገብርዎ ምስ ዝወዳደር ኢዩ ከም ዘይበለ ምስ እነስተንትነሉ ኣብ ልብና እንደገና ሰላም ክሰፍን ይኽእል ኢዩ። (ማቴዎስ 25:⁠14, 15፣ ማርቆስ 12:⁠41-44) የሱስ ንተኣማንነት ኢዩ ኣጕሊሑ። ንደቀ መዛሙርቱ “እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና ኪድሕን እዩ” በሎም። (ማቴዎስ 24:⁠13) ንሱ ባዕሉ ብሰብ “ንዑቕ” ነበረ: ኣቦኡ ኸም ዘፍቅሮ ግን ተጠራጢሩ ኣይፈልጥን ኢዩ። (ኢሳይያስ 53:⁠3፣ ዮሃንስ 10:⁠17) ንደቀ መዛሙርቱ እውን ዝፍቀሩ ምዃኖም ነጊርዎም ኢዩ። (ዮሃንስ 14:⁠21) የሱስ ነዚ ንምጕላሕ ከምዚ በለ:- “ክልተ ዑፍዶ ብኣሳርዮን ይሽየጣ ኣይኰናን፧ ሓንቲ ኻባታተን ብዘይ​ ፍቓድ ኣቦኹም ኣብ ምድሪ ኣይትወድቕን። ጸጕሪ ርእስኹም ኵለን እኳ ቝጹራት እየን። እምብኣርስኸ ንስኻትኩም ካብ ብዙሓት ኣዕዋፍ ትበልጹ ኢኹም እሞ: ኣይትፍርሁ።” (ማቴዎስ 10:⁠29-31) ኣየ ኸመይ ዝበለ መረጋገጺ ፍቕሪ የሆዋ ዀን ኢዩ!

14. የሆዋ ንዅልና ኣኽቢሩ ኸም ዝርእየና እንታይ መረጋገጺ ኣሎና፧

14 የሱስ ብተወሳኺውን “እቲ ዝለአኸኒ ኣቦይ ዝሰሐቦ እንተ ዘይኰይኑ: ናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦን” በለ። (ዮሃንስ 6:⁠44) የሆዋ ንየሱስ ክንስዕቦ ኻብ ሰሓበና: ክንድሕን ደልዩና ክኸውን ኣለዎ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “ካብዞም ናእሽቱ ሓደ ኺጠፍእ: ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ኣይኰነን” በሎም። (ማቴዎስ 18:⁠14) ስለዚ: ብምሉእ ልብኻ ተገልግል እንተሊኻ: ብሰናይ ግብርኻ ተሓጐስ። (ገላትያ 6:⁠4) ብዝሓለፈ ጌጋታት ትሳቐ እንተሊኻ: የሆዋ ናይ ሓቂ ነስሓ ንዘርእዩ ሰባት “ኣዝዩ” ይቕረ ዝብል ምዃኑ ርግጸኛ ኹን። (ኢሳይያስ 43:⁠25፣ 55:⁠7) ብዝዀነ ይኹን ነገር ተስፋ እንተ ቘሪጽካ “እግዚኣብሄር ነቶም ስቡር ልቢ ዘለዎም ቀረባኦም . . . ነቶም ቅጥቁጥ መንፈስ ዘለዎም ድማ የድሕኖም” ምዃኑ ኣይትረስዕ።​—⁠መዝሙር 34:⁠18

15. (ሀ) ሰይጣን ሰላምና ኽዘርግ ዝፍትን ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ኣብ የሆዋ እንታይ ምትእምማን ኢና ኸነሕድር እንኽእል፧

15 ሰይጣን ሰላምካ ኽዘርገልካ ህርድግ ኢዩ ዝብል። ጠንቂ ናይዚ ዅላትና ንቃለሶ ዘሎና ዝወረስናዮ ሓጢኣት ንሱ ኢዩ። (ሮሜ 7:⁠21-24) በቲ ዘይፍጽምናኻ ተጠቒሙ ንኣምላኽ እተቕርቦ ኣገልግሎት ተቐባልነት ከም ዘይብሉ ኽገብር ከም ዝጽዕር እተረጋገጸ ኢዩ። ሰይጣን ንኸሐልለካ ፈጺምካ ኣይተፍቅደሉ! ንውዲቱ ኣይትስሓቶ: ብዛዕባ እዚ ፍልጠት ብምርካብካ እውን ንኽትጸንዕ ቈራጽነት ግበር። (2 ቈረንቶስ 2:⁠11፣ ኤፌሶን 6:⁠11-13) ‘ኣምላኽ ካብ ልብና ዝዓብን ኵሉ ዝፈልጥን ከም ዝዀነ’ ኣይትረስዕ። (1 ዮሃንስ 3:⁠20) የሆዋ ጕድለታትና ጥራይ ኣይኰነን ዝርኢ። ባህግታትናን ውጥናትናን እውን ይርኢ ኢዩ። ስለዚ በቲ “እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኣይኪድርብዮን: ንርስቱ ኸኣ ኣይኪሐድጎን እዩ” ዝብል ናይቲ ጸሓፍ መዝሙር ቃላት ተጸናናዕ።​—⁠መዝሙር 94:⁠14

ብሰላም ክርስቶስ ሕቡራት

16. ጸኒዕና ንኽንነብር ኣብ እንገብሮ ጻዕሪ በይንና ዘይኰንና ብኸመይ ኢና፧

16 ጳውሎስ ‘ብሓደ ስጋ ስለ እተጸዋዕና’ ሰላም ክርስቶስ ኣብ ልብና ኽገዝእ ከነፍቅድ ከም ዘሎና ጸሓፈ። እቶም ጳውሎስ ዝጸሓፈሎም ቅቡኣት ክርስትያናት ኰኑ እቶም ሎሚ ዘለዉ ቅቡኣት ተረፍ ክፍሊ ስጋ ክርስቶስ ንምዃን ተጸዊዖም ኢዮም። እቶም ብጾቶም “ኻልኦት ኣባጊዕውን” እቲ ‘ሓደ ጓሳ’ እተባህለ የሱስ ክርስቶስ ስለ ዝጓስዮም ምስቶም ቅቡኣት “ሓደ መጓሰ” ብምዃን ሓቢሮም ኢዮም። (ዮሃንስ 10:⁠16) እዞም ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ዓለምለኻዊ “መጓሰ” ብሓባር ኰይኖም ሰላም ክርስቶስ ንልቦም ክገዝእ የፍቅድሉ ኣለዉ። በይንና ከም ዘይኰንና ምፍላጥና ጸኒዕና ንኽንቅጽል ይሕግዘና ኢዩ። ጴጥሮስ “እዚ ሓሳረ መከራ እዚ ነቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ ኣሕዋትኩም ይበጽሖም ከም ዘሎ እናፈለጥኩም: ብእምነት ጸኒዕኩም [ንሰይጣን] ተቓወምዎ” ኢሉ ጸሓፈ።​—⁠1 ጴጥሮስ 5:⁠9

17. ሰላም ክርስቶስ ኣብ ልብና ንኽገዝእ ዘነቓቕሓና እንታይ ኢዩ፧

17 ስለዚ: ኵላትና ነዛ ኣገዳሲት ፍረ መንፈስ ቅዱስ ዝዀነት ሰላም ምዅስኳስ ኣይነቋርጽ። (ገላትያ 5:⁠22, 23 NW ) እቶም ኣብ ቅድሚ የሆዋ ብዘይ ነውርን ብዘይ መንቅብን ብሰላምን ኰይኖም እተረኽቡ: ኣብ መወዳእታኡ ኣብታ ጽድቂ ዝነብረላ ገነታዊት ምድሪ ዘለኣለማዊ ህይወት ክረኽቡ ኢዮም። (2 ጴጥሮስ 3:⁠13, 14) እምበኣር: ሰላም ክርስቶስ ኣብ ልብና ኽገዝእ ንኸነፍቅደሉ እኹል ምኽንያት ኣሎና።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብ ገሊኡ መዳያት: ብሰንኪ ኸም ብርቱዕ ጭንቀት ዝኣመሰለ ዓይነት ሕማም ክንርበሽ ወይ ዓቕልና ኽጸበና ይኽእል ኢዩ።

[ትዝክሮዶ፧

• ሰላም ክርስቶስ እንታይ ኢዩ፧

• ክንብደል ከሎና ሰላም ክርስቶስ ኣብ ልብና ኽገዝእ ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧

• ሰላም ክርስቶስ ንጭንቀት ክንዋጽኣሉ ዝሕግዘና ብኸመይ ኢዩ፧

• ዋጋ ዘይብልና ዀይኑ ምስ ዝስምዓና ሰላም ክርስቶስ ዘጸናንዓና ብኸመይ ኢዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ኣብ ቅድሚ እቶም ከሰስቱ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን ጕዳዩ ናብ የሆዋ ገደፎ

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

ልክዕ ከም ሕቝፊ ናይ ፈቃር ኣቦ: እቲ የሆዋ ዝህቦ ምጽንናዕ ካብ ጭንቀትና ኸዕርፈና ይኽእል ኢዩ

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ኣምላኽ ንእነርእዮ ምጽማም ዓቢ ግምት ይህቦ ኢዩ