ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ቀደም ተዃሉ ነይርና ሕጂ ግን ኣባጊዕ ኢና!

ቀደም ተዃሉ ነይርና ሕጂ ግን ኣባጊዕ ኢና!

ቀደም ተዃሉ ነይርና ሕጂ ግን ኣባጊዕ ኢና!

 ኣነን ሳኪናን ቈልዑት ከሎና ጐረባብቲ ነበርና። ሳኪና ገዛፍን ድልድልትን ነበረት: ኣነ ግን ደቃቕን ቀጣንን ነበርኩ። ብተደጋጋሚ ንጐናፈጥ ነበርና: ሓንቲ መዓልቲ ግን ናይ ብሓቂ ተባኣስና። ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንነጀው ንሓድሕድና ተዘራሪብና ዀነ ሰላም ተባሃሂልና ኣይንፈልጥን። ድሕሪ ግዜ: ክልቴና ኻብቲ ዝነበርናሉ ኸባቢ ገዓዝና: ተጠፋፋእና ድማ።

ብ1994 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብሩለይ ምስ ጀመሩ: በብቕሩብ ባህርያተይ ተቐየረ። ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ቡጁምቡራ: ብሩንዲ: ኣብ እተገብረ መዓልቲ ፍሉይ ኣሰምብሊ ኽካፈል ከለኹ: ምስ ሳኪና ጐፍንጐፍ ተራኸብና። ኣብቲ ኣኼባ ብምክፋላ ባህ ኢሉኒ እኳ እንተ ነበረ: ሰላምታና ግን ምዉቕ ኣይነበረን። ደሓር ግን ኣብታ መዓልቲ እቲኣ: ኣብ መንጎ እቶም ናይ ጥምቀት ሕጹያት ምስ ረኣኽዋ ኣዝየ ተገረምኩ! ለካ ንሳውን ብዙሕ ለውጢ ገይራ ኢያ። እታ ወትሩ ዝጐናፈጣ ዝነበርኩ ተባኣሲት ጓል ኣይኰነትን። ንኣምላኽ ህይወታ ኸም ዝወፈየት ብማይ ጥምቀት ከተርኢ ኸላ ምዕዛበይሲ ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ዘሐጕስ ኰን ኢዩ ነይሩ!

ካብ ማይ ምስ ወጸት: ጐይየ ኸይደ ሓቘፍኩዋ: “ብተደጋጋሚ ንባኣስ ምንባርናስ ይዝከረኪዶ፧” ኢለ ድማ ሕሹኽ በልክዋ። ንሳ ድማ “እወ ይዝከረኒ ኢዩ: እንተዀነ ግን ሓሊፉ ኢዩ። ሕጂ ኻልእ ሰብ ኢየ” በለትኒ።

ንኽልቴና ዘሕብረናን ነቲ ከም ተዅላ ዝኣመሰለ ባህርይና ናብ ኣባጊዕ ናይቲ ዓቢ ጓሳ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ዝቐየረናን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ብምርካብና ሕጉሳት ኢና። ብርግጽ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንህይወት ሰባት ይልውጥ ኢዩ።