ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብኸመይ ጥበባዊ ውሳነ ኸም እትገብር

ብኸመይ ጥበባዊ ውሳነ ኸም እትገብር

ብኸመይ ጥበባዊ ውሳነ ኸም እትገብር

 ናጻ ድሌት ውህበት ኣምላኽ ኢዩ። እዚ ውህበት እዚ እንተ ዘይህልወና ነይሩ ንተግባራትና ዘይንቈጻጸር: ካብ ሮቦት ብዙሕ ዘይንሓይሽ ምዀንና። እንተዀነ ግን: ብድሆታት እውን ኣለዎ። ናጻ ድሌት ስለ ዘሎና ኣብ ህይወትና ውሳነታት ናይ ምግባር ብድሆ የጋጥመና ኢዩ።

ልክዕ ኢዩ መብዛሕትኡ እንገብሮ ውሳነታት ብዙሕ ኣገዳስነት የብሉን። ብዛዕባ እንመርጾ ሞያ ወይ ድማ ክንምርዖ ዲና ኣይክንምርዖን ዝኣመሰለ ውሳነታት ግን ንብምሉኡ መጻኢ ህይወትና ኽጸሉ ይኽእል ኢዩ። ገሊኡ ኸኣ ንኻልኦት ሰባት ዝትንክፍ ኢዩ። ወለዲ ዝገብርዎ ገሊኡ ውሳነታት ኣብ ደቆም ሓያል ጽልዋ የሕድር ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ: ንመብዛሕትኡ ውሳነታትና ንኣምላኽ ጸብጻብ ክንህበሉ ኣሎና።​—⁠ሮሜ 14:⁠12

ሓገዝ የድሊ

ደቅሰብ ውሳነ ብምግባር ዝመጸ ሕማቕ ታሪኽ ኢዩ ዘለዎም። ሓደ ኻብቲ ኣብ ታሪኽ ተመዝጊቡ ዘሎ ደቅሰብ ንፈለማ ግዜ ዝገበርዎ ውሳነ ሕማቕ ሳዕቤን ኣስዒቡ ኢዩ። ሄዋን ካብቲ ኣምላኽ ብንጹር ከይትበልዕ ዝኸልከላ ፍረ በልዐት። ሰብኣያ ነቲ ኣብ ስሱዕ ድሌት እተመርኰሰ ምርጫኣ ደጊፉ ንኣምላኽ ኣብ ዘይምእዛዝ ሓበራ: እዚ ድማ ንደቅ​ሰብ ብዙሕ ስቓይ ኣስዓበሎም። መብዛሕትኡ እዋን ደቅሰብ ኣብ ቅኑዕ ስርዓታት ዘይኰነስ ኣብ ስሱዕ ድሌታቶም ተመርኲሶም ኢዮም ውሳነታት ዝገብሩ። (ዘፍጥረት 3:⁠6-19፣ ኤርምያስ 17:⁠9) ከቢድ ውሳነታት ከጋጥመና ኸሎ ድማ መብዛሕትኡ እዋን ዘሎና ድሩትነት ይርድኣና ኢዩ።

ስለዚ: ብዙሓት ሰባት ኣገዳሲ ውሳነታት ክገብሩ ኸለዉ: ካብኦም ካብ ዝልዕሉ ምንጭታት ሓገዝ ምድላዮም ኣየገርምን ኢዩ። ነቡካድነጻር ወተሃደራዊ ወፍርታቱ እናኣካየደ ኸሎ ውሳነ ኽገብር ከም ዘድለዮ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና ኢዩ። ንጉስ እኳ እንተ ነበረ: “ኺጥንቍል” ማለት ንመናፍስቲ ኽሓትት ኣድላዪ ዀይኑ ተሰምዖ። ስለዚ: ከምቲ ኣብ ጽሑፍ ሰፊሩ ዘሎ ‘ፍላጻታት ኣነንዩ: ንጣኦታት ቤቱ ጠይቑ: ከብዲ ድማ ጠሚቱ’ ኢዩ። (ህዝቅኤል 21:⁠21) ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ ብዙሓት ንጠንቈልትን ቈጸርቲ ኸዋኽብትን የማኽሩ: ከምኡውን ብኻልእ መገድታት ካብ መናፍስቲ ሓገዝ ይደልዩ ኣለዉ። እዚኣቶም ግን መታለልትን መስሓትን ኢዮም።​—⁠ዘሌዋውያን 19:⁠31

ኣብ ታሪኽ ከም እተራእየ ንደቅ​ሰብ ጥበባዊ ውሳነ ኽገብሩ ዝሓገዞም ከምኡውን ምሉእ ብምሉእ ትውክልቲ ኽግበሮ ዝከኣል ሓደ ኣካል ግን ኣሎ። ንሱ ድማ የሆዋ ኣምላኽ ኢዩ። ንኣብነት: ጥንቲ ንህዝቢ እስራኤል ኡሪምን ቱሚምን ሂብዎም ነበረ: እዚ ድማ እቶም ህዝቢ ዓቢ ውሳነ ኽገብሩ ኸድልዮም ከሎ ዘውድቕዎ እተቐደሰ ዕጭ ኢዩ ነይሩ ዝኸውን። የሆዋ ብኡሪምን ቱሚምን ኣቢሉ ንዝቐርብ ዝነበረ ሕቶታት ቀጥታዊ መልሲ ይህብ: ዓበይቲ እስራኤል ዝገብርዎ ዝነበሩ ውሳነታት ድማ ምስ ፍቓዱ ዝሰማማዕ ምዃኑ የረጋግጸሎም ነበረ።​—⁠ዘጸኣት 28:⁠30፣ ዘሌዋውያን 8:⁠8፣ ዘዳግም 27:⁠21

ካልእ ኣብነት እስከ ንርአ። ጊዴዎን ንሰራዊት እስራኤል መሪሑ ምስ ሚድያናውያን ክዋጋእ ጻውዒት ምስ ቀረበሉ: ከምዚ ዝኣመሰለ ዓቢ መሰል ንኽቕበል ወይ ንኽነጽጎ ኽውስን ነበሮ። ጊዴዎን: የሆዋ ደገፍ ከም ዝህቦ እንደገና ኸረጋግጽ ስለ ዝደለየ: ተኣምር ክርኢ ሓተተ። ኣብ ደገ ጸምሪ ኣንበረ እሞ ኣብቲ ጸምሪ ጥራይ ዛዕዛዕታ ክኸውን: ምልእቲ ምድሪ ግን ንቕጽቲ ኽትከውን ሓተተ። ንጽብሒቱ ምሸት ከኣ እቲ ጸምሪ ጥራይ ንቑጽ: ኣብ ብዘላ ምድሪ ድማ ዛዕዛዕታ ክኸውን ሓተተ። የሆዋ ብሕያውነት ነቲ ዝሓተቶ ትእምርቲ ገበረሉ። ከም ውጽኢት ናይዚ ጊዴዎን ቅኑዕ ውሳነ ገበረ: ብመለኮታዊ ሓገዝ ከኣ ንጸላእቲ እስራኤል ምሉእ ብምሉእ ሰዓሮም።​—⁠መሳፍንቲ 6:⁠33-40፣ 7:⁠21, 22

ሎሚኸ፧

ሎሚ እውን እንተዀነ የሆዋ ንኣገልገልቱ ኣገዳሲ ውሳነ ኽገብሩ ኸለዉ ይሕግዞም ኢዩ። ብኸመይ፧ ልክዕ ከም ጊዴዎን እቲ ቕኑዕ ውሳነ ኣየናይ ምዃኑ ንምፍላጥ ካብ የሆዋ ‘ናይ ጸምሪ ምልክት’ ክንሓትት ኣሎናዶ ኢዩ፧ ንኣብነት: ሰብኣይን ሰበይትን ሰብ ሓዳር ኣብቲ ዝያዳ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዝድለዩሉ ቦታ ኸይዶም ብዛዕባ ምግልጋል ውሳነ ኽገብሩ ደለዩ። ውሳነኦም ቅኑዕ ምዃኑ ንምርግጋጽ ሓደ ነገር ክፍትኑ ደለዩ። ንገዝኦም ብእተወሰነ ዋጋ ንመሸጣ ኣቕረብዋ። እታ ገዛ ኣብ ውሽጢ እተወሰነ እዋን በቲ ዝበልዎ ዋጋ ወይ ካብኡ ንላዕሊ እንተ ተሸይጣ: ኣምላኽ ክግዕዙ ኸም ዝደልዮም ምልክት ከም ዝዀኖም ገይሮም ወሰድዎ። እንተ ዘይተሸይጣ ግን: ኣምላኽ ክግዕዙ ኸም ዘይደልዮም ገይሮም ኢዮም ክድምድሙ።

እታ ገዛ ኣይተሸጠትን። እዝስ የሆዋ ነዞም ሰብ ሓዳር እዚኣቶም ናብቲ ዝያዳ ኣገልገልቲ ዝድለዩሉ ቦታ ክኸዱ ከም ዘይደለዮም ዝሕብር ምልክት ድዩ ነይሩ፧ የሆዋ ንኣገልገልቱ እንታይ ከም ዝገብረሎምን ከም ዘይገብረሎምን ዝርዝር ነገራት ምውጻእ ድፍረት ኢዩ። ሎሚ: የሆዋ ንዓና ብዝምልከት ፍቓዱ እንታይ ምዃኑ ንኽገልጸልና ፈጺሙ ጣልቃ ኣይኣቱን ኢዩ ኽንብል ኣይንኽእልን ኢና። (ኢሳይያስ 59:⁠1) እንተዀነ ግን: ኣብቲ እንገብሮ ዓበይቲ ውሳነታት ጣልቃ ኽኣቱ ክንጽበ: ብኻልእ ኣበሃህላ ኣምላኽ ክውስነልና ኽንገድፎ መሰል የብልናን። ጊዴዎን እውን ከይተረፈ ኣብ መብዛሕትኡ ናብራ ህይወቱ ኻብ የሆዋ ተኣምራት ከይረኣየ ኢዩ ውሳነታት ዝገብር ነይሩ!

ገና ግን መጽሓፍ ቅዱስ መለኮታዊ ሓገዝ ክንረክብ ከም እንኽእል ይገልጽ ኢዩ። ብዛዕባ ግዜና ኸምዚ ዝብል ትንቢት ኣሎ:- “ንየማን ወይስ ንጸጋም እንተ ኣግለስኩም: ኣእዛንካ: እዚኣ እያ እታ መገዲ: ብእኣ ተመላለሱ: ዚብል ቃል ኣብ ድሕሬኻ ኺሰምዓ እየን።” (ኢሳይያስ 30:⁠21) ኣገዳሲ ውሳነ ኽንገብር ከሎና: ውሳነታትና ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ከም ዝሰማማዕን ነቲ ዝለዓለ ጥበቡ ዘንጸባርቕን ምዃኑ ምርግጋጽ ግቡእ ኢዩ። ብኸመይ፧ ንቓሉ ብምውካስን ‘ንእግርና መብራህቲ: ንመገድና ኸኣ ብርሃን’ ክኸውን ብምፍቃድን ኢና ኸምዚ ኽንገብር እንኽእል። (መዝሙር 119:⁠105፣ ምሳሌ 2:⁠1-6) ነዚ ንምግባር: ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ርጡብ ፍልጠት ናይ ምውሳድ ልማድ ክንኵስኵስ ኣሎና። (ቈሎሴ 1:⁠9, 10) ውሳነታት ክንገብር ከሎና: ምስቲ ጕዳይ ዝተሓሓዝ ኵሉ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተጠንቂቕና ኽንምርምሮ ኣሎና። ከምዚ ምግባር ‘ነቲ ዝሓይሽ ንኽንምርምር’ የኽእለና።​—⁠ፊልጲ 1:⁠9, 10

የሆዋ ኸም ዝሰምዓና ርግጸኛታት ብምዃን ናብኡ ኽንጽሊ ንኽእል ኢና። ነቲ ፈቃር ኣቦና ብዛዕባ እቲ ኽንገብሮ ዘሎና ውሳነን ሓሲብናዮ ዘሎና ኣማራጺታትን ክንገልጸሉስ: ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ዘበራትዕ ኰን ኢዩ! ድሕሪኡ: ቅኑዕ ውሳነ ንኽንገብር መምርሒ ምእንቲ ኽወሃበና: ከይተወላወልና ኽንሓትት ንኽእል ኢና። መብዛሕትኡ እዋን መንፈስ ቅዱስ ንዅነታትና ዝምልከት ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ የዘኻኽረና ወይ ነቲ ምስቲ ጕዳይ ዝተሓሓዝ ጥቕሲ ብዝያዳ ንኽንርድኦ ኽሕግዘና ይኽእል ኢዩ።​—⁠ያእቆብ 1:⁠5, 6

ብተወሳኺውን የሆዋ ኣብ ገጉባኤና ብዛዕባ ውሳነታትና ኸነመያይጦም እንኽእል ብሱላት ኣሕዋት ሂቡና ኣሎ። (ኤፌሶን 4:⁠11, 12) ምኽሪ ኽንሓትት ከሎና ግን ከምቶም ምስ ሓሳቦም ዝሰማማዕ ሰብ ክሳዕ ዝረኽቡ እተፈላለዩ ሰባት ዘማኽሩ ኽንከውን የብልናን። እዞም ሰባት እዚኣቶም ነቲ ዝደልይዎ ዓይነት ምኽሪ ኢዮም ዝስዕቡ። ከም ሮብዓም ከይንኸውን እውን ክንጥንቀቕ ኣሎና። ውሳነ ዘድልዮ ኸቢድ ጕዳይ ምስ ኣጋጠሞ: ንኣቦኡ ኻብ ዘገልግሉ ዝነበሩ ዓበይቲ ሰባት ጽቡቕ ምኽሪ ተዋህቦ። እንተዀነ ግን: ነቲ ምኽሮም ኣብ ክንዲ ምስዓብ: ካብቶም ምስኡ ዝዓበዩ መንእሰያት ምኽሪ ሓተተ። ንምኽሮም ብምስዓቡ ዘይጥበባዊ ውሳነ ገበረ: ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ዝሰፍሐ ኽፍሊ ግዝኣቱ ሰኣነ።​—⁠1 ነገስት 12:⁠1-17

ምኽሪ ምስ እትደሊ ናብቶም ተመክሮ ዘለዎምን ቅዱሳት ጽሑፋት ኣጸቢቖም ዝፈልጡን ንቕኑዕ ስርዓታት ኣኽብሮት ዘለዎምን ሰባት ኪድ። (ምሳሌ 1:⁠5፣ 11:⁠14፣ 13:⁠20) ዝከኣል እንተ ዀይኑ: ግዜ ወሲድካ ነቲ ምስቲ ጕዳይ ዝተሓሓዝ መሰረታዊ ስርዓታትን ነቲ ዝኣከብካዮ ሓበሬታታትን ኣስተንትነሉ። ንነገራት ብብርሃን ቃል የሆዋ ኽትሪኦ ምስ ጀመርካ: እቲ ቕኑዕ ውሳነ ዝያዳ ንጹር ክዀነልካ ኢዩ።​—⁠ፊልጲ 4:⁠6, 7

እንገብሮ ውሳነ

ገሊኡ ውሳነታት ቀሊል ኢዩ። ሃዋርያት ስብከት ከቋርጹ ምስ ተኣዘዙ: ብዛዕባ የሱስ ምስ​ባኽ ከቋርጹ ኸም ዘይብሎም ይፈልጡ ስለ ዝነበሩ ብኡንብኡ ነቶም ኣብ ሳንሄድሪን ዝነበሩ ሰባት ካብ ንሰብ ንኣምላኽ ክእዘዙ ኸም ዝወሰኑ ገለጹሎም። (ግብሪ ሃዋርያት 5:​28, 29) ገሊኡ ውሳነታት ግን ምስቲ ጕዳይ ብቐጥታ ዝተሓሓዝ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ጥቕሲ ስለ ዘየለ ዝያዳ ምሕሳብ የድልዮ ይኸውን። ኣብዚ እውን ዝበለጸ ውሳነ ንምግባር ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክሕግዝ ይኽእል ኢዩ። ንኣብነት: መብዛሕትኡ ሎሚ ዘሎ ዓይነት መዘናግዒታት ኣብ ግዜ የሱስ ዘይነበረ እኳ እንተዀነ: ንየሆዋ ዘሐጕሶን ዘየሐጕሶን ኣየናይ ምዃኑ ዝገልጽ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ግን ኣሎ። ስለዚ ብዓመጽ: ብዕልግና: ወይ ብዕልዋ ዝዘናጋዕ ዝዀነ ይኹን ክርስትያን: ዘይጥበባዊ ውሳነ ኢዩ ገይሩ ዘሎ።​—⁠መዝሙር 97:⁠10፣ ዮሃንስ 3:⁠19-21፣ ገላትያ 5:⁠19-23፣ ኤፌሶን 5:⁠3-5

ሓድሓደ ግዜ: ክልቲኡ ውሳነታት ቅኑዕ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣብቲ ዝያዳ ኣገልገልቲ ዝድለዩሉ ቦታ ኼድካ ምግልጋል ዘደንቕ መሰል ኢዩ: ብዙሕ በረኸት እውን ከምጽእ ይኽእል ኢዩ። እንተዀነ ግን: ሓደ ውልቀ⁠-​ሰብ ብእተፈላለየ ምኽንያታት ኣብቲ ዘለዎ ዀይኑ ኸገልግል እንተ ወሲኑ: ኣብ ጉባኤኡ ሰናይ ነገራት ክገብር ይኽእል ኢዩ። ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት: ንየሆዋ ዝገበርናዮ ተወፋይነት ክሳዕ ክንደይ ዕምቈት ከም ዘለዎ ወይ ኣብ ህይወትና ካብ ኵሉ ንላዕሊ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር እንታይ ምዃኑ እነርእየሉ ውሳነ የጋጥመና ኢዩ። ስለዚ: የሆዋ ኵነታት ልብና ኸመይ ምዃኑ ንምርኣይ ነቲ ዘሎና ናጻ ድሌት ኽንጥቀመሉ ይፈቅድ ኢዩ።

ካልኦት ሰባት እውን ብውሳነታትና ይጽለዉ ኢዮም። ንኣብነት: ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ካብ ትሕቲ እቲ ሕጊ ሓራ ብምውጻኦም ተሓጒሶም ኢዮም። ንኣብነት ነቲ ኣብ ትሕቲ እቲ ሕጊ ርኹስ ዝነበረ እንስሳ: ኽበልዑ ወይ ክገድፍዎ ይኽእሉ ነይሮም ኢዮም ማለት ኢዩ። ይኹን እምበር: ነዚ ሓርነቶም እዚ ቕድሚ ምጥቃሞም ንሕልና ኻልኦት ኣብ ግምት ከእትዉ ተተባቢዖም ኢዮም። ኣብዚ ጕዳይ እዚ ጳውሎስ “መዓንቀፊ ኣይትኹኑ” ብምባል እተዛረበን ቃላት ኣብ እንገብሮ ውሳነታት ኵሉ ክንጥቀመለን ንኽእል ኢና። (1 ቈረንቶስ 10:⁠32) ንኻልኦት መዐንቀፊ ንኸይንኸውን ዘሎና ድሌት ኣብ እንገብሮ ብዙሕ ውሳነታት ኽሕግዘና ይኽእል ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚውን: ንብጻይካ ምፍቃር ካልኣይቲ ዓባይ ትእዛዝዶ ኸይኰነት፧​—⁠ማቴዎስ 22:⁠36, 39

ውሳነታትና ዘምጽኦ ውጽኢት

ኣብ ሰናይ ሕልናን ኣብ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስን ተመርኲስካ ዝግበር ውሳነታት ኣብ መወዳእታኡ ጽቡቕ ውጽኢት ኣለዎ። ልክዕ ኢዩ: ንግዜኡ መስዋእቲ ኽትገብር ይሓተካ ይኸውን። ሃዋርያት ንሳንሄድሪን ብዛዕባ የሱስ ምስባኽ ከም ዘየቋርጹ ውሳነኦም ምስ ነገርዎም: ተገሪፎም ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 5:⁠40) እቶም ሰለስተ እብራውያን ማለት ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ⁠-​ኔጎን ነቲ ነቡካድነጻር ዘቘሞ ምስሊ ወርቂ ኸይሰግዱ ክውስኑ ኸለዉ: ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኢዮም ኣእትዮም ነይሮም። እቲ ዝገበርዎ ውሳነ ሞት ከስዕበሎም ከም ዝኽእል ተዳልዮም ኢዮም ነይሮም። እንተዀነ ግን: ሞገስን በረኸትን ኣምላኽ ከም ዝረኽቡ እውን ርግጸኛታት ኢዮም ነይሮም።​—⁠ዳንኤል 3:⁠16-19

ኣብ ሕልናኻ ተመርኲስካ ብጥንቃቐ ውሳነ ድሕሪ ምግባር ጸገማት እንተድኣ ኣጓኒፍካ: እቲ ውሳነ ጌጋ ነይሩ ማለት ኣይኰነን። “ጊዜን ኣጋጣምን” ነቲ ዝበለጸ ውሳነ እውን ከበላሽዎ ይኽእል ኢዩ። (መክብብ 9:⁠11) ኣብ ርእሲ እዚውን: የሆዋ ንዕምቈት ተወፋይነትና ንምርኣይ ሓድሓደ ግዜ ሽግር ከጋጥመና ይፈቅድ ኢዩ። ያእቆብ በረኸት ቅድሚ ምርካቡ ምሉእ ለይቲ ምስ መልኣኽ ክቃለስ ነበሮ። (ዘፍጥረት 32:⁠24-26) ንሕና እውን ቅኑዕ ነገር እናገበርና ኸሎና እውን ከይተረፈ ምስ ጸገማት ክንቃለስ የድልየና ይኸውን። ውሳነታትና ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ዝሰማማዕ ምስ ዝኸውን ግን: ንኽንጸንዕ ከም ዝሕግዘናን ኣብ መወዳእታ ከም ዝባርኸናን ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።​—⁠2 ቈረንቶስ 4:⁠7

ስለዚ: ኣገዳሲ ውሳነ ኽትገብር ከሎኻ ኣብ ናይ ገዛእ ርእስኻ ጥበብ ኣይትወከል። ምስቲ ጕዳይ ዝተሓሓዝ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ድለ። ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ንየሆዋ ንገሮ። ዝከኣል እንተድኣ ዀይኑ: ንብሱላት ኣመንቲ ክርስትያናት ኣማኽር። ድሕርዚ ትባዕ። ነቲ ኣምላኽ ዝሃበካ ናጻ ድሌት ሓላፍነት ብዘለዎ መገዲ ተጠቐመሉ። ጥበባዊ ውሳነ ግበር እሞ ልብኻ ቕኑዕ ምዃኑ ንየሆዋ ኣርእዮ።

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ኣገዳሲ ውሳነታት ቅድሚ ምግባርካ ቃል ኣምላኽ እንታይ ከም ዝብል መርምር

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ብዛዕባ እቲ እትገብሮ ውሳነታት ንየሆዋ ንገሮ

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]

ኣገዳሲ ውሳነታት ክትገብር ከሎኻ ምስ ብሱላት ክርስትያናት ክትመያየጥ ትኽእል ኢኻ