ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ንሰላም ድለያ ስዓባውን’

‘ንሰላም ድለያ ስዓባውን’

‘ንሰላም ድለያ ስዓባውን’

“ዚከአል እንተ ዀይኑስ: ብኣኻትኩም ዝመጸ: ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ።”​—⁠ሮሜ 12:⁠18

1, 2. ሰብ ዘምጽኦ ሰላም ነባሪ ክዀነሉ ዘይክእል ገለ ምኽንያታት እንታይ ኢዩ፧

 ዘይድልዱል መሰረት: ዝቦኽቦኸ ኣዕኑድ: ከምኡውን ዝዘጠጠ ሰንቀ ዘለዎ ገዛ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣል። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ገዛ ኽትነብርዶ ምደለኻ፧ ምናልባት ኣይምደለኻን። እንተ ተለቕለቐ እውን: እቲ ገዛ ኣብ ሰንኮፍ ምዃኑ ኣይተርፎን ኢዩ። ውዒሉ ሓዲሩ: ክፈርስ ኢዩ።

2 እዛ ዓለም እዚኣ እተምጽኦ ሰላም ካብ ኵነታት እዛ ዝጠቐስናያ ገዛ ዝሓይሽ ኣይኰነን። ኣብ ዘይድልዱል መሰረት ማለት ኣብ መብጽዓታትን መደባትን ናይቲ “ኺረድእ ዘይከአሎ ወዲ ሰብ” ኢዩ ተሃኒጹ። (መዝሙር 146:⁠3) መዝገብ ታሪኽ ኣብ መንጎ ሃገራትን ዓሌታትን ቀቢላታትን ብእተገብረ ውግእ ዝመልአ ኢዩ። ልክዕ ኢዩ: ንሓጺር ግዜ ሰላም እተረኽበሉ እዋናት ነይሩ ኢዩ: እንተዀነ ግን እንታይ ዓይነት ሰላም ኢዩ ነይሩ፧ ክልተ ሃገራት ክዋግኣ ድሕሪ ምጽናሕ ሓንቲአን ስለ እተሳዕረት ወይ ክልቲአን ሃገራት ነቲ ውግእ ምቕጻል ጥቕሚ ኸም ዘይረኽባሉ ስለ እተገንዘባ ሰላም እንተ ኣዊጀን: እንታይ ዓይነት ሰላም ኢዩ ኽበሃል፧ ነቲ ውግእ ዘባርዖ ጽልኢ: ምጥርጣር: ከምኡውን ቅንኢ ገና ኣይጠፍአን። ንጽልኢ ብሕብሪ ‘ለቕሊቕካ:’ ካብ ክሳድ ንላዕሊ ምትዕራቕ ነባሪ ሰላም ኣየምጽእን ኢዩ።​—⁠ህዝቅኤል 13:⁠10

3. ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ ዘሎ ሰላም ካብቲ ሰብ ዘምጽኦ ዝዀነ ይኹን ሰላም ዝፍለ ስለምንታይ ኢዩ፧

3 ይኹን እምበር: ኣብዛ ብውግእ እትናወጽ ዘላ ዓለም ናይ ሓቂ ሰላም ኣሎ። ኣበይ፧ ኣብ መንጎ እቶም ንቓላት የሱስ ክርስቶስ ብምቕላብ ክመስልዎ ዝጽዕሩን ኣሰሩ ዝስዕቡን ሓቀኛታት ክርስትያናት ኢዩ ዝርከብ። (1 ቈረንቶስ 11:⁠1፣ 1 ጴጥሮስ 2:​21) እቲ ኣብ መንጎ እተፈላለየ ዓሌትን ደረጃን ዜግነትን ዘለዎም ሓቀኛታት ክርስትያናት ዘሎ ሰላም: ናይ ሓቂ ሰላም ኢዩ፣ ከመይሲ ኣብ በጅነታዊ መስዋእቲ የሱስ ክርስቶስ እተመስረተ ዀይኑ: ካብቲ ምስ ኣምላኽ ዘለዎም ሰላማዊ ርክብ ዝመነጨ ኢዩ። እቲ ሰላሞም ከኣ ሰባት ዘምጽእዎ ዘይኰነስ: ካብ ኣምላኽ እተዋህቦም ውህበት ኢዩ። (ሮሜ 15:⁠33፣ ኤፌሶን 6:⁠23, 24) ነዚ ኽረኽቡ ዝኸኣሉ ድማ ነቲ “መስፍን ሰላም” ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ስለ ዝግዝኡን ነቲ “ኣምላኽ ፍቕርን ሰላምን” ዝዀነ የሆዋ ስለ ዘምልኹን ኢዩ።​—⁠ኢሳይያስ 9:⁠6፣ 2 ቈረንቶስ 13:⁠11

4. ሓደ ክርስትያን ንሰላም ‘ዝስዕባ’ ብኸመይ ኢዩ፧

4 ዘይፍጹማት ሰባት ብዘይ​ገለ ጻዕሪ ሰላም ክረኽቡ ኣይክእሉን ኢዮም። ስለዚ ኸኣ ኢዩ ጴጥሮስ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ‘ንሰላም ክደልያን ክስዕባን’ ከም ዘለዎ ዝገለጸ። (1 ጴጥሮስ 3:⁠11) ብኸመይ ከምዚ ኽንገብር ንኽእል፧ ሓደ ናይ ጥንቲ ትንቢት መልሲ ናይዚ ይነግረና ኢዩ። የሆዋ ብኢሳይያስ ኣቢሉ “ኵላቶም ደቅኺ ብእግዚኣብሄር ኪምሀሩ እዮም: ሰላም ደቅኺውን ዓብዪ ኪኸውን እዩ” በለ። (ኢሳይያስ 54:⁠13፣ ፊልጲ 4:⁠9) እወ: እቶም ብየሆዋ ዝመሃሩ ኢዮም ናይ ሓቂ ሰላም ዝረኽቡ። ኣብ ርእሲ እዚውን: ሰላም ከም እኒ “ፍቕሪ: ሓጐስ: . . . ዓቕሊ: ለውሃት: ሕያውነት: እምነት: ህድኣት: ይአኽለኒ ምባል” ፍረ መንፈስ ቅዱስ ኢያ። (ገላትያ 5:⁠22, 23) ሓደ ፍቕርን ዓቕልን ዘይብሉ: ዘይሕጉስ: ዘይሕያዋይ: እኩይ: ዘይእሙን: ሕሱም: ወይ ርእሱ ዘይገትእ ሰብ ሰላም ክህልዎ ኣይክእልን ኢዩ።

“ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ”

5, 6. (ሀ) ኣብ መንጎ ሰላማዊ ምዃንን ገባር ሰላም ምዃንን እንታይ ፍልልይ ኢዩ ዘሎ፧ (ለ) ክርስትያናት ምስ መን ኢዮም ብሰላም ክነብሩ ዝጽዕሩ፧

5 ሰላም ርጉእ ኵነታት ምህላው ተባሂላ ኢያ እትትርጐም። እዚ ትርጕም እዚ ህውከት ንዘይብሉ ብዙሕ ኵነታት ዘጠቓልል ኢዩ። አረ: ምዉት እውን እንተዀነ ሰላም ረኺቡ ክበሃል ይከኣል ኢዩ! ናይ ሓቂ ሰላም ንምርካብ ግን: ሓደ ሰብ ሰላማዊ ጥራይ ምዃኑ ኣኻሊ ኣይኰነን። የሱስ ኣብቲ ናይ ከረን ስብከቱ “ገበርቲ ሰላም: ውሉድ ኣምላኽ ኪበሀሉ እዮም እሞ: ብጹኣን እዮም” በለ። (ማቴዎስ 5:⁠9) የሱስ ነቶም ደሓር መንፈሳውያን ውሉድ ኣምላኽ ክዀኑን ዘይመውት ህይወት ተቐቢሎም ኣብ ሰማይ ክነብሩን ተስፋ ዘለዎም ውልቀ⁠-​ሰባት ኢዩ ዝዛረቦም ነይሩ። (ዮሃንስ 1:⁠12፣ ሮሜ 8:⁠14-17) ኵሎም ሰማያዊ ተስፋ ዘይብሎም እሙናት ደቅሰብ እውን ኣብ መወዳእታ “ሓርነት ክብሪ ደቂ ኣምላኽ” ኽረኽቡ ኢዮም። (ሮሜ 8:⁠21) እቶም ገበርቲ ሰላም ጥራይ ኢዮም እዚ ተስፋ እዚ ኽህልዎም ዝኽእል። ኣብ መንጎ ሰላማዊ ምዃንን ገባር ሰላም ምዃንን መብዛሕትኡ እዋን ፍልልይ ኣሎ። ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት ገባር ሰላም ምዃን ክበሃል ከሎ ብትግሃት ንሰላም ምድላይ ማለት ሰላም ኣብ ዘይብሉ ግዜ እውን ሰላም ከም ዝህሉ ምግባር ማለት ኢዩ።

6 ነዚ ኣብ ኣእምሮኻ ብምሓዝ ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ “ዚከአል እንተ ዀይኑስ: ብኣኻትኩም ዝመጸ: ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ” ብምባል ንሰብ ሮሜ ዝሃቦም ምኽሪ እስከ ርአ። (ሮሜ 12:⁠18) ህድኣት ጠቓሚ ምዃኑ ዘይከሓድ እኳ እንተዀነ: ጳውሎስ ግን ንሰብ ሮሜ ህዱኣት ክዀኑ ጥራይ ኣይኰነን ዝነግሮም ዝነበረ። የግዳስ ሰላም ክገብሩ ኢዩ ዘተባብዖም ነይሩ። ምስ መን፧ ምስ ኣባላት ስድራ​ቤቶም: ምስ ኣመንቲ ክርስትያናት: ምስቶም ከም ናቶም ዓይነት እምነት ዘይነበሮም ሰባት: ኰታስ ብሓፈሽኡ “ምስ ኵሉ” ሰብ ኢዮም ሰላም ክገብሩ። ጳውሎስ ንሰብ ሮሜ ‘ብኣታቶም ዝመጸ’ ምስ ካልኦት ብሰላም ክነብሩ ኣተባብዖም። ምእንቲ ሰላም ክብሉ ኣብ እምነቶም ክለማመጡ ኣይኰነን ዝደሊ ነይሩ። የግዳስ: ንኻልኦት ብዘየድሊ ኣብ ክንዲ ዘቘጥዕዎም ብሰላም ክቐርብዎም ነበሮም። ክርስትያናት ምስቶም ኣብ ውሽጢ ጉባኤ ዀነ ካብ ጉባኤ ወጻኢ ዘለዉ ሰባት ብሰላም ክነብሩ ነበሮም። (ገላትያ 6:⁠10) ምስዚ ብምስምማዕ ጳውሎስ “ኵሉ ሳዕ ንሓድሕድኩምን ንዅሉን ሰናይ ንምግባር ተጋደሉ” ኢሉ ጸሓፈ።​—⁠1 ተሰሎንቄ 5:⁠15

7, 8. ክርስትያናት ምስቶም ከም ናታቶም ዓይነት እምነት ዘይብሎም ሰባት እውን ብሰላም ዝነብሩ ብኸመይን ስለምንታይን ኢዮም፧

7 ምስቶም ከም ናትና ዓይነት እምነት ዘይብሎም: ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ዝጻረሩና ሰባት ብኸመይ ብሰላም ክንነብር ንኽእል፧ ቀዳማይ ነገር: ናይ ዓብላልነት መንፈስ ምውጋዱ ኢዩ። ንኣብነት: ንሓደ ሰብ ብዘነኣእስ ቃላት ምስ እትዛረቦ ገባር ሰላም ኢኻ ክትበሃል ኣይከኣልን ኢዩ። የሆዋ ንማሕበራትን ጕጅለታትን እንታይ ዓይነት ፍርዲ ይጽበየን ምህላዉ ገሊጹ እኳ እንተዀነ: ሓደ ውልቀ⁠-​ሰብ ድሮ ኸም እተዀነነ ገይርና ኽንዛረብ ግን መሰል የብልናን። ንኻልኦት ሰባት: ዋላ እውን ንተጻረርትና: ክንፈርዶም ኣይንኽእልን ኢና። ጳውሎስ ንቲቶስ ነቶም ኣብ ቅሬጥስ ዝነበሩ ክርስትያናት ምስ ሰብኣውያን ሰበ⁠-​ስልጣን ብዛዕባ ዘለዎም ርክብ ክምዕዶም ድሕሪ ምንጋር “ንሓደ እኳ ኸይጸርፉ: ተባኣስቲ ኸይኰኑ: ልኡማት: ለውሃት ዘበለ ንዅሉ ሰብ ዜርእዩ ኪዀኑ” ከዘኻኽሮም ተማሕጸኖ።​—⁠ቲቶስ 3:⁠1, 2

8 ምስቶም ከም ናትና ዓይነት እምነት ዘይብሎም ሰባት ሰላም ምግባር ሓቂ ንኽቕበሉ ይጠቕሞም ኢዩ። ልክዕ ኢዩ: “ንጽቡቕ ልማድ” ዘጥፍእ ዕርክነት ኣይንዅስኵስን ኢና። (1 ቈረንቶስ 15:⁠33) ይኹን እምበር: ምቕሉላት ክንከውን ንኽእል ኢና: ንዅሎም ሰባት ድማ ብኣኽብሮትን ብሕያውነትን ክንሕዞም ኣሎና። ጴጥሮስ “እቶም ከም ገበርቲ እከይ ገይሮም ዚሐምዩኹም ዘለዉ: ንሰናይ ግብርኹም ርእዮም በታ መዓልቲ ሓተታ ንኣምላኽ ምእንቲ ኼመስግንዎ: ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኣኻይዳኹም ኣጸብቑ” ኢሉ ጸሓፈ።​—⁠1 ጴጥሮስ 2:⁠12

ኣብ ኣገልግሎት ሰላም ምግባር

9, 10. ሃዋርያ ጳውሎስ ምስ ዘይኣመንቲ ሰላም ብምግባር ዝመጸ እንታይ ኣብነት ኢዩ ዝገደፈ፧

9 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ብትብዓቶም ፍሉጣት ኢዮም ነይሮም። ንመልእኽቶም ኣፍኲሶም ርእዮሞ ኣይፈልጡን ኢዮም: ምጽራር ከጋጥሞም ከሎ ኸኣ ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ክእዘዙ ቘሪጾም ነበሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 4:⁠29፣ 5:⁠29) እንተዀነ ግን: ኣብ መንጎ ትብዓትን ዘይእሩም ጠባይን ዘሎ ፍልልይ ኣጸቢቖም ይፈልጡ ነበሩ። ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ሄሮድስ ኣግሪጳ ኻልኣይ ቀሪቡ ንእምነቱ ኽጣበቐላ ኸሎ እተዛረቦ ነገር እስከ ንርአ። ሄሮድስ ኣግሪጳ ንበርኒቄ ሓብቱ ተመርዒዋ ነበረ። ይኹን እምበር: ጳውሎስ ንኣግሪጳ ብዛዕባ ስነ⁠-​ምግባር ኣይተዛረቦን። ኣብ ክንድኡስ: ንኣግሪጳ ስርዓት ኣይሁድ ከም ዝፈልጥን ንነብያት ከም ዝኣምንን ብምጥቃስ ነቲ ዝሰማምዕሉ ነጥብታት ኣጕልሐ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 26:⁠2, 3, 27

10 ጳውሎስ ነቲ ናጻ ኽገብሮ ዝኽእል ዝነበረ ሰብኣይ ይሽሕሮ ድዩ ነይሩ፧ ኣይፋሉን። ጳውሎስ ምስቲ ባዕሉ ዝሃቦ ማዕዳ ተሰማሚዑ ይመላለስን ሓቂ ይዛረብን ኢዩ ነይሩ። ካብቲ ንሄሮድስ ኣግሪጳ እተዛረቦ ዘረባ ሓንቲ ቓል እውን ትኹን ሓሶት ኣይነበረትን። (ኤፌሶን 4:⁠15) እንተዀነ ግን: ጳውሎስ ገባር ሰላም ኢዩ ነይሩ: ብኸመይ “ንዅላቶም ኵሉ” ኸም ዝኸውን ይፈልጥ ነበረ። (1 ቈረንቶስ 9:⁠22) ዕላምኡ ብዛዕባ የሱስ ክሰብኽ ዘለዎ መሰል ንምጥባቕ ኢዩ ነይሩ። ንፉዕ መምህር ከም ምዃኑ መጠን: ንሱን ኣግሪጳን ዝሰማምዑሉ ነገራት ብምጥቃስ ዝርርቡ ጀመረ። ስለዚ: ጳውሎስ ነቲ ዘይስነ⁠-​ምግባራዊ ኣነባብራ ዝነበሮ ንጉስ: ንክርስትና ብጽቡቕ ዓይኒ ኸም ዝርእዮ ገበሮ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 26:⁠28-31

11. ኣብ ኣገልግሎትና ብኸመይ ገበርቲ ሰላም ክንከውን ንኽእል፧

11 ኣብ ኣገልግሎትና ገበርቲ ሰላም ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ከምቲ ጳውሎስ ካብ ክትዕ ዝርሕቕ ዝነበረ: ንሕና እውን ኣብነቱ ንስዓብ። ልክዕ ኢዩ: ሓድሓደ ግዜ ‘ብዘይ​ ፍርሃት ቃል ኣምላኽ ክንነግርን’ ብትብዓት ንእምነትና ኽንጣበቕን ኣሎና። (ፊልጲ 1:⁠14) እንተዀነ ግን: መብዛሕትኡ እዋን ቀንዲ ዕላማና ብስራት ምስባኽ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:⁠14) ሓደ ሰብ ብዛዕባ ዕላማታት ኣምላኽ ሓቂ እንታይ ምዃኑ እንተ ፈሊጡ: ንናይ ሓሶት ሃይማኖት ነጺጉ ንርእሱ ኻብ ርኹስ ተግባራት ከንጽህ ኢዩ። ስለዚ: ብእተኻእለና መጠን ንኽልቴና ብዘሰማምዓና ነጥብታት ብምጅማር: ንሰማዕትና ዝምስጦም ነገር ከነጕልሕ ጽቡቕ ኢዩ። ነቲ ብጥበብ እንተድኣ ቐሪብናዮ ንመልእኽትና ኽሰምዕ ዝኽእል ሰብ: ምስ እነቘጥዖ ሸቶና ኣይክንወቅዕን ኢና።​—⁠2 ቈረንቶስ 6:⁠3

ኣብ ስድራ​ቤት ገበርቲ ሰላም ምዃን

12. ኣብ ስድራ​ቤትና ብኸመይ ገበርቲ ሰላም ክንከውን ንኽእል፧

12 ጳውሎስ እቶም እተመርዓዉ “ብስጋ መከራ ይረኽቡ እዮም” በለ። (1 ቈረንቶስ 7:⁠28) ሰብ ሓዳር ብዙሕ ጸገማት የጋጥሞም ኢዩ። ገለ ኻብኡ ሓሓሊፉ ዘጋጥም ዘይምስምማዕ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ነዚ ብኸመይ ክፈትሕዎ ኣለዎም፧ ሰላም ብምግባር ኢዩ ክኸውን ዘለዎ። ሓደ ገባር ሰላም ግጭት ከይዓቢ ጻዕሪ ይገብር ኢዩ። ብኸመይ፧ ብቐዳምነት: ንልሳኑ ብምሕላው ኢዩ። እዛ ንእሽቶ ኽፍሊ ኣካላት ንምሕጫጭን ንምጽራፍን እንተ ተጠቒምናላ: “ዘይትዐርፍ እክይቲ: ዚቐትል ሕንዚ ዝመልኤት” ክትከውን ትኽእል ኢያ። (ያእቆብ 3:⁠8) ገባር ሰላም ንልሳኑ ንምህናጽ ደኣ እምበር ንምፍራስ ኣይጥቀመላን ኢዩ።​—⁠ምሳሌ 12:⁠18

13, 14. ብዘረባ ኽንጋገ ወይ ክንቝጣዕ ከሎና ብኸመይ ሰላም ክንዕቅብ ንኽእል፧

13 ዘይፍጹማት ከም ምዃንና መጠን: ጸኒሑ ዘጣዕሰና ነገራት ንዛረብ ኢና። ከምዚ ኸጋጥመካ ኸሎ: ሰላም ንምግባር ቅልጡፍ ኩን። (ምሳሌ 19:⁠11፣ ቈሎሴ 3:⁠13) ኣብ ‘ዘብእስ ዘረባን ብርቱዕ ጽልእን’ ኣይትእቶ። (1 ጢሞቴዎስ 6:⁠4, 5) ኣብ ክንድኡስ ኣዕሚቝካ ብምሕሳብ: ንናይ መርዓ ብጻይካ ስምዒት ክትርዳእ ጽዓር። ተሪር ቃላት ምስ ዝዛረበካ: ዳርግ ዳርጋ ኣይትመልስ። ‘ልኡም ምላሽ ንቝጥዓ ኸም ዘህድኦ’ ኣይትረስዕ።​—⁠ምሳሌ 15:⁠1

14 ሓድሓደ ግዜ: ነቲ ኣብ ምሳሌ 17:⁠14 ዝርከብ “ናብ ምሕርቃም ስኒ ኸይበጽሔ ኻብ ቈየቛ ርሐቕ” ዝብል ምኽሪ ኣብ ግምት ከተእትዎ ኣሎካ። ነቲ ዅነታት ርግእ ኢልካ ርኣዮ። ጸኒሑ እቲ ስምዒታት ምስ ሃድአ: ነቲ ጸገም ብሰላማዊ መገዲ ኽትፈትሖ ትኽእል ትኸውን። ኣብ ገሊኡ መዳያት: ንሓደ ብሱል ክርስትያን ተዓዛቢ ኽሕግዘኩም ምሕታት ጥበባዊ ኢዩ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ተመክሮ ዘለዎምን ሓለይትን ሰብኡት: ኣብ ሓዳር ዘሎ ሰላም ኣብ ሓደጋ እንተድኣ ኣትዩ ሓገዝ ክህቡ ይኽእሉ ኢዮም።​—⁠ኢሳይያስ 32:⁠1, 2

ኣብ ጉባኤ ገበርቲ ሰላም ምዃን

15. ብመሰረት እቲ ያእቆብ ዝበሎ: ኣብ ገሊኦም ክርስትያናት እንታይ ሕማቕ መንፈስ ኢዩ ማዕቢሉ ነይሩ: እቲ መንፈስ እቲ ‘ምድራውን ስጋውን ሰይጣናውን’ ዝዀነኸ ስለምንታይ ኢዩ፧

15 እቲ ዘሕዝን: ገሊኦም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ናይ ቅንእን ሻራን መንፈስ ኣርእዮም ኢዮም: እዚ ድማ ጸረ⁠-​ሰላም ኢዩ። ያእቆብ “ኣብቲ ቕንእን ሻራን ዘለዎ: ኣብኡ ምፍራስ ስርዓትን ኵሉ እኩይ ግብርን አሎ እሞ: እዛ ጥበብ እዚኣ ምድራዊትን ስጋዊትን ሰይጣናዊትን እያ እምበር: ካብ ላዕሊ እትወርድ ኣይኰነትን” በለ። (ያእቆብ 3:⁠14-16) ገሊኣቶም እታ “ሻራ” ተባሂላ እተተርጐመት ናይ ግሪኽ ቃል ንስሱዕ ድሌትን ንስልጣን ምውድዳርን ከም እተመልክት ይገልጹ። ስለዚ: ያእቆብ “ምድራዊትን ስጋዊትን ሰይጣናዊትን” ንኽብል ብቑዕ ምኽንያት ነይርዎ ኢዩ። ኣብ ብምሉኡ ታሪኽ ወድሰብ: መራሕቲ ሃገራት ልክዕ ከም እንስሳ ንሓድሕዶም ብምምንጫት የሻርዉ ኢዮም። ብሓቂ ሻራ ‘ምድራውን ስጋውን ሰይጣናውን’ ኢዩ። እዚ ውዲታዊ ባህርይ መጀመርታ እተንጸባረቐ ኣብቲ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ብምጽራሩ ሰይጣንን ናይ ኣጋንንቲ መራሕን ዝዀነ ጽምኢ ስልጣን ዘለዎ መልኣኽ ኢዩ።

16. ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ገሊኦም ክርስትያናት ከም ናይ ሰይጣን ዝዓይነቱ መንፈስ ዘንጸባረቑ ብኸመይ ኢዮም፧

16 ያእቆብ ሻርነት ኣንጻር ሰላም ስለ ዝዀነ: ክርስትያናት ነዚ መንፈስ እዚ ንኸወግድዎ ተማሕጸኖም። ከምዚ ኢሉ ድማ ጸሓፈሎም:- “እቲ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ ውግእን ባእስን ካበይ እዩ ዚመጽእ ዘሎ: ካብቲ ኣብ ኣካላትኩም ኰይኑ ዚዋጋእ ዘሎ ፍትወት ስጋኹም ደይኰነን፧” (ያእቆብ 4:⁠1) ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ‘ፍትወት ስጋ’ ንስጋዊ ነገራት ስሱዕ ትምኒት ምሕዳር ወይ ከኣ ስልጣን ወይ ሽመት ክትረክብ ባህጊ ምሕዳር ከመልክት ይኽእል ኢዩ። ኣብተን ጉባኤታት ዝነበሩ ገሊኦም ሰባት ከምቲ የሱስ ንሓቀኛ ሰዓብቱ ‘ዝነኣሱ’ ክዀኑ ዝነገሮም ዘይኰነስ: ልክዕ ከም ሰይጣን ምርኡያት ክዀኑ ኸም ዝደለዩ ፍሉጥ ኢዩ። (ሉቃስ 9:⁠48) ከምዚ ዝኣመሰለ መንፈስ ንሰላም ናይታ ጉባኤ ኽዘርጎ ይኽእል ኢዩ።

17. ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ኣብ ጉባኤኦም ገበርቲ ሰላም ክዀኑ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧

17 ሎሚ እውን ፍቕረ⁠-​ንዋይ: ቅንኢ: ወይ ከንቱ ህርፋን ከነርሕቕ ኣሎና። ናይ ሓቂ ገበርቲ ሰላም እንተድኣ ዄንና: ገሊኦም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ሰባት ኣብ ገለ ንጥፈታት ካባና ዝበልጹ እንተድኣ ዀይኖም ኣይንጭነቕን ኢና: ንድራኸኦም ኣብ ቅድሚ ኻልኦት ኣብ ሕቶ ብምእታው ድማ ከም ዝጥርጥርዎም ኣይንገብርን ኢና። ፍሉይ ክእለት እንተድኣ ሃልዩና: እታ ጉባኤ ብኽእለትናን ፍልጠትናን ያኢ ኸም እትዓቢ ብምምሳል: ካብ ካልኦት ከም እንበልጽ ኴንና ንኽንርአ ኣይንጥቀመሉን ኢና። ከምዚ ዓይነት መንፈስ: ምፍልላይ ደኣ እምበር ሰላም ኣየምጽእን ኢዩ። ገበርቲ ሰላም ንኽእለቶም ኣይንየትሉን ኢዮም: የግዳስ ብትሕትና ንኣሕዋቶም ንምግልጋልን ንየሆዋ ኽብሪ ንምምጻእን ኢዮም ዝጥቀሙሉ። ዘይሩ ዘይሩ: ሓቀኛታት ክርስትያናት ዝልለዩ ብፍቕሪ ድኣ እምበር ብኽእለት ከም ዘይኰነ የስተውዕሉ ኢዮም።​—⁠ዮሃንስ 13:⁠35፣ 1 ቈረንቶስ 13:⁠1-3

“ኣሕሉቝኪ ሰላም”

18. ክርስትያናት ኣብ መንጎኦም ሰላም ዝገብሩ ብኸመይ ኢዮም፧

18 ሽማግለታት ጉባኤ ገበርቲ ሰላም ኣብ ምዃን መሪሕነት ይወስዱ ኢዮም። የሆዋ ብዛዕባ ህዝቡ “ኣሕሉቝኪ ሰላም: ሹማምትኺ ድማ ጽድቂ ኽገብር እየ” ብምባል ተነበየ። (ኢሳይያስ 60:⁠17) እቶም ክርስትያን ጓሶት ኰይኖም ዘገልግሉ ምስዚ ትንቢታዊ ቓላት እዚ ብምስምማዕ ኣብ መንጎኦምን ኣብ መንጎ እተን መጓሰን ሰላም ከም ዝህሉ ንምግባር ይጽዕሩ ኢዮም። ሽማግለታት ነታ ሰላማዊትን ልእምትን “ናይ ላዕሊ ጥበብ” ብምንጽብራቕ ኣብ መንጎኦም ንዘሎ ሰላም ክዕቅቡ ይኽእሉ። (ያእቆብ 3:⁠17) ሽማግለታት ጉባኤ እተፈላለየ ኣተዓባብያን ተመክሮን ስለ ዘለዎም: ሓድሓደ ግዜ በበይኑ ዓይነት ኣረኣእያ ይህልዎም ኢዩ። እዚ ግን ሰላም የብሎምን ማለት ድዩ፧ እቲ ጕዳይ ብግቡእ እንተ ተታሒዙ ሰላም ኣይስእኑን ኢዮም። ገበርቲ ሰላም ብትሕትና ሓሳባቶም ይገልጹ: ብኣኽብሮት ድማ ናይ ካልኦት ሓሳባት ይሰምዑ ኢዮም። ሓደ ገባር ሰላም ኣነ ዝበልክዎ ይኹን ኢሉ ኣብ ክንዲ ዝተርር: ናይ ሓዉ ኣረኣእያ ብጸሎት ይሓስበሉ ኢዩ። እቲ ጕዳይ መሰረታዊ ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ ዘይጥሕስ ምስ ዝኸውን መብዛሕትኡ እዋን እተፈላለየ ኣረኣእያታት ክህሉ ይኽእል ኢዩ። ካልኦት ምስኡ ምስ ዘይሰማምዑ: ንናይ ብዙሓት ውሳነ ይቕበልን ይድግፍን ኢዩ። በዚ ኸምዚ ልኡም ምዃኑ የርኢ። (1 ጢሞቴዎስ 3:⁠2, 3) ተመክሮ ዘለዎም ተዓዘብቲ ኣረኣእያኦም ክፍጸመሎም ካብ ምግዳድ ንላዕሊ ሰላም ምዕቃብ ኣድላዪ ምዃኑ ይፈልጡ ኢዮም።

19. ሽማግለታት ኣብ ውሽጢ ጉባኤኦም ገበርቲ ሰላም ዝዀኑ ብኸመይ ኢዮም፧

19 ሽማግለታት ንኣባላት እቲ መጓሰ ብምሕጋዝን ብጢጥ ቅሚጥ ብዘይምንቃፍን: ሰላም ይገብሩ ኢዮም። ልክዕ ኢዩ: ሓድሓደ ግዜ ገሊኣቶም ክእረሙ የድልዮም ኢዩ። (ገላትያ 6:⁠1) ቀንዲ ዕዮ ሓደ ክርስትያን ተዓዛቢ ግን ተግሳጽ ምሃብ ኣይኰነን። መብዛሕትኡ እዋን ናእዳ ኢዩ ዝህብ። ፈቃራት ሽማግለታት ካልኦት ሰባት ንዘለዎም ዝነኣድ ባህርይ ክርእዩ ኢዮም ዝጽዕሩ። ተዓዘብቲ ነቲ ኣመንቲ ክርስትያናት ዝገብርዎ ጻዕሪ የማስዉሉን ዝከኣሎም ይገብሩ ኸም ዘለዉ ይተኣማመኑን ኢዮም።​—⁠2 ቈረንቶስ 2:⁠3, 4

20. ኵሎም ኣባላት ጉባኤ ገበርቲ ሰላም እንተድኣ ዀይኖም: እታ ጉባኤ ብኸመይ ትጥቀም፧

20 ስለዚ ኣብ ስድራ​ቤት: ኣብ ጉባኤ: ከምኡውን ምስቶም ከም ናትና ዓይነት እምነት ዘይብሎም ሰባት ኣብ ዘሎና ርክብ ገበርቲ ሰላም ክንከውን: ሰላም ንምግባር ከኣ ክንጽዕር ኢና። ንሰላም ብትግሃት እንተ ስዒብናያ: ንሓጐስ ጉባኤና ኣበርክቶ ኽንገብር ኢና። ከምቲ ኣብ ዝቕጽል ዓንቀጽ እንርእዮ ድማ ኣብ ብዙሕ መገድታት ዕቝባ ኽንረክብን ክንበራታዕን ኢና።

ትዝክሮዶ፧

• ገባር ሰላም ምዃን ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧

• ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ሰባት ብኸመይ ብሰላም ክንነብር ንኽእል፧

• ኣብ ስድራ​ቤት ሰላም ንኽንገብር ዘኽእለና ገለ መገድታት እንታይ ኢዩ፧

• ሽማግለታት ኣብ ጉባኤ ሰላም ክገብሩ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ገበርቲ ሰላም ናይ ዓብላልነት መንፈስ የወግዱ ኢዮም

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ክርስትያናት ኣብ ኣገልግሎት: ኣብ ቤት: ኣብ ጉባኤ ገበርቲ ሰላም ኢዮም