ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ማእከላይ ምብራቕ መንፈሳዊ ብርሃን ይበርህ

ኣብ ማእከላይ ምብራቕ መንፈሳዊ ብርሃን ይበርህ

ታሪኽ ህይወት

ኣብ ማእከላይ ምብራቕ መንፈሳዊ ብርሃን ይበርህ

ናጂብ ሳሊምዘዘንተዎ

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. ብርሃን ቃል ኣምላኽ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ክበርህ ጀመረ: ካብኡ ድማ ክሳዕ ወሰን ምድሪ በጽሐ። ኣብ መበል 20 ዘመን: እዚ ብርሃን እዚ ተመሊሱ ነዚ ቦታታት እዚ ኣብርሆ። እዚ ብኸመይ ከም ዝዀነ እስከ ኽነግረኩም።

 ብ1913 ኣብ ሰሜናዊ ሊባኖስ ኣብ እትርከብ ኣምዩን እትበሃል ንእሽቶ ኸተማ ተወለድኩ። እታ ዓመት እቲኣ ኣብ ዓለም ተዛማዲ ርግኣትን ሰላምን ዝነበራ ናይ መወዳእታ ዓመት ኢያ ነይራ: ከመይሲ ኣብታ እትቕጽል ዓመት ቀዳማይ ውግእ ዓለም ጀሚሩ ኢዩ። ብ1918 እቲ ውግእ ምስ ተወድአ: እታ ሽዑ ሉል ማእከላይ ምብራቕ ተባሂላ ትፍለጥ ዝነበረት ሊባኖስ ብቝጠባ ዀነ ብፖለቲካ ኣዝያ ተዳኺማ ነበረት።

ብ1920 ኣብ ሊባኖስ እንደገና ናይ ጶስጣ ኣገልግሎት ምስ ተጀመረ: ኣብ ወጻኢ ኻብ ዝነብሩ ደቂ ሊባኖስ ደብዳበታት ክመጽእ ጀመረ። ዓብዱላህ ጋንቱስን ጆርጅ ጋንቱስን ዝበሃሉ ኣኮታተይ እውን ደብዳበ ሰደዱ። ንኣቦኦም ማለት ንኣቦሓጎይ ሓቢብ ጋንቱስ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ጸሓፉሉ። (ማቴዎስ 24:⁠14) ኣቦሓጎይ ነቶም ኣብታ ኸተማ ዝነበሩ ሰባት ደቁ ዝጸሓፉሉ ነገር ብምንጋሩ ኣደዳ ላግጺ ገበርዎ። ኣብታ ኸተማ ድማ ‘ደቂ ሓቢብ ንኣቦኦም መሬትካ ሸይጥካ ኣድጊ ዓድግ እሞ ስበኽ ይብልዎ ኣለዉ’ ዝብል ወረ ተናፈሰ።

መጀመርታ እቲ ብርሃን ዝበርሃሉ እዋን

ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት ዓመት ማለት ብ1921 ኣብ ብሩክሊን: ኒው ዮርክ: ሕ.መ.ኣ. ዝነበረ ሚሸል ዓቡድ ናብታ ኣብ ሊባኖስ እትርከብ ከተማ ትሪፖሊ ተመልሰ። ሓደ ኻብቶም ሽዑ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዝበሃሉ ዝነበሩ ሕጂ ድማ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝበሃሉ ኢዩ ነይሩ። መብዛሕትኦም ፈተውቱን ኣዝማዱን ነቲ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ እኳ እንተ ዘይተቐበልዎ: ክልተ ውሩያት ሰባት ተቐበልዎ። ንሳቶም ድማ ፕሮፌሰር ኢብራሂም ኣተያ ከምኡውን ናይ ስኒ ሓኪም ዝነበረ ሃና ሻማስ ኢዮም። ዶ/ር ሻማስ እሞ ኸኣ ኣብ መንበሪኡን ክሊኒኩን ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክግበር ፍቓደኛ ዀነ።

ሓው ዓቡድን ሓው ሻማስን ናብታ ዝነብረላ ዝነበርኩ ኸተማ ኣምዩን ክመጹ ኸለዉ ቈልዓ ነበርኩ። እቲ ዝገበሩልና ምብጻሕ ውሽጠይ ተንከፈኒ: ምስ ሓው ዓቡድ ድማ ናብ ዕዮ ስብከት ክኸይድ ጀመርኩ። ሓው ዓቡድ ብ1963 ክሳዕ ዝመውት ን40 ዓመታት መገላግልቲ ነበርና።

ካብ 1922 ክሳዕ 1925 ኣብ ዘሎ ግዜ: ብርሃን መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ብዙሓት ኣቝሻት ሰሜናዊ ሊባኖስ በርሀ። ገለ 20 ክሳዕ 30 ዝዀኑ ሰባት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ምይይጥ ንምግባር ኣብ ናይ ብሕቲ ኣባይቲ: ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ኣብታ ኣብ ኣምዩን እትርከብ ቤትና ይእከቡ ነበሩ። እቶም ኣቕሽሽቲ ንኣኼባታትና ንምርባሽ ታኒካታት ጨርባሕባሕ ከብሉን ዋጭዋጭ ክብሉን ቈልዑ ይሰዱልና ነበሩ: ስለዚ ሓድሓደ ግዜ ጽሕዲ ኣብ ዝመልኦ ጫካ ኣኼባ ንገብር ነበርና።

ንእሽቶ ኸለኹ: ኣብ ኣገልግሎትን ኣብ ኣኼባታትን ንምክፋል ቅንኢ ስለ ዝነበረኒ: ጢሞቴዎስ ዝብል ሳጓ ጠበቐኒ። ናይ ቤት ትምህርትና ዳይረክተር “ኣብዚ ኣኼባታት እዚ” ደጊም ከይካፈል ኣዘዘኒ። ምስ ኣበኽዎ: ካብ ቤት ትምህርቲ ተሰጐጕኩ።

ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ፍሉጥ ቦታታት ምምስካር

ብ1933 ምስ ተጠመቕኩ ነዊሕ ከይጸናሕኩ: ኣብቲ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ተጸመድኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ሒደት እኳ እንተ ነበርና: ኣብ መብዛሕትኡ ኣቝሻት ሰሜናዊ ሊባኖስ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ በይሩትን ደቡብ ሊባኖስን እውን ንበጽሕ ነበርና። ኣብቲ እዋን እቲ: መብዛሕትኡ ግዜ ኸምቲ የሱስ ክርስቶስን ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ሰዓብቱን ዝገብርዎ ዝነበሩ ብእግርና ወይ ኣድጊ ተወጢሕና ንኸይድ ነበርና።

ብ1936 ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝነብር ዝነበረ የሱፍ ራኻል ናብ ሊባኖስ ክበጽሕ መጸ። ምስኡ ድማ ናይ ድምጺ መሳርሕን ክልተ ፎኖግራፍን ሒዙ መጸ። ነቲ መጕልሒ ድምጺ ኣብ ናይ 1931 ሞዴል ፎርድ እትበሃል ማኪና ገጢምና: ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብቲ ምሕድግ ዝበለ ቦታታት እናኣብጻሕና ኣብ ብምሉኡ ሊባኖስን ሶርያን ዞርና። እቲ መጕልሒ ድምጺ ኽሳዕ ዓሰርተ ኪሎ ሜተር ርሒቕካ ይስማዕ ነበረ። ሰባት ነቲ ኻብ ሰማይ ዝመጽእ ድምጺ ዝብልዎ ዝነበሩ ኽሰምዑ ናብ ናሕሲ ቤቶም ይድይቡ ነበሩ። እቶም ኣብ ግራቶም ዝጸንሑ ድማ ዕዮኦም ገዲፎም ምእንቲ ኽሰምዑ ናባና ይመጹ ነበሩ።

ምስ የሱፍ ራኻል ካብ ዝገበርክዎ ናይ መወዳእታ ጕዕዞታት ሓደ: ኣብ ቈራሪ ወርሓት ናይ 1937 ናብ ኣለፖ: ሶርያ: ዝገበርናዮ ጕዕዞ ኢዩ። ሓው ራኻል ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ቕድሚ ምምላሱ ናብ ጳለስጢና እውን ኬድና ኢና። ኣብኡ ድማ ንኸተማታት ሃይፋን የሩሳሌምን ኣብታ ሃገር ንዝርከባ ኣቝሻትን በጺሕና ኢና። ኣብኡ ምስ ሓደ ኣቐዲምና ብደብዳበ ንጸሓሓፍ ዝነበርና ኢብራሂም ሺሃዲ ዝበሃል ሰብኣይ ተራኸብኩ። ኢብራሂም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎ ፍልጠት እናወሰኸ ስለ ዝኸደ: ኣብቲ ቦታ ኣብ ዝጸናሕናሉ እዋን ምሳና ኻብ ቤት ናብ ቤት ምግልጋል ጀመረ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 20:⁠20

ምስቲ ኣኽራሪ ካቶሊክ ዝነበረ እሞ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምጽሕሓፍ መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ዝጀመረ ፕሮፌሰር ኻሊል ኮብሮሲ እውን ንምርኻብ ተሃንጥየ ነበርኩ። ብኸመይ ኢዩ ግን ንኣድራሻ ናይቶም ኣብ ሊባኖስ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝረኸበ፧ ኣብ ሃይፋ ሓደ በዓል ድኳን ነቲ ኻሊል ዝዓደጎ ኣቝሑ ብሓደ እተቐደ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝሓተምዎ ጽሑፍ ገይሩ ጠቕሊሉ ሃቦ። እታ ወረቐት ከኣ ኣድራሻና ነበራ። ምስ በጻሕናዮ ጽቡቕ ኣዕለልና: ጸኒሑ ብ1939 ንኽጥመቕ ናብ ትሪፖሊ መጸ።

ብ1937 ጴጥሮስ ላጋኮስን በዓልቲ ቤቱን ናብ ትሪፖሊ መጹ። ኣብተን ቀጺለን ዝነበራ ሒደት ዓመታት: ሰለስቴና ንመብዛሕትኡ ኽፍሊ ሊባኖስን ሶርያን መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ሒዝና ኻብ ቤት ናብ ቤት እናኸድና ሸፈንናዮ። ሓው ላጋኮስ ብ1943 ክመውት ከሎ ኣብቲ ቦታ ዝነበርና ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ መንፈሳዊ ብርሃን ናብ መብዛሕትአን ኣብ ሊባኖስን ሶርያን ጳለስጢናን ዝርከባ ኸተማታትን ኣቝሻትን ኣብጺሕናዮ ነበርና። ሓድሓደ ግዜ: ዳርጋ 30 እንኸውን ኣብ እተገለለ ቦታታት ኬድና ንምስባኽ ሰዓት ሰለስተ ናይ ለይቲ ብኣውቶቡስ ንነቅል ነበርና።

ብ1940ታት ኢብራሂም ኣተያ ንመጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ናብ ዓረብኛ ክትርጕማ ጀመረ። ድሕሪኡ: ኣርባዕተ ቅዳሕ ብኢደይ እጽሕፍ እሞ ኣብ ጳለስጢና: ሶርያ: ከምኡውን ግብጺ ናብ ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እሰዶ ነበርኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ካልኣይ ውግእ ዓለም ጀሚሩ ስለ ዝነበረ ኣብ ዕዮ ስብከትና ብዙሕ ምጽራር የጋጥመና ነበረ፣ እንተዀነ ግን ምስ ኵሎም እቶም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝነበሩ ኣፍቀርቲ ናይቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓቂ ዝነበረና ርክብ ኣየቋረጸን። ብብሕተይ ካርታ ናይ ከተማታትን ኣብ ከባቢአን ዝርከባ ኣቝሻትን ሰኣልኩ እሞ ኣብ ኵለን ብስራት ንኸነብጽሕ ሸቶ ገበርና።

ብ1944 ካልኣይ ውግእ ዓለም ገና ኸይተዛዘመ ኸሎ: ኤቭሊን ንእትበሃል ጓል እቲ መገላግልተይ ዝነበረ ሚሸል ዓቡድ ተመርዓኹዋ። ሓንቲ ጓልን ክልተ ኣወዳትን ድማ ወለድና።

ምስ ሚስዮናውያን ምግልጋል

እቲ ውግእ ምስ ተወድአ ነዊሕ ከይጸንሐ: ካብቲ ሚስዮናውያን ዝማሃርሉ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ናይ መጀመርታ ምሩቓት ናብ ሊባኖስ መጹ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ኣብ ሊባኖስ ናይ መጀመርታ ጉባኤ ተመስረተት: ኣነ ድማ ኣገልጋሊ ጕጅለ ዀይነ ተመዘዝኩ። ብ1947 ናታን ኤች. ኖርን ጸሓፊኡ ሚልተን ጂ. ሄንሸልን ምብጻሕ ንምግባር ናብ ሊባኖስ መጹ: ንኣሕዋት ድማ ብዙሕ ኣተባብዕዎም። ድሕሪ ሓጺር እዋን ካልኦት ሚስዮናውያን ተወሰኹ: ኣገልግሎትናን ናይ ጉባኤ ኣኼባታትናን እተመሓደረ ኣብ ምግባር እውን ብዙሕ ሓገዙና።

ሓደ ግዜ ናብ ሓደ ኣብ ሶርያ ዝርከብ ምሕድግ ዝበለ ቦታ ኣብ ዝኸድናሉ እዋን ናይቲ ኸባቢ ኣቡን ተጻረረና። ጽዮናዊ ጽሑፋት ይዕድሉ ኣለዉ ኢሉ ድማ ኸሰሰና። እቲ ዘገርም ከኣ: ቅድሚ 1948 መብዛሕትኡ ግዜ ኣቕሽሽቲ “ኮምዩኒስት” ኢዮም ዝብሉና ነይሮም። ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ: ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ፖሊስ ኣተና እሞ ንኽልተ ሰዓታት ዝኣክል ተመርመርና: ጽቡቕ ምስክርነት ከኣ ሃብናዮም።

ኣብ መወዳእታ: እቲ ነቲ ጕዳይና ሒዝዎ ዝነበረ ዳኛ ኸምዚ በለ:- “ነቲ ዝኸሰሰኩም ጨሓም ሰብኣይ [ነቲ ኣቡን ዘመልክት ዘረባ ኢዩ] ኤህ ዝብሎ እኳ እንተ ዀንኩ: ምሳኹም ንምርኻብን ብዛዕባ ትምህርትታትኩም ንምፍላጥን ኣጋጣሚ ስለ ዝኸፈተለይ ግን ከመስግኖ ኣሎኒ።” ቐጺሉ ስለ እቲ ዝወረደና ምክልባት ይቕረታ ሓተተና።

ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ብኣውቶቡስ ናብ በይሩት እናኸድኩ ኸለኹ: ኣብ ጥቓይ ኮፍ ኢሉ ንዝነበረ ናይ ሕርሻ መሃንድስ እዛረቦ ነበርኩ። ንሒደት ደቓይቕ ብዛዕባ እምነትና ድሕሪ ምስማዕ: ኣብ ሶርያ ዝርከብ ፈታዊኡ ተመሳሳሊ ነገር ኸም ዝነገሮ ሓበረኒ። እቲ ፈታዊኡ መን ይመስለኩም:- እቲ ቕድሚ ዓሰርተ ዓመት ንጕዳይና ርእይዎ ዝነበረ ዳኛ ኢዩ!

ኣብ 1950ታት ኣብ ኢራቕ ንዝርከቡ ኣሕዋት በጻሕክዎም: ካብ ቤት ናብ ቤት ድማ ኣገልገልና። ናብ ዮርዳኖስን ምዕራባዊ ገማግምን እውን ብተደጋጋሚ ኸይደ ኢየ። ብ1951 ሓደ ኻብቶም ናብ ቤት⁠-​ልሄም ዝኸድና ኣርባዕተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነበርኩ። ኣብኡ ድራር ጐይታ ኣብዓልና። በታ መዓልቲ እቲኣ ናይ ንግሆ እቶም ተኣከብቲ ዘበልና ብምሉእና ብኣውቶቡስ ናብ ርባ ዮርዳኖስ ከድና: ኣብኡ ድማ 22 ሰባት ህይወቶም ንየሆዋ ኸም ዝወፈዩ ብጥምቀት ኣርኣዩ። ኣብቲ ኸባቢ እቲ ምጽራር ከጋጥመና ኸሎ “ሓደ ወዲ ዓድኹም ኣብ ምልእቲ ምድሪ ንጉስ ክኸውን ምዃኑ ኢና ኽንነግረኩም መጺእና! ንምንታይ ትቝጥዑ ኣለኹም፧ ክትሕጐሱ ምተገብኣኩም ነይሩ!” ንብሎም ነበርና።

ኣብ ጽንኩር ኵነታት ምስባኽ

ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝነብሩ ሰባት ብሓፈሽኡ ኽረኣዩ ኸለዉ ቅኑዕ ዝልቦም: ትሑታት: ከምኡውን ተቐበልቲ ጋሻ ኢዮም። ብዙሓት ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ጽን ኢሎም ይሰምዑ ኢዮም። ድሕሪ ሓጺር እዋን: እዚ ኸምዚ ዝስዕብ ዝብል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ መብጽዓ ፍጻሜኡ ኽረክብ ምዃኑ ኻብ ምፍላጥ ንላዕሊ ዘሐጕስ ነገር የለን:- “ኣምላኽውን ባዕሉ ምሳታቶምን [ምስ ህዝቡ] ኣምላኾምን ኪኸውን እዩ። ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። . . . ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ።”​—⁠ራእይ 21:⁠3, 4

መብዛሕትኦም ንንጥፈታትና ዝጻረሩ ሰባት ንዕዮናን ነቲ ሒዝናዮ ዘሎና መልእኽትን ብሓቂ ኣይፈልጥዎን ኢዮም። ኣቕሽሽቲ ህዝበ⁠-​ክርስትያን ንኸጸልሙና ህርድግ ኢዮም ዝብሉ! ስለዚ: ኣብቲ ኣብ ሊባኖስ ካብ 1975 ኣትሒዙ ን15 ዓመታት ዝቐጸለ ውግእ ሓድሕድ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዙሕ ጸገማት ኣሕሊፎም ኢዮም።

ሓደ ግዜ ኣዘውቲሮም ቤተ⁠-​ክርስትያን ንዝሳለሙ ዝነበሩ ስድራ​ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ እመርሓሎም ነበርኩ። ኣብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ዝገበርዎ ዕቤት ነቶም ኣቕሽሽቲ ኣሕረቖም። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ሓደ ምሸት ኣብቲ ኸባቢ ዝርከብ ሃይማኖታዊ ጕጅለ ንኣባላቱ ነቲ ናይታ ስድራ​ቤት ድኳን ከዕንዉዎ ኣለዓዓሎም: ንሳቶም እውን እንተ ወሓደ 10,000 ዶላር ኣመሪካ ዝግመት ንብረት ኣንደዱሎም። በታ ምሸት እቲኣ ድማ ንዓይ ጨወዩኒ። ይኹን እምበር: ነቲ መራሒኦም ናይ ሓቂ ክርስትያናት እንተድኣ ዀይኖም ባርባራዊ ተግባር ከም ዘይፍጽሙ ምስ ተዛረብክዎ: ነታ ማኪና ደው ከብልዋ ኣዘዘ እሞ ክኸይድ ሓደገኒ።

ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ኸኣ ኣርባዕተ ኣባላት ሚሊሽያ ጨወዩኒ። ንነዊሕ እዋን ምስ ኣጕባዕቡዕለይ: እቲ ኽርሽነካ ኢየ ዝብለኒ ዝነበረ መራሒኦም ሓሳቡ ቐየረ እሞ ናጻ ገደፈኒ። ካብዞም ሚሊሽያ እዚኣቶም ክልተ ብቕትለትን ስርቅን ተኸሲሶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኖም ኣለዉ: እቶም ዝተረፉ ኽልተ ድማ ተቐቲሎም ኢዮም።

ምስክርነት ንኽህብ ዘኽኣለኒ ኻልእ ኣጋጣሚታት

ብዙሕ ግዜ ኻብ ሃገር ናብ ሃገር ብነፋሪት ተጓዒዘ ኢየ። ሓደ ግዜ: ካብ በይሩት ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብነፋሪት እናገሽኩ ኸለኹ: ኣብ ጐኒ ሚኒስተር ወጻኢ ጕዳያት ሊባኖስ ነበር ቻርለስ ማለክ ኮፍ በልኩ። ነቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘንብበሉ ዝነበርኩ ጥቕስታት ብሞሳ ጽን ኢሉ ሰምዓኒ። ኣብ መወዳእታ: ኣብቲ ኣብ ትሪፖሊ ዝርከብ እተማህረሉ ቤት ትምህርቲ እቲ ኻብ ሓሞይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ዝሰምዐ ኢብራሂም ኣተያ ከም መምህር ኰይኑ ይሰርሕ ምንባሩ ገለጸይ! ሚ/ር ማለክ: ኢብራሂም ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣኽቢሩ ኽርኢ ኸም ዝማሃሮ ገለጸለይ።

ካልእ እዋን ብነፋሪት እናኸድኩ ኸለኹ: ኣብ ጥቓ ወኪል ፍልስጥኤም ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኮፍ በልኩ። ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኽነግሮ ድማ ኣጋጣሚ ረኸብኩ። ድሕሪ ግዜ ኣብ ኒው ዮርክ ምስ ዝርከብ ስድራ​ቤት ሓዉ ኣፋለጠኒ: ኣብኡ ኸለኹ ድማ ብዙሕ ሳዕ እበጽሖም ነበርኩ። ኣብቲ ኣብ ኒው ዮርክ ዝርከብ ህንጻ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝሰርሕ ዘመድ እውን ነይሩኒ። ሓደ ግዜ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ኽበጽሖ ምስ ከድኩ ንሰለስተ ሰዓት ዝኸውን ተዘራረብና: ኣብቲ ግዜ እቲ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ መስከርኩሉ።

ሕጂ ወዲ 88 ዓመት ኢየ: ነቲ ኣብ ጉባኤይ እተዋህበኒ ሓላፍነት ንምፍጻም ድማ ብንጥፈት እዋሳእ ኣለኹ። ኤቭሊን ሰበይተይ እውን ካብ ጐነይ ከይተፈልየት ንየሆዋ ተገልግል ኣላ። ጓልና: ቀደም ገያሺ ተዓዛቢ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝነበረ ሕጂ ድማ ኣብ በይሩት ኣብ እትርከብ ጉባኤ ሽማግለ ዀይኑ ዘገልግል ዘሎ ሰብኣይ ተመርዒያ ኢያ። ጓሎም እውን ናይ የሆዋ ምስክር ኢያ። እቲ ሕሳስ ልደ ወድናን በዓልቲ ቤቱን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢዮም: ጓሎም እውን ኣብ ሓቂ ኣላ። እቲ ዓቢ ወድና ግን እንተ እቲ እምነት ክርስትና ኣብ ልቡ ተተኺሉ ኢዩ: ድሕሪ ግዜ ነቲ እተማህሮ ክስዕቦ ኸኣ ተስፋ እገብር።

ብ1933 ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ናይ መጀመርታ ፓይነር ኰይነ ኸገልግል ተመዘዝኩ። ኣብዚ ዝሓለፈ 68 ዓመታት ንየሆዋ ፓይነር ኰይነ ኻብ ምግልጋል ዝሓይሽ ናብራ ኣይምረኸብኩን። ሕጂውን በቲ የሆዋ ዘብርሃልና ብርሃን ንምምልላስ ቈሪጸ ኢየ።

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ናጂብ ብ1935

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ብ1940 መጕልሒ ድምጺ እተገጥመላ ማኪና ሒዝና ኣብ ኣኽራናት ሊባኖስ ከሎና

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ብ1952 እተሳእለ: ካብ ላዕለዋይ ጸጋም ጀሚርካ ንየማን:- ናጂብ: ኤቭሊን: ጓሎም: ሓው ዓቡድ: ናይ መጀመርታ ወዱ ንናጂብ

ታሕቲ (ቀዳማይ መስርዕ ):- ሓው ሻመስ: ሓው ኖር: ሓው ዓቡድ: ከምኡውን ሓው ሄንሸል ብ1952 ኣብ ትሪፖሊ ኣብ እንዳ ናጂብ ከለዉ

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ናጂብን ኤቭሊን ሰበይቱን