ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ድያብሎስ ማሪታዊ እምነት ጥራይ ኣይኰነን

ድያብሎስ ማሪታዊ እምነት ጥራይ ኣይኰነን

ድያብሎስ ማሪታዊ እምነት ጥራይ ኣይኰነን

“ብምሉኡ ሓድሽ ኪዳን: ሓይልታት ኣምላኽን ሰናይን በቲ ሓደ ሸነኽ: ብሰይጣን ዝምራሕ እከይ ድማ በቲ ኻልእ ሸነኽ ኰይኖም ዝገብርዎ ዓቢ ቓልሲ ዝገልጽ ኢዩ። እዚ ናይ ሓደ ወይ ክልተ ጸሓፍቲ ሓሳብ ዘይኰነስ: ናይ ኵላቶም ኣተሓሳስባ ኢዩ። . . . ስለዚ እቲ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዝርከብ መርትዖ ንጹር ኢዩ። ሰይጣን ወትሩ ንኣምላኽን ንህዝቢ ኣምላኽን ዝጻባእ ህያው ዝዀነ ተንኰለኛ ኣካል ኢዩ።”​—⁠“ዘ ኒው ባይብል ዲክሸነሪ ” (እንግሊዝኛ)

 ብዙሓት ክርስትያናት ኢና በሃልትን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንኣምን ኢና ዝብሉን ሰባት: ድያብሎስ ኣሎ ንዝብል ሓሳብ ዝነጽግዎ ደኣ እሞ ስለምንታይ ኢዮም፧ እቲ ናይ ሓቂ ምኽንያት ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም ቃል ኣምላኽ ገይሮም ስለ ዘይቅበልዎ ኢዩ። (ኤርምያስ 8:⁠9) እዞም ሰባት እዚኣቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንፍልስፍናታት ናይቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ህዝብታት ከም ዘንጸባረቑ ደኣ እምበር ካብ ኣምላኽ ሓቂ ተቐቢሎም ብልክዕ ከም ዘየመሓላለፍዎ ኢዮም ዝዛረቡ። ንኣብነት እቲ ናይ ካቶሊክ ናይ ሃይማኖት ምሁር ሃንስ ኩንግ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ብዛዕባ ሰይጣንን ጭፍራ ኣጋንንቱን ዝገልጽ ጽውጽዋይ: . . . ካብ ጽውጽዋያት ባቢሎን ናብ ጥንታዊ ኣይሁድነት: ብእኡ ኣቢሉ ድማ ናብ ሓድሽ ኪዳን ሰረጸ።”​—⁠ኦን ቢይን ኤ ክርስችያን (እንግሊዝኛ)

መጽሓፍ ቅዱስ ግን ቃል ሰባት ዘይኰነስ: ብርግጽ መንፈስ ዝነፈሶ ቃል ኣምላኽ ኢዩ። ስለዚ: ብዛዕባ ድያብሎስ ዝብሎ ነገራት ኣርዚንና ምስ እንርእዮ ጥበባዊ ኢዩ።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 3:⁠14-17፣ 2 ጴጥሮስ 1:⁠20, 21

የሱስ እንታይ ኣረኣእያ ነበሮ፧

የሱስ ክርስቶስ: ድያብሎስ ብሓቂ ኸም ዘሎ ይኣምን ነበረ። የሱስ ኣብ ውሽጡ ብዝርከብ እኩይ ነገር ኣይኰነን ተፈቲኑ። ብሓደ ኻልእ ኣካል ኢዩ ተፈቲኑ: ጸኒሑ ድማ ነዚ ኣካል እዚ “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” ኢልዎ ኣሎ። (ዮሃንስ 14:⁠30፣ ማቴዎስ 4:⁠1-11) እኩይ ውዲት ኣብ ምፍሓስ ካልኦት መንፈሳውያን ፍጥረታት ንሰይጣን ከም ዝሕግዝዎ እውን ይኣምን ነይሩ ኢዩ። ‘ኣጋንንቲ ንዝሓደሮም’ ሰባት ኣሕውዩ ኢዩ። (ማቴዎስ 12:⁠22-28) እቲ ኤ ራሽናሊስት ኢንሳይክሎፔድያ (እንግሊዝኛ) ዝበሃል ብዛዕባ ኢዘሀርነት ዝገልጽ መዝገበ⁠-​ፍልጠት እውን “እቲ ኣብ ወንጌላት ተጠቒሱ ዘሎ የሱስ: እኩያት መንፈሳውያን ፍጥረታት ከም ዘለዉ ምእማኑ ንናይ ሃይማኖት ምሁራት ወትሩ መዓንቀፊ እምኒ ምስ ኰኖም ኢዩ” ብምባል እዚ ጕዳይ እዚ ኽሳዕ ክንደይ ጐሊሑ ዝርአ ምንባሩ ገሊጹ ኣሎ። የሱስ ብዛዕባ ድያብሎስን ኣጋንንቱን ክዛረብ ከሎ ነቲ ኻብ ጽውጽዋያት ባቢሎናውያን ዝመጸ ኣጉል እምነት ኣይኰነን ዝደግም ነይሩ። ብሓቂ ኸም ዘለዉ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ።

የሱስ ነቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ናይ ሃይማኖት መምህራን እተዛረቦም ነገራት ምስ እንርኢ ብዛዕባ ድያብሎስ ብዙሕ ክንማሃር ንኽእል ኢና:- “ንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኹም ድያብሎስ ኢኹም: እታ ትምኒት ኣቦኹም ክትገብሩውን ትደልዩ አሎኹም። ንሱ ኻብ መጀመርታ ቐታል ነፍሲ እዩ: ሓቂ ኣብኡ ስለ ዜልቦውን ኣብ ሓቂ ኣይጸንዔን። ሓሶት ኪዛረብ ከሎ: ካብ ርእሱ እዩ ዚዛረብ። ሓሳዊ እዩ እሞ: ንሓሶትውን ኣቦኣ እዩ።”​—⁠ዮሃንስ 8:⁠44

ብመሰረት እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ እቲ “መካፍኢ” ዝትርጕሙ ስም ሒዙ ዘሎ ድያብሎስ “ሓሳዊ . . . ንሓሶትውን ኣቦኣ እዩ።” ብዛዕባ ኣምላኽ ሓስዩ እተዛረበ ናይ መጀመርታ ፍጡር ንሱ ኢዩ: ኣብ ገነት ኤደን ከኣ ኢዩ ኸምዚ ዝገበረ። እቶም ቀዳሞት ወለድና ኻብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም እንተ በሊዖም ‘ሞት ከም ዝሞቱ’ የሆዋ ነገሮም። ሰይጣን ግን ብተመን ገይሩ እዘን ቃላት እዚኣተን ሓሶት ምዃነን ተዛረበ። (ዘፍጥረት 2:⁠17፣ 3:⁠4) ስለዚ “ድያብሎስን ሰይጣንን . . . እቲ ናይ ጥንቲ ተመን” እንተ ተባህለ ይግብኦ ኢዩ።​—⁠ራእይ 12:⁠9

ድያብሎስ ብዛዕባ እታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ሓስዩ ተዛረበ። ካብታ ኦም ከይበልዑ ምኽልካል ዘይፍትሓውን ንስልጣን ብዘይ​ግቡእ ምጥቃምን ከም ዝዀነ ተማጎተ። ኣዳምን ሄዋንን ንርእሶም ጽቡቕን ክፉእን ኣብ ምውሳን “ከም ኣምላኽ” ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ተዛረበ። ናይ ምምራጽ ናጽነት ስለ ዘለዎም: ምሉእ ስልጣን ናይ ርእሰ⁠-​ውሳነ ክህልዎም ከም ዝግባእ ተዛረበ። (ዘፍጥረት 3:⁠1-5) እዚ ንልክዕነት መገዲ ኣምላኽ ኣብ ጥርጠራ ዘእተወ መጥቃዕቲ እዚ ኣገዳሲ ሕቶታት ኣበጊሱ ኢዩ። ስለዚ የሆዋ ነዚ ሕቶታት እዚ ንኽምለስ ግዜ ፈቐደ። እዚ ማለት ከኣ ሰይጣን ንእተወሰነ ግዜ ብህይወት ክጸንሕ ተፈቕደሉ። እቲ እተፈቕደሉ ግዜ ይውዳእ ኢዩ ዘሎ። (ራእይ 12:⁠12) ክሳዕ ሕጂ ግን ትምህርትታቱ ንምዝርጋሕ ከምቶም ኣብ ግዜ የሱስ ዝነበሩ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ዝኣመሰሉ ሰባት ብምጥቃም: ብሓሶትን ብምትላልን ንደቅ​ሰብ ካብ ኣምላኽ ካብ ምርሓቕ ኣየብኰረን።​—⁠ማቴዎስ 23:⁠13, 15

ድያብሎስ “ኻብ መጀመርታ ቐታል ነፍሲ” ምዃኑን ‘ኣብ ሓቂ ኸም ዘይጸንዐን’ እውን የሱስ ገሊጹ ኢዩ። ከምዚ ኽበሃል ከሎ የሆዋ ንድያብሎስ “ቐታል ነፍሲ” ገይሩ ፈጢርዎ ማለት ኣይኰነን። ንኣምላኽ ዝቃወሙ ፍጡራት ዝሳቐዩሉ ሓዊ ዘለዎ ቦታ ዝቈጻጸር ጭራቕ ኰይኑ እውን ኣይተፈጥረን። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ “ሲኦል:” ሰይጣን ዝነብረሉ ቦታ ኣይኰነን። ተራ መቓብር ደቅሰብ ኢዩ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 2:⁠25-27፣ ራእይ 20:⁠13, 14

ድያብሎስ መጀመርታ “ኣብ ሓቂ” ነበረ። ሓደ ኻብቶም ፍጹማት መንፈሳውያን ደቂ ኣምላኽ ከም ምዃኑ መጠን ክፍሊ ሰማያዊ ስድራ​ቤት የሆዋ ኢዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን “ኣብ ሓቂ ኣይጸንዔን።” ናይ ርእሱ መገድታትን ኣብ ሓሶት እተመስረተ ናይ ገዛእ ርእሱ ስርዓታትን መረጸ። ድያብሎስ ክኸውን ‘ዝጀመረ’ ከምቶም ደቂ ኣምላኽ ዝዀኑ መላእኽቲ ዀይኑ ኣብ እተፈጥረሉ እዋን ዘይኰነስ: ደይ መደይ ኢሉ ኻብ የሆዋ ብምዕላው ንኣዳምን ሄዋንን ሓስዩ ምስ ተዛረቦም ኢዩ። ድያብሎስ ከምቶም ብግዜ ሙሴ ኻብ የሆዋ ዝዓለዉ ሰባት ኢዩ ዀይኑ። ብዛዕብኦም ከምዚ ዝብል ነንብብ:- “ንሳቶም ተባላሸውዎ: ደቁ ኣይኰኑን: ነውራማት እዮም: ሓረመኛን ቄናንን ወለዶ እዮም።” (ዘዳግም 32:⁠5) ብዛዕባ ሰይጣን እውን ከምኡ ኽበሃል ይከኣል ኢዩ። ምስ ዓለወ ከምኡውን ብሞት ናይ ኣዳምን ሄዋንን: አረ ብሞት ናይ ብምሉኡ ሰብኣዊ ስድራ​ቤት እውን ተሓታቲ ምስ ኰነ ኢዩ “ቐታል ነፍሲ” ዝዀነ።​—⁠ሮሜ 5:⁠12

ዘይእዙዛት መላእኽቲ

ካልኦት መላእኽቲ ንሰይጣን ኣብ ዕልዋኡ ሓበርዎ። (ሉቃስ 11:⁠14, 15) እዞም “ሰፈሮም ዝሐደጉ” መላእኽቲ: ኣብ ግዜ ኖህ ምስ “ኣዋልድ ሰብ” ጾታዊ ርክብ ንምፍጻም ስጋ ለበሱ። (ይሁዳ 6፣ ዘፍጥረት 6:⁠1-4፣ 1 ጴጥሮስ 3:⁠19, 20) “ሲሶ ኸዋኽብቲ ሰማይ” ወይ ዝወሓዱ መንፈሳውያን ፍጥረታት ነዚ መገዲ እዚ ስዒቦም ኢዮም።​—⁠ራእይ 12:⁠4

እታ ብምሳልያዊ መግለጺታት ዝመልአት መጽሓፍ ራእይ ንድያብሎስ ከም “ዓብዪ ቐይሕ ገበል” ገይራ ኢያ እትገልጾ። (ራእይ 12:⁠3) ስለምንታይ፧ ቃል ብቓሉ ዘፍርህን ክፉእን ኣካል ስለ ዘለዎ ኣይኰነን። ከም ሓቂ እንተ ዀይኑ: መንፈሳውያን ፍጥረታት እንታይ ዓይነት ኣካል ከም ዘለዎም ኣይንፈልጥን ኢና: እንተዀነ ግን ሰይጣን ካብ ካልኦት መላእኽቲ ኸም ዘይፍለ ፍሉጥ ኢዩ። “ዓብዪ ቐይሕ ገበል” ዝብል መግለጺ ግን ነቲ ስስዐ ዝመልኦ: ዘፍርህ: ሓያል: ከምኡውን ሃሳዪ ጠባያቱ ብልክዕ ዘንጸባርቕ ኢዩ።

ሕጂ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ብዙሕ እገዳታት ኣለዎም። ከምቲ ቐደም ዝገበርዎ ስጋ ኽለብሱ ኣይክእሉን ኢዮም። ብ1914 ክርስቶስ ዘመሓድራ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ቈመት ነዊሕ ከይጸንሐ ናብ ከባቢ ምድሪ ተደርብዮም ኢዮም።​—⁠ራእይ 12:⁠7-9

ድያብሎስ ሓያል ጸላኢ ኢዩ

ይኹን እምበር: ድያብሎስ ሓያል ጸላኢ ኢዩ። “ዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዚጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር አሎ።” (1 ጴጥሮስ 5:⁠8) ድያብሎስ ኣብ ዘይፍጹም ስጋና ዝነብር ዘይርአ እከይ ኣይኰነን። ልክዕ ኢዩ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ምስ ሓጥእ ዝንባለታትና ንቃለስ ኢና። (ሮሜ 7:⁠18-20) እንተዀነ ግን: እቲ ዝሓየለ ቕልስና “ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ።”​—⁠ኤፌሶን 6:⁠12

ድያብሎስ ዘሕድሮ ጽልዋ ስፍሓቱ ኽሳዕ ክንደይ ኢዩ፧ ሃዋርያ ዮሃንስ ‘ብዘላ ዓለም በቲ እኩይ ተታሒዛ ኣላ’ በለ። (1 ዮሃንስ 5:⁠19) ልክዕ ኢዩ: ብድያብሎስ ካብ መጠን ንላዕሊ ኽንጭነቕ ወይ እቲ ብዛዕባኡ ዝገልጽ ማሪታዊ ፍርሂ ኽድህለና ኣይንደልን ኢና። ሓቂ ኸይንረክብ ንኸዑረናን ንኣምላኽ ዘሎና ንጽህና ንኸይንሕሉን ኢሉ ዝገብሮ ጻዕርታት ግን ነቒሕና ንከታተሎ ኢና።​—⁠እዮብ 2:⁠3-5፣ 2 ቈረንቶስ 4:⁠3, 4

ድያብሎስ ነቶም ፍቓድ ኣምላኽ ክገብሩ ዝደልዩ ሰባት ንምጥቃዕ ወትሩ ጭከና እተሓወሶ መገድታት ኣይኰነን ዝጥቀም። ሓድሓደ ግዜ: ንርእሱ “ንመልኣኽ ብርሃን” የምስል ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ “ከምቲ ተመን ብጕርሑ ንሄዋን ዘስሐታ: ከምኡውን ሓሳብኩም ካብቲ ናብ ክርስቶስ ዚኸውን ገርህነትን ንጽህናን ምናልባሽ ከይጠፍእ እፈርህ አሎኹ” ኢሉ ብምጽሓፍ ንክርስትያናት ብዛዕባ እዚ ሓደጋ እዚ ኣጠንቂቕዎም ኣሎ።​—⁠2 ቈረንቶስ 11:⁠3, 14

ስለዚ ‘ክንጥንቀቕ: ክንነቅሕ: ብእምነት ጸኒዕና ኽንቃወሞ’ ኣሎና። (1 ጴጥሮስ 5:⁠8, 9፣ 2 ቈረንቶስ 2:⁠11) ምስ ሓተታ መናፍስቲ ምትሕሓዝ ካብ ዘለዎ ዝዀነ ይኹን ነገር ብምርሓቕ ሰይጣን ንኸታልለካ መገዲ ኣይትኽፈተሉ። (ዘዳግም 18:⁠10-12) የሱስ ክርስቶስ ብሰይጣን ክፍተን ከሎ ብተደጋጋሚ ቓል ኣምላኽ ከም ዝጠቐሰ ብምዝካር ትጉህ ተማሃራይ ቃል ኣምላኽ ኩን። (ማቴዎስ 4:⁠4, 7, 10) መንፈስ ኣምላኽ ንኽወሃበካ ጸሊ። እዚ መንፈስ እዚ ዘፍርዮ ፍረ: ነቲ ሰይጣን ክትገብሮ ኣበርቲዑ ዝደፋፍኣካ ግብሪ ስጋ ንኸተወግድ ክሕግዘካ ኢዩ። (ገላትያ 5:⁠16-24) ብተወሳኺውን: ድያብሎስን ኣጋንንቱን ብዝዀነ ይኹን መገዲ ጸቕጢ ይገብሩልካ ኸም ዘለዉ እንተ ተሰሚዑካ: ናብ የሆዋ ልባዊ ጸሎት ኣቕርብ።​—⁠ፊልጲ 4:⁠6, 7

ብድያብሎስ እትርዕደሉ ምኽንያት የብልካን። ሰይጣን ክገብሮ ኻብ ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር: የሆዋ ኸም ዘዕቝበና ተመባጺዑ ኣሎ። (መዝሙር 91:⁠1-4፣ ምሳሌ 18:⁠10፣ ያእቆብ 4:⁠7, 8) ሃዋርያ ጳውሎስ “ብጐይታን ብጽንዓት ሓይሉን በርትዑ” ኢሉ ኢዩ። ከምዚ እንተድኣ ገይርካ ‘ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ኽትክእል’ ኢኻ።​—⁠ኤፌሶን 6:⁠10, 11

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ድያብሎስ ብሓቂ ኸም ዘሎ የሱስ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

‘ብዘላ ዓለም በቲ እኩይ ተታሒዛ ኣላ’

[ምንጪ ስእሊ]

NASA photo

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ቃል ኣምላኽ ብምጽናዕን ከየባተኽካ ብምጽላይን ንድያብሎስ ተቓወሞ