ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ድያብሎስ ኣሎ ድዩ፧

ድያብሎስ ኣሎ ድዩ፧

ድያብሎስ ኣሎ ድዩ፧

“ልክዕ ከምቲ ሕጂ ቝጽሮም እናወሓደ ዝኸይድ ዘሎ ሰባት ንህላወ ‘ኣምላኽ’ ብሓቂ ዝኣምንሉ: ኣብ ታሪኽ ቤተ⁠-​ክርስትያን እውን እቲ ንጉስ እከይ ዝዀነ ድያብሎስ: ብኤል⁠-​ዜቡል ወይ ሰይጣን ብሓቂ ኣሎ ተባሂሉ ዝእመነሉ ከምኡውን ሓያል ኣካል ገይርካ ዝውሰደሉ ግዜ ነይሩ ኢዩ፣ ኣይሁድን ቀዳሞት ክርስትያናትን ነቲ ኣብ ከባቢኦም ዝርእይዎ ዝነበሩ እከይ ፍርቂ ኣካሉ ሰብ ፍርቂ ኣካሉ ድማ እንስሳ ኸም ዝዀነ ገይሮም ብምግላጽ ዝመሃዝዎ ኢዩ። ጸኒሖም ክርስትያናት እዚ መሰረት ዘይብሉ ኣብ ሓሳቦም ዝፈጠርዎ ነገር ምዃኑ ምስ ኣስተውዓሉ ሰላሕ ኢሎም ንህላወ ድያብሎስ ጠንጠንዎ።”​—⁠“ኦል ኢን ዘ ማይንድ​—⁠ኤ ፌርዌል ቱ ጎድ ” (እንግሊዝኛ) ብሉዶቪክ ኬነዲ እተጻሕፈ።

 እቲ ጸሓፍን ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዝዓዪን ሉዶቪክ ኬነዲ ኣብ ህዝበ⁠-​ክርስትያን ንብዙሕ ዘመናት ሰይጣን ከም ዘሎ ዝጠራጠር ሰብ ከም ዘይነበረ ገለጸ። ኣብ ክንድኡስ ከምቲ ፕሮፌሰር ኖርማን ኮሄን ኣብ ጽሑፉ ገሊጽዎ ዘሎ ሓደ እዋን ክርስትያናት “በቲ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ዘለዎም ሓይሊ ኣመና ይጭነቑ” ነይሮም ኢዮም። (ዩሮፕስ ኢነር ዲመንስ [እንግሊዝኛ]) ተራን ዘይተማህሩ ገባርን ጥራይ ኣይኰኑን በዚ ጭንቀት እዚ ተዋሒጦም ዝነበሩ። ንኣብነት: ድያብሎስ ንእኩይ ተግባርን ጽዩፍ ጽምብላትን ንኽመርሕ ናብ እንስሳ ይቕየር ኢዩ ዝብል እምነት “ካብ ዘይተማህሩ ሓፋሽ ህዝቢ ዝመነጨ ዘይኰነስ: ኣብ መላእ ዓለም ዝነብሩ ዝለዓሉ ምሁራት ዘምጽእዎ ኣረኣእያ” ምዃኑ ፕሮፌሰር ኮሄን ገለጸ። ነቶም ምሁራት ካህናት እውን ሓዊስካ እዞም “ዝለዓሉ ምሁራት” ተባሂሎም ዘለዉ ነቲ ኻብ መበል 15 ክሳዕ መበል 17 ዘመን ኣብ ኣውሮጳ ንጠንቈልቲ ንምህዳን እተገብረ ወፈራ ተሓተትቲ ኢዮም: ኣብዚ ወፈራ እዚ ናይ ቤተ⁠-​ክርስትያንን ሲቪልን ሓለፍቲ: ጠንቈልቲ ተባሂሎም ንእተኸሱ 50,000 ዝዀኑ ሰባት ከም ዘሳቐዩን ዝቐተሉን ይንገረሎም ኢዩ።

ብዙሓት ሰባት ነዚ ብዛዕባ ድያብሎስ ዝገልጽ ሓለፍ ዝበለ ማሪታዊ ሓሳባት እንተ ነጸግዎ ኣየገርምን ኢዩ። ብ1726 እውን ከይተረፈ ዳንኤል ደፎ ነቲ ድያብሎስ “ናይ መንካዕ መንገብገብ: ቀርኒ: እተሰንጠቐ እግሪ: ነዊሕ ጭራ: መስአ ዝመስል መልሓስን ካልእ ነዚ ዝመስል ነገራትን” ዘለዎ ዘፍርሕ ጭራቕ ኢዩ ዝብል እምነት ኣናሽይዎ ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣረኣእያ እቶም “ባዕሎም ብዝፈጠርዎ ድያብሎስ ገይሮም ነቶም ዘይፈልጡ ሰባት ዘታልሉ” “ንድያብሎስ ከም ጭራቕ ገይሮም ዝርእይዎን ዝመሃዝዎን ሰባት” ዘምጽእዎ “ቆሎ ጥጥቖ” ምዃኑ ገለጸ።

ንስኻኸ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣረኣእያ ድዩ ዘሎካ፧ “ድያብሎስ ሰብ ናይ ገዛእ ርእሱ ሓጢኣት ንምግላጽ ክጥዕሞ ዝመሃዞ” ምዃኑ ትሰማምዓሉ ዲኻ፧ እዚ ሓሳብ እዚ ኣብ ዘ ዞንደርቫን ፒክቶርያል ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ ዘ ባይብል ተገሊጹ ኣሎ: ብዙሓት ክርስትያናት ኢና በሃልቲ ድማ ይሰማምዕሉ ኢዮም። ናይ ህዝበ⁠-​ክርስትያን ናይ ሃይማኖት ምሁራት “ንድያብሎስን ንኣጋንንትን ከም ማሪታዊ ልምዲ ገይሮም ነጺጎሞ” ምዃኖም ጀፍሪ በርተን ራስል ገሊጹ ኣሎ።

እንተዀነ ግን: ገሊኣቶም ሰባት ንድያብሎስ ብሓቂ ኸም ዘሎ ገይሮም ይርእይዎ ኢዮም። እቲ ዘቕርብዎ ምኽንያት ከኣ ነቲ ኣብ ታሪኽ ወድሰብ ብተደጋጋሚ ዝግበር እከይ ብድሕሪት ኰይኑ ዝቘሳቝስ ተንኰለኛ ልዕለ⁠-​ሰብኣዊ ሓይሊ ኽህሉ ኣለዎ ዝብል ኢዩ። “እቲ ኣብ መበል ዕስራ ዘመን ዘጋጠመ ስቓይ: ነቲ ንነዊሕ እዋን ተረሲዑ ዝነበረ ድያብሎስ ኣሎ ዝብል እምነት ብቕልጡፍ ንኸስፋሕፍሕ” ዝገበሮ ሓደ ምኽንያት ምዃኑ ራስል ገለጸ። ብመሰረት እቲ ዶን ሉዊስ ዝበሃል ደራሲ ዝበሎ: እቶም ሓደ እዋን ንማሪታዊ እምነታትን ፍርህን “ናይቶም ዘይተማህሩ ኣቦሓጎታቶም ዘሽካዕልልሉ” ዝነበሩ ምሁራት “በቲ ኣብ ልዕለ⁠-​ባህርያዊ ዘሎ እኩይ ነገራት ክሓስቡ ጀሚሮም ኣለዉ።”​—⁠ረሊጀስ ሱፐርስቲሽን ስሩ ዘ ኤጅስ (እንግሊዝኛ)

ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ደኣ እሞ እቲ ሓቂ ኣየናይ ኢዩ፧ ድያብሎስ ማሪታዊ ሃጠው ቀጠው ጥራይ ድዩ ወይስ ኣብ መበል 21 ዘመን እውን ከይተረፈ ክንጥንቀቐሉ ዘሎና ኣካል ኢዩ፧

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

ከምቲ ጉስታቭ ዶራ ኣብ ዝሰርሖ ቕርጺ ሰፊሩ ዘሎ: ናይ ጥንቲ ማሪታዊ እምነት ንድያብሎስ ፍርቂ ኣካሉ ሰብ ፍርቂ ኣካሉ እንስሳ ኸም ዝዀነ ገይሩ ይገልጾ ነበረ

[ምንጪ ስእሊ]

The Judecca​—Lucifer/The Doré Illustrations For Dante’s Divine Comedy/Dover Publications Inc.