ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

በረኸት የሆዋ ክረኽበካ ድዩ፧

በረኸት የሆዋ ክረኽበካ ድዩ፧

በረኸት የሆዋ ክረኽበካ ድዩ፧

“ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንተ ሰሚዕካስ: እዚ ዅሉ በረኸት ኪመጸካን ኪረኽበካን እዩ።”—ዘዳግም 28:2

1. እስራኤላውያን በረኸት ድዮም ክረኽቡ መርገም ዝውስኖ እንታይ ኢዩ ነይሩ፧

 እስራኤላውያን እቲ ናይ 40 ዓመት ጕዕዞኦም ኣብ ምውድኡ ገጹ ክኸይድ ከሎ: ኣብ ጐልጐል ሞኣብ ሰፈሩ። ምድሪ ተስፋ ኣብ ቅድሚኦም ነበረት። ኣብቲ ግዜ እቲ ሙሴ ነታ እተፈላለየ በረኸትን መርገምን ዝሓዘት መጽሓፍ ዘዳግም ጸሓፋ። ህዝቢ እስራኤል ንየሆዋ ብምእዛዝ ‘ቃሉ እንተ ሰሚዖም’ በረኸት ‘ክረኽቦም’ ነበሮ። የሆዋ ከም ‘ፍሉይ ህዝቡ’ ገይሩ የፍቅሮም: ንሓይሉ ኣብ ክንድኦም ክጥቀመሉ ድማ ድሌቱ ኢዩ ነይሩ። እንተ ዘይሰሚዖምዎ ግን መርገም ክረኽቦም ነበሮ።—ዘዳግም 8:10-14፣ 26:18፣ 28:2, 15

2. እተን ኣብ ዘዳግም 28:2 “ሰሚዕካ” ከምኡውን “ኪረኽበካ” ተባሂለን ዘለዋ ናይ እብራይስጢ ቓላት እንታይ ትርጕም ኢዩ ዘለወን፧

2 እታ ኣብ ዘዳግም 28:2 “ሰሚዕካ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ግሲ: ንቐጻሊ ተግባር ኢያ እተመልክት። ህዝቢ የሆዋ ሳሕቲ ጥራይ ኣይኰኑን ክሰምዕዎ ዘለዎም: ኣብ ብምሉኡ ናብራ ህይወቶም ክሰምዕዎ ኣለዎም። ሽዑ ጥራይ ኢዩ መለኮታዊ በረኸት ክረኽቦም ዝኽእል። እታ ኣብዚ “ኪረኽበካ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ግሲ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ሃድን እትውዕል ቃል ኰይና “ኸርክበካ” ወይ “ክበጽሓካ” ዝብል ትርጕም ዝሓዘት ኢያ።

3. ከም እያሱ ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና: ከምኡ ምግባርና ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኸውንከ ስለምንታይ ኢዩ፧

3 እቲ እስራኤላዊ መራሒ ዝነበረ እያሱ ንየሆዋ ብምስማዕ በረኸቱ ኽረክብ መረጸ። ከምዚ ኸኣ በለ:- “ንመን ከም እተገልግሉ . . . ሎሚ ሕረዩ። ኣነን ቤተይን ግና ንእግዚኣብሄር ኢና እነገልግል።” እቲ ህዝቢ ድማ እዚ ምስ ሰምዐ “ንእግዚኣብሄር ሐዲግና ንኻልኦት ኣማልኽቲ ምግልጋልሲ ኻባና ይርሐቕ” ኢሉ መለሰ። (እያሱ 24:15, 16) እያሱ ሰናይ ኣመለኻኽታ ስለ ዝነበሮ: ሓደ ኻብቶም ናብ ምድሪ ተስፋ ንምእታው መሰል ረኺቦም ዝነበሩ ሒደት ወለዶኡ ኢዩ ነይሩ። ሎሚ ኣብ ድርኵዂት ናይ ሓንቲ ኣዝያ ዝበለጸት ዓባይ ምድሪ ተስፋ ኢና እንነብር ዘሎና። እዚኣ ኸኣ ኵሎም እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት ካብቲ ናይ እያሱ ዝበልጽ በረኸታት ዝረኽቡላ ምድራዊት ገነት ኢያ። እዚ በረኸታት እዚ ኽረኽበካ ድዩ፧ ንየሆዋ ዅሉ ግዜ እንተድኣ ሰሚዕካዮ ክረኽበካ ኢዩ። እዚ ቘራጽነት እዚ ንምውሳድ ምእንቲ ኽሕግዘካ ታሪኽ ጥንታዎት ህዝቢ እስራኤልን ሃናጺ ዝዀነ ኣብነት ውልቀ-ሰባትን መርምር።—ሮሜ 15:4

በረኸትዶ መርገም፧

4. ኣምላኽ ንጸሎት ሰሎሞን እንታይ ብምሃብ ኢዩ መሊስሉ: ብዛዕባ እዚ በረኸት እዚኸ ከመይ ክስምዓና ኣለዎ፧

4 ኣብ መብዛሕትኡ እዋን ንግስነት ሰሎሞን: እስራኤላውያን ካብ የሆዋ ኣዝዩ ብዙሕ በረኸት ይረኽቡ ነበሩ። ህድኣትን ብዙሕ ጽቡቕ ነገራትን ነበሮም። (1 ነገስት 4:25) ሽሕኳ ሃብቲ ሰሎሞን ኣዝዩ ግኑን እንተ ነበረ: ንስጋዊ ሃብቱ ግን ለሚኑ ኣይኰነን ካብ ኣምላኽ ረኺብዎ። ኣብ ክንድኡ እኳ ድኣ ተመክሮ ዘይብሉ መንእሰይ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እዙዝ ልቢ ኽወሃቦ ኢዩ ጸልዩ። የሆዋ ድማ ጥበብን ምስትውዓልን ብምሃብ ልመናኡ መለሰሉ። እዚ ኸኣ ሰሎሞን ጽቡቕን ክፉእን መምዩ ብምፍላይ ነቲ ህዝቢ ብግቡእ ክፈርድ ኣኽኢልዎ ኢዩ። ኣምላኽ ሃብትን ክብረትን እውን ሂብዎ እኳ እንተ ነበረ: ሰሎሞን ግን መንእሰይ ከሎ ንመንፈሳዊ ሃብቲ ኢዩ ልዕሊ ዅሉ ኣኽቢሩ ዝርእዮ ነይሩ። (1 ነገስት 3:9-13) ብስጋዊ መገዲ ሃብታማት ንኹን ኣይንኹን ብዘየገድስ በረኸት የሆዋ እንተድኣ ኣልዩና እሞ ብመንፈስ ድማ ሃብታማት እንተድኣ ዄንና ኸነማስወሉ ዝግብኣናዶ ኸይኰነ፧

5. ህዝቢ እስራኤልን ይሁዳን ንየሆዋ ምስማዕ ምስ ኣቋረጹ እንታይ ኣጋጠሞም፧

5 እስራኤላውያን ንበረኸት የሆዋ ኣየማሰውሉን። ንየሆዋ ምስማዕ ምስ ኣቋረጹ ኸኣ እቲ ኣቐዲሙ ተነጊሩ ዝነበረ መርገም ረኸቦም። ብጸላእቶም ተሳዕሩ: ተቐማጦ እስራኤልን ይሁዳን ከኣ ተማረኹ። (ዘዳግም 28:36፣ 2 ነገስት 17:22, 23፣ 2 ዜና መዋእል 36:17-20) በረኸት ዝረኽቡ እቶም ንየሆዋ ዝሰምዕዎ ጥራይ ምዃኖም ህዝቢ ኣምላኽ ካብቲ ዝወረዶም ስቓይ ተማሂሮምዶ ኢዮም፧ እቶም ብ537 ቅ.ኣ.ዘ. ናብ ዓዶም እተመልሱ ተረፍ ኣይሁድ “ጥበበኛ ልቢ” ኣጥርዮምን ወትሩ ንየሆዋ ኽሰምዕዎ ኸም ዘለዎም ተገንዚቦምን እንተ ዀይኖም ንኸርእዩ ኣጋጣሚ ተኸፍተሎም።—መዝሙር 90:12

6. (ሀ) የሆዋ ንህዝቡ ምእንቲ ኽንበይሎም ንሃጌን ዘካርያስን ዝለኣኾም ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ኣብቲ ኣምላኽ ብሃጌ ገይሩ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ እንታይ መሰረታዊ ሓሳብ ኢዩ ተገሊጹ ዘሎ፧

6 እቶም ናብ ሃገሮም እተመልሱ ኣይሁድ ኣብ ቤት መቕደስ የሩሳሌም መሰውኢ ሃኒጾም ዕዮኦም ጀመሩ። ብርቱዕ ምጽራር ምስ ኣጋጠሞም ግን እቲ ዝነበሮም ቅንኢ ኽዝሕል ጀመረ: ዕዮ ህንጸት ድማ በዀረ። (እዝራ 3:1-3, 10፣ 4:1-4, 23, 24) ናብ ጣዕሚ ገዛእ ርእሶም ድማ ከተኵሩ ጀመሩ። ስለዚ ኣምላኽ እቲ ህዝቢ ንሓቀኛ ኣምልኾ ዝነበሮ ቅንኢ ምእንቲ ኽለዓዓል ንነብዪ ሃጌን ዘካርያስን ለኣኾም። የሆዋ ብሃጌ ገይሩ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበ:- “ግናኸ: እዛ ቤት [ኣምልኾ] እዚኣ ዖንያ ኸላስ: ንስኻትኩም ኣብ ስሉም ኣባይትኹም ክትነብሩዶ ጊዜኹም እዩ፧ . . . እስከ ብልብኹም መገድኹም ሕሰቡ። ንስኻትኩም ብዙሕ ዘራእኩም: ሒደት ኣእቶኹም። በላዕኩም ኣይጸገብኩምን: . . . እቲ ውዕለቱ ዜእቱ ነቲ ዝወዐሎ ኣብ ነዃል ማሕፉዳ የንብሮ አሎ።” (ሃጌ 1:4-6) ስጋዊ ረብሓ ንምርካብ መንፈሳዊ ነገራት ዕሽሽ ምባል በረኸት የሆዋ ኣየምጽእን ኢዩ።—ሉቃስ 12:15-21

7. የሆዋ ንኣይሁድ “ብልብኹም መገድኹም ሕሰቡ” ዝበሎም ስለምንታይ ኢዩ፧

7 እቶም ኣይሁድ ብመዓልታዊ ዋኒናቶም ተዋሒጦም ስለ ዝነበሩ: እቲ ብዝናብን ፍረ ብዝህብ ወቕትን ዝመጽእ መለኮታዊ በረኸት ክረኽቦም ዝኽእል: ተቓውሞ እናኣጋጠሞም እውን ንኣምላኽ እዙዛት ኰይኖም እንተድኣ ቐጺሎም ጥራይ ምዃኑ ረሲዖምዎ ኢዮም። (ሃጌ 1:9-11) ስለዚ እምበኣር እቲ “ብልብኹም መገድኹም ሕሰቡ” ዝብል ማዕዳስ ክንደይ ዝሰማማዕ ኰን ኢዩ ነይሩ! (ሃጌ 1:7) ብኻልእ ኣዘራርባ የሆዋ ‘ሕስብ እሞ ኣብሉ! እቲ ኣብ ማሕረስኩም እትገብርዎ ዘሎኹም ከንቱ ጻዕሪ ምስቲ እታ ቤት ኣምልኾይ ዓንያትሉ ዘላ ዅነታት ኣተሓሒዝኩም ረኣይዎ’ ኢዩ ዝብሎም ነይሩ። እቲ ነብያት የሆዋ ዝዛረብዎ ዝነበሩ መንፈስ ዝነፈሶ ቓላት ኣብ መወዳእታ ልቢ ሰማዕቲ ተንኪፉ ኢዩ: ከመይሲ እቶም ህዝቢ ናብ ዕዮኦም ተመሊሶም: ብ515 ቅ.ኣ.ዘ. ነታ ቤት መቕደስ ምሉእ ብምሉእ ሃኒጾምዋ ኢዮም።

8. የሆዋ ኣብ ግዜ ሚልክያስ ንኣይሁድ እንታይ ማዕዳ ኢዩ ዝሃቦም: ስለምንታይከ፧

8 ዳሕራይ ኣብ ግዜ ነብዪ ሚልክያስ እውን እቶም ኣይሁድ ብመንፈሳዊ መገዲ ኽሕንክሱ: ሕሉፍ ሓሊፎም እኳ ንኣምላኽ ቅቡል ዘይኰነ መስዋእቲ ከቕርብሉ ጀመሩ። (ሚልክያስ 1:6-8) ስለዚ የሆዋ ካብ ፍርያቶም ዕሽር ዘበለ ናብ ቤት መዝገቡ ኸምጽእዎ እሞ መሳዅቲ ሰማይ ከፊቱ ብዘይ ልክዕ በረኸት እንተ ዘየፍሲሱሎም ክዕዘብዎ ተላበዎም። (ሚልክያስ 3:10) ኣይሁድ ነቲ ቓሉ እንተ ሰሚዖም ኣምላኽ ብብዝሒ ዝህቦም ነገራት ባዕሎም ክረኽብዎ ኢሎም ህርድግ ክብሉስ ኽንደይ ዕሽነት ኰን ኢዩ!—2 ዜና መዋእል 31:10

9. ቀጺልና እንርእዮም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጾም ዘለዉ ሰለስተ ሰባት መነመን ኢዮም፧

9 ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ርእሲ ታሪኽ ህዝቢ እስራኤል ብዛዕባ መለኮታዊ በረኸት ወይ መርገም ዝረኸቡ ውልቀ-ሰባት ይነግረና ኢዩ፣ እቲ እዚኣቶም ዝረኸብዎ በረኸት ይኹን መርገም እውን ኣብቲ ንየሆዋ ከየባተኹ ምስምዖም ወይ ዘይምስምዖም እተመርኰሰ ኢዩ ነይሩ። እስከ እምበኣር ካብዚኣቶም ሰለስተ ውልቀ-ሰባት—ቦኣዝ: ናባል: ሃና—ንውሰድ እሞ እንታይ ከም እንምሃር ነስተብህል። ብዛዕብኦም ዝገልጽ ጸብጻብ ኣብ መጽሓፍ ሩት: 1 ሳሙኤል 1:1-2:21: ከምኡውን 1 ሳሙኤል 25:2-42 ብምንባብ ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ።

ቦኣዝ ንኣምላኽ ሰምዖ

10. ቦኣዝን ናባልን እንታይ ዘመሳስሎም ነገር ኢዩ ነይርዎም፧

10 ቦኣዝን ናባልን ክልቲኦም ኣብ ሓደ እዋን እኳ ዝነብሩ እንተ ዘይነበሩ ዘመሳስሎም ነገር ግን ነይርዎም ኢዩ። ንኣብነት ክልቲኦም ኣብ ምድሪ ይሁዳ ይነብሩ ነበሩ። ክልቲኦም ሃብታማት ወነንቲ መሬት ነበሩ: ንእተሸገረ ፍቕራዊ ሕያውነት ከርእይሉ ዝኽእሉ ፍሉይ ኣጋጣሚ እውን ረኺቦም ነይሮም ኢዮም። እቲ ዘመሳስሎም ነገር እዚ ጥራይ ኢዩ ነይሩ።

11. ቦኣዝ ንየሆዋ ይሰምዖ ከም ዝነበረ ብኸመይ ኢዩ ኣርእዩ፧

11 ቦኣዝ ኣብቲ መሳፍንቲ ዝገዝእሉ ዝነበሩ ዘመን ኢዩ ዝነብር ነይሩ። ንሰባት ክብረቶም ይሕልወሎም ስለ ዝነበረ እቶም ዓጻዶኡ እውን ብግዲኦም ኣጸቢቖም ኢዮም ዘኽብርዎ ነይሮም። (ሩት 2:4) ቦኣዝ ነቲ ሕጊ ብምእዛዝ ቀሪም ግራቱ ንድኻ ከም ዝግደፍ ይገብር ነበረ። (ዘሌዋውያን 19:9, 10) ቦኣዝ ብዛዕባ ሩትን ናእሚን ምስ ሰምዐ እሞ ሩት ድማ ነታ ብዕድመ ደፊኣ ዝነበረት ሓማታ ንምእላይ እትገብሮ ዝነበረት ጻዕሪ ምስ ረኣየ እንታይ ኢዩ ዝገበረ፧ ንሩት ፍልይ ዝበለ ሓልዮት ብምርኣይ: ነቶም ዓጻዶኡ ኣብ ግራቱ ኽትቅርም ክሓድግዋ ኣዘዞም። ቦኣዝ ብቓላቱን ብተግባራቱን ንየሆዋ ዝሰምዕ መንፈሳዊ ሰብ ምዃኑ ኣርእዩ ኢዩ። ስለዚ ድማ ስምረትን በረኸትን ኣምላኽ ረኸበ።—ዘሌዋውያን 19:18፣ ሩት 2:5-16

12, 13. (ሀ) ቦኣዝ ብዛዕባ እቲ ንውርሻ ዝምልከት ሕጊ ኣምላኽ ዓቢ ግምት ከም ዝነበሮ ብኸመይ ኣርኣየ፧ (ለ) ንቦኣዝ ከመይ ዝበለ መለኮታዊ በረኸታት ኢዩ ዝረኸቦ፧

12 ቦኣዝ ንየሆዋ ይሰምዖ ከም ዝነበረ ዘርኢ ዝበለጸ መርትዖ ድማ ነቲ ንውርሻ ዝምልከት ሕጊ ኣምላኽ ብምኽባር ዝወሰዶ ስስዐ ዘይብሉ ስጕምቲ ኢዩ። ነቲ ዘመዱ ዝነበረ ኤሊሜሌክ ሰብኣይ ናእሚ ዝወርሶ ካብ ቤተሰብ ኤሊሜሌክ ወጻኢ ንኸይከውን ብዙሕ ኢዩ ጽዒሩ። እቲ ውርሻ በቲ ዝውለድ ቘልዓ ምእንቲ ክቕጽል: ሓንቲ መበለት ብመሰረት እቲ “ናይ ሓሙት ግቡእ” ነቲ ዝቐረበ ዘመድ ሰብኣያ ኽትምርዖ ነበራ። (ዘዳግም 25:5-10፣ ዘሌዋውያን 25:47-49) ሩት ነታ ብምኽንያት ዕድሜኣ ኽትወልድ ዘይትኽእል ዝነበረት ናእሚ ንምትካእ ኢላ ክትምርዖ ቅርብቲ ኢያ ነይራ። ሓደ ዝቐረበ ዘመድ ኤሊሜሌክ ንናእሚ ንምሕጋዝ ፍቓደኛ ስለ ዘይነበረ: ቦኣዝ ንሩት ሰበይቱ ገይሩ ወሰዳ። እቲ ዝወለድዎ እዮቤድ: ወዲ ናእሚን ሕጋዊ ወራሲ ኤሊሜሌክን ከም ዝዀነ ገይርካ ተወስደ።—ሩት 2:19, 20፣ 4:1, 6, 9, 13-16

13 ቦኣዝ ብዘይስስዐ ምስ ሕጊ ኣምላኽ ተሰማሚዑ ብምምልላሱ ብዙሕ በረኸታት ረኺብዎ ኢዩ። ቦኣዝን ሩትን በቲ ዝወለድዎ እዮቤድ ኣቢሎም ኣቦሓጎን እኖሓጎን የሱስ ክርስቶስ ብምዃን ተባሪኾም ኢዮም። (ሩት 2:12፣ 4:13, 21, 22፣ ማቴዎስ 1:1, 5, 6) ካብቲ ስስዐ ዘይብሉ ተግባራት ቦኣዝ: ነቶም ንኻልኦት ፍቕሪ ዘርእዩን ምስ ብቕዓታት ኣምላኽ ተሰማሚዖም ዝኸዱን በረኸት ከም ዝረኽቦም ኢና እንመሃር።

ናባል ኣይሰምዐን

14. ናባል እንታይ ዓይነት ሰብ ኢዩ ነይሩ፧

14 ናባል ግን ከም ቦኣዝ ኣይነበረን: ንየሆዋ ድማ ኣይሰምዖን። ነቲ “ንብጻይካስ ከም ርእስኻ ደኣ ፍተዎ” ዝብል ሕጊ ኣምላኽ ጥሒስዎ ኢዩ። (ዘሌዋውያን 19:18) ናባል መንፈሳዊ ሰብ ኣይነበረን፣ “ጨካን ግብሩ ድማ ክፉእ” ኢዩ ነይሩ። ባሮቱ እውን ከይተረፉ “ወዲ ብልያል” ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ ነይሮም። እቲ ናባል ዝብል ስሙ እውን “ጽሉል” ወይ “ዓሻ” ማለት ስለ ዝነበረ ምስኡ ዝኸይድ ኢዩ ነይሩ። (1 ሳሙኤል 25:3, 17, 25) ስለዚ ናባል: እቲ ቕቡእ የሆዋ ዝነበረ ዳዊት ተሸጊሩ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ሕያውነት ንኸርእዮ ኣጋጣሚ ምስ ረኸበ ብኸመይ መለሰሉ፧—1 ሳሙኤል 16:13

15. ናባል ንዳዊት ብኸመይ ኢዩ መሊስሉ: ኣቢጋይል ግን ኣብዚ መዳይ እዚ ኻብ ሰብኣያ እተፈልየት ምንባራ ዘርኣየት ብኸመይ ኢያ፧

15 ዳዊትን ሰቡን ኣብ ጥቓ መጓሰ ናባል ሰፊሮምሉ ኣብ ዝነበሩ እዋን: ዝዀነ ይኹን ክፍሊት ከይሓተቱ ኻብ ዘረፍቲ ይከላኸልሎም ነበሩ። ሓደ ኻብቶም ጓሶት ናባል “ለይቲ ዀነ: መዓልቲ ዀነ: ኵሉ ጊዜ መካበብያ ዀይኖምና ነበሩ” በለ። ልኡኻት ዳዊት ናብኡ ኸይዶም ገለ መግቢ ኽህቦም ምስ ሓተትዎ ግን ናባል ገለ ነገር ከይሃበ “ሰጐጎም።” (1 ሳሙኤል 25:2-16) ኣቢጋይል ሰበይቲ ናባል ግን ተቐላጢፋ ንዳዊት መግቢ ሒዛትሉ ኸደት። ዳዊት ግና ብርሱን ቍጥዓ ንናባልን ንሰቡን ከጽንቶም ተቐሪቡ ነበረ። ስለዚ ኣቢጋይል ብዝወሰደቶ ስጕምቲ ህይወት ብዙሓት ሰባት ኣድሒና: ንዳዊት ድማ ናይ ደም ገበነኛ ንኸይከውን ኣዕቝባቶ ኢያ። እቲ ናባል ዘርኣዮ ስስዐን ጭካነን ግን ሕሉፍ ኢዩ ነይሩ። ድሕሪ ዓሰርተ መዓልቲ ኣቢሉ ድማ “እግዚኣብሄር ንናባል ወቕዖ: ሞተ ኸኣ።”—1 ሳሙኤል 25:18-38

16. ንቦኣዝ ክንቀድሖ ካብ መገድታት ናባል ግን ክንርሕቕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

16 ኣብ መንጎ ቦኣዝን ናባልን ኣየ ኸመይ ዝበለ ፍልልይ ኰን ኢዩ ዘሎ! ነቲ ጭከናን ስስዐን ዝመልኦ መገድታት ናባል ሓዲግና ነቲ ቦኣዝ ዘንጸባረቖ ሕያውነትን ልግስን ንቕድሓዮ። (እብራውያን 13:16) ነቲ “ጊዜ ኸሎና: ንዅሉ ሰብ: ምናዳ ግና ነቶም ኣመንቲ ስድራ ቤት ሰናይ ንግበር” ዝብል ሃዋርያ ጳውሎስ ዝሃበና ምኽሪ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ነዚ ኽንፍጽሞ ንኽእል ኢና። (ገላትያ 6:10) ሎሚ እቶም ናይ የሱስ “ካልኦት ኣባጊዕ” ዝዀኑ ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ክርስትያናት ነቶም ዘይትመውት ህይወት ዝወሃቦም ተረፍ ናይቶም 144,000 ዝዀኑ ናይ የሆዋ ቅቡኣት ሰናይ ናይ ምግባር መሰል ኣለዎም። (ዮሃንስ 10:16፣ 1 ቈረንቶስ 15:50-53፣ ራእይ 14:1, 4) የሱስ ነዚ ፍቕራዊ ተግባራት እዚ ንዕኡ ኸም እተገብረሉ ገይሩ ኢዩ ዝርእዮ: እዚ ሰናይ ተግባራት እዚ ኸኣ በረኸት የሆዋ ኢዩ ዘውህብ።—ማቴዎስ 25:34-40፣ 1 ዮሃንስ 3:18

ፈተናታትን በረኸታትን ሃና

17. ንሃና እንታይ ፈተናታት ኢዩ ዘጋጠማ: ከመይ ዝበለ ኣመለኻኽታኸ ኢዩ ዝነበራ፧

17 ነታ ኣምላኻዊ ተወፋይነት ዝነበራ ሃና እውን በረኸት የሆዋ ረኺብዋ ኢዩ። ምስቲ ሌዋዊ ሰብኣያ ኤልቃና ኣብ ከረን ኤፍሬም ትነብር ነበረት። ብሕጊ ፍቑድ ስለ ዝነበረ: ጵኒና እትበሃል ካልኣይቲ ሰበይቲ እውን ነበረቶ። ጵኒና ብዙሓት ቈልዑ ክትወልድ ከላ ሃና ግን መኻን ነበረት: እዚ ድማ ንሓንቲ እስራኤላዊት ሰበይቲ ውርደት ኢዩ ነይሩ። (1 ሳሙኤል 1:1-3፣ 1 ዜና መዋእል 6:16, 33, 34) ይኹን እምበር: ጵኒና ንሃና ኣብ ክንዲ እተጸናንዓ ብብኽያት ምብላዕ ክሳዕ እትኣቢ ተባጭወላ ነበረት። ዝገደደ ድማ እታ ስድራቤት “ዓመት ንዓመት” ናብታ ኣብ ሺሎ እትርከብ ቤት የሆዋ ኽትከይድ ከላ ኸምኡ ገይራ ተባጭወላ ነበረት። (1 ሳሙኤል 1:4-8) ጵኒና ኣዝያ ጨካን ብምንባራ ንሃና ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ከቢድ ፈተና ዀን ኢዩ ኣጋጢምዋ ዝነበረ! እንተዀነ ግን: ሃና ንየሆዋ ፈጺማ ኣይወቐሰቶን፣ ሰብኣያ ናብ ሺሎ ክኸይድ ከሎ እውን ኣብ ቤታ ትተርፍ ኣይነበረትን። ስለዚ ኣብ መወዳእታ በረኸት ከም ዝረኽባ ርግጽ ኢዩ ነይሩ።

18. ሃና ከመይ ዝበለ ኣብነት ኢያ ገዲፋ፧

18 ሃና ሎሚ ንህዝቢ የሆዋ ብፍላይ ድማ ብናይ ካልኦት ሕማቕ ዘረባ ንእተሃስዩ ሰባት ሰናይ ኣብነት ኢያ እትዀኖም። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ርእስኻ ምፍላይ መልሲ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። (ምሳሌ 18:1) ሃና እቲ ዝወረዳ ፈተናታት ናብቲ ትምህርቲ ቓል ኣምላኽ ዝወሃበሉ ህዝቡ ድማ ንኣምልኾ ዝእከብሉ ቦታ ንምኻድ ዝነበራ ባህጊ ኸጥፍኣላ ኣይፈቐደትሉን። ስለዚ ብመንፈስ ድልድልቲ ዀይና ቐጸለት። እቲ ዝነበራ መንፈሳውነት ክሳዕ ክንደይ ዓሚቝ ምንባሩ ኣብቲ ኣብ 1 ሳሙኤል 2:1-10 ተመዝጊቡ ዘሎ ባህ ዘብል ጸሎታ ተራእዩ ኢዩ። a

19. ንመንፈሳዊ ነገራት ዘሎና ሞሳ ብኸመይ ኢና ኽንገልጾ ንኽእል፧

19 ሎሚ ዘመናውያን ኣገልገልቲ ኣምላኽ ናብ ማሕደር ብምኻድ ኣይነምልኽን ኢና። ይኹን እምበር ልክዕ ከምቲ ሃና ዝገበረቶ ንመንፈሳዊ ነገራት ዘሎና ሞሳ ክንገልጽ ንኽእል ኢና። ንኣብነት: ስርዓታውያን ኴንና ክርስትያናዊ ኣኼባታት: ኣሰምብሊታት: ከምኡውን ዓበይቲ ኣኼባታት ብምክፋል ንመንፈሳዊ በረኸት ዘሎና ዓሚቝ ሞሳ ኽንገልጽ ንኽእል ኢና። ነዚ ኣጋጣሚታት እዚ ነቲ “ብቕድስናን ብጽድቅን . . . ብዘይ ፍርሃት ከነምልኾ” መሰል ዝሃበና የሆዋ ኣብቲ ሓቀኛ ናይ ኣምልኾ ቦታ ዄንና ከነምልኾ ኸሎና ንሓድሕድና ንምትብባዕ ንጠቐመሉ።—ሉቃስ 1:74, 75፣ እብራውያን 10:24, 25

20, 21. ሃና በቲ ዝነበራ ኣምላኻዊ ተወፋይነት እተባረኸት ብኸመይ ኢያ፧

20 የሆዋ ነቲ ሃና ዝነበራ ኣምላኻዊ ተወፋይነት ኣቕሊብሉ ኢዩ: ኣብዚሑ ድማ ባረኻ። ሓደ መዓልቲ እታ ስድራቤት ከም ልማዳ ዓመታዊ ኣምልኾ ንምክያድ ናብ ሺሎ ምስ ከደት ሃና እናነብዐት ናብ ኣምላኽ ልባዊ ጸሎት ኣቕረበት: ከምዚ ኢላ ድማ ተመባጽዐት:- “ዎ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት: ውርደት ባርያኻ ኣጸቢቕካ ርኢኻ እንተ ዘከርካኒ: ንባርያኻውን እንተ ዘይረሳዕካኒ: ንባርያኻ ተባዕታይ ውሉድ እንተ ደኣ ሀብካኒ: ኣነ ድማ ኵሉ ዘበን ህይወቱ ንእግዚኣብሄር እውፍዮ።” (1 ሳሙኤል 1:9-11) ኣምላኽ ነቲ ሃና ዘቕረበቶ ልመና ስለ ዝሰምዖ ውሉድ ብምሃብ ባሪኽዋ ኢዩ: ሳሙኤል ኢላ ድማ ሰመየቶ። ጡብ ምስ ኣሕደገቶ ድማ ኣብቲ ማሕደር ምእንቲ ኸገልግል ናብ ሺሎ ሒዛቶ ኸደት።—1 ሳሙኤል 1:20, 24-28

21 ሃና ንኣምላኽ ተፍቅሮ ነበረት: ነቲ ብዛዕባ ሳሙኤል እተመባጽዓቶ መብጽዓ ድማ ፈጺማቶ ኢያ። እቲ ኽቡር ወዶም ኣብ ማሕደር የሆዋ ብምግልጋሉ ንሳን ኤልቃናን ዝረኸብዎ በረኸት እሞ ሕስብ ኣብሎ! ብዙሓት ክርስትያናት ወለዲ: ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ናይ ምሉእ ግዜ ፓይነራት ኣገልገልቲ ወይ ኣባላት ስድራ ቤትኤል ብምዃን ወይ ድማ ብኻልእ ንየሆዋ ብዘኽብር መገዲ ስለ ዘገልግሉ ከምኡ ዝኣመሰለ ሓጐስን በረኸትን ይረኽቡ ኢዮም።

ንየሆዋ ስምዕዎ!

22, 23. (ሀ) ንቓል የሆዋ ዅሉ ግዜ እንተድኣ ሰሚዕናዮ ብዛዕባ እንታይ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧ (ለ) ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንርኢ፧

22 ንየሆዋ እንተድኣ ሰሚዕናዮ ብዛዕባ እንታይ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧ ንየሆዋ ብምሉእ ነፍስና እንተድኣ ኣምሊኽናዮ: ንዝገበርናዮ ወፈያ ድማ እንተድኣ ፈጺምናዮ ብመንፈስ ክንህብትም ኢና። እዚ ንእተፈላለየ ፈተናታት ምጽማም ዝሓተና እኳ እንተዀነ: በረኸት የሆዋ መብዛሕትኡ ግዜ ካብቲ ንሕና እንግምቶ ንላዕሊ ብዝዓበየ መገዲ ከም ዝረኽበና ፍሉጥ ኢዩ።—መዝሙር 37:4፣ እብራውያን 6:10

23 ኣብ መጻኢ ንህዝቢ ኣምላኽ ብዙሕ በረኸታት ተዳልይሎም ኣሎ። እቶም “ዓቢ ጭፍራ” ንየሆዋ ምእዙዛት ኰይኖም ስለ ዝሰምዕዎ ካብቲ “ብርቱዕ ጸበባ” ድሒኖም ኣብታ ኣምላኽ ዘዳለዋ ሓዳስ ዓለም ዝርከብ ሓጐስ ክካፈሉ ኢዮም። (ራእይ 7:9-14 NW፣ 2 ጴጥሮስ 3:13) ሽዑ የሆዋ ንህዝቡ ነቲ ቅኑዕ ባህግታቶም ምሉእ ብምሉእ ከማልኣሎም ኢዩ። (መዝሙር 145:16) እታ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ ከም እትገልጾ: እቶም ሎሚ ንቓል የሆዋ ዝሰምዕዎ ዘለዉ ሕጂ እውን ከይተረፈ “ጽቡቕ ውህበትን ምሉእ ውህበትን ካብ ላዕሊ” ይቕበሉ ኣለዉ።—ያእቆብ 1:17

[እግረ-ጽሑፍ]

a ቃላት ሃና ምስታ ድንግል ዝነበረት ማርያም ኣደ መሲሕ ክትከውን ምዃና ምስ ተነግራ እተዛረበቶ ቓላት ዝመሳሰል ኢዩ።—ሉቃስ 1:46-55

ትዝክሮዶ፧

• ታሪኽ እስራኤል ብዛዕባ መለኮታዊ በረኸት እንታይ ኢዩ ዝምህረና፧

• ቦኣዝን ናባልን ብኸመይ ኢዮም ዝፈላለዩ፧

• ንሃና ብኸመይ ክንቀድሓ ምኸኣልና፧

• ንድምጺ የሆዋ ኽንሰምዖ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ንጉስ ሰሎሞን እዙዝ ልቢ ኽወሃቦ ጸለየ: የሆዋ ድማ ጥበብ ብምሃብ ባረኾ

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ቦኣዝ ንኻልኦት ክብሮም ይሕልወሎምን ብሕያውነት ይርእዮምን ነበረ

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ሃና ኣብ የሆዋ ብምውካላ ብዙሕ ተባሪኻ ኢያ