ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

በረኸት የሆዋ የሀብትም

በረኸት የሆዋ የሀብትም

በረኸት የሆዋ የሀብትም

በረኸት እግዚኣብሄር የሀብትም: ሽጋርውን ገለ ኣይውስኸሉን።” —ምሳሌ 10:22

1, 2. ሓጐስ ምስ ስጋዊ ሃብቲ ዘይተሓሓዝ ስለምንታይ ኢዩ፧

 ሎሚ ፍቕረ-ንዋይ ንህይወት ብዙሓት ሰባት ተቘጻጺርዎ ኣሎ። እዚ ስጋዊ ነገራት እዚ ግን የሐጕሶምዶ ኢዩ፧ ኣብታ ዘ ኣውስትራልያን ውመንስ ዊክሊ እትበሃል መጽሔት እዚ ዝስዕብ ሓሳባት ሰፊሩ ይርከብ:- “ሰባት ብዛዕባ ናብራ ህይወቶም ከም ሎሚ ገይሮም ዝጐሃይሉ ግዜ ኣይዝከረንን ኢዩ። . . . ግርምቢጥ ኢዩ። ብቝጠባዊ መዳይ ኣውስትራልያ ኣብ ዘተኣማምን ደረጃ ምህላዋ እሞ ህይወት ከም ሎሚ ገይሩ ኣብ ዝሓሸ ዅነታት በጺሑ ከም ዘይፈልጥ ኢዩ ተነጊሩና። . . . ይኹን እምበር: ኣብ ምልእቲ እታ ሃገር ብዛዕባ መጻኢ ዘሎ ኣረኣእያ ሕማቕ ኢዩ። ሰብኡትን ኣንስትን ኣብ ናብራ ህይወቶም ሓደ ነገር ጐዲልዎም ከም ዘሎ ይስምዖም ኢዩ: እንታይ ምዃኑ ግን ክገልጽዎ ኣይክኣሉን።” ቅዱሳት ጽሑፋት እነጥርዮ ነገራት ሓጐስ ይኹን ህይወት ከምጽኣልና ከም ዘይክእል ምግላጹስ ክሳዕ ክንደይ ሓቂ ዀን ኢዩ!—መክብብ 5:10፣ ሉቃስ 12:15

2 መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ዝዓበየ ሓጐስ ካብ በረኸት ኣምላኽ ክርከብ ከም ዝኽእል ኢዩ ዝገልጸልና። በዚ መዳይ እዚ ምሳሌ 10:22 “በረኸት እግዚኣብሄር የሀብትም: ሽጋርውን ገለ ኣይውስኸሉን” ብምባል ትገልጸልና። ብስስዐ እተጥርዮ ስጋዊ ሃብቲ መብዛሕትኡ ግዜ ስቓይ ኢዩ ዘምጽእ። ምስዚ ብምስምማዕ ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ብምባል የጠንቅቕ:- “እቶም ኪህብትሙ ዚደልዩ ግና ኣብ ፈተናን መፈንጠራን: ኣብ ብዙሕ ንሰብ ናብ ምብራስን ጥፍኣትን ዜስጥሞ ናይ ዕሽነትን ጕድኣትን ትምኒት እዮም ዚወድቁ። እቲ ፍቕሪ ገንዘብሲ ሱር ኵሉ ኽፍኣት እዩ እሞ: ገሊኦም ንእኡ እናተመጣጠሩ ኻብ እምነት ዘምበሉ: ናብ ርእሶምውን ብዙሕ ስቓይ ኣምጽኡ።”—1 ጢሞቴዎስ 6:9, 10

3. ኣገልገልቲ ኣምላኽ ፈተናታት ዘጋጥሞም ስለምንታይ ኢዩ፧

3 በቲ ሓደ ሸነኽ ግን ንዅሎም እቶም ‘ንቓል እግዚኣብሄር ዝሰምዑ’ ሰባት ሽጋር ዘይብሉ በረኸት ክረኽቦም ኢዩ። (ዘዳግም 28:2) ገለ ሰባት ግን ‘በረኸት የሆዋ ሽጋር ዘይብሉ እንተድኣ ዀይኑ ስለምንታይ ድኣ ኢዮም ብዙሓት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዝሽገሩ ዘለዉ፧’ ኢሎም ይሓቱ ይዀኑ። መጽሓፍ ቅዱስ ፈተናታትና ዘፍቀዶ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ዘምጽኦ ግን ሰይጣንን እዚ እኩይ ኣገባቡን ዘይፍጽምናናን ምዃኖም ይገልጸልና። (ዘፍጥረት 6:5፣ ዘዳግም 32:4, 5፣ ዮሃንስ 15:19፣ ያእቆብ 1:14, 15) የሆዋ ምንጪ ዅሉ “ጽቡቕ ውህበትን ምሉእ ውህበትን” ኢዩ። (ያእቆብ 1:17) ስለዚ ድማ በረኸታቱ ሽጋር ዝበሃል ኣየምጽእን ኢዩ። እስከ እምበኣር ንገለ ኻብቲ ፍጹም ውህበት ኣምላኽ ንመርምሮ።

ቃል ኣምላኽ ብዋጋ ዘይሽነን ውህበት ኢዩ

4. ህዝቢ የሆዋ ኣብዚ ‘ዘመን መወዳእታ’ ከመይ ዝበለ በረኸትን ብዋጋ ዘይሽነን ውህበትን ኢዮም ዝረኽቡ ዘለዉ፧

4 ትንቢት ዳንኤል ብዛዕባ “ዘመን መወዳእታ” ኽገልጽ ከሎ “ምስትውዓል . . . እናወሰኸ ኪኸይድ እዩ” ይብለና። እዚ ድማ በቲ ቐጺሉ ዘሎ ቓላት በሪሁ ኣሎ። ከምዚ ኸኣ ይብል:- “እቶም ጠቢባን እዮም ዜስተውዕልዎ እምበር: ካብቶም ረሲኣንሲ ሓደ እኳ ኣይኬስተውዕሎን እዩ።” (ዳንኤል 12:4, 10) ነዚ ሕስብ እሞ ኣብሎ! ቃል ኣምላኽ—ብፍላይ ድማ ትንቢት—ህዝቢ የሆዋ ብዝርድእሉ ረሲኣን ግን ብዘይርድእሉ መለኮታዊ ጥበብ ኢዩ ተገሊጹ ዘሎ። እቲ ወዲ ኣምላኽ “ኣቦይ ጐይታ ሰማይን ምድርን: ነዚ ኻብ ብልህታትን ካብ ለባማትን ስለ ዝሐባእካዮ: ንሕጻናት ከኣ ስለ ዝገለጽካዮ . . . ኤመስግነካ አሎኹ” ኢሉ ጸለየ። (ሉቃስ 10:21) ነቲ ብዋጋ ዘይሽነን ውህበት ኣምላኽ ዝዀነ ቃሉ መጽሓፍ ቅዱስ ክትረክብን ኣብ መንጎ እቶም የሆዋ መንፈሳዊ ምስትውዓል ዝሃቦም ክትህሉንሲ ኣየ ኸመይ ዝበለ በረኸት ኰን ኢዩ!—1 ቈረንቶስ 1:21, 27, 28፣ 2:14, 15

5. ጥበብ እንታይ ኢያ: ብኸመይከ ክንረኽባ ምኸኣልና፧

5 “እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ” እንተ ዘይትህልወና ነይራ መንፈሳዊ ብርሃን ዝበሃል ፈጺምና ኣይምረኸብናን። (ያእቆብ 3:17) ጥበብ በቲ ዘሎካ ፍልጠትን ምርዳእን ገይርካ ግድላት ንምፍታሕ: ሓደጋታት ንምእላይ ወይ ካብኡ ንምርሓቕ: ሸቶ ንምውቃዕ ወይ ከኣ ርጡብ ምኽሪ ንምሃብ እትጥቀመሉ ኽእለት ኢዩ። ኣምላኻዊ ጥበብ ክንረክብ እንኽእል ግን ብኸመይ ኢና፧ ምሳሌ 2:6 “እግዚኣብሄር ጥበብ ይህብ እዩ እሞ: ፍልጠትን ምስትውዓልን ካብ ኣፉ እየን ዚወጻ” ብምባል ትገልጽ። እወ: ንየሆዋ ከየባተኽና እንተድኣ ለሚንናዮ ከምቲ ንንጉስ ሰሎሞን “ብልህን ኣስተውዓልን ልቢ” ዝሃቦ ንዓናውን ጥበብ ብምሃብ ክባርኸና ኢዩ። (1 ነገስት 3:11, 12፣ ያእቆብ 1:5-8) ብዘይካ እዚውን ጥበብ ንምርካብ ንቓል የሆዋ ስርዓታውያን ኴንና ብምጽናዕን ኣብ ግብሪ ብምውዓልን ኵሉ ሳዕ ክንሰምዖ የድልየና።

6. ንሕግታትን ስርዓታትን ኣምላኽ ኣብ ናብራና ኣብ ግብሪ ምስ እነውዕሎ ጥበብ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

6 ቀንዲ ኣብነታት ኣምላኻዊ ጥበብ ኣብ ሕግታትን ስርዓታትን መጽሓፍ ቅዱስ ኢና እንረኽቦ። እዚ ድማ ብዅሉ መዳይ ማለት ብኣካላዊ: ኣእምሮኣዊ: ስምዒታዊ: ከምኡውን ብመንፈሳዊ መገድታት ክጠቕመና ይኽእል ኢዩ። ምስዚ ብምስምማዕ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ከምዚ ብምባል ዘመረ:- “ሕጊ እግዚኣብሄር ፍጹም እዩ: ንነፍሲ ይመልሳ። ምስክር እግዚኣብሄር እሙን እዩ: ንገርሂ የጥብቦ። ስርዓት እግዚኣብሄር ቅኑዕ እዩ: ንልቢ የሐጕሶ: ትእዛዛት እግዚኣብሄር ንጹህ እዩ: ነዒንቲ የብርሄን። ፍርሃት እግዚኣብሄር ንጹህ እዩ: ንዘለኣለም ይነብር: ፍርድታት እግዚኣብሄር ሓቂ እዩ: ብዘሎውን ጻድቕ እዩ። ካብ ወርቂ: ኤረ ኻብ ብዙሕ ጽሩይ ወርቂ እኳ ዚሕረ እዩ።”—መዝሙር 19:7-10፣ 119:72

7. ንጽድቃዊ ስርዓታት ኣምላኽ ዕሽሽ ምባል እንታይ የስዕብ፧

7 ብኣንጻሩ ግን እቶም ንስርዓታት ኣምላኽ ዕሽሽ ዝብሉ ሰባት ነቲ ዝደልይዎ ሰላምን ናጽነትን ኣይረኽብዎን ኢዮም። ሰብ ነቲ ዝዘርኦ ንዕኡ ስለ ዝዓጽዶ ኣምላኽ ዘይዕሾ ምዃኑ ውዒሎም ሓዲሮም ይግንዘብዎ ኢዮም። (ገላትያ 6:7) ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዕሽሽ ዝብሉ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ከም ዘይተደልየ ጥንሲ: ዘፈንፍን ሕማም: ወይ ከኣ ዘማስን ወልፍታት ዝኣመሰለ ዘሕዝን ሳዕቤን ይዓጽዱ ኣለዉ። ተናሲሖም ኣነባብራኦም እንተ ዘይቀይሮም መገዶም ኣብ መወዳእታ ናብ ሞት ምናልባት እውን ናብቲ ብኢድ ኣምላኽ ዝወርድ ጥፍኣት ክመርሖም ኢዩ።—ማቴዎስ 7:13, 14

8. እቶም ንቓል ኣምላኽ ዘፍቅሩ ሕጕሳት ዝዀኑ ስለምንታይ ኢዮም፧

8 እቶም ንቓል ኣምላኽ ዘፍቅሩን ኣብ ግብሪ ዘውዕልዎን ግን ሕጅን ንዝመጽእን ብዙሕ በረኸት ክረኽቦም ኢዩ። ሕጊ ኣምላኽ ሓራ ከም ዘውጽኦም ኢዩ ዝርድኦም ብሓቂ ድማ ሕጕሳት ኢዮም: ካብ ሓጢኣትን ካብቲ ሞት ዘስዕብ ሳዕቤናቱን ሓራ ዝወጽሉ ግዜ ድማ ይጽበዩ ኢዮም። (ሮሜ 8:20, 21፣ ያእቆብ 1:25) እዚ ተስፋ እዚ ኣብቲ ኣምላኽ ንደቅሰብ ዝሃቦም ካብ ኵሉ ዝበለጸ ፍቕራዊ ውህበቱ ማለት በጅነታዊ መስዋእቲ ናይቲ ሓደ ፍቑር ወዱ የሱስ ክርስቶስ እተመርኰሰ ስለ ዝዀነ ርግጽ ተስፋ ኢዩ። (ማቴዎስ 20:28፣ ዮሃንስ 3:16፣ ሮሜ 6:23) እዚ ብሉጽ ውህበት እዚ ዕምቈት ናይቲ ኣምላኽ ንደቅሰብ ዘለዎ ፍቕሪ ዘረጋግጽ ከምኡውን ንዅሎም እቶም ንየሆዋ ወትሩ ዝሰምዕዎ ሰባት ዘለኣለማዊ በረኸት ክወሃቦም ምዃኑ ውሕስነት ዝህብ ኢዩ።—ሮሜ 8:32

ንውህበት መንፈስ ቅዱስ ነማስወሉ ኢና

9, 10. ካብቲ ኣምላኽ ዝህበና ውህበት መንፈስ ቅዱስ ብኸመይ ኢና ክንጥቀም እንኽእል፧ ኣብነት ሃብ።

9 ከነማስወሉ ዘሎና ካልእ ፍቕራዊ ውህበት ኣምላኽ ከኣ መንፈስ ቅዱሱ ኢዩ። ብመዓልቲ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ሃዋርያ ጴጥሮስ ነቶም ኣብ የሩሳሌም ተኣኪቦም ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት “ተነስሑ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም የሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጢኣት ይጠመቕ: ህያብ መንፈስ ቅዱስውን ክትቅበሉ ኢኹም” ብምባል ተላበዎም። (ግብሪ ሃዋርያት 2:38) ሎሚ የሆዋ ነቶም ዝልምንዎ ፍቓዱ ክገብሩ ድማ ዝደልዩ ህይወቶም ዝወፈዩ ኣገልገልቱ መንፈስ ቅዱሱ ይህቦም ኢዩ። (ሉቃስ 11:9-13) ኣብ ግዜ ጥንቲ: እቲ ኣብ ኣድማስ ካብ ዘሎ ዝበርትዐ ሓይሊ ማለት እቲ መስለጢ ሓይሊ ዝዀነ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ንናይ እምነት ሰብኡትን ኣንስትን እንተላይ ነቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ኣበርቲዕዎም ኢዩ። (ዘካርያስ 4:6፣ ግብሪ ሃዋርያት 4:31) ሎሚውን ከም ህዝቢ የሆዋ መጠን ክውገድ ዘይክኣል ዕንቅፋታትን ጸገማትን ዘጋጥመና እኳ እንተዀነ መንፈስ ቅዱስ ከበርትዓና ይኽእል ኢዩ።—ዮኤል 2:28, 29

10 ንኣብነት ንላውረል ዘጋጠማ እስከ ንርአ፣ ንሳ ብሕማም ፖልዮ ተታሕዘት እሞ ን37 ዓመታት ዝኣክል ሰብ ኣብ ዝሰርሖ ንምስትንፋስ ዝሕግዛ ናይ ሕክምና መሳርሒ ደቂሳ ትነብር ነበረት። a ከምዚ ዝኣመሰለ ኣዝዩ ከቢድ ፈተና እናሕለፈት ክነሳ ክሳዕ ግዜ ሞታ ንኣምላኽ ብቕንኢ ኣገልጊላቶ ኢያ። ብህይወት ኣብ ዝነበረትሉ ዓመታት ንላውረል በረኸት ኣምላኽ ረኺብዋ ኢዩ። ንኣብነት ካብቲ ንምስትንፋስ ዝሕግዛ መሳርሒ ን24 ሰዓታት ክትንቀሳቐስ ዘይትኽእል እኳ እንተ ነበረት: ን17 ውልቀ-ሰባት ናብቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ርጡብ ፍልጠት ሓቂ ኽመጹ ሓጊዛቶም ኢያ! ዅነታታ ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ “ምስ ዝደክም: ሽዑ እየ ዝብርትዕ” ብምባል እተዛረቦ ቓላት ዘዘኻኽረና ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 12:10) እወ: ብስራት ብምስባኽ ክንረኽቦ እንኽእል ዝዀነ ይኹን ዓወት: ብናይ ገዛእ ርእስና ኽእለትን ሓይልን ዘይኰነስ ብሓገዝ እቲ ኣምላኽ ነቶም ንቓሉ ዝሰምዑ ዝህቦም መንፈስ ቅዱስ ኢዩ።—ኢሳይያስ 40:29-31

11. መንፈስ ኣምላኽ ኣብቶም ‘ሓድሽ ሰብነት’ ዝለብሱ ሰባት እንታይ ባህርያት ኢዩ ዘፍሪ፧

11 ምእዙዛት ኴንና ንኣምላኽ ንሰምዖ እንተድኣ ዄንና መንፈሱ ከም እኒ ፍቕሪ: ሓጐስ: ዕርቂ: ዓቕሊ: ለውሃት: ሕያውነት: እምነት: ህድኣት: ይኣኽለኒ ምባል ዝኣመሰለ ባህርያት ኢዩ ዘፍርየልና። (ገላትያ 5:22, 23) እዚ “ፍረ መንፈስ” እዚ ድማ ኽፍሊ ናይቲ ክርስትያናት ነቲ ቕድም ዘንጸባርቕዎ ዝነበሩ ስስዐ ዝመልኦ ኣራዊታዊ ባህርያት ቀንጢጦም ዝለብስዎ ‘ሓድሽ ሰብነት’ ኢዩ። (ኤፌሶን 4:20-24፣ ኢሳይያስ 11:6-9) ካብዚ ፍረ እዚ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲት ዝዀነት ባህርይ እታ “ማእሰር ፍጻሜ” ዝዀነት ፍቕሪ ኢያ።—ቈሎሴ 3:14

ክርስትያናዊት ፍቕሪ—ሓብሒብና ኽንሕዛ ዘሎና ውህበት

12. ጣቢታን ካልኦት ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናትን ፍቕሪ ዘርኣዩ ብኸመይ ኢዮም፧

12 እታ ክርስትያናዊት ፍቕሪ ኸኣ ሓብሒብና ክንሕዛ ዘድልየና በረኸት የሆዋ ዝዀነት ካልእ ውህበት ኢያ። ብመሰረታዊ ስርዓት እተቐየደት እኳ እንተዀነት ብምፍታው እተዓብለለት ብምዃና ግን ንኣመንቲ ካብ ስጋዊ ዝምድና ንላዕሊ ኣብ ንሓድሕዶም ከም ዝቀራረቡ ናይ ምግባር ሓይሊ ኣለዋ። (ዮሃንስ 15:12, 13፣ 1 ጴጥሮስ 1:22) ንኣብነት: ነታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ጣቢታ ዝስማ ክርስትያን ንርአ። ብፍላይ ኣብታ ጉባኤ ንዝነበራ መበለታት “ጽቡቕ ግብሪ ዝመልኣ ምጽዋትውን እትምጽውት” ኢያ ነይራ። (ግብሪ ሃዋርያት 9:36) እዘን ኣንስቲ እዚኣተን ኣዝማድ ነይሮምወን ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም: ጣቢታ ግን ንኽትሕግዘንን ንኸተተባብዐንን ዝከኣላ ዅሉ ገበረት። (1 ዮሃንስ 3:18) ኣየ ከመይ ዝበለ ሰናይ ኣብነት ኰን ኢያ ገዲፋ! ፍቕሪ ሕውነት ንጵርስኪላን ኣኪላስን ኣብ ክንዲ ጳውሎስ ‘ክሳዶም ከሕልፉ’ ደሪኻቶም ኢያ። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ተኣሲሩ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ንኤጳፍራስ: ሉቃስ: ኦኔሲፎሮስን ካልኦትን ፍቕሪ ንኽሕግዝዎ ደሪኻቶም ኢያ። (ሮሜ 16:3, 4፣ 2 ጢሞቴዎስ 1:16፣ 4:11፣ ፊልሞን 23, 24) እወ: ሎሚ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ክርስትያናት ‘ኣብ ንሓድሕዶም ፍቕሪ ኣላቶም:’ እዛ ፍቕሪ እዚኣ ድማ ሓቀኛታት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ምዃኖም እተለልዮም በረኸት ዝዀነት ውህበት ኣምላኽ ኢያ።—ዮሃንስ 13:34, 35

13. ንክርስትያናዊ ሕውነትና ዓሚቝ ሞሳ ኸም ዘሎና ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

13 ነታ ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ እትርአ ፍቕሪ ኣኽቢርካ ዲኻ እትሕዛ፧ ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ መንፈሳዊ ሕውነትና ተማስወሉ ዲኻ፧ እዚ ኽልቲኡ እውን እንተዀነ ካብ ላዕሊ እተዋህበና ዘሐጕስ ውህበት ኢዩ። ኣኽቢርና ከም እንወስዶኸ ብኸመይ ከነርኢ ምኸኣልና፧ ቅዱስ ኣገልግሎት ብምቕራብ: ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ብምክፋል: ፍቕርን ካልእ ፍረ መንፈስ ኣምላኽን ብምንጽብራቕ ኢዩ።—ፊልጲ 1:9፣ እብራውያን 10:24, 25

“ውህበት ሰብኡት”

14. ሓደ ክርስትያን: ሽማግለ ወይ ኣገልጋሊ ጉባኤ ዀይኑ ንኸገልግል እንታይ ብቕዓት ኢዩ ኸማልእ ዘድልዮ፧

14 እቶም ንኣመንቲ ብጾቶም ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ብምዃን ከገልግልዎም ዝደልዩ ክርስትያን ደቂ ተባዕትዮ ሰናይ ዕላማ ኢዩ ዘለዎም። (1 ጢሞቴዎስ 3:1, 8) ሓደ ሓው ነዚ መሰል እዚ ምእንቲ ኽበቅዕ መንፈሳዊ: ብቕዱሳት ጽሑፋት ስልጡን: ኣብ ግራት ኣገልግሎት ድማ ቀናእ ክኸውን ይግባእ። (ግብሪ ሃዋርያት 18:24፣ 1 ጢሞቴዎስ 4:15፣ 2 ጢሞቴዎስ 4:5) መለኮታዊ በረኸት ነቶም ዕቡያትን ህርፋን ስልጣን ዘለዎምን ሰባት ስለ ዘይረኽቦም ትሕትና: ዓቕምኻን ቦታኻን ናይ ምፍላጥ ባህርይ: ከምኡውን ትዕግስቲ ኸንጸባርቕ ይግብኦ። (ምሳሌ 11:2፣ እብራውያን 6:15፣ 3 ዮሃንስ 9, 10) ምርዑው እንተድኣ ዀይኑ: ንስድራቤቱ ኽኣሊ ዝኽእል ርእሲ ስድራቤት ክኸውን ኣለዎ። (1 ጢሞቴዎስ 3:4, 5, 12) ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብኣይ ንመንፈሳዊ ሃብቲ ኣኽቢሩ ስለ ዝርእዮ በረኸት የሆዋ ይረክብ ኢዩ።—ማቴዎስ 6:19-21

15, 16. “ውህበት ሰብኡት” መን ኢዮም፧ ኣብነት ሃብ።

15 እቶም ኣብታ ጉባኤ ሽማግለታት ኰይኖም ዘገልግሉ ኣሕዋት ወንጌላውያን: ጓሶት: መምህራን ንምዃን ክጽዕሩ ኸለዉ ንኸምዚኦም ዝኣመሰሉ “ውህበት ሰብኡት” ኣኽቢርና ንኽንርእዮም እኹል ምኽንያት ኢዩ ዝዀነና። (ኤፌሶን 4:8, 11 NW) እቶም ካብቲ ፍቕራዊ ኣገልግሎቶም ዝጥቀሙ ዘማስውዎም ዅሉ ግዜ ኸይከውን ይኽእል ኢዩ: ይኹን እምበር የሆዋ ንዅሉ እቲ እሙናት ሽማግለታት ዝገብርዎ ይርእዮ ኢዩ። ንህዝቡ ብምግልጋል ንስሙ ዘርእይዎ ፍቕሪ ኣይርስዖን ኢዩ።—1 ጢሞቴዎስ 5:17፣ እብራውያን 6:10

16 ንሓንቲ ናይ ሓንጎል መጥባሕቲ ኽግበረላ ኣብ ሆስፒታል ደቂሳ ዝነበረት ሓብቲ ዝበጽሓ ሓደ ህርኩት ሽማግለ ከም ኣብነት ንውሰድ። ሓንቲ ፈታዊት እታ ስድራቤት ኸምዚ ኢላ ጸሓፈት:- “ኣዝዩ ሕያዋይን ደጋፍን ሓላዪን ኢዩ ነይሩ። ምሳና ዀይኑ ናብ የሆዋ ክጽሊ ሓተተና። ክጽሊ ኸሎ ድማ እቲ ኣቦ [ናይ የሆዋ ምስክር ኣይኰነን] ተነኽነኸ: ኣብታ ኽፍሊ ዝነበረ ዅሉ ድማ ነብዐ። ጸሎት ናይቲ ሽማግለ ለውሃት ዝመልኦ ኢዩ ነይሩ: እቲ ኣብታ እዋን እቲኣ ንዕኡ ዝለኣኸልና የሆዋ እውን ክንደይ ፈቃር ኰን ኢዩ!” ሓሚማ ዝነበረት ካልእ ናይ የሆዋ ምስክር እውን ብዛዕባ እቶም ክበጽሕዋ ዝኸዱ ሽማግለታት ከምዚ በለት:- “ኣብቲ ኸቢድ ሕክምና ዝግበረለይ ዝነበረ ኽፍሊ ኽበጽሑኒ ምስ መጹ: ካብ ሽዑ ንደሓር ዝወረደ እንተ ወረደኒ ኽጽመሞ ኸም ዝኽእል ፈለጥኩ። ሓይልን ውሽጣዊ ሰላምን ድማ ረኸብኩ።” ንኸምዚ ዝኣመሰለ ፍቕራዊ ሓልዮት ብገንዘብ ክዕድጎ ዝኽእል ሰብ ኣሎዶ፧ ፈጺሙ የለን! እዚ በታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣቢሉ ዝርከብ ውህበት ኣምላኽ ኢዩ።—ኢሳይያስ 32:1, 2

ውህበት ግራት ኣገልግሎት

17, 18. (ሀ) የሆዋ ንዅሎም ህዝቡ ኸመይ ዝበለ ውህበት ኣገልግሎት ኢዩ ዘዳለወሎም፧ (ለ) ኣገልግሎትና ንኽንፍጽም ኣምላኽ ከመይ ዝበለ ሓገዝ ኢዩ ዘዳለወልና፧

17 ነቲ ልዑል የሆዋ ካብ ምግልጋል ንላዕሊ ሰብ ክረኽቦ ዝኽእል ክብሪ የለን። (ኢሳይያስ 43:10፣ 2 ቈረንቶስ 4:7፣ 1 ጴጥሮስ 2:9) ይኹን እምበር: ኣብ ግራት ኣገልግሎት ናይ ምክፋል መሰል ንዅሎም ንኣምላኽ ንምግልጋል ልባዊ ባህጊ ዘለዎም ዓበይትን ንኣሽቱን ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ክፉት ኢዩ። ነዚ ኽቡር ውህበት እዚ ትጥቀመሉዶ ኣሎኻ፧ ገሊኦም ብቕዓት ዘለዎም ኰይኑ ስለ ዘይስምዖም የድሓርሕሩ ይዀኑ። ይኹን እምበር የሆዋ ነቶም ዘገልግልዎ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝህቦምን ንዝጐድለና ዘበለ ኸም ዝሽፍነልናን ኣይንረስዕ።—ኤርምያስ 1:6-8፣ 20:11

18 የሆዋ ነቶም ዝንየቱን ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ክእለት ዝምርኰሱን ውልቀ-ሰባት ዘይኰነስ ንትሑታት ኣገልገልቱ ኢዩ ነቲ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ብሕድሪ ዝሃቦም። (1 ቈረንቶስ 1:20, 26-29) እቶም ትሑታት ከምኡውን ዓቕሞምን ቦታኦምን ዝፈልጡ ሰባት ኣብ ግራት ኣገልግሎት ክጽመዱ ኸለዉ ዓቕሞም ድሩት ምዃኑ ስለ ዝፈልጡ ኣብ ሓገዝ ኣምላኽ ኢዮም ዝምርኰሱ። በቲ “እሙንን ኣስተውዓልን መጋቢ” ኣቢሉ ንዝዳለወሎም መንፈሳዊ ሓገዝ እውን የማስውሉ ኢዮም።—ሉቃስ 12:42-44፣ ምሳሌ 22:4

ሓጐስ ዝመልኦ ናብራ ስድራቤት ሰናይ ውህበት ኢዩ

19. ውሉዳት ኣብ ምዕባይ ዕዉት ክገብረካ ዝኽእል ረቛሒታት እንታይ ኢዩ፧

19 መርዓን ሓጐስ ዝመልኦ ናብራ ስድራቤትን ካብ ኣምላኽ እንረኽቦ ውህበት ኢዩ። (ሩት 1:9፣ ኤፌሶን 3:14, 15) ቈልዑ እውን ነቶም ኣምላኻዊ ባህርያት ዝሰርጹሎም ወለዶም ሓጐስ ዘምጽኡሎም ብምዃኖም ክቡር “ውህበት እግዚኣብሄር” ኢዮም። (መዝሙር 127:3) ወላዲ እንተድኣ ዄንካ ነቶም ንኣሽቱ ደቅኻ ብቓል ኣምላኽ ገይርካ ብምስልጣን ቃል የሆዋ ስማዕ። ከምዚ ዝገብሩ ወለዲ ደገፍ የሆዋን በረኸቱን ከም ዝረኽቡ ርግጸኛታት ኢዮም።—ምሳሌ 3:5, 6፣ 22:6፣ ኤፌሶን 6:1-4

20. ነቶም ደቆም ካብ ሓቀኛ ኣምልኾ ዝረሓቑ ወለዲ እንታይ ኢዩ ኽሕግዞም ዝኽእል፧

20 ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ወለዲ ንውሉዳቶም ብኣምላኻዊ መገዲ ንምዕባይ ልባዊ ጻዕሪ ገይሮም ክነሶም ገለ ካብ ደቆም ምስ ጐበዙ ኻብ ሓቀኛ ኣምልኾ ብምርሓቕ ናይ ገዛእ ርእሶም መገዲ ኽመርጹ ይኽእሉ ኢዮም። (ዘፍጥረት 26:34, 35) እዚ ንወለዲ ስምዒቶም ክሃስዮም ይኽእል ኢዩ። (ምሳሌ 17:21, 25) ይኹን እምበር ተስፋ ኣብ ክንዲ ዝቘርጹ: ነቲ የሱስ ብዛዕባ እቲ ሓሻሽ ወዲ ዝሃቦ ምስላ ምስ ዝዝክሩ ኽሕግዞም ይኽእል ኢዩ። እቲ ወዲ ኻብ ቤቱ ወጺኡ ፋሉል እኳ እንተኸደ: ድሓር ግን ናብ ቤት ኣቦኡ ተመሊሱ ኢዩ: ኣቦኡ ድማ ብሕጕስ መንፈስን ፍቕራዊ ኣገባብን ተቐቢልዎ ኢዩ። (ሉቃስ 15:11-32) ዘጋጠመ እኳ እንተ ኣጋጠሞም: እሙናት ክርስትያን ወለዲ የሆዋ ከም ዝርድኣሎም: ፍቕራዊ ሓልዮቱን ደገፉን ድማ ከም ዘይፍለዮም ምትእምማን ክሓድሮም ይኽእል ኢዩ።—መዝሙር 145:14

21. ንመን ኢና ኽንሰምዖ ዘሎና: ስለምንታይከ፧

21 ስለዚ እምበኣር ኵልና ኣብ ናብራ ህይወትና እቲ ብሓቂ ዝበለጸ ነገር ንምረጽ። ደድሕሪ እቲ ንዓናን ንስድራቤትናን ስቓይ ከምጽእ ዝኽእል ፍቕረ-ንዋይዶ ኢና እንጐዪ ዘሎና: ወይስ ካብቲ “ኣቦ ዅሉ ብርሃናት” ዝዀነ የሆዋ ዝመጽእ “ጽቡቕ ውህበትን ምሉእ ውህበትን” ንምርካብ ኢና እንመጣጠር፧ (ያእቆብ 1:17) እቲ ‘ኣቦ ሓሶት’ ዝዀነ ሰይጣን ደድሕሪ ስጋዊ ሃብቲ ኽንጐዪ እሞ ሓጐስን ህይወትን ከነጥፍእ ኢዩ ዝደልየና። (ዮሃንስ 8:44፣ ሉቃስ 12:15) የሆዋ ግን እቲ ዝያዳ ዝጠቕመና ኽንረክብ ኢዩ ዝደልየና። (ኢሳይያስ 48:17, 18) ስለዚ ነቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ወትሩ ንስምዓዮ: ወትሩ ድማ ብእኡ ‘ንተሓጐስ።’ (መዝሙር 37:4) ከምዚ እንተድኣ ገይርና: እቲ ብዋጋ ዘይሽነን ማእለያ ዘይብሉ በረኸት የሆዋ ኸሀብትመና ኢዩ: ሽጋር ዝበሃል እውን የብሉን።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ናይ 22 ጥሪ 1993 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ገጽ 18-21, 21 ርአ።

ትዝክሮዶ፧

• እቲ ዝዓበየ ሓጐስ ኣበይ ኢዩ ኽርከብ ዝኽእል፧

• ገለ ኻብቲ የሆዋ ንህዝቡ ዝህቦም ዝበለጸ ህያባት እንታይ ኢዩ፧

• ግራት ኣገልግሎት ውህበት ዘብሎ እንታይ ኢዩ፧

• ወለዲ ደቆም ከዕብዩ ኸለዉ በረኸት ኣምላኽ ምእንቲ ክረኽቡ እንታይ ክገብሩ ይኽእሉ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ነቲ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ቓሉ ስለ ዝሃበና ተማስወሉዶ ኢኻ፧

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ላውረል ኒስበት ኣብ ኣዝዩ ከቢድ ኵነታት እኳ እንተ ነበረት ንኣምላኽ ብቕንኢ ኣገልጊላቶ ኢያ

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ልክዕ ከም ጣቢታ ብግብሪ ብዘርእይዋ ፍቕሮም እተፈልጡ ኢዮም

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

ክርስትያን ሽማግለታት ንኣመንቲ ብጾቶም ፍቕራዊ ሓልዮት ኣለዎም