ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ ሓቂ ዋጋ ዘለዎ ነገር እንታይ ኢዩ፧

ናይ ሓቂ ዋጋ ዘለዎ ነገር እንታይ ኢዩ፧

ናይ ሓቂ ዋጋ ዘለዎ ነገር እንታይ ኢዩ፧

ናይ ሓቂ ዋጋ ዘለዎ ነገር ምጥራይ ዘሐጕስ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እዚ ግን እንታይ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል፧ ብዙሕ ገንዘብ ድዩ፧ ክቡር ወይ ፍሉይ ስልማት ድዩ: ወይስ ዝናን ተፈላጥነትን፧ ብዙሓት ሰባት ነዚ ነገራት እዚ ዝለዓለ ግምት ይህብዎ ኢዮም። ነዚ ነገራት እዚ ምጥራይ ንህይወትና ዘድልየና ነገራት ከማልኣልና: ንህይወትና ዝያዳ ትርጕም ዘለዋ ኽገብራ: ወይውን ተፈላጥነትን ኣሳልጦን ንምርካብ ዘሎና ውሽጣዊ ባህጊ ኸዕግቦ ይኽእል ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ናይ መጻኢ ሸቶታትናን ትምኒታትናን ከማልኣልና ተስፋ ብምግባር ንኸነጥርዮ ንጽዕርዶ ኣሎና ኢና፧

 መብዛሕትኡ እዋን: ሰባት ንድሌታቶም ወይ ባህግታቶም ብኸመይ ከም ዘማልኣሎም ብምርኣይ ኢዮም ዋጋ ናይ ሓደ ነገር ዝግምግምዎ። ናይ ድሕንነት ስምዒት ንዘምጽኣልናን ውሕስነት ዘለዎ መጻኢ ንዝህበናን ነገራት ኣኽቢርና ኢና እንርእዮ። ቅጽበታዊ እፎይታ: ምቾት: ወይ ተፈላጥነት ንዘምጽኣልና ነገራት ዝለዓለ ቦታ ኢና እንህቦ። ኣብቲ ዝቀያየር ባህግታትና ወይ ድሌታትና ተመርኲስና ዋጋ ናይ ሓደ ነገር ምስ እንውስን ግን ዕምቈት ዘይብሉን ሓጺር ኣረኣእያን ኢዩ ዝኸውን። ከም ሓቂ እንተ ዀይኑ: ኣብቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ዘድልየና ነገር ብምትኳር ኢና ናይ ሓቂ ዋጋ ዘለዎ ነገር ክንፈልጥ እንኽእል።

ካብ ኵሉ ንላዕሊ ዘድልየና ነገር እንታይ ኢዩ፧ ዝዀነ ይኹን ነገር ብዘይ ህይወት ዋጋ የብሉን። ህይወት እንተ ዘይህልወና ነይሩ: ንሕና ኣይምሃሎናን። ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ሰሎሞን “ምዉታት . . . ገለ እኳ ኣይፈልጡን። . . . ኣብቲ እትኸዶ ሲኦልሲ [ተራ መቓብር ደቅሰብ] ዕዮን ሓሳብን ፍልጠትን ጥበብን የልቦን” ኢሉ ጸሓፈ። (መክብብ 9:5, 10) እንተ ሞይትና: ንዅሉ እቲ ዘጥረናዮ ሓዲግናዮ ኢና እንኸይድ። ስለዚ: ብህይወት ከም እንቕጽል ዝገብረና ነገር: ካብ ኵሉ ንላዕሊ ኢዩ ዘድልየና። ነዚ ኽገብር ዝኽእል እንታይ ኢዩ፧

ብህይወት ከም እንቕጽል ዝገብረና ነገር እንታይ ኢዩ፧

ንጉስ ሰሎሞን ‘ገንዘብ ጽላል’ ምዃኑ ገለጸ። (መክብብ 7:12) እኹል ገንዘብ እንተልዩና: መግብን ምቹእ መንበርን ክንረክብ ንኽእል። ናብ ርሑቕ ቦታታት ተጓዒዝና ንኽንዘናጋዕ የኽእለና። ብሰንኪ እርጋን ወይ ድናሰ ኽንሰርሕ ኣብ ዘይንኽእለሉ እዋን ዘድልየና ነገራት የማልኣልና ኢዩ። ገንዘብ ዘምጽኦ ጥቕሚ ብዙሕ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ብህይወት ከም እንቕጽል ክገብረና ኣይክእልን ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ “ነቶም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ሃብታማት ከይዕበዩ: . . . [ብ]ኣምላኽ እምበር: በዚ ሓላፊ ሃብቲ ኸይእመኑ አዝዞም” ኢሉ መዓዶ። (1 ጢሞቴዎስ 6:17) ኣብ ዓለም ዘሎ ገንዘብ ብምሉኡ ተደሚሩ ህይወት ክዕድገልና ኣይክእልን ኢዩ።

ሂቶሺ ንዝበሃል ሰብኣይ ዘጋጠሞ ተመክሮ እስከ ርአ። ኣብ ድኽነት ስለ ዝዓበየ: ሃብታም ንምዃን ብርቱዕ ባህጊ ነበሮ። ገንዘብ ኣብ ዘለዎ ሓይሊ ኣጸቢቑ ይኣምን ስለ ዝነበረ: ብገንዘብ ካብ ሰባት ፍቕሪ ወይ ተኣማንነት ክረክብ ዝኽእል ይመስሎ ነበረ። ሓደ መዓልቲ: ሓደ ሰብኣይ ናብ እንዳ ሂቶሺ ኸደ እሞ የሱስ ክርስቶስ ምእንታኡ ኸም ዝሞተ ዝፈልጥ እንተ ዀይኑ ሓተቶ። ኣብ ክንድኡ ህይወቱ ዘሕልፈሉ ሰብ ይርከብ ኢዩ ኢሉ ሓሲቡ ስለ ዘይፈልጥ ብዛዕባዚ ንኽፈልጥ ተሃንጠየ። ድሕርዚ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ህዝባዊ ዝርርብ ክሰምዕ ከደ እሞ ‘ንዓይኒ ጥዕይቲ’ ብዛዕባ ምግባር ማዕዳ ኽወሃብ ምስ ሰምዐ ተገረመ። እቲ ተዛራባይ: “ጥዕይቲ” ዓይኒ ኣርሒቓ እትጥምትን ኣብ መንፈሳዊ ነገራት እተተኵርን ምዃና ገለጸ። (ሉቃስ 11:34) ሂቶሺ ደድሕሪ ገንዘብ ኣብ ክንዲ ምጕያይ: ንመንፈሳዊ ነገራት ኣብ ህይወቱ ቐዳምነት ክህቦ ጀመረ።

ስጋዊ ጥሪት እተወሰነ ቅሳነትን ድሕንነትን ከምጽእ ይኽእል ኢዩ። እኹል ጥሪት እንተሎና: ብዛዕባ መዓልታዊ ዘድልየና ነገራት ኣይንጭነቕን ኢና። ኣብ ባህ ዘብል ከባቢ እተሃንጸ ጽቡቕ ገዛ: ዕግበት ከምጽኣልና ይኽእል ኢዩ። ምዕሩግ ክዳውንቲ እንተ ተኸዲንናን ጽብቕቲ ማኪና እንተ ኣጥሪናን: ካልኦት ክንእዱልና ይኽእሉ ኢዮም።

‘ብዅሉ ጻዕርና ጽቡቕ ምርኣይ’ በረኸት ኢዩ። (መክብብ 3:13) ትርፊ ምስ ዝህልወና ኸኣ እነፍቅሮም ሰባት ‘ከዕርፉ: ክበልዑ: ክሰትዩ: ክሕጐሱ’ ይኽእሉ። እንተዀነ ግን: ስጋዊ ነገራት ነባሪ ዋጋ የብሉን። የሱስ ክርስቶስ ካብ ስስዐ ክንሕሎ ኸጠንቅቕ ከሎ “ህይወት ሰብ ብብዝሒ ገንዘብ ኣይኰነትን” በለ። (ሉቃስ 12:15-21) ዘጥረና ነጥሪ: ንህይወትና ውሕስነት ክዀነና ኣይክእልን ኢዩ።

ንኣብነት: ሊዝ ንሓደ ሃብታም ሰብኣይ ተመርዓወት። ከምዚ ድማ በለት:- “ጽቡቕ ገዛን ክልተ ማካይንን ነበረና: ቍጠባዊ ዅነታትና እውን ዓለም ብስጋዊ መዳይ ክትህቦ እትኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር ንኽንረክብ ዘኽእለና ነበረ። . . . እቲ ዘገርም ግን: ብዛዕባ ገንዘብ ምጭናቕ ኣየቋረጽኩን።” ቀጺላ ኸኣ ከምዚ በለት:- “ብዙሕ ወጻኢታት ነበረና። ዝያዳ ገንዘብ ብዘጥረኻ መጠን: ዘሎካ ናይ ድሕንነት ስምዒት ድማ ብእኡ መጠን እናጐደለ ዝኸይድ ኢዩ ዝመስል።”

ዝናን ተፈላጥነትን እውን ውዳሰን ክብርን ስለ ዘምጽእ ብገሊኣቶም ልዑል ግምት ይወሃቦ ኢዩ። ኣብዛ ሕጂ ዘላ ዓለም ኵሉ ሰብ ዕዉት ዝገብሮ ሞያ ኢዩ ዝምነ። ፍሉይ ተውህቦ ወይ ክእለት ምስ እነጥሪ ስምና ንኸነጸውዕ ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ። ከምዚ ምስ ዝኸውን ካልኦት ይውድሱና: ንእንህቦ ሓሳባት ኣኽቢሮም ይርእይዎ: ከምኡውን ሞገስና ኽረኽቡ ይደልዩ ይዀኑ። እዚ ዅሉ ዘሐጕስን ዘዕግብን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ዘይሩ ዘይሩ ግን ይሃስስ ኢዩ። ሰሎሞን ሓደ ንጉስ ክህልዎ ዝኽእል ኵሉ ኽብሪ ዀነ ሓይሊ ነበሮ: እንተዀነ ግን “ኵሉ ይርሳዕ ስለ ዝዀነ: መዘከርታ እቲ ጥበበኛ ኸምቲ ናይቲ ዓሻ . . . እዩ” ብምባል ኣስቈርቈረ። (መክብብ 2:16) ህይወት ብዝና ወይ ተፈላጥነት ኣይርከብን ኢዩ።

ሓደ ቸሎ ዝበሃል ቀራጺ ኻብ ዝና ንላዕሊ ዋጋ ዘለዎ ነገር ኣኽቢሩ ክርኢ ጀመረ። ተውህቦ ስለ ዝነበሮ ኽእለቱ ንኸማዕብል ክሕግዞ ኣብ ዝኽእል ቤት ትምህርቲ ኣተወ። ነዊሕ ከይጸንሐ ስርሓቱ ካብ መራኸቢ ብዙሓንን ሓያስያንን ናእዳ ረኸበ። መብዛሕትኡ ዝሰርሖ ቅርጽታት ኣብ ዓበይቲ ኸተማታት ኣውሮጳ ኣብ እተገብረ ኤግዚብሽን ተራእየ። ቸሎ ከምዚ ብምባል የዘንቱ:- “ንእተወሰነ ግዜ ስነ-ጥበብ ኣብ ህይወተይ ቀዳምነት ሒዙ ምንባሩ እእመን ኢየ። እንተዀነ ግን: ነዚ ሞያ እዚ ምስዓበይ ንኽልተ ጐይተት ንኽትግዛእ ከም ምፍታን ማለት ምዃኑ ኣስተውዓልኩ። (ማቴዎስ 6:24) ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽ እቲ ዝበለጸ ኽገብሮ ዝኽእል ነገር ምዃኑ ኣመንኩሉ። ስለዚ: ቀራጺ ዀይነ ምዕያይ ገደፍክዎ።”

ዝኸበረ ዋጋ ዘለዎ ነገር እንታይ ኢዩ፧

ዝዀነ ይኹን ነገር: ብዘይ ህይወት ምንም ትርጕም ወይ ዋጋ ስለ ዘይብሉ: ብህይወት ንኽንቅጽል ዘኽእለና ውሕስነት ንምርካብ እንታይ ከነጥሪ ኣሎና፧ ናይ ህይወት ፈልፋሊ የሆዋ ኣምላኽ ኢዩ። (መዝሙር 36:9) እወ “ብእኡ ኢና እንነብርን እንዋሳወስን ብእኡ ኸኣ ኢና ዘሎና።” (ግብሪ ሃዋርያት 17:28) ነቶም ዘፍቅርዎ ዘለኣለማዊ ህይወት ይህቦም ኢዩ። (ሮሜ 6:23) ነዚ ውህበት እዚ ንምርካብ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

ውህበት ዘለኣለማዊ ህይወት ምርካብ ምስ የሆዋ ኣብ ዘሎና ጥብቂ ርክብ ኢዩ ዝምርኰስ። ስለዚ: ስምረቱ ምርካብ ከነጥርዮ ኻብ እንኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር ዝኸበረ ዋጋ ኣለዎ። ስምረቱ ምስ እንረክብ: ናይ ሓቅን ዘለኣለማውን ሓጐስ ንኽንረክብ ተስፋ ይህልወና። ስምረት ኣምላኽ እንተ ዘይረኺብና ግን ውሽጣዊ ሓጐስ ኣይህልወናን ኢዩ። እምበኣር: ምስ የሆዋ ጽቡቕ ርክብ ንኽህልወና ዝሕግዘና ዝዀነ ይኹን ነገር ዝኸበረ ዋጋ ኣለዎ።

ክንገብሮ ዝግባእ

እንረኽቦ ዓወት ኣብቲ እነጥርዮ ፍልጠት እተመርኰሰ ኢዩ። ምንጪ ርጡብ ፍልጠት እቲ ቓል የሆዋ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ። ንኣምላኽ ንምሕጓስ እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ክነግረና ዝኽእል እዚ መጽሓፍ እዚ ጥራይ ኢዩ። ስለዚ ቅዱሳት ጽሑፋት ተጠንቂቕና ኸነጽንዕ ኣሎና። ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ዝከኣለና ዅሉ ንምፍላጥ ጻዕሪ ምግባር ‘ፍልጠት ናይ ዘለኣለም ህይወት’ የፍርየልና ኢዩ። (ዮሃንስ 17:3) ከምዚ ዝኣመሰለ ፍልጠት ኣኽቢርካ ኽርአ ዘለዎ መዝገብ ኢዩ!—ምሳሌ 2:1-5

ካብ ቃል ኣምላኽ እንረኽቦ ፍልጠት ነቲ ዝቕጽል ስጕምቲ ንኽንወስድ የዕጥቐና ኢዩ፣ እዚ ድማ ኣብ የሱስ ክርስቶስ ምእማን ኢዩ። የሆዋ ዅሎም ናብኡ ዝቐርቡ ሰባት ብየሱስ ኣቢሎም ክቐርብዎ ኢዩ ኣዚዙ። (ዮሃንስ 14:6) እኳ ድኣስ: “ምድሓን ብሓደ ኻልእ ከቶ የልቦን።” (ግብሪ ሃዋርያት 4:12) ድሕነትና ‘ኣብቲ ኽቡር ደም ክርስቶስ እምበር: ኣብ ብሩር ወይስ ወርቂ’ ኣይኰነን ዝምርኰስ። (1 ጴጥሮስ 1:18, 19) ንትምህርትታት የሱስ ብምእማንን ኣብነቱ ብምስዓብን እምነትና ኸነርኢ ኣሎና። (እብራውያን 12:1-3፣ 1 ጴጥሮስ 2:21) መስዋእቱ ኣዝዩ ኽቡር ዋጋ ኢዩ ዘለዎ! ዘለኣለማዊ መጻኢ ደቅሰብ በቲ ኻብኡ ዝርከብ ረብሓ ኢዩ ዝውሰን። እቲ ኻብኡ ዝርከብ ረብሓታት ምሉእ ብምሉእ ኣብ ግብሪ ክውዕል ከሎ ናይ ሓቂ ኽቡር ዋጋ ዘለዎ ዘለኣለማዊ ህይወት ክንረክብ ኢና።—ዮሃንስ 3:16

የሱስ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮ” በለ። (ማቴዎስ 22:37) ንየሆዋ ምፍቃር ከኣ “ትእዛዛቱ ኽንሕሉ እዩ።” (1 ዮሃንስ 5:3) ትእዛዛቱ ድማ ካብ ዓለም ክንፍለ: ብቕንዕና ክንመላለስ: ከምኡውን ንመንግስቱ ብተኣማንነት ክንድግፍ ዝሓተና ኢዩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ኢና ኣብ ክንዲ ሞት ‘ህይወት እንሓሪ።’ (ዘዳግም 30:19) ‘ንኣምላኽ እንተ ቐሪብናዮ: ንሱውን ክቐርበና ኢዩ።’—ያእቆብ 4:8

ስምረት ኣምላኽ ምርካብ ኣብ ዓለም ካብ ዘሎ ሃብቲ ዝበልጽ ኢዩ። እቶም ነዚ ዝረኸቡ ኣብ ምድሪ ኻብ ዝነብሩ እቶም ዝሃብተሙ ሰባት ኢዮም! ስለዚ ነቲ ናይ ሓቂ ዋጋ ዘለዎ መዝገብ ማለት ስምረት ኣምላኽ ንምርካብ ንጽዓር። ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ዝሃቦ ማዕዳ ነቕልበሉ:- “ደድሕሪ ጽድቂ: ኣምልኾ: እምነት: ፍቕሪ: ትዕግስቲ: ህድኣት ስዐብ። ጽቡቕ ገድሊ እምነት ተጋደል: ነታ . . . ህይወት ዘለኣለም ሐዛ።”—1 ጢሞቴዎስ 6:11, 12

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ቅዱሳት ጽሑፋት ተጠንቂቕና ኸነጽንዕ ኣሎና

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ነየናይ ኢኻ ዝለዓለ ዋጋ እትህቦ፧ ንገንዘብ: ንስጋዊ ጥሪት: ንዝና ወይስ ንኻልእ ነገር፧