ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንሰባት ብሓቂ ኸሕብሮም ዝኽእል ነገር ይህሉዶ ዀን ይኸውን፧

ንሰባት ብሓቂ ኸሕብሮም ዝኽእል ነገር ይህሉዶ ዀን ይኸውን፧

ንሰባት ብሓቂ ኸሕብሮም ዝኽእል ነገር ይህሉዶ ዀን ይኸውን፧

 እምነትካ ብዘየገድስ ዳርጋ ኣብ ኵሉ ሃይማኖት ሓቂ ዘፍቅሩ ሰባት ከም ዘለዉ ትሰማምዓሉ ትኸውን ኢኻ። ኣብ መንጎ ሂንዱ: ካቶሊክ: ኣይሁድ: ከምኡውን ካልኦት ሃይማኖታት ንሓቂ ኣጸቢቖም ዘፍቅሩን ዘናድዩን ሰባት ክርከቡ ይኽእሉ ኢዮም። እንተዀነ ግን: ሃይማኖት ንደቅሰብ ይኸፋፍሎም ኢዩ ዘሎ። አረ: ገሊኣቶምስ ነቲ እከይ ዝመልኦ ዕላምኦም ንምፍጻም ንሃይማኖት ይጥቀሙሉ ኢዮም። ኣብ ኵለን ሃይማኖታት ዝርከቡ ሰናይን ሓቅን ዘፍቅሩ ቅኑዓት ሰባት ከም ዝሓብሩ ምግባር ይከኣልዶ ዀን ይኸውን፧ ንሓደ ዕላማ ኽሓብሩ ይኽእሉዶ ዀን ይዀኑ፧

ሃይማኖት እናወዓለ እናሓደረ ዝገደደ ጠንቂ ምፍልላይ ኰይኑ ኽትርእስ ክንደይ ዘበሳጩ ዀን ኢዩ! ገለ ግጭታት እስከ ንርአ። ኣብ ስሪ ላንካ ሂንዱ ምስ ቡድሂስት ተጋጭዮም ኢዮም። ፕሮተስታንት: ካቶሊክ: ከምኡውን ኣይሁድ ኣብ እተፈላለየ ግጭታት ደም ተፋሲሶም ኢዮም። ኣብ ቦዝንያ: ቸችንያ: ኢንዶኔዥያ: ከምኡውን ኮሶቮ “ክርስትያናት” ምስ ኣስላም ተዋጊኦም ኢዮም። ኣብ መጋቢት 2000 ከኣ ምስ ሃይማኖት እተተሓሓዘ ንኽልተ መዓልቲ ዝቐጸለ ናዕቢ ህይወት 300 ናይጀርያውያን ኣጥፊኡ ኢዩ። ብርግጽ ሃይማኖታዊ ጽልኢ ነዚ ጭካነ ዝመልኦ ግጭታት ኣጐሃሂርዎ ኢዩ።

መብዛሕትኡ እዋን ቅኑዓት ሰባት ብስም ሃይማኖት ዝግበር እከይ የጕህዮም ኢዩ። ንኣብነት: ብዙሓት ተሳለምቲ ቤተ-ክርስትያን ንቘልዑ ጾታዊ ማህሰይቲ ዘውረዱ ኣቕሽሽቲ ብገሊአን ኣብያተ-ክርስትያናት ዕሽሽ ከም እተባህሉ ኽሰምዑ ኸለዉ ይስምብዱ ኢዮም። ካልኦት ኣመንቲ ድማ ኣብ ውሽጢ እተን ክርስትያን ኣንቈራታት ዝበሃላ ሃይማኖታት: ንግብረ-ሶዶምን ምንጻል ጥንስን ኣብ ዝምልከት ነገራት ብዙሕ ፍልልይ ምህላዉ የሕፍሮም ኢዩ። ሃይማኖት ንደቅሰብ ከም ዘየሕበሮም ንጹር ኢዩ። እንተዀነ ግን: እዚ ቐጺሉ ዘሎ ተመክሮታት ከም ዝሕብሮ ኣብ እተፈላለያ ሃይማኖታት ሓቂ ዝፈትዉ ሰባት ኣለዉ።

ንሓቂ ጽምኢ ነበሮም

ፊደልያ ኣብታ ኣብ ላ ፓዛ: ቦሊቭያ: እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ሳን ፍራንሲስኮ እትመላለስ ቅንዕትን ውፍይትን ኣማኒት ነበረት። ኣብ ቅድሚ ምስሊ ማርያም ትሰግድን ዓቕማ ብዝፈቕደላ መጠን ዝበለጸ ሽምዓ ገዚኣ ኣብ ቅድሚ መስቀል ክርስቶስ ተቐምጥን ነበረት። ሰሙን ሰሙን: ንድኻታት ምእንቲ ኽዕደል ኢላ ብዙሕ መግቢ ነቲ ኻህን ትህቦ ነበረት። እንተዀነ ግን: ፊደልያ ዝወለደቶም ሓሙሽተ ሕጻናት ከከይተጠምቁ ሞቱ። እቲ ኻህን ኣብ ሊምቦ ዝበሃል ደልሃመት ይሳቐዩ ምህላዎም ምስ ነገራ: ‘ኣምላኽ ፈቃርን ሕያዋይን እንተ ዀይኑ: ከመይ ገይሩ ከምዚ ኽገብር ይኽእል፧’ ኢላ ኽትሓስብ ጀመረት።

ሓንቲ ታራ እትበሃል ሓኪም ከኣ ኣብ ካትማንዱ: ኔፓል: ሰዓቢት እምነት ሂንዱ ዀይና ኢያ ዓብያ። ነቲ ንዘመናት ዝጸንሐ ናይ ኣቦታታ ልምዲ ብምስዓብ: ነቶም ኣብ ናይ ሂንዱ ኣብያተ-መቕደስ ዝርከቡ ኣማልኽቲ ተምልኽ ነበረት: ኣብ ቤታ እውን ጣኦታት ነበርዋ። ታራ ግን ‘ኣዝዩ ብዙሕ ስቓይ ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧ ስለምንታይ ኢዮም ሰባት ዝሞቱ፧’ ዝብል ሕቶታት የጨንቓ ነበረ። ካብ ሃይማኖታ ግን ዘዕግብ መልሲ ኣይረኸበትን።

ካብ ንእስነቱ ኣማኒ ቡድሃ ዀይኑ ዝዓበየ ፓንያ ድማ ኣብቲ ኣብ ባንግኮክ: ታይላንድ: ዝርከብ ኣብ ጥቓ መትረብ እተሰርሐ ቤት ይነብር ነበረ። ስቓይ ዝመጸ ኻብቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ህይወትና ምዃኑን ካብ ስቓይ ናጻ ንምውጻእ ባህጊ ዝበሃል ከነወግድ ከም ዝግባእን ከኣ ተማህረ። ከም ካልኦት ቅኑዓት ቡድሂስት: ነቲ እቶም ንግሆ ንግሆ ምጽዋት ደልዮም ፈቐዶ ገዛ ዝኸዱ ነዊሕ ብጫ ኽዳን ዝኽደኑ ፈለስቲ ዘለዎም ጥበብ ዓሚቝ ኣኽብሮት ነበሮ። ዘስተንትነሉ እዋን ነይርዎ: ዕቝባ ይዀነኒ ኢዩ ኢሉ ዝኣከቦ ምስሊ ቡድሃ እውን ነበሮ። ሓደ ግዜ ሓደጋ ምስ ኣጋጠሞ: ካብ መዓንጥኡ ንታሕቲ ልሙስ ኰነ: ብተኣምራታዊ መገዲ እንተ ተፈወሰ ኢሉ ድማ እተፈላለየ ገዳማት ቡድሂስት ዞረ። እንተዀነ ግን: ተኣምራታዊ ፈውሲ ዀነ መንፈሳዊ ብርሃን ኣይረኸበን። ኣብ ክንድኡስ ናብ ሓተታ መናፍስቲ ተቓልዐ: ኣብዚ ተግባር እዚ ድማ ተጸምደ።

ቨርጀል ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኢዩ ተወሊዱ: ኣብ ኮለጅ ከሎ ድማ ኣባል ጸለምቲ እስላም ዝበሃሉ ጕጅለ ዀነ። ጸዓዱ ድያብሎስ ኢዮም ዝብል ጽሑፋት ድማ ብቕንኢ ይዝርግሕ ነበረ። እዞም ጕጅለ እዚኣቶም: ጸዓዱ ኣብ ጸለምቲ ብዙሕ ግፍዒ ዘውረዱሉ ምኽንያት ድያብሎስ ስለ ዝዀኑ ኢዮም ዝብል ኣረኣእያ ነበሮም። ቨርጀል ካብ ልቡ ዝኣምነሉ እኳ እንተ ነበረ: ‘ኵሎም ጸዓዱ ግን ከመይ ገይሮም እኩያት ክዀኑ ይኽእሉ፧ መብዛሕትኡ ካብቲ ዝቐርብ ስብከት ምስ ገንዘብ እተተሓሓዘኸ ስለምንታይ ኢዩ፧’ ዝብል ሕቶታት የጨንቖ ነበረ።

ቻሮ ኣብታ ካቶሊክ ብብዝሒ ዝርከቡዋ ደቡብ ኣመሪካ እኳ እንተ ዓበየት: ንሳ ግን ቅንዕቲ ፕሮተስታንት ነበረት። ኣብቲ ኣብ ከባቢኣ ዝርከብ ኣምልኾ ጣኦት ብዘይምክፋላ ሕጕስቲ ነበረት። ቻሮ ሰንበት ሰንበት ናብቲ ስምዒት ዘለዓዕል ኣምልኾ ዝካየደሉ ቤተ-ክርስትያን ምኻድ ባህ ይብላ ነበረ፣ ኣብኡ ኸኣ “ሃሌሉያ!” ኢላ ትጭድር: ኣብቲ ስዒቡ ዝግበር ሃይማኖታዊ መዝሙርን ሳዕስዒትን ድማ ትካፈል ነበረት። ከም ዝደሓነትን እንደገና ኸም እተወልደትን እውን ትኣምን ነበረት። ዕሽር ናይ እቶታ ነቲ ቤተ-ክርስትያን ትኸፍል ነበረት: እቲ ኣኽቢራ እትርእዮ ናይ ቲቪ ወንጌላዊ ወፈያ ኽግበር ምስ ሓተተ ኸኣ ነቶም ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዉ ሕጻናት ዝኸውን ገንዘብ ሰደደት። ነቲ ቐሺ ቤተ-ክርስትያና ሓደ ፈቃር ኣምላኽ ንምንታይ ንነፍሲ ሰባት ኣብ ሲኦል ከም ዘሳቒ ምስ ሓተተቶ ግን ዘዕግብ መልሲ ኸም ዘይብሉ ተገንዘበት። ጸኒሓ ድማ እቲ ዝገበረቶ ወፈያ ነቶም ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዉ ሕጻናት ንምሕጋዝ ከም ዘይወዓለ ፈለጠት።

እዞም ሓሙሽተ ውልቀ-ሰባት እዚኣቶም እተፈላለየ ኣተዓባብያ እኳ እንተ ነበሮም: ሓደ ሓባራዊ ረቛሒ ግን ኣለዎም። እዚ ድማ ሓቂ ዘፍቅሩን ንሕቶታቶም ሓቀኛ መልሲ ዝደልዩን ኢዮም። እንተዀነ ግን: ሓቀኛ ሃይማኖት ብምርካብ ብሓቂ ይሓብሩዶ ዀን ይዀኑ፧ እዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ነዚ ኽትምልሰልና ኢያ።

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

እተፈላለየ ድሕረ-ባይታን መበቆልን ዘለዎም ሰባት ናይ ሓቂ ሕብረት ክህልዎም ይኽእል ድዩ፧

[ምንጪ ስእሊ]

G.P.O., Jerusalem