ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ነቲ መለኮታዊ ስም ይጥቀምሉ ኢዮም

ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ነቲ መለኮታዊ ስም ይጥቀምሉ ኢዮም

ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ነቲ መለኮታዊ ስም ይጥቀምሉ ኢዮም

 ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ዝነብሩ መብዛሕትኦም ሰባት ኣብ ኣምላኽ ይኣምኑ ኢዮም። ንዅሉ ዝፈጠረ ንሱ ምዃኑ ኣይጠራጠሩን ኢዮም። (ራእይ 4:11) ይኹን እምበር: ልክዕ ከምቶም ኣብ ካልእ ሃገራት ዘለዉ ሰባት ነቲ የሆዋ ዝብል ብሕታዊ ስሙ መብዛሕትኡ እዋን ዕሽሽ ኢዮም ዝብልዎ።

ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ዀነ ኣብ ካልእ ቦታታት ዝነብሩ ሰባት ኣቡነ-ዘበሰማያት ክብሉ ኸለዉ ብዛዕባ ስም ኣምላኽ “ስምካ ይቀደስ” ይብሉ ኢዮም። (ማቴዎስ 6:9) ንነዊሕ እዋን ግን ሒደት ሰባት ጥራይ ኢዮም ነዚ ስም እዚ ዝፈልጥዎ ነይሮም። ይኹን እምበር: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንብዙሕ ዓመታት ብቕንኢ ዝገበርዎ ዕዮ ስብከት: ሰባት መለኮታዊ ስም ብዛዕባ ምጥቃም ዘለዎም ኣረኣእያ ኸም ዝቕይሩ ገይርዎም ኢዩ። ሎሚ: እቲ መለኮታዊ ስም ኣብ ከም ዙሉ (ኡጃሆዋ): ዮሩባ (ጀሆፋ): ኮሁሳ (ኡየሆዋ): ከምኡውን ስዋሂሊ (የሆፋ) ዝኣመሰለ መብዛሕትኡ ቛንቋታት ኣፍሪቃ ኣጸቢቑ ይፍለጥ ኢዩ። ገና ግን: በዚ ቛንቋታት እዚ ዝርከብ ሓያሎ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትርጕማት ነቲ መለኮታዊ ስም ኣይተጠቕመሉን።

እቲ ኣብ ገለ ቦታታት ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ: ሱዳን: ከምኡውን ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝዝረበሉ ዛንደ ብዝበሃል ቋንቋ እተዳለወ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ መለኮታዊ ስም ተጠቒሙሉ ኣሎ። ኣብቲ ቦታ እቲ ዝነብሩ ሰባት ንስም ኣምላኽ ብቛንቋኦም የኮቫ ኢሎም ኢዮም ዘድምጽዎ። እቲ መለኮታዊ ስም በብቛንቋኡ ብኸመይ ከም ዝድመጽ ብዘየገድስ ክንጥቀመሉ ይግባእ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ “ነፍሲ ወከፍ ስም እግዚኣብሄር [“የሆዋ:” NW] ዚጽውዕ ዘበለ ኺድሕን እዩ።”—ሮሜ 10:13

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ካርታ/ስእሊ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ሱዳን

ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ

ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ

[ምንጪ ስእሊ]

The Complete Encyclopedia of Illustration/J. G. Heck