ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓበይቲ ኣኼባታት—ሕውነትና እነርእየሉ ዘሐጕስ ኣጋጣሚ

ዓበይቲ ኣኼባታት—ሕውነትና እነርእየሉ ዘሐጕስ ኣጋጣሚ

ምሉኣትን ርዱኣትን ኴንኩም ደው በሉ

ዓበይቲ ኣኼባታት—ሕውነትና እነርእየሉ ዘሐጕስ ኣጋጣሚ

 ጆሴፍ ኤፍ. ራዘርፎርድ ወዲ 50 ዓመት ከሎ: ኣብ ሓደ ሆቴል ተሓጒሱ ናይ ኣጋይሽ ባልጃታት የመላልስ ነበረ። ኣብቲ ግዜ እቲ: ካብቲ ብዘይ ገበን እተኣስረሉ ማእሰርቲ ኻብ ዝፍታሕ ዳርጋ ዓመት ዝኸውን ኢዩ ገይሩ ነይሩ: ብዙሕ ጥዕና እውን ኣይነበሮን። ናይ ክርስትያናት ብጾቱ ባልጃታት እናተሰከመ ነናብ ክፍልታቶም ይመርሖም ነበረ። ምስኡ ተኣሲሮም ዝነበሩ ክልተ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ዝጽበይዎም ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት ክፍልታት ይምድብሎም ነበሩ። እቲ ዕዮ ፍርቂ ለይቲ ኽሳዕ ዝሓልፍ ቀጸለ። ኵሎም ድማ ተሓጒሶም ነበሩ። እቲ ኣጋጣሚ እቲ እንታይ ኢዩ ነይሩ፧

እዋኑ 1919 ኢዩ ነይሩ: ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ (ሕጂ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተባሂሎም ዝፍለጡ) ከቢድ ስደት ካብ ዘሕልፉ ነዊሕ ኣይገበሩን። ሕውነቶም ንምድልዳል ካብ 1 ክሳዕ 8 መስከረም 1919 ኣብ ሰዳር ፖይንት: ኦሃዮ: ሕ.መ.ኣ.: ዓቢ ኣኼባ ገበሩ። ሓው ራዘርፎርድ ኣብ መወዳእታ መዓልቲ ናይቲ ዓቢ ኣኼባ ነቶም 7,000 ዝዀኑ ተኣከብቲ “ንስኻትኩም ነታ . . . ግርማዊት መንግስቲ ጐይታና . . . ንሰባት እትእውጁ ናይቲ ንጉሰ ነገስትን ጐይታ ጐይተትን ኣምባሳደራት ኢኹም” ብምባል ከተባብዖም ከሎ ብኣቓልቦ ተኸታቲሎምዎ ኢዮም።

ህዝቢ የሆዋ: ካብ ግዜ ጥንታዎት እስራኤላውያን ኣትሒዞም ዓበይቲ ኣኼባታት ይገብሩ ነበሩ። (ዘጸኣት 23:14-17፣ ሉቃስ 2:41-43) ከምዚ ዝኣመሰለ ኣኼባታት ንዅሎም እቶም ተኣከብቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ከም ዘተኵሩ ስለ ዝገብሮም: ዘሐጕስ ኣጋጣሚ ኢዩ ነይሩ። ብተመሳሳሊውን ኣብዚ ዘመንና ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝገብርዎ ዓበይቲ ኣኼባታት ኣብ መንፈሳዊ ረብሓታቶም ዘተኰረ ኢዩ። እዚ ዘሐጕስ ኣኼባታት እዚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድልዱል ማእሰር ክርስትያናዊ ሕውነት ከም ዘለዎም ንቕኑዓት ተዓዘብቲ ንጹር መርትዖ ይዀኖም ኢዩ።

ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት ንምክፋል እተገብረ ጻዕርታት

ዘመናውያን ክርስትያናት ዓበይቲ ኣኼባታቶም መንፈሳዊ ምሕዳስን ካብ ቃል ኣምላኽ መምርሒ ዝረኽብሉን እዋን ምዃኑ ይፈልጡ ኢዮም። እዚ ዓበይቲ ኣኼባታት እዚ ‘ምሉኣትን ብዅሉ ፍቓድ ኣምላኽ ርዱኣትን ኰይኖም ደው ንኽብሉ’ የግዲ ኣድላዪ ኸም ዝዀነ ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ። (ቈሎሴ 4:12) ስለዚ: ኣብዚ ኣኼባታት እዚ ንምክፋል ሓያል ጻዕርታት ብምግባር ብምሉእ ልቦም ደገፎም የርእዩ ኢዮም።

ንገሊኣቶም ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣኼባታት ምክፋል እምነት ምግባርን ክንዲ ኸረን ዝኸውን ዕንቅፋታት ምስጋርን ይሓቶም ኢዩ። ንኣብነት: ሓንቲ ኣብ ኣውስትርያ እትነብር ብዕድመ ዝደፍአት ሰበይቲ እስከ ንርአ። ብምኽንያት ሕማም ሽኮር መዓልታዊ ኢንሱሊን ክትውጋእ ዘድልያ እኳ እንተዀነ: ኣብ ሃገራ ኣብ ዝግበር ኣውራጃዊ ኣኼባ: ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ተኻፈለት። ኣብ ህንዲ: ሓንቲ ኽቱር ድኽነት ዘለዋ ዓባይ ስድራቤት: ናብ ዓቢ ኣኼባ ምኻድ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ዀና። ሓንቲ ኣባል እቲ ስድራቤት ግን ነዚ ጸገም እዚ ፈትሓቶ። ከምዚ ድማ በለት:- “እቲ ኣጋጣሚ እቲ ኸምልጠና ስለ ዘይደለና: ነቲ ጕዕዞ ዝኸውን ገንዘብ ንምርካብ ወርቂ ዅትሻይ ሸጥኩ። እቲ ኣብቲ ኣኼባ ዝረኸብናዮ ሕውነትን ተመክሮታትን ንእምነትና ስለ ዘደልደሎ እዚ መስዋእቲ እዚ ዝግብኦ ኢዩ ነይሩ።”

ኣብ ፓፑዋ ኒው ጊኒ ገለ ዘይተጠምቁ ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ኣብታ ርእሲ ኸተማ ኣብ ዝግበር ኣውራጃዊ ኣኼባ ንምክፋል ቈሪጾም ነበሩ። ንሓደ ኣብ ቍሸቶም ዝነብር ህዝባዊ መጓዓዝያ ዝውንን ሰብኣይ ናብቲ ዓቢ ኣኼባ ንኽወስዶም ክንደይ ከም ዘኽፍሎም ሓተትዎ። እቲ ዝሓተቶም ዋጋ ኻብ ዓቕሞም ንላዕሊ ስለ ዝነበረ: ንኽሽነ ናይቲ ሰብኣይ ከተዓራርይሉ ተሰማምዑ። በዚ ኸምዚ ናብቲ ኣውራጃዊ ኣኼባ ክኸዱን ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ እቲ ፕሮግራም ብምክፋል ክጥቀሙን ከኣሉ።

ርሕቐት እውን እንተዀነ ንመሰኻኽር የሆዋ ናብ ዓበይቲ ኣኼባታቶም ካብ ምኻድ ኣይዓግቶምን ኢዩ። ብ1978 ሓደ መንእሰይ ኣብ ሊል: ፈረንሳ: ኣብ እተገብረ ዓቢ ኣኼባ ንምክፋል ካብ ፖላንድ ንሽዱሽተ መዓልቲ 1,200 ኪሎ ሜትር ብብሽክለታ ተጓዕዘ። ኣብ ክረምቲ 1997 ክልተ ኣብ ሞንጎልያ ዝነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ኣብ ኢርኩስክ: ሩስያ: እተገብረ ክርስትያናዊ ኣኼባ ንምክፋል 1,200 ኪሎ ሜትር ተጓዒዞም ኢዮም።

ሓቀኛ ሕውነት ብግብሪ ኽርአ ኸሎ

እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታቶም ዘንጸባርቕዎ ሓድነትን ሕውነትን ቅኑዓት ሰባት የስተብህልሉ ኢዮም። ብዙሓት ሰባት ኣብ መንጎ እቶም ኣኼበኛታት ኣድልዎ ኸም ዘየለን እቶም ንፈለማ ግዜ ዝራኸቡ እውን ከይተረፉ ናይ ሓቂ ፍቕሪ ኸም ዘለዎምን ምስ ረኣዩ ይግረሙ ኢዮም።

ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ እተገብረ ኣህጉራዊ ኣኼባ ንእተኻፈሉ ኻብ ካልእ ሃገር ዝመጹ ዕዱማት ንሓደ ሰሙን ኣብ ዙረቶም ዝመርሖም ዝነበረ ውልቀ-ሰብ: ምሳታቶም ግዜ ኸሕልፍ ደለየ። ብፍቕሮምን ሓድነቶምን ተመሰጠ: መብዛሕትኦም ዘይፋለጡ ስለ ዝነበሩ ድማ በቲ ስኒቶም ገረሞ። ካባታቶም ዝፍለየሉ ግዜ ምስ ኣኸለ: ሓንሳእ ክሰምዕዎ ተዳህየ እሞ ክዛረቦም ጀመረ። “ኣሕዋትን ኣሓትን” ድሕሪ ምባል ከመስግኖም ጀመረ: ንብዓት ስለ ዝሰዓሮ ግን ዘረብኡ ኽውድእ ኣይከኣለን።

ብ1997 ኣብ ስሪ ላንካ ኣብ ዝርከብ ሓደ ዓቢ ስታድዩም ንፈለማ ግዜ ሰለስተ ቛንቋታት ብሓንሳእ እተኻየደሉ ኣውራጃዊ ኣኼባ ተገብረ። ብምሉኡ እቲ ፕሮግራም ብሓንሳእ ብእንግሊዝኛ: ሲንሃሊስ: ከምኡውን ብታሚል ተመሓላለፈ። ኣብዛ እናገደደ ዝኸይድ ቀቢላዊ ወጥሪ ዘለዋ ዓለም: ሰለስተ እተፈላለየ ቋንቋታት ዝዛረቡ ጕጅለ ብሓደ ሓቢሮም ምእካቦም ካልኦት ሰባት ኣስተውዒሎምሉ ኢዮም። ሓደ ፖሊስ ንሓደ ሓው “ነዚ ዓቢ ኣኼባ እዚ ዝመርሕዎ ዘለዉ እቶም ሲንሃሊስ ዝዛረቡ ድዮም: እቶም ታሚል ዝዛረቡ: ወይስ እቶም እንግሊዝኛ ዝዛረቡ፧” ኢሉ ሓተቶ። እቲ ሓው “ሓደ ጕጅለ ኣይኰነን ዝመርሖ ዘሎ። ኵላትና ብሓባር ኢና ንመርሖ ዘሎና” በሎ። እቲ ፖሊስ ኣዝዩ ገረሞ። ሰለስቲኦም ጕጅለታት ሓቢሮም ናይ መዕጸዊ ጸሎት ምስ ገበሩን ኵሎም ብሓባር “ኣሜን” ምስ በሉን: ብርቱዕ ጣቕዒት ተሰምዐ። ኣብቶም ኣኼበኛታት ዘይነብዐ ዳርጋ ኣይነበረን። እወ: ዓበይቲ ኣኼባታት ብርግጽ ሕውነትና እነርእየሉ ዘሐጕስ ኣጋጣሚ ኢዩ።—መዝሙር 133:1 a

[እግረ-ጽሑፍ]