ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

 እታ ኣብ እብራውያን 4:⁠9-11 ተጠቒሳ ዘላ “ዕረፍቲ” እንታይ ኢያ: ሓደ ሰብከ ብኸመይ ኢዩ ‘ናብታ ዕረፍቲ እቲኣ ዝኣቱ፧’

ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ከምዚ ብምባል ጸሓፈሎም:- “እምብኣርሲ እቲ ኣብ ዕረፍቱ ዝአተወስ: ከምቲ ኣምላኽ ካብ ግብሩ ዝዐረፈ: ንሱውን ካብ ግብሩ ዐሪፉ አሎ እሞ: ንህዝቢ ኣምላኽ ዕረፍቲ ሰንበት ተሪፋትሎም አላ። ስለዚ . . . ናብታ ዕረፍቲ እቲኣ ኽንአቱ ንጋደል።”​—⁠እብራውያን 4:9-11

ጳውሎስ: ኣምላኽ ካብ ግብሩ ከም ዝዓረፈ ኽገልጽ ከሎ ነቲ ኣብ ዘፍጥረት 2:⁠2 ተገሊጹ ዘሎ ሓሳብ ኢዩ ዘመልክት ነይሩ: ከምዚ ዝብል ድማ ነንብብ:- “ኣምላኽ ከኣ ነቲ ዝገበሮ ግብሩ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ፈጸሞ: ብሳብዐይቲ መዓልቲ ድማ ኻብቲ ዝገበሮ ዅሉ ግብሩ ዐረፈ።” የሆዋ በታ ‘ሳብዐይቲ መዓልቲ ክዓርፍ’ ዝደለየ ስለምንታይ ኢዩ፧ “ኻብቲ ዝገበሮ ዅሉ ግብሩ” ሓይሉ ምሕዳስ ስለ ዘድለዮ ከም ዘይኰነ ፍሉጥ ኢዩ። እታ ቐጺላ ዘላ ቝጽሪ ነዚ ዘብርህ ሓሳብ ትህበና ኢያ። ከምዚ ኸኣ ትብል:- “ኣምላኽ ከኣ ኻብቲ ዝፈጠሮን ዝገበሮን ኵሉ ግብሩ ብእኣ ስለ ዝዐረፈ: ነታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ባረኻን ቀደሳን።”​—⁠ዘፍጥረት 2:3፣ ኢሳይያስ 40:26, 28

እታ “ሳብዐይቲ መዓልቲ” ካብተን ቅድሚኣ ዝነበራ ሽዱሽተ መዓልትታት እተፈልየት ኣምላኽ ስለ ዝባረኻን ስለ ዝቐደሳን ማለት ንሓደ ፍሉይ ዕላማ ስለ ዝመደባ ወይ ስለ ዝወፈያ ኢዩ። እቲ ዕላማ እቲ እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ ኣቐድም ኣቢሉ ኣምላኽ ብዛዕባ ምድርን ደቅ​ሰብን ዝነበሮ ዕላማ ገሊጹ ነይሩ ኢዩ። ኣምላኽ ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ከምዚ በሎም:- “ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ኸኣ ምልእዋን ምለኽዋን: ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ እንስሳን ኸኣ ግዝኡ።” (ዘፍጥረት 1:28) ኣምላኽ ንምድርን ንደቅ​ሰብን ፍጹም ኣጀማምራ እኳ እንተ ገበረሎም: ምልእቲ ምድሪ ከምቲ ዕላምኡ ብፍጹማት ስድራ​ቤት ደቅሰብ መሊኣ ክትግዛእን ናብ ገነት ክትልወጥን ግዜ ኽወስድ ነበሮ። ስለዚ ኣምላኽ እቲ ድሮ ዝፈጠሮ ነገራት ምስ ፍቓዱ ተሰማሚዑ ንኽምዕብል ንኸፍቅደሉ ኢሉ በታ “ሳብዐይቲ መዓልቲ” ካልእ ተወሳኺ ምድራዊ ፍጥረት ካብ ምፍጣር ዓረፈ ወይ ኣቋረጸ። ኣብ መወዳእታ እታ “መዓልቲ” ዅሉ እቲ ዕላማ ኣምላኽ ዝነበረ ነገራት ክፍጸም ኢዩ። እታ ዕረፍቲ እቲኣ ግን ንውሓታ ኽንደይ ኢዩ ክኸውን፧

ናብቲ ጳውሎስ ንሰብ እብራውያን እተዛረቦ ሓሳባት ክንምለስ እንተድኣ ዄንና: “ንህዝቢ ኣምላኽ ዕረፍቲ ሰንበት ተሪፋትሎም አላ” ብምባል ንክርስትያን ብጾቱ ‘ናብታ ዕረፍቲ እቲኣ ኽኣትዉ’ ከም ዘተባብዖም ነስተብህል ኢና። እዚ ድማ ጳውሎስ ነዘን ቃላት እዚኣተን ክጽሕፈን ከሎ እታ ገለ 4,000 ዓመታት ኣቢላ ዝጀመረት ዕረፍቲ ኣምላኽ ዝዀነት “ሳብዐይቲ መዓልቲ” ገና ትቕጽል ኢያ ነይራ ማለት ኢዩ። እቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ደቅ​ሰብን ምድርን ዝገበሮ ዕላማ ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት እቲ “ጐይታ ሰንበት” ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ምሉእ ብምሉእ ክሳዕ ዝፍጸም ኣይተቋርጽን ኢያ።​—⁠ማቴዎስ 12:⁠8፣ ራእይ 20:⁠1-6፣ 21:⁠1-4

ጳውሎስ ነዚ ዘደንቕ ተስፋ እዚ ኣብ ኣእምሮኡ ብምሓዝ ሓደ ሰብ ብኸመይ ኣብ ዕረፍቲ ኣምላኽ ክኣቱ ከም ዝኽእል ገሊጹ ኣሎ። ከምዚ ኢሉ ድማ ጸሓፈ:- “እቲ ኣብ ዕረፍቱ [ዕረፍቲ ኣምላኽ] ዝአተወስ: . . . ንሱውን ካብ ግብሩ ዐሪፉ አሎ።” እዚ ድማ ደቅሰብ ብሓፈሻ ፍጹም ኣጀማምራ እኳ እንተ ነበሮም ኣብ ዕረፍቲ ኣምላኽ ከም ዘይኣተዉ ኢዩ ዝሕብረና። እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ድማ ኣዳምን ሄዋንን ነቲ የሆዋ ዝገበረሎም ምድላው ብምቕባል ነታ ኣምላኽ ዝዓረፈላ “ሳብዐይቲ መዓልቲ” ስለ ዘየኽበሩ ኢዩ። ዓለወኛታት ብምዃን ካብ ኣምላኽ ተፈልዮም ብገዛእ ርእሶም ክመሓደሩ ደለዩ። ሕሉፍ ሓሊፎምስ እኳ ነቲ ፍቕራዊ መሪሕነት ኣምላኽ ኣብ ክንዲ ዝስዕቡ ምስ ውዲት ሰይጣን ሓበሩ። (ዘፍጥረት 2:⁠15-17) ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር መሰል ኣጥፍኡ። ካብ ሽዑ ንነጀው ኵሎም ደቅሰብ ኣብ ባርነት ሓጢኣትን ሞትን ወደቑ።​—⁠ሮሜ 5:12, 14

ዕልወት ወድሰብ ንዕላማ ኣምላኽ ኣየተዓናቐጾን። መዓልቲ ዕረፍቱ ትቕጽል ኢያ ዘላ። ይኹን እምበር: ኵሎም እቶም ብእምነት ዝቕበልዎ ካብ ኣርዑት ሓጢኣትን ሞትን ተላቒቖም ምእንቲ ኸዕርፉ የሆዋ ብወዱ የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ናይ በጅነት ፍቕራዊ ምድላው ገበረሎም። (ሮሜ 6:⁠23) ስለዚ ኸኣ ኢዩ ጳውሎስ ንብጾቱ ክርስትያናት ‘ካብ ግብሮም ንኽዓርፉ’ ዘተባብዖም። ነቲ ኣምላኽ ዝገበሮ ናይ ድሕነት ምድላው ክቕበልዎ ድኣ እምበር ከም ኣዳምን ሄዋንን መጻኢ ተስፋኦም ብናይ ገዛእ ርእሶም መገዲ ዕዉት ንምግባር ፋሕተርተር ክብሉ ኣይነበሮምን። ርእሶም ንምጽዳቕ ኢሎም ግብሪ ርእሶም ክስዕቡ እውን ኣየድልዮምን ኢዩ ነይሩ።

ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባር ኢልካ ናይ ገዛእ ርእስኻ ስሱዕ ባህግታት ወይ ዓለማዊ ጕዳያት ምግዳፍ እውን ዘሐድስን ዕረፍቲ ዝህብን ኢዩ። የሱስ ነዚ ዕድመ እዚ ሂቡና ኣሎ:- “ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን: ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ። ኣነ ለዋህ እየ: ልበይውን ትሑት: ኣርዑተይ ፈኵሽ: ጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ: ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩ: ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።”​—⁠ማቴዎስ 11:28-30

እቲ ጳውሎስ ብዛዕባ ዕረፍቲ ኣምላኽን ሓደ ሰብ ኣብኡ ብኸመይ ክኣቱ ከም ዝኽእልን ዝሃቦ ሓሳባት ነቶም ምእንቲ እምነቶም ክብሉ ብዙሕ መስጐጕትን ላግጽን እተጸመሙ ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ እብራውያን ክርስትያናት ብሓቂ ምንጪ ምትብባዕ ኢዩ ነይሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 8:⁠1፣ 12:​1-5) ብተመሳሳሊ መገዲ: ቃላት ጳውሎስ ነዞም ሎሚ ዘሎና ክርስትያናት እውን ምንጪ ምትብባዕ ኢዩ ዝዀነና። ኣምላኽ ኣብ ትሕቲ ጽድቃዊት መንግስቲ እትመሓደር ገነታዊት ምድሪ ንምምጻእ ዝገበሮ መብጽዓ ፍጻሜኡ ዝረኽበሉ ግዜ ቀሪቡ ምዃኑ ስለ እንግንዘብ: ንሕናውን ካብ ግብርና ክንዓርፍን ኣብቲ ዕረፍቲ እቲ ንምእታው ድማ ዝከኣለና ክንጽዕርን ይግብኣና።​—⁠ማቴዎስ 6:⁠10, 33፣ 2 ጴጥሮስ 3:⁠13

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ምድራዊት ገነት ዝሃቦ መብጽዓ ኣብ መወዳእታ ናይታ መዓልቲ ዕረፍቱ ክፍጸም ኢዩ