ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕጂ ናይ ሓቂ እምነት ምጥራይ ይከኣል ድዩ፧

ሕጂ ናይ ሓቂ እምነት ምጥራይ ይከኣል ድዩ፧

ሕጂ ናይ ሓቂ እምነት ምጥራይ ይከኣል ድዩ፧

 “እምነት ኣብ ጸጋ ኣምላኽ ህያውን ክምህ ዘይብልን እምንቶ ምሕዳር ክትከውን ከላ: እቲ ኣማኒ ምሉእ ብምሉእ ርግጸኛ ስለ ዝኸውን ምእንትኣ ኽብል ኣሽሓት ግዜ ህይወቱ ኣብ ሓደጋ የእቱ።”​—⁠ማርቲን ሉተር: 1522

“ክርስትያናዊ እምነትን ልምድታትን ዳርጋ ኣብ ዝጠፍኣሉ ዓለማዊ ሕብረተሰብ ኢና ንነብር ዘሎና።”​—⁠ሉዶቪክ ኬነዲ: 1999

ብዛዕባ እምነት ኣጸቢቑ እተፈላለየ ኣረኣእያታት ኢዩ ዘሎ። ቀደም ሰባት ኣብ ኣምላኽ ክኣምኑ ልሙድ ኢዩ ነይሩ። ሕጂ ግን ኣብዛ ምጥርጣርን ስቓይን ዝመልኣ ዓለም: ኣብ ኣምላኽን መጽሓፍ ቅዱስን ናይ ሓቂ እምነት ምሕዳር ካብ ግዜ ናብ ግዜ ይጠፍእ ኣሎ።

ናይ ሓቂ እምነት

ብዙሓት ሰባት “እምነት” ክበሃል ከሎ ሃይማኖታዊ እምነት ምህላው ወይ ሓደ ዓይነት ኣምልኾ ምስዓብ ጥራይ ኢዩ ዝመስሎም። ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ “እምነት” ክበሃል ከሎ ግን ኣብ ኣምላኽን መብጽዓታቱን ምሉእ ትውክልቲ ምህላው ከምኡውን ነቕ ዘይብል ምትእምማን ምሕዳር ማለት ኢዩ። እዚ ድማ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ክርስቶስ ዝልለዩሉ ባህርይ ኢዩ።

ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ: የሱስ ክርስቶስ ‘ከይቀበጽካ’ ምጽላይ ኣድላዪ ምዃኑ ተዛረበ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ ናይ ሓቂ እምነት ኣብዚ ግዜና ኽትህሉ እንተ ዀይና ሕቶ ሓተተ። “ወዲ ሰብ ምስ ዚመጽእ ግና: እንድዒ እምነት [“እዛ እምነት እዚኣ:” NW እግረ⁠-​ጽሑፍ] ደዀን ኣብ ምድሪ ኺረክብ እዩ፧” ድማ በለ። ከምዚ ኢሉ ዝሓተተ ስለምንታይ ኢዩ፧​—⁠ሉቃስ 18:⁠1, 8

እምነት ትጠፍእ ኣላ

ሰባት ዝነበረቶም እምነት ከም ዘጥፍኡ ኽገብሮም ዝኽእል ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎ። ኣብ መዓልታዊ ህይወት ዘጋጥሞም ሕማቕ ነገራትን ፈተናታትን ገለ ኻብቲ ምኽንያታት ኢዩ። ንኣብነት: ፕሮፌሰር ማይክል ጎልደር ብ1958 ኣብ ሙኒክ ብዘጋጠመ ናይ ነፋሪት ሓደጋ መብዛሕትኦም ተጻወትቲ ዅዕሶ እግሪ ጋንታ ማንቸስተር ዩናይትድ ክሞቱ ኸለዉ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ እትርከብ ከተማ ማንቸስተር ቀሺ ዀይኑ የገልግል ነበረ። ጆኣን ባክወል እትበሃል ኣፋላጢት: ኣብቲ ኣብ ተለቪዥን ቢቢሲ ዘመሓላለፈቶ ፕሮግራም: ጎልደር “እቲ ንሰባት ዘጋጠሞም ሓዘን ምስ ረኣየ ዝገብሮ ኸም ዝሓርበቶ” ገለጸት። ብሰንኪ እዚ “ኣብቲ ኣብ ዕድሎት ደቅሰብ ኢዱ ዘእቱ ኣምላኽ ዝነበሮ እምነት ኣጥፈአ።” ጎልደር “መጽሓፍ ቅዱስ . . . ጌጋታት ዘይብሉ ቓል ኣምላኽ ኣይኰነን” የግዳስ “ምናልባት ሓሓሊፉ ብመሪሕነት መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ ጥቕስታት ዘለዎ ጌጋታት ዝርከቦ ቓል ሰብ ኢዩ” ኢሉ ኸም ዝኣምን ገለጸ።

ሓድሓደ ግዜ እምነት ቀስ ኢላ ትቕህም ኢያ። ነቲ ጸሓፍን ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዝዓዪን ሉዶቪክ ኬነዲ ከምዚ ኢዩ ኣጋጢምዎ። ካብ ቍልዕነቱ ኣትሒዙ ብዛዕባ ኣምላኽ ‘ኣብ ኣእምሮኡ ብተደጋጋሚ ምጥርጣራት ይመጾ ምንባሩ: እቲ ዝነበሮ ናይ ዘይምእማን ስምዒት ድማ ከም ዝዓበየ’ ገለጸ። ንሕቶታቱ ርትዓዊ መልሲ ኽህቦ ዝኽእል ኣይረኸበን። ኣቦኡ ኣብ ባሕሪ ብሙማቱ እታ ብቐደማ ድኽምቲ ዝነበረት እምነቱ ተደቝሰት። እታ ኣቦኡ ዝነበረላ ናይ መጓዓዝያ ዓባይ መርከብ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ብናይ ጀርመን መራኽብ ውግእ መጥቃዕቲ ወሪድዋ ምስ ሰጠመት እቲ “ካብ ሓደጋታት ባሕርን ካብ መጥቃዕቲ ጸላእን ሓልወና” ዝብል ናብ ኣምላኽ ዝቐርብ ጸሎት መልሲ ኸይረኸበ ተረፈ።​—⁠ኦል ኢን ዘ ማይንድ​—⁠ኤ ፌርዌል ቱ ጎድ (እንግሊዝኛ)

ከምዚ ዝኣመሰለ ተመክሮ ሓድሽ ኣይኰነን። ሃዋርያ ጳውሎስ “እምነት ናይ ኵሉ ሰብ ኣይኰነትን” በለ። (2 ተሰሎንቄ 3:⁠2) ኣብዚ ምጥርጣራት እናወሰኸ ዝኸደላ ዘሎ ዓለም ኣብ ኣምላኽን ቃሉን ናይ ሓቂ እምነት ምጥራይ ዝከኣልዶ ይመስለካ፧ እዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ እንታይ ከም እትብል እስከ መርምር።