ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ ሓቂ እምነት ከተጥሪ ትኽእል ኢኻ

ናይ ሓቂ እምነት ከተጥሪ ትኽእል ኢኻ

ናይ ሓቂ እምነት ከተጥሪ ትኽእል ኢኻ

 ሴራ ጄን ጓል 19 ዓመት ከላ: ናይ ማሕጸን መንሽሮ ኸም ዘለዋ ፈለጠት። ድሕሪ መጥባሕቲ ምግባራ ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ነበረት: ብዛዕባ መጻኢ እውን ኣወንታዊ ኣረኣእያ ነበራ። አረ ጓል 20 ዓመት ምስ ኰነት እውን ተሓጽየት እሞ ንመርዓኣ ኽትሸባሸብ ጀመረት። በታ ዓመት እቲኣ እቲ ሕማም መንሽሮ ደገሳ: ካብ ሰሙናት ዘይነውሕ ዕምሪ ኸም ዘለዋ ድማ ፈለጠት። ኣብ ሰነ 2000 ቅድሚ 21 ዓመት ምምላኣ ሞተት።

እቶም ንሴራ ክበጽሑዋ ዝመጹ ዝነበሩ ሰባት በቲ ብዛዕባ መጻኢ ዘለዋ ምእትምማን ከምኡውን በቲ ኣብ ኣምላኽን ቃሉ መጽሓፍ ቅዱስን ዘለዋ ዓሚቝ እምነት ተገሪሞም ኢዮም። ኣብ ኣዝዩ ዘሕዝን ኵነታት እኳ እንተ ነበረት: ንፈተውታ እንደገና ብትንሳኤ ኸም እትረኽቦም ምትእምማን ነበራ። (ዮሃንስ 5:⁠28, 29) “ኣብታ ኣምላኽ ዘዳልዋ ሓዳስ ዓለም ንዅሉኹም ክረኽበኩም ኢየ” ድማ በለቶም።

ገሊኣቶም ንኸምዚ ዝዓይነቱ እምነት: ንገዛእ ርእስኻ ምትዕሽሻው ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ። ሉዶቪክ ኬነዲ ኸምዚ ኢሉ ሓተተ:- “እቶም ድሕንነት ዘይስምዖም ሰባት ናይ መወዳእታ መለኸት ምስ ተነፍሐት ኣብ ሓንቲ ሓምላይ ገነት ምስቶም ኣቐዲሞም ዝሓለፉን ድሕሪኦም ዝሞቱን ሰባት ዘሐጕስ እዋን ከም ዘሕልፉ ዘሕድርዎ እምነት እንተ ዘይኰይኑ ድሕሪ ሞት እንታይዶ ኣሎ ኢዩ፧” እዚ ዓይነት ኣረኣእያ እዚ: ከምዚ ዝስዕብ ዝብል ሕቶ የበግስ ኢዩ:- “ካብዚ ሕጂ እንረኽቦ ህይወት ሓሊፉ ኻልእ የልቦን እሞ ብእተኻእለና መጠን ብዝበለጸ ኽንጥቀመሉ ኣሎና” ንዝብል ናይ ኬነዲ ኣረኣእያ ምእማን ድዩ ዝያዳ ርትዓዊ ወይስ ኣብ ኣምላኽን ኣብቲ ንሱ እተመባጽዖ ትንሳኤን ምእማን፧ ሴራ ጄን ነዚ ኻልኣይ መገዲ መረጸት። ከምዚኣ ዝዓይነታ እምነት ከተጥሪ ዝኸኣለት ብኸመይ ኢያ፧

‘ንኣምላኽ ድለዮ ርኸቦውን’

ኣብ ሓደ ኣካል እምነትን ትውክልትን ምእንቲ ኸተሕድር: ክትፈልጦ ከምኡውን ኣተሓሳስባኡን ተግባራቱን ክትማሃሮ ኣሎካ። ኣብዚ መስርሕ እዚ ልብና ዀነ ኣእምሮና እቱው ኢዩ። ኣብ ኣምላኽ ናይ ሓቂ እምነት ንምሕዳር እውን ካብዚ እተፈልየ ኣይኰነን። ክትፈልጦ: ብዛዕባ ባህርያቱ ኽትማሃር: ከምኡውን ኣብ ኵሉ እቲ ዝበሎን ዝገበሮን ነገራት ክሳዕ ክንደይ ትውክልቲ ዝግበሮ ምዃኑ ኽትፈልጥ የድልየካ ኢዩ።​—⁠መዝሙር 9:⁠10፣ 145:⁠1-21

ገሊኣቶም እዚ ዘይከኣል ይመስሎም። ኣምላኽ ብሓቂ እንተልዩ: ካባና ኣዝዩ ዝረሓቐን ክትርድኦ ዘይትኽእልን ኢዩ ይብሉ። ሓደ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ምጥርጣር ዘለዎ ሰብ “ኣምላኽ ከምቲ ንሴራ ጄን ዝመስላ ዝነበረ ብሓቂ እንተልዩ: ንምንታይ ንዅላትና ዘይግለጸልና፧” ኢሉ ይሓትት ይኸውን። ብሓቂ ግን ኣምላኽ ካባና ዝረሓቐን ዘይምርመርን ድዩ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ኣቴንስ ዝነበሩ ፈላስፋታትን ምሁራትን ክዛረቦም ከሎ “እቲ ዓለምን ኣብኣ ዘሎን ዝገበረ ኣምላኽ” ደቅሰብ ‘ደልዮም ንኽረኽብዎ’ ዘኽእሎም ዘበለ ነገራት ሂቡ ኸም ዘሎ ገለጸሎም። እኳ ድኣስ ‘ንሱ ኻብ ነፍሲ ወከፍና ኣይረሓቐን’ በሎም።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 17:⁠24-27

ከመይ ገይርካ ደኣ ኢኻ ‘ንኣምላኽ ደሊኻ ኽትረኽቦ’ እትኽእል፧ ገሊኣቶም ንኣድማስ ብምዕዛብ ጥራይ ኢዮም ከምዚ ዝገብሩ። ንብዙሓት ሰባት እዚ ጥራይ ፈጣሪ ኸም ዘሎ ዘእምን መርትዖ ይዀኖም ኢዩ። a (መዝሙር 19:⁠1፣ ኢሳይያስ 40:⁠26፣ ግብሪ ሃዋርያት 14:⁠16, 17) ብዛዕባ ኣምላኽ ከምቲ “እቲ ኻብ ፍጥረት ዓለም ጀሚሩ ብግብሩ ዚፍለጥ ዘይርኤ ባህርዩ: እዚ ኸኣ እቲ ናይ ዘለኣለም ሓይሉን መለኮቱን ኣጸቢቑ ይርኤ” ዝበለ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝነበሮ ዓይነት ስምዒት ኢዩ ዘለዎም።​—⁠ሮሜ 1:⁠20፣ መዝሙር 104:⁠24

መጽሓፍ ቅዱስ የድልየካ ኢዩ

ኣብ ፈጣሪ ናይ ሓቂ እምነት ንምሕዳር ግን ንሱ ዝሃበና ካልእ ነገር የድልየካ ኢዩ። እዚ እንታይ ኢዩ፧ እዚ እቲ ኣምላኽ ፍቓዱን ዕላምኡን ዝገለጸሉ መንፈሱ ዝነፈሶ ቃሉ ማለት መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠16, 17) ገሊኣቶም ግን “እቶም ንመጽሓፍ ቅዱስ ንስዕብ ኢና ዝብሉ ሰባት ሕማቕ ተግባር ክገብሩ እናረኣኻ ብኸመይ ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትኣምኖ ትኽእል፧” ኢሎም ይሓቱ ይዀኑ ኢዮም። ልክዕ ኢዩ: ህዝበ⁠-​ክርስትያን ብግብዝናን ጭካነን ብዕልግናን ዝመጸ ሕማቕ ታሪኽ ኢዩ ዘለዋ። እንተዀነ ግን: ዝዀነ ይኹን ዘስተውዕል ሰብ ህዝበ⁠-​ክርስትያን ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምስዓብ ኣምስሉ ጥራይ ምዃና ኽግንዘብ ይኽእል ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 15:⁠8

መጽሓፍ ቅዱስ ባዕሉ ብዙሓት ሰባት ንኣምላኽ ነገልግል ኢና እናበሉ ነቲ “እተሻየጦም ጐይታ እኳ ኪኽሕድዎ” ምዃኖም ይገልጽ ኢዩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ “ብሰሮምውን እታ መገዲ ሓቂ ኽትጽረፍ እያ” በለ። (2 ጴጥሮስ 2:⁠1, 2) የሱስ እዞም ሰባት እዚኣቶም በቲ ኽፉእ ተግባራቶም ኣጸቢቖም ዝልለዩ “ገበርቲ ዓመጻ” ምዃኖም ገለጸ። (ማቴዎስ 7:⁠15-23) ብሰንኪ እቲ ህዝበ⁠-​ክርስትያን ዘመዝገበቶ ሕማቕ ተግባራት ንቓል ኣምላኽ ምንጻግ ማለት ሓደ እሙን ፈታዊኻ ንዝጸሓፈልካ ደብዳበ ብሓደ ውርደተኛ ሰብ ኣቢሉ ስለ ዝመጸካ ጥራይ ከም ምጕሓፍ ኢዩ ዝቝጸር።

ብዘይ​ ቃል ኣምላኽ ናይ ሓቂ እምነት ምህናጽ ኣይከኣልን ኢዩ። የሆዋ ብመጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ ጥራይ ኢዩ ጕዳያቱ ገሊጹልና ዘሎ። ከም እኒ ‘ስቓይ ዘፍቀደ ስለምንታይ ኢዩ፧’ ከምኡውን ‘እንታይ መፍትሒ ኢዩ ኸምጽእ፧’ ዝብል ከበድቲ ሕቶታት መሊሱልና ኣሎ። (መዝሙር 119:⁠105፣ ሮሜ 15:⁠4) ሴራ ጄን መጽሓፍ ቅዱስ መንፈስ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ ምዃኑ ትኣምን ነበረት። (1 ተሰሎንቄ 2:⁠13፣ 2 ጴጥሮስ 1:⁠19-21) ብኸመይ፧ ወለዳ ብዝበልዋ ጥራይ ዘይኰነስ መጽሓፍ ቅዱስ ኣምላኽ ዝደራሲኡ ፍሉይ መጽሓፍ ምዃኑ ንምርግጋጽ ንዅሉ መርትዖታት ብቕንዕና ብምምርማራ ኢያ። (ሮሜ 12:⁠2) ንኣብነት: መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ህይወት እቶም ስርዓታቱ ሓልዮም ዝመላለሱ ሰባት ዘለዎ ጽልዋ ተዓዚባ ኢያ። ብኸም መጽሓፍ ቅዱስ​—⁠ቃል ኣምላኽ ድዩ ወይስ ቃል ሰብ፧  b (እንግሊዝኛ) ዝኣመሰለ እተፈላለየ መጻሕፍቲ እናተሓገዘት: መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ከም ዘለዎ ዘረጋግጽ ኣዝዩ ብዙሕ ውሽጣዊ መርትዖታት ተጠንቂቓ መርመረት።

“እምነት ካብ ምስማዕ እያ”

እንተዀነ ግን: መጽሓፍ ቅዱስ ምጥራይ ወይ መንፈስ ዝነፈሶ ምዃኑ ምእማን ጥራይ ኣኻሊ ኣይኰነን። ሃዋርያ ጳውሎስ “እምነት ካብ ምስማዕ እያ” ኢሉ ጸሓፈ። (ሮሜ 10:⁠17) ስለዚ ንመጽሓፍ ቅዱስ ምስማዕ ደኣ እምበር ምሓዙ ጥራይ እምነት ከም እተጥሪ ኣይገብርን ኢዩ። ንቓል ኣምላኽ ብምንባብን ብምጽናዕን ኣምላኽ ዝብለካ “ክትሰምዕ” ትኽእል ኢኻ። ንኣሽቱ እውን እንተዀኑ ኸምኡ ኽገብሩ ይኽእሉ ኢዮም። ጢሞቴዎስ ‘ካብ ቍልዕነቱ ጀሚሩ’ ካብ ኣዲኡን ዓባዩን ‘ቅዱሳት ጽሑፋት’ ከም እተማህረ ጳውሎስ ገለጸ። እዝስ ሕጽበተ⁠-​ሓንጎል ኢዩ ነይሩ ማለት ድዩ፧ ኣይፋሉን! ጢሞቴዎስ ጸቕጢ ኣይተገብረሉን ወይ ኣይተታለለን። ነቲ ዝሰምዖን ዘንበቦን ‘ተረዲኡ’ ደኣ ኣመነ።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 1:⁠5፣ 3:⁠14, 15

ሴራ ጄን እውን ብተመሳሳሊ መገዲ ኢያ ኣሚና። ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ሰብ ቤርያ ካብ ወለዳን ካልኦት መምህራንን ‘ነቲ ቓል ብዅሉ ፍቓዳ ተቐበለቶ።’ ቈልዓ ኸላ ነቲ ወለዳ ዝነገርዋ ዘበለ ትኣምን ምንባራ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ምስ ዓበየት ግን ንዅሉ እተማህረቶ ነገራት ከይመርመረት ኣይተቐበለቶን። ‘እዚ ነገርዚ እስኪ ኸምኡ እንተ ዀይኑ: ኢላ ኣብ ጸጽባሕ ነቲ ጽሑፋት መርሚራቶ’ ኢያ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 17:⁠11

ናይ ሓቂ እምነት ከተጥሪ ትኽእል ኢኻ

ንስኻውን ከምቲ ጳውሎስ ናብ እብራውያን ክርስትያናት ኣብ ዝጸሓፋ መልእኽቱ ዝገለጻ ናይ ሓቂ እምነት ከተጥሪ ትኽእል ኢኻ። ከምዚኣ ዝኣመሰለት እምነት “ነቲ ተስፋ ዚግበሮ ነገር ርግጽ ምግባር: ናይቲ ዘይርኤ ነገር ምርዳእ እያ።” (እብራውያን 11:⁠1 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ከምዚኣ ዓይነት እምነት እንተ ሃልያትካ ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ትንሳኤ ዝኣተዎ መብጽዓ እውን ሓዊስካ: ኵሉ ተስፋታትካን ትጽቢታትካን ክፍጸም ምዃኑ ምሉእ ብምሉእ ርግጸኛ ኽትከውን ኢኻ። እዚ ተስፋታት እዚ ትምኒት ጥራይ ዘይኰነስ ውሕስነት ዘለዎ ምዃኑ ኽትኣምን ኢኻ። የሆዋ ወትሩ መብጽዓታቱ ኸም ዝሕሉ ኽትፈልጥ ኢኻ። (እያሱ 21:⁠45፣ 23:⁠14፣ ኢሳይያስ 55:⁠10, 11፣ እብራውያን 6:⁠18) ብዛዕባ እቲ ሓዳስ ዓለም ከም ዘምጽእ ዝኣተዎ መብጽዓ ልክዕ ከም እተፈጸመ ገይርካ ብምርኣይ ርግጸኛ ኽትከውን ኢኻ። (2 ጴጥሮስ 3:⁠13) የሆዋ ኣምላኽ: የሱስ ክርስቶስ: ከምኡውን መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ሓቂ ዘለዉ እምበር ሃተውተው ዘይምዃኖም ብናይ እምነት ዓይንኻ ብንጹር ክትርእዮ ኢኻ።

ናይ ሓቂ እምነት ኣብ ምጥራይ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። የሆዋ ቓሉ ሂቡና ጥራይ ዘይኰነስ: ቅኑዕ ልቢ ዘለዎም ሰባት ኣብ ኣምላኽ እምነት ከሕድሩ ንምሕጋዝ ውፍይቲ ዝዀነት ዓለምለኸ ክርስትያናዊት ጉባኤ እውን ኣቚሙ ኢዩ። (ዮሃንስ 17:⁠20፣ ሮሜ 10:⁠14, 15) ብማሕበሩ ኣቢሉ ዝህበካ ዅሉ ሓገዝ ተቐበሎ። (ግብሪ ሃዋርያት 8:⁠30, 31) እምነት ፍረ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝዀነት: እቲ መንፈስ ናይ ሓቂ እምነት ኣብ ምጥራይ ክሕግዘካ ኸየባተኽካ ጸሊ።​—⁠ገላትያ 5:⁠22

በቶም ንዝዀነ ይኹን ኣብ ኣምላኽን ቃሉን እኣምን ኢየ ዝብል ሰብ ዘባጭዉ ተጠራጠርቲ ሰባት ኣይትተሓናዀል። (1 ቈረንቶስ 1:⁠18-21፣ 2 ጴጥሮስ 3:⁠3, 4) እኳ ድኣስ ናይ ሓቂ እምነት ንኸምዚ ዝኣመሰለ መጥቃዕትታት ጸኒዕካ እትከላኸለላ ኣገዳሲት ነገር ኢያ። (ኤፌሶን 6:⁠16) ሴራ ጄን ነዚ ሓቂ ዀይኑ ስለ ዝረኸበቶ: ነቶም ክበጽሑዋ ናብ ሆስፒታል ዝመጹ ዝነበሩ እምነት ንኸጥርዩ ኻብ ምትብባዕ ኣየብኰረትን። ከምዚ ድማ ትብሎም ነበረት:- “ሓቂ ናይ ገዛእ ርእስኹም ግበርዋ። ቃል ኣምላኽ ኣጽንዑ። ምስ ማሕበር ኣምላኽ ልገቡ። ከየባተኽኩም ጸልዩ። ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ንጡፋት ኩኑ።”​—⁠ያእቆብ 2:⁠17, 26

ሓንቲ ኻብተን ኣለይቲ ሕሙማት ነቲ ሴራ ኣብ ኣምላኽን ትንሳኤን ዝነበራ እምነት ምስ ረኣየት “ነዚ ብሓቂ ኢኺ ትኣምንሉ” በለታ። ፈተናታት እውን እናኣጋጠማ ንምንታይ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኸም ዝሓዘት ምስ ተሓተት “ኣብ የሆዋ እምነት ኣሎኒ። ናይ ሓቂ ፈታውየይ ኢዩ: ኣዝየ ድማ ኢየ ዘፍቅሮ” ኢላ መለሰት።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ኢዝ ዘር ኤ ክሪኤተር ሁ ኬርስ ኣባውት ዩ፧ ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ርአ።

b ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

ጢሞቴዎስ ‘ካብ ቍልዕነቱ ጀሚሩ:’ ካብ ኣዲኡን ዓባዩን “ቅዱሳት ጽሑፋት” ተማህረ

[ምንጪ ስእሊ]

From “Photo-Drama of Creation,” 1914

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

ሰብ ቤርያ ኣብ ጸጽባሕ ነቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ብምምርማሮም ተናእዱ

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ንመጽሓፍ ቅዱስ ምስማዕን ምቕላብን ደኣ እምበር ምሓዙ ጥራይ እምነት ከም እተጥሪ ኣይገብርን ኢዩ

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

“ኣብታ ኣምላኽ ዘዳልዋ ሓዳስ ዓለም ንዅሉኹም ክረኽበኩም ኢየ”