ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንሓደ “ሓሻሽ” ውሉድ ብኸመይ ክትሕግዞ ምኸኣልካ፧

ንሓደ “ሓሻሽ” ውሉድ ብኸመይ ክትሕግዞ ምኸኣልካ፧

ንሓደ “ሓሻሽ” ውሉድ ብኸመይ ክትሕግዞ ምኸኣልካ፧

‘ጠፊኡ ነይሩ ተረኺቡ ኢዩ እሞ ንተሓጐስ።’​ሉቃስ 15:32

1, 2. (ሀ) ገለ መንእሰያት ንመገዲ ሓቂ ብዝምልከት እንታይ ስጕምቲ ኢዮም ዝወስዱ፧ (ለ) ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ዘጋጠሞም ወለድን ቈልዑን ከመይ ኢዩ ክስምዖም ዝኽእል፧

 “ድሕሪ ሕጂ ጉባኤ ኣይከይድን ኢየ: ገዲፈዮ ኢየ!” ንደቆም ብክርስትያናዊ መገዲ ንምዕባይ ዝጽዕሩ ወለዲ ኻብ ሓደ ውላዶም ከምዚ ኽሰምዑስ ክንደይ ዘሰንብድ ኰን ኢዩ! ካልኦት መንእሰያት ከኣ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሓሳባቶም ከይገለጹ ካብ ሓቂ ‘ይጠፍኡ።’ (እብራውያን 2:⁠1) እዚኣቶም መብዛሕትኦም ነቲ ንቤት ኣቦኡ ገዲፉ ኣቦኡ ንዘውረሶ ገንዘብ ኣብ ርሑቕ ሃገር ዝዘረዎ ኣብቲ ናይ የሱስ ምሳልያዊ ዛንታ ተገሊጹ ዘሎ ሓሻሽ ወዲ ኢዮም ዝመስሉ።​—⁠ሉቃስ 15:⁠11-16

2 መብዛሕትኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምዚ ዓይነት ጸገም ዘየጋጥሞም እኳ እንተዀነ ነቶም ዘጋጥሞም ግን ዝዀነ ይኹን ዘጸናንዕ ቃላት ነቲ ዝሓደሮም ናይ ጓሂ ስምዒት ምሉእ ብምሉእ ክፍውሶ ኣይክእልን ኢዩ። እቲ ፋሉል ዝኸደ መንእሰይ ዘሕልፎ ሕማቕ ተመክሮ እውን ሸለል ተባሂሉ ዝሕለፍ ኣይኰነን። ሕልንኡ ከሳቕዮ ይኽእል ኢዩ። ኣብቲ ናይ የሱስ ምሳልያዊ ዛንታ: እቲ ሓሻሽ ወዲ ኣብ መወዳእታ ‘ናብ ልቡ ስለ እተመልሰ’ ነቦኡ ኣሓጐሶ። ወለድን ካልኦት ኣብታ ጉባኤ ዘለዉን ንሓሻሻት መንእሰያት ‘ናብ ልቦም ንኽምለሱ’ ብኸመይ ክሕግዝዎም ምኸኣሉ፧​—⁠ሉቃስ 15:⁠17

ገሊኣቶም ንሓቂ ኽሓድግዋ ዝውስንሉ ምኽንያት

3. ገለ መንእሰያት ንክርስትያናዊት ጉባኤ ክሓድጉ ዝውስንሉ ገለ ምኽንያት እንታይ ኢዩ፧

3 ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ንየሆዋ ባህ ኢልዎም ዘገልግሉ ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ መንእሰያት ኣለዉ። እቶም ካልኦት መንእሰያት ድኣ እሞ ንሓቂ ዝሓድግዋ ስለምንታይ ኢዮም፧ ካብቲ ዓለም እትውፍዮ ነገራት እተጠልዩ ዀይኑ ስለ ዝስምዖም ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 4:⁠10) ወይ ከኣ ኣብ መጓሰ የሆዋ ምህላዎም እምብዛ እተቐየዱ ዀይኑ ስለ ዝስምዖም ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ናይ ገበን ስምዒት: ኣብ ኣንጻር ጾታ ብርቱዕ ስምዒት ምሕዳር ወይ ከኣ ብመዛንኡ ተቐባልነት ንኽረክብ ዝብል ባህጊ ንሓደ መንእሰይ ካብ መጓሰ የሆዋ ከም ዝወጽእ ክገብሮ ይኽእል ኢዩ። ኣብ ወለዱ ወይ ኣብ ካልኦት ክርስትያናት ግብዝነት ዝመስል ባህሪ ምስ ዝርኢ እውን ንኣምላኽ ምግልጋል ከቋርጾ ይኽእል ኢዩ።

4. መንእሰያት ካብ ሓቂ ከም ዝወጹ ዝገብሮም ቀንዲ ነገር እንታይ ኢዩ፧

4 ሓደ ቘልዓ ዘርእዮ ናይ ዕልወት ጠባይ መብዛሕትኡ ግዜ መንፈሳዊ ድኻም ከም ዘለዎ ዘመልክትን ኣብ ልቡ ንዘሎ ዘንጸባርቕን ኢዩ። (ምሳሌ 15:⁠13፣ ማቴዎስ 12:⁠34) ሓደ መንእሰይ ካብ መገዲ ሓቂ ዝወጽኣሉ ዝዀነ ይኹን ምኽንያት ይሃልዎ ብዘየገድስ እቲ ቐንዲ ጠንቂ ናይቲ ግድል: “ፍልጠት ሓቂ” ዘይምጥራይ ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠7) ስለዚ መንእሰያት ብልምዲ ንየሆዋ ምምላኽ ጥራይ ዘይኰነስ ምስኡ ጥብቂ ብሕታዊ ርክብ ከማዕብሉ የድልዮም። እዚ ንምግባር እንታይ ኢዩ ክሕግዞም ዝኽእል፧

ንኣምላኽ ቅረቦ

5. ሓደ መንእሰይ ምስ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ ንኽገብር እንታይ መሰረታዊ ነገር ኢዩ ዘድልዮ፧

5 ወደ መዝሙር ያእቆብ “ንኣምላኽ ቅረብዎ: ንሱውን ኪቐርበኩም ኢዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (ያእቆብ 4:⁠8) ሓደ መንእሰይ ንኣምላኽ ክቐርቦ እንተድኣ ዀይኑ ንቓል ኣምላኽ ናይ ምጥዓም ልምዲ ንኸሕድር ክሕገዝ ኣለዎ። (መዝሙር 34:⁠8) ኣብ መጀመርታ “ጸባ” ማለት መሰረታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ ዘድልዮ። ባህጊ ቃል ኣምላኽ ብምሕዳር ነቲ ዓሚቝ መንፈሳዊ ፍልጠት ዝዀነ “ዕጹም ብልዒ” ናይ ምጥዓም ልምዲ እንተድኣ ኣማዕቢሉ ግን ውዒሉ ሓዲሩ ኣብ መንፈሳዊ ብስለት ኢዩ ዝበጽሕ። (እብራውያን 5:⁠11-14፣ መዝሙር 1:⁠2) ሓደ ብኣነባብራ ዓለም ተዋሒጡ ከም ዝነበረ እተኣመነ መንእሰይ ንመንፈሳዊ ረብሓታት ክግንዘቦ ጀመረ። ንኽምለስ ዝሓገዞ እንታይ ኢዩ፧ ንምልእቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከንብብ ንዝቐረበሉ ርእይቶ ተቐቢሉ ስርዓታዊ መደብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ገበረ። እወ: ንቓል ኣምላኽ ስርዓታዊ ዄንካ ምንባብ ምስ የሆዋ ጥብቂ ርክብ ንምግባር ዝሕግዝ ኣድላዪ ነገር ኢዩ።

6, 7. ወለዲ ንውሉዳቶም ቃል ኣምላኽ ናይ ምፍታው ባህሪ ኸማዕብሉ ክሕግዝዎም ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧

6 ወለዲ ንውሉዳቶም ቃል ኣምላኽ ናይ ምፍታው ባህሪ ኸማዕብሉ ኽሕግዝዎምሲ ክንደይ ኣድላዪ ዀን ኢዩ! ሓንቲ ኣብ ዕድመ ጕርዝውና እትርከብ መንእሰይ ኣብ ገዝኣ ስርዓታዊ ናይ ስድራ​ቤት መጽናዕቲ እኳ እንተ ነበረ: ምስ ጽዩቓት ኣዋልድ ምሕዝነት ገበረት። ብዛዕባ እቲ ናይ ስድራ​ቤት መጽናዕቶም ድማ ኸምዚ ትብል:- “ኣቦይ ሕቶታት ክሓትት ከሎ: ናብኡ ኸይጠመትኩ ነቲ መልሲ ከም ዘለዎ አንብቦ ነበርኩ።” መስተውዓልቲ ወለዲ ኣብ እዋን ናይ ስድራ​ቤት መጽናዕቲ ነቲ ጽሑፍ ክሽፍንዎ ጥራይ ኣብ ክንዲ ዝጽዕሩ ናይ ምምሃር ክእለት ኢዮም ዝጥቀሙ። (2 ጢሞቴዎስ 4:⁠2) ሓደ መንእሰይ ነቲ መጽናዕቲ ምእንቲ ኽፈትዎ: ምስ ናብራ ህይወቱ ኸም ዝተሓሓዝ ክስምዖ ኣለዎ። ርእይቶኡ ንምግላጽ ዝሕግዝ ሕቶታት ብምሕታት ሓሳባቱ ከም ዝገልጽ ዘይትገብሮ፧ እቲ መንእሰይ ነቲ ዝጽናዕ ዘሎ ጽሑፍ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኽውዕል ከም ዝኽእል ክገልጽ ኣተባብዓዮ። a

7 ኣብ ርእሲ እዚውን ነቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ ምይይጥ ህያው ገይርካ ኣቕርቦ። ዝሰማማዕ ኰይኑ ክርከብ ከሎ እቶም ቈልዑ ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ፍጻመታትን ድራማታትን ብተዋስኦ መልክዕ ከም ዘርእዩ ግበሮም። እቲ እትመያየጥሉ ዘሎኹም ታሪኽ እተፈጸመሉ ቦታታትን ኵነታትን ኣብ ኣእምሮኦም ክስእልዎ ሓግዞም። ካርታን ሰሌዳታትን ምጥቃም ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እወ: ሒደት ምምሃዝ ምስ እትሕውስ እቲ ናይ ስድራ​ቤት መጽናዕቲ ህያውን እተፈላለየ መልክዕ ዘለዎን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ወለዲ እውን ምስ የሆዋ ዘለዎም ርክብ ክምርምሩ ይግብኦም ኢዩ። ንሳቶም ምስ የሆዋ ጥብቂ ርክብ እንተድኣ ገይሮም ውሉዳቶም እውን ከምኡ ኽገብሩ ኽሕግዝዎ ይኽእሉ ኢዮም።​—⁠ዘዳግም 6:⁠5-7

8. ጸሎት ንሓደ ሰብ ናብ ኣምላኽ ከም ዝቐርብ ክገብሮ ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧

8 ጸሎት እውን ንሓደ ሰብ ናብ ኣምላኽ ንኽቐርብ ክሕግዞ ይኽእል ኢዩ። ሓንቲ ኣብ ናይ መጀመርታ ዕድመ ጕርዝውና እትርከብ ጓል ኣብ መንጎ ናብራ ክርስትናን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰና መሓዙታን ተቐርቀረት። (ያእቆብ 4:⁠4) እንታይከ ገበረት፧ “ንመጀመርታ ግዜ ናብ የሆዋ ብጸሎት ቀሪበ ስምዒተይ ገለጽክሉ” ብምባል ተኣመነት። መወዳእትኡ ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ምስጢራ ከተካፍላ እትኽእል ሓንቲ መሓዛ ብምርካባ ጸሎታ ከም እተመለሰላ ብምግላጽ ደምደመት። የሆዋ ይመርሓ ከም ዘሎ ስለ እተረድኣ ምስኡ ጥብቂ ርክብ ክትገብር ጀመረት። ወለዲ እውን ዓይነት ጸሎቶም ብምምሕያሽ ንውሉዳቶም ክሕግዝዎም ይኽእሉ ኢዮም። ወለዲ ምስ ስድራ​ቤቶም ኰይኖም ክጽልዩ ኸለዉ ናይ ልቦም ምስ ዘፍስሱ: ደቆም ኣብ መንጎ ወለዶምን የሆዋን ዘሎ ርክብ ከስተብህልሉ ይኽእሉ ኢዮም።

ዕጉስ ግን ከኣ ጽኑዕ ኩን

9, 10. የሆዋ ምስቶም ዓለወኛታት እስራኤላውያን ኣብ ዝገበሮ ምምልላስ ብዓቕሊ ዝመጸ እንታይ ኣብነት ኢዩ ገዲፉ፧

9 ሓደ መንእሰይ ካብ ሓቂ ኽርሕቕ እንተድኣ ጀሚሩ ርእሱ ኽፈልን ነቲ ወለዱ መንፈሳዊ ምይይጥ ንኽገብርሉ ዘርእይዎ ዝዀነ ይኹን ጻዕሪ ኽቃወሞን ይፍትን ይኸውን። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ፈታኒ ዅነታት ወለዲ እንታይ ኢዮም ክገብሩ ዝኽእሉ፧ የሆዋ ምስ ጥንታዎት ህዝቢ እስራኤል እንታይ ከም ዝገበረ ንርአ። ነቶም “ተሪር ክሳድ” ዝነበሮም እስራኤላውያን በቲ ዝመረጽዎ መገዲ ዕልወቶም ይኺዱ ቅድሚ ምሕዳጉ ንልዕሊ 900 ዓመታት ጸይርዎም ኢዩ። (ዘጸኣት 34:⁠9፣ 2 ዜና መዋእል 36:⁠17-21፣ ሮሜ 10:⁠21) ንየሆዋ ብዙሕ ግዜ ‘ይፍትንዎ’ እኳ እንተ ነበሩ ንሱ ግን “መሓሪ ዀይኑ” ይዕገሶም ነበረ። “ንዅራኡ ብዙሕ ጊዜ መለሶ: ንዅሉ ቝጥዓኡ ድማ ኣይደርጐሖን።” (መዝሙር 78:38-42) ኣምላኽ ምስኦም ኣብ ዝገብሮ ዝነበረ ርክብ ጕድለት ኣይነበሮን። ፈቃራት ወለዲ ንየሆዋ ይመስልዎ ኢዮም: ንምሕጋዝ ኢሎም ዝገብርዎ ጻዕሪ እቲ ውሉድ ቀልጢፉ ኣብ ግብሪ እንተ ዘየውዒልዎ ድማ ይዕገስዎ ኢዮም።

10 ዓቃል ወይ ዕጉስ ምዃን ክበሃል ከሎ “ንነዊሕ እዋን ምስቓይ” ማለት ኣይኰነን፣ ምስ ካልኦት ዘሎካ ርክብ ምስ ዝበላሾ ክመሓየሽ ኣይክእልን ኢዩ ኢልካ ተስፋ ዘይምቝራጽ እውን ዘመልክት ኢዩ። የሆዋ ብኸመይ ዓቃላት ክንከውን ከም እንኽእል ኣብነት ገዲፉልና ኣሎ። ንእስራኤላውያን “ብጊሓት ብጊሓት” ልኡኻት ንምልኣኽ ተበግሶ ወሲዱ ኢዩ። ‘ነቶም ልኡኻት ኣምላኽ የላግጹሎም: ነቲ ቓሉ ኸኣ ይንዕቕዎ’ እኳ እንተ ነበሩ: የሆዋ ግን ‘ይድንግጸሎም’ ነበረ። (2 ዜና መዋእል 36:⁠15, 16) “ነፍሲ ወከፍኩም ካብ እኩይ መገድኹም . . . ተመለሱ” እናበለ ይልምኖም ነበረ። (ኤርምያስ 25:4, 5) ይኹን እምበር: የሆዋ ነቲ ጽድቃዊ ስርዓታቱ ኣይተለማመጠሉን። እስራኤላውያን ናብ ኣምላኽን መገድታቱን ‘ክምለሱ’ ኢዩ መምርሒ ተዋሂብዎም።

11. ወለዲ ምስ ሓደ ካብ መገዲ ሓቂ ዘልገሰ ውላዶም ኣብ ዝገብርዎ ርክብ ዓቕሊ እናኣርኣዩ ጽኑዓት ክዀኑ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧

11 ወለዲ ውላዶም ካብ መገዲ ሓቂ ምስ ዘልግስ ክሳዕ መወዳእታ ኸይተሓለሉ ነቲ ዓቃል የሆዋ ክመስልዎ ይኽእሉ ኢዮም። ተስፋ ኸይቈረጹ ነቲ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ መትረብ ክፉት ኰይኑ ከም ዝቕጽል ክገብሩ ወይ ከም ብሓድሽ ከም ዝኽፈት ክገብርዎ ተበግሶ ኽወስዱ ይኽእሉ ኢዮም። ነቲ ጽድቃዊ ስርዓታት እናሰዓቡ: ንውላዶም ናብ መገዲ ሓቂ ንኽመልስዎ “ብጊሓት ብጊሓት” ክቐርብዎ ይኽእሉ ኢዮም።

ሓደ ትሕቲ ዕድመ ዘሎ ውሉድ ምስ ዝውገድ

12. ወለዲ ብዛዕባ ሓደ ካብ ጉባኤ እተወገደ ግን ምስኦም ዝነብር ትሕቲ ዕድመ ውላዶም እንታይ ሓላፍነት ኢዩ ዘለዎም፧

12 ሓደ ምስ ወለዱ ዝነብር ትሕቲ ዕድመ ቘልዓ ከቢድ ሓጢኣት ምስ ዝፍጽም እሞ ብዘይ​ምንስሑ ካብታ ጉባኤ እንተ ዝውገድከ፧ እቲ ቘልዓ ምስ ወለዱ ስለ ዝነብር: እቶም ወለዲ ብመሰረት ቃል ኣምላኽ ክምህርዎን ክግስጽዎን ሓላፍነት ኣለዎም። ነዚ ግን ብኸመይ ኢዮም ክገብርዎ ዝኽእሉ፧​—⁠ምሳሌ 6:⁠20-22፣ 29:⁠17

13. ወለዲ ብኸመይ ኢዮም ንሓደ ዝበደለ ውሉዶም ልቡ ኽትንክፍዎ ዝኽእሉ፧

13 ከምዚ ዝኣመሰለ ትምህርትን ተግሳጽን ብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዝግበረሉ እዋን ክዋሃብ ይከኣል ኢዩ: ዝሓሸ ኸኣ ኢዩ። እቲ ወላዲ በቲ ትሪ ናይቲ ቘልዓ ጥራይ ኣብ ክንዲ ዝፈርድ ኣብ ልቡ እንታይ ከም ዘሎ ክፈልጥ ክጽዕር ኣለዎ። መንፈሳዊ ሕማም ኣስዒብሉ ዘሎ ቐንዲ ሽግር እንታይ ኢዩ፧ (ምሳሌ 20:⁠5) ልቡ ኽትንከፍ ይከኣል ድዩ፧ ኸመይ ዝበሉ ጥቕስታት ኢዮም ኣስላጢ ብዝዀነ መገዲ ኣብ ግብሪ ኽውዕሉ ዝኽእሉ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ብምባል የረጋግጸልና:- “ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ እሞ: ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዚበልሕ እዩ: ነፍስን መንፈስን: መፈላልዮ ኣካላትን ኣንጕዕን ክሳዕ ዚፈላሊ ዚሰጥም: ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን ከኣ ዚፈርድ እዩ።” (እብራውያን 4:12) እወ: ወለዲ ንደቆም እንደገና ከይብድሉ ካብ ምንጋር ንላዕሊ ኢዮም ክገብሩ ዘለዎም። ንኽፍወስ ተበግሶ ኽወስዱን ክከታተልዎን ይኽእሉ ኢዮም።

14. ሓደ ዝዓለወ መንእሰይ ነቲ ምስ የሆዋ ዝነበሮ ርክብ ንኽመልሶ ክወስዶ ዘለዎ ናይ መጀመርታ ስጕምቲ እንታይ ኢዩ: ወለዲኸ ነዚ ስጕምቲ እዚ ንኽወስድ ብኸመይ ኢዮም ክሕግዝዎ ዝኽእሉ፧

14 ሓደ ዝበደለ መንእሰይ ነቲ ምስ የሆዋ ዝነበሮ ርክብ ከም ዝምለስ ክገብር ኣለዎ። እቲ ኽወስዶ ዘለዎ ናይ መጀመርታ ስጕምቲ ‘ተናሲሕካ ምምላስ’ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 3:⁠19፣ ኢሳይያስ 55:⁠6, 7) ወለዲ ነቲ ኣብ ቤቶም ዘሎ ዝዓለወ መንእሰይ ንኽምለስ ክሕግዝዎ ኸለዉ ‘ብትዕግስቲ ሃዲኦም ክገንሕዎ’ ይግባእ። (2 ጢሞቴዎስ 2:⁠24-26) ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ‘ክገንሕዎ’ ኣለዎም። እታ “ገንሐ” እትትርጐም ናይ ግሪኽ ቃል “ዘእምን መርትዖ ምሃብ” ተባሂላ እውን ክትርጐም ትኽእል ኢያ። (ራእይ 3:⁠19፣ ዮሃንስ 16:⁠8) ስለዚ ምግናሕ ክበሃል ከሎ እቲ ዝወሰዶ ስጕምቲ: ሓጢኣት ምዃኑ ከእምን ዝኽእል እኹል መርትዖ ምቕራብ ዘጠቓልል ኢዩ። ኸምዚ ምግባር ቀሊል ኢዩ ማለት ኣይኰነን። ወለዲ ብእተኻእለ መጠን ከእምኖ ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ቅዱስ ጽሑፋዊ መገድታት እናተጠቕሙ ልቡ ኽትንክፉ ይኽእሉ ኢዮም። ‘እከይ ምጽላእ: ሰናይ ከኣ ምፍቃር’ ኣድላዪ ምዃኑ ንኽግንዘብ ክሕግዝዎ ጻዕሪ ኽገብሩ ኣለዎም። (ኣሞጽ 5:15) ‘ካብ መፈንጠራ ድያብሎስ ኣምሊጡ ናብ ልቡ ኽምለስ’ ይኽእል ኢዩ።

15. ሓደ ሰብ ምስ የሆዋ ዝነበሮ ርክብ ንኽምለስ ጸሎት እንታይ ግደ ኢዩ ዘለዎ፧

15 ሓደ ሰብ ነቲ ምስ የሆዋ ዝነበሮ ርክብ ንምምላስ ጸሎት ግድን ኣድላዪ ኢዩ። ሓደ ምስታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝሓብር ዝነበረ ሰብ ብግልጺ ንዝፍጽሞ ንስሓ ዘይብሉ ዕሉል ሓጢኣት ኣመልኪቱ ግን ዝዀነ ይኹን ሰብ ‘ክልምነሉ’ ከም ዘይግባእ ፍሉጥ ኢዩ። (1 ዮሃንስ 5:⁠16, 17፣ ኤርምያስ 7:⁠16-20፣ እብራውያን 10:⁠26, 27) እንተዀነ ግን ወለዲ ነቲ ዅነታት ንኽዋጽእሉ ጥበብ ክህቦም ንየሆዋ ክሓትዎ ይኽእሉ ኢዮም። (ያእቆብ 1:⁠5) ሓደ እተወገደ መንእሰይ ናይ ነስሓ መረጋገጺ ኣርእዩ ኸብቅዕ ናብ ኣምላኽ ንምቕራብ ግን “ትብዓት” እንተድኣ ስኢኑ: እቶም ወለዲ ብጸሎት ቀሪቦም ኣምላኽ ንበደል እቲ ውሉድ ከም ዝሓድገሉ ዝገብሮ መሰረት እንተድኣ ርእዩ ከም ፍቓዱ ኽገብር ክልምንዎ ይኽእሉ ኢዮም። (1 ዮሃንስ 3:⁠21) እቲ መንእሰይ ነዚ ጸሎት እዚ ኽሰምዕ ከሎ ንየሆዋ ከም መሓሪ ኣምላኽ ገይሩ ንኽምልከቶ ክሕግዞ ይግባእ። b​—⁠ዘጸኣት 34:⁠6, 7፣ ያእቆብ 5:⁠16

16. ንኣባላት ስድራ​ቤት ናይ ሓደ ትሕቲ ዕድመ ዘሎ እተወገደ መንእሰይ ብኸመይ ኢና ክንሕግዞም እንኽእል፧

16 ሓደ እተጠመቐ መንእሰይ እንተድኣ ተወጊዱ ኣባላት እታ ጉባኤ ምስኡ ‘ንኸይጽምበሩ’ ትጽቢት ይግበረሎም ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 5:⁠11፣ 2 ዮሃንስ 10, 11) እዚ ‘ናብ ልቡን’ ናብ መጓሰ ኣምላኽን ንኽምለስ ክሕግዞ ይኽእል ኢዩ። (ሉቃስ 15:⁠17) ይኹን እምበር: ይመለስ ኣይመለስ ብዘየገድስ ኣባላት እታ ጉባኤ ንስድራ​ቤት እቲ እተወገደ መንእሰይ ከተባብዕዎም ይኽእሉ ኢዮም። ንዅላቶም ‘ድንጋጸናን ለውሃትናን’ ከነርእዮም ኣጋጣሚ ኽንደሊ ንኽእል ኢና።​—⁠1 ጴጥሮስ 3:⁠8, 9

ካልኦት ብኸመይ ኢዮም ክሕግዙ ዝኽእሉ፧

17. ኣባላት ጉባኤ ንሓደ ካብ መገዲ ሓቂ ዘላገሰ ቘልዓ ክሕግዝዎ ክጽዕሩ ኸለዉ ኣብ ኣእምሮኦም ክሕዝዎ ዘለዎም ነገራት እንታይ ኢዩ፧

17 ብዛዕባ ሓደ ካብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘይተወገደ ብእምነት ግን ዝደኸመ መንእሰይከ እንታይ ክበሃል ይከኣል፧ ሃዋርያ ጳውሎስ “ሓደ ኣካል እንተ ተሰቀየ: ኵሉ ኣካላት [ምስኡ] ይስቀ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ቈረንቶስ 12:26) ካልኦት እውን ንኸምዚ ዝኣመሰለ መንእሰይ ዓሚቝ ተገዳስነቶም ከርእይዎ ይኽእሉ ኢዮም። ይኹን እምበር: ሓደ ብመንፈስ ዝደኸመ መንእሰይ ንኻልኦት መንእሰያት እውን ብሕማቕ ክጸልዎም ስለ ዝኽእል ብመጠኑ ጥንቃቐ ምግባር ኣድላዪ ኢዩ። (ገላትያ 5:⁠7-9) ኣብ ሓንቲ ጉባኤ ዝነበሩ ገለ ዓበይቲ ካብ ቅኑዕ ድራኸ ተላዒሎም: ንገለ ብመንፈስ ደኺሞም ዝነበሩ መንእሰያት ንምሕጋዝ ኣብ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ህቡብ ሙዚቃ እናወቕዑ ክጻወቱ ዕድመ ገበሩሎም። እቶም መንእሰያት ናብዚ ኣጋጣሚ እዚ ፍቓደኛታት ኰይኖም ብምምጻእ ባህ እኳ እንተ በሎም: እቲ ኣብ ንሓድሕዶም ዘሕደርዎ ጽልዋ ግን መወዳእትኡ ካብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ከም ዝወጹ ገይርዎም ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 15:⁠33፣ ይሁዳ 22, 23) ንሓደ ብመንፈስ ዝሓመመ ቘልዓ ክሕግዞ ዝኽእል መንፈሳዊ ነገራት ንምዅስኳስ ዘተባብዖ ሕብረት ድኣ እምበር መንፈሳዊ መምርሒ ዘይርከቦ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ኣይኰነን። c

18. ኣብቲ ናይ የሱስ ምሳልያዊ ዛንታ ዘሎ ኣቦ እቲ ሓሻሽ ወዲ ዘርኣዮ ዅነታት ብኸመይ ኢና ክንቀድሖ እንኽእል፧

18 ሓደ ኻብ ሓቂ ዝወጸ መንእሰይ ናብ ናይ ጉባኤ ኣኼባ ወይ ኣሰምብሊ ምስ ዝመጽእ ከመይ ከም ዝስምዖ እሞ ሕስብ ኣብልዎ። እቲ ኣብ ናይ የሱስ ምሳልያዊ ዛንታ ተገሊጹ ዘሎ ኣቦ እቲ ሓሻሽ ወዲ ዘርኣዮ ኣቀባብላ ክንቀድሖዶ ኣይግብኣናን፧ (ሉቃስ 15:⁠18-20, 25-32) ሓደ ንክርስትያናዊት ጉባኤ ዝገደፈ: ዳሕራይ ግን ኣብ ኣውራጃዊ ኣኼባ እተኻፈለ ኰተቴ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ዅሉ ሰብ ካብ ከምዚ ኸማይ ዝኣመሰለ ሰብ ዝርሕቕ ኢዩ ዝመስለኒ ነይሩ: ኣሕዋትን ኣሓትን ግን ጽቡቕ ገይሮም ተቐበሉኒ። ብሓቂ ድማ ተሰሚዑኒ።” እንደገና ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብር ጀመረ እሞ ጸኒሑ ተጠምቀ።

ኣይትተሓለሉ

19, 20. ብዛዕባ ሓደ ሓሻሽ ውሉድ: ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ኽህልወና ዘድሊ ስለምንታይ ኢዩ፧

19 ንሓደ “ሓሻሽ” ውሉድ ‘ናብ ልቡ ንኽምለስ’ ንኽትሕግዞ ትዕግስቲ ስለ ዝሓትት ንወለድን ንኻልኦትን በዳሂ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር ኣይትተሓለሉ። “ጐይታስ: ኵላቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር: ሓደ እኳ ኺጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝዀነ: ምእንታኻትኩም ይዕገስ አሎ እምበር: ከምቲ ንገሊኣቶም ዚድንጒ ዚመስሎም: ንተስፋኡ ኣየደንጕዮን እዩ።” (2 ጴጥሮስ 3:9) የሆዋ ንህዝቡ ተነሲሖም ክነብሩ ከም ዝደልዮም ዝሕብር ቅዱስ ጽሑፋዊ መረጋገጺ ኣሎና። አረ ንደቅ​ሰብ ምስኡ ንኸተዓርቖም ብተበግሶኡ ምድላው ገይሩ ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 5:⁠18, 19) ትዕግስቱ ንሚልዮናት ሰባት ናብ ልቦም ንኽምለሱ ሓጊዝዎም ኢዩ።​—⁠ኢሳይያስ 2:⁠2, 3

20 ስለዚ ወለዲ ናይቲ ትሕቲ ዕድመ ዘሎ ሓሻሽ ውሉዶም ናብ ልቡ ንኽምለስ ክሕግዞ ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ቅዱስ ጽሑፋዊ መገድታት ብእተኻእሎም መጠን ክጥቀሙ ዝግብኦምዶ ኸይኰነ፧ ውሉድኩም ናብ የሆዋ ኽምለስ ኢልኩም ንኽትሕግዝዎ ኣወንታዊ ስጕምቲ ኽትወስዱ ከሎኹም ንየሆዋ ብምምሳል ዓቃላት ኩኑ። ንመሰረታዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ጸኒዕኩም ሰዓብዎ: ሓገዙ ንኽህበኩም ናብ የሆዋ እናጸለኹም ከኣ ንባህርያቱ ማለት ፍቕሪ: ፍትሒ: ከምኡውን ጥበብ ከተንጸባርቑ ጽዓሩ። ልክዕ ከምቲ ብዙሓት ተረርቲ ዓለወኛታት ነቲ የሆዋ ናብኡ ንኽምለሱ ዝገበረሎም ፍቕራዊ ዕድመ እተቐበልዎ: እቲ ሓሻሽ ውሉድኩም እውን ወዲ ይኹን ጓል ናብ መጓሰ የሆዋ ክምለስ ይኽእል ኢዩ።​—⁠ሉቃስ 15:⁠6, 7

ትዝክሮዶ፧

• መንእሰያት ካብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ከም ዝወጹ ዝገብሮም ቀንዲ ጠንቂ እንታይ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል፧

• መንእሰያት ምስ የሆዋ ጥብቂ ርክብ ንኽገብሩ ብኸመይ ኢዩ ሓገዝ ክግበረሎም ዝከኣል፧

• ወለዲ ንሓደ ሓሻሽ ውሉዶም ክሕግዝዎ ኸለዉ ዓቃላት ግን ከኣ ጽኑዓት ክዀኑ ዘድልዮም ስለምንታይ ኢዩ፧

• እቶም ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ንሓደ ሓሻሽ መንእሰይ ንኽምለስ ብኸመይ ኢዮም ክሕግዝዎ ዝኽእሉ፧

[እግረ-ጽሑፍ]

a ንመንእሰያት ብስሉጥ መገዲ ብኸመይ ክንምህሮም ከም እንኽእል ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ናይ 1 ሓምለ 1999 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 13-17 ርአ።

b እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣብ ክንዲ ሓደ እተወገደ ትሕቲ ዕድመ መንእሰይ ዝቐርብ ጸሎት ግን ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ክግበር የብሉን። ከመይሲ ካልኦት ኣሕዋት ኵነታት ናይቲ እተወገደ ሰብ ዘይፈልጡ ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም።​—⁠ናይ 15 ጥቅምቲ 1979 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 31 ርአ።

c ብዛዕባ እዚ ብፍላይ ዝገልጽ ሓሳብ ንምርካብ ናይ 22 ሰነ 1972 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ገጽ 13-16ናይ 22 መስከረም 1996 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ገጽ 21-23 ርአ።

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ምስ የሆዋ ናይ ማሕርሮ ርክብ ንምምዕባል ቃል ኣምላኽ ምንባብ ኣዝዩ ኣድላዪ ኢዩ

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ወለዲ ዘቕርብዎ ልባዊ ጸሎት ውሉዳቶም ነቲ ኣብ መንጎ ወለዶምን የሆዋን ዘሎ ብሕታዊ ርክብ ንኸስተብህልሉ ኽሕግዞም ይኽእል ኢዩ

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ሓደ ሓሻሽ ወዲ ‘ናብ ልቡ ምስ ዝምለስ’ ተቐበልዎ

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ኣወንታዊ ስጕምቲ ወሲድኩም ውሉድኩም ናብ የሆዋ ኽምለስ ሓግዝዎ