ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንውሉዳትካ ኸተለማምዶም ከሎኻ ንየሆዋ ምሰሎ

ንውሉዳትካ ኸተለማምዶም ከሎኻ ንየሆዋ ምሰሎ

ንውሉዳትካ ኸተለማምዶም ከሎኻ ንየሆዋ ምሰሎ

“ኵሎም ወለዲ ንደቆም ይቐጽዑዶ ኸይኰኑ፧ ”​እብራውያን 12:⁠7 ኮንቴምፖራሪ ኢንግሊሽ ቨርሽን

1, 2. ሎሚ ወለዲ ደቆም ንምዕባይ ዘጸግሞም ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧

 ቅድሚ ሒደት ዓመታት ኣብ ጃፓን እተገብረ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ ካብቶም ቃለ⁠-​መጠይቕ እተገብረሎም ዳርጋ ፍርቆም ኣብ መንጎ ወለድን ደቆምን ብዙሕ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ልምዲ ኸም ዘየለን ወለዲ ድማ ንደቆም ብዙሕ ከም ዘሐንቅቕዎምን ገለጹ። ኣብታ ሃገር እቲኣ እተገብረ ካልእ መጽናዕቲ ድማ: ርብዒ ካብቶም መልሲ ዝሃቡ ወለዲ ምስ ውሉዳቶም ብኸመይ ክመላለሱ ኸም ዘለዎም ከም ዘይፈልጡ ተኣሚኖም ኢዮም። እዚ ግን ኣብ ምብራቓውያን ሃገራት ጥራይ እተሓጽረ ኣይኰነን። ጋዜጣ ዘ ቶሮንቶ ስታር “ብዙሓት ካናዳውያን ወለዲ ብኸመይ ንፉዓት ወለዲ ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ዘይፈልጡ ምዃኖም ተኣሚኖም” ዝብል ጸብጻብ ኣውጺኣ። ኣብ ኵሉ ዅርናዓት ዓለም ዝርከቡ ወለዲ ውሉዳት ምዕባይ ኣጸጋሚ ኢዩ ዀይንዎም ዘሎ።

2 ወለዲ ደቆም ንምዕባይ ዘጸግሞም ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧ እቲ ዝዓበየ ምኽንያት ኣብቲ “ክፉእ ዘመን” ናይ “ዳሕሮት መዓልትታት” ንነብር ስለ ዘሎና ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠1) ብተወሳኺ መጽሓፍ ቅዱስ “ሕሊና ልቢ ሰብ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ኽፉእ እዩ” ኢሉ ይገልጽ። (ዘፍጥረት 8:21) ብፍላይ መንእሰያት ንመጥቃዕቲ ናይቲ “ኸም ዚጓዝም ኣንበሳ” ዀይኑ ነቶም ተመክሮ ዘይብሎም ዝሃድን ዘሎ ሰይጣን እተቓልዑ ኢዮም። (1 ጴጥሮስ 5:⁠8) እቶም ንደቆም “ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን” ከዕብይዎም ዝደልዩ ክርስትያን ወለዲ ብዙሕ ጸገማት ከም ዘጋጥሞም ፍሉጥ ኢዩ። (ኤፌሶን 6:4) ወለዲ ደቆም “ጽቡቕን ክፉእን” ንምፍላይ ዝኽእሉ ብሱላት ኣምለኽቲ የሆዋ ዀይኖም ንኽዓብዩ ብኸመይ ኢዮም ክሕግዝዎም ዝኽእሉ፧​—⁠እብራውያን 5:⁠14

3. ንውሉዳት ብዕዉት መገዲ ንምዕባይ ናይ ወለዲ ምልምማድን መምርሕን ዘድሊ ስለምንታይ ኢዩ፧

3 እቲ ጥበበኛ ዝነበረ ንጉስ ሰሎሞን “ንልቢ ቘልዓ ዕሽነት ተቘራንይዎ አሎ” በለ። (ምሳሌ 13:1፣ 22:15) መንእሰያት ነዚ ዕሽነት እዚ ኻብ ልቦም ንኸርሕቕዎ ናይ ወለዶም ፍቕራዊ መኣረምታ የድልዮም። ይኹን እምበር: መንእሰያት ንኸምዚ ዝኣመሰለ መኣረምታ ዅሉ ግዜ ይቕበልዎ ኢዮም ማለት ኣይኰነን። ካብ ዝዀነ ይኹን ሰብ ንዝወሃቦም ምኽሪ መብዛሕትኡ ግዜ ይነጽግዎ ኢዮም። ስለዚ ወለዲ ‘ንቘልዓ እታ ክኸደላ ዝግብኦ መገዲ ንኸላምድዎ’ ክመሃሩ ይግብኦም። (ምሳሌ 22:6) ውሉዳት ንኸምዚ ዝኣመሰለ ተግሳጽ እንተድኣ ተቐቢሎምዎ ህይወት ከምጽኣሎም ይኽእል ኢዩ። (ምሳሌ 4:⁠13) ወለዲ ንደቆም ምልምማድ እንታይ እንታይ ዘጠቓልል ምዃኑ ኽፈልጡስ ክንደይ ኣገዳሲ ዀን ኢዩ!

ተግሳጽ እንታይ ማለት ምዃኑ

4. እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ “ተግሳጽ” እትብል ቃል ብቐዳምነት ንምንታይ ኢያ እተመልክት፧

4 ገለ ወለዲ ኣካላዊ: ኣፍኣዊ: ወይ ስምዒታዊ ማህሰይቲ ብምውራድ ከይንቀፉ ብምፍራህ ንደቆም ካብ ምግሳጽ ዓዲ ይውዕሉ። ከምዚ ዓይነት ፍርሂ ኽህልወና ኣየድልን ኢዩ። እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ “ተግሳጽ” እትብል ቃል ንዝዀነ ይኹን ማህሰይቲ ወይ ጭካነ ኣይተመልክትን ኢያ። እታ “ተግሳጽ” እትብል ናይ ግሪኽ ቃል ብቐዳምነት ንመምርሒ: ትምህርቲ: መኣረምታ: ሓድሓደ ግዜ ድማ ንጽኑዕን ፍቕራውን መቕጻዕቲ እተመልክት ኢያ።

5. ብዛዕባ እቲ የሆዋ ምስ ህዝቡ ዝገብሮ ርክብ ምምርማሩ ጠቓሚ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

5 የሆዋ ኣምላኽ ከምዚ ዝኣመሰለ ተግሳጽ ብምሃብ ዝመጸ ፍጹም ኣብነት ገዲፉልና ኣሎ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንየሆዋ ምስ ሰብኣዊ ኣቦ ብምምስሳል ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኵሎም ወለዲ ንደቆም ይቐጽዑዶ ኸይኰኑ፧ . . . ሰብኣውያን ኣቦታትና ንሓጺር ግዜ ኢዮም ዝቐጽዑና: እዚ ድማ ዝሓሸ ኢዩ ኢሎም ስለ ዝሓስቡ ኢዩ። ኣምላኽ ግን ቅዱሳት ክንከውን ኢሉ ንጥቕምና ኢዩ ዝእርመና።” (እብራውያን 12:⁠7-10ኮንቴምፖራሪ ኢንግሊሽ ቨርሽን) እወ: የሆዋ ንህዝቡ ዝግስጾም ቅዱሳት ወይ ንጹሃት ምእንቲ ክዀኑ ኢሉ ኢዩ። የሆዋ ንህዝቡ ብኸመይ ከም ዘለማምዶም ብምምርማር ንደቅና ብዛዕባ ምግሳጽ ብዙሕ ክንማሃር ንኽእል ኢና።​—⁠ዘዳግም 32:⁠4፣ ማቴዎስ 7:⁠11፣ ኤፌሶን 5:⁠1

ፍቕሪ ደራኺት ሓይሊ ኢያ

6. ወለዲ ንፍቕሪ የሆዋ ክቐድሕዎ ኣጸጋሚ ዝዀኖም ስለምንታይ ኢዩ፧

6 ሃዋርያ ዮሃንስ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ” ይብለና። ስለዚ የሆዋ ኸሰልጥን ከሎ ዅሉ ግዜ ብፍቕሪ ተደሪኹ ኢዩ ዝገብሮ። (1 ዮሃንስ 4:⁠8፣ ምሳሌ 3:⁠11, 12) እዚ ኽበሃል ከሎ ግን እቶም ኣብ ደቆም ባህርያዊ ፍቕሪ ዘለዎም ወለዲ በዚ መዳይ እዚ ንየሆዋ ክቐድሕዎ ቀሊል ኢዩ ማለት ድዩ፧ ቀሊል ከይከውን ይኽእል ኢዩ። ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ መሰረታዊ ስርዓት እተመስረተት ኢያ። ሓደ ምሁር ቋንቋ ግሪኽ ከምዚኣ ዝኣመሰለት ፍቕሪ “ዅሉ ግዜ ብባህርያዊ ስምዒት ኢያ እትለዓዓል ማለት ከም ዘይኰነ” ሓቢሩ ኢዩ። ኣምላኽ ብስምዒታዊ ድንጋጽ ዝዕብለል ኣይኰነን። ኵሉ ሳዕ ንህዝቡ ዝሕሾም ኢዩ ዝሓሊ።​—⁠ኢሳይያስ 30:⁠20፣ 48:⁠17

7, 8. (ሀ) የሆዋ ምስ ህዝቡ ኣብ ዝገብሮ ዝነበረ ርክብ ኣብ መሰረታዊ ስርዓት እተመስረተት ፍቕሪ ብምርኣይ ዝመጸ ኸመይ ዝበለ ኣብነት ኢዩ ገዲፉ፧ (ለ) ወለዲ ደቆም ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምስዓብ ክእለት ከማዕብሉ ኽሕግዝዎም ከለዉ ብኸመይ ኢዮም ንየሆዋ ኽመስልዎ ዝኽእሉ፧

7 የሆዋ ምስ እስራኤላውያን ኣብ ዝገብሮ ዝነበረ ርክብ ዘርኣዮ ፍቕሪ እሞ ሕስብ ኣብሎ። ሙሴ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ነቶም ተመክሮ ዘይነበሮም ህዝቢ እስራኤል ዘርኣዮ ፍቕሪ ንምግላጽ ብቑዕ ምምስሳል ተጠቒሙ ኣሎ። ከምዚ ኸኣ በለ:- “ንስሪ ጨጨውቱ ኸም ዜንፍር ኣብ ልዕሊኦም ከኣ ከም ዚዝምቢ: ኣኽናፉ ዘርጊሑ ወሰዶ: ኣብ ከነቲቱ ኸኣ ጾሮ። እግዚኣብሄር በይኑ [ንያእቆብ] መርሖ።” (ዘዳግም 32:9, 11, 12) ሓንቲ ንስሪ ንጨጨውታ ‘ምንፋር’ ምእንቲ ኽትምህሮም ኣብ ጥቓኦም ኰይና ኣኽናፋ ተንገብግብ። ሓደ ጫቚት ካብቲ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ዓቢ ከውሒ ዝርከብ ሰፈር ንስሪ ምስ ዝንቈት እታ ኣደ ኣብ ልዕሊ እቲ ጫቚት ኰይና ‘ትዝንቢ።’ እቲ ኽነፍር ዝጀመረ ጫቚት ኣብ መሬት ዝወድቕ እንተድኣ መሲሉ ተወንጪፋ ብትሕቲኡ ብምንፋር ‘ኣብ ክንቲታ ትጾሮ።’ የሆዋ እውን ነቶም ተመክሮ ዘይነበሮም ህዝቢ እስራኤል ብኸምኡ ዝኣመሰለ ፍቕራዊ መገዲ ሓልዮቱ ኣርእይዎም ኢዩ። ሕጊ ሙሴ ሃቦም። (መዝሙር 78:⁠5-7) ሽግር ከጋጥሞም ከሎ ምእንቲ ኸዕቕቦም ድማ ይቋመቶም ነበረ።

8 ክርስትያን ወለዲ ንፍቕሪ የሆዋ ብኸመይ ኢዮም ክቐድሕዎ ዝኽእሉ፧ መጀመርታ ንደቆም ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ መሰረታዊ ስርዓታትን መለክዒታትን ክምህርዎም ይግባእ። (ዘዳግም 6:⁠4-9) እቲ ዕላማ ነቶም ንኣሽቱ ደቆም ምስ መሰረታዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብምስምማዕ ውሳነታት ንኽገብሩ ምእንቲ ኽምህርዎም ኢዩ። ፈቃራት ወለዲ እዚ ኽገብሩ ኸለዉ: ደቆም ነቲ እተማሃርዎ መሰረታዊ ስርዓታት ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸም ዘውዕልዎ ንኽዕዘብዎም ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ኣብ ልዕሊ እቶም ንኣሽቱ ደቆም ይዝምብዩ። እቶም ቈልዑ እናዓበዩ ኣብ ዝኸድሉን ዝሰፍሐ ናጽነት ኣብ ዝወሃቦምን እዋን ሓደጋ ምስ ዘጋጥሞም እቶም ሓለይቲ ወለዲ “ተወንጪፎም” ‘ኣብ ከነቲቶም ንኽጸርዎም’ ድሉዋት ኢዮም። እንታይ ዓይነት ሓደጋ ኢዩ ግን ከጋጥሞም ዝኽእል፧

9. ፈቃራት ወለዲ ንቑሓት ክዀንሉ ዘለዎም ብፍላይ ንኸመይ ዝበለ ሓደጋ ኢዩ፧ ብኣብነት ግለጽ።

9 የሆዋ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ሳዕቤን ሕማቕ ዕርክነት ኣጠንቂቕዎም ነይሩ ኢዩ። (ዘሁልቍ 25:⁠1-18፣ እዝራ 10:⁠10-14) ሎሚ እውን ምስ ዘይጥዑያት ሰባት ዕርክነት ምግባር ሓደገኛ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 15:⁠33) በዚ መዳይ እዚ ክርስትያን ወለዲ ንየሆዋ ክመስልዎ ይግባእ። ሊሳ እተባህለት ጓል 15 ዓመት ጐርዞ ምስ ሓደ ንስነ⁠-​ምግባራውን መንፈሳውን ስርዓታት ስድራ​ቤታ ዘየኽብር መንእሰይ ዕርክነት ጀመረት። ሊሳ “ወለደይ ቀልጢፎም ኣብ ጠባየይ ለውጢ ኽርእዩ ጀመሩ እሞ ተሻቐሉ” ትብል። “ሓድሓደ ግዜ ይእርሙኒ: ኣብ ካልእ ግዜያት ድማ ብለውሃት የተባብዑኒ ነበሩ” በለት። ወለዳ ምስኣ ዀፍ ብምባል ንዘረባኣ ብትዕግስቲ ጽን ኢሎም ሰምዕዎ እሞ: ነቲ ቐንዲ ሽግራ ዀይኑ ዝነበረ ማለት ብመዛኑኣ ተቐባልነት ናይ ምርካብ ድሌት: ብኸመይ ክትዋጽኣሉ ከም እትኽእል ሓገዝዋ። a

ነቲ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ መትረብ ክፉት ግበርዎ

10. እቲ የሆዋ ምስ ደቂ እስራኤል ዝራኸበሉ ዝነበረ ኣገባብ በየናይ መገዲ ኢዩ ኣብነት ዝዀነና፧

10 ወለዲ ንደቆም ኣብ ምልምማድ ዕዉታት ኰይኖም ምእንቲ ኽርከቡ: እቲ ምስ ደቆም ዝገብርዎ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ መትረብ ክፉት ኰይኑ ከም ዝቕጽል ንምግባር ክጽዕሩ ኣለዎም። የሆዋ ኣብ ልብና ዘሎ ምሉእ ብምሉእ ዝፈልጥ እኳ እንተዀነ: ምስኡ ክንዛረብ የተባብዓና ኢዩ። (1 ዜና መዋእል 28:⁠9) የሆዋ ንእስራኤላውያን ሕጊ ድሕሪ ምሃቡ ክምህርዎም ሌዋውያን መደበሎም: ኸረድእዎምን ክእርምዎምን ድማ ነብያት ለኣኸሎም። ጸሎቶም ንምስማዕ እውን ፍታው ኣርእዩ ኢዩ።​—⁠2 ዜና መዋእል 17:⁠7-9፣ መዝሙር 65:⁠2፣ ኢሳይያስ 1:⁠1-3, 18-20፣ ኤርምያስ 25:⁠4፣ ገላትያ 3:⁠22-24

11. (ሀ) ወለዲ ምስ ደቆም ጽቡቕ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ መትረብ ከም ዝህሉ ኽገብሩ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧ (ለ) ወለዲ ምስ ደቆም ሓሳብ ንሓሳብ ክለዋወጡ ኸለዉ ጽን በሃልቲ ክዀኑ ዘድልዮም ስለምንታይ ኢዩ፧

11 ወለዲ ምስ ደቆም ሓሳብ ንሓሳብ ክለዋወጡ ኸለዉ ንየሆዋ ክመስልዎ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧ ቅድም ቀዳድም ግዜ ኽምድቡሎም የድሊ። ኣብ ርእሲ እዚውን ወለዲ ከምዚ ዝስዕብ ዝኣመሰለ ብዘይ​ሓሳብ ዝወሃብ ሃሳዪ ዘረባ ንየው ክብልዎ ኣለዎም:- ‘ካልእ እትብሎ የብልካን፧ ኣነ ኸኣ ቑም ነገር ትዛረብ መሲሉኒ’፣ ‘ነውሪ ኢዩ ኣታ: ከምኡ ኣይበሃልን ኢዩ’፣ ‘ብቐደሙ ግዳ ካብ ቈልዓ እንታይ ቍም ነገር ክርከብ ኢሉ።’ (ምሳሌ 12:⁠18) መስተውዓልቲ ወለዲ ደቆም ሓሳቦም ንኽገልጹ ምእንቲ ኸተባብዕዎም ጽን ኢሎም ንኽሰምዕዎም ይጽዕሩ ኢዩ። እቶም ንደቆም ብንኣሽትኦም ከለዉ ዕሽሽ ዝብልዎም ወለዲ እቶም ውሉዳት እውን ብግዴኦም ምስ ዓበዩ ዕሽሽ ይብልዎም ኢዮም። የሆዋ ንህዝቡ ጽን ኢሉ ንምስማዕ ኵሉ ግዜ ፍቓደኛ ኢዩ። ነቶም ብትሕትና ናብኡ ብጸሎት ዝቐርቡ ሰባት ጽን ኢሉ ኢዩ ዝሰምዖም።​—⁠መዝሙር 91:⁠15፣ ኤርምያስ 29:⁠12፣ ሉቃስ 11:⁠9-13

12. ወለዲ ከመይ ዝበለ ባህርያት ምስ ዘንጸባርቑ ኢዮም ውሉዳቶም ብቐሊሉ ናብኦም ክቐርቡ ዝኽእሉ፧

12 ህዝቡ ከይተሰከፉ ንኽቐርብዎ ባህርያት ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዝሓገዞም እውን ንርአ። ንኣብነት: እቲ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ዳዊት ምስ ባትሴባ ብምዝማዉ ከቢድ ሓጢኣት ፈጺሙ ኢዩ። ዳዊት ዘይፍጹም ሰብ ብምዃኑ ኣብ ህይወቱ ካልእ እተፈላለየ ከቢድ ሓጢኣት እውን ፈጺሙ ኢዩ። ይኹን እምበር: ናብ የሆዋ ቐሪቡ ሕድገት ሓጢኣት ካብ ምሕታትን ተግሳጽ ካብ ምቕባልን ድሕር ኢሉ ኣይፈልጥን ኢዩ። ንዳዊት ከም ዝምለስ ዝገበሮ ናይ የሆዋ ፍቕራዊ ሕያውነትን ምሕረትን ምዃኑ ፍሉጥ ኢዩ። (መዝሙር 103:⁠8) ወለዲ ከም እኒ ድንጋጽን ምሕረትን ዝኣመሰለ ኣምላኻዊ ባህርያት ብምንጽብራቕ ደቆም ክጋገዩ ኸለዉ እውን ከይተረፈ ነቲ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ መትረብ ክፉት ክገብርዎ ይኽእሉ ኢዮም።​—⁠መዝሙር 103:⁠13፣ ሚልክያስ 3:⁠17

ምኽንያታዊ ኹን

13. ምኽንያታዊ ምዃን እንታይ ዘጠቓልል ኢዩ፧

13 ወለዲ ንደቆም ክሰምዕዎም ከለዉ: ምኽንያታውያን ክዀኑን ነታ “ናይ ላዕሊ ጥበብ” ከንጸባርቑን ይግብኦም። (ያእቆብ 3:⁠17) ሃዋርያ ጳውሎስ “እቲ ለውሃትኩም [“ምኽንያታውያን ምዃንኩም:” NW ] ኣብ ኵሉ ሰብ ይፈለጥ” ኢሉ ጸሓፈ። (ፊልጲ 4:5) ምኽንያታዊ ምዃን ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧ ሓደ መግለጺ ናይታ “ምኽንያታውያን” ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል “ኣብ ቃላት ናይቲ ሕጊ ዘይምትራር” ዝብል ትርጕም ኢዩ ዘለዋ። ወለዲ ኣብ ስነ⁠-​ምግባራውን መንፈሳውን ስርዓታት ጽኑዕ ኣቕዋም እናሓዙ ምኽንያታውያን ክዀኑ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧

14. የሆዋ ምስ ሎጥ ኣብ ዝገበሮ ርክብ ብኸመይ ኢዩ ምኽንያታውነት ዘርኣየ፧

14 የሆዋ ምኽንያታዊ ብምዃን ዝመጸ ሓለፍ ዝበለ ኣብነት ኢዩ ዝዀነና። (መዝሙር 10:⁠17) ንሎጥን ስድራ​ቤቱን ነታ ንጥፍኣት ተመጥያ ዝነበረት ከተማ ሶዶም ሓዲጎም ክወጹ ህጹጽ ምሕጽንታ ምስ ሃቦም ሎጥ “ደንጐየ።” ዳሕራይ ከአ መልኣኽ የሆዋ ናብቲ ኣኽራናት ክሃድም ምስ ነገሮ ሎጥ “ናብ ከረን በጺሔ ኽድሕን ኣይክእልን እየ። በጃኻ እንሃ: እዛ ኸተማ [ዞኣር] እዚኣ ናብኣ ንምህዳም ቀረባ እያ: ንእሽቶ ኸኣ እያ። ንእሽቶዶ ኣይኰነትን፧ . . . በጃኻ: ናብኣ ኽድሕን ሕደገኒ” በለ። የሆዋኸ ብኸመይ መለሰሉ፧ “ነታ እተዛረብካላ ኸተማ ኸይግልብጣስ: እንሆ: በዚ ነገርዚውን ሕራይ ኢለካ እየ” በሎ። (ዘፍጥረት 19:16-21, 30) የሆዋ ነቲ ሎጥ ዘቕረቦ ልመና ኽሰማማዓሉ ፍቓደኛ ኢዩ ነይሩ። እወ: ወለዲ ነቲ የሆዋ ኣብ ቃሉ መጽሓፍ ቅዱስ ኣስፊርዎ ዘሎ ስርዓታት ክስዕቡ የድልዮም ኢዩ። ይኹን እምበር: ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዘይጥሓሰሉ ዅነታት ንድሌት ደቆም ከማልኡሎም ይኽእሉ ኢዮም።

15, 16. ወለዲ ካብቲ ኣብ ኢሳይያስ 28:⁠24, 25 ዘሎ ምሳሌ እንታይ ትምህርቲ ኢዮም ክመሃሩ ዝኽእሉ፧

15 ምኽንያታዊ ምዃን ክበሃል ከሎ እቶም ቈልዑ ብቐሊሉ ምኽሪ ንኽቕበሉ ንልቦም ምድላው እውን ዝሓትት ኢዩ። ኢሳይያስ ንየሆዋ ብምሳልያዊ መገዲ ምስ ሓደ ሓረስታይ ኣመሳሲልዎ ኣሎ። ከምዚ ድማ በለ:- “ሓረስታይ ኪዘርእ ኢሉ ዅሉ መዓልቲዶ ይሐርስ፧ ንግራቱስ ይባርዎን ይጕልጕሎን ድዩ፧ ንዝባኑ ምስ ኣጣጥሖ ሰሰግዶ ኣይንስንስን፧ ካሙንከ ኣይብትንን ድዩ፧ ስርናይ ከኣ ኣብቲ ትልምታት: ስገም ድማ ኣብ ወገኑ: ንሂጕውን ኣብ ወሰነ ወሰኑዶ ኣይዘርእን እዩ፧”​—⁠ኢሳይያስ 28:24, 25

16 የሆዋ ‘ክዘርእ ኢሉ ዅሉ መዓልቲ ይሓርስ ንግራቱ ድማ ይባርዎን ይጕልግሎን’ ኢዩ። እዚ ኽበሃል ከሎ ንህዝቡ ብምግሳጽ ንልቦም የዳልዎ ማለት ኢዩ። ወለዲኸ ንደቆም ክእርምዎም ከለዉ ብኸመይ ኢዮም ልቢ ውሉዳቶም ‘ክሓርሱ’ ዝኽእሉ፧ ሓደ ኣቦ ነቲ ወዲ ኣርባዕተ ዓመት ወዱ ክእርሞ ኸሎ ንየሆዋ መሲልዎ ኢዩ። ወዱ ንሓደ ወዲ ገዛውቱ ምስ ሃረሞ: እቲ ኣቦ መጀመርታ ነቲ ወዱ ዝሃቦ ምኽንያት ብትዕግስቲ ጽን ኢሉ ሰምዖ። ቀጺሉ እቲ ኣቦ ብዛዕባ ሓደ ንእሽቶ ቘልዓ ካልኦት ስለ ዘጋፍዕዎ ዘሕለፎ መሪር መከራ ዝገልጽ ዛንታ ብምንጋር ንልቢ እቲ ቘልዓ ‘ሓረሶ።’ እቲ ቘልዓ ነቲ ዛንታ ምስ ሰምዖ እቶም ዘጋፍዑ ክቕጽዑ ኣለዎም በለ። እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ‘ምሕራስ’ ንልቢ እቲ ቘልዓ ኣዳለዎ እሞ ንወዲ ገዛውቱ ምህራም እውን ምግፋዕን ጌጋን ምዃኑ ብቐሊሉ ክርዳእ ከኣለ።​—⁠2 ሳሙኤል 12:⁠1-14

17. ወለዲ ንደቆም ብምእራም ዝመጸ እንታይ ክማሃርሉ ዝኽእሉ ትምህርቲ ኢዩ ኣብ ኢሳይያስ 28:⁠26-29 ተዳልይሎም ዘሎ፧

17 ኢሳይያስ ቀጺሉ ነቲ የሆዋ ክእርም ከሎ ዝጥቀመሉ መገዲ ምስ ካልእ ክፍሊ ማሕረስ ኣመሳሲልዎ ኣሎ። እዚ ድማ መኼዳ ኢዩ። ሓደ ሓረስታይ ከኽይድ ከሎ ዝጥቀመሉ መሳርሒ በብዓይነቱ ዀይኑ ከከም ዓይነት ናይቲ እኽሊ ዝፈላለ ኢዩ። ሰሰግ ብጨንገፍ: ካሙን ድማ ብበትሪ ኢዩ ዝዝበጥ: እቲ ሽፋኑ ትርር ዝበለ ኣእካል ግን ብመንኰርኰር ዓረብያ ኢዩ ዝርገጽ። ይኹን እምበር: ነዚ ዓይነት ኣእካል እዚ እውን ክሳዕ ዝጠሓን ኣይድዕኾን ኢዩ። ብተመሳሳሊ: የሆዋ ነቲ ኣብ ህዝቡ ዝርእዮ ዝዀነ ይኹን ባህ ዘየብል ባህሪ ንምእላዩ ዝጥቀመሉ ኣገባብ ከከም ኣድላዪነቱን ኵነታቱን ይፈላልዮ ኢዩ። ምሕረት ዘይብሉ ወይ ጨቋኒ ኣይኰነን። (ኢሳይያስ 28:​26-29) ገለ ገለ ቈልዑ ወለዶም ጥምት ምስ ዘብልዎም ጥራይ ክቕጽዑ ይኽእሉ ኢዮም: ካልእ ተወሳኺ መቕጻዕቲ ድማ ኣየድልን። ገሊኣቶም ተደጋጋሚ መዘኻኸሪ ኸድልዮም ከሎ ካልኦት ድማ ከእምኖም ዝኽእል ትርር ዝበለ ዘረባ ከድልዮም ይኽእል። ምኽንያታውያን ወለዲ ንነፍሲ ወከፍ ቈልዓ ከከም ዘድልዮ ኢዮም መኣረምታ ዝህብዎ።

እቲ ናይ ስድራ​ቤት ምይይጥ ዘሐጕስ ግበርዎ

18. ወለዲ ስርዓታዊ ናይ ስድራ​ቤት መጽናዕቲ ንምግባር ብኸመይ ኢዮም ግዜ ክዕድጉ ዝኽእሉ፧

18 ንደቅኻ ኽትምህረሉ እትኽእል ዝበለጸ መገዲ ስርዓታዊ ናይ ስድራ​ቤት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕትን መዓልታዊ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምይይጥን ምግባር ኢዩ። ናይ ስድራ​ቤት መጽናዕቲ ስርዓታዊ ምስ ዝኸውን ዝያዳ ውጽኢት ኣለዎ። ኣብ ናይ ኣጋጣሚ መደባት ወይ ከኣ ብሃወኽ ኣብ ዝግበር ውሳነታት ጥራይ እተመርኰሰ እንተድኣ ዀይኑ: ምቹእ ኣጋጣሚ ሳሕቲ ጥራይ ኢዩ ዝርከብ። ስለዚ ወለዲ ንመጽናዕቲ ዝኸውን ‘ግዜ ክዕድጉ’ ኣለዎም። (ኤፌሶን 5:⁠15-17) ንዅሎም ዝጥዕም ግዜ ክትመርጽ በዳሂ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ሓደ ርእሲ ስድራ​ቤት እቶም ደቁ እናዓበዩ ክኸዱ ኸለዉ ብምኽንያት እቲ እተፈላለየ መደባቶም ንኣባላት ስድራ​ቤቱ ብሓንሳእ ንኽእክቦም ዝያዳ እናጸገሞ ከም ዝኸደ ኣስተብሃለ። ኣብቲ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ዘሎ ምሸት ግን ኵሎም ኣባላት እታ ስድራ​ቤት ብሓንሳእ ይእከቡ ኢዮም። ስለዚ እቲ ኣቦ ኣብ ሓንቲ ኻብቲ ኣጋጣሚ እቲ ናይ ስድራ​ቤት መጽናዕቲ ንምግባር መደበ። እዚ ድማ ኣስላጢ ኢዩ ነይሩ። ሕጂ ሰለስቲኦም ደቁ ጥሙቓት ኣገልገልቲ የሆዋ ኢዮም።

19. ወለዲ ናይ ስድራ​ቤት መጽናዕቲ ኽመርሑ ኸለዉ ብኸመይ ኢዮም ንየሆዋ ክመስልዎ ዝኽእሉ፧

19 ኣብ እዋን እቲ መጽናዕቲ ገለ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመርኰሰ ጽሑፍ ምምርማር ጥራይ ግን ኣኻሊ ኣይኰነን። የሆዋ ነቶም ናብ ሃገሮም እተመልሱ እስራኤላውያን ነቲ ሕጊ ምእንቲ ‘ከስተውዕልዎ እቶም ካህናት ከም ዝገልጹሎም’ ብምግባር መሃሮም። (ነህምያ 8:8) ንሸውዓተ ደቁ ንየሆዋ ኸፍቅሩ ዝሓገዞም ሓደ ኣቦ ነቲ ጽሑፍ ምስ ነፍሲ ወከፍ ቈልዓ ከም ዝሰማማዕ ገይሩ ምእንቲ ኸቕርቦ ቕድሚ ናይ ስድራ​ቤት መጽናዕቲ ምጅማሩ ዅሉ ግዜ ናብ መደቀሲኡ ኸይዱ ይዳሎ ነበረ። እቲ መጽናዕቲ ደቁ ከም ዝሕጐስሉ ይገብር ነበረ። ሓደ ካብቶም ዝጐበዙ ደቁ “እቲ መጽናዕቲ ወትሩ ዘሐጕስ ኢዩ ነይሩ” ይብል። ቀጺሉ ኸኣ “ኣብ ቀጽሪ ገዛና ዅዕሶ እናተጻወትና ኸሎና ናይ ስድራ​ቤት መጽናዕቲ ንኽንገብር ምስ እንጽዋዕ ብቕጽበት ኵዕሶና ኣቐሚጥና እናጐየና ንኣቱ ነበርና። ናይ ስድራ​ቤት መጽናዕትና ሓደ ኻብቲ ኣብ ሰሰሙን እንረኽቦ ዘሐጕስ ኣጋጣሚ ኢዩ ነይሩ” በለ።

20. ቘልዑ ኣብ ምዕባይ እንታይ ከጋጥም ዝኽእል ግድል ኢና ገና ኽንምርምሮ ዘድሊ፧

20 እቲ ጸሓፍ መዝሙር “እንሆ: ውሉድ ውህበት እግዚኣብሄር እዮም: ፍረ ኸርሲ ኸኣ ዓስቢ እዩ” በለ። (መዝሙር 127:3) ንደቅና ምልምማድ ግዜን ጻዕርን ዝሓትት ኢዩ: ብግቡእ ምስ እንገብሮ ግን ናይ ዘለኣለም ህይወት ከምጽኣሎም ይኽእል ኢዩ። እዝስ ኣየ ከመይ ዝበለ ዓስቢ ዀን ኢዩ! ስለዚ እምበኣር ንደቅና ከነለማምዶም ከሎና ብትግሃት ንየሆዋ ንምሰሎ። ይኹን እምበር: ወለዲ ‘ንውሉዳቶም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ንኸዕብይዎም’ ሓላፍነት ተዋሂብዎም እኳ እንተዀነ: ንኽዕወቱ ግን ውሕስነት የብሎምን። (ኤፌሶን 6:4) ሓደ ቘልዓ ብሉጽ ሓልዮት ተገይርሉ ክነሱ ዓለወኛ ብምዃን ንየሆዋ ካብ ምግልጋል ከቋርጽ ይኽእል ኢዩ። ከምዚ ምስ ዘጋጥም እንታይ ክግበር ኣለዎ፧ ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ እዚ ኣርእስቲ እዚ ኽዝረበሉ ኢዩ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ወለዲ ነቲ ኣብ ዘዳግም 32:⁠11, 12 ተገሊጹ ዘሎ ፍቕሪ የሆዋ ብኸመይ ኢዮም ክቐድሕዎ ዝኽእሉ፧

• ካብቲ የሆዋ ምስ ህዝቢ እስራኤል ዝገብሮ ዝነበረ ርክብ እንታይ ተማሂርካ፧

• እቲ የሆዋ ንልመና ሎጥ ሰሚዑ ዝወሰዶ ስጕምቲ እንታይ ኢዩ ዝምህረና፧

• ንቘልዑ ብምእራም ዝመጸ ካብ ኢሳይያስ 28:⁠24-29 እንታይ ትምህርቲ ረኺብካ፧

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣን ኣብታ እትቕጽልን ዘሎ ተመክሮታት ካብ ሃገርካ እተፈልየ ባህሊ ናይ ዘለወን ሃገራት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ነቲ መሰረታዊ ስርዓት ከተስተውዕሎ ብምጽዓር ብዓይኒ እቲ ኣብ ባህልኻ ዘሎ ዅነታት እናርኣኻ ኣብ ግብሪ ኸተውዕሎ ፈትን።

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ሙሴ ነቲ የሆዋ ንህዝቡ ዘሰልጥነሉ መገዲ ምስቲ ሓንቲ ንስሪ ንጨጨውታ እተለማምደሉ ኣገባብ ኣመሳሲልዎ ኣሎ

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ወለዲ ምስ ደቆም ዘሕልፍዎ ግዜ ኽምድቡ የድሊ

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

“ናይ ስድራ​ቤት መጽናዕትና ሓደ ኻብቲ ኣብ ሰሰሙን እንረኽቦ ዘሐጕስ ኣጋጣሚ ኢዩ ነይሩ”