ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዘደንቕ ነገራት ዝመልኦ ህይወት ኣሕለፍና

ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዘደንቕ ነገራት ዝመልኦ ህይወት ኣሕለፍና

ታሪኽ ህይወት

ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዘደንቕ ነገራት ዝመልኦ ህይወት ኣሕለፍና

ኤሪክ ቢቨሪጅን ሄዘል ቢቨሪጅን ዘዘንተዉዎ

“ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ማእሰርቲ ፈሪደካ ኣለኹ።” እዘን ቃላት እዚኣተን ኣብ ኣእዛነይ እናቃልሓ: ናብቲ ኣብ ማንቸስተር: እንግሊዝ: ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ስትሬንጅወይስ ተወሰድኩ። እዋኑ ታሕሳስ 1950 ኢዩ ነይሩ: ወዲ 19 ዓመት ድማ ነበርኩ። ኣብ ንእስነተይ ካብ ዝጋጠመኒ እቲ ዝኸበደ ፈተና ኢዩ ነይሩ: ኣብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ምክፋል ብምእባየይ ኢየ እዚ ፈተና እዚ ዘጋጠመኒ።​—⁠2 ቈረንቶስ 10:⁠3-5

ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ናይ የሆዋ ምስክር ስለ ዝነበርኩ: ካብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ናጻ ክኸውን ነበረኒ: እንተዀነ ግን ሕጊ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር በዚ መዳይ እዚ ኣይቅበሎምን ኢዩ ነይሩ። ስለዚ በይነይ ኣብ ሓንቲ ኽፍሊ ተዳጐንኩ። ብዛዕባ ኣቦይ ድማ እሓስብ ነበርኩ። ብተዘዋዋሪ ናብ ቤት ማእሰርቲ ንኽኣቱ ምኽንያት ኰይንኒ ኢዩ።

ኣቦይ ተሪር ኣረኣእያን ስርዓታትን ዝስዕብ ዮርክሺር ዝዓዱ ሓላው እሱራት ነበረ። ኣባል ሰራዊትን ሓላው እሱራትን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብዝረኣዮ ነገራት: ንናይ ካቶሊክ እምነት ኣጸቢቑ ይጸልኦ ነበረ። ኣብ መጀመርታ 1930ታት ንመጀመርታ ግዜ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኸበ: ማዕጾ ክኸፍቶም ክኸይድ ከሎ ከም ዘይደሊ ገሊጹ ኽመልሶም ኢዩ ሓሲቡ ነይሩ: እንተዀነ ግን ገለ መጻሕፍቲ ድኣ ተቐበሎም! ጸኒሑ ኵንትራት ናይ መጽሔት ኮንሶሌሽን (ሕጂ ንቕሑ! ) ኣተወ። እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዅንትራቱ ምእንቲ ኸሐድሶ ዓመት ዓመት እናመጹ የተባብዕዎ ነበሩ። ወዲ 15 ዓመት ከለኹ ኣቦይ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዝመያየጠሉ ዝነበረ እዋን ብወገን እቶም መሰኻኽር ኰንኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ ኢየ መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ዝጀመርኩ።

ኣብ መጋቢት 1949 ወዲ 17 ዓመት ከለኹ ህይወተይ ንየሆዋ ኸም ዝወፈኹ ብጥምቀት ኣርኣኹ። ኣብታ ዓመት እቲኣ ምስ ጆን ቻሩክን ማይክል ቻሩክን ዝበሃሉ ካብ ናይ ሚስዮናውያን ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ካብ ዝምረቑ ነዊሕ ዘይገበሩ ናብ ናይጀርያ ዝኸዱ ዝነበሩ ኣሕዋት ረኸብኩ። እቲ ናይ ሚስዮናውነት መንፈሶም ውሽጠይ ተንከፈኒ። ንሳቶም ይገንዘብዎ ኣይገንዘብዎ እንድዒ: ናይ ሚስዮናውነት መንፈስ ግን ኣብ ልበይ ተኸሉለይ።

መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ከለኹ: ኣብ ዩኒቨርሲቲ ንምእታው ዝነበረኒ ባህጊ ቀሃመ። ኣብቲ ኣብ ለንደን ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ቀረጽን ግብርን ምስራሕ ካብ ዝጅምር ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ ዓለማዊ ስራሕ እናሰራሕኩ ንየሆዋ ዝገበርክዎ ወፈያ ኽፍጽም ዘይኽእል ኰይኑ ተሰምዓኒ። ነቲ ስራሕ ክገድፎ ኸለኹ: ሓደ ተመክሮ ዘለዎ መሳርሕተይ ነቲ “መንፈስካ ዝሰብር ስራሕ” እጥንጥኖ ብምንባረይ እንቋዕ ሓጐሰካ በለኒ።

እዚ ቕድሚ ምዃኑ ግን ካልእ ፈተና ኣጋጠመኒ። እዚ ድማ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ንምዃን ዓለማዊ ስርሐይ ክገድፎ ኸም ዝደለኹ ብኸመይ ንኣቦይ ከም ዝነግሮ ተጨነቕኩ። ሓደ ምሸት ዕረፍቲ ወሲደ ናብ ገዛና ምስ ከድኩ: ነቲ ነገር ደርጓሕኩሉ። ኣቦይ ብቝጥዓ ኽምልሰለይ ኢየ ተጸብየዮ። እቲ ዘገርም ግን “እቲ ውሳነ ናይ ገዛእ ርእስኻ ኢዩ: ሳዕቤናቱ ድማ ባዕልኻ ኢኻ ትስከሞ። እንተ ዘይሰለጠካ ግን ናባይ ገጽካ ኸይትቕልቀል” በለኒ። ብ1 ጥሪ 1950 ኣብ መዝገበ⁠-​ዕለተይ ከምዚ ኢለ ጸሓፍኩ:- “ነቦይ ፓይነር ክኸውን ምዃነይ ነጊረዮ። ብመጠኑ ደሓን ዝዀነ ኣረኣእያ ብምሓዙ ናይ ብሓቂ ደንጽዩኒ ኢዩ። ስለቲ ሕያውነቱ ኸኣ ነባዕኩ።” ካብ ስርሐይ ብፍቓደይ ምስ ተሰናበትኩ: ፓይነር ኰይነ ንኸገልግል ተመዘዝኩ።

ኣብ “ጎጆ” እናነበርኩ ኸገልግል ተመደብኩ

ድሕርዚ ንየሆዋ ዘሎኒ ተወፋይነት ዝረጋገጸሉ ካልእ ፈተና መጸኒ። ምስ ሎይድ ግሪፍዝ ዝበሃል ወዲ ዌልስ ክርስትያን ሓው ኣብ ሓንቲ ኣብ ላንካሺር እትርከብ “ጎጆ” እናነበርኩ ኸገልግል ተመደብኩ። ብዛዕባ እታ ጎጆ ጸጽቡቑ እናሓሰብኩን እናሓለምኩን ናብታ ቕጭ እተምጽኣልካ ወትሩ ዝናም ዘይፍለያ ከተማ ባይካፕ በጻሕኩ። እታ ጎጆ እተባህለት ኣብ ትሕቲ ገዛ እትርከብ ክፍሊ ምዃና ምስ ፈለጥኩ ካብ ሕልመይ ተበራበርኩ! ምስ ኣናጹን ድዱዕን ኢና ንሓድር ነይርና። ናብ ገዛይ ክምለስ ቍሩብ ተሪፍኒ ነበረ። ነዚ ፈተና እዚ ምእንቲ ኽዋጽኣሉ ሓይሊ ኽወሃበኒ ግን ብልበይ ጸለኹ። ብኡንብኡ ውሽጣዊ ሰላም ተሰምዓኒ: እቲ ጕዳይ ድማ ብንጹር ተራእየኒ። ማሕበር የሆዋ ኢያ ኣብዚ መዲባትኒ። የሆዋ ኸም ዝሕግዘኒ እተኣማመን ኢየ። እንተ ዝምለስ ነይረ ምሉእ ህይወተይ ምተቐየረ: ጸኒዐ ብምቕጻለይ ግን ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢየ ዘማስወሉ!​—⁠ኢሳይያስ 26:⁠3, 4

ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ብምእባየይ ቅድሚ ምእሳረይ ኣብ ዝነበረ እዋን ንትሽዓተ ኣዋርሕ ኣብቲ ትሑት መነባብሮ ዘለዎም ሰባት ዝበዝሕዎ ስንጭሮ ሮሰንዴል ሰበኽኩ። ንኽልተ ሰሙን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስትሬንጅወይስ ድሕሪ ምጽናሕ ናብቲ ኣብ ደቡባዊ ገማግም ዓዲ እንግሊዝ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ሉወስ ተመሓላለፍኩ። ኣብኡ ሓሙሽተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነበርና: ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ድማ ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ኣብዓልና።

ኣቦይ ሓንሳእ ክበጽሓኒ መጸ። ፍሉጥ ሓላው እሱራት ክነሱ ንእተኣስረ ወዱ ኽበጽሕ ንኽብሩ ዝትንክፍ ስለ ዝመሰሎ ፈተና ዀይንዎ ክኸውን ኣለዎ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኽበጽሓኒ ብምምጽኡ ወትሩ ኢየ ዘማስወሉ። መወዳእታኡ ኣብ ሚያዝያ 1951 ተፈታሕኩ።

ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ተፈታሕኩ: ብባቡር ገይረ ናብቲ ኣቦይ ሓለቓ ሓለውቲ እሱራት ኰይኑ ዝሰርሓሉ ዝነበረ ካርዲፍ: ዌልስ: ከድኩ። በዅሪ ገዛና ኣነ ኢየ: ኵልዅልና ድማ ሰለስተ ኣወዳትን ሓንቲ ጓልን ኢና። ርእሰይ ክኢለ ፓይነር ኰይነ ምእንቲ ኸገልግል ናይ ክፍለ⁠-​ግዜ ስራሕ ክረክብ ነበረኒ። ኣብ ሓደ ኽዳውንቲ ዝሽየጠሉ ድኳን ክሰርሕ ጀመርኩ: ኣብ ህይወተይ ቀዳምነት ዝሓዘ ግን ክርስትያናዊ ኣገልግሎተይ ኢዩ ነይሩ። ኣብዚ ግዜ እዚ ኣቢሉ ኣደይ ራሕሪሓትና ኸደት። እዚ ነቦይን ነቶም ካብ 8 ክሳዕ 19 ዓመት ዝዕድሜና ደቁን ከቢድ ጕድኣት ኣውሪዱልና ኢዩ። እቲ ዘሕዝን ከኣ ወለድና ተፋትሑ።

እቲ ንፍዕቲ ሰበይቲ ዝረክብ . . .

ኣብ ጉባኤና ገለ ፓይነራት ነበሩ። ካባታቶም ሓንቲ ኻብቲ ኣብ ስንጭሮ ሮሆንዳ ዝርከብ መዐደኒ ከሰል ንስራሕን ስብከትን ኢላ መዓልቲ መዓልቲ ትመጽእ ዝነበረት ሓብቲ ነበረት። ስማ ሄዘል ግሪን ትበሃል: ንፍዕቲ ፓይነር ድማ ነበረት። ሄዘል ቅድመይ ኢያ ሓቂ ፈሊጣ። ወለዳ ኣብ 1920ታት ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ (ሕጂ ናይ የሆዋ መሰኻኽር) ኣብ ዝገብርዎ ዝነበሩ ኣኼባታት ይካፈሉ ነበሩ። ባዕላ እስከ ታሪኻ ትንገርኩም።

“ብ1944 ነታ ረሊጅን ሪፕስ ዘ ዊርልዊንድ ዘርእስታ ንእሽቶ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ክሳዕ ዘንብብ ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣርዚነ ኣይርእዮን ኢየ ነይረ። ኣደይ ናብቲ ኣብ ካርዲፍ እተገብረ ናይ ወረዳ ኣሰምብሊ ክኸይድ ኣተባብዓትኒ። ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ምንም ፍልጠት እኳ እንተ ዘይነበረኒ: ኣብ ዕዳጋ ፖስተር ተሰኪመ ህዝባዊ ዝርርብ ኣፋለጥኩ። ኣቕሽሽትን ካልኦት ሰባትን እኳ እንተ ኣላገጹልና: እዚ ተመክሮ ዀነኒ። ብ1946 ተጠመቕኩ: ኣብ ታሕሳስ ናይታ ዓመት እቲኣ ድማ ፓይነር ኰይነ ኸገልግል ጀመርኩ። ድሕርዚ ብ1951 ሓደ መንእሰይ ፓይነር ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጸ ናብ ካርዲፍ መጸ። ንሱ ድማ ኤሪክ ነበረ።

“ክልቴና ብሓባር ነገልግል: ብብዙሕ ነገራት ድማ ንሰማማዕ ነበርና። ኣብ ህይወትና ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ምድንፋዕ ዝብል ሓደ ዓይነት ሸቶ ነበረና። ስለዚ ኣብ ታሕሳስ 1952 ተመርዓና። ክልቴና ፓይነራት ኴንና ስለ እነገልግል ሒደት ኣታዊ እኳ እንተ ነበረና: መሰረታዊ ነገር ግን ኣይጐደለናን። ሓድሓደ ግዜ ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ኣስቤዛ ኽትገብር ከላ ኻብቲ ዘድልያ ንላዕሊ ማርመላታ ወይ ሳሙና ትእዝዝ ስለ ዝነበረት: እቲ ዝተረፈ ንዓና ትህበና ነበረት፣ ኣብቲ ብሓቂ ዘድልየና ግዜ ድማ ኢና ንረኽቦ ዝነበርና! ከምዚ ዝኣመሰለ ህያብ ኣዚና ነማስወሉ ነበርና። እንተዀነ ግን: ገና ኻብዚ ንላዕሊ ዘደንቕ ነገራት ይጽበየና ነበረ።”

ንህይወትና ዝቐየረ ዘደንቕ ነገር

ኣብ ሕዳር 1954 ኣነን ሄዘልን ዘይተጸበናዮ ዘደንቕ ነገር መጸና። እዚ ድማ ገያሺ ተዓዛቢ ዀይነ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ንእተፈላለያ ጉባኤታት ብምብጻሕ ምእንቲ ኸገልግል ካብቲ ኣብ ለንደን ዝርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር መሕተቲ ቕጥዒ ተላእከለይ ብጌጋ ኢዩ መጺኡ ኢልና ስለ ዝሓሰብና: ንዋላ ሓደ ኣባል ጉባኤና ኣይነገርናን። ይኹን እምበር: ነቲ ቕጥዒ መሊአ ለኣኽክዎ: ንዝመጽእ መልሲ ድማ ብሃንቀውታ ተጸበና። ድሕሪ ሒደት መዓልትታት “ስልጠና ምእንቲ ኽወሃበካ ናብ ለንደን ምጹ” ዝብል መልሲ ተዋህበና!

ገና ወዲ 23 ዓመት ከለኹ ኣብቲ ኣብ ለንደን ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ምስቶም ብመንፈሳዊ ብሉጻት ኣሕዋት ምሕባረይ ደንጸወኒ። እቶም ከም መንፈሳዊ ኣዕኑድ ዝረኣዩ ዝነበሩ ኣብዚ እዋን እዚ መብዛሕትኦም ሞይቶም ዘለዉ ኸም እኒ ፒርስ ሂዩዝ: ኢምለን ዋይንስ: ኤርኒ ቢቨር: ኤርኒ ጓይቨር: ቦብ ጎህ: ግሊን ፓር: ስታን ውድበርን: ማርቲን ውድበርን: ከምኡውን ብዙሓት ካልኦት ይርከብዎም። ኣብ 1940ታትን 1950ታትን ኣብ ብሪጣንያ ኣብነት ናይ ቅንእን ንጽህናን ብምዃን ድልዱል መሰረት ኣንቢሮም ኢዮም።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ምዃን ዘዕግብ ነበረ

ኣብቲ ውርጪ ዝበዝሖ ቈራሪ ወቕቲ ናይ 1954/55 ገያሺ ተዓዛቢ ዀይነ ኸገልግል ጀመርኩ። ናብቲ ኻብ ሰሜናዊ ባሕሪ ዝነፍስ ቈራሪ ንፋስ እተቓልዐ ኢስት ኣንጅሊያ ዝበሃል ጐላጕል ተመደብና። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ብሪጣንያ 31,000 ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ ነበሩ። እቲ መጀመርታ እተመደብናሉ ወረዳ: ክብድ ዝበለ ተመክሮታት ዘሕለፍናሉ እዋን ኢዩ ነይሩ: ነቶም እንበጽሖም ዝነበርና ኣሕዋት እውን ቀሊል ኣይነበረን። ከመይሲ: ዋሕዲ ተመክሮን ካብ ዮርክሺር ዝወረስክዎ እተሰመዓካ ናይ ምድርጓሕ ባህርይን ስለ ዝነበረኒ ሓድሓደ ግዜ ንገሊኣቶም እብድሎም ነይረ ኢየ። ዓመታት እናሓለፈ ምስ ከደ ግን ካብ ውጽኢታዊ ምዃን ሕያውነት: ካብ ኣሰራርሓ ድማ ሰባት ከም ዝበልጹ ተማሂረ ኢየ። ከም የሱስ ንኻልኦት ዘዕርፎም ዝነበረ ንምዃን ወትሩ ኢየ ዝጽዕር: እንተዀነ ግን ዝጐድለሉ እዋን እውን ኣሎ።​—⁠ማቴዎስ 11:⁠28-30

ኣብ ኢስት ኣንጅሊያ ን18 ኣዋርሕ ድሕሪ ምጽናሕ: ናብቲ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ዓዲ እንግሊዝ ዝርከብ ኒውካስትል ናይ ታይንን ኖርዝኣምበርላንድን ተቐየርኩ። ኣብዚ ባህ ዘብል ከባቢ ዝነብሩ ሰባት ዝነበሮም ሕያውነት የሐጕሰኒ ነበረ። እቲ ካብ ሲያትል: ዋሽንግተን: ሕ.መ.ኣ.: ዝመጸ ዶን ዋርድ ዝበሃል ናይ ኣውራጃ ተዓዛቢ ብዙሕ ሓጊዙኒ ኢዩ። ካብ መበል 20 ክፍሊ ጊልዓድ ኢዩ ተመሪቑ። ቅልጥፍ ቅልጥፍ ኢለ ብምዝራበይ እሓዋውስ ስለ ዝነበርኩ: ህድእ ኢለ እናዕረፍኩ ብምዝራብ ክምህር ኣሰልጠነኒ።

ህይወትና ዝቐየረ ኻልእ ዘደንቕ ነገር

ብ1958 ሓንቲ ንህይወትና ዝቐየረት ደብዳበ መጸትና። ኣብቲ ኣብ ደቡብ ላን​ሲንግ: ኒው ዮርክ: ሕ.መ.ኣ.: ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ክንስልጥን ጻውዒት ቀረበልና። ነታ ኣውስቲን ሰቨን እትበሃል ናይ 1935 ሞዴል ንእሽቶ ማኪናና ሸይጥና ናብ ኒው ዮርክ ብመርከብ ንምኻድ ቲከት ቈረጽና። መጀመርታ ኣብቲ ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ እተገብረ ኣህጉራዊ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተኻፈልና። ድሕሪኡ ናብ ደቡብ ገጽና ናብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ቅድሚ ምኻድና ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ናብ ፒተርበር: ኦንታርዮ: ብምኻድ ፓይነራት ኴንና ኣገልገልና።

እቲ ሕጂ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ዘሎ ኣልበርት ሽሮደር ከምኡውን እቶም ሕጂ ብህይወት ዘየለዉ ማክስዌል ፍሬንድን ጃክ ሬድፎርድን ገለ ኻብቶም መምህራንና ነበሩ። ኣብቶም ካብ 14 ሃገራት እተኣኻኸብና 82 ተማሃሮ ዝነበረ ሕብረት ኣዝዩ ሃናጺ ኢዩ ነይሩ። ብዛዕባ ናይ ንሓድሕድና ባህሊ ቑሩብ ክንፈልጥ ጀመርና። እንግሊዝኛ ምስ ዘይመለኹ ወጻእተኛታት ንማሃር ብምንባርና: ካልእ ቋንቋ ኽንማሃር ከሎና እንታይ ጸገም ከም ዘጋጥመና ሓቢሩና ኢዩ። ድሕሪ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ስልጠናና ወዲእና ናብ 27 ሃገራት ተመደብና። ድሕርዚ ናይ ምረቓ ስነ⁠-​ስርዓት ሰዓበ: ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልትታት ድማ በታ ኲን ኤሊዛቤት እትበሃል መርከብ ገይርና ናብ ኣውሮጳ ንምኻድ ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ኴንና እንነቕለሉ እዋን ንጽበ ነበርና።

ካብ ዓድና ወጻኢ እተዋህበና ናይ መጀመርታ መደብ

ናበይ ኢና እተመደብና፧ ፖርቱጋል! ኣብ ሕዳር 1959 ኣብ ሊዝበን በጻሕና። ድሕርዚ ነቲ ሓድሽ ቋንቋን ባህልን ምልማድ ፈተና ኰነና። ብ1959 ኣብታ ዳርጋ 9 ሚልዮን ዝኸውን ብዝሒ ህዝቢ ዝነበራ ፖርቱጋል: 643 ንጡፋት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነበሩ። ዕዮ ስብከትና ግን ሕጋዊ ተፈላጥነት ኣይነበሮን። ኣደራሻት መንግስቲ እኳ እንተ ነበረና: እንታይነቱ ዝሕብር ጽሑፍ ግን ብደገ ኣይነበሮን።

ኤልዛ ፒኮኒ እትበሃል ሚስዮናዊት ንዓይን ንሄዘልን ቋንቋ ፖርቱጋል ምስ መሃረትና: ኣብ ሊዝበን: ፋሩ: ኢቩራ: ከምኡውን ኣብ በይዣ ዝርከባ ጉባኤታትን ጕጅለታትን ክንበጽሕ ጀመርና። ድሕርዚ ብ1961 እቲ ዅነታት ክልወጥ ጀመረ። ጆኣ ጎንሳልቪሽ ማቴውስ ንዝበሃል መንእሰይ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ እገብረሉ ነበርኩ። ንወተሃደራዊ ኣገልግሎት ብዝምልከት ክርስትያናዊ ገለልትነቱ ክሕሉ ወሰነ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ ናብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ተጸዊዐ ተመርመርኩ። እቲ ዘገርም ድሕሪ ሒደት መዓልትታት ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ኻብታ ሃገር ክንወጽእ ተነግረና! ኤሪክ ብሪተንን ክሪስቲና ብሪተንን ከምኡውን ዶሜኒክ ፒኮኒን ኤልዛ ፒኮኒን ንዝበሃሉ ሚስዮናውያን እውን ከምኡ ኣጋጠሞም።

ጕዳይና እንደገና ንኽረኣየልና ኣመልከትኩ: ንሓላፊ ናይ ሚስጢራዊ ፖሊስ ክንረኽቦ ድማ ተፈቕደልና። ንምንታይ ካብታ ሃገር ክንወጽእ ከም ዘድለየ ስም ናይቲ ጽንዓት ዝገብረሉ ዝነበርኩ መንእሰይ ማለት ንጆኣ ጎንሳልቪሽ ማቴውስ ብምጥቃስ ንጹር ገበረልና! ፖርቱጋል ልክዕ ከም ብሪጣንያ ሕልናኦም ንዘይፈቕደሎም ሰባት ስቕ ኢላ ኽትሪኦም ከም ዘይትኽእል ገለጸልና። ስለዚ ኻብ ፖርቱጋል ክንወጽእ ነበረና: ሃለዋት ጆኣ ድማ ኣይነበረንን። ድሕሪ 26 ዓመታት ኣብ ፖርቱጋል ሓድሽ ቤትኤል ክውፈ ኸሎ ምስ ሰበይቱን ሰለስተ ደቁን ምስ ረኸብክዎ ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኢየ እተሓጐስኩ! ኣብ ፖርቱጋል ዝገበርናዮ ኣገልግሎት ንኸንቱ ኣይነበረን!​—⁠1 ቈረንቶስ 3:⁠6-9

ቀጺልና ኣበይ ተመደብና፧ ሕጂ እውን ዘገርም ኢዩ: ኣብታ ጐረቤት ሃገር ማለት ስጳኛ ተመደብና። ኣብ ለካቲት 1962 እናነባዕና ተፈለናዮም: ብባቡር ገይርና ድማ ካብ ሊዝበን ናብ ማድሪድ ከድና።

እተፈልየ ኣነባብራ ምልማድ

ኣብ ስጳኛ እናተሓባእካ ምስባኽን ኣኼባ ምግባርን ክንለምድ ነበረና። ክንሰብኽ ከለና መብዛሕትኡ እዋን ብሓንሳእ ክልተ ጐረባብቲ ኣይንዅሕዅሕን ኢና ነይርና። ኣብ ሓደ ገዛ ምስ መስከርና: ናብ ካልእ ጐደና ወይ ናብ ካልእ ህንጻ ንኸይድ ነበርና። እዚ ድማ ፖሊስ ወይ ኣቕሽሽቲ ብቐሊሉ ንኸይሕዙና ዝሕግዝ ኢዩ ነይሩ። ሽዑ ኣብ ትሕቲ እቲ ፋሺሽታዊ ናይ ካቶሊክ ምልካዊ ስርዓት ከም ዝነበርናን ዕዮ ስብከትና ተኣጊዱ ምንባሩን ኣይትረስዑ። ወጻእተኛታት ምዃንና ምእንቲ ኸይፍለጥ ብናይ ደቂ ስጳኛ ስም ንጽዋዕ ነበርና። ኣነ ፓብሎ: ሄዘል ድማ ዃና ተባህለት።

ኣብ ማድሪድ ሒደት ኣዋርሕ ድሕሪ ምጽናሕ: ኣብ ባርሴሎና ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ዀይነ ኸገልግል ተመደብኩ። ኣብታ ኸተማ ንዝርከባ ጉባኤታት ንበጽሐን ነበርና: መብዛሕትኡ እዋን ድማ ኣብ ሓንቲ ጉባኤ ኽልተ ወይ ሰለስተ ሰሙናት ንጸንሕ ነበርና። ንነፍሲ ወከፍ ጕጅለ ትምህርቲ መጽሓፍ ልክዕ ከም ሓንቲ ጉባኤ ንበጽሓ ስለ ዝነበርና ክንድዚ ዝኣክል ግዜ ይወስደልና ነበረ፣ መብዛሕትኡ እዋን እውን ኣብ ሰሙን ክልተ ጕጅለ ኢና ንበጽሕ ነይርና።

ዘይተጸበናዮ ብድሆ

ብ1963 ኣብ ስጳኛ ናይ ኣውራጃ ተዓዛቢ ዀይነ ኸገልግል ተመዘዝኩ። ዳርጋ 3,000 ንዝዀኑ ንጡፋት ኣስፋሕቲ ንምግልጋል: ነተን ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበራ ትሽዓተ ወረዳታት ንምብጻሕ ኣብ ብምልእታ እታ ሃገር ክንጓዓዝ ነበረና። ኣብቲ ኣብ ጥቓ ሰቪል ዝርከብ ጫካ: ኣብ ጥቓ ኺኾን ዘሎ ሕርሻ: ከምኡውን ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ ከባቢ ማድሪድን ባርሴሎናን ሎግሮኞን ዝርከብ ኣፍላጋት ዘይርሳዕ ስቱር ናይ ወረዳ ኣሰምብሊታት ገይርና ኢና።

ካብ ቤት ናብ ቤት ክንሰብኽ ከሎና: ገለ ሽግር እንተ ኣጋጢሙ ቐልጢፍና ምእንቲ ኽንሃድም ናይቲ ኸባቢ ፕላን ብምስትውዓል እርእዮ ነበርኩ። ሓደ መዓልቲ ኣነን ሓደ ሓውን ኣብ ማድሪድ ኣብ ዝርከብ ላዕለዋይ ደርቢ ናይ ሓደ ህንጻ እናሰበኽና ከሎና ኣብ ታሕቲ ጫውጫው ሰማዕና። ካብቲ ህንጻ ምስ ወረድና ኢኻስ ዲ ማሪያ (ደቂ ማርያም) ተባሂለን ዝጽውዓ ኣባላት ካቶሊክ ዝዀና ዀተቴታት ኣዋልድ ነበራ። ነቶም ጐረባብቲ ንኸይሰምዑና የጠንቅቓኦም ነበራ። ምስአን ክንረዳዳእ ዝከኣል ኣይኰነን: ብኡንብኡ ኻብቲ ኸባቢ እንተ ዘይተኣሊና ፖሊስ ክሕዙና ምዃኖም ተገንዘብኩ። ስለዚ ተቓላጢፍና ኣምለጥና!

ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ስጳኛ ዘሐጕስ እዋን ኣሕሊፍና ኢና። ኣብኡ ንዝነበሩ ጥዑማት ኣሕዋትን ኣሓትን ከምኡውን ነቶም ፍሉያት ፓይነራት ከነተባብዖም ንጽዕር ነበርና። እዞም ፍሉያት ፓይነራት ክእሰሩ ዝኽእሉ እኳ እንተ ነበሩ ድኽነት እውን እንተ ነበሮም: ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምስባኽን ጉባኤታት ንምምስራትን ንምህናጽን ውፉያት ነበሩ።

ኣብቲ ግዜ እቲ መርድእ እውን መጺኡና ኢዩ። ሄዘል ብዛዕባዚ ኸምዚ ብምባል ትገልጽ:- “ብ1964 እታ እምንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ዝነበረት ኣደይ ሞተት። ከይተሰናበትክዋ ሙማታ ኣዝየ ኢየ ሓዚነ። እዚ ሓደ ኻብቲ ብዙሓት ሚስዮናውያን ኣብ ዕዮኦም ዝኸፍልዎ ነገራት ኢዩ።”

ኣብ መወዳእታ ዝረኸብናዮ ናጽነት

ንብዙሕ ዓመታት መስጐጕቲ ኽወርደና ድሕሪ ምጽናሕ: ኣብ መወዳእታ ኣብ ሓምለ 1970 ዕዮና ብመንግስቲ ፍራንኮ ሕጋዊ ተፈላጥነት ረኸበ። ኣነን ሄዘልን መጀመርታ ኣብ ማድሪድ ቀጺሉ ድማ ኣብ ለስፕስ: ባርሴሎና: ኣደራሻት መንግስቲ ኽውፈ ኸሎ ብምርኣይና ኣዚና ተሓጐስና። መብዛሕትኡ ግዜ ዓቢ ድሙቕ ጽሑፍ ይግበረሉ ነበረ። ሕጋውያን ከም ዝዀንናን ካብቲ ዓዲ ኸም ዘይንወጽእን ሰባት ክፈልጡ ንደልዮም ነበርና! ኣብቲ እዋን እቲ ማለት ብ1972 ኣብ ስጳኛ ዳርጋ 17,000 ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነበሩ።

ኣብቲ ግዜ እቲ ኣቢሉ ኻብ ዓዲ እንግሊዝ ብስራት ሰማዕኩ። ኣቦይ ብ1969 ክበጽሓና ናብ ስጳኛ መጺኡ ነይሩ። ስጳኛውያን ኣሕዋት ብዘርኣይዎ ሕያውነት ኣዝዩ ስለ እተተንከፈ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ምስ ተመልሰ መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ጀመረ። ድሕርዚ ብ1971 ከም ተጠምቀ ሰማዕኩ! ንምብጻሕ ናብ ዓድና ኣብ እተመለስናሉ እዋን: ከም ክርስትያን ሓወይ መጠን ኣብ መግቢ ጸሎት ምስ ገበረልና ልበይ ተተንኪፈ ኢየ። ነዛ መዓልቲ እዚኣ ኽርኢ ልዕሊ 20 ዓመታት ተጸብየ ኢየ። ቦብ ሓወይን ኣይሪስ እትበሃል በዓልቲ ቤቱን እውን ብ1958 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኖም ኢዮም። ፊሊፕ ወዶም ምስ በዓልቲ ቤቱ ጂን ኣብ ስጳኛ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ዀይኑ የገልግል ኣሎ። ኣብታ ባህ እተብል ሃገር ከገልግሉ ምርኣየይ ኣዝዩ ኢዩ ዘሐጕሰኒ።

ኣብ ቀረባ እዋን ዘጋጠመ ዘደንቕ ነገር

ኣብ ለካቲት 1980 ሓደ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ ዞን ተዓዛቢ ዀይኑ ኽበጽሓና ናብ ስጳኛ መጸ። እቲ ዘገረመኒ ኸኣ ምሳይ ሓቢሩ ኸገልግል ደለየ። ክዕዘበኒ ኸም ዝደለየ ግን ኣይፈለጥኩን! ድሕርዚ ኣብ ወርሒ መስከረም ናብቲ ኣብ ብሩክሊን: ኒው ዮርክ: ዝርከብ ዓለም​ለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ክንግዕዝ ጻውዒት ቀረበልና! ኣዝዩ ደንጸወና። ካብቶም ስጳኛውያን ኣሕዋትና ምፍላይ ኣዝዩ ዘሕዝን እኳ እንተዀነ ነቲ ጻውዒት ተቐበልናዮ። ኣብቲ ግዜ እቲ 48,000 ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነበሩ!

ካብታ ዓዲ ኽንግዕዝ ከሎና ሓደ ሓው ናይ ጁባ ሰዓት ህያብ ሃበኒ። ኣብታ ሰዓት ክልተ ጥቕስታት ተጻሒፈን ነበራ፣ ንሳተን ድማ “ሉቃስ 16:⁠10፣ ሉቃስ 17:⁠10” ነበራ። ኣብ ህይወተይ ዝንጸባረቓ ጥቕስታት ምንባረን ነገረኒ። ሉቃስ 16:⁠10 ብሒደት እሙናት ክንከውን ከም ዘሎና እተጕልሕ ኰይና: ሉቃስ 17:⁠10 ኸኣ “ዘይንጠቅም ባሮት” ስለ ዝዀንና እንሕበነሉ ምንም ምኽንያት ከም ዘይብልና እትገልጽ ኢያ። ህይወትና ዝወፈና ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ እንፍጽሞ ዝዀነ ይኹን ነገር ግቡእና ከም ዝዀነ ወትሩ እዝክር ኢየ።

ናይ ጥዕና ጸገም

ብ1990 ልበይ ክሓምም ጀመርኩ። ድሕሪ ግዜ ንሓደ እተዓብሰ ናይ ደም ሱረይ ንምኽፋት ስተንት ተባሂሉ ዝፍለጥ ትቦ ኽስኰዓለይ ነበሮ። ኣብቲ ደኺመሉ ዝነበርኩሉ እዋን ሄዘል ብዙሕ ሓጊዛትኒ ኢያ: መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ኽስከሞ ዘይክእል ቦርሳታትን ባልጃታትን ባዕላ ትስከሞ ነበረት። ድሕርዚ ኣብ ግንቦት 2000 ንህርመት ልበይ እተስተኻኽል መሳርሒት ተገጥመትለይ። ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ዓቢ ለውጢ ዀን ኢያ ዝገበረትለይ!

ኣብ ዝሓለፈ 50 ዓመታት: ኣነን ሄዘልን ኢድ የሆዋ ሓጻር ከም ዘይኰነት: ዕላማታቱ ድማ ኣብቲ ንሕና እንደልዮ ግዜ ዘይኰነስ ኣብቲ ንሱ ዝመደቦ ግዜ ኸም ዝፍጸም ርኢና ኢና። (ኢሳይያስ 59:⁠1፣ ኣንባቆም 2:⁠3) ኣብ ህይወትና ብዙሕ ዘሐጕስን ሓድሓደ ዘሕዝንን ኣጋጣሚታት ኣሕሊፍና ኢና: ኣብዚ ዅሉ ግን የሆዋ ኣጽኒዑና ኢዩ። ኣብዚ ኣብ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ ህዝቢ የሆዋ ዘለናሉ እዋን ምስ ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል መዓልታዊ ኽንራኸብ ብምኽኣልና ተባሪኽና ኢና። ሓድሓደ ግዜ ‘ናይ ብሓቂ ዲና ኣብዚ ዘሎና፧’ ኢለ ንርእሰይ እሓትት። ዘይንበቕዖ ሕያውነት ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 12:⁠9) የሆዋ ካብ ፍሕሶ ሰይጣን ከዕቍበናን ንምድሪ ብጽድቂ ዝገዝኣሉ እዋን ከርእየናን ምዃኑ ንተኣማመን ኢና።​—⁠ኤፌሶን 6:⁠11-18፣ ራእይ 21:⁠1-4

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ማንቸስተር ዝርከብ መጀመርታ እተኣሰርኩሉ ቤት ማእሰርቲ ስትሬንጅወይስ

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ዀይነ ኣብ ዘገልግለሉ ዝነበርኩ እዋን ምስታ ኣውስቲን ሰቨን እትበሃል ማኪናና

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ብ1962 ኣብ ዚርሰዲልያ: ማድሪድ: ስጳኛ: ስቱር ኣሰምብሊ እናገበርና ኸሎና

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ንኣገልግሎት እንጥቀመሉ ጽሑፋት እንዝርግሓሉ ጣውላ: ኣብ ብሩክሊን