ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እሙን ምዃን ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧

እሙን ምዃን ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧

እሙን ምዃን ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧

እቶም ኣብ ካልኣይ ዘመን ቅ.ኣ.ዘ. ዝነበሩ ኻሲዲም ተባሂሎም ዝፍለጡ ጕጅለ ኣይሁድ ንገዛእ ርእሶም ብሓቂ እሙናት ከም ዝዀኑ ገይሮም ኢዮም ዝቘጽርዋ ነይሮም። ስሞም ካብታ ኻሲድ እትብል ብመሰረቱ “እሙን” ተባሂላ እትትርጐም ናይ እብራይስጢ ቓል ዝመጸ ኢዩ። እዛ ቓል እዚኣ ኻብታ ኸሰድ እትብል ብመልክዕ ስም ዝቘመት ቃል ዝመነጨት ኰይና መብዛሕትኡ እዋን “ፍቕራዊ ሕያውነት:” “እሙን ፍቕሪ:” “ሕያውነት:” “ሰናይ ተግባር:” “ምሕረት” ተባሂላ ኢያ እትትርጐም። ብመሰረት እቲ ቲኦሎጂካል ዲክሸነሪ ኦቭ ዘ ኦልድ ተስታመንት (እንግሊዝኛ) እታ ኸሰድ እትብል ቃል “ሓይሊ ዘለዋ [ከምኡውን] ንምትሕብባርን ጽንዓትን ዘጠቓለለት ኰይና ንናይ ሰብ ኣረኣእያ ጥራይ ዘይኰነስ እቲ ኣረኣእያኡ ዘስዕቦ ተግባር እውን እተመልክት ኢያ። ህይወት ናይ ምዕቃብ ወይ ናይ ምብልጻግ ተግባር ኢያ። ምእንቲ ሓደ ሕማቕ ነገራት ወይ ጭንቀት ዘጋጠሞ ሰብ ኢድካ ምእታው ማለት ኢያ። መግለጺ ዕርክነት እውን ኢያ።”

ኣብ መብዛሕትኡ ቛንቋታት ምስዛ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ውዒላ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቓል እተተሓሓዘ ትርጕም ብምሉኡ ክገልጽ ዝኽእል ቃል ከም ዘየለ ፍሉጥ ኢዩ። ዝዀነ ዀይኑ ግን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተኣማንነት ክበሃል ከሎ ንመብጽዓኻ ምሉእ ብምሉእ ካብ ምፍጻም ንላዕሊ ዘጠቓለለት ኢያ። ንኻልኦት ፍቕሪ ምህላውን ንዖኦም ዝጠቅም ስጕምቲ ምውሳድን ዝብል ሓሳብ እውን ዝሓዘት ኢያ። ናይ ሓቂ ተኣማንነት እንታይ ምዃኑ ንምርዳእ: የሆዋ ንኣብርሃም: ሙሴ: ዳዊት: ህዝቢ እስራኤል: ከምኡውን ንደቅ​ሰብ ብሓፈሻ ብኸመይ ተኣማንነት ከም ዘርኣዮም እስከ ንመርምር።

የሆዋ ተኣማንነት ኣርኣየ

የሆዋ ነቲ ፈታዊኡ ዝነበረ ኣብርሃም “ዋልታኻ ኣነ እየ” በሎ። (ዘፍጥረት 15:⁠1፣ ኢሳይያስ 41:⁠8) እዚ ኣፋዊ ጥራይ ኣይነበረን። የሆዋ ንኣብርሃምን ስድራ​ቤቱን ካብ ፈርኦንን ኣቢሜሌክን ኣዕቊብዎም ኢዩ። ኣብርሃም ምስ ኣርባዕተ ነገስታት ተዋጊኡ ንሎጥ ንኸድሕኖ የሆዋ ሓጊዝዎ ኢዩ። ኣብርሃም ወዲ 100 ዓመት ከሎ ሳራ ድማ ጓል 90 ዓመት ከላ ብእኦም ኣቢሉ እቲ መብጽዓ እተገብረሉ ዘርኢ ምእንቲ ኽመጽእ ንኽወልዱ ኣኽኢልዎም ኢዩ። ብራእያት: ሕልምታት: ከምኡውን ብመላእኽቲ ገይሩ ብቐጻሊ ይዛረቦ ነበረ። አረ ኣብርሃም ብህይወት ከሎ ጥራይ ዘይኰነስ ድሕሪ ሞቱ ብዙሕ ዓመታት ጸኒሑ እውን ከይተረፈ የሆዋ ንኣብርሃም ዘለዎ ተኣማንነት ኣርእዩ ኢዩ። እቶም ካብ ዘርኢ ኣብርሃም ዝዀኑ ህዝቢ እስራኤል ተረርቲ ኽሳድ እኳ እንተ ነበሩ: የሆዋ ግን ንብዙሕ ዘመናት መብጽዓኡ ሓልዩ ኢዩ። የሆዋ ምስ ኣብርሃም ዝነበሮ ርክብ እንታይነት ናይ ሓቂ ተኣማንነት ማለት ፍቕሪ ብተግባር ክትግለጽ ከላ እተራእየሉ እዋን ኢዩ ነይሩ።​—⁠ዘፍጥረት ምዕራፍ 12 ክሳዕ 25

“ሰብ ምስ ፈታዊኡ ኸም ዚዛረብ: እግዚኣብሄር ድማ ምስ ሙሴ ገጽ ንገጽ ተዛረበ” ዝብል እውን ነንብብ ኢና። (ዘጸኣት 33:​11 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እወ: ካብቶም ቅድሚ የሱስ ክርስቶስ ዝነበሩ ነብያት: ከም ሙሴ ገይሩ ምስ የሆዋ ጥብቂ ርክብ ዝነበሮ ኣይነበረን። የሆዋ ብኸመይ ኢዩ ንሙሴ ተኣማንነቱ ዘርኣዮ፧

ሙሴ ወዲ ኣርብዓ ዓመት ከሎ በቲ ዝነበሮ ሓይልን ክእለትን ገይሩ ንህዝቡ ብድፍረት ሓራ ኸውጽኦም ፈተነ። እንተዀነ ግን ግዜኡ ኣይኣኸለን ነይሩ። ስለዚ ህይወቱ ንምድሓን ክሃድም ነበሮ። ንኣርብዓ ዓመታት ኣብ ሚድያን ኣባጊዕ ይጓሲ ነበረ። (ግብሪ ሃዋርያት 7:​23-30) የሆዋ ግን ኣይሓደጎን። ግዜኡ ምስ ኣኸለ: ሙሴ ንእስራኤላውያን ካብ ግብጺ መሪሑ ኸም ዘውጽኦም ገበሮ።

ብተመሳሳሊ: የሆዋ ነቲ ኻብ ነገስታት እስራኤል ካልኣይ ዝነበረ ንጉስ ዳዊት እውን ተኣማንነቱ ኣርእይዎ ኢዩ። ዳዊት ገና መንእሰይ ከሎ የሆዋ ንነብዪ ሳሙኤል “ንሱ እዩ እሞ: ተንሲእካ ቕብኣዮ” በሎ። ካብታ ግዜ እቲኣ ኣትሒዙ ዳዊት ናይ መጻኢ ንጉስ እስራኤል ንምዃን ተመክሮ የጥርየሉ ኣብ ዝነበረ እዋን የሆዋ ብተኣማንነት ኣዕቚብዎን መሪሕዎን ኢዩ። “ኻብ ኢድ ኣንበሳን ካብ ኢድ ድብን” ካብ ኢድ እቲ ኣዝዩ ገዚፍ ዝነበረ ፍልስጥኤማዊ ጐልያድን ኣድሒንዎ ኢዩ። ኣብ ልዕሊ ጸላእቲ እስራኤል ብተደጋጋሚ ዓወት ከም ዝዓትር ገበሮ: እቲ ዝቐንኣሉን ዝጸልኦን ዝነበረ ሳኦል ካብ ዝወርወሮ ኲናት እውን ኣድሓኖ።​—⁠1 ሳሙኤል 16:⁠12፣ 17:⁠37፣ 18:⁠11፣ 19:⁠10

ልክዕ ኢዩ: ዳዊት ፍጹም ሰብ ኣይነበረን። አረ ኸቢድ ሓጢኣት እውን ፈጺሙ ኢዩ። ይኹን እምበር: የሆዋ ነቲ ናይ ሓቂ ነስሓ ዘርኣየ ዳዊት ብተኣማንነት ድኣ ፍቕሩ ኣርኣዮ እምበር ኣይጠንጠኖን። ኣብ ብምሉኡ ህይወቱ: የሆዋ ዓቂብዎን ኣበልጺግዎን ኢዩ። ኣብ መከራኡ ንኽረድኦ ኢሉ ኢዱ የእትዩ ኢዩ። እዚ ድማ ብርግጽ ፍቕራዊ ሕያውነት ኢዩ!​—⁠2 ሳሙኤል 11:⁠1–12:⁠25፣ 24:⁠1-17

ህዝቢ እስራኤል ብሓፈሻ ነቲ ሙሴ ኣብ ከረን ሲና ዝሃቦም ሕጊ ኽፍጽሙ ኺዳን ምስ ኣተዉ ንየሆዋ እተወፈዩ ፍሉያት ህዝቢ ዀኑ። (ዘጸኣት 19:⁠3-8) ስለዚ እስራኤላውያን ሰበይቲ የሆዋ ኸም ዝዀኑ ገይርካ ይግለጹ ነበሩ። ንህዝቢ እስራኤል ‘እግዚኣብሄር ከም ሰበይቲ ጸውዓኪ’ ተባሂልሎም ኣሎ። ብተወሳኺውን የሆዋ “ብዘለኣለማዊ ምሕረት [“ፍቕራዊ ሕያውነት:” NW ] ግና ክርሕርሓልኪ እየ” በለ። (ኢሳይያስ 54:⁠6, 8) የሆዋ ነዚ ፍሉይ ርክብ እሙን ምዃኑ ብኸመይ ኢዩ ዘርኣየ፧

የሆዋ ነቲ እስራኤላውያን ዘድልዮም ነገራት ንምምላእን ምስኡ ዘለዎም ርክብ ንኸደልድሉን ተበግሶ ወሰደ። ካብ ግብጺ ኣውጽኦም: ከም ህዝቢ ኣቘሞም: ናብታ “ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ” ድማ ኣደየቦም። (ዘጸኣት 3:⁠8) ብካህናትን ሌዋውያንን ነብያትን ልኡኻትን ኣቢሉ ብቐጻሊ መንፈሳዊ ትምህርቲ ይህቦም ነበረ። (2 ዜና መዋእል 17:⁠7-9፣ ነህምያ 8:⁠7-9፣ ኤርምያስ 7:⁠25) እቶም ህዝቢ ኻልኦት ኣማልኽቲ ኸምልኹ ምስ ጀመሩ: የሆዋ ኣረሞም። ምስ ዝናስሑ ድማ ይቕረ ይብለሎም ነበረ። ህዝቢ እስራኤል መሐለል “ሰበይቲ” ምንባሮም ዝከሓድ ኣይኰነን። የሆዋ ግን ቐልጢፉ ኣይደርበዮምን። ምእንቲ እቲ ንኣብርሃም ዝኣተዎ መብጽዓ ኢሉ: ነቲ ምስኦም ዝተሓሓዝ ዕላምኡ ኽሳዕ ዝፍጸም ብተኣማንነት ካብኦም ኣይተፈልየን። (ዘዳግም 7:​7-9) እዝስ ነዞም ሎሚ ዘለዉ ሰብ ሓዳር ከመይ ዝበለ ብሉጽ ኣብነት ኰን ኢዩ!

የሆዋ ንደቅ​ሰብ ብሓፈሻ ማለት ንጻድቃን ኰኑ ንሓጥኣን ሰባት እውን ንህይወት ዘድልዮም መሰረታዊ ነገራት ብምምላእ ተኣማንነቱ ኣርኢዎም ኢዩ። (ማቴዎስ 5:​45፣ ግብሪ ሃዋርያት 17:⁠25) ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ኵሎም ደቅሰብ ካብ ባርነት ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ወጺኦም ፍጹማት ብምዃን ኣብ ገነት ዘለኣለማዊ ህይወት ምእንቲ ኽረኽቡ: ወዱ በጅነታዊ መስዋእቲ ንኽኸፍል ኣፍቀደ። (ማቴዎስ 20:⁠28፣ ዮሃንስ 3:⁠16) ናይ በጅነት ምድላው እቲ ህይወት ንምዕቃብን ንምብልጻግን እተገብረ ዝለዓለ ተግባር ኢዩ። ብሓቂ እዚ ምድላው እዚ “ምእንቲ ሓደ ሕማቕ ነገራት ወይ ጭንቀት ዘጋጠሞ ሰብ ኢድካ ምእታው” ኢዩ።

ተኣማንነትካ ብግብሪ ኣርኢ

ተኣማንነት ምስ ፍቕራዊ ሕያውነት እትመሳሰል ቃል ስለ ዝዀነት ክልትኣዊ ርክብ እተጠቓልል ኢያ። ሓደ ኣካል ፍቕራዊ ሕያውነት እንተድኣ ኣርእዩካ: ንስኻውን ብተመሳሳሊ ኸምኡ ኸተርእዮ ትጽቢት ይግበረልካ ኢዩ። ክንዲ እቲ እሙን ዝዀንካዮም ኢዮም ካልኦት ንዓኻ እሙናት ዝዀኑ። ዳዊት “ናብ ቅዱስ መቕደስካ ኣቢለ ኽሰግድ: ንስምካውን . . . ኸመስግኖ እየ” ኽብል ከሎ እታ ኸሰድ እትብል ቃል ሓቚፋቶ ዘላ ትርጕም ከም እተረድኦ ብንጹር ዘርኢ ኢዩ። ስለምንታይ ኢዩ ኸምኡ ዝበለ፧ “ስለ ሳህልኻን [“ፍቕራዊ ሕያውነትካን:” NW ] ሓቅኻን” ብምባል ባዕሉ ይምልሰልና። (መዝሙር 138:⁠2) የሆዋ ፍቕራዊ ሕያውነት ስለ ዘርኣዮ: ንኸምልኾን ንኽውድሶን ከም እተደረኸ ንጹር ኢዩ። ስለዚ: ብዛዕባ ፍቕራዊ ሕያውነት የሆዋ ከነስተንትን ከሎና: ምላሽ ንምሃብ ንድረኽ ዲና፧ ንኣብነት: ስም የሆዋ እንተ ተጸሪፉ: ንስሙ ብምሕላቕ ኣብ ክንድኡ ንኽትጣበቕ ትድረኽ ዲኻ፧

ክርስትያን ካብ ዝዀኑ ነዊሕ ዘይገበሩ ሰብኣይን ሰበይትን ሰብ ሓዳር: ኣብ ሓደ ብሓደጋ ሞተር ብሽክለታ ዝሞተ ናይ ዘመዶም ስነ⁠-​ስርዓት ቀብሪ ኽካፈሉ ኸለዉ ኸምዚ ኣጋጠሞም። ሃይማኖታዊ ዘይኰነ ስነ⁠-​ስርዓት ቀብሪ ኢዩ ነይሩ: ስለዚ እቶም ቀባሮ ብዛዕባ እቲ መዋቲ ሓሳባቶም ክገልጹ ተፈቕደሎም። ሓደ ኻብቶም ቀባሮ ‘ኣምላኽ ስለ ዝደለዮ ናብ ሰማይ ወሲድዎ’ ብምባል ኣምላኽ ብሞት ናይቲ ብዘይ​መዓልቱ ዝሞተ መንእሰይ ተሓታቲ ኸም ዝዀነ ገይሩ ተዛረበ። እቲ ክርስትያን ሓውና ስቕ ክብል ኣይከኣለን። መጽሓፍ ቅዱስ ኰነ መዘኻኸሪ ወረቐት ከይሓዘ ናብቲ መድረኽ ደየበ እሞ “መሓርን ደንጋጽን ኵሉ ዝኽእልን ኣምላኽ ነዚ ተግባር እዚ ዝሰምሮዶ ይመስለኩም፧” ኢሉ ሓተተ። ድሕርዚ ንምንታይ ከም እንመውት: ኣምላኽ ንደቅ​ሰብ ካብ ሞት ንምድሓን እንታይ ምድላው ከም ዝገበረ: ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ዘለኣለማዊ ህይወት ንምርካብ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ዝህሉ ዘደንቕ ተስፋ ትንሳኤ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት እናጠቐሰ ንዓሰርተ ደቒቕ ዝኸውን ኣቐዲሙ ዘይተዳለወሉ ዝርርብ ኣቕረበ። ዝርርቡ ምስ ወድአ: እቶም ካብ 100 ንላዕሊ ዝዀኑ ቀባሮ ድሙቕ ጣቕዒት ገበሩሉ። ጸኒሑ እቲ ሓው ብዛዕባ እቲ ዅነታት ኸምዚ በለ:- “ቅድሚ ሕጂ ተሰሚዑኒ ዘይፈልጥ ውሽጣዊ ሓጐስ ተሰምዓኒ። የሆዋ ብጥበቡ ገይሩ ስለ ዝማሃረንን ነቲ ቕዱስ ስሙ ንኽጣበቕ ኣጋጣሚ ስለ ዝሃበንን ኣመስገንክዎ።”

ንየሆዋ እሙን ምዃን ክበሃል ከሎ ንቓሉ መጽሓፍ ቅዱስ እሙን ምዃን እውን ዘጠቓልል ኢዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ የሆዋ ብመጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ ኢዩ ብኸመይ ክንመላለስ ከም ዘሎና ዝገልጸልና። እቲ ኣብኡ ተመዝጊቡ ዘሎ ሕግታትን ስርዓታትን ብርግጽ ካብ ዝዀነ ይኹን ንላዕሊ ንህይወትና ዝጠቅም ዝበለጸ መምርሒ ኢዩ። (ኢሳይያስ 48:⁠17) ካብ ካልኦት ዝወርደካ ጸቕጢ ወይ ድኻምካ ካብ ሕግታት የሆዋ ኸም እተልግስ ንኽገብረካ ኣይተፍቅደሉ። ንቓል ኣምላኽ እሙን ኩን።

ንኣምላኽ እሙን ምዃን ክበሃል ከሎ ንማሕበሩ እሙን ምዃን እውን ዘጠቓልል ኢዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብቲ ብዛዕባ ገለ ጥቕስታት ዝነበረና ምርዳእ መአረምታታትን ምትዕርራይን ክግበር ኣድልዩ ኢዩ። ከም ሓቂ እንተ ዀይኑ ኸማና ገይሩ እኹል መንፈሳዊ መግቢ ዝረኸበ የለን። (ማቴዎስ 24:⁠45-47) የሆዋ ንዘመናዊት ማሕበሩ ብተኣማንነት ይድግፋ ኸም ዘሎ ዘተሓታትት ኣይኰነን። ንሕናኸ ኸምኡ ኽንገብር ንኽእል ዲና፧ ኤ. ኤች. ማክሚላን ምስ ማሕበር የሆዋ ብተኣማንነት ተመላሊሱ ኢዩ። ቀቅድሚ ሞቱ ኸምዚ በለ:- “ማሕበር የሆዋ ኻብቲ መስከረም 1900 ወዲ ዕስራን ሰለስተን ዓመት ከለኹ ህይወተይ ዝወፈኹሉ እዋን ዝነበራ ንእሽቶ ደረጃ ተበጊሳ: ንቓሉ ብቕንኢ ዝእዉጁ ሕጉሳት ሰባት ናብ ዘለዉዋ ዓለምለኻዊት ማሕበር ኰይና ኽሳዕ እትዓቢ ርእየ ኢየ። . . . ንኣምላኽ ዘቕርበሉ ምድራዊ ኣገልግሎተይ ናብ ምፍጻም ኣብ ዝቃረበሉ ዘለኹ እዋን የሆዋ ንህዝቡ ኸም ዝመርሖምን በብግዜኡ እቲ ዘድልዮም ከም ዝሃቦምን ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ እተኣማመን ኢየ።” ሓው ማክሚላን ክሳዕ እታ ብ26 ነሓሰ 1966 ዝሞተላ እዋን ዳርጋ ን66 ዝኸውን ዓመታት ንየሆዋ ብተኣማንነት ኣገልጊሉ ኢዩ። ነታ እትርአ ማሕበር ኣምላኽ ብተኣማንነት ብዛዕባ ምግልጋል ዝመጸ ሰናይ ኣብነት ገዲፉ ኢዩ።

ንማሕበርና ጥራይ ዘይኰነስ ንሓድሕድና እውን እሙናት ዲና፧ ከቢድ ስደት ክወርደና ኸሎ: ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን እሙናት ኴንና ንጸንዕ ዲና፧ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ኔዘርላንድ ዝርከቡ ኣሕዋትና ብተኣማንነት ዝመጸ ሰናይ ኣብነት ገዲፎም ኢዮም። ሓደ እዋን ኣብ ጉባኤ ግሮኒንገን ሽማግለ ዀይኑ ዘገልግል ዝነበረ ክላስ ደ ቫርየስ ብናይ ናዚ ጌስታፖ ዘስካሕክሕ ምርመራ ተገብረሉ: ን12 መዓልትታት ባንን ማይን ጥራይ እናተዋህቦ ንበይኑ ኸም ዝእሰር ድሕሪ ምግባር እንደገና ሕቶታት ቀረበሉ። ሽጉጥ ኣዐሚሮም: እቶም ሓላፍነት ዘለዎም ኣሕዋት ኣበይ ከም ዘለዉን ካልእ ኣገዳሲ ሓበሬታን ኣብ ውሽጢ ኽልተ ደቒቕ ከቃልዕ: እንተ ዘይኰይኑ ግን ክቕተል ምዃኑ ነገርዎ። ክላስ ግን “ካባይ ምንም ኣይትረኽቡን ኢኹም። . . . ኣይከድዕን ኢየ” ኢሉ መለሰሎም። በታ ሽጉጥ ገይሮም ክቐትልዎ ምዃኖም ሰለስተ ሳዕ ኣፈራርህዎ። ኣብ መወዳእታኡ እቶም ጌስታፖ ተስፋ ቘረጹ እሞ ናብ ካልእ ቤት ማእሰርቲ ሰደድዎ። ንኣሕዋቱ ግን ፈጺሙ ኣይጠለሞምን።

ንናይ ሓዳር ብጻይናኸ ተኣማንነት ነርኢ ዲና፧ ከምቲ የሆዋ ምስ ህዝቢ እስራኤል ዝገበሮ ኺዳን ዝሓለወ: ነቲ ኣብ መርዓና ዝመሓልናዮ ማሕላ እሙናት ዲና፧ ንናይ መርዓ ብጻይና እሙናት ምዃን ጥራይ ዘይኰነስ ጥብቂ ርክብ ንምምስራት እውን ብቐጻሊ ጻዕሪ ንግበር። ንሓዳርኩም ድልዱል ከም ዝኸውን ንምግባር ተበግሶ ውሰዱ። ሓቢርኩም ግዜ ኣሕልፉ: ሓሳብ ንሓሳብ ተለዋወጡ: ንሓድሕድኩም ተተባብዑ: ሓደ ነቲ ሓደ ይስማዓዮ: ሓጐስኩም ኰነ ሓዘንኩም ተኻፈልዎ: ሓቢርኩም ተዘናግዑ: ሓባራዊ ሸቶ ንምውቃዕ ብሓባር ዕየዩ: ሓደ ነቲ ሓደ የሐጕሶ: ኣዕሩኽ ኩኑ። ኣብ ካልኦት ሰባት ጾታዊ ባህጊ ኸይተሕድሩ ብፍላይ ተጠንቀቑ። ምስ ኣንጻር ጾታ ኽትፋለጡ ወይ ጥብቂ ምሕዝነት ክትምስርቱ ትኽእሉ እኳ እንተ ዀንኩም: ጾታዊ ስምዒትኩም ግን ኣብ ውሽጢ ሓዳርኩም ጥራይ ክድረት ኣለዎ። ዝዀነ ይኹን ሰብ ኣብ መንጎ ሓዳርኩም ክኣቱ ኣይተፍቅዱ።​—⁠ምሳሌ 5:⁠15-20

ንኣመንቲ ብጾት ኰነ ንስድራ​ቤትኩም እሙናት ኩኑ። ዓመታት ብዝሓለፈ መጠን ኣይትረስዕዎም። ደብዳበ ጽሓፉሎም: ደዉሉሎም: ወይ ብጽሕዎም። ኣብ ህይወትኩም ዘጋጠመ የጋጥምኩም ኣይተጕህይዎም። ምሳኹም ምፍላጦም ወይ ምዝማዶም ከም ዘሐጕሶም ግበሩ። ንዖኦም ዘለኩም ተኣማንነት እቲ ቕኑዕ ዝዀነ ነገር ንኽትገብሩ ኸበርትዓኩምን ምንጪ ምትብባዕ ክዀነኩምን ኢዩ።​—⁠ኣስቴር 4:⁠6-16

እወ: ናይ ሓቂ ተኣማንነት ክበሃል ከሎ ነቲ ኽቡር ርክብካ ንምዕቃብ ስጕምቲ ምውሳድ ዘጠቓልል ኢዩ። ንፍቕራዊ ሕያውነት የሆዋ ምላሽ ንምሃብ ዝከኣለኩም ኵሉ ግበሩ። ምስ ክርስትያናዊት ጉባኤ: ናይ መርዓ ብጻይ: ስድራ​ቤት: ከምኡውን ምስ ፈተውቲ ኣብ ዘለኩም ርክብ ነቲ የሆዋ ዘርኣዮ ተኣማንነት ቅድሕዎ። ነቲ ባህ ዘብል ባህርያት የሆዋ ንጐረባብትኹም ብተኣማንነት ንገርዎም። እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ግብርታት ጸጋ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ክዝምር: ብኣፈይ ንውሉድ ወለዶ እምነትካ ኸፍልጥ እየ” ኽብል ሓቁ ኢዩ። (መዝሙር 89:⁠1) ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣምላኽ ኣይንሰሓብዶ ኢና፧ ብርግጽ “ጸጋኡ ንዘለኣለም . . . ይነብር” ኢዩ።​—⁠መዝሙር 100:⁠5

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ኤ. ኤች. ማክሚላን