ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ኦም ስየ እንረኽቦ ትምህርቲ

ካብ ኦም ስየ እንረኽቦ ትምህርቲ

ካብ ኦም ስየ እንረኽቦ ትምህርቲ

 ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ⁠-​ፍልጠት ንኦም ተምሪ “ዘደንቕ ጽባቐ ዘለዎ ምዕሩግ ቅርጺ” ብምባል ገለጾ። ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ኰነ ሕጂ ኦም ተምሪ ነቲ ኣብ ግብጺ ዝርከብ ስንጭሮ ኒል ዘማዕርጎ ኢዩ: ኣብቲ ኣብ ምድረ⁠-​በዳ ኔገብ ዝርከብ ልሙዕ ቦታ ድማ ባህ ዘብል ጽላል ኢዩ ዝኸውን።

ኦም ተምሪ ከምቲ ኻልእ ዓይነት ዘርኢ ስየ ቀጥ ኢሉ ኢዩ ዝዓቢ። ገሊኡ ክሳዕ 30 ሜትሮ ኣቢሉ ይነውሕ: ን150 ዝኸውን ዓመታት ድማ ፍረ የፍሪ። እወ: ኦም ተምሪ ንዓይኒ ባህ ዘብልን ብዙሕ ፍረ ዘፍርን ኢዩ። ዓመት ዓመት ብዙሕ ዘለላ ተምሪ የፍሪ። ሓደ ዘለላ ጥራይ ከኣ ካብ 1,000 ዝበዝሕ ፍረ ተምሪ ይሕዝ። ሓደ ደራሲ “እቶም . . . ነቒጹ እተዓሸገ ተምሪ ኻብ ድኳናት ዓዲጎም ዝበልዑ ሰባት: ብሓድሹ ኽሳዕ ክንደይ ምቁር ምዃኑ ኽግምትዎ ኣይክእሉን ኢዮም” ኢሉ ጸሓፈ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንገሊኣቶም ሰባት ምስ ኦም ስየ ምምስሳሉ እምበኣር ዝሰማማዕ ኢዩ። ሓደ ሰብ ንኣምላኽ ባህ ዘብሎ ምእንቲ ክኸውን ልክዕ ከም ፍረ ዝህብ ኦም ስየ: ብስነ⁠-​ምግባር ቅኑዕን ብቐጻሊ ጽቡቕ ፍረ ዘፍርን ክኸውን ኣለዎ። (ማቴዎስ 7:⁠17-20) በዚ ምኽንያት እዚ ኣብቲ ሰሎሞን ዝሃነጾ ቤት መቕደስን ህዝቅኤል ብራእይ ዝረኣዮ ቤት መቕደስን ምስሊ ስየታት ከም ስልማት ኰይኑ ተቐሪጹ ነበረ። (1 ነገስት 6:⁠29, 32, 35፣ ህዝቅኤል 40:⁠14-16, 20, 22) ስለዚ ሓደ ሰብ ኣምልኾኡ ብኣምላኽ ተቐባልነት ንኽረክብ ከም ኦም ተምሪ ባህ ዘብል ባህርያት ክህልዎ ኣሎ። ቃል ኣምላኽ “ጻድቕ ከም ስየ ይልምልም” ኢዩ ዝብል።​—⁠መዝሙር 92:⁠12