ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ህይወት ዝህብ ማይ ኣብ ኣንደስ ይውሕዝ ኣሎ

ህይወት ዝህብ ማይ ኣብ ኣንደስ ይውሕዝ ኣሎ

ህይወት ዝህብ ማይ ኣብ ኣንደስ ይውሕዝ ኣሎ

 ኣኽራናት ኣንደስ ብማእከል ፔሩ ሰንጢቑ ብምሕላፍ: ነታ ሃገር ብወገን ምዕራብ ምድሪ ኣጻምእ ዝዀነ ገማግም ውቅያኖስ: ብወገን ምብራቕ ከኣ ሓምላይን ልሙዕን ዱር ከም ዝህልዋ ገይርዋ ኣሎ። ካብቲ 27 ሚልዮን ህዝቢ ፔሩ ልዕሊ ሓደ ሲሶ ኣብዚ ኣኽራናት እዚ ኢዩ ዝነብር። ገሊኣቶም ኣብ በረኽቲ ኸበሳታትን ኣብ ጐኒ እቲ ኣኽራናትን ክነብሩ ኸለዉ ገሊኣቶም ድማ ኣብቲ ዓሚቝን ፍርያምን ስንጭሮ ኢዮም ዝነብሩ።

ኣኽራናት ኣንደስ ሓባጥ ጎባጥ ስለ ዝበዝሖ ናብቲ ቦታ ዝግበር ጕዕዞ ኣጸጋሚ ኢዩ። ስለዚ: እቶም ኣብኡ ዝነብሩ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት በቲ ኣብ ካልእ ቦታታት ዝግበር ፍጻመታትን ምዕባለታትን ዳርጋ ስለ ዘይትንከፉ እተገለሉ ኢዮም።

ንዘራእትን ንኸም ላማ: ኣልፓካ: ቪኩኛ: ከምኡውን ኣባጊዕ ዝኣመሰላ እንስሳታትን ዘድሊ ማይ ንምርካብ: ኣብ ከባቢ ኣፍላጋት ንኣሽቱ ኣቝሻት ተደኲነን ኣለዋ። እንተዀነ ግን: ኣብ ኣንደስ ካልእ ዓይነት ኣገዳሲ ማይ እውን ይውሕዝ ኣሎ፣ እዚ ድማ ካብቲ “ፈልፋሊ ህያው ማይ” ዝዀነ የሆዋ ዝምንጭ ዘርዊ መንፈሳዊ ማይ ኢዩ። (ኤርምያስ 2:⁠13) ኣምላኽ እቶም ኣብ ኣኽራናት ኣንደስ ዝቕመጡ ሰባት ብዛዕብኡን ብዛዕባ ዕላማታቱን ርጡብ ፍልጠት ምእንቲ ኽረኽቡ ንመሰኻኽሩ ይጥቀመሎም ኣሎ።​—⁠ኢሳይያስ 12:⁠3፣ ዮሃንስ 17:⁠3

ኣምላኽ “ዅሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ” ስለ ዝደሊ: እዞም ኣገልገልቲ እዚኣቶም ነቲ ህይወት ዝህብ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ መልእኽቲ ናብቶም ኣብ ኣጸጋሚ ቦታታት ዘለዉ ማሕበረሰባት ንኸብጽሑ ብዙሕ ጻዕሪ ይገብሩ ኣለዉ። (1 ጢሞቴዎስ 2:⁠4) እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ መልእኽቲ: መንፈሳዊ ፍልጠት ዝህብን ኣዝዩ ኽቡርን ኢዩ። ኣብቲ ቦታ ንዝርከቡ ቕኑዕ ልቢ ዘለዎም ሰባት ንምዉታትን እኩያት መናፍስትን ባህርያውያን ሓይልታትን ከም ዝፈርሁ ኻብ ዝገብሮም ሓተታ መናፍስቲ: ልምድታት: ከምኡውን ሓሳባት ሓራ ኣውጺእዎም ኢዩ። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ እዚ መልእኽቲ እዚ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ዘደንቕ ተስፋ ሂብዎም ኢዩ።

ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ

ነዚ ምሕድግ ዝበለ ቦታ ዝበጽሑ ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብዙሕ ምትዕርራያት ክገብሩ ኣለዎም። ንኣልባብ እቲ ህዝቢ ንምትንካፍ: ነቲ ኣብቲ ኸባቢ ዝዝረብ ክልተ ቋንቋታት ማለት ኴቹዋ ወይ ኣይማራ ብመጠኑ ዝፈልጡ ክዀኑ ኣለዎም።

ናብቲ ኣብ ኣንደስ ዝርከብ ኣቝሻት እትገብሮ ጕዕዞ ኣጸጋሚ ኢዩ። ኣብዚ ኸባቢ እዚ ብዙሕ መገዲ ባቡር የለን። ሕማቕ ኵነታት ኣየርን ኣጸጋሚ ቕርጸ⁠-​መሬትን ስለ ዘሎ ኣብቲ ቦታ እቲ ዝግበር ጕዕዞ ሓደገኛ ኢዩ። ከመይ ገይሮም ደኣ ኢዮም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቶም ሰባት መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዘብጽሑሎም፧

ተባዓት ሰበኽቲ ናይቲ ብስራት ከም ኢሳይያስ “እኔኹ ልአኸኒ” ዝብል ምላሽ ብምሃብ ነዚ ብድሆታት እዚ ንኽሰግርዎ ቈሪጾም ኢዮም። (ኢሳይያስ 6:⁠8) ናብ ሰሜናዊ: ማእከላይ: ከምኡውን ደቡባዊ እዚ ኸባቢ እዚ ንምኻድ ሰለስተ ተንቀሳቓሲ ቤት ይጥቀሙ ኣለዉ። እዞም ቀናኣት ፓይነራት ወይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ እዚኣቶም መጽሓፍ ቅዱስን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋትን ዝሓዘ ብዙሕ ካርቶናት ብምምላእ: ነቶም ኣብቲ ኸባቢ ዝርከቡ ምቕሉላት: ተቐበልቲ ኣጋይሽ: ከምኡውን ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ዘርኢ ሓቂ ዘሪኦምሎም ኢዮም።

ብሕልፊ ኣብቲ ኣኽራናት ዘሎ ጥውይዋይ መገዲ ሓደገኛ ኢዩ። እተን ማካይን ናብዝን ናብትን እናተጠዋወያ ኢየን ዝኸዳ። ሓደ እዋን ሓደ ሚስዮናዊ ዝኸደላ ዝነበረ ኣውቶቡስ ክትጥወ ኸላ ሓንቲ ኻብተን ናይ ድሕሪት ጎማኣ ኣብ ጫፍ እቲ ኻብ 190 ሜትሮ ዝዛይድ ቍመት ዘለዎ ሃው ዝበለ ጸድፊ ከም ዘላ ረኣየ! እታ ኣውቶቡስ ካብታ ቦታ ኽሳዕ እትእለ ድማ ኣዒንቱ ዓመተ።

ገሊኡ መገድታት ኣዝዩ ጸቢብ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ሕማቕ ኵነታት ኢዩ ዘሎ። ሓንቲ ኻብተን ተንቀሳቐስቲ ቤት ዝዀነት ማኪና ብጸቢብን ጐዳጕዲ ዝመልኦን ቍልቍለት እናተጓዕዘት ከላ ሓንቲ ዓባይ ማኪና ናብኣ ገጻ መጸት። እታ ተንቀሳቓሲት ቤት እንደገና ንድሕሪት ንዓቐብ ተመልሰት: ተጸጋጊዐን ከኣ ተመሓላለፋ።

ይኹን እምበር: እዚ ብዘይ​ምሕላል እተገብረ ጻዕሪ ዘደንቕ ፍረ ኣፍርዩ ኢዩ። ብዛዕባ እዚ ጻዕርታት እዚ ብዝያዳ ኽትፈልጥዶ ምደለኻ፧

ንቐላይ ቲቲካካ “ማይ ምስታይ”

እቲ ኻብ ጽፍሒ ባሕሪ ኣብ 3,800 ሜትሮ ብራኸ ዝርከብ ኣብ መንጎ ኣኽራናት ኣንደስ ዘሎ ቀላይ ቲቲካካ መራኽብ ክሕዝ ካብ ዝኽእል ኣብ ዓለም ዝርከብ ቀላያት እቲ ዝበረኸ ኢዩ። ብበረድ እተሸፈነ ጫፍ እቲ ኣኽራናት ምንጪ እቲ ናብ ቀላይ ቲቲካካ ዝውሕዝ 25 ኣፍላጋት ኢዩ: ገሊኡ ኣኽራናት ድማ ካብ 6,400 ሜትሮ ዝልዕል ብራኸ ኣለዎ። እዚ ኸኣ ቈራሪ ዅነታት ኣየር ከም ዝህልዎ ኢዩ ዝገብሮ: ንደቂ እቲ ኸባቢ ዘይኰኑ ሰባት ድማ ኣብ ኣኽራናት ክትድይብ ከሎኻ ንዘጋጥም ሕማም ክጻወሩ ኣለዎም።

ቅድሚ እተወሰነ እዋን ቋንቋ ኴቹዋን ኣይማራን ክዛረቡ ዝኽእሉ ገለ ፓይነራት ኣብ ቀላይ ቲቲካካ ዝርከባ ኣማንታኒን ታኪለን ናብ ዝበሃላ ደሴታት ከይዶም ነበሩ። “ንኣብያተ⁠-​ክርስ​ትያን ተጠንቂቕካ ምምርማረን” ዘርእስቱ ንናይ ህዝበ⁠-​ክርስትና ሓሶት ዘቃልዕ ስላይድ ፊልም ምስኦም ተማሊኦም ነበሩ። እዛ ፊልም እዚኣ ጽቡቕ ተቐባልነት ረኺባ ኢያ። ሓደ ሰብኣይ ነቶም ኣሕዋት ሓንጎፋይ ኢሉ ብምቕባል ኣብ ቤቱ ተቐሚጦም መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኽምህሩ ዝሰፍሐት ክፍሊ ሃቦም።

ኣብቲ ኣብ ኣማንታኒ እተገብረ ናይ መጀመርታ ኣኼባ 100 ዝዀኑ ሰባት ክርከቡ ኸለዉ: ኣብ ታኪለ ድማ 140 ተኣከብቲ ነበሩ። እቲ ኣኼባ ብቛንቋ ኴቹዋ ኢዩ ተገይሩ። ኣቐዲሞም ካብተን ደሴታት ወጻኢ ይነብሩ ዝነበሩ ሰብ ሓዳር “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዓና እትዝክርሉ እዋን መጺኡ። ናብዚ ንኽትመጹ ጸሎትና ኢዩ ነይሩ” በሉ።

ኣብ ርእሲ እዘን ክልተ ዓበይቲ ደሴታት እዚኣተን እተን ዳርጋ 40 ዝዀና “ጸምበለል” ዝብላ ደሴታት እውን እቲ ብስራት በጺሕወን ኢዩ። ጸምበለል ዝብላ ደሴታትከ እንታይ ኢየን፧ እዚኣተን ኣብ ዓሚቝ ዘይኰነ ኽፍሊ ናይቲ ቐላይ ብዝበቍል ቶቶራ ዝበሃል ዓይነት ሻምብቆ እተሰርሓ ኢየን። እዚ ዓይነት ሻምብቆ እዚ ካብቲ ማይ ውጽእ ኢሉ ኢዩ ዝዓቢ። እቶም ደቂ እቲ ዓዲ ነተን ደሴታት ንምስራሕ ነቲ ሱሩ ኣብ ታሕቲ ሒዙ ዘሎ ሻምብቆ ዓጺፎም ይኣልምዎ። ድሕርዚ እቲ ቦታ ብጭቃ ይምረግ: ምእንቲ ኽድልድል ድማ ተወሳኺ ሻምብቆታት የንጽፍሉ። ካብኡ ኣብ ልዕሊኡ ብሻምብቆ ገይሮም ኣጕዶ ብምስራሕ ይነብርሉ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቶም ኣብ ደሴታት ቲቲካካ ዝነብሩ ሰባት ንምስባኽ ብሓንቲ ጃልባ ገይሮም ኢዮም ዝንቀሳቐሱ። እታ ጃልባ 16 ሰባት ክትሕዝ ትኽእል ኢያ። ኣብተን ጸምበለል ዝብላ ደሴታት ምስ በጽሑ: ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸዱ ይሰብኩ። መብዛሕትኡ ግዜ እቲ መሬት ለምባእ ለምባእ ከም ዝብሎም ይገልጹ ኢዮም። እዚ ቦታታት እዚ ብቐሊሉ ዕግርግር ንዝብሎም ሰባት ዝኸውን ኣይኰነን።

ኣብ መብዛሕትኡ ገማግምን ሓውሲ ደሴታትን ናይቲ ቐላይ ዝቕመጡ ሰባት ቋንቋ ኣይማራ ኢዮም ዝዛረቡ። ናብዚ ቦታታት እዚ ብመሬት ካብ ምኻድ ብጃልባ ምኻድ ይቐልል። ኣብዚ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብጃልባ ዝበጽሖ ኸባቢ ብድምር ዳርጋ 400,000 ዝዀኑ ሰባት ከም ዘለዉ ይግመት። እተን ጀላቡ ንእተወሰነ እዋን ኣብ ኣገልግሎት ትሑዛት ኰይነን ክቕጽላ ኢየን።

መንፈሳዊ ጽምኢ ንዘለዎም ምርዋይ

ፍላቪዮ ኣብ ጥቓ ሁልያካ እትርከብ ሳንታ ሉሲያ እትበሃል ኣብ ኣንደስ እትርከብ ቍሸት ኢዩ ዝነብር። ኣብታ ዝኸዳ ዝነበረ ወንጌላዊት ቤተ⁠-​ክርስትያን ብዛዕባ ሰረተ⁠-​እምነት መሳቐዪ ሓዊ ተማህረ። ንዘለኣለም ብሓዊ ከይቃጸል ዝብል ፍርሂ ንሓያሎ ዓመታት የሳቕዮ ነበረ። ሓደ ፈቃር ኣምላኽ ከመይ ገይሩ ንሰባት ንዘለኣለም ኣብ ሓዊ የሳቕዮም ኢሉ ወትሩ ይሓስብ ነበረ። ቲቶ ዝበሃል ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ናይ የሆዋ ምስክር ናብታ ቝሸት ምስ ከደ ንፍላቪዮ በጽሖ።

ሓንቲ ኻብተን ፍላቪዮ ዝሓተተን ናይ መጀመርታ ሕቶታት “ሃይማኖትኩም ሰባት ኣብ ሲኦል ይሳቐዩ ኢዮም ኢላ ትምህር ድያ፧” እትብል ነበረት። ቲቶ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሓሳባት ፈጣሪ ዝጸልኦን ንስም እቲ ናይ ፍቕሪ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ጸርፊ ኸም ዘምጽኣሉን ገለጸሉ። ብናይ ፍላቪዮ መጽሓፍ ቅዱስ ገይሩ ድማ ምዉታት ገለ እኳ ኸም ዘይፈልጡን መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ እትገዝኣሉ እዋን ኣብ ምድሪ ኽትንስኡ ምዃኖምን ኣርኣዮ። (መክብብ 9:⁠5፣ ዮሃንስ 5:⁠28, 29) ፍላቪዮ እቲ ዓይኑ ጋሪድዎ ዝነበረ ተቐንጠጠሉ። ብኡንብኡ መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ፍቓደኛ ዀነ: ነዊሕ ከይጸንሐ ድማ ተጠምቀ።

መማሰዊት ቝሸት

መጽሓፍ ቅዱስ ርእዮም ንዘይፈልጡ ተቐማጦ ቝሸት መጽሓፍ ቅዱስ ክትዕድሎም ወይ ከኣ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ወይ ብዛዕባ እቲ ዝሰብክዎ ብስራት ሰሚዖም ንዘይፈልጡ ሰባት ምስባኽ ክሳዕ ክንደይ ዘሐጕስ ምዃኑ እሞ ሕስብ ኣብሎ! እተን ኣብ ማእከላይ ፔሩ ኻብ 3,600 ሜትሮ ኣብ ዝዛይድ ብራኸ ንዝርከባ ኢዝኩቻካን ኮናይካን ዝበሃላ ኣቝሻት ዝሰበኻ ሮዛ: ኣሊስያ: ከምኡውን ሰሲልያ ዝበሃላ ሰለስተ ፓይነራት ከምዚ ዝኣመሰለ ተመክሮ ኢዩ ኣጋጢምወን።

ኣብታ ዝበጽሓኣ ናይ መጀመርታ ቝሸት መሕደሪ ኣይነበረንን። ንሓደ ናይቲ ኸባቢ ሓላፊ መደበር ፖሊስ መምጽኢአን ብምጥቃስ ኣዘራረብኦ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ኣብቲ መደበር ፖሊስ ክሓድራ ፈቐደለን። ንጽብሒቱ ድማ ከም ማእከል ኣገልግሎተን ገይረን ዝጥቀማሉ ቤት ረኸባ።

ነዊሕ ከይጸንሐ ዓመታዊ በዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ኣርከበ። ክሳዕ እቲ ግዜ እቲ እተን ፓይነራት ንዅለን ኣብ ቍሸት ኢዝኩቻካ ዝርከባ ኣባይቲ ብምብጻሕ ሓያሎ መጽሓፍ ቅዱስ ኣበርኪተንን ብዙሓት ጽንዓታት ረኺበንን ነበራ። ቅድሚ እቲ በዓል ዝኽሪ ዕላማ እቲ በዓል እናሓበራ ከምኡውን እቲ ሽዑ ዝጥቀማሉ ቕጫን ወይንን ንምንታይ ከም ዘመልክት እናገለጻ ናይ ዕድመ ወረቐት ዓደላ። ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ንኽሕግዝወን ገለ ኣሕዋት ተዓዲሞም ነይሮም: ሓደ ኻባታቶም ድማ ዝርርብ ኣቕረበ። ካብታ ንእሽቶ ቝሸት 50 ሰባት ኣብዚ ፍሉይ ኣጋጣሚ እዚ ተኣኪቦም ምንባሮምሲ ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ዘሐጕስ ኰን ኢዩ! ንመጀመርታ ግዜ ድራር ጐይታ ብሓቂ እንታይ ማለት ምዃኑ ኽርድኡ ኸኣሉ። መጽሓፍ ቅዱስ ክረኽቡ ምኽኣሎም እውን ዓቢ ነገር ኢዩ!

ካብ ከቢድ ጾር ዕረፍቲ ምርካብ

ነቶም ምሩኻት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ዘርዊ ማይ ሓቂ ምብጻሕ ዘሐጕስ ኢዩ። ፒሳክ ዕርዲ ሃጸይ ኢንካ ኢያ ነይራ። መብዛሕትኦም ኣብኣ ዝነብሩ ሰባት ነቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ ዘይኰነ ብዛዕባ መሳቐዪ ሓዊ ዝገልጽ ትምህርትታት ተማሂሮም ኢዮም። ካህናቶም ብእኦም ኣቢሎም እንተ ዘይኰይኑ ናብ ሰማይ ክኸዱ ከም ዘይክእሉ ኢዮም ምሂሮምዎም።

እዞም ኣብዚ ኸባቢ እዚ ዝነብሩ ሰባት ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ዘርዊ ሓቂ ምህራፎም እምበኣር ኣየገርምን ኢዩ። ሳንቲያጎ ዝበሃል ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ቤት ናብ ቤት እናሰበኸ ኸሎ ጻድቃን ኣብ ገነታዊት ምድሪ ኽነብሩ ምዃኖም ንሓደ ሰብኣይ ገለጸሉ። (መዝሙር 37:⁠11) ምዉታት ከም ዝትንስኡን ደቅሰብ ዘለኣለማዊ ህይወት ንምርካብ ነቲ ፍጹም መገድታት የሆዋ ኸም ዝማሃሩን ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣርኣዮ። (ኢሳይያስ 11:⁠9) እቲ ሰብኣይ ክሳዕ እቲ ግዜ እቲ ውፉይ ሰዓቢ እምነት ካቶሊክ ነበረ: ኣብ ሓተታ መናፍስቲ እተጸምደን ሰታይን እውን ኢዩ ነይሩ። ድሕርዚ ግን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ኣብ ገነት ናይ ምንባር ተስፋ ረኸበ: ሸቶኡ ድማ ገበሮ። ንዅሉ እቲ ንሓተታ መናፍስቲ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ኣቝሑቱ ኣንደዶ: መስተ ኻብ መጠን ንላዕሊ ምስታይ ድማ ገደፎ። ምስ ስድራ​ቤቱ ብሓባር መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ድማ ፍቓደኛ ዀነ። ድሕሪ ግዜ: ኵሎም ኣባላት እታ ስድራ​ቤት ህይወቶም ንየሆዋ ኣምላኽ ወፍዮም ተጠምቁ።

ተቐበልቲ ጋሻ

እቶም ኣብ ኣኽራናት ዝነብሩ ሰባት ተቐበልቲ ጋሻ ኢዮም። እቶም ህዝቢ ንኣሽቱ ኣባይቲ ዘለዎምን ድኻታትን እኳ እንተዀኑ: ንበጻሕቶም እታ ዘላቶም ኢዮም ዘቕርቡሎም። ብዛዕባ እቲ ልዑል ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ቅድሚ ምምሃሮም እቲ ጋሻ እናሓየኸ ምእንቲ ኸዕልሎም ኮካ ዝበሃል ዘደንዝዝ ኣቝጽልቲ የቕርብሉ ነበሩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ኰኑ ግን ሓንቲ ማንካ ሽኮር ኢዮም ንጋሽኦም ዘቕርቡሉ: እዚ ድማ ኣብ ምሕድግ ዝበለ ቦታታት ዋግኡ ማዕረ እቲ ኮካ ኢዩ።

ሓደ ሓው ተመላሊስካ ምብጻሕ ክገብር ክኸይድ ከሎ ንሓደ ሚስዮናዊ ምስኡ ክኸይድ ሓተቶ። ነዊሕ ጎቦ ድሕሪ ምድያቦም ናብታ ቤት ምስ ቀረቡ ኣጣቕዑ። ናብታ ኣጕዶ ‘እተዉ’ ምስ ተባህሉ: ኣፍ ደጊኡ ሓጺር ስለ ዝዀነ ድንን ኢሎም ኣተዉ። እታ ኣደ ኣብቲ ምድሪ ቤት ጕድጓድ ኵዒታ ኾቦርታ ድሕሪ ምንጻፍ ነቲ ሕጻና ኣብኡ ኣእትያቶ ስለ ዝነበረት: እናተጠንቀቑ ናብ ማእከል እቲ ረሲሑ ዝነበረ ቤት ኣተዉ። እቲ ቘልዓ ኽወጽእ ዘይክእል እኳ እንተ ነበረ: እቶም ዓበይቲ ኽዘራረቡ ኸለዉ ንበይኑ ይጻወት ነበረ። ጽቡቕ ምይይጥ ድሕሪ ምግባር: እታ ሰበይቲ ብንውሕ ዝበለ መቕድሒ ማይ ናይቲ ዓዲ ባህላዊ መስተ ኣምጽአትሎም። እቶም ኣሕዋት ነዊሕ ከይጸንሑ ኸኣ ንኻልኦት ንምብጻሕ ናብቲ ኣብ ጎኒ እቲ ኸረን ዝርከብ ኣባይቲ ኸዱ።

ኣዝዩ ብዙሕ ፍረ

ሕጂ ኣብዚ ቦታ እዚ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ዝግበረሎም ሽሕ ዝዀኑ ሰባት ዝርከብወን ልዕሊ ሚእቲ ዝዀና ጕጅለታት ኣለዋ። ካብቲ ኣብ ሊማ ዝርከብ ናይ ኣገልገልቲ ምድላው ቤት ትምህርቲ ዝምረቑ ኣሕዋት: እዘን ጕጅለታት እዚኣተን ዓብየን ጉባኤታት ንኽዀና ምእንቲ ኽሕግዝወን ይለኣኹ ኣለዉ። ንነዊሕ እዋን ኣብ ትሕቲ ምርኮ ናይ ሓሶት ሃይማኖትን ሓተታ መናፍስትን ዝነበሩ ቕኑዕ ዝልቦም ሰባት: በቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ሓራ ይወጹ ኣለዉ! (ዮሃንስ 8:⁠32) ንማይ ሓቂ ዝነበሮም ጽምኢ ድማ የርውዩ ኣለዉ።

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ኣብተን ኣብ ቀላይ ቲቲካካ ዝርከባ “ጸምበለል” ዝብላ ደሴታት ክሰብኩ ኸለዉ