ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሓጐስ ዝመልኣ ዓለም—ብኸመይ፧

ሓጐስ ዝመልኣ ዓለም—ብኸመይ፧

ሓጐስ ዝመልኣ ዓለም​—⁠ብኸመይ፧

 መጽሔት ታይም “ኣብዘን ዝሓለፋ ኽልተ ሽሕ ዓመታት ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ብምሉኡ ታሪኽ ወድሰብ እቲ ልዕሊ ዅሉ ጽልዋ ዘለዎ ኣካል የሱስ ብዓል ናዝሬት ኢዩ” በለት። የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ዓቢ ምዃኑ ጥራይ ዘይኰነስ ሓላዪ ምዃኑ እውን ተገንዚቦም ኢዮም። ስለዚ ንጉስ ክገብርዎ እንተ ደለዩ ኣየገርምን ኢዩ። (ዮሃንስ 6:⁠10, 14, 15) እንተዀነ ግን: ከምቲ ኣብዛ ኣቐዲማ ዘላ ዓንቀጽ ተጠቒሱ ዘሎ የሱስ ኣብ ፖለቲካ ምእታው ኣበየ።

ሱስ ዘርኣዮ ምላሽ እንተ ወሓደ ኣብ ሰለስተ ረቛሒታት እተመስረተ ኢዩ ነይሩ:- እዚ ኸኣ ኣብቲ ኣቦኡ ንሰብኣዊ ኣገዛዝኣ እውን ሓዊስካ ደቅሰብ ኣብ ዝገብርዎ ርእሰ⁠-​ውሳነ ዘለዎ ኣረኣእያ፣ ደቅሰብ ብጽቡቕ ንምምሕዳር ኣብ ዝገብርዎ ጻዕሪ እውን ከይተረፈ ብዓይኒ ዘይረኣዩ ብርቱዓት ሓይልታት ኣንጻሮም ዝዓዩ ምዃኖም ምፍላጡ፣ ከምኡውን ሰማያዊት መንግስቲ ንምልእቲ ምድሪ ኸተመሓድራ ዕላማ ኣምላኽ ምዃኑ ኢዩ። ነዚ ሰለስተ ነጥብታት ተጠንቂቕና ምስ እንምርምሮ: ሰባት ንዓለም ንምምሕያሽ ዝገብርዎ ጻዕሪ ንምንታይ ከም ዝፈሸለ ኽንርኢ ኢና። በንጻሩ ብኸመይ ኣሳልጦ ኸም ዝርከብ እውን ክንርኢ ኢና።

ደቅሰብ ገዛእ ርእሶም ከመሓድሩዶ ይኽእሉ ኢዮም፧

ኣምላኽ ንሰባት ምስ ፈጠሮም ንእንስሳታት ከመሓድሩ ስልጣን ሃቦም። (ዘፍጥረት 1:⁠26) ደቅሰብ ግን ኣብ ትሕቲ እቲ ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎ ኣምላኽ ኢዮም ነይሮም። እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ፍረ ናይታ “ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም” ብዘይ​ምብላዕ ንኣምላኽ ዘለዎም ተኣዛዝነት ከርእዩ ነበሮም። (ዘፍጥረት 2:⁠17) እቲ ዘሕዝን ግን: ኣዳምን ሄዋንን ነቲ ናጻ ስነ⁠-​ምግባራዊ ኣተሓሳስባኦም ብምዕምጻጽ ንኣምላኽ ኣይተኣዘዙን። ካብታ እተኸልከለት ፍረ ምብልዖም ስርቂ ጥራይ ዘይኰነስ ካብ ሉዓላውነት ኣምላኽ እውን ምዕላው ኢዩ ነይሩ። ኣብ ዘ ኒው ጀሩሳሌም ባይብል ዝርከብ ናይ ዘፍጥረት 2:⁠17 እግረ⁠-​ጽሑፍ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “[ኣዳምን ሄዋንን] ብስነ⁠-​ምግባር ምሉእ ሓርነት ክወሃቦም ደለዩ: በዚ ኸኣ ወድሰብ ከም ፍጡር መጠን ዘለዎ ደረጃ ምቕባል ኣበየ። . . . እቲ መጀመርታ እተፈጸመ ሓጢኣት ኣብ ሉዓላውነት ኣምላኽ እተፈነወ መጥቃዕቲ ኢዩ ነይሩ።”

ንስነ⁠-​ምግባር ዝምልከት ከበድቲ ጕዳያት ስለ እተላዕለ: ኣምላኽ ንኣዳምን ሄዋንን ዘርኦምን ዝደለይዎ ዓይነት ኣነባብራ ኽመርጹ ፈቐደሎም፣ ንሳቶም ድማ ናይ ገዛእ ርእሶም መለክዒታት ጽቡቕን ክፉእን ኣቘሙ። (መዝሙር 147:⁠19, 20፣ ሮሜ 2:⁠14) ብኻልእ ኣበሃህላ: ሰባት ርእሰ⁠-​ውሳነ እናገበሩ ኽነብሩ ዝኽእሉ እንተ ዀይኖም ክፍትኑ ጀመሩ። ኣብዚ ጕዳይ እዚ ግን ኣሳልጦ ረኺቦም ድዮም፧ ዝሓለፈ ኣሽሓት ዓመታት ምልስ ኢልና ኽንሪኦ ኸሎና: መልሱ ኣይረኸቡን ዝብል ኢዩ! መክብብ 8:⁠9 ‘ሰብ ኣብ ልዕሊ ሰብ ንጕድኣቱ ከም ዝስልጥን’ ትነግረና። እዚ ዘሕዝን ታሪኽ ዝመልኦ ሰባት ገዛእ ርእሶም ንምምሕዳር ዝገበርዎ ጻዕሪ: ንሓቅነት ናይታ “ጐይታየ: መገዲ ሰብ ካብ ርእሱ ኸም ዘይኰነ: እቲ ዚመላለስውን ስጓሜኡ ኬቕንዕ ዓቕሚ ኸም ዜብሉ: እፈልጥ አሎኹ” እትብል ኤርምያስ 10:⁠23 ዘረጋግጽ ኢዩ። ሰባት ካብ ፈጣሪኦም ተፈልዮም ብዕዉት መገዲ ኸመሓድሩ ኸም ዘይክእሉ ኣብ ታሪኽ ተራእዩ ኢዩ።

የሱስ ምስዚ ሓሳብ እዚ ምሉእ ብምሉእ ይሰማማዕ ኢዩ። ካብ ኣምላኽ ተፈሊኻ ምንባር ዝብልዎ ሓሳብ ኣብ ቅድሚኡ ፍንፉን ኢዩ። ‘ካብ ርእሰይ ሓንቲ ኣይገብርን ኢየ። ኵሉ ሳዕ ንኣምላኽ ባህ ዘብሎ ኢየ ዝገብር’ በለ። (ዮሃንስ 4:⁠34፣ 8:⁠28, 29) ስለዚ: ኣምላኽ ከየፍቀደሉ ኻብ ሰባት ስልጣን ክቕበል ዝብልዎ ሓሳብ ፈጺሙ ኣብ ልቡ ኣየእተዎን። ከምዚ ኽበሃል ከሎ ግን ንደቅ​ሰብ ንምሕጋዝ ድሕር ምሕር ይብል ነይሩ ማለት ኣይኰነን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ ሰባት ሽዑን ኣብ መጻእን ዓቢ ሓጐስ ንኽረኽቡ ኣብ ምሕጋዝ ዝከኣሎ ዅሉ ገይሩ ኢዩ። ህይወቱ እውን ከይተረፈ ኣብ ክንዲ ደቅሰብ ኣሕሊፉ ኢዩ። (ማቴዎስ 5:⁠3-11፣ 7:⁠24-27፣ ዮሃንስ 3:⁠16) እንተዀነ ግን: ‘ንዅሉ ዘዘመኑ ስለ ዘለዎ:’ ኣምላኽ ኣብ ደቅሰብ ሉዓላውነቱ ዘረጋግጸሉ እዋን እውን ግዚኡ ኸም ዘለዎ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። (መክብብ 3:⁠1፣ ማቴዎስ 24:⁠14, 21, 22, 36-39) እቶም ቀዳሞት ወለድና ኣብ ኤደን ነቲ ብተመን ኣቢሉ እተዛረቦም እኩይ መንፈሳዊ ፍጥረት ከም ዝሰምዑ ግን ኣይትረስዕ። እዚ ድማ ናብቲ የሱስ ኣብ ፖለቲካ ኢዱ ዘየእተወሉ ኻልኣይ ምኽንያት የመሓላልፈና።

እቲ ስዉር ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ

የሱስ ሓንሳእ ፍግም ኢሉ እንተ ሰጊዱሉ: “መንግስታት ኵላ ዓለምን ክብረተንን” ክህቦ ምዃኑ ሰይጣን ኸም እተዛረበ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና ኢዩ። (ማቴዎስ 4:⁠8-10) ብመሰረቱ የሱስ ገዛእ ዓለም ናይ ምዃን ኣጋጣሚ ኢዩ ቐሪቡሉ ነይሩ: እንተዀነ ግን ነዚ ንምርካብ ነቲ ድያብሎስ ዝሓተቶ ቕድመ⁠-​ዅነት ከማልእ ነበሮ። የሱስ በዚ ፈተና እዚ ኣይወደቐን። ብሓቂ ግን እዚ ፈተና ድዩ ነይሩ፧ ሰይጣን ከምዚ ዝኣመሰለ ዓቢ ነገር ክህብ ይኽእልዶ ነይሩ ኢዩ፧ እወ: የሱስ ባዕሉ እኳ ደኣ ንድያብሎስ “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” ኢሉዎ: ሃዋርያ ጳውሎስ እውን “ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ” ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ።​—⁠ዮሃንስ 14:⁠30፣ 2 ቈረንቶስ 4:⁠4፣ ኤፌሶን 6:⁠12

ልክዕ ኢዩ: ድያብሎስ ንደቅ​ሰብ ሓልዩ ኸም ዘይኰነ የሱስ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ንሰይጣን “ቐታል ነፍሲ” ከምኡውን “ኣቦ ሓሶት ጥራይ ዘይኰነስ ኣቦ ዅሉ ሓሶት” ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ። (ዮሃንስ 8:⁠44 ዘ ኣምፕሊፋይድ ባይብል ) በዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ እኩይ መንፈስ “ተትሒዛ” ዘላ ዓለም ናይ ሓቂ ሓጐስ ክህልዋ ኸም ዘይክእል እተረጋገጸ ኢዩ። (1 ዮሃንስ 5:⁠19) እንተዀነ ግን: ድያብሎስ ንሓዋሩ ነዚ ስልጣን እዚ ሒዙ ኣይክቕጽልን ኢዩ። እቲ ሕጂ ሓያል መንፈሳዊ ፍጡር ኰይኑ ዘሎ የሱስ ንሰይጣን ክኣልዮን ጽልዋ ኸም ዘይብሉ ኽገብሮን ኢዩ።​—⁠እብራውያን 2:⁠14፣ ራእይ 20:⁠1-3

ሰይጣን እውን ከም ገዛኢ እዛ ዓለም ኰይኑ ዝጸንሓሉ ግዜ ይጽንቀቕ ከም ዘሎ ይፈልጥ ኢዩ። ስለዚ: ከምቲ ቕድሚ እቲ ብግዜ ኖህ ዝወረደ ማይ ኣይሂ ዝገበሮ: ሰባት ናብ ጥዑይ መገዲ ኸም ዘይምለሱ ገይሩ ንኸበላሽዎም ዝከኣሎ ዅሉ ይገብር ኣሎ። (ዘፍጥረት 6:⁠1-5፣ ይሁዳ 6) ራእይ 12:⁠12 “ኣቱም ምድርን ባሕርን ግና: ድያብሎስ ቅሩብ ዘመን ከም ዘለዎ ፈሊጡ: ብብርቱዕ ቍጥዓ ወሪዱኩም አሎ እሞ: ወይለኹም” ኢያ እትብል። ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስን ፍጻመታት ዓለምን ናብ መደምደምታ ናይዚ “ቅሩብ ዘመን” እዚ ገጽና ቐሪብና ኸም ዘሎና ይሕብር ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠1-5) ራህዋ ዝመጸሉ ግዜ ቐሪቡ ኢዩ።

ሓጐስ እተምጽእ መንግስቲ

የሱስ ኢዱ ኣብ ፖለቲካ ዘየእተወሉ ሳልሳይ ምኽንያት: ኣምላኽ ኣብ ዝመደቦ ግዜ ኣምላኽ ንምድሪ እተመሓድር ሰማያዊት መንግስቲ ከቕውም ምዃኑ ይፈልጥ ብምንባሩ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ነዛ መንግስቲ እዚኣ መንግስቲ ኣምላኽ ብምባል ኢዩ ዝጽውዓ: ቀንዲ ኣርእስቲ ትምህርትታት የሱስ ድማ ኢያ ነይራ። (ሉቃስ 4:⁠43፣ ራእይ 11:⁠15) የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ እታ መንግስቲ ምእንቲ ኽትመጽእ ክጽልዩ መሃሮም: ከመይሲ ሽዑ ጥራይ ኢዩ ‘ፍቓድ ኣምላኽ ከምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ዝኸውን።’ (ማቴዎስ 6:⁠9, 10) ‘እዛ መንግስቲ እዚኣ ንምልእቲ ምድሪ ኸተመሓድራ እንተድኣ ዀይና: እተን ብደቅ​ሰብ ዝቘማ መንግስታት ደኣ እንታይ ክዀና ኢየን፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን።

መልሲ ናይዚ ኣብ ዳንኤል 2:⁠44 ኢዩ ዝርከብ፣ ከምዚ ኸኣ ይብል:- “ብዘመን እዞም [ኣብ መወዳእታ እዚ ኣገባብ እዚ ዘለዉ] ነገስታት እዚኣቶም ኣምላኽ ሰማይ ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእን: ግዝኣታ ኸኣ ንኻልእ ህዝቢ ዘይውሀብን መንግስቲ ኼተንስእ እዩ። ንዅለን እዘን [ብሰብ ዝቘማ ] መንግስትታት እዚኣተን ክትጭፍልቐንን ከተጥፍኤንን እያ: ንሳ ግና ንዘለኣለም ክትቀውም እያ።” (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) መንግስቲ ኣምላኽ ንምድራውያን መንግስታት “ክትጭፍልቐን” ዘድለየ ስለምንታይ ኢዩ፧ ምኽንያቱ ነቲ ሰይጣን ኣብ ገነት ኤደን ዘለዓዓሎ ንኣምላኽ ዝጻረር ናይ ርእሰ⁠-​ውሳነ መንፈስ ንኽቕጽል የተባብዓ ኢየን። እቶም ነዚ መንፈስ እዚ ቐጻሊ ኸም ዝኸውን ንምግባር ዝጽዕሩ: ንደቅ​ሰብ ዝጐድእ ነገር ይዓዩ ጥራይ ዘይኰነስ ምስ ፈጣሪ እውን ይጋጨዉ ኢዮም። (መዝሙር 2:⁠6-12፣ ራእይ 16:⁠14-16) ስለዚ ‘ንኣምላኽ ንግዝኦ ዲና ወይስ ኣንጻሩ ኢና ዘሎና፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትት ይግባእ።

ናይ መን ሉዓላውነት ክኽበር ኢኻ እትደሊ፧

ሰባት ብዛዕባ ኣገዛዝኣ ተላዒሉ ዘሎ ጕዳይ የማኖምን ጸጋሞምን ፈሊጦም ምእንቲ ኽመርጹ: የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ቅድሚ እዚ ኣገባብ እዚ ምጥፍኡ “ወንጌል መንግስቲ . . . ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም” ክሰብኩ መዘዞም። (ማቴዎስ 24:⁠14) ሎሚ ኣብ መላእ ዓለም ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ብምስባኽ እተፈልጡ መን ኢዮም፧ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢዮም። እዚ መጽሔት እዚ እውን ኣብ ገበሩ “መንግስቲ የሆዋ ዝእውጅ” ዝብል ቃላት ሒዙ ካብ ዝወጽእ ነዊሕ ዓመታት ገይሩ ኢዩ። ሎሚ ኣብ ልዕሊ 230 ሃገራት ዝርከቡ ሽዱሽተ ሚልዮን ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሰባት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ርጡብ ፍልጠት ንኸጥርዩ ይሕግዝዎም ኣለዉ። a

ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዝረኽብዎ በረኸት

የሱስ ንዅሉ ተግባራቱ ኣምላኽ ብዝሰምሮ መገዲ ኢዩ ዝገብሮ ነይሩ። ስለዚ: ብርእሱ ኣብ ክንዲ ዝመላለስን ነዚ ዘሎ ኣገባብ ብፖለቲካዊ መዳይ ክድግፍ ወይ ከመሓይሽ ኣብ ክንዲ ዝጽዕርን: ረብሓታት ናይታ በይና መፍትሒ ጸገማት ዓለም ዝዀነት መንግስቲ ኣምላኽ ንምድንፋዕ ኣበርቲዑ ዓየየ። ብዘርኣዮ ተኣማንነት ኣብቲ ኣብ ሰማይ ዝርከብ ግርማዊ ዙፋን ተቐሚጡ ንጉስ ናይታ መንግስቲ እቲኣ ናይ ምዃን ዓስቢ ተዋህቦ። ንኣምላኽ ዝግዛእ ብምዃኑ ኣየ ኸመይ ዝበለ ዘደንቕ ዓስቢ ኰን ኢዩ ዝረኸበ!​—⁠ዳንኤል 7:⁠13, 14

ሎሚ ዘለዉ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት እውን ንመንግስቲ ኣምላኽ ቀዳምነት ብምሃቦምን ንፍቓድ ኣምላኽ ብምእዛዞምን ዘደንቕ ውህበት ተዋሂብዎም ኣሎ፣ እዚ ድማ ምድራውያን ተገዛእቲ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምዃን መሰል ኢዩ። (ማቴዎስ 6:⁠33) ኣብ ትሕቲ እቲ ፍቕራዊ ምምሕዳር ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ሒዞም ናብ ሰብኣዊ ፍጽምና ኽበጽሑ ኢዮም። (ራእይ 21:⁠3, 4) ቀዳማይ ዮሃንስ 2:⁠17 “ዓለም ትሐልፍ እያ: ፍትወታ ኸኣ: እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር” ትብለና። ሰይጣንን ሰዓብቱን ስለ ዝጠፍኡ: ምድሪ ድማ ካብ ዝፈላሊ ሃገራውነትን ብልሽውና ዝመልኦ ንግድን ናይ ሓሶት ሃይማኖትን ዝጸረየት ገነት ስለ እትኸውን: ኣብኣ ንዘለኣለም ምንባር ክሳዕ ክንደይ ዘሐጕስ ኰን ክኸውን ኢዩ!​—⁠መዝሙር 37:⁠26፣ 72:⁠16

እወ: ናይ ሓቂ ሓጐስ ዝመልኣ ዓለም ከተምጽእ እትኽእል መንግስቲ ኣምላኽ ኢያ: እቲ ብዛዕባኣ ዝእወጅ መልእኽቲ ድማ ብስራት ክበሃል ዝግብኦ ኢዩ። ክሳዕ ሕጂ ነዚ መልእኽቲ እንተ ዘይተቐቢልካዮ: ኣብ ዝቕጽል ግዜ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ቤትካ ኽመጹ ኸለዉ ንምንታይ ነቲ ብስራት ዘይትቕበሎ፧

[እግረ-ጽሑፍ]

a ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ጐኒ መንግስቲ ኣምላኽ ስለ ዝቘሙ: ኣብተን ዝኣገዳኦም ወይ መስጐጕቲ ኣብ ዘውርዳሎም ሃገራት እውን ከይተረፈ ኣብ ፖለቲካ ኣይኣትዉን ወይ ድማ ካብ ዓለማውያን መንግስታት ኣይዓልዉን ኢዮም። (ቲቶስ 3:⁠1) ኣብ ክንድኡስ: ከምቲ የሱስን ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቱን ዝገብርዎ ዝነበሩ ጠቓምን መንፈሳውን ካብ ፖለቲካ ናጻ ዝዀነን ኣበርክቶ ይገብሩ ኢዮም። ነቶም ኣብ እተፈላለየ ማሕበረሰብ ዝርከቡ ቕኑዕ ዝልቦም ሰባት ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ከም ናይ ስድራ​ቤት ፍቕሪ: ቅንዕና: ስነ⁠-​ምግባራዊ ንጽህና: ከምኡውን ጽቡቕ ናይ ስራሕ ስነ⁠-​ምግባር ዝኣመሰለ ጠቓሚ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት ንኽቕበልዎ ኽሕግዝዎም ይጽዕሩ ኢዮም። ብቐዳምነት: ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ክስዕቡ ኸም ዝኽእሉን ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ናይ ደቅሰብ ርግጽ ተስፋ ገይሮም ንኽርእይዋን ክምህርዎም ኢዮም ዝጽዕሩ።

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ሰባት ካብ ኣምላኽ ተፈልዮም ብዕዉት መገዲ ኸመሓድሩ ኸም ዘይክእሉ ኣብ ታሪኽ ተራእዩ ኢዩ

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ሰይጣን ገዛኢ “እዛ ዓለም እዚኣ” ስለ ዝዀነ ንየሱስ “መንግስታት ኵላ ዓለም” ክህበካ ኽብሎ ኸኣለ

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ እተመሓድረሉ እዋን ዓለም ባህ እተብል ከም እትኸውን የሱስ መሃረ