ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

 ቀዳማይ ነገስት 8:⁠8 ነቲ ታቦት ኪዳን ንምጻር ዘገልግል መሰላታት ኣብ መቕደስ ማለት ኣብታ ቕድስቲ ዄንካ ይርአ ምንባሩ ስለ እትገልጽ ኣቀማምጣ እቲ መሰላታት ከመይ ኢዩ ነይሩ፧

የሆዋ ንሙሴ ኣብ በረኻ ነታ ማሕደር ንኽሰርሕ ካብ ዝሃቦ ኣገዳሲ ንድፊ ሓደ ብዛዕባ እቲ ታቦት ኪዳን ኢዩ ነይሩ። እዚ ብወርቂ እተለበጠ ኸብሒ ዝመስል ታቦት: ጽላት ሕግን ካልእ ነገራትን ዝሓዘ ኢዩ ነይሩ። ኣብታ ቅድስተ ቅዱሳን ተባሂላ እትፍለጥ ውሽጣዊት ክፍሊ ኢዩ ኸኣ ዝቕመጥ ነይሩ። ኣብ መኽደን እቲ ታቦት ክልተ ኣኽናፎም ልዕል ኣቢሎም ዝዘርግሑ ብወርቂ እተሰርሑ ምስሊ ኪሩቤል ነበሩ። እቲ ታቦት በቲ ኻብ ዕንጨይቲ ሽጢም ተሰሪሑ ብወርቂ እተለበጠ መሰላታት ምእንቲ ኽጽወር ብኽልቲኡ ሸነኹ ቐላብቲ ነበሮ። እቲ መሰላታት ኣብ ጎኒ እቲ ታቦት ኣብቲ ቐላብቲ ይኣቱ ምንባሩ ርዱእ ኢዩ። ስለዚ እቲ ታቦት ኣብታ ቅድስተ ቅዱሳን ናብ ምብራቕ ገጹ ኣቢሉ ብግቡእ እንተ ተቐሚጡ እቲ መሰላታት ናብ ሰሜንን ደቡብን ኣቢሉ ኢዩ ዝዝርጋሕ። ኣብታ ሰሎሞን ዝሃነጻ ቤት መቕደስ እውን እቲ ታቦት ከምዚ ዓይነት ኣቀማምጣ ኢዩ ነይርዎ።​—⁠ዘጸኣት 25:⁠10-22፣ 37:⁠4-9፣ 40:⁠17-21 a

ኣብ መንጎ እታ ቅድስተ ቅዱሳንን እታ ቅድስትን (ደጋዊ ኽፍሊ) መጋረጃ ነበረ። ኣብታ ቅድስቲ ዘለዉ ኻህናት ናብ ውሽጢ እታ ኣምላኽ ዝገሃደላ ቅድስተ ቅዱሳን ኰነ ነቲ ታቦት ክርእይዎ ኣይክእሉን ኢዮም ነይሮም። (እብራውያን 9:⁠1-7) ስለዚ 1 ነገስት 8:⁠8 “ጫፍ እቲ መሰላታት ከኣ ኣብ ቅድሚ ቤት ራእይ ኣብ መቕደስ ኴንካ ኽሳዕ ዚርኤ: እቲ መሰላታት ነዋሕቲ ነበረ: ብወጻኢ ግና ኣይርኤን ነበረ” ምባላ ዘደናግር ክመስል ይኽእል። ኣብ 2 ዜና መዋእል 5:⁠9 እውን ተመሳሳሊ ሓሳባት ተጠቒሱ ኣሎ። እቲ መሰላታት ኣብታ ቅድስቲ ናይቲ ቤት መቕደስ ንዘሎ ሰብ ብኸመይ ክረኣዮ ይኽእል፧

ገሊኣቶም እቲ መሰላታት ነቲ መጋረጃ ይትንክፎ ስለ ዝነበረ ውጥውጥ ኢሉ ይርአ ነይሩ ዝብል ሓሳብ ኣለዎም። እንተዀነ ግን: ኣንፈት እቲ መሰላታት ናብ ሰሜንን ደቡብን ኣቢሉ ብምንባሩ ምስቲ መጋረጃ ተመዓዳዳዊ ስለ ዝነበረ እዚ ክኸውን ዘይክእል ኢዩ። (ዘሁልቍ 3:⁠38) ካብዚ ዝሓይሽ መግለጺ ግን ኣሎ። ኣብ መንጎ እቲ መጋረጃን መንደቕ ናይታ ቤት መቕደስን ቁሩብ ክፍት ዝበለ እንተድኣ ነይሩ ዀይኑ ወይ እቲ ሊቀ ኻህናት ናብታ ቅድስተ ቅዱሳን ኣብ ዝኣትወሉ እዋን እቲ መሰላታት ይርአ ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እቲ መጋረጃ ነቲ ታቦት ይኽውሎ ነይሩ ኢዩ: እቲ ናብ ክልቲኡ ወገን ተዘርጊሑ ዝነበረ መሰላታት ግን በቲ ኽፋት ኣቢሉ ይርአ ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እዚ መግለጺ እዚ ርትዓዊ እኳ እንተዀነ: ሃሜናዊ ባህርይ ግን ክንሕዝ የብልናን።

ገና ብዙሕ ዘይንፈልጦ ዝርዝር ነገራት ከም ዘሎ ንጹር ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ናብ እብራውያን ኣብ ዝለኣኻ መልእኽቱ ብዛዕባዚ ገለ መዳያት ጠቒሱ ነይሩ። ኣስዒቡ “ብዛዕባዚ ሕጂ በብናቱ ኽንዛረበሉ ዘይኰነልና እዩ” በለ። (እብራውያን 9:⁠5) ኣብ መጻኢ እሙናት ሰባት ምስ ተንስኡ: ብዛዕባ ንድፍን ኣገልግሎትን ናይቲ ማሕደር ካብቶም ብዓይኖም ዝረኣይዎ ከም ሙሴ: ኣሮን: በሳልኤል: ከምኡውን ካልኦት ከምኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ናይ ምፍላጥ ዘሐጕስ ኣጋጣሚ ኽንረክብ ኢና።​—⁠ዘጸኣት 36:⁠1

[እግረ-ጽሑፍ]

a እቲ ታቦት ኣብ ውሽጢ ማሕደር ኣብ ቦትኡ ክቕመጥ ከሎ እውን ከይተረፈ እቲ መሰላታት ካብቲ ቐላብቲ ኣይወጽእን ነበረ። ስለዚ: እቲ መሰላታት ንኻልእ መዓላ ኣይውዕልን ኢዩ ነይሩ። ብተወሳኺውን እቲ ታቦት ክትንከፍ ኣይነበሮን፣ እቲ መሰላታት ካብቲ ቐላብቲ ዝወጽእ ነይሩ እንተ ዝኸውን: ጕዕዞ ኣብ ዝገብሩሉ ዘበለ እዋን ነቲ መሰላታት ናብቲ ቐላብቲ ንምእታው ነቲ ቕዱስ ታቦት ምሓዝዎ ነይሮም። ኣብ ዘሁልቍ 4:⁠6 ‘መሰላታት ብዛዕባ ምእታው’ ተጠቒሱ ዘሎ ሓሳባት ነቲ ኸቢድ ታቦት ናብ ካልእ ሰፈር ቅድሚ ምግዓዞም: ነቲ መሰላታት ከተዓራርይዎ ከም ዘለዎም ዘመልክት ክኸውን ይኽእል ኢዩ።