ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንልብኻ ሓልዎ

ንልብኻ ሓልዎ

ንልብኻ ሓልዎ

“ህይወት ካብኡ እያ እትፍልፍል እሞ: ልዕሊ ዅሉ ንልብኻ ሐልዎ።”—⁠ምሳሌ 4:23

1, 2. ንልብና ክንሕልዎ ዘድልየና ስለምንታይ ኢዩ፧

 ሓደ ኣብ ደሴታት ካሪብያን ዝነብር ብዕድመ ዝደፍአ ሰብኣይ እቲ እተፈጥረ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ደው ምስ ኣበለ ካብቲ ተዓቚቡሉ ዝነበረ ቦታ ወጸ። ኣብ ከባቢኡ ዝወረደ ዕንወት ክዕዘብ ምስ ጀመረ: ንዓሰርተታት ዓመታት ዝኣክል ኣብ ኣፍደጊኡ ዝነበረ ሓደ ዓቢ ኦም ተመንቊሱ ጸንሖ። ‘ኣብቲ ኸባቢ ዝነበረ ካልእ ንኣሽቱ ኣግራብ ክድሕን ከሎ እዚ ኸመይ ኢሉ ይምንቈስ፧’ ብምባል ተገረመ። ጕንዲ ናይቲ ዝወደቐ ኦም ምስ ተዓዘበ ግን ሕቶኡ ተመለሰሉ። እቲ ዘይነቓነቕ ዝመስል ዝነበረ ኦም ውሽጡ ቦዅቢኹ ነበረ: በቲ ህቦብላ ንፋስ ድማ ተቓልዐ።

2 ሓደ ኣብ መገዲ ክርስትና ነቕ ዘይብል ዝመስል ሓቀኛ ኣምላኺ የሆዋ ኣብ ግዜ ፈተና ተለማሚጡ ኽወድቕሲ ኽንደይ ዘሕዝን ኰን ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ሕሊና ልቢ ሰብ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ኽፉእ እዩ” ይብለና። (ዘፍጥረት 8:21) እዚ ማለት ድማ ኵሉ ግዜ ንቑሓት እንተ ዘይኴንና እቲ ጽቡቕ ልቢ እውን ከይተረፈ ሕማቕ ንምግባር ክሰድዕ ይኽእል ኢዩ። ልቡ ኻብ እከይ ናጻ ዝዀነ ፍጹም ሰብ ስለ ዘየለ: ነቲ “ልዕሊ ዅሉ ንልብኻ ሐልዎ” ዝብል ምኽሪ ኣርዚንና ክንርእዮ የድልየና። (ምሳሌ 4:23) ስለዚ ንምሳልያዊ ልብና ብኸመይ ኢና ክንሕልዎ እንኽእል፧

ስርዓታዊ መርመራ ምግባር ግቡእ ኢዩ

3, 4. (ሀ) ብዛዕባ ስጋዊ ልቢ እንታይ ሕቶታት ኢዩ ኽለዓል ዝከኣል፧ (ለ) ንምሳልያዊ ልብና ንምምርማር ክሕግዘና ዝኽእል እንታይ ኢዩ፧

3 ሓፈሻዊ ሕክምና ኽትገብር ናብ ሓኪም ምስ እትኸይድ ንልብኻ እውን ከም ዝምርምሮ ፍሉጥ ኢዩ። ሓፈሻዊ ጥዕናኻ: እንተላይ ልብኻ: ግቡእ መግቢ ትረክብ ከም ዘሎኻ ዝሕብር ድዩ፧ ጸቕጢ ደምካ ኸመይ ኢዩ፧ ህርመት ልብኻ ዘይለዋወጥን ሓያልን ድዩ፧ እኹል ምውስዋስ ኣካላት ትገብርዶ ኣሎኻ፧ ልብኻ ካብ መጠን ንላዕሊ ዝዀነ ውጥረት የጋጥሞ ድዩ፧

4 ስጋዊ ልቢ ስርዓታዊ መርመራ ዘድልዮ ኻብ ኰነ: እቲ ምሳልያዊ ልብኻኸ ድኣ፧ የሆዋ ይምርምሮ ኢዩ። (1 ዜና መዋእል 29:⁠17) ንሕና እውን ነልባብና ክንምርምር ይግብኣና። ብኸመይ፧ ከምዚ ዝስዕብ ዝኣመሰለ ሕቶታት ብምሕታት:- ስርዓታዊ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ብምግባርን ብዘይ​ ምቍራጽ ኣብ ኣኼባ ብምክፋልን ንልበይ እኹል መንፈሳዊ መግቢ እምግቦዶ ኣሎኹ፧ (መዝሙር 1:⁠1, 2፣ እብራውያን 10:⁠24, 25) መልእኽቲ የሆዋ “ኣብ ዓጻጽምተይ ተዐጽዩ . . . ከም ዚነድድ ሓዊ” ዀይኑ ካብ ልበይ ከይተፈልየ ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን ንኽካፈል ዝድርኸኒ ድዩ፧ (ኤርምያስ 20:9፣ ማቴዎስ 28:19, 20፣ ሮሜ 1:15, 16) ብእተኻእለ መጠን ኣብ ገለ መዳያት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ብምክፋል ንኽጋደል እድረኽዶ ኣሎኹ፧ (ሉቃስ 13:⁠24) ንምሳልያዊ ልበይ ንኸመይ ዝበለ ዅነታት ኢየ ዘቃልዖ ዘሎኹ፧ ምስቶም ልቦም ኣብ ሓቀኛ ኣምልኾ ዝሰመረ ሰባት ንኽሓብር እጽዕርዶ ኣሎኹ፧ (ምሳሌ 13:⁠20፣ 1 ቈረንቶስ 15:⁠33) ንዝዀነ ይኹን ዝርአ ጕድለት ቀልጢፍና ብምስትብሃል ውዓል ሕደር ከይበልና ንምዕራዩ ስጕምቲ ንውሰድ።

5. ናይ እምነት ፈተና ንኸመይ ዝበለ ጠቓሚ ዕላማ ኢዩ ከገልግል ዝኽእል፧

5 ዝበዝሕ ግዜ ናይ እምነት ፈተና የጋጥመና ኢዩ። እዚ ድማ ዅነታት ልብና ንምስትብሃል ኣጋጣሚ ዝኸፍተልና ኢዩ። ሙሴ ነቶም ኣብ ድርኵዂት ምድሪ ተስፋ ዝነበሩ እስራኤላውያን ከምዚ በሎም:- “እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ በዘን ኣርብዓ ዓመት ኣብ በረኻ ዝመርሓካ ዅሉ መገዲ: ትእዛዛቱ እትሕሉ እንተ ዄንካ ወይ ዘይትሕሉ: ኣብ ልብኻ ዘሎ ዅሉ ምእንቲ ኺፈልጥ: ኪፍትነካ ኢሉ ኸም ዘዋረደካ: ዘክር።” (ዘዳግም 8:2) ዘይተጸበናዮ ዅነታት ወይ ፈተናታት ከጋጥመና ኸሎ እነንጸባርቖ ስምዒታት: ባህግታት: ወይ እነርእዮ መልሰ⁠-​ግብሪ ዝበዝሕ ግዜ ዘደንጽወናዶ ኸይኰነ፧ እቲ የሆዋ ዘፍቅዶ ፈተና ጕድለታትና ኣስተብሂልና ንኸነመሓይሽ ኣጋጣሚ ዝህበና ኢዩ። (ያእቆብ 1:⁠2-4) ፈተናታት ክወርደና ኸሎ እነርእዮ ምላሽ ኣጸቢቕና ብምስትብሃል ንጸልየሉ!

ቃላትና እንታይ ኢዩ ዝገልጽ፧

6. እቲ ኽንዛረበሉ እንደልዮ ኣርእስቲ ብዛዕባ ልብና እንታይ ኢዩ ዝገልጽ፧

6 ኣብ ልብና እንታይ ዓቝርና ከም ዘሎና ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧ የሱስ “ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ እዩ ዚዛረብ እሞ: እቲ ሕያዋይ ሰብ ካብቲ ጽቡቕ መዝገብ ልቡ ጽቡቕ የውጽእ። እቲ ኽፉእ ድማ ካብቲ ኽፉእ መዝገብ ልቡ ኽፉእ እዩ ዜውጽእ” በለ። (ሉቃስ 6:45) እቲ ዝበዝሕ ግዜ እንዛረበሉ ነገር ባህጊ ልብና እንታይ ምዃኑ ዝገልጽ ኢዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ ስጋዊ ነገራትን ብዛዕባ ዝዓመምናዮ ዓለማዊ ንጥፈታትን ዲና እንዛረብ፧ ወይስ ዕላልና ብዙሕ ግዜ ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ወይ ቲኦክራሲያዊ ሸቶታት ዘተኰረ ኢዩ፧ ብዛዕባ ናይ ካልኦት ጌጋታት ኣብ ክንዲ ምውራይ ብፍቕራዊ መገዲ ንኽንሽፍነሎም ዲና እንሓስብ፧ (ምሳሌ 10:⁠11, 12) ዝበዝሕ ዕላልና ብዛዕባ መንፈሳዊ ስርዓታትን ሓሳባትን ዘይኰነስ ብዛዕባ ሰባትን ጕዳያቶምን ድዩ፧ እዚ ኣብ ናይ ካልኦት ብሕታዊ ጕዳይ ብዘየድሊ ኢድና ነእቱ ከም ዘሎና ከመልክት ይኽእልዶ ኢዩ፧​—⁠1 ጴጥሮስ 4:15

7. ልብና ብምሕላው ዝመጸ ካብቲ ብዛዕባ እቶም ዓሰርተ ኣሕዋት ዮሴፍ ዝገልጽ ጸብጻብ እንታይ ትምህርቲ ኢና እንረክብ፧

7 ኣብ ሓንቲ ዓባይ ስድራ​ቤት ዘጋጠመ ነገር ንርአ። እቶም ዓሰርተ ደቂ ያእቆብ ነቲ ንእሽቶ ሓዎም ዮሴፍ ‘ብሰላም ክዛረብዎ ኣይከኣሉን።’ ስለምንታይ፧ ኣቦኦም ሓለፋኦም ይፈትዎ ስለ ዝነበረ ቀንእሉ። ዳሕራይ: ዮሴፍ ስምረት የሆዋ ከም ዝረኸበ ዝሕብር ካብ ኣምላኽ ዝመጾ ሕልምታት ናይ ምርኣይ መሰል ምስ ረኸበ: ‘መሊሶም ኣዝዮም ጸልእዎ።’ (ዘፍጥረት 37:4, 5, 11) ንሓዎም ብጭከና ናብ ባርነት ሸጥዎ። ግብሮም ንምሽፋን ድማ ንዮሴፍ ሕሱም ኣራዊት ኢዩ በሊዕዎ ዝብል ሓሳብ ከም ዘሕድር ብምግባር ነቦኦም ኣታለልዎ። ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ እቶም ዓሰርተ ኣሕዋት ዮሴፍ ንልቦም ካብ ምሕላው ሰነፉ። ብዛዕባ ካልኦት ንምንቃፍ ንጐዪ እንተድኣ ዄንና ኣብ ልብና ቅንኢ ከም ዘሎ ዝሕብር መርትዖዶ ዀን ይኸውን፧ ነቲ ኻብ ኣፍና ዝወጽእ ቃላት ንምምርማር ትጕሃት: ነቲ ዘይግቡእ ዝምባለታትና ንምምሓው ድማ ቅልጡፋት ክንከውን ይግብኣና።

8. ሓሶት ንምዝራብ እንተድኣ ተፈቲንና ልብና ንምምርማር እንታይ ኢዩ ኽሕግዘና ዝኽእል፧

8 ‘ኣምላኽ ክሕሱ ዘይክእል’ ክኸውን ከሎ ዘይፍጹማት ደቅሰብ ግን ናብ ሓሶት ዝዘምበሉ ኢዮም። (እብራውያን 6:18) እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ኵሉ ሰብ ሓሳዊ እዩ” ኢሉ ደጕዐ። (መዝሙር 116:11) ሃዋርያ ጴጥሮስ እውን ከይተረፈ ንየሱስ ሰለስተ ግዜ ኽሒድዎ ኢዩ። (ማቴዎስ 26:⁠69-75) የሆዋ “ሓሳዊት መልሓስ” ስለ ዝጸልእ ንኸይንሕሱ ክንጥንቀቕ ይግብኣና። (ምሳሌ 6:16-19) ሓሶት ንምዝራብ እንተድኣ ተፈቲንና: ነቲ ምኽንያት ክንምርምሮ ጥበባዊ ኢዩ። ፍርሂ ሰብ ድዩ፧ ንኸይንቕጻዕ ብዝብል ፍርሂ ድዩ: ወይስ ስምና ንኸይበላሾ ዘሎና ስክፍታ ወይ ስስዐ ኢዩ፧ እቲ ምኽንያት ብዘየገድስ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ክንምርምር: ጕድለትና ብትሕትና ኽንእመን: የሆዋ ይቕረ ኽብለልና ኽንልምንን ነቲ ድኻም እቲ ንኸነሰንፍ ሓገዙ ኽህበና ኽንሓትትን ክንደይ ግቡእ ኰን ኢዩ! ነዚ ሓገዝ እዚ ብዝበለጸ ክህቡና ዝኽእሉ ‘ሽማግሌታት ማሕበር’ ኢዮም።​—⁠ያእቆብ 5:⁠14

9. ጸሎትና ብዛዕባ ልብና እንታይ ኢዩ ኽገልጽ ዝኽእል፧

9 እቲ መንእሰይ ዝነበረ ንጉስ ሰሎሞን ጥበብን ፍልጠትን ክወሃቦ ምስ ለመነ የሆዋ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ:- “እዚ ኣብ ልብኻ ስለ ዝነበረ: ነዚ ኣብ ልዕሊኡ ዘንገስኩኻ ህዝበይ ምፍራድ ምእንቲ ኽትክእልስ: ጥበብን ፍልጠትን ኪውሀበካ ስለ ዝለመንካ እምበር: ሃብትን መዛግብትን ክብረትን . . . ኻብ ዘይለመንካ: ጥበብን ፍልጠትን ተዋሂቡካ አሎ።. . . ሃብትን መዛግብትን ክብረትን [ድማ] ክህበካ እየ።” (2 ዜና መዋእል 1:11, 12) ካብቲ ሰሎሞን ክወሃቦ ዝለመኖ ነገራት የሆዋ ኣብ ልቢ ሰሎሞን ዘሎ ነገር እንታይ ምዃኑ ክፈልጥ ክኢሉ ኢዩ። ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ብዛዕባ ልብና እንታይ ኢዩ ዝነግር፧ ጸሎትና ንፍልጠትን ጥበብን ምስትውዓልን ዘሎና ጽምኢ ዝገልጽ ድዩ፧ (ምሳሌ 2:⁠1-6፣ ማቴዎስ 5:⁠3 NW ) ብልብና ብዛዕባ ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ዲና እንሓስብ፧ (ማቴዎስ 6:⁠9, 10) ጸሎትና ናይ ላዕሊ ላዕሊ ጥራይ እንተድኣ ዀይኑ ግዜ መዲብና ብዛዕባ ተግባራት የሆዋ ከነስተንትን ከም ዘድልየና ዝሕብር ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (መዝሙር 103:⁠2) ኵሎም ክርስትያናት ጸሎቶም እንታይ ከም ዝገልጽ ንምስትውዓል ንቑሓት ክዀኑ ይግብኦም።

ተግባራትና እንታይ ይብል፧

10, 11. (ሀ) ዝሙትን ምንዝርን ካበይ ኢዩ ዝብገስ፧ (ለ) ‘ብልብና ዝሙት ንኸይንፍጽም’ ክሕግዘና ዝኽእል እንታይ ኢዩ፧

10 ተግባር ካብ ቃላት ንላዕሊ ይዛረብ ዝብል ብሂል ኣሎ። ተግባራትና ብዛዕባ ውሽጣዊ እንታይነትና ብዙሕ ኢዩ ዝዛረብ። ንኣብነት: ብስነ⁠-​ምግባር ዝመጸ ንልብና ምሕላው ካብ ምንዝርን ዝሙትን ካብ ምርሓቕ ንላዕሊ ዘጠቓልል ኢዩ። የሱስ ኣብቲ ናይ ከረን ስብከቱ “ንሰበይቲ ኺብህጋ ዚጥምታ ዅሉ ብልቡ ፈጺሙ ኣብኣ ዘመወ” ኢሉ ገለጸ። (ማቴዎስ 5:28) ብልብና ዝሙት ንኸይንፍጽም እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

11 እቲ ሓደ ካብቶም እሙናት ርእሲ ኣቦታት ዝነበረ እዮብ ንምርዑዋት ክርስትያን ሰብኡትን ኣንስትን ኣብነት ገዲፉሎም ኢዩ። እዮብ ምስ ጐራዙት ተራ ምቅርራብ ከም ዝነበሮ ዘጠራጥር ኣይኰነን: ሓገዝ ከድልየን ከሎ እውን ብሕያውነት ይሕግዘን ነይሩ ኢዩ። ይኹን እምበር: እዚ ንጽህንኡ ብምሕላው እተፈልጠ ሰብኣይ እዚ ጾታዊ ስምዒቱ ንምዕጋብ ኢሉ ኽቐርበን ኣብ ሓሳቡ ኣይነበረን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ንደቂ ኣንስትዮ ዓይኑ ተኺሉ ንኸይምነየን ብቘራጽነት ወሲኑ ነይሩ ኢዩ። “ምስ ኣዒንተይ ኪዳን ተአታቶኹ: ከመይ ኢለ ደኣ ናብ ቈንጆ ግልጽ ክብል፧” በለ። (እዮብ 31:1) ንሕናውን ምስ ኣዒንትና ከምኡ ዝኣመሰለ ኺዳን ብምእታው ንልብና ንሓልዎ።

12. ንልብኻ ብምሕላው ዝመጸ ንሉቃስ 16:⁠10 ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸተውዕላ ምኸኣልካ፧

12 ወዲ ኣምላኽ “ብሒደት እሙን ዝዀነ ብብዙሕ ድማ እሙን እዩ: እቲ ብሒደት ዚዕምጽ ድማ ብብዙሕውን ዓማጺ እዩ” በለ። (ሉቃስ 16:10) እወ: ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ኣብ ዘጋጥመና ብዙሕ ኣገዳስነት ዘይብሉ ዝመስል ኣብ ውሽጢ ቤትና ኣብ እንፍጽሞ ነገራት እውን ከይተረፈ እነርእዮ ጠባያትና ኽንምርምር የድልየና። (መዝሙር 101:⁠2) ኣብ ቤትና ኮፍ ኢልና ተለቪዥን ክንርኢ ወይ ከኣ ኢንተርነት ክንከፍት ከሎና ምስቲ “ከምቲ ንቕዱሳን ዚግብኦም . . . ደኣ እምበር: ምንዝርናን ኵሉ ርኽሰትን ወይስ ስስዔ ከቶ ኣይሰማዕኩም። ዜሕፍር ወይስ ዘረባ ዕሽነት ወይስ ዘይግባእ ዋዛውን ኣይሰማዕኩም” ዝብል ቅዱስ ጽሑፋዊ ማዕዳ ንሰማማዕ እንተሊና ነስተብህል ዲና፧ (ኤፌሶን 5:3, 4) እቲ ኣብ ተለቪዥን ወይ ኣብ ናይ ቪድዮ ጸወታታት ዝርአ ዓመጽከ፧ እቲ ጸሓፍ መዝሙር “እግዚኣብሄር ንጻድቕ ይዕዘቦ: ንረሲእን ንፈታው ግፍዕን ግና ነፍሱ ትጸልኦም” በለ።​—⁠መዝሙር 11:5

13. ብዛዕባ እቲ ኻብ ልብና ዝወጽእ ነገር ክንምርምር ከሎና እንታይ ጥንቃቐ ምግባር ኢዩ ዘድልየና፧

13 ኤርምያስ “ልቢ ኻብ ኵሉ ጐራሕን ኣዝዩ ሕሱምን እዩ: መንከ የስተውዕሎ፧” ኢሉ የጠንቅቕ። (ኤርምያስ 17:9) እዚ ናይ ልቢ ጕርሒ እዚ ንዝፈጸምናዮ ጌጋ ኸነመሳምሰሉ: ንጕድለትና ኣቕሊልና ኸነቕርቦ: ኣፍኲስካ ኽርአ ንዘይብሉ ብሕታዊ ድኻማትና ከነመኻንየሉ ወይ ንዝዓመምናዮ ዕማም ኣጋኒንና ክንዛረበሉ ኸሎና ይንጸባረቕ ኢዩ። ሕሱም ልቢ ኽልተ ገጽ ከም ዝህልወካ ናይ ምግባር ተኽእሎ እውን ኣለዎ። እዚ ኸኣ ዘቀባጥር ዘረባን ምስኡ ዘይከይድ ተግባርን ይህልወካ ማለት ኢዩ። (መዝሙር 12:2፣ ምሳሌ 23:7) ነቲ ኻብ ልቢ ዝወጽእ ነገር ክንምርምሮ ኸሎና ቅኑዓት ክንከውንስ ክንደይ ኣገዳሲ ዀን ኢዩ!

ዓይንና ጥዕይቲ ድያ፧

14, 15. (ሀ) “ጥዕይቲ” ዓይኒ እንታይ ኢያ፧ (ለ) ንዓይንና ጥዕይቲ ገይርና ምሓዝ ንልብና ኽንሕሉ ኽሕግዘና ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧

14 የሱስ “ናይ ስጋ መብራህቲ ዓይኒ እያ” በለ። ቀጺሉ ኸኣ “ዓይንኻ ጥዕይቲ እንተ ዀነት: ብዘሎ ስጋኻ ብሩህ ይኸውን” በለ። (ማቴዎስ 6:22) ጥዕይቲ ዓይኒ ኣብ ሓደ ሸቶ ወይ ዕላማ ኢያ እተተኵር: ዕንቅፋት ክኸውን ናብ ዝኽእል ነገር ድማ ኣይትጥምትን ኢያ። እወ: ዓይንና ‘መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ኣብ ምድላይ’ ከተተኵር ይግብኣ። (ማቴዎስ 6:33) ንዓይንና ጥዕይቲ ገይርና እንተድኣ ዘይሒዝናያ ንምሳልያዊ ልብና እንታይ ኢዩ ኸጋጥሞ ዝኽእል፧

15 ንናብራ ዘድሊ ንምምእራር ኢልካ ስራሕ ምስራሕ እውን ንርአ። ንስድራ​ቤትና ዘድልዮም ነገራት ምድላው: ሓደ ኻብቲ ክርስትያናት ክፍጽምዎ ዘለዎም ሓላፍነት ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 5:⁠8) ይኹን እምበር: ብዛዕባ መግቢ: ክዳን: መጽለልን ካልእ ነገራትን ዝመጸ ሓድሽ: ዝበለጸ: ኣዝዩ ተደላዪ ዓይነት ክህልወና ዝብል ክቱር ባህጊ ምስ ዝሓድረናኸ፧ እዚ ንልብናን ኣእምሮናን ዓሲቡ ኣብ ኣምልኾና ፍርቂ ልቢ ኸም ዝህልወና ኽገብር ዝኽእልዶ ኣይኰነን፧ (መዝሙር 119:113፣ ሮሜ 16:18) ህይወትና ኣብ ስድራ​ቤት: ስራሕ: ንዋታዊ ነገራት ጥራይ ክሳዕ እተተኵር ብሓልዮት ስጋዊ ነገራት ስለምንታይ እንወሓጥ፧ ነቲ መንፈስ ዝነፈሶ ምኽሪ ዘክሮ:- “እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ኵላ ዝባን ምድሪ ንዚነብሩ ዘበሉ ኸም መፈንጠራ ኽትበጽሖም እያ እሞ: ስስዔን ስኽራንን ሓልዮት ሓዳርን ንልብኹም ከይኸብድ: እታ መዓልቲ እቲኣ ብድንገት ከይትመጸኩምሲ: ንነፍስኹም ተጠንቀቑ።”​—⁠ሉቃስ 21:34, 35

16. የሱስ ብዛዕባ ዓይኒ እንታይ ምኽሪ ኢዩ ዝሃበ: ስለምንታይከ፧

16 ዓይኒ ንኣእምሮን ንልብን እትምግብ ኣገዳሲት መትረብ ኢያ። እቲ እተተኵረሉ ነገራት ንኣተሓሳስባና: ስምዒትና: ተግባራትና ኣጸቢቑ ኢዩ ዝጸልዎ። የሱስ: ናይ ዓይኒ ፈተና ክሳዕ ክንደይ ሓያል ምዃኑ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ኽገልጽ ከሎ “የማነይቲ ዓይንኻ እንተ ኣስሐተትካ: ካባኻ ጐጥጕጥካ ደርብያ። ብዘሎ ስጋኻ ኣብ ገሃነም ካብ ዚአቱስ: ሓንቲ ኣካልካ እንተ ጠፍኤት ይሔሸካ” በለ። (ማቴዎስ 5:29) ዓይኒ ግቡእ ኣብ ዘይኰነ ነገራት ንኸይተተኵር ክትግታእ ይግባእ። ንኣብነት: ዘይግቡእ ጾታዊ ባህግን ፍትወትን ከለዓዕል ተባሂሉ ኣብ እተዳለወ ነገራት ኣተኲራ ክትጥምት ከነፍቅደላ የብልናን።

17. ቈሎሴ 3:⁠5 ኣብ ግብሪ ምውዓል ልብና ንምሕላው ክሕግዘና ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧

17 ምስ ዓለም ዘራኽበና ህዋስ ግን ምርኣይ ጥራይ ከም ዘይኰነ ፍሉጥ ኢዩ። ከም ምድህሳስን ምስማዕን ዝኣመሰለ ህዋሳት እውን ግደ ስለ ዘለዎ: ኣብቲ ምስኡ ዝዛመድ ክፍሊ ኣካላትና ጥንቃቐ ምግባር ከድልየና ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ “ስለዚ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣካላትኩም ቅተሉ፤ ምንዝር: ርኽሰት: ፍትወት ስጋ: ክፉእ ትምኒት: ስስዔ: እዚ ድማ ኣምልኾ ጣኦት እዩ” ብምባል መዓደ።​—⁠ቈሎሴ 3:5

18. ንዘይግቡእ ሓሳባት ዝምልከት እንታይ ስጕምትታት ኢና ክንወስድ ዘሎና፧

18 ሕማቕ ትምኒት ካብቲ ሕቡእ ክፍሊ ኣእምሮና ኽብገስ ይኽእል ኢዩ። ብዛዕባ እዚ ነገራት እዚ ምስ እነስተንትን ነቲ ሕማቕ ባህጊ የጐሃህሮ እሞ ንልቢ ጽልዋ ይገብረሉ። “ትምኒት ምስ ጠነሰት: ንሓጢኣት ትወልዶ: ሓጢኣት ምስ ተፈጸመ ድማ: ንሞት ይወልዶ።” (ያእቆብ 1:14, 15) ብዙሓት ሰባት ግብረ⁠-​ሕቡእ ብኸምዚ ዝኣመሰለ መገዲ ኸም ዝብገስ ኢዮም ዝእመኑ። ንኣእምሮና ወትሩ ብመንፈሳዊ ነገራት ክንመልኦስ ክንደይ ኣድላዪ ዀን ኢዩ! (ፊልጲ 4:⁠8) ኣብ ኣእምሮና ሕማቕ ሓሳባት እንተድኣ መጺኡና ከነርሕቖ ክንጽዕር ይግብኣና።

‘ንኣምላኽ ብምሉእ ልቢ ኣገልግሎ’

19, 20. ንየሆዋ ብምሉእ ልቢ ብምግልጋል ዝመጸ ዕዉታት ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

19 ንጉስ ዳዊት ኣብ ግዜ እርግንኡ ንወዱ ኸምዚ ብምባል ነገሮ:- “ኣታ ወደይ ሰሎሞን ድማ: ነቲ ኣምላኽ ኣቦኻ ፍለጦ: ብፍጹም ልብን ብፍታው ነፍስን ከኣ ኣገልግሎ። እግዚኣብሄር ንዅሉ ኣልባብ ይመራምሮ: ንዅሉ ምኽሪ ሓሳባት ድማ ይፈልጦ እዩ እሞ: እንተ ደሌኻዮስ: ኪርከበልካ እዩ። እንተ ሐደግካዮ ግና: ንዘለኣለም ኪድርብየካ እዩ።” (1 ዜና መዋእል 28:9) ሰሎሞን ባዕሉ እውን “ኣስተውዓሊ ልቢ” ኽወሃቦ ጸልዩ ኢዩ። (1 ነገስት 3:9) ይኹን እምበር: ኣብ ምሉእ ናብራ ህይወቱ ኸምዚ ዝኣመሰለ ልቢ ሒዙ ምቕጻል በዳሂ ዀኖ።

20 በዚ መዳይ እዚ ዕዉታት ንኽንከውን: ምስ የሆዋ ዝሰማማዕ ልቢ ከነጥሪ ኣሎና ጥራይ ዘይኰነስ ክንሕልዎ እውን ከድልየና ኢዩ። ነዚ ንምፍጻም መዘኻኸሪታት ቃል ኣምላኽ ‘ኣብ ውሽጢ ልብና’ ኽንዓቝሮ ይግብኣና። (ምሳሌ 4:⁠20-22) ቃላትናን ተግባራትናን እንታይ ከም ዘርኢ ብጸሎት ተጠንቂቕና ብምሕሳብ ንልብና ኣዘውቲርና ክንምርምር እውን ይግብኣና ኢዩ። ንዘስተብሃልናሉ ዝዀነ ይኹን ድኻም ንምእራሙ ካብ የሆዋ ልባዊ ሓገዝ እንተ ዘይደሊና: ንኽንፈልጦ ዝገበርናዮ ጻዕሪ እንታይ ዋጋ ኢዩ ክህልዎ፧ ብዛዕባ እቲ ብህዋሳትና ዝኣቱ ነገራት እውን ተጊህና ክንጥንቀቕ ክንደይ ኣገዳሲ ዀን ኢዩ! እዚ ኽንገብር ከሎና ‘እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዝበልጽ ሰላም ኣምላኽ ንልብናን ሓሳብናን ብክርስቶስ የሱስ ክሕልዎ’ ምዃኑ መረጋገጺ ተዋሂቡና ኣሎ። (ፊልጲ 4:6, 7) እወ: ልዕሊ ዅሉ ንልብና ንምሕላውን ብምሉእ ልቢ ንየሆዋ ንምግልጋልን ቈራጽነት ንግበር።

ትዝክሮዶ፧

• ንልብና ኽንሕልዎ ኣገዳሲ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

• ነቲ እነውስኦ ቓላት ምምርማር ልብና ንምሕላው ዝሕግዘና ብኸመይ ኢዩ፧

• ንዓይንና “ጥዕይቲ” ገይርና ኽንሕልዋ ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ግራት ኣገልግሎት: ኣብ ኣኼባ: ኣብ ቤትና ዝበዝሕ ግዜ ብዛዕባ እንታይ ኢና እንዛረብ፧

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ጥዕይቲ ዓይኒ ኣቓልቦኣ ክሰርቕ ናብ ዝኽእል ነገራት ኣይተላግስን ኢያ