ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ኣብ መወዳእታ ሽግረይ ፈለጥክዎ!”

“ኣብ መወዳእታ ሽግረይ ፈለጥክዎ!”

“ኣብ መወዳእታ ሽግረይ ፈለጥክዎ!”

 ሓደ ኣብ ቶክዮ ዝነብር ሰብኣይ ነታ ኣብ ናይ 1 ታሕሳስ 2000 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት ታሪኽ ህይወት ምስ ኣንበበ እዚ ስምዒት እዚ ኢዩ ተሰሚዕዎ። እታ ዓንቀጽ “ንስኻትኩም ነቲ ጽባሕ ዚኸውን ኣይትፈልጥዎን ኢኹም” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዋ ዀይና: ናይ ሓደ ሚስዮናዊ ዝነበረ እሞ ማኒክ⁠-​ዲፕረሲቭ ሳይኮሲስ ብዝበሃል ዓይነት ሕማም ኣእምሮ ድማ ዝሳቐ ዘሎ ተመክሮ ኢያ ሒዛ።

እዚ ኣብ ቶክዮ ዝነብር ሰብኣይ ናብ ሓተምቲ እዚ መጽሔት እዚ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ልክዕ ከምቲ ኣብታ መጽሔት እተጠቕሰ ምልክት ሕማም ኢዩ ዝስምዓኒ። ስለዚ ናብ ናይ ኣእምሮ ሆስፒታል ከድኩ እሞ ማኒክ ዲፕረሽን ዝበሃል ሕማም ከም ዘሎኒ ፈለጥኩ። እቲ መርመራ ዝገበረለይ ሓኪም ተገሪሙ ኢዩ። ‘ከምዚ ዓይነት ሕማም ዘለዎም ሰባት: መብዛሕትኡ እዋን ከም ዝሓመሙ ኣይፍለጦምን ኢዩ’ በለኒ። ሕማመይ ከይከበደኒ ኸሎ ክፈልጦ ኽኢለ ኢየ።”

ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ንነፍሲ ወከፍ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ብምንባብ እተፈላለየ ጥቕሚ ይረኽቡ ኢዮም። እቲ ዓንቀጻት መሃርን ማራኽን ኰይኑ ኢዮም ዝረኽብዎ። ሕጂ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ብ141 ቋንቋታት ክሕተም ከሎ: ንቕሑ! ድማ ብ86 ቋንቋታት ይሕተም ኣሎ። ንስኻውን መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ብቐጻሊ ኸተንብብ ትኽእል ኢኻ።