ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ከም ናይ የሆዋ ዝበለ ልቢ ኣጥሪ

ከም ናይ የሆዋ ዝበለ ልቢ ኣጥሪ

ከም ናይ የሆዋ ዝበለ ልቢ ኣጥሪ

“ዎ ኣምላኽ: ጽሩይ ልቢ ፍጠረለይ: ጽኑዕ መንፈስ ከኣ ኣብ ውሽጠይ ሐድስ።” —⁠መዝሙር 51:10

1, 2. ብልብና ኽንግደስ ዝግብኣና ስለምንታይ ኢና፧

 ቁመቱ ነዊሕ መልክዑ እውን ጽቡቕ ኢዩ ነይሩ። ነብዪ ሳሙኤል ነዚ በዅሪ ወዲ እሰይ እዚ ምስ ረኣዮ ብትርኢቱ ኣዝዩ ስለ እተመሰጠ ደድሕሪ ሳኦል ንጉስ ንኽኸውን ኣምላኽ ዝሓረዮ እዚ ኽኸውን ኣለዎ ኢሉ ደምደመ። የሆዋ ግን “ኣነ ንዒቐዮ እየ እሞ: ኣብ ትርኢቱን ኣብ ምንዋሕ ቍመቱን ኣይትጠምት። . . . ሰብ ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዘሎ እዩ ዚርኢ: እግዚኣብሄር ግና ልቢ እዩ ዚርኢ” በሎ። የሆዋ ነቲ “ኸም ልቡ ዝበለ ሰብኣይ” ማለት ንዳዊት እቲ ዝነኣሰ ወዲ እሰይ ኢዩ ሓርዩ።​—⁠1 ሳሙኤል 13:14፣ 16:7

2 ኣምላኽ ከምቲ ዳሕራይ ኣነጺሩ ዝገለጾ: ልቢ ሰብ ከንብብ ይኽእል ኢዩ። ከምዚ ድማ በለ:- “ኣነ እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ ከከም መገዱ: ከከም ፍረ ግብሩ ምእንቲ ኽህቦ: ንልቢ እምርምሮ: ንዀላሊት ከኣ እፍትኖ።” (ኤርምያስ 17:10) እወ: “ንልቢ ዚፍትኖ . . . እግዚኣብሄር እዩ።” (ምሳሌ 17:⁠3) እቲ የሆዋ ዝምርምሮ ልቢ ሰብ ግን እንታይ ኢዩ፧ ከም ናቱ ዝበለ ልቢ ንምጥራይከ እንታይ ኢና ኽንገብር እንኽእል፧

“ሕቡእ ናይ ልቢ ሰብ”

3, 4. መጽሓፍ ቅዱስ ነታ “ልቢ” እትብል ቃል ብቐንዱ እንታይ ብዝብል ትርጕም ኢዩ ዝጥቀመላ፧ ኣብነት ሃብ።

3 እታ “ልቢ” እትብል ቃል ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ሓደ ሽሕ ዝኸውን ግዜ ተጠቒሳ ኣላ። መብዛሕትኡ ግዜ ብምሳልያዊ መገዲ ኢያ እትጥቀስ። ንኣብነት የሆዋ ንነብዪ መሴ ከምዚ ኢሉ ነገሮ:- “ንደቂ እስራኤል መባእ ኪህቡኒ ተዛረቦም: እቲ መባኤይ ከኣ ካብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብልቡ ኺህብ ዝፈተወ ውሰዱ።” እቶም መባእ ዝሃቡ ድማ “ነፍሲ ወከፍ ልቡ ዝደፍኦ መጸ።” (ዘጸኣት 25:2፣ 35:21) ሓደ መዳይ ናይቲ ምሳልያዊ ልቢ እቲ ሓደ ነገር ንኽንገብር ዝድርኸና ውሽጣዊ ሓይሊ ምዃኑ ንጹር ኢዩ። ብዘይ​ዚውን እቲ ምሳልያዊ ልብና ስምዒታትና: ባህግታትናን ድሌትናን ዘንጸባርቕ ኢዩ። ልቢ ብሕርቃን ወይ ብፍርሂ ኽዕብለል: ብጓሂ ኽወሓጥ ወይ ብሓጐስ ክፍሳህ ይኽእል ኢዩ። (መዝሙር 27:⁠3፣ 39:⁠3፣ ዮሃንስ 16:⁠22፣ ሮሜ 9:⁠2) ዕቡይ ወይ ትሑት: ፈቃር ወይ እኩይ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።​—⁠ምሳሌ 16:⁠5፣ ማቴዎስ 11:⁠29፣ 1 ጴጥሮስ 1:⁠22

4 በዚ መሰረት እዚ “ልቢ” መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ድራኸን ስምዒትን ኽተሓሓዝ ከሎ “ኣእምሮ” ግን ብፍላይ ምስ ኣተሓሳስባ ኢዩ ዝተሓሓዝ። ነዘን ቃላት እዚኣተን ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብ ሓደ ሓሳባት ብሓንሳእ ተጠቒሰን ክንረኽበን ከሎና በዚ መገዲ እዚ ኢና ክንርድአን ዘድሊ። (ማቴዎስ 22:⁠37፣ ፊልጲ 4:⁠7) ይኹን እምበር ልብን ኣእምሮን ዅሉ ግዜ እተፈላለየ ኢዩ ማለት ኣይኰነን። ንኣብነት ሙሴ ንእስራኤላውያን “እግዚኣብሄር: ንሱ ኣምላኽ ከም ዝዀነ . . . ኣብ ልብኻ . . . ሕሰቦ [ወይ “ኣብ ኣእምሮኻ ሓዞ:” NW እግረ⁠-​ጽሑፍ]” ብምባል ተላብይዎም ኢዩ። (ዘዳግም 4:39) የሱስ ነቶም ውዲት ዝኣልምሉ ዝነበሩ ጸሓፍቲ “ንምንታይ ብልብኹም ክፉእ ትሐስቡ አሎኹም፧” በሎም። (ማቴዎስ 9:4) ‘ምስትውዓል:’ “ፍልጠት:” ‘ሓሳብ’ እውን ምስ ልቢ ክተሓሓዝ ይኽእል ኢዩ። (1 ነገስት 3:12፣ ምሳሌ 15:14፣ ማርቆስ 2:6) ስለዚ እምበኣር: ምሳልያዊ ልቢ ንኣተሓሳስባና ወይ ምርዳእና እውን ከጠቓልል ይኽእል ኢዩ።

5. ምሳልያዊ ልቢ ንምንታይ ኢዩ ዘመልክት፧

5 ብመሰረት ሓደ ናይ መወከሲ መጽሓፍ: ምሳልያዊ ልቢ “ነቲ ቐንዲ ኽፍሊ ብሓፈሽኡ: ንውሽጣዊ እንታይነቱ ዘመልክት ብምዃኑ: ነቲ ውሽጣዊ ሰብ ባዕሉ: እዚ ኸኣ ኣብ ኵሉ ንጥፈታቱ: ባህግታቱ: ምፍታዉ: ስምዒታቱ: ተመስጦታቱ: ዕላማታቱ: ሓልዮቱ: ኣቓልቦኡ: ሓሳቡ: ጥበቡ: ፍልጠቱ: ክእለቱ: እምነቱን ኣተሓሳስብኡን: ተዘክሮኡን ሕልንኡን ዘንጸባርቖ ባህርያት” ኢዩ ዘመልክት። ነቲ ናይ ውሽጢ እንታይነትና ማለት “ሕቡእ ናይ ልቢ ሰብ” ኢዩ ዘመልክት። (1 ጴጥሮስ 3:4) የሆዋ ድማ ነዚ ኢዩ ዝርእዮን ዝምርምሮን። ስለዚ ኸኣ ኢዩ ዳዊት “ዎ ኣምላኽ: ጽሩይ ልቢ ፍጠረለይ: ጽኑዕ መንፈስ ከኣ ኣብ ውሽጠይ ሐድስ” ኢሉ ዝጸለየ። (መዝሙር 51:10) ጽሩይ ልቢ ከነጥሪ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ንቓል ኣምላኽ “ኣብ ልብኹም ኣንብርዎ”

6. እስራኤላውያን ኣብ ጐላጕል ሞኣብ ሰፊሮም ኣብ ዝነበርሉ ግዜ ሙሴ እንታይ ማዕዳ ኢዩ ዝሃቦም፧

6 እስራኤላውያን ምድሪ ተስፋ ቀቅድሚ ምእታዎም ኣብ ጐላጕል ሞኣብ ሰፊሮም ከለዉ ሙሴ ከምዚ ብምባል መዓዶም:- “እዚ ኣነ ሎሚ ዝምስክረልኩም ዘሎኹ ዅሉ ቓላት ንደቅኹም ተጠንቂቖም ኪገብርዎ ኽትእዝዝዎም: ኵሉ ቓላት እዚ ሕጊ እዚ ኣብ ልብኹም ኣንብርዎ።” (ዘዳግም 32:46) እስራኤላውያን ‘ጽቡቕ ገይሮም ከቕልቡ’ (ትርጕም ኖክስ) ነበሮም። ንትእዛዛት ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ምስ ዝፈልጥዎ ጥራይ ኢዮም ንደቆም ክሰርጹሎም ዝኽእሉ ነይሮም።​—⁠ዘዳግም 6:⁠6-8

7. ቃል ኣምላኽ ‘ኣብ ልብና ምንባር’ ክበሃል ከሎ እንታይ ኢዩ ዘጠቓልል፧

7 ጽሩይ ልቢ ንምጥራይ ዘድሊ ቐንዲ ነገር ብዛዕባ ፍቓድ ኣምላኽን ዕላማታቱን ርጡብ ፍልጠት ምጥራይ ኢዩ። እዚ ፍልጠት እዚ ዝርከበሉ ሓደ ምንጪ ድማ እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቃል ኣምላኽ ጥራይ ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠16, 17) ናይ ኣእምሮ ፍልጠት ንበይኑ ግን ንየሆዋ ዘሐጕስ ልቢ ንምጥራይ ክሕግዘና ኣይክእልን ኢዩ። ፍልጠት ንውሽጣዊ እንታይነትና ምእንቲ ኽትንክፎ ነቲ እንማሃሮ ዘሎና ‘ኣብ ልብና ከነንብሮ’ ወይ “ከነቕልበሉ” ይግብኣና። (ዘዳግም 32:⁠46 ትርጕም ኣን ኣመሪካን ትራንስሌሽን) እዚ ብኸመይ ኽግበር ይከኣል፧ ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ከምዚ ኢሉ ይገልጽ:- “ናይ ቀደም መዓልትታት እዝክር: ኵሉ ተግባርካ ኤስተንትን: ግብሪ ኣእዳውካ እሐስብ አሎኹ።”​—⁠መዝሙር 143:5

8. ኸነጽንዕ ከሎና ብዛዕባ ኸመይ ዝበሉ ሕቶታት ኢና ከነስተንትን ዘሎና፧

8 ንሕናውን ብዛዕባ ዕዮ የሆዋ ብሞሳ ኸነስተንትን ይግብኣና። መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ከነንብብ ከሎና: ብዛዕባ እዚ ዝስዕብ ሕቶታት ከነስተንትን ይግብኣና:- ‘እዚ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ኢዩ ዝምህረኒ፧ ኣየናይ ባህርያት የሆዋ ኢዩ ኣብዚ ተንጸባሪቑ ዘሎ፧ እዚ ጸብጻብ እዚ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝፈትዎን ዘይፈትዎን ነገራት እንታይ ኢዩ ዝምህረኒ፧ የሆዋ ዝፈትዎ መገዲ ምስዓብን ንሱ ዝጸልኦ መገዲ ምስዓብን ኽነጻጸር ከሎ እንታይ ውጽኢት ኢዩ ዘለዎ፧ እዚ ሓበሬታ እዚ ምስቲ ኣቐዲመ ዝፈልጦ ብኸመይ ኢዩ ዝተሓሓዝ፧’

9. ናይ ብሕቲ መጽናዕትን ምስትንታንን ክሳዕ ክንደይ ጥቕሚ ኣለዎ፧

9 ሓንቲ ሊሳ a እትበሃል ጓል ሰላሳን ክልተን ዓመት ዕላማ ዘለዎ መጽናዕትን ምስትንታንን ዘለዎ ጥቕሚ ብኸመይ ከም እተገንዘበቶ ክትገልጽ ከላ ኸምዚ ትብል:- “ብ1994 ድሕሪ ምጥማቐይ ንኽልተ ዓመት ዝኸውን ኣብ ሓቂ ብጽቡቕ ኢየ ዝመላለስ ነይረ። ኣብ ኵሉ ክርስትያናዊ ኣኼባታት እካፈል: ኣብ ወርሒ ካብ 30 ክሳዕ 40 ሰዓታት ኣብ ግራት ኣገልግሎት እውፊ: ምስ ብጾተይ ክርስትያናት ድማ እሓብር ነበርኩ። ደሓር ግን እናዘሓልኩ ክኸይድ ጀመርኩ። ኣዝየ ምዝሓለይ ሕጊ ኣምላኽ ክሳዕ ምጥሓስ ኣብጽሓኒ። ይኹን እምበር: ናብ ልበይ ተመሊሰ ናብራ ህይወተይ ከተዓራሪ ወሰንኩ። የሆዋ ብምንስሐይ እንደገና ስለ እተቐበለኒ ኣዝየ ኢየ ተሓጒሰ! ብዙሕ ግዜ ‘ኣብ ሕማቕ ዝወደቕኩ ስለምንታይ ኢየ፧’ ኢለ እሓስብ ነበርኩ። እቲ ኣብ ኣእምሮይ ዝመላለስ ዝነበረ መልሲ ኸኣ ዕላማ ዘለዎ መጽናዕትን ምስትንታንን ሸለል ምባለይ ምዃኑ ዝሕብር ነበረ። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንልበይ ኣይትንክፎን ኢዩ ነይሩ። ካብ ሕጂ ንደሓር ግን ናይ ብሕቲ መጽናዕትን ምስትንታንን ወትሩ ቐንዲ ኽፍሊ ናብራ ህይወተይ ክገብሮ ኢየ።” ብፍልጠት የሆዋን ወዱን ቃሉን እናዓበና ብዝኸድና መጠን ትርጕም ዘለዎ ምስትንታን ንምግባር ግዜ ኽንምድብሲ ክንደይ ኣገዳሲ ዀን ኢዩ!

10. ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ንምግባርን ምስትንታንን ውዓል ሕደር ከይበልና ግዜ ኽንምድበሉ ዘድሊ ስለምንታይ ኢዩ፧

10 ኣብዛ ሃለኽለኽ ዝመልኣ ዓለም: ንመጽናዕትን ምስትንታንን ዝኸውን ግዜ ምርካብ ብሓቂ በዳሂ ኢዩ። ይኹን እምበር: ሎሚ ክርስትያናት ኣብ ድርኵዂት ሓንቲ እተደንቕ ምድሪ ተስፋ​—⁠ጽድቂ ዝነብረላ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም​—⁠ኢዮም ደው ኢሎም ዘለዉ። (2 ጴጥሮስ 3:⁠13) ከም እኒ ጥፍኣት “ዓባይ ባቢሎን” ከምኡውን እቲ “ጎግ ኣብ ሃገር ማጎግ” ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምላኽ ዘውርዶ መጥቃዕቲ ዝኣመሰለ ዘደንጹ ነገራት ኣብ ማዕዶና ኢዩ ዘሎ። (ራእይ 17:1, 2, 5, 15-17፣ ህዝቅኤል 38:1-4, 14-16፣ 39:2) እቲ ዝጽበየና ዘሎ ነገራት ነታ ኣብ የሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ዝፍትን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ሕጂ ግዜ ዓዲግና ንቓል ኣምላኽ ኣብ ልብና እነሕድረሉ እዋን ኢዩ።​—⁠ኤፌሶን 5:⁠15, 16

‘ቃል ኣምላኽ ንምምርማር ልብኻ ኣዳልዎ’

11. ልብና ምስ መሬት ክመሳሰል ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧

11 እቲ ምሳልያዊ ልቢ ምስቲ ዘርኢ ሓቂ ዝዝርኣሉ መሬት ክመሳሰል ይኽእል ኢዩ። (ማቴዎስ 13:⁠18-23) መሬት ጥዑይ እኽሊ ከም ዘብቍል ኰይኑ ምእንቲ ኽለምዕ ዝበዝሕ ግዜ ይሕረስ ኢዩ። ብተመሳሳሊ መገዲ ልብና እውን ቃል ኣምላኽ ምእንቲ ኽቕበል ክዳሎ የድልዮ። ካህን እዝራ “ሕጊ እግዚኣብሄር ንምምርማርን ንምግባርን . . . ልቡ ኣዳለወ።” (እዝራ 7:10) ንልብና ብኸመይ ኢና ከነዳልዎ እንኽእል፧

12. ልብና ንመጽናዕቲ ንኸነዳልዎ ኽሕግዘና ዝኽእል እንታይ ኢዩ፧

12 ቃል ኣምላኽ ክንምርምር ከሎና ልብና ከነዳልወሉ እንኽእል ዝበለጸ መገዲ ልባዊ ጸሎት ብምቕራብ ኢዩ። ሓቀኛታት ኣምለኽቲ የሆዋ ዝእከብሉ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ብጸሎት ኢዩ ዝኽፈትን ዝዕጾን። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ብሕታዊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ እንገብረሉ እዋን ብጸሎት ጀሚርና ምሉእ ኣቓልቦና ኣብኡ ኽንገብርስ ክንደይ ሰናይ ኰን ኢዩ!

13. ከም ናይ የሆዋ ዝበለ ልቢ ንምጥራይ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘድሊ፧

13 ምሳልያዊ ልብና ነቲ ርጡብ ፍልጠት ቅድሚ ምርካብና ሒዝናዮ ዝነበርና ኣረኣእያ ንምርሓቕ እውን ክዳሎ ይግብኦ። እቶም ኣብ ግዜ የሱስ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት እዚ ንምግባር ድልዋት ኣይነበሩን። (ማቴዎስ 13:⁠15) ማርያም ኣደ የሱስ ግን ነቲ ዝሰምዓቶ ነገራት “ኣብ ልባ” ትሓስቦ ነበረት። (ሉቃስ 2:⁠19, 51) እምንቲ ጓል መዝሙር የሱስ ድማ ዀነት። ልድያ ብዓልቲ ትያቲራ ጽን ኢላ ትሰምዕ ነበረት: “ናብቲ ጳውሎስ ዚብሎ ዝነበረ ኸተድህብ ከኣ: እግዚኣብሄር ልባ ኸፈተላ።” ንሳውን ኣማኒት ኰነት። (ግብሪ ሃዋርያት 16:14, 15) ኣብ ናይ ብሕትና ኣተሓሳስባ ወይ ኣብ ልብና ኣብ ዘሕደርናዮ ሰረተ⁠-​እምነት ኣይንትረር። ኣብ ክንድኡስ ‘ኣምላኽ ሓቀኛ: ኵሉ ሰብ ግና ሓሳዊ ዀይኑ ንኽርከብ’ ፍታውና ነርኢ።​—⁠ሮሜ 3:4

14. ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ጽን ኢልና ንምስማዕ ብኸመይ ኢና ልብና ኸነዳልዎ እንኽእል፧

14 ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ጽን ኢልና ንምስማዕ ልብና ምድላው ብፍላይ ኣድላዪ ኢዩ። ሓድሓደ ነገራት ናብቲ ዝበሃል ንኸይነድህብ ኣቓልቦና ኽሰርቀና ይኽእል ኢዩ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ብዘጋጠመና ነገራት ወይ ብዛዕባ ጽባሕ ንሓስብ እንተድኣ ኣሊና እቲ ትምህርቲ ኣይክትንክፈናን ኢዩ። ካብቲ ዝዝረብ ምእንቲ ኽንጥቀም ጽን ኢልና ንኽንሰምዕን ንኽንማሃርን ቈራጽነት ክንገብር የድልየና። ነቲ መብርሂ ዝወሃቦን ትርጕሙ ዝግለጽን ጥቕስታት ንኽንርድኦ እንተድኣ ቈሪጽና ኣየ ኸመይ ዝበለ ጥቕሚ ዀን ኢና ኽንረክብ እንኽእል!​—⁠ነህምያ 8:⁠5-8, 12

15. ትሕትና ንኽንማሃር ድሌት ከም እነሕድር ክትገብረና እትኽእል ብኸመይ ኢያ፧

15 ልክዕ ከምቲ ድዅዒ ንመሬት ዘስብሖ ከም ትሕትና: ንመንፈሳዊ ነገራት ምጥማይ: ትውክልቲ: ኣምላኻዊ ፍርሃት: ንኣምላኽ ምፍቃር ዝኣመሰለ ባህርያት ንምሳልያዊ ልብና ከበልጽጎ ይኽእል ኢዩ። ትሕትና ንልብና ኣለስሊሱ: ንኽንማሃር ድሌት ከም እነሕድር ይገብረና። የሆዋ ነቲ ናይ ይሁዳ ንጉስ ዝነበረ ዮስያስ ከምዚ በሎ:- “እተዛረብክዎ ምስ ሰማዕካ ልብኻ ስለ ዝለስለሰ: ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ትሕት ስለ ዝበልካ: . . . ኣብ ቅድመይ ስለ ዝበኼኻ: ኣነ ድማ ሰሚዔካ አለኹ።” (2 ነገስት 22:19) ዮስያስ ትሑትን ተቐባልን ልቢ ኢዩ ነይርዎ። ትሕትና ነቶም “ዘይተማህሩ ጭዋታት” ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ: ‘ብልህታትን ለባማትን’ ሰባት ዘይረኸብዎ መንፈሳዊ ሓቂ ክረኽቡን ብእኡ ክመላለሱን ኣኽኢልዎም ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 4:13፣ ሉቃስ 10:21) ንሕናውን ከም ናይ የሆዋ ዝበለ ልቢ ንምጥራይ እናጸዓርና ‘ኣብ ቅድሚ ኣምላኽና ርእስና ነዋርድ።’​—⁠እዝራ 8:21

16. ንመንፈሳዊ መግቢ ናይ ምጥማይ ባህሪ ንምምዕባል ጻዕሪ ዘድሊ ስለምንታይ ኢዩ፧

16 የሱስ “እቶም መንፈሳዊ ድሌቶም ንምምላእ ዝነቕሑ ሕጉሳት ኢዮም” በለ። (ማቴዎስ 5:3 NW ) ብተፈጥሮና መንፈሳውነት ናይ ምጥራይ ተኽእሎ እኳ እንተ ኣሎና: ካብዛ እክይቲ ዓለም ዝመጽእ ተጽዕኖ ወይ ከም ትህኪት ዝኣመሰለ ባህርያት መንፈሳዊ ነገራት ከም ዘድልየና ከም ዘይንግንዘብ ክገብረና ይኽእል ኢዩ። (ማቴዎስ 4:⁠4) ንመንፈሳዊ መግቢ ጥዑይ ሸውሃት ክህልወና የድሊ። ኣብ መጀመርታ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ምግባር ዘየሐጕሰና እኳ እንተዀነ: ከይተሓለልና እንተድኣ ቐጺልና ግን ፍልጠት ‘ንነፍስና ባህ ከብላ ኢዩ:’ ነቲ መጽናዕቲ እነካይደሉ መደባትና ኸኣ ብሃንቀውታ ኽንጽበዮ ኢና።​—⁠ምሳሌ 2:10, 11

17. (ሀ) ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ ትውክልቲ ክንገብረሉ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ኣብ ኣምላኽ ዘሎና ትውክልቲ ኸነማዕብሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

17 ንጉስ ሰሎሞን “ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተአመን: ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ” ኢሉ መዓደ። (ምሳሌ 3:5) ኣብ የሆዋ ምሉእ እምንቶ ዘለዎ ልቢ: የሆዋ ብቓሉ ገይሩ ዝሓቶ ነገራት ወይ ዝህቦ መምርሒ ወትሩ ቅኑዕ ከም ዝዀነ ይፈልጥ ኢዩ። (ኢሳይያስ 48:⁠17) የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ትውክልቲ ኽንገብረሉ እንኽእል ኣካል ምዃኑ ርግጽ ኢዩ። ዕላማ ዝገበረሉ ነገራት ኵሉ ኽፍጽሞ ይኽእል ኢዩ። (ኢሳይያስ 40:26, 29) ስሙ ቃል ብቓሉ ኽትርጐም ከሎ “ከምቲ ዝኸውን ዘኽውን” ማለት ኢዩ። እዚ ድማ ነቲ መብጽዓ ዝገበረሉ ነገራት ንኽፍጽሞ ኣብ ዘለዎ ኽእለት እምንቶ ከም ዝሓድረና ዝገብር ኢዩ! “ብዅሉ መገዱ ጻድቕ እዩ: ብዅሉ ግብሩውን ሕያዋይ እዩ።” (መዝሙር 145:17) ኣብኡ ዘሎና እምንቶ ንኽዓቢ ግን ነቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተማሃርናዮ ኣብ ብሕታዊ ህይወትና ብምውዓልን ብዛዕባ እቲ ዘፍረየልና ሰናይ ነገራት ብምስትንታንን ‘እግዚኣብሄር ሰናይ ምዃኑ ክንጥዕምን ክንርእን’ የድልየና።​—⁠መዝሙር 34:⁠8

18. ኣምላኻዊ ፍርሃት ንመምርሒ ኣምላኽ ኣወንታዊ ምላሽ ንኽንህበሉ ዝሕግዘና ብኸመይ ኢዩ፧

18 ሰሎሞን: ልብና ንመንፈሳዊ መምርሒ ዝያዳ ተቐባሊ ኸም ዝኸውን ዝገብሮ ኻልእ ባህሪ ኽሕብር ከሎ “ንእግዚኣብሄር ፍራህ: ካብ ክፉእ ከኣ ርሐቕ” ይብል። (ምሳሌ 3:7) የሆዋ ብዛዕባ ጥንታዎት እስራኤል “ንኣታቶምን ንደቆምን ንዘለኣለም ምእንቲ ኺጽብቐሎም: ኪፈርሁንን ኵሉ ትእዛዛተይ ኪሕልዉን: ንሓዋሩ እዚ ልቢ እዚ እንተ ዚህልዎም መን ምሀበ” በለ። (ዘዳግም 5:29) እወ: እቶም ንኣምላኽ ዝፈርህዎ ይእዘዝዎ ኢዮም። የሆዋ ‘ነቶም ፈጺሙ ልቦም ናብኡ ዝጽጋዕ ከጽንዕ’ ነቶም ዘይእዘዝዎ ድማ ክቐጽዕ ክእለት ኣለዎ። (2 ዜና መዋእል 16:⁠9) ንኣምላኽ ከይነጕህዮ ዝብል ኣኽብሮታዊ ፍርሃት ንዅሉ ተግባራትናን ሓሳባትናን ስምዒታትናን ንኽቈጻጸሮ ነፍቅደሉ።

‘ንየሆዋ ብምሉእ ልብኻ ኣፍቅሮ’

19. ልብና ንመምርሒ የሆዋ ኣወንታዊ ምላሽ ከም እትህበሉ ብምግባር ዝመጸ ፍቕሪ እንታይ ግደ ኣለዋ፧

19 ፍቕሪ ልዕሊ ዝዀነ ይኹን ካልእ ባህርያት: ልብና ንመምርሒ የሆዋ ኣወንታዊ ምላሽ ከም ዝህብ ትገብሮ ኢያ። ብፍቕሪ ኣምላኽ ዝመልአ ልቢ ንሓደ ሰብ ንኣምላኽ ዘሐጕሶን ዘጕህዮን ነገራት ንኽማሃር ሃንቀውታ የሕድረሉ ኢዩ። (1 ዮሃንስ 5:⁠3) የሱስ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮ” በለ። (ማቴዎስ 22:37) ብዛዕባ ሕያውነት ኣምላኽ ወትሩ ብምስትንታን: ልክዕ ከምቲ ንሓደ ናይ ማሕርሮ ዓርክና እንዛረቦ ኣዘውቲርና ምስኡ ብምዝራብ: ብዛዕባኡ ንኻልኦት ተሃንጢና ብምንጋር ንኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ ከነዕምቖ ንኽእል ኢና።

20. ከም ናይ የሆዋ ዝበለ ልቢ ኸነጥሪ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

20 ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ጽሙቝ ኣቢልና ከነቕርቦ እንተድኣ ዄንና ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ:- ከም ናይ የሆዋ ዝበለ ልቢ ምጥራይ ክበሃል ከሎ ቃል ኣምላኽ ነቲ ናይ ውሽጥና ማለት ሕቡእ ናይ ልቢ ሰብ ንኽጸልወና ምፍቃድ እውን ዘጠቓልል ኢዩ። ትርጕም ዘለዎ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት መጽናዕትን ሞሳ እተሓወሶ ምስትንታንን ግድን ኣድላዪ ኢዩ። ከምዚ ኽንገብረሉ እንኽእል ዝበለጸ መገዲ ድሉው ልቢ ብምጥራይ ኢዩ። እዚ ድማ ካብቲ ርጡብ ፍልጠት ቅድሚ ምርካብና እተቐርጸ ርእይቶታት ናጻ ዝዀነ ከምኡውን በቲ ንኽንማሃር ድሌት ዘሕድረልና ባህርያት ዝመልአ ልቢ ማለት ኢዩ! እወ: ብሓገዝ የሆዋ ሰናይ ልቢ ክጥረ ይከኣል ኢዩ። ይኹን እምበር: ንልብና ንምሕላው እንታይ ስጕምትታት ኢዩ ክውሰድ ዝከኣል፧

[እግረ-ጽሑፍ]

a ስም ተቐይሩ ኢዩ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• የሆዋ ዝምርምሮ ምሳልያዊ ልቢ እንታይ ኢዩ፧

• ንቓል ኣምላኽ ‘ኣብ ልብና ኸነንብሮ’ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

• ልብና ንቓል ኣምላኽ ንምምርማር ብኸመይ ኢና ከነዳልዎ እንኽእል፧

• ነዚ ዓንቀጽ እዚ ድሕሪ ምጽናዕና እንታይ ንምግባር ኢኻ ተደሪኽካ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ዳዊት ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ብሞሳ የስተንትን ነበረ። ንስኻኸ ከምኡ ትገብርዶ ኣሎኻ፧

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ቃል ኣምላኽ ምጽናዕ ቅድሚ ምጅማርካ ንልብኻ ኣዳልዎ