ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ፍቕሪ ኣምላኽ መን ኢዩ ዝፈልየና፧

ካብ ፍቕሪ ኣምላኽ መን ኢዩ ዝፈልየና፧

ካብ ፍቕሪ ኣምላኽ መን ኢዩ ዝፈልየና፧

“ንሱ ቕድም ኣፍቂሩና እዩ እሞ: ንሕናውን ነፍቅር ኢና።”​—⁠1 ዮሃንስ 4:19

1, 2. (ሀ) ከም እንፍቀር ምፍላጥና ኣዝዩ ዘገድሰና ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ብዝያዳ ናይ መን ፍቕሪ ኢዩ ዘድልየና፧

 እትፍቀር ምዃንካ ኽትፈልጥ ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ዘገድሰካ፧ ደቅሰብ ካብ ህጻንነቶም ጀሚሮም ክሳዕ ዝዓብዩ ብፍቕሪ እናወሰኹ ኢዮም ዝኸዱ። ኣብ ሕቝፊ ኣዲኡ ዘሎ ቘልዓ ኣስተብሂልካሉዶ ትፈልጥ፧ ዝበዝሕ ግዜ እቲ ቘልዓ ኣብ ከባቢኡ ዝዀነ ይኹን ነገር ይሃሉ ብዘየገድስ: ዓይኒ ዓይኒ እታ እተፍቅሮ ኣዲኡ እናጠመተ ኣብ ሕቝፋ ቕሳነትን ህድኣትን ኢዩ ዝስምዖ። ወይ ድማ ኣብተን ሓድሓደ እዋን ኣሸገርቲ ዝዀና ናይ ንእስነት ዓመታት ከመይ ከም ዝነበርካ ትዝክሮዶ፧ (1 ተሰሎንቄ 2:⁠7) ሓድሓደ ግዜ እንታይ ከም ዘድልየካ ወይ ከመይ ከም ዝስምዓካ እውን ከይተረፈ ኣይርድኣካን ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ: ይኹን እምበር ኣቦኻን ኣዴኻን ከም ዘፍቅሩኻ ምፍላጥካ ግን ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ኣገዳሲ ነይሩ! ዝዀነ ይኹን ግድል ወይ ሕቶ ክለዓል ከሎ ክትቀርቦም ከም እትኽእል ምፍላጥካ ሓጋዚዶ ኣይነበረን ኢዩ፧ እወ: ብህይወት ክሳዕ ዘሎና እቲ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ ዘድልየና ነገር ካልኦት ኣባና ዘለዎም ፍቕሪ ኢዩ። እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ፍቕሪ ዋጋ ዘሎና ምዃንና የረጋግጸልና።

2 እቲ ዘየቋርጽ ፍቕሪ ወለዲ ግቡእ ዕቤትን ሚዛናውነትን ንኽህልወና ብርግጽ ኣበርክቶ ይገብር ኢዩ። ንመንፈሳውን ስምዒታውን ኵነታትና ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ዝጠቅም ግን ሰማያዊ ኣቦና የሆዋ ከም ዘፍቅረና እምንቶ ምሕዳር ኢዩ። ገለ ኣንበብቲ ናይዚ መጽሔት እዚ ብሓቂ ዝሓልዩሎም ፈቃራት ወለዲ ዘይነበርዎም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ንዓኻውን ዘይነበሩኻ እንተድኣ ዀይኖም ኣጆኻ። ፍቕሪ ወለዲ ፈጺምካ ዘይረኸብካ ወይ ጐዲሉካ እንተድኣ ነይሩ ዀይኑ እቲ እሙን ፍቕሪ ኣምላኽ ክኽሕሰካ ኢዩ።

3. የሆዋ ንህዝቡ ከም ዘፍቅሮም ብኸመይ ኢዩ ኣረጋጊጹሎም፧

3 የሆዋ ብነብይኡ ኢሳይያስ ኣቢሉ ሓንቲ ኣደ ነቲ እተጥብዎ ውላዳ “ኽትርስዕ” ከም እትኽእል: ንሱ ግን ንህዝቡ ኸም ዘይርስዖም ሓቢሩ ኣሎ። (ኢሳይያስ 49:⁠15) ብተመሳሳሊ መገዲ ዳዊት እውን ምሉእ ብምሉእ ብምትእምማን “ኣቦይን እኖይን እኳ እንተ ዚጥንጥኑኒ: እግዚኣብሄርሲ ይእርንበኒ እዩ” በለ። (መዝሙር 27:10) እዝስ ከመይ ዝበለ ውሕስነት ዝህብ ኰን ኢዩ! ኵነታትካ ብዘየገድስ: ህይወትካ ወፊኻ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ርክብ እንተድኣ መስሪትካ: እቲ ንሱ ኣባኻ ዘለዎ ፍቕሪ ካብ ናይ ዝዀነ ይኹን ሰብ ፍቕሪ ከም ዝዓዝዝ ወትሩ ኽትዝክር ይግብኣካ!

ካብ ፍቕሪ ኣምላኽ ኣይትፈለ

4. ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ብዛዕባ ፍቕሪ ኣምላኽ እንታይ መረጋገጺ ኢዩ እተዋህቦም፧

4 ብዛዕባ ፍቕሪ ኣምላኽ መጀመርታ እተማሃርካ መዓስ ኢኻ፧ ምናልባት ተመክሮኻ ምስቲ ናይቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ዝመሳሰል ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ምዕራፍ 5 ናይታ ጳውሎስ ንሰብ ሮሜ ዝጸሓፈሎም መልእኽቲ: እቶም ካብ ኣምላኽ ርሒቖም ዝነበሩ ሓጢኣተኛታት ብኸመይ ፍቕሪ ኣምላኽ ከም ዝረኸቡ ጽቡቕ ገይራ ኢያ እትገልጾ። ኣብ ቍጽሪ 5 ‘በቲ እተዋህበና መንፈስ ቅዱስ ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ልብና ፈሰሰ’ ዝብል ነንብብ። ጳውሎስ ቀጺሉ ኣብ ቍጽሪ 8 “ንሕና ገና ሓጥኣን ከሎና: ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞይቱ እዩ እሞ: ኣምላኽ እታ ፍቕሩ ንኣና በዚ የርኢ አሎ” ይብል።

5. ፍቕሪ ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ዓቢ ምዃኑ ክትግንዘብን ከተማሱን ዝኸኣልካ ብኸመይ ኢኻ፧

5 ብተመሳሳሊ መገዲ ናይ ቃል ኣምላኽ ሓቂ ምስ እትፈልጥ እሞ እምነት ከተርኢ ምስ እትጅምር ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልብኻ ክዓዪ ይጅምር። በዚ መገዲ እዚ የሆዋ ነቲ ሓደ ፍቑር ወዱ ኣብ ክንዳና ኽመውት ብምልኣኹ ዝገበሮ ዓቢ ነገር ኽትግንዘቦን ከተማስወሉን ጀሚርካ ኣሎኻ ማለት ኢዩ። በዚ ኸምዚ የሆዋ ክሳዕ ክንደይ ንደቅ​ሰብ ከም ዘፍቅሮም ንኽትፈልጥ ሓጊዙካ ኢዩ። ብሰንኪ ሓጢኣት ካብ ኣምላኽ ርሒቕካ እኳ እንተ ተወለድካ: የሆዋ ንደቅ​ሰብ ጻድቃን ተባሂሎም ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ክወርሱ መገዲ ከም ዝኸፈተሎም ምስ ተገንዘብካ ልብኻ ኣይተተንከፈንዶ ኢዩ፧ ኣብ የሆዋ ፍቕሪ ኽህልወካኸ ኣይተደረኽካንዶ፧​—⁠ሮሜ 5:⁠10

6. ሓድሓደ ግዜ ካብ የሆዋ ዝረሓቕና ዀይኑ ዝስምዓና ስለምንታይ ኢዩ፧

6 ብፍቕሪ ሰማያዊ ኣቦኻ ምስ ተሰሓብካ ብእኡ ተቐባልነት ንኽትረክብ ናብራኻ ብምትዕርራይ ህይወትካ ንኣምላኽ ወፊኻ ኢኻ። ድሕሪኡ ምስ ኣምላኽ ተዓሪቕካ ኢኻ። ይኹን እምበር: ሓድሓደ ግዜ ካብ የሆዋ ዝረሓቕካ ዀይኑዶ ይስምዓካ ኢዩ፧ ንነፍሲ ወከፍና ኸምዚ ኸጋጥመና ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር: ኣምላኽ ከም ዘይቅየር ወትሩ ዘክር። ልክዕ ከምቲ ጸሓይ ብርሃና ናብ ምድሪ ካብ ምስዳድ ዘይተቋርጽ ፍቕሩ እውን ቀጻልን ዘየቋርጽን ኢዩ። (ሚልክያስ 3:⁠6፣ ያእቆብ 1:⁠17) ንሕና ግን ንግዚኡ እውን እንተዀነ ኽንቅየር ንኽእል ኢና። ምድሪ ኽትዘውር ከላ ፍርቂ ፕላኔትና ብጸልማት ኢዩ ዝጕልበብ። ብተመሳሳሊ ብእተወሰነ ደረጃ እውን ይኹን ካብ ኣምላኽ እንተድኣ ኣላጊስና ምስኡ ዘሎና ርክብ እተተንከፈ ዀይኑ ክስምዓና ይኽእል ኢዩ። ንኸምዚ ዝበለ ዅነታት ንምዕራይ እንታይ ኽንገብር ምኸኣልና፧

7. ርእስና ምምርማር ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ንኽንቅጽል ብኸመይ ኢዩ ኽሕግዘና ዝኽእል፧

7 ካብ ፍቕሪ ኣምላኽ እተፈለና ዀይኑ እንተድኣ ተሰሚዑና ንገዛእ ርእስና ከምዚ ኢልና ኽንውከሳ ይግባእ:- ‘ንፍቕሪ ኣምላኽ ኣቕሊለ ደዀን ርእየዮ እኸውን፧ ብእተፈላለየ መገዲ ድኽምቲ እምነት ብምርኣይ ካብቲ ህያውን ፈቃርን ኣምላኽ በብቝሩብ ርሒቐ ደዀን እኸውን፧ ነተሓሳስባይ ኣብ ክንዲ ኣብ “ሓሳብ መንፈስ” ኣብ “ሓሳብ ስጋ” ከም ዘተኵር ገይረዮዶ ዀን እኸውን፧’ (ሮሜ 8:⁠5-8፣ እብራውያን 3:⁠12) ካብ የሆዋ ርሒቕና እንተድኣ ኣሊና: ዅነታትና ኣተዓራሪና ምስኡ ናይ ማሕርሮን ምዉቕን ርክብ ንምምስራት ስጕምቲ ኽንወስድ ንኽእል ኢና። ያእቆብ “ንኣምላኽ ቅረብዎ: ንሱውን ኪቐርበኩም እዩ” ይብለና። (ያእቆብ 4:8) ነቲ ኸምዚ ዝብል ቃላት ይሁዳ ኣቕልበሉ:- “ኣቱም ፍቁራተይ: በታ ኻብ ኵሉ እተቐደሰት እምነትኩም ንርእስኹም እናሀነጽኩም: ብመንፈስ ቅዱስውን እናጸሌኹም . . . ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ።”​—⁠ይሁዳ 20, 21

ናይ ኵነታት ለውጢ ንፍቕሪ ኣምላኽ ኣይትንክፎን ኢዩ

8. ኣብ ናብራ ህይወትና ከመይ ዝበለ ለውጥታት ኢዩ ብሃንደበት ክርአ ዝኽእል፧

8 ህይወትና ኣብዚ ኣገባብ እዚ ንብዙሕ ለውጥታት እተቓልዐት ኢያ። ንጉስ ሰሎሞን ‘ንዅላትና ጊዜን ኣጋጣምን ከም ዝመጸና’ ሓቢሩ ኣሎ። (መክብብ 9:11) ህይወትና ሃንደበት ምሉእ ብምሉእ ኽልወጥ ይኽእል ኢዩ። ሎሚ ምሉእ ጥዕና ይህልወና ይኸውን ጽባሕ ግን ከቢድ ሕማም ክንሓምም ንኽእል ኢና። ሎሚ ዓለማዊ ስራሕና ዘተኣማምን መሲሉ ክርኣየና ደሓር ግን ስራሕ ኣልቦ ክንከውን ንኽእል ኢና። ሓደ እነፍቅሮ ሰብ ሃንደበት ክመውት ይኽእል ኢዩ። ኣብ ሓንቲ ሃገር ዝነብሩ ክርስትያናት ንገለ ግዜ ሰላማዊ ናብራ ኽነብሩ ጸኒሖም ደሓር ግን ብሃንደበት ከቢድ መስጐጕቲ ይወርዶም ይኸውን። ምናልባት ብሓሶት ንኽሰስ እሞ ብሰንኩ ዘይፍትሓዊ ፍርዲ ይጸዓነና ይኸውን። እወ: ህይወት ዘተኣማምን ወይ ውሕስነት ዘለዎ ኣይኰነን።​—⁠ያእቆብ 4:⁠13-15

9. ገለ ኽፋል ናይ ሮሜ ምዕራፍ 8 ክንምርምር ጥበባዊ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

9 ሃንደበታዊ ዅነታት ክወርደና ኸሎ እተረሳዕና ዀይኑ ኽስምዓና: አረ እቲ ኣምላኽ ኣባና ዘለዎ ፍቕሪ እውን ከም ዝዘሓለ ገይርና ኽንወስዶ ንኽእል ኢና። ኵላትና ንኸምዚ ዝኣመሰለ ሃንደበታዊ ዅነታት እተቓላዕና ስለ ዝዀንና ነቲ ኣብ ሮሜ ምዕራፍ 8 ዝርከብ ዘጸናንዕ ቃላት ጳውሎስ ተጠንቂቕና ክንሓስበሉ ይግብኣና። እዘን ቃላት እዚኣተን ናብቶም ብመንፈስ እተቐብኡ ክርስትያናት ኢየን ተጻሒፈን። እንተዀነ ግን እዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚ ኣብተን ካልኦት ኣባጊዕ እውን ይውዕል ኢዩ። ከመይሲ ንሳቶም እውን ልክዕ ከምቲ ቅድሚ ክርስትና ዝነበረ ኣብርሃም ከም ኣዕሩኽ ኣምላኽ መጠን ጻድቃን ተባሂሎም ኢዮም ዝጽውዑ።​—⁠ሮሜ 4:⁠20-22፣ ያእቆብ 2:⁠21-23

10, 11. (ሀ) ጸላእቲ እንታይ ናይ ሓሶት ክሲ ኢዮም ኣንጻር ህዝቢ ኣምላኽ ከቕርቡ ዝኽእሉ፧ (ለ) ከምዚ ዝኣመሰለ ኽስታት ንክርስትያናት ትርጕም ዘይብሉ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

10 ሮሜ 8:⁠31-34 ኣንብብ። ጳውሎስ “ኣምላኽ ምሳና ኻብ ኰነኸ: መን እዩ ዚቃወመና፧” ኢሉ ይሓትት። ሓቂ ኢዩ ሰይጣንን እዛ እክይቲ ዓለም እዚኣን ኣንጻርና ኢዮም። ጸላእቲ ይጥቅኑና: አረ ሕሉፍ ሓሊፎም ኣብ ኣብያተ⁠-​ፍርዲ ናይታ እንነብረላ ሃገር እውን ብሓሶት ክኸሱና ይኽእሉ ኢዮም። ገለ ክርስትያን ወለዲ ንውላዳቶም ምስ ሕጊ ኣምላኽ ዝጻረር ሕክምናዊ ነገራት ክወስዱ ስለ ዘይፈቐዱሎም ወይ ከኣ ኣብ ኣረመናዊ በዓላት ምክፋል ስለ ዝኸልከልዎም ደቆም ይጸልኡ ኢዮም ተባሂሎም ተኸሲሶም ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 15:⁠28, 29፣ 2 ቈረንቶስ 6:⁠14-16) ካልኦት እሙናት ክርስትያናት እውን ኣብ ውግእ ንሰባት ኣይንቐትልን ወይ ኣብ ፖለቲካ ኣይንጽመድን ብምባሎም መናዓብቲ ተባሂሎም ተኸሲሶም ኢዮም። (ዮሃንስ 17:⁠16) ገሊኦም ተቓወምቲ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓደገኛ ኣንቈራ ኢሎም ብሓሶት ብምኽሳስ እውን ከይተረፈ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዘካፍእ ወረ ዘርጊሖም ኢዮም።

11 ይኹን እምበር: ኣብ ግዜ ሃዋርያት “ብዛዕባ እዛ ሻራ እዚኣ ግና ኣብ ኵሉ ቦታ ኸም ዚጻረሩ: ንፈልጥ ኢና” ተባሂሉ ምንባሩ ኣይትረስዕ። (ግብሪ ሃዋርያት 28:22) ብሓቂ ኽርአ ኸሎ ግን ናይ ሓሶት ክስታት ዘምጽኦ ቍም ነገር ኣለዎ ድዩ፧ ንሓቀኛታት ክርስትያናት ጻድቃን ዝበሎም ኣምላኽ ክኸውን ከሎ እዚ ድማ በቲ ኣብ መስዋእቲ ክርስቶስ ዘለዎም እምነት መሰረት ኢዩ። የሆዋ ነቲ ኻብ ኵሉ ክቡር ዝዀነ ውህበት ማለት ነቲ ዝፈትዎ ሓደ ወዱ ልኢኹ ኸብቅዕ ንኣምለኽቱ ካብ ምፍቃር ዝኽልክሎ ድኣ እንታይ ኢዩ፧ (1 ዮሃንስ 4:⁠10) ሕጂ ክርስቶስ ካብ ምዉታት ተንሲኡ ኣብ የማን ኣምላኽ ብምቕማጡ: ንክርስትያናት ይልምነሎም ኢዩ። ክርስቶስ ንሰዓብቱ ኣይከላኸለሎምን ኢዩ ኢሉ ብሓቂ ኽማጐት ዝኽእል መን ኢዩ: ወይ ከኣ የሆዋ ነቶም እሙናት ስምረቱ ንኸይህቦም ተቓዊሙ ኽረትዕ ዝኽእል መን ኢዩ፧ ሓደ እኳ የለን!​—⁠ኢሳይያስ 50:⁠8, 9፣ እብራውያን 4:⁠15, 16

12, 13. (ሀ) ከመይ ዝበለ ዅነታት ኢዩ ኻብ ፍቕሪ ኣምላኽ ክፈልየና ዘይክእል፧ (ለ) ድያብሎስ እንታይ ዕላማ ብምሓዝ ኢዩ መከራ ዘውርደልና፧ (ሐ) ክርስትያናት ምሉእ ብምሉእ ክዕወቱ ዝኽእሉ ስለምንታይ ኢዮም፧

12 ሮሜ 8:35-37 ኣንብብ። ካብ ፍቕሪ የሆዋን ወዱ የሱስ ክርስቶስን ክፈልየና ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ኣካል ወይ ዝዀነ ይኹን ነገር ኣሎዶ፧ ሰይጣን ኣብ ልዕሊ ክርስትያናት ብዙሕ ሽግር ንምውራድ ምድራውያን ወኪላቱ ይጥቀም ይኸውን። ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ብዙሓት ክርስትያናት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ሓያሎ ሃገራት ኣደዳ ብርቱዕ መስጐጕቲ ዀይኖም ኢዮም። ሎሚ ኣብ ገለ ገለ ቦታታት ዝርከቡ ኣሕዋትና መዓልታዊ ዝዀነ ቍጠባዊ ሽግር ኣለዎም። ገሊኣቶም ብጥሜት ወይ እኹል ክዳውንቲ ብዘይ​ምርካብ ዝመጸ መሪር ናብራ ኢዮም ዘሕልፉ። ድያብሎስ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸበባ ዘውርድ ንምንታይ ዕላማ ኢዩ፧ ገለ ኻብቲ ዕላምኡ ነቲ ሓቀኛ ኣምልኾ የሆዋ ንምትዕንቓጽ ኢዩ። ሰይጣን: ፍቕሪ ኣምላኽ ዝሒሉ ኢዩ ዝብል እምነት ከነሕድር ኢዩ ዝደሊ። ይኹን እምበር: ፍቕሪ ኣምላኽሲ ብሓቂዶ ዝሒሉ ኢዩ፧

13 ከምቲ መዝሙር 44:⁠22 ጠቒሱ እተዛረበ ጳውሎስ ንሕናውን ነቲ ኣብ ጽሑፍ ሰፊሩ ዘሎ ቓል ኣምላኽ ነጽንዖ ኢና። ንዓና ‘ነባጊዑ’ ከምዚ ዘጋጥመና ምእንቲ ስም ኣምላኽ ምዃኑ ንርዳእ ኢና። ምቕዳስ ስም ኣምላኽን ምርግጋጽ ኣድማሳዊ ሉዓላውነትን ምስዚ ጕዳይ እዚ እተተሓሓዘ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። ኣምላኽ ፈተናታት ክህሉ ዘፍቀደ ብምኽንያት እዚ ዓበይቲ ኽርክር እዚ ድኣ እምበር ዘየፍቅረና ዀይኑ ኣይኰነን። ዘጕሂ ዅነታት ይሃሉ ብዘየገድስ ኣምላኽ ንህዝቡ እንተላይ ንነፍሲ ወከፍና ዘለዎ ፍቕሪ ከም ዘይተለወጠ መረጋገጺ ተዋሂቡና ኢዩ። ብሓደ እነሕልፎ መከራ ምናልባት ዘይተዓወትና ዝመስል እውን እንተዀነ ንጽህናና ከየቋረጽና እንተድኣ ሓሊና ናብ ዓወት ክቕየር ኢዩ። ውሕስነት እቲ ዘየቋርጽ ፍቕሪ ኣምላኽ ስለ ዘሎና ሓዪልናን ተዓንጊልናን ኢና።

14. ክርስትያናት ጸገማት እኳ እንተ ኣጋጠሞም ፍቕሪ ኣምላኽ ከም ዘይፍለዮም ጳውሎስ ክኣምን ዝኸኣለ ስለምንታይ ኢዩ፧

14 ሮሜ 8:38, 39 ኣንብብ። ንክርስትያናት ዝዀነ ይኹን ነገር ካብ ፍቕሪ ኣምላኽ ክፈልዮም ከም ዘይክእል ንጳውሎስ ዘእመኖ እንታይ ኢዩ፧ ጳውሎስ ኣብ ኣገልግሎት ዘሕለፎ ብሕታዊ ተመክሮ: ዝዀነ ይኹን ጸገም ነቲ ኣምላኽ ኣባና ዘሎዎ ፍቕሪ ክትንክፎ ኸም ዘይክእል ንዝነበሮ እምነት ኣደልዲልሉ ክኸውን ኣሎዎ። (2 ቈረንቶስ 11:​23-27፣ ፊልጲ 4:⁠13) ብዘይ​ዚውን ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ዘለኣለማዊ ዕላማ የሆዋን ኣብ ዝሓለፈ ግዜያት ምስ ህዝቡ ዝገብሮ ዝነበረ ርክብን ፍልጠት ነይርዎ ኢዩ። እቲ ኣምላኽ ኣብቶም ብተኣማንነት ዘገልግልዎ ዘርእዮ ፍቕሪ ምስ ሞቱ ዘቋርጽ ድዩ፧ ፈጺሙ ኣየቋርጽን ኢዩ! ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ እሙናት ብሞት ምስ ዝፍለዩ ኣብቲ ዘይሃስስ ዝኽሪ ኣምላኽ ኢዮም ዝዀኑ: ኣብ ግዚኡ ድማ ኸተንስኦም ኢዩ።​—⁠ሉቃስ 20:⁠37, 38፣ 1 ቈረንቶስ 15:⁠22-26

15, 16. ኣምላኽ ንህዝቡ ካብ ምፍቃር ክዓግቶ ዘይክእል ገለ ገለ ነገራት ጥቐስ።

15 ሎሚ ኣብ ህይወትና ዝዀነ ይኹን ጸገማት ማለት ኣካላት ዘልምስ ሓደጋ: ቀዛፊ ሕማም ወይ ቍጠባዊ ቕልውላው የጋጥመና ብዘየገድስ ነቲ ኣምላኽ ንህዝቡ ዘለዎ ፍቕሪ ኸቋርጾ ኣይክእልን ኢዩ። ከምቲ ንገዛእ ርእሱ ሰይጣን ዝገበረ መልኣኽ ዝኣመሰሉ ሓያላት መናፍስቲ እውን እንተዀኑ የሆዋ ነቶም ውፉያት ኣገልገልቱ ንኸየፍቅሮም ጽልዋ ኽገብርሉ ኣይክእሉን ኢዮም። (እዮብ 2:⁠3) መንግስታት ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ክእግድዎም: ክኣስርዎም: ከጋፍዕዎም: ከምኡውን ብህዝቢ ከም ዝጽልኡ ኽገብርዎም ይኽእሉ ኢዮም። (1 ቈረንቶስ 4:⁠13) ከምዚ ዝኣመሰለ ካብ መንግስታት ዝመጸና መሰረት ዘይብሉ ጽልኢ: ንሰባት ኣንጻርና ከም ዝለዓሉ ኽገብሮም ዝኽእል እኳ እንተዀነ ነቲ ናይ ኣድማስ ሉዓላዊ ግን ከም ዝጥንጥነና ኽገብሮ ኣይክእልን ኢዩ።

16 ከም ክርስትያናት መጠን ዝዀነ ይኹን ካብቲ ጳውሎስ “ዘሎ”​—⁠ኣብዚ ኣገባብ እዚ ዝርአ ፍጻመታት: ዅነታት: ወይ ኣጋጣሚታት​—⁠ዀነ “ዚመጽእ” ብምባል እተዛረበሉ ነገራት ነቲ ኣምላኽ ምስ ህዝቡ ዘለዎ ርክብ ክበትኮ ኣይክእልን ኢዩ። ምድራውያንን ሰማያውያንን ሓይልታት ይዋግኡና እኳ እንተዀኑ እቲ እሙን ፍቕሪ ኣምላኽ ግን ኣይፍለየናን ኢዩ። ከምቲ ጳውሎስ ኣጕሊሕዎ ዘሎ “ልዕል ዝበለ ዀነ ወይ ትሕት ዝበለ” ንፍቕሪ ኣምላኽ ኣይዓግቶን ኢዩ። እወ: ተስፋ ከም እንቘርጽ ንኽገብረና ይኹን ኣብ ልዕሌና ጸብለልትነት ንምርኣይ ዝግበር ዝዀነ ይኹን ሓይሊ ካብ ፍቕሪ ኣምላኽ ክፈልየና ኣይክእልን ኢዩ። ካልእ ፍጥረት እውን እንተዀነ ነቲ ፈጣሪ ምስ እሙናት ኣገልገልቱ ዘለዎ ርክብ ከበላሽዎ ኣይክእልን ኢዩ። ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ኣይተቋርጽን ኢያ። ዘለኣለማዊት ኢያ።​—⁠1 ቈረንቶስ 13:⁠8

ንፍቕራዊ ሕያውነት ኣምላኽ ንዘለኣለም ዓቅቦ

17. (ሀ) ፍቕሪ ኣምላኽ ‘ካብ ህይወት ዝበልጽ’ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ንፍቕራዊ ሕያውነት ኣምላኽ ከም እንዕቅቦ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

17 ፍቕሪ ኣምላኽ ንዓኻ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ኢዩ፧ ከምቲ “ለውሃትካ ኻብ ህይወት ይበልጽ እዩ እሞ: ከናፍረይ ኪውድሳኻ እየን። ብህይወተይ ክሳዕ ዘሎኹ ኽባርኸካ: ብስምካ ነእዳወይ ከልዕለን እየ” ብምባል ዝጸሓፈ ዳዊት እተሰምዖዶ ይስምዓካ ኢዩ፧ (መዝሙር 63:3, 4) ናብራ እዛ ዓለም እዚኣ ብሓቂዶ ካብ ፍቕሪ ኣምላኽን እቲ እሙን ዕርክነቱን ዝበልጽ ነገር ክህበና ይኽእል ኢዩ፧ ንኣብነት: ብዙሕ እቶት ዘለዎ ዓለማዊ ስራሕ ምሓዝ ካብቲ ምስ ኣምላኽ ጥብቂ ዕርክነት ብምግባርካ ኽመጽእ ዝኽእል ናይ ኣእምሮ ሰላምን ሓጐስን ክበልጽዶ ይኽእል ኢዩ፧ (ሉቃስ 12:⁠15) ገለ ኻብ ክርስትያናት ንየሆዋ ክኽሕዱ ወይ ክሞቱ ምርጫ ቐሪብሎም ኢዩ። ነቶም ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ መዳጐኒ ደምበታት ናዚ ዝነበሩ ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምኡ ኢዩ ኣጋጢምዎም። ንገለ ሒደት ገዲፍካ ክርስትያናት ኣሕዋትና ኣድላዪ እንተድኣ ዀይኑ ንሙማት እውን ፍቓደኛታት ብምዃን ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ክነብሩ መሪጾም ኢዮም። እቶም ብተኣማንነት ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ዝጸንዑ: ኣምላኽ ዘለኣለማዊ ህይወት ክህቦም ምዃኑ ክተኣማመኑ ይኽእሉ ኢዮም። እዚ ድማ ዓለም ክትህበና ዘይትኽእል ውህበት ኢዩ። (ማርቆስ 8:⁠34-36) ይኹን እምበር: ምስዚ ዝተሓሓዝ ካልእ ካብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዝበልጽ ነገር ኣሎ።

18. ዘለኣለማዊ ህይወት ኣዝዩ ተበሃጊ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧

18 ሽሕኳ ብዘይ​ የሆዋ ዘለኣለማዊ ህይወት ፈጺሙ ዘይከኣል እንተዀነ: ካብ ፈጣሪ ርሒቕካ ንነዊሕ እዋን ምንባር እንታይ ከም ዝመስል እሞ ኽትግምቶ ፈትን። ባዶን ናይ ሓቂ ዕላማ ዘይብሉን ምዀነ ነይሩ። የሆዋ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ንህዝቡ ዘዕግብ ዕዮ ሂብዎም ኢዩ። ስለዚ እቲ በዓል ዕላማ ዝዀነ የሆዋ ዘለኣለማዊ ህይወት ክህበና ኸሎ እንማሃሮን እንዓዮን ባህ ዘብል ብዙሕ ጠቓሚ ነገራት ዝሓቍፍ ምዃኑ እምንቶ ኸነሕድር ንኽእል ኢና። (መክብብ 3:⁠11) ኣብቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ መዋእላት እተማሃርና እኳ እንተ ተማሃርና ነቲ “መዓሙቕ ሃብቲ ኣምላኽን ጥበቡን ፍልጠቱን” ምሉእ ብምሉእ ፈጺምና ኽንበጽሖ ኣይንኽእልን ኢና።​—⁠ሮሜ 11:33

ኣቦ የፍቅረካ ኢዩ

19. የሱስ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ ኽሰናበቶም ከሎ እንታይ ኢዩ ዘረጋገጸሎም፧

19 የሱስ ኣብ 14 ኒሳን 33 ከ.ኣ.ዘ. ምስቶም 11 እሙናት ሃዋርያቱ ኣብ ዘሕለፎ ናይ መወዳእታ ምሸት: ኣብቲ ዝጽበዮም ዝነበረ ነገራት ኸበርትዖም ዝኽእል ብዙሕ ነገራት ተዛሪብዎም ኢዩ። ዅላቶም ኣብ ፈተናኡ ምስ ክርስቶስ ተዓጊሶም ኢዮም። በብውልቆም ድማ ንፍቕሩ ተመኲሮምዋ ኢዮም። (ሉቃስ 22:⁠28, 30፣ ዮሃንስ 1:⁠16፣ 13:⁠1) ድሕርዚ የሱስ “ኣቦ ባዕሉ የፍቅረኩም አሎ” ብምባል ውሕስነት ሃቦም። (ዮሃንስ 16:27) እዘን ቃላት እዚኣተን ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ብዛዕባ እቲ ሰማያዊ ኣቦኦም ዘንጸባርቐሎም ናይ ለውሃት ስምዒት ንኽግንዘቡ ኣየ ኽንደይ ኰን ኢየን ሓጊዘንኦም ክዀና ዘለወን!

20. እንታይ ንምግባር ኢኻ ቘራጽነት ገይርካ ዘሎኻ: ኣብ ምንታይከ ኢዩ ምትእምማን ክህልወካ ዝኽእል፧

20 ብዙሓት ሎሚ ብህይወት ዘለዉ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝኣክል ንየሆዋ ብተኣማንነት ኣገልጊሎምዎ ኢዮም። እዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ቅድሚ ምውድኡ ብዙሕ ፈተናታት ከም እነሕልፍ ዘጠራጥር ኣይኰነን። እዚ ፈተናታት ወይ ጸበባ እዚ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ኣባኻ ዘለዎ እሙን ፍቕሪ ከም እትጠራጠር ኽገብረካ ኣይትሕደጎ። የሆዋ የፍቅረካ ኢዩ እንተ ተባህለ ምግናን ኣይኰነን። (ያእቆብ 5:⁠11) ብወገንና ትእዛዛት ኣምላኽ ብምሕላው ኵሉ ግዜ ግዴና ንግበር። (ዮሃንስ 15:⁠8-10) ንዝረኸብናዮ ኣጋጣሚ ስሙ ንምውዳስ ንጠቐመሉ። ናብ የሆዋ ኣጸቢቕና ንምቕራብ ዝገበርናዮ ቘራጽነት ብጸሎትን ቃሉ ብምጽናዕን ከነበርትዖ ይግብኣና። ሕጂ ንየሆዋ ንምሕጓስ ብዝከኣለና ዅሉ ንጽዕር እንተድኣ ኣሊና ጽባሕ ዝመጸ ይምጻእ ብዘየገድስ ብዛዕባ እታ ዘይተቋርጽ ፍቕሩ ምሉእ እምነት ሃልዩና ብሰላም ክንነብር ኢና።​—⁠2 ጴጥሮስ 3:⁠14

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• መንፈሳውን ስምዒታውን ሚዛንና ንምሕላው ብፍላይ ናይ መን ፍቕሪ ኢዩ ዘድልየና፧

• ከመይ ዝበለ ነገራት ኢዩ የሆዋ ንኣገልገልቱ ካብ ምፍቃር ክዓግቶ ዘይክእል፧

• ፍቕሪ ኣምላኽ ምርካብ ‘ካብ ህይወት ዝበልጽ’ ስለምንታይ ኢዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ካብ ፍቕሪ ኣምላኽ ከም እተፈለና ዝስምዓና እንተድኣ ዀይኑ: ኵነታትና ከነተዓራሪ ንኽእል ኢና

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ጳውሎስ ስለምንታይ መስጐጕቲ ይወርዶ ከም ዝነበረ ተረዲእዎ ኢዩ