ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ወድሰብ ንዓለም ከመሓይሻ ይኽእል ድዩ፧

ወድሰብ ንዓለም ከመሓይሻ ይኽእል ድዩ፧

ወድሰብ ንዓለም ከመሓይሻ ይኽእል ድዩ፧

 ፖለቲካ ነቲ ንሕብረተሰብ ዘተኣሳስር መዋቕር ናብ ዝነበሮ ከም ዝምለስ ክገብር ኣይክእልን ኢዩ። ነቲ ጥንቲ ዝእመነሉ ዝነበረ ስነ⁠-​ምግባራዊ ስርዓታት እንደገና ህያው ንምግባር ዘኽእል ዓቕሚ የብሉን። እቲ ዝበለጸ ፖሊሲ: ነቲ ብዛዕባ ወረዘ ዀነ መርዓ ዝነበረ ስርዓታት ክመልሶ: ኣቦታት ናይ ደቆም ሓላፍነት ከም ዝስምዖም ክገብር: ከምኡውን ከም ቀደም ሕማቕ ርኢኻ ናይ ምስክሕካሕ ወይ ምሕፋር ስምዒት ከም ዝስምዓካ ኽገብር ኣይክእልን ኢዩ። . . . መብዛሕትኡ ዘሸግረና ዘሎ ስነ⁠-​ምግባራዊ ጸገማት ብሕጊ ኸተጥፍኦ ኣይከኣልን ኢዩ።”

ስ ቃላት እዚ ተሓሓጋጋዚ መንግስቲ ሕ.መ.ኣ. ዝነበረ ሰብኣይ ትሰማማዕ ዲኻ፧ ትሰማማዕ እንተ ዄንካ: ነቲ ሎሚ ዘሎ ኻብ ስስዐ: ምዝሓል ፍቕሪ ስድራ​ቤት: ቀይዲ ዘይብሉ ስነ⁠-​ምግባር: ድንቍርና: ከምኡውን ንሕብረተሰብ ካብ ዘበላሹ ካልእ ነገራት ዝምንጭ ጸገማት ደኣ እሞ እንታይ መፍትሒ ኢዩ ዘለዎ፧ ገሊኣቶም መፍትሒ ዘለዎ ዀይኑ ስለ ዘይስምዖም ብእተኻእሎም መጠን ናብርኦም ጥራይ ይገብሩ። ገሊኣቶም ከኣ ሓደ መዓልቲ ሓደ ሓያልን በሊሕን መራሒ​—⁠ምናልባት እውን ሃይማኖታዊ መራሒ​—⁠መጺኡ በቲ ቕኑዕ መገዲ ኽመርሖም ተስፋ ይገብሩ።

ኣስታት ክልተ ሽሕ ዓመት ኣቢሉ: ገሊኦም ሰባት የሱስ ክርስቶስ ካብ ኣምላኽ ከም እተላእከን ዝበለጸ መራሒ ክኸውን ከም ዝኽእልን ስለ ዝፈለጡ ኸንግስዎ ደለዩ። የሱስ ግን ሓሳባቶም ምስ ፈለጠ ተቓላጢፉ ኻብቲ ቦታ ረሓቐ። (ዮሃንስ 6:⁠14, 15) ጸኒሑ ንሓደ ሮማዊ ኣመሓዳሪ “መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን” በሎ። (ዮሃንስ 18:⁠36) ሕጂ ግን ከምቲ የሱስ ዝነበሮ ኣቕዋም ዘለዎም ሰባት ሒደት ኢዮም፣ እቶም ሰዓብቱ ኢና ዝብሉ መራሕቲ ሃይማኖት እውን ከይተረፉ ኸምኡ ኣይገብሩን ኢዮም። ገሊኣቶም ኣብ ዓለማውያን መራሕቲ ጽልዋ ብምግባር ወይ ፖለቲካዊ ስልጣን ብምሓዝ ነዛ ዓለም እዚኣ ዝሓሸት ክገብርዋ ጽዒሮም ኢዮም። ኣብ 1960ታትን 70ታትን እተገብረ ፍጻመታት ምልስ ኢልና ምስ እንዕዘብ ነዚ ኽንርእዮ ንኽእል ኢና።

ንዓለም ንምምሕያሽ እተገብረ ሃይማኖታዊ ጻዕርታት

ኣብ መወዳእታ 1960ታት ኣብ ላቲን ኣመሪካ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ዝነብሩ ገለ ናይ ሃይማኖት ምሁራት ምእንቲ ድኻታትን ጭቁናትን ክቃለሱ ጀመሩ። ኣብ ቃልሶም ሓርነታዊ ስነ⁠-​ሃይማኖት መሃዙ: ብኣተሓሳስባኦም ከኣ ክርስቶስ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ ዓይነት መድሓኒ ጥራይ ዘይኰነስ: ብፖለቲካውን ቍጠባውን መዳይ እውን ሓራ ዘውጽእ ገይርካ ኢዩ ዝርአ። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ስነ⁠-​ምግባራዊ ስርዓታት ይሃስስ ምህላዉ ዘጨነቖም ብዙሓት መራሕቲ ሃይማኖት “ናይ ብዙሓን ስነ⁠-​ምግባር” እትበሃል ማሕበር ኣቘሙ። ዕላማ እዛ ማሕበር እዚኣ ፖለቲካዊ ስልጣን ብምሓዝ ጥዑይ ናይ ስድራ​ቤት ስነ⁠-​ምግባር ምሕጋግ ኢዩ ነይሩ። ብተመሳሳሊ እውን ኣብ ብዙሓት ሃገራት ምስልምና: ቍርኣን ንዝብሎ ጠቢቖም ብምስዓብ ንብልሽውናን ስስዐን ከጥፍኡ ዝጽዕሩ ጕጅለታት ኣለዉ።

ብሰንኪ እዚ ጻዕርታት እዚ ዓለም ካብ ቅድም ዝሓሸት ኰይናዶ ምበልካ፧ ኣብ መላእ ዓለም: ኣብተን ሓርነታዊ ስነ⁠-​ሃይማኖት ዘስፋሕፍሓለን ሃገራት እውን ከይተረፈ ስነ⁠-​ምግባራዊ ስርዓታት የንቈልቍል: ኣብ መንጎ ሃብታምን ድኻን ዘሎ ጋግ ድማ ይሰፍሕ ኣሎ።

እዛ “ናይ ብዙሓን ስነ⁠-​ምግባር” እትበሃል ማሕበር ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሒዛቶ እተበገሰት ቀንዲ ዕላማታት ክትወቅዕ ስለ ዘይከኣለት: ብ1989 እቲ መስራቲኣ ጀሪ ፋልዌል ባዕሉ ነታ ማሕበር ኣፍረሳ። ነዚ ሓሳብ እዚ ሒዘን ብእተበገሳ ካልኦት ማሕበራት ድማ ተተክአት። እንተዀነ ግን: እቲ ነታ “ናይ ብዙሓን ስነ⁠-​ምግባር” እትብል ቃል ንመጀመርታ ግዜ እተጠቕመላ ፖል ወይሪች ኣብታ ክርስችያኒቲ ቱደይ እትበሃል መጽሔት “ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ እኳ እንተ ተዓወትና: ኣገዳሲ ኢዩ ኢልና እንኣምነሉ ፖሊሲታት ግን ከነውጽእ ኣይከኣልናን” ኢሉ ጸሓፈ። ቀጺሉ እውን ከምዚ በለ:- “ባህሊ እናኸፍአ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ። ንፖለቲካ ብቐሊሉ ኽዕብልል ኣብ ዝኽእል ኣዝዩ ዓቢ ባህላዊ ውድቀት ድማ ኢና ዘሎና።”

ኣዳላዊ ዓምድን ደራስን ካል ቶማስ ብፖለቲካ ገይርካ ንሕብረተሰብ ከተዕሪ ምጽዓር ዘለዎ መሰረታዊ ሽግር ከምዚ ብምባል ገለጾ:- “ቀንዲ ጸገማትና ስነ⁠-​ምግባራውን መንፈሳውን ደኣ እምበር ቍጠባውን ፖለቲካውን ስለ ዘይኰነ: ናይ ሓቂ ለውጢ ኽርከብ ዝኽእል ውልቀ⁠-​ሰባት ክቕየሩ ኸለዉ ደኣ እምበር ኣብ ምርጫ ብምዕዋት ኣይኰነን።”

እንተዀነ ግን: ኣብዛ መዐቀኒታት ዘይብላን ሰባት ብደስ ዝበሎም ዝመላለሱላን ዓለም ከመይ ገይርካ ኢዩ ስነ⁠-​ምግባራውን መንፈሳውን ጸገማት ክፍታሕ ዝከኣል፧ ጽልዋ ዘለዎምን ሰናይ ዝሓስቡን ሃይማኖታውያን ኰኑ ዓለማውያን ሰባት ነዛ ዓለም ከመሓይሽዋ ኻብ ዘይከኣሉ: መን ደኣ ኢዩ እሞ ከመሓይሻ ዝኽእል፧ ኣብ ዝቕጽል ዓንቀጽ ተገሊጹ ኸም ዘሎ: እዚ ጕዳይ እዚ መልሲ ኣለዎ። የሱስ መንግስቱ ኻብዛ ዓለም ከም ዘይኰነት ዝገለጸሉ ቀንዲ ምኽንያት እውን ምስዚ ዝተሓሓዝ ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 2 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

COVER: Dirty water: WHO/​UNICEF photo; globe: Mountain High Maps® Copyright © 1997 Digital Wisdom, Inc.

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Children: UN photo; globe: Mountain High Maps® Copyright © 1997 Digital Wisdom, Inc.