ዝከኣለና ዅሉ ንገብር ኢና!
ዝከኣለና ዅሉ ንገብር ኢና!
ሓደ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሓደ ሚስዮናዊ “ዝከኣለካ ዅሉ ግበር” ኢሉ መዓዶ። ንሓደ ብዙሕ ተመክሮ ዘለዎ ኣገልጋሊ: ከምዚ ዝኣመሰለ መሰረታዊ ማዕዳ ምሃብ ዘድለየ ግን ስለምንታይ ኢዩ፧ መብዛሕትኦም ሚስዮናውያን ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ትዃንን ኣትማንን እናኣጋጠምዎም: ሃሩርን ሕማምን ካልእ ጸገማትን እናተጻወሩ ዘገልግሉ ተባዓት ሰባትዶ ኸይኰኑ፧
ከም ሓቂ እንተ ዀይኑ ሚስዮናውያን ናይ የሆዋ መሰኻኽር በቲ ንየሆዋን ንሰባትን ዘለዎም ዓሚቝ ፍቕሪ ተደሪኾም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዘገልግሉ ተራ ሰብኡትን ኣንስትን ኢዮም። በቲ የሆዋ ዝህቦም ሓይሊ ኸኣ ብዝበለጸ ኸገልግልዎ ኢዮም ዝጽዕሩ።—ኤፌሶን 6:10
ብዛዕባ ሚስዮናዊ ኣገልግሎት ዝያዳ ንምፍላጥ: ብሓሳብና ናብ ሓደ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝርከብ መንበሪ ሚስዮናውያን ብምኻድ ሓንቲ መዓልቲ እስከ ኣብኡ ነሕልፍ።
ኣብ ሚስዮናዊ ኣገልግሎት መዓልቲ ብኸመይ ከም እትዓርብ
ሰዓት 7:00 ናይ ንግሆ ኣቢሉ: ቀቅድሚ ኣብ ዕለት ጥቕሲ እተመርኰሰ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምይይጥ ምግባሮም ኣብቲ ናይቶም ሚስዮናውያን መንበሪ በጻሕና። እቶም ዓሰርተ ሚስዮናውያን መርሓባ ኢሎም ተቐበሉና እሞ ምሳታቶም ምእንቲ ኽንቈርስ ኮፍ መበሊ ኣዳለዉልና። ምስ ተላለናዮም ሓንቲ ንነዊሕ ዓመታት ዘገልገለት ሚስዮናዊት ኣብ ኣገልግሎት ዘጋጠማ ዘስሕቕ ተመክሮ ኽትነግረና ጀመረት። እቲ ናይታ መዓልቲ እቲኣ ኣቦ መንበር: ዕለት ጥቕሲ እነንብበሉ ሰዓት ከም ዝኣኸለ ምስ ኣዘኻኸረና ግን ዕላልና ኣቋረጽና። እቲ ምይይጥ ብፈረንሳይኛ ኢዩ ነይሩ። ፈረንሳይኛ ዘይንፈልጥ እኳ እንተዀንና: እቶም ካብ ካልእ ሃገር ዝመጹ ሚስዮናውያን ነቲ ቛንቋ ይመልክዎ ኸም ዘለዉ ግን ካብ ኣዘራርባኦም ተዓዘብናዮ።
ድሕሪ እቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ ምይይጥ ልባዊ ጸሎት ተገብረ: ካብኡ ድማ ቍርሲ ክንበልዕ ጀመርና። እናቘረስና ኸሎና ኣብ ጥቓና ኾፍ ኢሉ ዝነበረ ሚስዮናዊ ኣብቲ እንበልዖ ዝነበርና መግቢ ባናና ቘራሪጽና ኽንሕውሰሉ ሓሳብ ሃበና። ባናና ኸም ዘይንፈቱ ነገርናዮ: ንሱ ግን ናይቲ ዓዲ ባናና እንተድኣ ጥዒምናዮ ከም ዘይንገድፎ ገለጸልና። ስለዚ ገለ ኻብቲ ባናና ቈራሪጽና ኣብቲ እንቘርሶ ዝነበርና ሓወስናዮ። ሓቁ ኢዩ! እቲ ባናና ከም ጀላቶ ጥዑም ኢዩ ነይሩ! እቲ ንበልዖ ዝነበርና ባኒ ሽዑ ንግሆ ኣብታ ስግር ጽርግያ እትርከብ ንእሽቶ እንዳ ባኒ ኸም እተሰንከተ ነገሩና።
ድሕሪ ቝርሲ ምስ ሚስዮናውያን ሰብኣይን ሰበይትን ኢና ኽንውዕል፣ ኣስማቶም ንግዜኡ ቤንን ካረንን ንበሎም። ምዕራብ ኣፍሪቃ ብዙሕ ፍረ ዝርከቦ ዞባ ምዃኑ ሰሚዕና ስለ ዝነበርና: ንምርግጋጽ ተሃንጢና ኢና ዘሎና።
ኣብቲ ኣውቶቡስ ደው እትብለሉ ምስ በጻሕና: ብዙሓት ሰባት ኣውቶቡስ ክጽበዩ ጸንሑ። እቶም ምሳና
ዝኸዱ ሚስዮናውያን ነዊሕ ከይጸንሑ ምስ ሓንቲ ሰበይትን ወዳን ውዕዉዕ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ክገብሩ ጀመሩ። ፈረንሳይኛ ስለ ዘይንፈልጥ ግን እናረኣናዮም ፍሽኽ ካብ ምባል ሓሊፍና ኽንገብሮ እንኽእል ነገር የለን! እታ ሰበይቲ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ምስ ተቐበለቶም ነዊሕ ከይጸንሐ ኣውቶቡስ መጸት: ብኡንብኡ ዅሉ ኣብኡ ደው ኢሉ ዝነበረ ሰብ እናተጸቓቐጠ ኽድይብ ጀመረ! ናብታ ኣውቶቡስ ክንድይብ ከሎና እቶም ብድሕሬና ዝነበሩ ሰባት ደፋፍኡና። ናብ ድሕሪት ናይታ ኣውቶቡስ ገጽና ኽንከይድ ከሎና ሚዛንና ምሕላው ኣጸጋሚ ኢዩ ዀይኑና። እታ ኣውቶቡስ ብግስ ምስ በለት ዝረኸብናዮ ነገር ኣጽኒዕና ሓዝና። እታ ኣውቶቡስ ጸጸኒሓ ደው እናበለት ተወሰኽቲ ሰባት ኣብ ርእሳ ርእሲ ትሰቅል። ምስቶም ምሳና ተሰቒሎም ዘለዉ ሰባት ፍሽኽ ኢልና ንጠማመት ነበርና። ኽንዛረቦም እንተ ንኽእል ከመይ ጽቡቕ ነይሩ!እታ ኣውቶቡስ እናተሓምበበት ክትከይድ ከላ በቲ መስኮት ኣቢልና ናብቲ ኣብቲ ጐደና ዝግበር ዝነበረ ንጥፈታት ኣማዕዲና ምስ ጠመትና: ክልተ ኣንስቲ ኣብ ኣራእሰን ከቢድ ጾር ተሰኪመን ጐኒ ንጐኒ ክኸዳ ረኣና። ሓንቲአን ማይ ዝመልአ ኣቕሓ ኢያ ተሰኪማ። ሓደ ህርኩት ሰብኣይ ኣብ ወሰን እቲ መገዲ ጨርቂ ኣንጺፉ ኽሸጦ ዘዳለዎ ሕሱር ዝዋግኡ ስልማት ሰሪዑ ረኣናዮ። ብዝኸድካዮ ዘበለ ሰባት እተፈላለየ ኣቝሑ ክዕድጉ ወይ ክሸጡ ኢኻ እትርኢ።
ብሃንደበት እቲ ጥቓይ ደው ኢሉ ዝነበረ ቤን ገለ ነገር እግሩ ይተዅቦ ከም ዘሎ ተረድኦ። እንታይ ኰን ይኸውን፧ እታ ኣውቶቡስ ብሰብ መሊኣ ኢያ ዘላ: እንደገና እውን ተተዅበ። ድንን ኢሉ ምስ ረኣየ: ኣብ ጥቓ እግሩ ኣብ ዘሎ ዘምቢል ሓንቲ ደርሆ ማይ ኣላ: ካብቲ ዘምቢል ርእሳ እናኣውጽአት ድማ ኢያ ትተዅቦ ዝነበረት! ምናልባት እቲ ዋንኣ ንኽሸጣ ዕዳጋ ይወስዳ ኸም ዘሎ ቤን ነገረና።
ኣብ ዞባና ምስ በጻሕና ባህላዊ ናብራ ኣፍሪቃውያን ዝነብሩ ሰባት ክንበጽሕ ምዃንና ምስ ፈለጥና ተሓጐስና። ናብታ ናይ መጀመርታ ቤት ምስ ቀረብና: ቤን ነቶም ሰብ ቤት ጋሻ ይመጾም ከም ዘሎ ንምሕባር ኣጣቕዐ። ኣብዚ ዓዲ ኸምኡ ገይርካ ኢዩ “ማዕጾ ዝዅሕኳሕ።” ሓደ መንእሰይ ተቐልቀለ እሞ ስራሕ ሒዙ ስለ ዘሎ ጸኒሕና ኽንምለሶ ነገረና።
ኣብታ እትቕጽል ቤት ሓንቲ ቤን ዘይፈልጦ ላህጃ እትዛረብ ሰበይቲ መጸት። ንኽትርጕመላ ኸኣ ንወዳ ጸውዓቶ። ቤን መልእኽቱ ምስ ወድአ: እታ ሰበይቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ትምህርቲ ዝሓዘ ብሮሹር ተቐበለት: ወዳ ድማ ‘ክገልጸላ ኢየ’ ኢሉ ተመባጽዐ። ኣብታ ሳልሰይቲ ቤት ኣብቲ ቐጽሪ ሓያሎ መንእሰያት ኮፍ ኢሎም ረኸብና። ክልተ ኻባታቶም ብድድ ኢሎም ነቶም ክንበጽሖም ዝመጻእና ኾፍ ኣበሉና። ድሕርዚ ብዛዕባ መስቀል ውዕዉዕ ምይይጥ ተጀመረ። ኣብ መወዳእታ ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ተወሳኺ ምይይጥ ንምግባር ቈጸራ ገበርና። ካብኡ ነቲ መጀመርታ ዝረኸብናዮ ብስራሕ ትሑዝ ዝነበረ መንእሰይ እንደገና ተመለስናዮ። ብዛዕባ እቲ ምስቶም መንእሰያት ዝገበርናዮ ዝርርብ ሰሚዑ ነበረ። ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ብዙሕ ሕቶታት ነበሮ: ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክግበረሉ ድማ ሓተተ። ቤን መደባቱ ድሕሪ ምርኣይ ኣብ ዝቕጽል ሰሙን በታ ሰዓት እቲኣ ኽምለሶ ፍቓደኛ ዀነ። ንኽንምሳሕ ናብቲ መንበሪ ሚስዮናውያን ክንምለስ ከሎና: ቤንን ካረንን ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ዝዀኑ ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብቐሊሉ ክጅምሩ ስለ ዝኽእሉ ተጠንቂቖም ክውስኑ ኸም ዘለዎም ገለጹልና።
ፈረንሳይኛ ኣጸቢቖም ምምላኾም ነኣድናዮም። ቤን ምስ ሰበይቱ ካረን ሚስዮናውያን ካብ ዝዀኑ ሽዱሽተ ዓመታት ከም ዘሕለፉ: ፈረንሳይኛ ድማ ኽመልክዎ ኸም ዝጀመሩ ገለጸልና። ሓድሽ ቋንቋ ኽትማሃር ቀሊል ኣይኰነን: እንተዀነ ግን ዘርኣይዎ ጽንዓት ፍረ ኸም ዘፍረየ ኣረጋገጹልና።
ፋዱስን ፈረቓን ምስ ኰነ ኵሎም ሚስዮናውያን ምሳሕ ኽምስሑ ተኣኻኸቡ። ኵሎም ሚስዮናውያን በብተራ ቍርስን ምሳሕን የዳልዉን ኣቝሑ ይሓጽቡን ምዃኖም ፈለጥና። ሎሚ ሓንቲ ኻብቶም
ሚስዮናውያን ኣዝዩ ጥዑም ቅልዋ ደርሆን ድንሽን ኢያ ኣዳልያ!ድሕሪ ቐትሪ ቤንን ካረንን እንታይ ኢዮም ክገብሩ፧ ካብ ሰዓት 1:00 ክሳዕ ሰዓት 3:00 ናይ ድ.ቐ. ብምኽንያት ጸሓይ ዝንቀሳቐስ ሰብ ስለ ዘይህሉ: እቶም ሚስዮናውያን እውን ኣብቲ ግዜ እቲ ኸም ዘጽንዑ ወይ ከም ዝድቅሱ ገለጹልና። ሓደስቲ ሚስዮናውያን ነዚ ንምልማድ ግዜ ኸም ዘይወስደሎም ካረን ምስ ነገረትና ኣየገረመናን!
ካብ ድቃስና ምስ ተሳእና ናብ ግራት ኣገልግሎት ከድና። ቤን ንሓደ ብተደጋጋሚ ኸይዱ ዘይረኸቦ ተገዳስነት ዘለዎ ሰብኣይ ኽበጽሖ ኸደ: ምስ ኣጣቕዐ ግን እቲ ሰብኣይ እኳ እንተ ዘይነበረ ኽልተ መንእሰያት ካብቲ ቤት ወጹ። እቲ ሰብኣይ ብዛዕባ ቤን ከም ዝነገሮምን ነታ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ዘርእስታ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጽንዕ እትሕግዝ መጽሓፍ ከጽንሑሉ ሓደራ ኸም ዝበሎምን ነገሩና። ተሓጒስና እታ መጽሓፍ ገደፍናሎም። ድሕሪኡ ብኣውቶቡስ ገይርና ናብቲ ካረን ጽንዓት እትገብረላ ሰበይቲ ዘላትሉ ቦታ ኽንከይድ ጀመርና።
በቲ ብዙሓት ተሽከርከርቲ ዝመላለሳሉ ጐደና ኣቢልና ኽንከይድ ከሎና: ካረን ነታ ሰበይቲ ኣብ ሓንቲ ካልኦት ሰባት እውን ዝነበሩዋ ታኽሲ ኸም ዝረኸበታ ኸተዘንትወልና ጀመረት። ካረን ነታ ሰበይቲ እናንበበታ ኽትከይድ ትራክት ሃበታ። እታ ሰበይቲ ነታ ትራክት ኣንበበታ እሞ ካልእ ኽወሃባ ሓተተት። ነታ ኻልኣይቲ እሞ ኸኣ ብዝያዳ ተሃንጥያ ኣንበበታ። ኣብ ዝወርዳሉ ቦታ ምስ በጽሓ ካረን ነታ ሰበይቲ ኣብ ቤታ ንኽትበጽሓ ቈጸራ ገበረትላ: በታ ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧ እትበሃል ብሮሹር ገይራ ድማ ውጽኢታዊ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ጀመረትላ። ሎሚ ካረን ነታ ኣብታ ብሮሹር ዘላ ትምህርቲ ሓሙሽተ ኽትመርሓላ ኢያ።
ኣብ ግራት ኣገልግሎት ዘሐጕስ ግዜ ኢና ኣሐሊፍና: እንተዀነ ግን ብዛዕባ ሚስዮናዊ ኣገልግሎት ገለ ዝተረፈ ሕቶታት ኣሎና። እዞም ሓቢርናዮም ዝወዓልና ሚስዮናውያን ኣብ ገዛ ምስ በጻሕና ፈኲስ መግቢ ኸዳልዉልናን ንሕቶታትና ኽምልሱልናን ምዃኖም ቃል ኣተዉልና።
ብኸመይ ጕዳያቶም ከም ዘረኻኽቡሉ
እተቐልወ እንቋቝሖ ምስ ፎርማጆ ብባኒ ገይርና እናበላዕና ብዛዕባ ናብራ ሚስዮናውያን ኣስፊሖም ክነግሩና ጀመሩ። ብሓፈሽኡ ሰኑይ ሚስዮናውያን ዘዕርፉላ ወይ ብሕታዊ ጕዳያቶም ዝገብሩላ መዓልቲ ኢያ። መብዛሕትኦም ሚስዮናውያን በታ መዓልቲ እቲኣ ንስድራቤቶምን ፈተውቶምን ደብዳበ ይጽሕፉ። ደሃይ ዓዶም ክሰምዑ ኸለዉ ብዙሕ ኢዮም ዝሕጐሱ: ደብዳበ ምጽሕሓፍ እውን ይፈትዉ ኢዮም።
ሚስዮናውያን ብሓባር ስለ ዝነብሩ: ምስ ሚስዮናውያን ብጾቶም ኣብ ማሕበራዊ ጕዳያት ብምሕባር ኰነ መንፈሳዊ ምይይጥ ብምግባር ጽቡቕ ርክብ ከማዕብሉ ኣለዎም። ነዚ ንምግባር ከኣ ኣብ ርእሲ እቲ ስሩዕ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ: ሰኑይ ሰኑይ ምሸት ሓቢሮም ብመጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ገይሮም መጽሓፍ ቅዱስ የጽንዑ። እተፈላለየ ኣተዓባብያ ዘለዎም ሚስዮናውያን ብሓባር ኣብ ዝነብሩሉ እዋን: ንኣሽቱ ፍልልያት ዘይተርፍ ምዃኑ ቤን ገለጸልና፣ እቲ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ዝገብርሉ መንፈሳዊ ምድላው ግን ብሰላምን ብስኒትን ንኽነብሩ ይሕግዞም ኢዩ። ንገዛእ ርእስኻ ኻብቲ ዝግባእ ንላዕሊ ኣዕዚዝካ ንኸይትሓስብ ከም ዝሕግዝ እውን ገለጸልና።
1 ሳሙኤል 25:23-28) ንፉዕ ሚስዮናዊ ንምዃን ‘ብሰላም ናይ ምንባር’ ክእለት ክህልወካ ኣለዎ።—2 ቈረንቶስ 13:11
ትሕትና እውን ኣድላዪት ኢያ። ሚስዮናውያን ከገልግሉ ደኣ እምበር ክግልገሉ ኣይኰኑን እተላእኹ። እቶም ዘአንገዱና ሚስዮናውያን ኣብ ዝዀነ ይኹን ቋንቋ እታ ንምባላ ዝኸበደት ቃል “ይቕረታ” ምዃና ገለጹልና: ብፍላይ ከኣ ሓደ ሰብ ከይፈለጠ ንዝበሎ ወይ ንዝገበሮ ነገር ይቕረታ ምሕታት ይኸብዶ ኢዩ። ቤን እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሳ ዘላ ኣቢጋይል ሰብኣያ ንዘርኣዮ ሕማቕ ባህርይ ይቕረታ ብምሕታት ካብቲ ኽመጽእ ዝኽእል ዝነበረ ጥፍኣት ከም ዘድሓነት ኣዘኻኸረና። (እቶም ሚስዮናውያን ነታ ስድራቤት ዝትንክፍ ጕዳያትን ኣብ መደባት ዝግበር ለውጥን ንምዝርራብ ሓንሳእ ኣብ ወርሒ ኣኼባ ይገብሩ ኢዮም። ድሕሪኡ ብውሕሉል መገዲ እተዳለወ ምቁር መግቢ ይበልዑ። እዚ ተግባራውን ጽቡቕን ምድላው ኰይኑ ኢዩ ተሰሚዕና።
ድሕሪ ድራር ነታ መንበሪ ሚስዮናውያን እናዞርና ተዓዘብናያ። እተጋነነት ቤት እኳ እንተ ዘይኰነት እቶም ሚስዮናውያን ተሓባቢሮም ብጽሬት ኢዮም ዝሕዝዋ። መዝሓሊት: መሕጸቢት ክዳን: ከምኡውን ምድጃ ኣለዎም። ኣብ ከም ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝኣመሰላ ትሮፒካውያን ሃገራት ንውሽጢ ገዛ ዘዝሕል መሳርሒ ኽህሉ ኸም ዝኽእል ካረን ነገረትና። ምቹእ መንበሪ: ጽቡቕ መግቢ: ከምኡውን መሰረታዊ ክንክን ጥዕና ምግባር ነቶም ሚስዮናውያን ጥዕና ንኽህልዎምን ብዙሕ ፍረ ንኽረኽቡን ይሕግዞም ኢዩ።
ኣብ ኣወንታዊ ነገራት የተኵሩ
ብዝረኣናዮ ዅሉ ተመሲጥና ኢና። ሚስዮናውያን ክንከውን ንኽእልዶ ዀን ንኸውን፧ ንኽእሎ እንተ ዄንና ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧ እቶም ዘአንግዱና ሚስዮናውያን ክንሓስበሉ ዘሎና ገለ ነጥብታት ነገሩና።
መጀመርታ ክርስትያን ሚስዮናውያን ቅያ ናይ ምስራሕ ዕላማ ኸም ዘይብሎም ገለጹልና። የግዳስ: ብዛዕባ እቲ ዘደንቕ መብጽዓታት ኣምላኽ ክማሃሩ ዝደልዩ ቕኑዕ ዝልቦም ሰባት ኢዮም ዘናድዩ። እንተ ወሓደ ኣብ ወርሒ 140 ሰዓታት ኣብ ግራት ኣገልግሎት ስለ ዘሕልፉ: ኣገልግሎት ኣጸቢቖም ዝፈትዉ ክዀኑ ኣለዎም።
‘ተመን: ጠበቕ: ትዃን ግን ብኸመይ ክትለምዶም ትኽእል፧’ ኢልና ሓተትናዮም። ኣብ መብዛሕትኡ ሚስዮናውያን ዝምደብሉ ቦታታት ዝርከቡ እኳ እንተዀኑ: ሚስዮናውያን ከም ዝለምድዎም ቤን ነገረና። ወሲኹ ድማ ኵሉ እቲ ሚስዮናውያን ዝምደብሉ ቦታታት ነናቱ ዝዀነ ባህ ዘብል ነገር ከም ዘለዎ: ድሕሪ ግዜ ድማ ኣብቲ ኣወንታዊ መዳያት ኣገልግሎቶም ከም ዘተኵሩ ገለጸልና። ኣቐዲምካ “ኣጸጋሚ” ገይርካ ወሲድካዮ ዝነበርካ ዅነታት: ጸኒሕካ ትለምዶ: አረ ሓድሓደ ግዜ እሞ ኸኣ ትፈትዎ ኢኻ። ሓንቲ ብሕታዊ ሓላፍነት ኣገዲድዋ ናብ ዓዳ እተመልሰት ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ንብዙሕ ዓመታት ዘገልገለት ሚስዮናዊት: ካብቲ መጀመርታ ኻብ ዓዳ ክትወጽእ ከላ እተሰምዓ ንላዕሊ ኻብቲ እተገልግለሉ ዝነበረት ሃገር ኽትወጽእ ከላ ኢዩ ኸቢድዋ። እቲ ሚስዮናዊት ኰይና እተገልግለሉ ዝነበረት ሃገር ከም ዓዳ ኢዩ ነይሩ።
ተዳሊኻ ዲኻ፧
ቤንን ካረንን ብዙሕ ክንሓስበሉ ዘሎና ነገር ነጊሮምና ኢዮም። ንስኻኸ ከመይ ይመስለካ፧ ሚስዮናዊ ዄንካ ኣብ ወጻኢ ሃገር ብዛዕባ ምግልጋል ሓሲብካሉዶ ትፈልጥ፧ ሓሲብካሉ ትፈልጥ እንተድኣ ዄንካ ሚስዮናዊ ንምዃን ካብቲ እትሓስቦ ዝቐለለ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እቲ ቐንዲ ነገር ንናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ፍቕሪ ዘሎካን ንሰባት ምሕጋዝ ዘሐጕሰካን ክትከውን ኣሎካ። ሚስዮናውያን ተራ ሰብኡትን ኣንስትን ደኣ እምበር ካብ ሰብ ፍልይ ዝበሉ ፍጥረታት ከም ዘይኰኑ ኣይትረስዕ። ነቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዕዮ ንምፍጻም ዝከኣሎም ኵሉ ይገብሩ ኣለዉ።
[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]
ንግሆ ንግሆ ዕለት ጥቕሲ ይገብሩ
[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]
ናብራ ሚስዮናዊ ኣዝዩ ዘዕግብ ክኸውን ይኽእል ኢዩ
[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከብ ባህ ዘብል ትርኢት