“መዓልቲ ሃይማኖታዊ ተጻዋርነት”
“መዓልቲ ሃይማኖታዊ ተጻዋርነት”
ሓንቲ ኣብ ፖላንድ እትርከብ ዳይረክተር ናይ ሓንቲ ቤት ትምህርቲ በቲ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝገበረቶ ምይይጥ ስለ እተመሰጠት ነቶም ተማሃሮ “መዓልቲ ሃይማኖታዊ ተጻዋርነት” ክትገብረሎም ወሰነት። ካብ ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክን ቡድሂስትን ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ፍቓደኛታት ዝዀኑ ተማሃሮ ብዛዕባ ሃይማኖታዊ እምነቶምን ልምድታቶምን ሓጺር ዝርርብ ከዳልዉ ሓሳብ ኣቕረበት። ብኡንብኡ ሰለስተ ኰተቴታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ፍቓደኛታት ምዃኖም ገለጹ።
እታ መዓልቲ ምስ ኣኸለት: መጀመርታ እተዛረበት ጓል 15 ዓመት ማልቪና ነበረት። ገለ ኻብቲ ዝርርባ እዚ ዝስዕብ ነበረ:- “ኣብ ቤትኩም ክንበጽሓኩም መጺእና ስለ ዝነበርና: መብዛሕትኹም ኣብዚ ቤት ትምህርቲ ቕድሚ ምእታውና እውን ትፈልጡና ኢኹም። ምናልባት ንምንታይ ብቐጻሊ ኸምኡ ኸም እንገብር ይገርመኩም ይኸውን። ምኽንያቱ እቲ መስራቲ ክርስትና ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ዝገደፎ ኣብነት ስለ እንስዕብ ኢዩ። የሱስ ሰባት ኣብ ዝርከቡሉ ዘበለ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ይሰብኽ ነይሩ ኢዩ። ሃዋርያትን ካልኦት ቀዳሞት ክርስትያናትን እውን ከምኡ ገይሮም ኢዮም። ኣብ መብዛሕትኡ ቦታታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከቢድ ናይ እምነት ፈተና ኣሕሊፎም ኢዮም: ኣብ ቤት ትምህርትና ግን ሰላም ብምርካብና የሐጕሰና ኢዩ። ኣብዚ ሰላም እዚ ኵላትኩም ግደ ስለ ዘለኩም እውን ነመስግነኩም ኢና!”
ኣብ መወዳእታ ዝርርባ ማልቪና ኸምዚ በለት:- “ናብ ቤትኩም እንመጸሉ ኻልእ ምኽንያት እውን ኣሎና። ንሓልየልኩም ኢና። ንምሉእ ዓለም ዝትንክፍ ፍጻመ ኸም ዝህሉ መጽሓፍ ቅዱስ ይዛረብ ኢዩ። ስለዚ ኣብ ዝቕጽል ናብ ቤትኩም ክንመጽእ ከሎና በጃኹም ግዜ ወሲድኩም ስምዑና። ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ብኸመይ ብሓባር ከም እንነብር ክንነግረኩም ንደሊ ኢና።”
እቲ ቐጺሉ ዝርርብ ዘቕረበ ማታዩሽ ዝበሃል ወዲ 15 ዓመት ኰተቴ ኢዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንብዙሕ ዓመታት ነቲ ብስራት ንምዝርጋሕ እተፈላለየ ሜላታት ከም እተጠቕሙ ገለጸ። ንኣብነት: ብ1914 ኣብቲ ድምጺ ዘይብሉ ፊልም ዝስርሓሉ ዝነበረ እዋን: ናይ የሆዋ መሰኻኽር እታ “ፎቶ-ድራማ ኦቭ ክሪኤሽን” ዘርእስታ ብድምጺ እተሰነየት ተንቀሳቓሲት ፊልምን ስላይድን የርእዩ ምንባሮም ሓበረ።
ማታዩሽ ነቲ ረድዮ ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምዝርጋሕ ዝነበሮ ግደ ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘማዕበልዎ እተፈላለየ ቛንቋታት ዝሓዘ ናይ ኮምፕዩተር ፕሮግራም (ሜፕስ) ገለጸ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሓኻይም ብዘይ ደም ዝግበር ሕክምና ንኽሕብርዎም እንታይ ሓገዝ ከም ዝገበሩ እውን ኣረድአ። “ሎሚ ፍሉጣት ሓኻይም ፖላንድ ንኣቕዋምና የሞግስዎ ኣለዉ: ካብ ዓመት ናብ ዓመት ቍጽሮም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ሕሙማት ከኣ ብዘይ ደም መጥባሕቲ ይግበረሎም ኣሎ” በለ።
ማታዩሽ ብዛዕባ ህንጸት ኣዳራሻት መንግስቲ ነገሮም እሞ “ናብ ኣደራሽ መንግስትና ኽትመጹዶ ትደልዩ ኢኹም፧ መእተዊ ብናጻ ኢዩ: ዝእከብ ገንዘብ እውን የለን” ብምባል ዘረብኡ ዛዘመ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ሶስኖቭየትስ ዝርከብ ዓበይቲ ኣኼባታት ዝግበረሉ ኣደራሽ ድማ ከምዚ በለ:- “ነቲ ዓብን ብዙሕ ኣገልግሎት ዝህብን ህንጻ ኽትርእይዎ ኣለኩም። ንምንታይ ብሓባር ዘይንኸይድ፧ ብዛዕባ እዚ ሓደ ሓሳብ ኣሎና: ካታርዝሄና ድማ ብዛዕብኡ ኽትነግረኩም ኢያ።”
ስዒባ እታ ጓል 15 ዓመት ዝዀነት ካታርዝሄና ብውዕዉዕ መንፈስ “ናብቲ ኣብ ሶስኖቭየትስ ዝርከብ ኣውራጃዊ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንተ መጺእኩም ሓንጐፋይ ኢልና ኢና እንቕበለኩም። ኣብኡ ንመንእሰያት ዝምልከት ዝርርብ ክቐርብ ኢዩ” በለት። ብዛዕባ እቲ ክርስትያናት ካብ ኵሉ ንላዕሊ ኣኽቢሮም ዝርእይዎ በዓል: ማለት ዝኽሪ ሞት የሱስ ክርስቶስ እውን ገለጸትሎም። “ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 14 ሚልዮን ተኣከብቲ ነዚ በዓል እዚ ኣብዒሎሞ ኢዮም። ኣብ ዝቕጽል ዓመት ንምንታይ ምሳና ዘይትእከቡ፧” ብምባል ድማ ንሰማዕታ ዓደመቶም።
ድሕሪ እዚ ዝርርባት እዚ ማልቪናን ማታዩሽን ካታርዝሄናን ነቶም መምህራኖም እታ ጂሆቫስ ዊትነስስ—ፕሮክለይመርስ ኦቭ ጎድስ ኪንግደም (እንግሊዝኛ) እትበሃል መጽሓፍን ብዛዕባ እምነታትን ንጥፈታትን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝገልጻ ኽልተ ቪድዮ ካሴታትን ሃብዎም። a እቶም መምህራን ብሞሳ ተቐበልዎም: ኣብ ናይ ታሪኽ ትምህርቲ ኽጥቀምሉ ድማ ተመባጽዑ።
ኣብ መወዳእታ እቲ ዝርርባት: እታ ጓል 12 ዓመት ማርትያና ነቶም ተኣኪቦም ዝነበሩ “ነመስግነካ የሆዋ” ዘርእስታ መዝሙር ኣስምዓቶም። እዞም መንእሰያት ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዚኣቶም ‘ብኣምላኽ ተቢዖም’ ጽቡቕ ምስክርነት ሃቡ። (1 ተሰሎንቄ 2:2) እዝስ ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ንዝርከቡ መንእሰያት ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ከመይ ዝበለ ሰናይ ኣብነት ኰን ኢዩ ዝዀኖም!
[እግረ-ጽሑፍ]
a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተዳለዋ።
[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]
ማልቪና ካብቲ ኣብ ቤት ትምህርታ ዝርርብ ዘቕረበትሉ ሒደት መዓልትታት ኣቐዲማ ኽትዳሎ ኸላ
[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]
ካታርዝሄና ንዝርርባ ዝኸውን ጥቕስታት ክትመርጽ ከላ