ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“በረኸት እግዚኣብሄር የሀብትም”

“በረኸት እግዚኣብሄር የሀብትም”

“በረኸት እግዚኣብሄር የሀብትም”

 ኵላትና ኽንባረኽ ኢና እንደሊ። እንተ ተባሪኽና ሓጐስ: ጥዕና: ወይ ብልጽግና ንረክብ። የሆዋ ወሃብ “ጽቡቕ ውህበትን ምሉእ ውህበትን” ስለ ዝዀነ: ኵሉ ናይ ሓቅን ነባርን በረኸት ካብዚ ፈቃር ፈጣሪና ኢዩ ዝምንጭ። (ያእቆብ 1:⁠17) ንዅሎም ደቅሰብ ዋላ እውን ነቶም ዘይፈልጥዎ ኣብዚሑ ኢዩ ዝባርኾም። የሱስ ብዛዕባ ኣቦኡ “ንሱ ንኽፉኣትን ንሕያዎትን ጸሓይ የብርቕ: ንጻድቃንን ሓጥኣንን ድማ ዝናም የዝንም እዩ” በለ። (ማቴዎስ 5:⁠45) ይኹን እምበር: የሆዋ ነቶም ዘፍቅርዎ ብፍላይ ይሓልየሎም ኢዩ።​—⁠ዘዳግም 28:⁠1-14፣ እዮብ 1:⁠1፣ 42:⁠12

እቲ ጸሓፍ መዝሙር “እግዚኣብሄር . . . ነቶም ብቕንዕና ዚመላለሱ ሰናይ ዘበለ ኣይኸልኦምን እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝሙር 84:⁠11) እወ: እቶም ንየሆዋ ዘገልግሉ በረኸትን ትርጕምን ዘለዎ ህይወት ኢዮም ዘሕልፉ። ‘በረኸት እግዚኣብሄር ከም ዘሀብትም: ሽጋርውን ገለ ከም ዘይውስኸሉ’ ይፈልጡ ኢዮም። ብተወሳኺውን መጽሓፍ ቅዱስ “እቶም [የሆዋ ዝባረኾም] ንሃገር ኪወርስዋ” ምዃኖም ይገልጽ ኢዩ። (ምሳሌ 10:⁠22፣ መዝሙር 37:⁠22, 29) እዝስ ኣየ ኸመይ ዝበለ በረኸት ኰን ኢዩ ክኸውን!

ብኸመይ ኢና በረኸት የሆዋ ኽንረክብ እንኽእል፧ ብቐዳምነት ንዕኡ ዘሐጕስ ባህርያት ክንኵስኵስ ኣሎና። (ዘዳግም 30:⁠16, 19, 20፣ ሚክያስ 6:⁠8) ነዚ ኣብቶም ጥንቲ ዝነበሩ ሰለስተ ኣገልገልቲ የሆዋ ኽንሪኦ ንኽእል ኢና።

የሆዋ ንኣገልገልቱ ይባርኾም

ኖህ ብሉጽ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ኢዩ ነይሩ። ኣብ ዘፍጥረት 6:⁠8 “ኖህ . . . ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞገስ ረኸበ” ዝብል ነንብብ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ እዙዝ ኢዩ ነይሩ። እቲ ጸብጻብ “ኖህ ምስ ኣምላኽ ተማላለሰ” ኢዩ ዝብል። ነቲ ጽድቃዊ ስርዓታትን ትእዛዛትን የሆዋ ሓልዩ ኢዩ። ኣብቲ ዓለም ኣብ ዓመጽን ርኽሰትን ጥሒላትሉ ዝነበረት እዋን ኖህ “ከምቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዞ ንዅሉ ነገር ከምኡ ገበረ።” (ዘፍጥረት 6:⁠9, 22) ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ‘ንምድሓን ቤቱ እትኸውን መርከብ ከዳሉ’ የሆዋ ኣዘዞ። (እብራውያን 11:⁠7) በዚ ኸምዚ ኖህን ስድራ​ቤቱን ብእኦም ኣቢሉ ኸኣ ዓሌት ወድሰብ ካብ ጥፍኣት ናይቲ ሽዑ ዝነበረ ወለዶ ደሓኑ። ኖህ ድማ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ዘለኣለማዊ ህይወት ንምርካብ ካብ ሞት ናይ ምትንሳእ ተስፋ ሒዙ ሞተ። ኣየ ኸመይ ዝበለ ዓቢ በረኸት ኰን ኢዩ ዝረኸበ!

ኣብርሃም እውን ንየሆዋ ዘሐጐሰ ባህርያት ነይርዎ ኢዩ። ሓንቲ ካብኣተን እታ ጐሊሓ እትርአ እምነቱ ኢያ ነይራ። (እብራውያን 11:⁠8-10) ነቲ ንዘርኡ ከም ዘብዝሖን ኵሎም ኣህዛብ ብዘርኡ ኽባረኹ ምዃኖምን የሆዋ ዝኣተወሉ መብጽዓ ብምእማን መጀመርታ ኻብቲ ኣብ ኡር ዝነበሮ ጥጡሕ ናብራ: ድሓር ድማ ካብ ካራን ወጸ። (ዘፍጥረት 12:⁠2, 3) ንነዊሕ ዓመታት ፈተና ድሕሪ ምሕላፉ: ይስሃቅ ወዱ ምስ ተወልደ ዓስቢ እምነቱ ረኸበ። ብእኡ ኣቢሉ ድማ ኣባሓጎ ናይቶም ኣምላኽ ዝመረጾም ህዝቢ እስራኤል: ኣብ መወዳእትኡ ኸኣ ኣባሓጎ እቲ መሲህ ኰነ። (ሮሜ 4:⁠19-21) ኣብ ርእሲ እዚ ‘ንዝኣምኑ ዅሎም ኣቦኦም’ ብምዃን “ፍቑር ኣምላኽ” ተባሂሉ ኢዩ። (ሮሜ 4:⁠11፣ ያእቆብ 2:⁠23፣ ገላትያ 3:⁠7, 29) ኣየ ኸመይ ዝበለ ትርጕም ዘለዎ ህይወት ኰን ኢዩ ኣሕሊፉ: ክንደይ ብዙሕ በረኸታትከ ኢዩ ረኺቡ!

ብዛዕባ እቲ እሙን ዝነበረ ሙሴ እውን ሕስብ እሞ ኣብል። ካብ ባህርያቱ እቲ ንመንፈሳዊ ነገራት ዝነበሮ ሞሳ ጐሊሑ ዝርአ ኢዩ ነይሩ። ንዅሉ ሃብቲ ግብጺ ብምጥንጣን “ነቲ ዘይርኤስ ከም ዚርእዮ ዀይኑ ተዐጊሱ ጸንዔ።” (እብራውያን 11:​27) ኣብ ሚድያን 40 ዓመታት ምስ ኣሕለፈ: ዕድመ ደፊኡ ናብ ግብጺ ተመልሰ እሞ ኣሕዋቱ ናጻ ንኽወጹ ንምሕታት ኣብ ቅድሚ እቲ ሽዑ ዝለዓለ ስልጣን ዝነበሮ ፈርኦን ደው በለ። (ዘጸኣት 7:⁠1-7) ነቲ ዓሰርተ መዓት: ምምቃል ቀይሕ ባሕሪ: ከምኡውን ጥፍኣት ሰራዊት ፈርኦን ርእዩ ኢዩ። የሆዋ ንህዝቡ እስራኤል ሕጊ ንምሃብን ምስቲ ሓድሽ ህዝቢ ኣብ ዝኣትዎ ኺዳን ማእከላይ ንኽኸውንን ተጠቒምሉ ኢዩ። ንህዝቢ እስራኤል ን40 ዓመታት ኣብ በረኻ መሪሕዎም ኢዩ። ህይወቱ ናይ ሓቂ ትርጕም ነይርዋ: ብዙሕ ባህ ዘብል ናይ ኣገልግሎት መሰላት እውን ረኺቡ ኢዩ።

ዘመናዊ በረኸታት

እዚ ጸብጻባት እዚ ህይወት እቶም ንኣምላኽ ዘገልግልዎ ሰባት ብሓቂ ትርጕም ዘለዎ ምዃኑ ዘርኢ ኢዩ። ህዝቢ የሆዋ ኸም ተኣዛዝነት: እምነት: ከምኡውን ንመንፈሳዊ ነገራት ምምሳው ዝኣመሰለ ባህርያት ከማዕብሉ ኸለዉ ብዙሕ በረኸት ይረኽቡ ኢዮም።

ንሕናኸ ብኸመይ ኢና እንባረኽ፧ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ኣባላት ህዝበ⁠-​ክርስትያን ብመንፈሳዊ ጥሜት ክሳቐዩ ኸለዉ: ንሕና ግን ‘ብሰናይ ተግባራት የሆዋ ደስ ክብለና’ ይኽእል ኢዩ። (ኤርምያስ 31:⁠12 NW ) የሆዋ ብየሱስ ክርስቶስ ከምኡውን በቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ገይሩ ኣብታ “ናብ ህይወት እትወስድ . . . መገዲ” ንኽንመላለስ ዝሕግዘና ኣኽል⁠-​ታርፍ መንፈሳዊ መግቢ ይህበና ኢዩ። (ማቴዎስ 7:⁠13, 14፣ 24:⁠45፣ ዮሃንስ 17:⁠3) ምስ ክርስትያናት ኣሕዋትና ዘሎና ሕብረት እውን ካልእ ዕሽሽ ዘይበሃል በረኸት ኢዩ። ኣብ ኣኼባታትን ካልእ ኣጋጣሚታትን ምስቶም ፍቕሪ ዘንጸባርቑን ነቲ “ሓድሽ ሰብ” ንኽለብሱ ዝጽዕሩን ኣመንቲ ብጾት ምዃን ምንጪ ዓቢ ሓጐስ ኢዩ። (ቈሎሴ 3:⁠8-10፣ መዝሙር 133:⁠1) ይኹን እምበር: ምስ የሆዋ ኣምላኽ ብሕታዊ ርክብ ናይ ምምስራትን ኣስኣሰር ወዱ ክርስቶስ የሱስ ናይ ምስዓብን መሰል እቲ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ ዝረኸብናዮ በረኸት ኢዩ።​—⁠ሮሜ 5:⁠1, 8፣ ፊልጲ 3:⁠8

ብዛዕባ ኸምዚ ዝኣመሰለ በረኸታት ምስ እነስተንትን: ንየሆዋ እነቕርቦ ኣገልግሎት ክሳዕ ክንደይ ክቡር ምዃኑ ንግንዘብ ኢና። ምናልባት ብዛዕባ እቲ የሱስ ኣብ ምሳልያዊ ዛንትኡ ዝጠቐሶ ጽብቕቲ ዕንቊ ዝደሊ ነጋዳይ ንሓስብ ንኸውን ኢና። የሱስ ብዛዕባ እቲ ሰብኣይ “ሓንቲ ኽብርቲ ዕንቍ ምስ ረኸበ: ከይዱ ዘለዎ ዅሉ ሸጠ እሞ ዐደጋ” በለ። (ማቴዎስ 13:⁠46) ብዛዕባ እቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ: ንዕኡ ንምግልጋል ዝረኸብናዮ መሰል: ክርስትያናዊ ሕውነትና: ክርስትያናዊት ተስፋና: ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ምስ እምነትና ዝተሓሓዝ ካልእ በረኸታት ብምሉኡ ኽንሓስብ ከሎና ኸምዚ ሰብኣይ እዚ ኸም ዝስምዓና ዘጠራጥር ኣይኰነን። ኣብ ህይወትና ኻብዚ ዝኸብር ካልእ ነገር የለን።

ንየሆዋ ውሬታ ምለሰሉ

የሆዋ ምንጪ ዅሉ ጽቡቕ ውህበት ምዃኑ ኣፍልጦ ስለ እንህበሉ: ልብና ነቲ ዝረኸብናዮ በረኸታት ሞሳ ንኸርኢ ይለዓዓል ኢዩ። ነዚ ብኸመይ ክንገብሮ ንኽእል፧ ሓደ መገዲ: ካልኦት ሰባት ነዚ በረኸታት እዚ ንኽረኽቡ ብምሕጋዝ ኢዩ። (ማቴዎስ 28:⁠19) ኣብ ልዕሊ 230 ሃገራት ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሰባት ብትግሃት ይበጽሕዎም ኣለዉ። ከምዚ ንምግባር ከኣ ነቲ ውሱን ግዜኦምን ጕልበቶምን ገንዘቦምን ካልኦት ‘ናብ ፍልጠት ሓቂ ንኽመጹ’ ኣብ ምሕጋዝ የውዕልዎ ኣለዉ።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 2:⁠4

ኣብ ግለንዴል: ካሊፎርንያ: ሕ.መ.ኣ.: ዝርከቡ ፓይነራት ዝፍጽምዎ ነገራት እስከ ንርአ። ቀዳም ቀዳም ንግሆ ናብ ሓደ ፌደራላዊ ቤት ማእሰርቲ በጺሖም ንምምላስ 100 ኪሎ ሜትር ኣቢሎም ይጓዓዙ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምብጻሕ ምስቶም እሱራት ካብ ሒደት ሰዓታት ንላዕሊ ኸሕልፉ ዘይክእሉ እኳ እንተዀኑ ኣይተሓለሉን። ሓንቲ ኻባታቶም “ኣብዚ ፍሉይ ዞባ ምግልጋል ብዙሕ ዓስቢ ኣለዎ። ተሓጒስና ኢና እንገብሮ ዘሎና። ኣዝዮም ብዙሓት ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ስለ ዘለዉ ንዅሎም ግዜ ኣይኣኽለናን ኢዩ። ኣብዚ እዋን እዚ: ንሓሙሽተ ሰባት ጽንዓት ንገብረሎም ኣሎና: ካልኦት ኣርባዕተ ኸኣ ጽንዓት ንኽንገብረሎም ሓቲቶምና ኣለዉ” በለት።

ቀናኣት ክርስትያናት ኣገልገልቲ ተሓጒሶም ብናጻ ኣብዚ ህይወት ዘድሕን ዕዮ ይካፈሉ ኣለዉ። ነቲ “ብኸምኡ ተቐበልኩም: ብኸምኡ ሀቡ” ዝብል ናይ የሱስ ኣረኣእያ ኢዮም ዘንጸባርቑ። (ማቴዎስ 10:⁠8) ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ኣብ ተመሳሳሊ ስስዐ ዘይብሉ ኣገልግሎት ተጸሚዶም ኣለዉ፣ ከም ውጽኢቱ ኸኣ ብዙሓት ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ነቲ መልእኽቲ ተቐቢሎም ደቀ መዛሙርቲ ይዀኑ ኣለዉ። ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ጥራይ ዳርጋ 1.7 ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ህይወቶም ንየሆዋ ወፍዮም ኢዮም። ነቲ ብቐጻሊ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዕቤት ዘድሊ ነገራት ንምምላእ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ጽሑፋትን ምሕታም ከምኡውን ሓደስቲ ኣደራሻት መንግስትን ካልእ መአከቢ ቦታታትን ምህናጽ ዝሓትት ኢዩ። ነዚ ዝኸውን ገንዘብ ግን ካበይ ኢዩ ዝመጽእ፧ ኵሉ ወጻኢታት ብወለንታ ብዝግበር ወፈያ ኢዩ ዝሽፈን።

ገሊኡ ኽፍልታት ዓለም ብድኽነት ስለ እተዋሕጠ: ብዙሓት ሰባት ንስድራኦም ዘድሊ መሰረታዊ ነገራት ንኸማልኡ ፋሕተርተር ኢዮም ዝብሉ። ብመሰረት እታ ኒው ሳይንቲስት እትበሃል መጽሔት: ሓደ ቢልዮን ዝዀኑ ሰባት ካብቲ ዝረኽብዎ እቶት 70 ሚእታዊት ንመግቢ ጥራይ ኢዮም ዘጥፍእዎ። ብዙሓት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ኢዮም ዘለዉ። ካብ ኣመንቲ ብጾቶም ሓገዝ እንተ ዘይረኺቦም: ክርስትያናዊ ጽሑፋት ወይ ምቹእ ኣደራሻት መንግስቲ ኽህልዎም ኣይክእልን ኢዩ።

ርግጽ ኢዩ: ከምዚ ኽበሃል ከሎ ግን እዞም ሰባት እዚኣቶም ንጾሮም ኣብ ካልኦት ከውድቑ ኢዮም ዝደልዩ ማለት ኣይኰነን። እንተዀነ ግን ሓገዝ የድልዮም ኢዩ። ሙሴ ንእስራኤላውያን ከም መግለጺ ምስጋና ናይቲ የሆዋ ዝገበረሎም በረኸት ወፈያ ኽገብሩ ኸተባብዖም ከሎ “ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝሀበካ በረኸት: ነፍሲ ወከፍ ከምቲ ኣብ ኢዱ ዘሎ ይሀብ” በሎም። (ዘዳግም 16:⁠17) ስለዚ: የሱስ ሓንቲ መበለት ኣብቲ ቤት መቕደስ “ኽልተ ለብጦን” ክትውፊ ኸላ ምስ ረኣየ: ኣድናቖቱ ንደቀ መዛሙርቱ ገለጸሎም። ዝከኣላ ዅሉ ኢያ ገይራ። (ሉቃስ 21:⁠2, 3) ብተመሳሳሊ ኣብ ድኽነት ዝርከቡ ክርስትያናት እውን ዝከኣሎም ኵሉ ይገብሩ ኢዮም። ዝጐድሎም እንተሎ ድማ እቶም ብስጋዊ ነገራት ኣብ ድሓን ኵነታት ዘለዉ ኣመንቲ ብዝገብርዎ ወፈያ ይምላእ ኢዩ።​—⁠2 ቈረንቶስ 8:⁠13-15

ንኣምላኽ በዚ ኸምዚ ውሬታና ኽንመልስ ከሎና: ቅኑዕ ድራኸ ኽህልወና የድሊ። (2 ቈረንቶስ 8:⁠12) ጳውሎስ: “ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ እሞ: ነፍሲ ወከፍ ብጓሂ ወይስ ብግዲ ዘይኰነስ: ከምቲ ብልቡ ዝሐለኖ ይሀብ” በለ። (2 ቈረንቶስ 9:⁠7) ካብ ልቢ ብልግሲ ምስ እንህብ ነቲ ሕጂ ዝግበር ዘሎ ቲኦክራሲያዊ ዕቤት ንድግፍ: ዝያዳ ሓጐስ እውን ንረክብ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 20:⁠35

ነቲ የሆዋ ዘፍሰሰልና በረኸት ውሬታ እንመልሰሉ ኽልተ መገድታት ኣብ ዕዮ ስብከት ምክፋልን ብወለንታ ወፈያ ምግባርን ኢዩ። የሆዋ ሕጂ ኣብ ዘይፈልጥዎ ብዙሓት ቅኑዓት ሰባት በረኸቱ ኸፍስስ ከም ዝደሊ ምፍላጥናስ ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ዘተባብዕ ኰን ኢዩ! (2 ጴጥሮስ 3:⁠9) ስለዚ: ቅኑዓት ዝልቦም ሰባት ረኺብና ኸም ተኣዛዝነትን እምነትን ሞሳን ዝኣመሰለ ባህርያት ንኸማዕብሉ ምእንቲ ኽንሕግዞም ንዘሎና ዅሉ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ካብ ምውዓል ድሕር ኣይንበል። በዚ ኸምዚ ‘እግዚኣብሄር ሰናይ ምዃኑ ንኽጥዕሙን ንኽርእዩን’ ብምሕጋዝ ሓጐስ ክንረክብ ኢና።​—⁠መዝሙር 34:⁠8

[ኣብ ገጽ 28, 29 ዘሎ ሳጹን]

ነቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ ዝኸውን ውጽኢታት

ንምግባር ገሊኦም ዝጥቀምሉ ኣገባባት

ብዙሓት ኣብቲ “ነቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ ዝኸውን ውጽኢት—​ማቴዎስ 24:⁠14” ዝብል እተጻሕፎ ናይ ውጽኢት ሳጹናት ዘእትውዎ እተወሰነ ገንዘብ ይፈልዩ ወይ ይምድቡ።

ጉባኤታት ነዚ ገንዘብ እዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ናብቲ ኣብ ብሩክሊን: ኒው ዮርክ: ዝርከብ ዓለምለኻዊ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ወይ ናብቲ ናይቲ ኸባቢ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ይልእካኦ። ብወለንታ ዝግበር ናይ ገንዘብ ወፈያታት: ብቐጥታ ናብ Treasurer’s Office, Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania, 25 Columbia Heights, Brooklyn, New York 11201-2483 ኢልካ ክልኣኽ ወይ ከኣ በቲ ንሃገርካ ዘገልግል ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ኣቢሉ ክስደድ ይከኣል ኢዩ። ስልማት ወይ ካልእ ክቡር ነገራት እውን ምውፋይ ይከኣል ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ህያብ ብዘይ​ ገለ ገደብ እተዋህበ ምዃኑ ዝነግር ሓጺር ደብዳበ ምስቲ ውጽኢት ክለኣኽ ኣለዎ።

ክምለስ ዝኽእል ገንዘብ ናይ ምሃብ መደብ

ፍሉይ ስምምዕ ብምግባር ወፈያ ኽግበር ይከኣል ኢዩ። እቲ ዝሃበ ሰብ ንብሕቲ ጕዳይ ክጥቀመሉ እቲ ገንዘብ ምስ ዘድልዮ ይምለሰሉ። ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ በጃኻ በዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኣድራሻ ተጠቒምካ ናብ ተሓዝ መዝገብ ጸሓፍ።

ብመደብ ዝግበር ልግሲ

ብጀካ እቲ ብዘይ​ ገለ ገደብ ዝግበር ናይ ገንዘብ ህያብን ክምለስ ዝኽእል ገንዘብ ናይ ምሃብ መደብን: ነቲ ኣብ ብዘላ ዓለም ዝካየድ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ንምሕጋዝ ካልእ ናይ ምሃብ ኣገባባት እውን ኣሎ። ነዚ ዝስዕብ ድማ ዘጠቓልል ኢዩ:-

መድሕን:- ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ናይ ህይወት መድሕን ፖሊሲ ወይ ናይ ጡረታ/እስትሕጋግ ክፍሊት ተጠቃሚት ከም ዝዀነት ገይርካ ስም ክመሓላለፈላ ይከኣል ኢዩ።

ናይ ባንክ ሕሳብ:-  ናይ ባንክ ሕሳብ: ናይ ቅሙጥ ሕሳብ ምስክር ወረቐት: ወይ ናይ ውልቀ⁠-​ሰብ ናይ ጡረታ ሕሳብ ብመሰረት እቲ ናይ ከባቢ ባንክ ዝፈቕዶ ንማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ብሓደራ ክወሃብ ወይ ድሕሪ ሞት ተጠቃሚት ምዃና ክግለጽ ይከኣል ኢዩ።

ኣክሲዮንን ቦንድን:- ኣክሲዮንን ቦንድን ብዘይ​ ገለ ገደብ እተዋህበ ህያብ ኰይኑ ንማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ኽውፈ ይከኣል ኢዩ።

ዘይንቀሳቐስ ንብረት:- ክሽየጥ ዝኽእል ዘይንቀሳቐስ ንብረት: ብዘይ​ ገለ ገደብ እተዋህበ ህያብ ወይ እቲ ለጋሲ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ በቲ ንብረት ተጠቃሚ ክዀነሉ ዝኽእል መደብ ብምግባር ንማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ኽውፈ ይከኣል ኢዩ። ዘይንቀሳቐስ ንብረት ከም ዝወፈኻዮ ዝገልጽ ሰነድ ቕድሚ ምፍራምካ: ምስቲ ኣብ ዓድኻ ዘሎ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ተላዘብ።

ህያብ ዓመታዊ መልዕሎ:- ህያብ ዓመታዊ መልዕሎ ኽበሃል ከሎ ሓደ ሰብ ገንዘብ ወይ ሰነድ ዋንነት ንማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ዝህበሉ ምድላው ኢዩ። እቲ ወሃቢ ወይ እቲ ወሃቢ ዝወከሎ ሰብ ድማ ኣብ ምሉእ ህይወቱ እተወሰነ ዓመታዊ ክፍሊት ይወሃቦ። ኣብቲ እቲ ህያብ እተገብረሉ ዓመት መጠን እቲ ዝስላዕ ግብሪ ይንኪ ኢዩ።

ለበዋን ሕድርን:- ኣብ ቅድሚ ሕጊ ተቐባልነት ዘለዎ ለበዋ ብምግባር ጥሪት ወይ ገንዘብ ንማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ኸተውርሳ ይከኣል ኢዩ: ወይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ናይ ንብረት ሕድሪ ውዕል ተጠቃሚት ክትከውን ስም ክመሓላለፈላ ይከኣል ኢዩ። ንሃይማኖታዊ ማሕበር ዝወሃብ ሕድሪ: ገለ ናይ ቀረጽ ምጕዳላት ክህልዎ ይኽእል ኢዩ።

እቲ “ብመደብ ዝግበር ልግሲ” ዝብል ስያመ ከም ዝገልጾ: እዚ ዓይነት ወፈያታት እዚ ብወገን እቲ ዝውፊ ሰብ ገለ መደብ ምግባር ዝሓትት ኢዩ። ነቶም ብኸምዚ መልክዕ ገይሮም ንዓለምለኻዊ ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክጠቕሙ ዝደልዩ ውልቀ⁠-​ሰባት ንምሕጋዝ: ቻሪታብል ፕላኒን ቱ በነፊት ኪንግደም ሰርቪስ ወርልድዋይድ እትበሃል ብሮሹር ብእንግሊዝኛን ብቛንቋ ስጳኛን ተዳልያ ኣላ። እታ ብሮሹር ነቲ ንህያባትን ለበዋን ሕድርን ዝምልከት እተፈላለየ ሕቶታት መልሲ ንምሃብ ኢያ ተዳልያ። ብዘይ​ዚውን እታ ብሮሹር ንንብረትን ገንዘብን ንናይ ቀረጽ መደብ ምግባርን ዝምልከት ተወሳኺ ጠቓሚ ሓበሬታ ሒዛ ኣላ። ነቶም ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘለዉ ሕጂ ፍሉይ ህያብ ክህቡ ወይ ኣብ ግዜ ሞት ከውርሱ ዝብህጉ ውልቀ⁠-​ሰባት ንስድራ​ቤቶምን ንብሕታዊ ዅነታቶምን ኣብ ግምት ብምእታው ነቲ ኣዝዩ ጠቓምን ኣስላጥን ኣገባብ ምእንቲ ኽመርጹ ንምሕጋዝ ተባሂላ እውን ኢያ ተዳልያ። ቅዳሕ ናይዛ ብሮሹር እዚኣ ብቐጥታ ኻብ “ቤት ጽሕፈት ብመደብ ዝግበር ልግሲ” ብምሕታት ክርከብ ይከኣል ኢዩ።

ብዙሓት ነዛ ብሮሹር እዚኣ ብምንባብን ምስቶም ኣብ “ቤት ጽሕፈት ብመደብ ዝግበር ልግሲ” ዝሰርሑ ብምምይያጥን ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክሕግዙ: ነቲ ኸምኡ ብምግባሮም ዝርከብ ናይ ምጕዳል ቀረጽ ረብሓታት ከኣ ከዕብይዎ ክኢሎም ኢዮም። እቲ “ቤት ጽሕፈት ብመደብ ዝግበር ልግሲ” ብዛዕባ ዝዀነ ይኹን ከምዚ ዝኣመሰለ መደባት ክሕበርን ነቲ ጕዳይ ዝገልጽ ቅዳሕ ናይቲ ሰነድ ክዋሃቦን ኣለዎ። በቲ ብመደብ ዝግበር ናይ ምሃብ ምድላዋት ኣቢልካ ክትውፊ ትደሊ እንተድኣ ዄንካ በዚ ኣብ ታሕቲ ተገሊጹ ዘሎ ኣድራሻ ገይርካ ወይ ድማ ናብቲ ንሃገርካ ዘገልግል ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምጽሓፍ ወይ ብምድዋል ምስቶም ኣብ “ቤት ጽሕፈት ብመደብ ዝግበር ልግሲ” ዝሰርሑ ኣሕዋት ክትራኸብ ኣሎካ።

CHARITABLE PLANNING OFFICE

Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania

100 Watchtower Drive,

Patterson, New York 12563-​9204

Telephone: (845) 306-​0707