ንሕልናኻ ሓልዎ
ንሕልናኻ ሓልዎ
ግጉይ ፕሮግራም ዝሓዘ ኮምፕዩተር ብዘለዋ ነፋሪት ምጋሽ ዘፍርህ ኢዩ። ካልእ ሰብ ነታ ነፋሪት ንዝመርሓ ፕሮግራም ከም ዝተናኸፎ ወይ ደይመደይ ኢሉ ነቲ ቝጽርታት ከም ዝቐየሮ ገይርና እስኪ ንሕሰብ! ብምሳልያዊ መገዲ እውን ንሕልናኻ ልክዕ ኸምኡ ኽገብሮ ዝጽዕር ኣካል ኣሎ። ንስነ-ምግባራዊ መምርሒኻ ንምብልሻው ተዓጢቑ ኢዩ ተላዒሉ ዘሎ። ዕላምኡ ምስ ኣምላኽ ንኸጋጭወካ ኢዩ!—እዮብ 2:2-5፣ ዮሃንስ 8:44
እዚ ሕሱም ዘራጊ እዚ መን ኢዩ፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “እቲ ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ ድያብሎስን ሰይጣንን ዚብሀል . . . ናይ ጥንቲ ተመን” ተባሂሉ ኣሎ። (ራእይ 12:9 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ኣብ ገነት ኤደን ንሄዋን ሓቂ ዝመስል ምኽንያት ብምሃብ ግጉይ ዝዀነ ነገር ክትገብርን ካብ ኣምላኽ ክትዓሉን ሓባበላ። (ዘፍጥረት 3:1-6, 16-19) ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ንዕቤት ናይተን ንደቅሰብ ብሓፈሻ ምስ ኣምላኽ ከም ዝጻልኡ ዝገብራ ናይ ምትላል ትካላት ክመርሕ ጸኒሑ ኢዩ። ካብዘን ትካላት እዚኣተን ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝያዳ ተሓታቲት ኢያ።—2 ቈረንቶስ 11:14, 15
ናይ ሓሶት ሃይማኖት ንሕልና ተበላሽዎ
እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ ራእይ: ንናይ ሓሶት ሃይማኖት ዓባይ ባቢሎን ብእትበሃል ምሳልያዊት ኣመንዝራ ገይራ ጠቒሳታ ኣላ። ትምህርትታታ ንስነ-ምግባራዊ ስምዒት ናይ ብዙሓት ሰባት ኣበላሽዩ: ንሰዓብታ እውን ነቶም እተፈልየ እምነት ዘለዎም ሰባት ከም ዝጸልእዎምን ሕሉፍ ሓሊፎም መጥቃዕቲ ኸም ዘውርድሎምን ገይርዎም ኢዩ። መጽሓፍ ራእይ እሞ ኸኣ: ኣምላኽ ብደም ናይ ኣምለኽቱን “ኣብ ምድሪ እተሐርዱ ዘበሉን” ናይ ሓሶት ሃይማኖት ቀንዲ ተሓታቲት ከም ዝገብራ ኢያ እትገልጽ።—ራእይ 17:1-6፣ 18:3, 24
የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “ዝቐተለኩም ዘበለስ ንኣምላኽ ኣገልግሎት የቕርበሉ ኸም ዘሎ ዚመስሎ ጊዜ ኽትመጽእ እያ” ብምባል ናይ ሓሶት ሃይማኖት ንስነ-ምግባራዊ ምርዳእ ገለ ሰባት ክሳዕ ክንደይ ከተበላሹ ምዃና ኣጠንቀቖም። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሕሱማት ሰባት ስነ-ምግባራዊ ኣተሓሳስባኦም ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ተደፊኑ! የሱስ ‘ነቦይን ንኣይን ኣይፈልጡናን ኢዮም’ በለ። (ዮሃንስ 16:2, 3) የሱስ ነዘን ቃላት እዚኣተን ድሕሪ ምዝራቡ ነዊሕ ከይጸንሐ ብትእዛዝ ናይቶም ብዝፈጸምዎ ገበን ሕልናኦም ሕርኽርኽ ዘይበሎም ገለ መራሕቲ ሃይማኖት ተቐትለ። (ዮሃንስ 11:47-50) ብኣንጻሩ ግን የሱስ ናይ ሓቂ ሰዓብቱ ኣብ ንሓድሕዶም ብዘለዎም ፍቕሪ ኸም ዝልለዩ ገለጸ። ፍቕሮም ግን ንጸላእቶም እውን ስለ እተጠቓልል ኣዝያ ሰፋሕ ኢያ።—ማቴዎስ 5:44-48፣ ዮሃንስ 13:35
ናይ ሓሶት ሃይማኖት ንሕልና እተበላሽወሉ ካልእ መገዲ ድማ: ኣብ ዝበዝሑ ሰባት ተቐባልነት ንዘለዎ ዅሉ ዓይነት ስነ-ምግባራዊ ደረጃ ወይ ጕድለት ብምቕባላ ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባዚ ኽንበ ኸሎ “ኣእዛኖም ኣስሕይዎም ደኣ: ብትምኒት ርእሶም መምህራን ኪእክቡ 2 ጢሞቴዎስ 4:3
እምበር: ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ዘይዕገሱሉ ዘመን ኪመጽእ እዩ” በለ።—ሎሚ መራሕቲ ሃይማኖት ንእዝኒ ሰማዕቶም ባህ ንኸብሉ ኢሎም ካብ ሓዳር ወጻኢ ዝግበር ጾታዊ ርክብ ብኣምላኽ ተቐባልነት ክረክብ ይኽእል ኢዩ ይብሉ ኣለዉ። ካልኦት ድማ ንግብረ-ሶዶም ዕሽሽ ይብልዎ። ገሊኦም ኣቕሽሽቲ እሞ ኸኣ ባዕላቶም ግብረ-ሶዶም ይፍጽሙ ኢዮም። ኣብታ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ እትሕተም ዘ ታይምስ እትበሃል ጋዜጣ ዝወጸት ሓንቲ ዓንቀጽ “ብግብረ-ሶዶም ዝፍለጡ ዓሰርተ ሰለስተ ኣቕሽሽቲ” ንናይ ሓፈሻዊ ሲኖዶስ ቤተ-ክርስትያን ዓዲ እንግሊዝ ተመሪጾም ከም ዘለዉ ገለጸት። መራሕቲ ቤተ-ክርስትያን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ምስ ዝሓድግዎ: እተን ኣብያተ-ክርስትያኖም ድማ ዕሽሽ ምስ ዝብላኦም: እቶም ምእመናን ደኣ እሞ እንታይ መዐቀኒታት ኢዮም ክስዕቡ፧ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት እንተ ተደናገሩ እምበኣር ኣየገርምን ኢዩ።
በቲ ኸም ሓባሪ ብርሃን ዝምሰል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ስነ-ምግባራውን መንፈሳውን ሓቂ ኽንምራሕስ ክሳዕ ክንደይ ዝሓሸ ዀን ኢዩ! (መዝሙር 43:3፣ ዮሃንስ 17:17) ንኣብነት: መጽሓፍ ቅዱስ ኣመንዝራታት ኰኑ ዘመውቲ “ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም” ብምባል ኢዩ ዝምህር። (1 ቈረንቶስ 6:9, 10) እቶም ‘ነቲ ናይ ባህርይ ተራኽቦኦም ናብ ናይ ዘይባህርዮም ዝለወጥዎ’ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ‘ነውሪ ኸም ዝገበሩ’ ኢዩ ዝገልጽ። (ሮሜ 1:26, 27, 32) እዚ ስነ-ምግባራዊ ሓቅታት እዚ ዘይፍጹማት ሰባት ዝፈልሰፍዎ ዘይኰነስ: መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ መዐቀኒታት ኢዩ፣ ነዚ እውን ፈጺሙ ኣይቅይሮን ኢዩ። (ገላትያ 1:8፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:16) ሰይጣን ግን ንሕልና ኸባላሽወሉ ዝኽእል ካልእ መገድታት ኣለዎ።
ኣብ መዘናግዒ መራጺ ኹን
ንሓደ ሰብ ሕማቕ ነገር ክፍጽም ምግዳዱ እኩይ ተግባር ኢዩ: ነቲ ነገር ከም ዝምነዮ ምግባር ግን ዝገደደ ኢዩ። ዕላማ ናይቲ “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” ዝዀነ ሰይጣን ከምዚ ምግባር ኢዩ። ኣብ ኣእምሮን ኣልባብን እቶም ዓያሱ ወይ ዝንጉዓት ሰባት ብፍላይ ከኣ ኣብቶም ብቐሊሉ ዝድህለሉ መንእሰያት ነቲ ጽዩፍ ኣተሓሳስባኡ ንምቕራጽ: ማእለያ ዘይብሉ ጽሑፋት: ፊልምታት: ሙዚቃ: ጸወታታት ኮምፕዩተር: ከምኡውን ኣብ ኢንተርነት ዝርከብ ስእለ-ጽዩፍ ይጥቀም ኣሎ።—ዮሃንስ 14:30፣ ኤፌሶን 2:2
ኣብታ ፐድያትሪክስ እትበሃል መጽሔት ዝወጸ ጸብጻብ “[ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘለዉ] መንእሰያት ኣብ ዓመት ብገምጋም 10,000 ዓመጽ ዘለዎ ትርኢት ይርእዩ። . . . መደብ ሕጻናት እሞ ኸኣ እቲ ዝያዳ ዓመጽ ዝረኣየሉ ኢዩ ዀይኑ ዘሎ” ይብል። እዚ ጸብጻብ እዚ “ዓመት ዓመት: ኰተቴታት ዳርጋ 15,000 ንጾታዊ ርክብ ዝምልከት ዘረባን ጭርቃንን ዋዛን ይርእዩ” ምዃኖም ሓቢሩ ኣሎ። ኣብቲ ዝበዝሑ ሰባት ቲቪ ዝርእዩሉ ሰዓታት እውን “ኣብ ሰዓት ልዕሊ 8 ንጾታዊ ርክብ ዝምልከት ፍጻመታት ከም ዝርከቦ: ምስ 1976 ክነጻጸር ከሎ ድማ ልዕሊ ኣርባዕተ ዕጽፊ” ምዃኑ ገሊጹ ኢዩ። እቲ መጽናዕቲ “ጽዩፍ ዘረባ እውን ኣዝዩ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ” ምባሉ ዘገርም ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ ኰነ ምሳሌ 4:23 ዝርከብ ምኽሪ ኣቕልበሉ።—ኢሳይያስ 48:17
ብዙሕ ስነ-ፍልጠታዊ መጽናዕትታት ነዚ ፊልምታት እዚ ምክትታል ንሰባት ከም ዘበላሽዎም ይሕብር ኢዩ። ስለዚ ንኣምላኽ ናይ ብሓቂ ኸተሐጕሶን ንርእስኻ ድማ ክትጥቀምን ትደሊ እንተድኣ ዄንካ ነቲ “ህይወት ካብኡ እያ እትፍልፍል እሞ: ልዕሊ ዅሉ ንልብኻ ሐልዎ” ዝብል ኣብህቡብ ደርፍታት እውን ንሕልና የበላሽዎ ኢዩ። ኣብ መብዛሕትኡ ምዕራባውያን ሃገራት ደርፍታቱ ኣዝዩ ህቡብ ዝዀነሉ ደራፋይ ንሰባት “ንኸስካሕክሕ ኢሉ ፍሉይ ጻዕሪ” ምግባሩ ኣብ ኣውስትራልያ እትሕተም ዘ ሳንደይ መይል እትበሃል ጋዜጣ ሓቢራ። እታ ዓንቀጽ ቀጺላ “ደርፍታቱ ሓሽሽ ምውሳድ: ምስ ናይ ቀረባ ዘመድ ስጋዊ ርክብ ምፍጻም: ከምኡውን ምግሳስ ዘመጕስ” ምዃኑ ከምኡውን “‘ንሰበይተይ ቀቲለ ኣብ ቀላይ ደርብየያ’ ኢሉ ኸም ዝደረፈ” ገለጸት። እቲ ዝተረፈ ግጥሙ እውን ኣዝዩ ጽዩፍ ስለ ዝዀነ ኣብዚ ኽትደግሞ ዘሕፍር ኢዩ። እንተዀነ ግን: ብደርፍታቱ ዓቢ ሽልማት ተዋህበ። ብዝማርኽ ሙዚቃ እተሰነየ እኳ እንተዀነ ኣብ ኣእምሮኻን ልብኻን ከምዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቐሰ ዝኣመሰለ መርዛም ሓሳባት ክትዘርእ ምደለኻዶ፧ ተስፋ ንገብር ኣይትደልን ትኸውን: ከመይሲ እቶም ከምዚ ዝገብሩ ሰባት ንሕልናኦም ስለ ዘርክሱ: ቀስ እናበለ ኣብ ውሽጦም “እኩይ . . . ልቢ” ይፍጠር እሞ ጸላእቲ ኣምላኽ ይዀኑ።—እብራውያን 3:12፣ ማቴዎስ 12:33-35
ስለዚ መዘናግዒ ኣብ ምምራጽ ጥበበኛ ኹን። መጽሓፍ ቅዱስ “ሓቂ ዘበለ: ርዝነት ዘለዎ ዘበለ: ቅኑዕ ዘበለ: ንጹህ ዘበለ: ተፈታዊ ዘበለ: ጽቡቕ ወረ ዘለዎ ዘበለ: ገለ ደግነት እንተ ዀይኑ: ገለ ንእዶውን እንተ ዀይኑ: ብእኡ ሕሰቡ” ብምባል ይምሕጸነና።—ፊልጲ 4:8
እትገብሮ ዕርክነት ንሕልናኻ ይጸልዎ ኢዩ
ኒልን ፍራንዝን ንኣሽቱ ኸለዉ ምስ ቅኑዓት ክርስትያናት ዕርክነት ነበሮም። a ድሕሪ ግዜ ግን ኒል “ምስ ዘይጥዑያት ሰባት ክተዓራረኽ ጀመርኩ” በለ። መወዳእትኡ ግን ገበን ከም ዝፍጽምን ከም ዝእሰርን ስለ ዝገበሮ የጣዕሶ ኢዩ። ንፍራንዝ ዘጋጠሞ እውን ካብዚ እተፈልየ ኣይኰነን። ከምዚ ብምባል ድማ የስቈርቍር:- “ምስ ዓለማውያን መንእሰያት ዝነበረኒ ዕርክነት ምንም ጽልዋ ዘይገብረለይ ይመስለኒ ነይሩ። ከምቲ ገላትያ 6:7 ዝብሎ ግን ‘ሰብ ነቲ ዝዘርኦ ንእኡ ኸኣ ኪዐጽዶ እዩ: ኣምላኽ ኣይዕሾን እዩ።’ የሆዋ ቕኑዕ ምዃኑን ኣነ ተጋግየ ምንባረይን ብዝወረደኒ መከራ ኢየ ተማሂረዮ። በዚ ዝፈጸምክዎ ሕማቕ ተግባር ንሕልፈት ተፈሪደ ኣለኹ።”
ከም ኒልን ፍራንዝን ዝኣመሰሉ ሰባት ብሓንሳእ ኣይኰኑን ዓመጸኛታት ዝዀኑ: አረ ኣብ መጀመርታስ ገበን ዝፍጽሙ እውን ኣይመስሎምን ኢዩ። ቀስ እናበሉ ግን የንደልህጹ: መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ብሕማቕ ዕርክነት ኢዩ ዝጅምር። (1 ቈረንቶስ 15:33) ድሕርዚ ድማ ሓሽሽ ምውሳድ ወይ ካብ መጠን ንላዕሊ ምስታይ ይስዕብ ይኸውን። ሕልና “ብኣልኮላዊ መስተ ዝሓቅቕ ክፍሊ ባህርይና ኢዩ” ኽብልዎ ሓቆም ኢዮም። ካብኡ ኣብ ገበን ወይ ዘይስነ-ምግባራውነት ንምጥሓል ግዜ ኣይወስድን ኢዩ።
ምሳሌ 13:20) ኒልን ፍራንዝን ተኣሲሮም እኳ እንተለዉ: ሕልናኦም ብግቡእ ክስልጥንን ኣኽቢርካ ኽተሓዝን ዝግባእ ውህበት ኣምላኽ ምዃኑ ሕጂ ኣስተውዒሎም ኢዮም። ብተወሳኺውን: ምስ የሆዋ ኣምላኾም ጽቡቕ ርክብ ንምህናጽ ይጽዕሩ ኣለዉ። ስለዚ ጥበበኛ ኹን: መለበሚ እውን ይኹኑኻ።—ምሳሌ 22:3
ስለዚ: ስለምንታይ እታ ቐዳመይቲ ስጕምቲ እትወስድ፧ ኣብ ክንድኡ ምስቶም ንኣምላኽ ብሓቂ ዘፍቅርዎ ጥበበኛታት ሰባት ተዓራረኽ። ንሳቶም ድማ ሕልናኻ ጽኑዕ ንኽኸውን ክሕግዙኻ ኢዮም: ከም ውጽኢቱ ኸኣ ብግቡእ ክመርሓካን ካብ ብዙሕ ስቓይ ከናግፈካን ኢዩ። (ንሕልናኻ ሓልዎ
ንሕልናና ኽንሕልዎ ኸም እንደሊ እነርኢ: ንኣምላኽ ዘሎና ፍቕርን ጥዑይ ፍርሃትን ኣብኡ ዘሎና እምነትን ምስ እንሃንጽ ኢዩ። (ምሳሌ 8:13፣ 1 ዮሃንስ 5:3) እዚ ነገራት እዚ ዝጐደሎ ሕልና ብስነ-ምግባር ጽኑዕ ስርዓታት ከም ዘይብሉ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ ኢዩ። ንኣብነት: መዝሙር 14:1 ብዛዕባ እቶም ብልቦም “ኣምላኽ የልቦን” ዝብሉ ሰባት ትዛረብ ኢያ። እዞም ሰባት እዚኣቶም እምነት ዘይብሎም ብምዃኖም ጠባዮም ብኸመይ ይጽሎ፧ እታ ጥቕሲ ቐጺላ “ብልሽዋት እዮም: ፍንፉን ግብሪ ገበሩ” ትብል።
እቶም ኣብ ኣምላኽ ናይ ሓቂ እምነት ዘይብሎም ሰባት ዝሓሸ መጻኢ ኽህሉ ምዃኑ ርግጽ ተስፋ የብሎምን። ስለዚ: ስጋዊ ትምኒቶም እናርወዩ ንሎሚ ጥራይ ኢዮም ዝነብሩ። “ጽባሕ ክንመውት ኢና እሞ: ንብላዕን ንስተን” ዝብል ፍልስፍና ኸኣ ኣለዎም። (1 ቈረንቶስ 15:32) በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን እቶም ኣብቲ ዓስቢ ዘለኣለማዊ ህይወት ዘተኵሩ በዚ ሓላፊ ባህታ እዛ ዓለም እዚኣ መገዶም ኣይስሕቱን ኢዮም። እቲ ዝሰልጠነ ሕልናኦም ልክዕ ከምቲ ኣንፈታ ከይሰሓተት ንነፋሪት ዘብርራ ኮምፕዩተር: ንየማን ኰነ ንጸጋም ከይበሉ ንኣምላኽ ብተኣማንነት ክእዘዙ ይሕግዞም ኢዩ።—ፊልጲ 3:8
ሕልናኻ ሓያልን ቅኑዕን ኰይኑ ንኽቕጽል ኻብ ቃል ኣምላኽ ወትሩ መምርሒ የድልዮ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ “ንየማን ወይስ ንጸጋም እንተ ኣግለስኩም: ኣእዛንካ: እዚኣ እያ እታ መገዲ: ብእኣ ተመላለሱ: ዚብል ቃል ኣብ ድሕሬኻ ኺሰምዓ እየን” ክብል ከሎ ኸምዚ ዝኣመሰለ መምርሒ ኽርከብ ዝከኣል ምዃኑ ኢዩ ዝገልጸልና። (ኢሳይያስ 30:21) ስለዚ ንመዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝኸውን ግዜ መድብ። ቅኑዕ ንምግባር ክትቃለስ ወይ ክትጭነቕ ክትጅምር ከሎኻ እዚ ኸበራትዓካን ከተባብዓካን ኢዩ። ኣብ የሆዋ ምሉእ ትውክልቲ እንተድኣ ገይርካ: ብስነ-ምግባራውን መንፈሳውን መገዲ ኸም ዝመርሓካ ርግጸኛ ኹን። እወ: ነቲ “ንእግዚኣብሄር ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድመይ ገይረዮ: ብየማነይ ስለ ዝዀነ: ኣይክናወጽን እየ” ዝበለ ጸሓፍ መዝሙር ምሰሎ።—መዝሙር 16:8፣ 55:22
[እግረ-ጽሑፍ]
a ኣስማት ተቐይሩ ኢዩ።
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]
እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ዓባይ ባቢሎን” ተባሂላ ዘላ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ንሕልና ብዙሓት ሰባት ብምድንዛዝ ተሓታቲት ኢያ
[ምንጪ ስእሊ]
Priest blessing troops: U.S. Army photo
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]
ዓመጽን ርኽሰትን ምርኣይ ንሕልናኻ ይጐድኦ ኢዩ
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
ወትሩ ብቓል ኣምላኽ ትምራሕ እንተ ዄንካ ንሕልናኻ ኽትሕልዎ ኢኻ