ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ዓቕሊ ልበሱ’

‘ዓቕሊ ልበሱ’

‘ዓቕሊ ልበሱ’

“ምሕረት ልቢ . . . ዓቕሊ . . . ልበሱ።”—⁠ቈሎሴ 3:12

1. ብዛዕባ ዓቕሊ ሰናይ ኣብነት ዝኸውን ጥቐስ።

 ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ፈረንሳ ዝነብር ሪጂስ: ብ1952 ህይወቱ ወፍዩ ብምጥማቕ ናይ የሆዋ ምስክር ኰነ። ሰበይቱ ንየሆዋ ንምግልጋል ኣብ ዝገብሮ ዝነበረ ጻዕሪ ንምትዕንቓፉ ንሓያሎ ዓመታት ዝኣክል ዘይፈተነቶ ነገር ኣይነበረን። ኣኼባታት ንኸይካፈል ኢላ ጐማ ተንፍሰሉ ነበረት። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ድማ ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸደ ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክሰብኽ ከሎ ደድሕሪኡ እናኸደት ተላግጸሉ ነበረት። ሪጂስ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘየቋርጽ ምጽራር እኳ እንተ ነበሮ: ዓቕሉ ኣይወድአን። ስለዚ ኸኣ የሆዋ ዅሎም ኣምለኽቱ ምስ ካልኦት ኣብ ዝገብርዎ ርክብ ዓቃላት ክዀኑ ስለ ዝደልዮም ሪጂስ ንዅሎም ክርስትያናት ሰናይ ኣብነት ኢዩ።

2. እታ ዓቃል እትትርጐም ናይ ግሪኽ ቃል: ቃል ብቓሉ እንታይ ማለት ኢያ: ንምንታይከ ኢያ እተመልክት፧

2 እታ “ዓቕሊ” ተባሂላ እትትርጐም ናይ ግሪኽ ቃል: ቃል ብቓሉ “ነዊሕ ዝጸንሕ መንፈስ” ማለት ኢያ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሸውዓተ ግዜ “ትዕግስቲ:” ሽዱሽተ ግዜ “ዓቕሊ:” ሓንሳእ ከኣ “ህድኣት” ተባሂላ ተተርጒማ ኣላ። እተን “ዓቕሊ” ተባሂለን ዝትርጐማ ናይ እብራይስጥን ናይ ግሪኽን ቃላት: ትዕግስቲ: ምጻር: ንዅራ ደንጓዪ ምዃን ዝብል ሓሳብ እውን ዝሓቘፋ ኢየን።

3. ክርስትያናት ብዛዕባ ዓቕሊ ዘለዎም ኣረኣእያ ካብቲ ናይቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ግሪኻውያን ዝነበሮም ኣረኣእያ እተፈልየ ዝኸውን ብኸመይ ኢዩ፧

3 እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ግሪኻውያን ንዓቕሊ ከም ውርዝና ገይሮም ኣይርእይዋን ኢዮም ነይሮም። ናይ ስቶይክ ፈላስፋታት እውን እንተዀኑ ነታ ቓል ፈጺሞም ኣይጥቀሙላን ኢዮም ነይሮም። ዊልያም ባርክለይ እተባህለ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር ከም ዝበሎ ዓቕሊ ምግባር “ፈጺሙ ኣንጻር ውርዝና ግሪኻውያን ኢዩ ነይሩ።” ግሪኻውያን “ንዝዀነ ይኹን ጸርፊ ወይ ማህሰይቲ ናይ ዘይምጽዋር ባህሪ” ዀነ ንኻልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ባህርያት ይጀሃርሉ ኢዮም ነይሮም። ወሲኹ ከምዚ ኢሉ ገለጸ:- “ኣብ ግሪኻውያን ዓቢ ሰብ ዝበሃል ሕነ ንምፍዳይ ድሕር ዘይብል ኢዩ። ኣብ ክርስትያናት ግን ዓቢ ሰብ ዝበሃል ሕነ ኽፈዲ እናኸኣለ እውን ዘይገብሮ ኢዩ።” ግሪኻውያን ዓቕሊ ምርኣይ ምልክት ድኻም ገይሮም ይወስድዎ ነይሮም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም፣ ይኹን እምበር: በዚ ነገር እዚ ዝመጸ ዀነ ብኻልእ ነገራት “ካብ ሰብሲ ዕሽነት ኣምላኽ ይጠብብ: ካብ ሰብ ከኣ ድኻም ኣምላኽ ይብርትዕ።”​—⁠1 ቈረንቶስ 1:25

ዓቕሊ ብምርኣይ ዝመጸ የሱስ ዝገደፎ ኣብነት

4, 5. የሱስ ብዓቕሊ ዝመጸ ከመይ ዝበለ ግሩም ኣብነት ኢዩ ዝገደፈልና፧

4 ደድሕሪ የሆዋ ብዓቕሊ ዝመጸ ግሩም ኣብነት ዝዀነና የሱስ ክርስቶስ ኢዩ። ኣብ ኣሸጋሪ ዅነታት ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ዘገርም ርእሰ⁠-​ግትኣት ኣርእዩ ኢዩ። ብዛዕብኡ “መከራ ጸገበ: ርእሱ ኣዋረደ ኣፉውን ኣይከፈተን። ከምቲ ናብ ማሕረዲ ዚኽብከብ ገንሸል: ከምታ ኣብ ቅድሚ መቀዝታ ስቕ እትብል በጊዕ ኣፉ ኣይከፈተን” ዝብል ትንቢት ተነጊሩ ነይሩ ኢዩ።​—⁠ኢሳይያስ 53:7

5 የሱስ ኣብ ምሉእ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ኣየ ኸመይ ዝበለ ፍሉይ ዓቕሊ ዀን ኢዩ ዘርኣየ! ነቲ ጸላእቱ ብተንኰል ዝሓትዎ ዝነበሩ ሕቶታትን ካብ ተጻረርቱ ዝመጾ ዝነበረ ጸርፍን ተጸሚምዎ ኢዩ። (ማቴዎስ 22:⁠15-46፣ 1 ጴጥሮስ 2:⁠23) ደቀ መዛሙርቱ ብዙሕ ሳዕ መን ኰን ይዓቢ ኢሎም ክበኣሱ ኸለዉ እውን ከይተረፈ ይዕገሶም ነበረ። (ማርቆስ 9:⁠33-37፣ 10:⁠35-45፣ ሉቃስ 22:⁠24-27) ኣብታ እተታሕዘላ ምሸት ‘ክነቕሑ’ ነጊርዎም ክነሱ ጴጥሮስን ዮሃንስን ደቂሶም ምስ ረኸቦም ዘርኣዮ ርእሰ⁠-​ግትኣት እውን ብሓቂ ዝነኣድ ኢዩ ነይሩ።​—⁠ማቴዎስ 26:⁠36-41

6. ጳውሎስ ካብ ዓቕሊ የሱስ እንታይ ኢዩ ተጠቒሙ: ካብዚኸ እንታይ ኢና እንምሃር፧

6 የሱስ ድሕሪ ሞቱን ትንሳኤኡን እውን ዓቃል ምዃኑ ኣርእዩ ኢዩ። ብፍላይ ሃዋርያ ጳውሎስ ቅድም ንክርስትያናት የሳጕግ ስለ ዝነበረ ነዚ ኣጸቢቑ ኣቕሊብሉ ኢዩ። ከምዚ ኢሉ ድማ ጸሓፈ:- “ክርስቶስ የሱስ ነቶም ኣነ ዝቐዳማዮም ሓጥኣን ኬድሕን ከም ዝመጸ: እዚ ቓል እዚ እሙን እዩ: ምቕባሉውን ብዅሉ ግቡእ እዩ። ግናኸ የሱስ ክርስቶስ ነቶም ናብ ዘለኣለም ህይወት ኪበጽሑ ኢሎም ብእኡ ዚአምኑ ንኣርኣያ ዅሉ ትዕግስቱ ቕድም ኣባይ ምእንቲ ኼርኢ: በዚ ምኽንያት እዚ እየ ኣነ ምሕረት ዝረኸብኩ።” (1 ጢሞቴዎስ 1:15, 16) ቅድሚ ሕጂ ዝፈጸምናዮ ነገራት ብዘየገድስ: ኣብ የሱስ እምነት እንተድኣ ገይርና: “ንንስሓ ዚግባእ ግብሪ” እንተድኣ ኣፍሪና ብዓቕሊ ኽጽመመና ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 26:20፣ ሮሜ 2:4) እቲ ክርስቶስ ናብተን ሸውዓተ ጉባኤታት ናይ ንእሽቶ እስያ ዝለኣኾ መልእኽቲ: የሱስ ዓቕሊ ዝገብር እኳ እንተዀነ ለውጢ ኽርኢ ከም ዝጽበ ይሕብር።​—⁠ራእይ ምዕራፍ 2ን 3ን።

ፍረ መንፈስ

7. ኣብ መንጎ ዓቕልን መንፈስ ቅዱስን ከመይ ዝበለ ምትሕሓዝ ኢዩ ዘሎ፧

7 ጳውሎስ ኣብታ ናብ ሰብ ገላትያ ዝጸሓፋ መልእኽቱ ኣብ ምዕራፍ 5 ንግብሪ ስጋ ምስ ፍረ መንፈስ ኣነጻጺርዎ ኣሎ። (ገላትያ 5:⁠19-23) ዓቕሊ ሓደ ኻብ ባህርያት የሆዋ ብምዃኑ: እዚ ባህሪ እዚ ካብኡ ኢዩ ዝምንጭ ፍረ መንፈሱ ድማ ኢዩ። (ዘጸኣት 34:⁠6, 7) ኣብቲ ጳውሎስ ብዛዕባ ፍረ መንፈስ ዝሃቦ መግለጺ ምስ “ፍቕሪ: ሓጐስ: ዕርቂ . . . ለውሃት: ሕያውነት: እምነት: ህድኣት: ይአኽለኒ ምባል” ተዘርዚራ ራብዓይ ተርታ ሒዛ ኣላ። (ገላትያ 5:22, 23) ስለዚ: ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከም ናቱ ዝዓይነታ ትዕግስቲ ወይ ዓቕሊ ኸንጸባርቑ ኸለዉ: ብሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ኢዮም ዝገብርዎ።

8. ዓቕሊ ሓዊስካ ንዅሉ ፍረ መንፈስ ንኸነማዕብል ክሕግዘና ዝኽእል እንታይ ኢዩ፧

8 ከምዚ ኽበሃል ከሎ ግን የሆዋ ንመንፈሱ ኣብ ልዕሊ ሓደ ሰብ ደፊኡ የእትዎ ኢዩ ማለት ኣይኰነን። ንኽጸልወና ፍታው ከነርኢ ይግብኣና። (2 ቈረንቶስ 3:⁠17፣ ኤፌሶን 4:⁠30) ነቲ መንፈስ እቲ ኣባና ኽዓዪ ኸነፍቅደሉ እንኽእል ነቲ ፍሪኡ ዝዀነ ባህርያት ኣብ ኵሉ እንገብሮ ነገራት ብምንጽብራቕ ኢዩ። ጳውሎስ ግብሪ ስጋን ፍረ መንፈስን ድሕሪ ምዝርዛሩ ወሲኹ ኸምዚ በለ:- “ህይወት ብመንፈስ እንተ አልያትናስ: ብመንፈስ ከኣ ንመላለስ። ሰብ ነቲ ዝዘርኦ ንእኡ ኸኣ ኪዐጽዶ እዩ እሞ: ኣይትጠበሩ: ኣምላኽ ኣይዕሾን እዩ። እቲ ንስጋኡ ኢሉ ዚዘርእ ካብቲ ስጋስ ጥፍኣት ኪዐጽድ እዩ: እቲ ንመንፈሱ ኢሉ ዚዘርእ ግና ካብቲ መንፈስ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪዐጽድ እዩ።” (ገላትያ 5:⁠25፣ 6:⁠7, 8) ዓቕሊ ብምምዕባል ዝመጸ ዕዉታት ክንከውን እንተድኣ ዄንና: ነቲ ብሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ክርስትያናት ዝዓዪ ኻልእ ክፍሊ ፍረ መንፈስ እውን ከነማዕብል ከድልየና ኢዩ።

“ፍቕሪ ዓቃል እያ”

9. ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ “ፍቕሪ ዓቃል እያ” ኢሉ ዝነገሮም ብምንታይ ምኽንያት ኢዩ ክኸውን ዝኽእል፧

9 ጳውሎስ “ፍቕሪ ዓቃል እያ” ኢሉ ኽገልጽ ከሎ ኣብ መንጎ ፍቕርን ዓቕልን ፍሉይ ምትሕሓዝ ከም ዘሎ ኢዩ ዝሕብር ነይሩ። (1 ቈረንቶስ 13:⁠4) ኣልበርት ባርነስ እተባህለ ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር: ጳውሎስ ነዚ ሓሳብ እዚ ዘጕልሖ ኣብታ ኣብ ቈረንቶስ ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ንእተራእየ ባእስን ክርክርን ኣብ ግምት ብምእታው ኢዩ ዝብል ርእይቶ ሃበ። (1 ቈረንቶስ 1:⁠11, 12) ከምዚ ድማ በለ:- “እታ ኣብዚ ኣትያ ዘላ [ዓቕሊ ተባሂላ እተተርጐመት] ቃል ኣንጻር ሃወኽ: ኣንጻር እቲ ብቝጥዐ ዝግንፍል ቃላትን ሓሳባትን: ኣንጻር ምንዳር ኢያ። ጭቈና ወይ ዘቘጥዕ ነገር ከጋጥም ከሎ ነዊሕ ክጻወር ንዝኽእል ኣገባብ ኣተሓሳስባ ኢያ እተመልክት።” ዓቕልን ፍቕርን ንሰላም ክርስትያናዊት ጉባኤ ዓቢ ኣበርክቶ ኢዩ ዝገብር።

10. (ሀ) ፍቕሪ በየናይ መገድታት ኢያ ዓቃላት ክንከውን እትሕግዘና: ሃዋርያ ጳውሎስከ በዚ መዳይ እዚ እንታይ ምኽሪ ኢዩ ዝሃበና፧ (ለ) ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር ብዛዕባ ዓቕልን ለውሃትን እንታይ ርእይቶ ኢዩ ዝሃበ፧ (እግረ⁠-​ጽሑፍ ርአ።)

10 “ፍቕሪ ዓቃል እያ: ፍቕሪ ለዋህ እያ: . . . ናታ ኣይትደልን: ኣይትምረርን።” ስለዚ ፍቕሪ ብብዙሕ መገዲ ዓቃላት ክንከውን ኢያ እትሕግዘና። a (1 ቈረንቶስ 13:4, 5) ፍቕሪ ብትዕግስቲ ንሓድሕድና ኽንጸዋወር: ከምኡውን ዅላትና ዘይፍጹማት ምዃንና: ጕድለትን ድኽመትን እውን ከም ዘሎና ንኽንዝክር ትሕግዘና። ሓለይትን ይቕረ በሃልትን ንኽንከውን ትሕግዘና። ሃዋርያ ጳውሎስ “ብትሕትና ዘበለን ብለውሃትን ብህድኣትን ንሓድሕድኩም ብፍቕሪ እናተጻወርኩም: ነቲ ሕብረት መንፈስ ብማእሰር ሰላም ጌርኩም ክትሕልውዎ: ተጋደሉ” ብምባል የተባብዓና።​—⁠ኤፌሶን 4:1-3

11. ብፍላይ ክርስትያናት ሓቢሮም ንጥፈታቶም ክገብሩ ኸለዉ ዓቃላት ምዃን ዘድልዮም ስለምንታይ ኢዩ፧

11 ክርስትያናት ሓቢሮም ንጥፈታቶም ክገብሩ ኸለዉ እውን ኣብ ንሓድሕዶም ብዓቕሊ ምስ ዝመላለሱ ንሰላሞምን ሓጐሶምን ኣበርክቶ ኣለዎ። እዚ ድማ ኣብ ጉባኤ: ቤትኤል: ኣባይቲ ሚስዮናውያን: ጕጅለታት ዕዮ ህንጻ ወይ ከኣ ኣብ ኣብያተ⁠-​ትምህርቲ ዝዓዪ ኢዩ። ኣብ ባህርያት: ምርጫታት: ኣተዓባብያ: ናይ ስነ⁠-​ስርዓት መዐቀኒታት: ኣብ ክንክን ጥዕና እውን ከይተረፈ ፍልልያት ስለ ዘሎ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዘሕርቕ ኵነታት ክለዓል ይኽእል ኢዩ። እዚ ኣብ ስድራ​ቤታት እውን ከጋጥም ይኽእል ኢዩ። ንዅራ ደንጓዪ ምዃን ኣገዳሲ ኢዩ። (ምሳሌ 14:⁠29፣ 15:⁠18፣ 19:⁠11) እዛ ምምሕያሽ ክመጽእ ብምሕሳብ ተስፋ ኸይቈረጽካ ብትዕግስቲ ምጽማም ዝብል ትርጕም ዘለዋ ዓቕሊ ካብ ነፍሲ ወከፍ ኣባል እትድለ ባህሪ ኢያ።​—⁠ሮሜ 15:⁠1-6

ዓቕሊ ንኽንጽመም ትሕግዘና

12. ዘቘጥዕ ኵነታት ከጋጥም ከሎ ዓቕሊ ኣገዳሲ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

12 ዘይውዳእ ወይ ቅልጡፍ መፍትሒ ዘይብሉ ዝመስል ኵነታት ከጋጥመና ኸሎ ዓቕሊ ንኽንጽመም ትሕግዘና ኢያ። ነቲ ኣብ መእተዊ ናይዛ ዓንቀጽ እዚኣ እተጠቕሰ ሪጂስ ንኽጽመም ዝሓገዘቶ እዛ ባህሪ እዚኣ ኢያ። ንዓመታት ዝኣክል ሰበይቱ ንየሆዋ ንምግልጋል ኣብ ዝገብሮ ዝነበረ ጻዕሪ ተጻረረቶ። ሓደ መዓልቲ ግን እናነብዐት “ሓቂ ምዃኑ ተረዲኡኒ ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ስለ ዝደሊ ሓግዘኒ” በለቶ። ኣብ መወዳእታ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይና ተጠምቀት። ሪጂስ “እዚ የሆዋ ነተን ናይ ቃልስን ትዕግስትን ምጽማምን ዓመታት ከም ዝባረኸን ዘረጋግጽ መርትዖ ኢዩ” በለ። ብዘርኣዮ ዓቕሊ ዓስቢ ረኸበ።

13. ጳውሎስ ንኽጽመም ዝሓገዞ እንታይ ኢዩ: እቲ ዝገደፈልና ኣብነት ንኽንጽመም ክሕግዘና ዝኽእልከ ብኸመይ ኢዩ፧

13 እቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ከም ኣቈጻጽራ ዘመንና ዝነበረ ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ዓቕሊ ሰናይ ኣብነት ኢዩ ዝዀነና። (2 ቈረንቶስ 6:⁠3-10፣ 1 ጢሞቴዎስ 1:⁠16) ኣብ ኣጋ ሞቱ ነቲ መገላግልቱ ዝነበረ መንእሰይ ጢሞቴዎስ ክመኽሮ ኸሎ ኵሎም ክርስትያናት ፈተና ኸጋጥሞም ምዃኑ ብምሕባር ኣጠንቀቖ። ጳውሎስ ናይ ገዛእ ርእሱ ኣብነት ብምጥቃስ ንምጽማም ዘድሊ መሰረታዊ ዝዀነ ክርስትያናዊ ባህርያት ከንጸባርቕ ነገሮ። ከምዚ ኢሉ ኸኣ ጸሓፈ:- “ንትምህርተይ: ንንብረተይ: ንፍቓደይ: ንእምነተይ: ንዓቕለይ: ንፍቕረይ: ንትዕግስተይ ኣጸቢቕካ ሰዐብካ። ኣብ ኣንጾክያን ኢቆንዩምን ልስጥራን ዝበጽሓኒ ስደተይ: መከራይ: ከምዚ ዝበለ ስደት ጾርኩ: ጐይታ ግና ካብ ኵሉ ኣድሐነኒ። ግናኸ እቶም ብክርስቶስ የሱስ ብፍርሃት እግዚኣብሄር ኪነብሩ ዚደልዩ ዅሎም ኪስጐጉ እዮም።” (2 ጢሞቴዎስ 3:10-12፣ ግብሪ ሃዋርያት 13:49-51፣ 14:19-22) ንኽንጽመም እምነትን ፍቕርን ዓቕልን ከነጥሪ የድልየና።

ዓቕሊ ንልበስ

14. ጳውሎስ ንኸም ዓቕሊ ዝኣመሰለ ኣምላኻዊ ባህርያት ምስ ምንታይ ኢዩ ኣመሳሲልዎ ዘሎ: ነቶም ኣብ ቈሎሴ ዝነበሩ ክርስትያናትከ እንታይ ምኽሪ ኢዩ ዝሃቦም፧

14 ሃዋርያ ጳውሎስ ንዓቕልን ንኻልእ ኣምላኻዊ ባህርያትን ምስቲ ሓደ ክርስትያን ነቲ ናይ “ኣረጊት ሰብ” ባህርያት ቀንጢጡ ዝኽደኖ ሓድሽ ክዳን ኣመሳሲልዎ ኣሎ። (ቈሎሴ 3:⁠5-10) ከምዚ ኢሉ ድማ ጸሓፈ:- “ኸም ሕሩያት ኣምላኽን ቅዱሳንን ፍቁራትን ኴንኩም: ምሕረት ልቢ: ለውሃት: ትሕትና: ዓቕሊ: ትዕግስቲ ልበሱ። ንሓድሕድኩም እናተጻወርኩም: እቲ ሓደ ኣብቲ ሓደ ኽሲ እንተለዎ: ይቕረ ተባሃሀሉ። ከምቲ ክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም: ንስኻትኩምውን ከምኡ ይቕረ በሉ። ኣብ ልዕሊ እዚ ዅሉውን ፍቕሪ: ማእሰር ፍጻሜ እያ እሞ: ልበስዋ።”​—⁠ቈሎሴ 3:12-14

15. ክርስትያናት ዓቕልን ካልእ ኣምላኻዊ ባህርያትን ምስ ‘ዝለብሱ’ እንታይ ፍረ ኢዮም ዝረኽቡ፧

15 ኣባላት ጉባኤ ከም እኒ ምሕረት ልቢ: ለውሃት: ትሕትና: ዓቕሊ: ትዕግስቲ ዝኣመሰለ ባህርያት ‘ምስ ዝለብሱ’ ግድላት ክፈትሑ ይኽእሉ: ሓቢሮም ድማ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ንቕድሚት ይስጕሙ። ብፍላይ ክርስትያን ሽማግለታት ዓቃላት ክዀኑ ይግባእ። ንሓደ ክርስትያን ክግስጽሉ ዘድልዮም ግዜያት ይህሉ ይኸውን: እዚ ግን ብእተፈላለየ መገዲ ኽግበር ይከኣል ኢዩ። ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ “ብዅሉ ዓቕልን ብምህሮን . . . ከተስምዕ: ክትገንሕ: ክትቀጽዕ: ክትምዕድ” ኢሉ ኽጽሕፈሉ ኸሎ እቲ ዝበለጸ መገዲ እንታይ ምዃኑ ገሊጽዎ ኣሎ። (2 ጢሞቴዎስ 4:⁠2) እወ: ኣባጊዕ የሆዋ ወትሩ ብዓቕልን ክብርን ለውሃትን ክተሓዛ ይግባእ።​—⁠ማቴዎስ 7:⁠12፣ 11:⁠28፣ ግብሪ ሃዋርያት 20:⁠28, 29፣ ሮሜ 12:⁠10

“ንዅላቶም ተዐገስዎም”

16. ‘ንዅሎም ምስ እንዕገሶም’ እንታይ ፍረ ኢና ኽንረክብ እንኽእል፧

16 እቲ የሆዋ ንደቅ​ሰብ ዘርእዮ ዓቕሊ ንሕናውን ከምኡ ‘ንዅሉ ሰብ ንኽንዕገስ’ ሞራላዊ ግዴታ ዘንብረልና ኢዩ። (1 ተሰሎንቄ 5:⁠14) እዚ ድማ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ዘይኰኑ ኣባላት ስድራ​ቤት: ምስ ጐረባብትና: መሳርሕትና: መማህርትና ኣብ እንገብሮ ርክብ ዕጉሳት ክንከውን ኣሎና ማለት ኢዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓድሓደ ግዜ ንነዊሕ ዓመታት ዝቐጸለ ካብ መሳርሕቶም ወይ መማህርቶም ዝወርዶም ላግጺ ወይ ግሁድ ምጽራር ብምጽማሞም ኣብ ልዕሊኦም ዝነበረ መሰረት ዘይብሉ ጽልኢ ከልግስዎ ክኢሎም ኢዮም። (ቈሎሴ 4:⁠5, 6) ሃዋርያ ጴጥሮስ “እቶም ከም ገበርቲ እከይ ገይሮም ዚሐምዩኹም ዘለዉ: ንሰናይ ግብርኹም ርእዮም በታ መዓልቲ ሓተታ ንኣምላኽ ምእንቲ ኼመስግንዎ: ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኣኻይዳኹም ኣጸብቑ” ኢሉ ጸሓፈ።​—⁠1 ጴጥሮስ 2:12

17. ንፍቕሪ የሆዋን ዓቕሉን ብኸመይ ኢና ኽንቀድሖ እንኽእል: ስለምንታይከ ኢና ኸምኡ ኽንገብር ዘሎና፧

17 ዓቕሊ የሆዋ ብሚልዮናት ንዝቝጸሩ ሰባት ከም ዝድሕኑ ኽገብር ይኽእል ኢዩ። (2 ጴጥሮስ 3:⁠9, 15) ንፍቕሪ የሆዋን ዓቕሉን እንተድኣ ቐዲሕናዮ: ንሰባት ከየባተኽና ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክንሰብከሎምን ኣብ ትሕቲ ንግስነት ክርስቶስ ንኽግዝኡ ድማ ኽንምህሮምን ኢና። (ማቴዎስ 28:⁠18-20፣ ማርቆስ 13:⁠10) ብስራት ምስባኽ እንተ ኣቋሪጽና ንዓቕሊ የሆዋ ደረት ክንገብረሉ ከም ዝደለናን ነቲ ሰባት ንኽንስሑ ዘለዎ ዕላማ ድማ ከም ዝሰሓትናዮን ዝሕብር ኢዩ።​—⁠ሮሜ 2:⁠4

18. ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቈሎሴ ዝነበሩ ክርስትያናት እንታይ ኢሉ ኢዩ ዝጸለየሎም፧

18 ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቈሎሴ: ንእሽቶ እስያ: ዝነበሩ ክርስትያናት ኣብ ዝሰደደሎም መልእኽቲ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ስለዚ ንሕና ኸኣ ካብታ ዝሰማዕናላ መዓልቲ ጀሚርና: በቲ ፍልጠት ፍቓዱ ብዅሉ መንፈሳዊ ጥበብን ኣእምሮን ኪመልኣኩም: ምእንታኹም ጸሎትን ልማኖን ኣየብኰርናን። ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ: ፍረ እናፈሬኹምን ብፍልጠት ኣምላኽ እናዐቤኹምን ብዅሉ ንእግዚኣብሄር ባህ ከተብሉ ንእኡ ብቑዓት ኴንኩም ክትመላለሱ: ንጽሊ አሎና። ብሓጐስ ብጽንዓት ዘበለ ዅሉ: ንብዘሎ ትዕግስትን ዓቕልን ብሓይሊ ኽብሩ [በርትዑ።]”​—⁠ቈሎሴ 1:9-11

19, 20. (ሀ) ንዓቕሊ የሆዋ ከም ፈተና ገይርና ካብ ምርኣይ ክንሕሎ እንኽእል ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ዓቃላት ብምዃን እንታይ ረብሓታት ኢና ኽንረክብ እንኽእል፧

19 “ብፍልጠት” እቲ “ዅሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ” ዝብል ‘ፍቓድ ኣምላኽ እንተድኣ መሊእና’ ዓቕሊ የሆዋ ወይ ትዕግስቱ ፈተና ኣይክዀነናን ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 2:⁠4) “ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ” ብፍላይ ከኣ “ወንጌል መንግስቲ” ኣብ ምስባኽ ‘ፍረ እናፈረና’ ኽንቅጽል ኢና። (ማቴዎስ 24:⁠14) ነዚ ኸየቋረጽና ብተኣማንነት እንተድኣ ፈጺምናዮ የሆዋ ኸኣ ‘ብሓጐስ ብጽንዓት ዘበለ ዅሉ ብትዕግስትን ዓቕልን’ ከም እንጽመም እናገበረ ‘ብሓይሉ ኸበርትዓና’ ኢዩ። ከምዚ እንተድኣ ገይርና ‘ንእኡ ብቑዓት ኴንና ኽንመላለስ’ ኢና: ‘ብዅሉ ባህ ነብሎ ኸም ዘሎና’ ብምፍላጥና ኸኣ ሓጐስ ንረክብ።

20 ብዛዕባ እቲ ኣብ ዓቕሊ የሆዋ ዘሎ ጥበብ ምሉእ ብምሉእ ተረዲእና ንእመን። ንድሕነትና ጥራይ ዘይኰነስ ንድሕነት እቶም ንስብከትናን ትምህርትናን ዝሰምዑ ሰባት እውን ዝጠቅም ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 4:⁠16) ፍረ መንፈስ ማለት ፍቕሪ: ለውሃት: ሕያውነት: ህድኣት: ነፍስኻ ምግታእ ዝኣመሰለ ባህርያት ምስ እነማዕብል ተሓጒስና ዓቕሊ ንኽንገብር ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ። ምስ ኣባላት ስድራ​ቤትና ዀነ ኣብታ ጉባኤ ምስ ዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብዝሓሸ መገዲ ብሰላም ክንነብር ክንክእል ኢና። ዓቕሊ ምስ መሳርሕትና ወይ መማህርትና ዕጉሳት ክንከውን እውን ክትሕግዘና ትኽእል ኢያ። ከምኡ እንተድኣ ገይርና ዓቕልና ንሓጢኣተኛታት ንምድሓንን ነቲ ዓቃል ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ክብሪ ንምሃብን ዝብል ዕላማ ኽህልዎ ኢዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ጎርደን ዲ. ፊ እተባህለ ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር: ብዛዕባ እቲ ጳውሎስ “ፍቕሪ ዓቃል እያ: ፍቕሪ ለዋህ እያ” ዝበሎ ሓሳባት ርእይቶኡ ኽገልጽ ከሎ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣብ ናይ ጳውሎስ ስነ⁠-​ሃይማኖት [ዓቕልን ለውሃትን] ነቲ ኣምላኽ ኣብ ደቅሰብ ዘለዎ ክልተ ዓይነት ኣመለኻኽታ ዘንጸባርቓ ኢየን (ምስ ሮሜ 2:⁠4 ኣረኣእዮ)። ብሓደ ወገን: ኣምላኽ ንቝጥዓኡ ኣብቲ ዝዓለወ ወድሰብ ብዘይ​ምፍናዉ ነቲ ፍቕራዊ ናይ ምጽማም ባህሪኡ ኣርእዩ ኢዩ። ብኻልእ ወገን ድማ ለውሃቱ ኣብቲ ብዙሕ ግዜ ተገሊጹ ዘሎ ምሕረቱ ኢዩ ዝርከብ። ስለዚ እምበኣር: እቲ ጳውሎስ ብዛዕባ ፍቕሪ ዝሃቦ መግለጺ: በዚ ብዛዕባ ኣምላኽ ዝገልጽ ክልተ ትርጕም ዘለዎ ሓሳባት ኢዩ ዝጅምር። እዚ ድማ ኣምላኽ ብክርስቶስ ኣቢሉ ነቶም መለኮታዊ ፍርዱ ክወርዶም ዝግብኦም ኣካላት ጸዋርን ለዋህን ምዃኑ ኣርእዩ ኢዩ።”

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

• ክርስቶስ ብዓቕሊ ዝመጸ ግሩም ኣብነት ዝዀነና በየናይ መገድታት ኢዩ፧

• ዓቕሊ ንኸነጥሪ ኽሕግዘና ዝኽእል እንታይ ኢዩ፧

• ዓቕሊ ንስድራ​ቤታትን ነቶም ሓቢሮም ንጥፈታቶም ዝገብሩ ክርስትያናትን ሽማግለታትን ክሕግዞም ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧

• ዓቃላት ምዃንና ንገዛእ ርእስናን ንኻልኦትን ክጠቅም ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ኣብ ትሕቲ ኸቢድ ጸቕጢ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እውን ከይተረፈ ንደቀ መዛሙርቱ ይዕገሶም ነበረ

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

ክርስትያን ሽማግለታት ምስ ኣሕዋቶም ኣብ ዝገብርዎ ርክብ ዓቕሊ ብምርኣይ ሰናይ ኣብነት ክዀኑ ምሕጽንታ ተዋሂብዎም ኢዩ

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ፍቕሪ የሆዋን ዓቕሉን እንተድኣ ቐዲሕናዮ ነቲ ብስራት ምስባኽ ኽንቅጽል ኢና

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ጳውሎስ ክርስትያናት ‘ብሓጐስ ዓቕሊ’ ኸርእዩ ጸለየ