የሆዋ ዓቃል ኣምላኽ ኢዩ
የሆዋ ዓቃል ኣምላኽ ኢዩ
“እግዚኣብሄር መሓርን ጸጋውን ኣምላኽ: ንዅራ ደንጓይ: በዓል ብዙሕ ለውሃት።” —ዘጸኣት 34:6
1, 2 (ሀ) ኣብ ዝሓለፈ መዋእል ካብ ዓቕሊ የሆዋ እተጠቕሙ መን ኢዮም፧ (ለ) እታ “ዓቕሊ” እትብል ቃል እንታይ ማለት ኢያ፧
እቶም ኣብ ግዜ ኖህ ዝነበሩ ህዝብን እቶም ምስ ሙሴ ኣብ በረኻ ዝጐዓዙ ዝነበሩ እስራኤላውያንን እቶም የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ብህይወት ዝነበሩ ኣይሁድን ኣብ እተፈላለየ ዅነታት ኢዮም ዝነብሩ ነይሮም። ይኹን እምበር: ኵላቶም ካብታ ጽብቕቲ ባህሪ የሆዋ ማለት ካብ ዓቕሉ ተጠቒሞም ኢዮም። ገሊኣቶም ሳላ እዛ ባህሪ እዚኣ ህይወቶም ክትድሕን ክኢላ ኢያ። ሎሚውን ህይወትና ሳላ ዓቕሊ የሆዋ ክትድሕን ትኽእል ኢያ።
2 ዓቕሊ ኽበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧ የሆዋ ነዛ ባህሪ እዚኣ መዓስ ኢዩ ኣንጸባሪቕዋ: ስለምንታይከ፧ “ዓቕሊ” እተበላሸወ ዝምድና ክመሓየሽ ከም ዝኽእል ብምሕሳብ ተስፋ ኸይቈረጽካ ንበደል ወይ ዘቘጥዕ ነገር ብትዕግስቲ ምጽማም ዝብል ሓሳብ ኢያ እተመሓላልፍ። ስለዚ እዛ ባህሪ እዚኣ ዕላማ ኣለዋ። ብፍላይ ብዛዕባ ድሕንነት ናይቲ ዕግርግር ዝፈጥር ኣካል ከም እትሓሊ እትገብር ኢያ። ይኹን እምበር: ዓቕሊ ምርኣይ ኽበሃል ከሎ ንበደል ዕሽሽ ምባል ማለት ኣይኰነን። እቲ ብዓቕሊ እተጸበኻሉ ዕላማ ምስ ተፈጸመ ወይ ድማ ድሕሪ ደጊም ነቲ ዅነታት እትጽመመሉ ምኽንያት ምስ ዘይህልወካ ዓቕሊ ተብቅዕ።
3. የሆዋ ንምንታይ ዕላማ ኢዩ ዓቕሊ ኽገብር ጸኒሑ: እንታይ ደረትከ ኢዩ ዘለዎ፧
3 ደቅሰብ ዓቃላት ክዀኑ ዝኽእሉ እኳ እንተዀኑ: ነዛ ባህሪ እዚኣ ብምንጽብራቕ ዝመጸ እቲ ዝለዓለ ኣብነት ዝዀነና ግን የሆዋ ኢዩ። እቲ ኣብ መንጎ የሆዋን እቶም ሰብኣውያን ፍጥረቱን ዝነበረ ርክብ ብሰንኪ ሓጢኣት ካብ እተበላሸወሉ ግዜ ጀሚሩ ኣብ ዝነበረ ዓመታት: ፈጣሪና ብትዕግስቲ ኽጽመም ጸኒሑ ኢዩ: እቶም እተናስሑ ሰባት ምስኡ ዘለዎም ርክብ ከመሓይሽሉ ዝኽእሉ ምድላው ድማ ገበረ። (2 ጴጥሮስ 3:9፣ 1 ዮሃንስ 4:10) እቲ ዓቕሊ ዝገበረሉ ዕላማ ምስ ተፈጸመ ግን: ኣምላኽ ነቶም ደይመደይ ኢሎም እከይ ዝገብሩ ሰባት ስጕምቲ ኽወስደሎም: ነዚ ሕጂ ዘሎ እኩይ ኣገባብ ከኣ መወዳእታ ኽገብረሉ ኢዩ።—2 ጴጥሮስ 3:7
ምስቲ ቐንዲ ባህርያት ኣምላኽ ዝሰማማዕ ኢዩ
4. (ሀ) እቲ ብዛዕባ ዓቕሊ እተዋህበ ሓሳብ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ብኸመይ ኢዩ ተገሊጹ ዘሎ፧ (እግረ-ጽሑፍ እውን ርአ።) (ለ) ነብዪ ናሆም ብዛዕባ የሆዋ ኸመይ ዝበለ መግለጺ ኢዩ ሂቡ ዘሎ: እዚኸ ብዛዕባ ዓቕሊ የሆዋ እንታይ ኢዩ ዝገልጽ፧
4 ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኣምር ናይታ ዓቕሊ እትብል ቃል ብኽልተ ናይ እብራይስጢ ቓላት ኢዩ ተገሊጹ ዘሎ: ቃል ብቓሉ “ቁመት ስርንቕቲ” ዝብል ኰይኑ ኣብ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ከኣ “ንዅራ ደንጓዪ” ተባሂሉ ኢዩ ዝትርጐም። a ነብዪ ናሆም ብዛዕባ ዓቕሊ ኣምላኽ ክዛረብ ከሎ “እግዚኣብሄር ንዅራ ደንጓይን ብዓል ዓብዪ ሓይልን እዩ: ነቲ በዳሊ ከቶ ኸም ንጹህ ኣይቈጽሮን” በለ። (ናሆም 1:3) ስለዚ ዓቕሊ የሆዋ ምልክት ድኻም ኣይኰነን: ደረት እውን ኣለዎ። እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ንዅራ ደንጓዪ: ብሓይሊ ኸኣ ዓብዪ ምዃኑ ዓቕሉ ፍረ ናይቲ ብዕላማ ዝገብሮ ርእሰ-ግትኣት ከም ዝዀነ ኢዩ ዝሕብር። ንምቕጻዕ ስልጣን እኳ እንተለዎ ነቲ በዳሊ ንኽልወጥ ግዜ ምእንቲ ኽህቦ ቅጽበታዊ ስጕምቲ ካብ ምውሳድ ኰነ ኢሉ ይቝጠብ። (ህዝቅኤል 18:31, 32) ስለዚ እምበኣር: ዓቕሊ የሆዋ መግለጺ ፍቕሩ ኢያ: ንሓይሉ ኣብ ዝጥቀመሉ ግዜ ንዘዘውትሮ ጥበቡ ድማ ትገልጽ።
5. ዓቕሊ የሆዋ ምስ ፍትሑ ተሰማሚዑ ዝዓዪ በየናይ መገድታት ኢዩ፧
5 ዓቕሊ የሆዋ ምስ ፍትሑን ጽድቁን እውን እተተሓሓዘ ኢዩ። ብዛዕባ ባህርያት ገዛእ ርእሱ ንሙሴ ኽገልጸሉ ኸሎ “መሓርን ጸጋውን ኣምላኽ: ንዅራ ደንጓይ: [“ዓቃል:” ኪንግ ጀምስ ቨርሽን ] በዓል ብዙሕ ለውሃትን ሓቅን” በለ። (ዘጸኣት 34:6) ገለ ዓመታት ጸኒሑ ሙሴ ንየሆዋ ብመዝሙር ውዳሴ ኽዝምረሉ ኸሎ “ኵሉ መገዱ ፍርዲ [“ፍትሒ:” NW ] እዩ . . . ዓመጽ ዜብሉ ኣምላኽ እምነት እዩ: ንሱ ጻድቕን ቅኑዕን እዩ” በለ። (ዘዳግም 32:4) እወ: እቲ የሆዋ ዘርእዮ ምሕረት: ዓቕሊ: ፍትሒ: ከምኡውን ቅንዕና ዅሉ ብሓባር ተሰማሚዑ ኢዩ ዝዓዪ።
የሆዋ ቅድሚ ማይ ኣይሂ ዘርኣዮ ዓቕሊ
6. የሆዋ ንዘርኢ ኣዳምን ሄዋንን ከመይ ዝበለ ፍሉይ ዓቕሊ ኢዩ ዘርኣዮም፧
6 እቲ ኣዳምን ሄዋንን ኣብ ኤደን ዝፈጸምዎ ዕልወት ነቲ ምስ ፈጣሪኦም የሆዋ ዝነበሮም ክቡር ርክብ ንሓዋሩ ኸም ዝበላሾ ገበሮ። (ዘፍጥረት 3:8-13, 23, 24) ካብ ኣምላኽ ምርሓቖም ድማ ነቶም ሓጢኣትን ዘይፍጽምናን ሞትን ዝወረሱ ደቆም ተንኪፍዎም ኢዩ። (ሮሜ 5:17-19) ዋላ እኳ እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ደይመደይ ኢሎም ሓጢኣት እንተፈጸሙ የሆዋ ውሉዳት ክወልዱ ፈቒድሎም ኢዩ። ጸኒሑ ኸኣ ብፍቕሪ ተላዒሉ ዘርኢ ኣዳምን ሄዋንን ምስኡ ክዕረቕሉ ዝኽእሉ መገዲ ኸፈተ። (ዮሃንስ 3:16, 36) ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ገለጸ:- “ግናኸ ንሕና ገና ሓጥኣን ከሎና: ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞይቱ እዩ እሞ: ኣምላኽ እታ ፍቕሩ ንኣና በዚ የርኢ አሎ። እምብኣርሲ ሕጂ ብደሙ ምስ ጸደቕና ደኣ: ክንደይ ካብቲ ቝጥዓ ብእኡ ኣዚና ዘይንድሕን። ጸላእቱ ኸሎና: ምስ ኣምላኽ ብሞት ወዱ ተዐረቕና: ካብ ተዐረቕና ደኣ: ክንደይ ብህይወቱ ኣዚና ዘይንድሕን።”—ሮሜ 5:8-10
7. የሆዋ ቅድሚ ማይ ኣይሂ ዓቕሊ ዘርኣየ ብኸመይ ኢዩ: እቲ ቅድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረ ወለዶ ምጥፍኡ ፍትሓዊ ዝበሃልከ ስለምንታይ ኢዩ፧
7 ዓቕሊ የሆዋ ኣብ ግዜ ኖህ ተራእዩ ኢዩ። ቅድሚ ማይ ኣይሂ ልዕሊ ሓደ ዘመን ዝኸውን ኣቢሉ “ስጋ ዘበለ ዅሉ መገዱ ኣብ ምድሪ ኣባላሽዩ ነበረ እሞ: ኣምላኽ ከኣ ንምድሪ ረአያ: እንሆ ድማ ተባላሽያ ነበረት።” (ዘፍጥረት 6:12) ይኹን እምበር: ንእተወሰነ ግዜ እውን ይኹን የሆዋ ንደቅሰብ ዓቕሊ ኣርእይዎም ኢዩ። ከምዚ ድማ በለ:- “ንሱ ስጋ ድማ እዩ እሞ: መንፈሰይ ንሓዋሩ ምስ ሰብ ኣይጻረርን: ስለዚ ዘበኑ ሚእትን ዕስራን ዓመት ይኹን።” (ዘፍጥረት 6:3) እተን 120 ዓመታት: ነቲ እሙን ዝነበረ ኖህ ስድራቤት ክምስርትን ከምቲ ብኣምላኽ እተነግሮ ገይሩ መርከብ ክሃንጽን ነቶም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ ሰባት ድማ ብዛዕባ ጥፍኣት ማይ ኣይሂ ኸጠንቅቖምን ኣጋጣሚ ሃባኦ። ሃዋርያ ጴጥሮስ “ትዕግስቲ [ምስ ዓቕሊ እተተሓሓዘት ባህሪ] ኣምላኽ ብመዓልትታት ኖህ ምስ ተጸበየት: እታ መርከብ ክትስራሕ ከላ: ብእኣ ሒደት: ማለት ሾመንተ ነፍሲ: ብማይ [ደሓና]” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ጴጥሮስ 3:20) እቶም ካብ ስድራቤት ኖህ ወጻኢ ዝነበሩ ግን ንስብከቱ “ኣየቕለብሉን።” (ማቴዎስ 24:38, 39 NW ) ኖህ ነታ መርከብ ንኽሃንጽ: ከም “ሰባኽ ጽድቂ” ዀይኑ ድማ ምናልባት ንሓያሎ ዓሰርተታት ዓመታት ከገልግል ብምፍቃዱ: ኣምላኽ ነቶም ኣብ ግዜ ኖህ ዝነበሩ ሰባት ካብቲ እኩይ መገድታቶም ተነሲሖም ከገልግልዎ እኹል ኣጋጣሚ ኢዩ ሂብዎም። (2 ጴጥሮስ 2:5፣ እብራውያን 11:7) እቲ እኩይ ወለዶ ኣብ መወዳእታ ምጥፍኡ ብሓቂ ፍትሓዊ ኢዩ ነይሩ።
ንእስራኤላውያን ዘርኣዮም ኣብነታዊ ዓቕሊ
8. የሆዋ ንህዝቢ እስራኤል ብዓቕሊ እተጸበዮም ብኸመይ ኢዩ፧
8 የሆዋ ንህዝቢ እስራኤል ዘርኣዮም ዓቕሊ ግን 120 ዓመታት ጥራይ ኣይነበረን። እስራኤላውያን ኣብቲ ከም ሕሩያት ህዝቢ ኣምላኽ ዝነበርሉ ልዕሊ 1,500 ዓመታት: ዓቕሊ ኣምላኽ ካብ ምፍታን ዓዲ ዝወዓልሉ ግዜ ብተዛማዲ ኽርአ ኸሎ ኣዝዩ ሒደት ኢዩ ነይሩ። ካብ ግብጺ ብተኣምራታዊ መገዲ ምስ ወጹ ድሕሪ ገለ ሰሙናት ናብ ኣምልኾ ጣኦት ተመልሱ: እዚ ድማ ንመድሓኒኦም ምሉእ ብምሉእ ከም ዝነዓቕዎ ዘርኢ ኢዩ ነይሩ። (ዘጸኣት 32:4፣ መዝሙር 106:21) ኣብቲ ቐጺሉ ዝነበረ ዓሰርተታት ዓመታት ድማ በቲ የሆዋ ኣብ ምድረ በዳ ብተኣምራታዊ መገዲ ዝሃቦም መግቢ ኣጕረምረሙ: ኣብ ሙሴን ኣሮንን ኣዕዘምዘሙ: ኣንጻር የሆዋ ተዛረቡ: ምስ ኣረማውያን መንዘሩ: ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ኣብ ኣምልኾ በዓል ተኻፈሉ። (ዘሁልቍ 11:4-6፣ 14:2-4፣ 21:5፣ 25:1-3፣ 1 ቈረንቶስ 10:6-11) ክጠፍኡ ዝግብኦም ክነሶም የሆዋ ግን ብዓቕሊ ተጸበዮም።—ዘሁልቍ 14:11-21
9. ኣብ ግዜ መሳፍንቲ ይኹን ኣብ ግዜ ነገስታት የሆዋ ዓቃል ኣምላኽ ምዃኑ ብኸመይ ኢዩ ኣርእዩ፧
9 እስራኤላውያን ኣብ ግዜ መሳፍንቲ እውን ብተደጋጋሚ ኣብ ኣምልኾ ጣኦት ወደቑ። የሆዋ ኸኣ ናብ ጸላእቶም ኣሕሊፉ ይህቦም ነበረ። ተናሲሖም ሓገዙ ደልዮም ናብኡ ኽምለሱ ኸለዉ ግን: ዓቕሊ ብምግባር ዘድሕንዎም መሳፍንቲ ይሸመሎም ነበረ። (መሳፍንቲ 2:17, 18) ኣብቲ እስራኤላውያን ብነገስታት ዝምርሕሉ ዝነበሩ ነዊሕ ዓመታት እውን ንየሆዋ ንምስዓብ ምሉእ ተወፋይነት ዘርኣዩ ነገስታት ኣዝዮም ሒደት ኢዮም ነይሮም። ኣብቲ እሙናት ነገስታት ዝገዝእሉ ዝነበሩ እዋናት እውን ከይተረፈ እቶም ህዝቢ መብዛሕትኡ እዋን ንጽሩይ ኣምልኾ ምስ ናይ ሓሶት ይሓዋውሱ ነበሩ። ብዛዕባ እቲ ዘርእይዎ ዘይተኣማንነት ንኸጠንቅቕዎም ነብያት ከተንስኣሎም ከሎ: ዝበዝሕ ግዜ ነቶም ብልሹዋት ካህናትን ናይ ሓሶት ነብያትን ክሰምዕዎም ኢዮም ዝመርጹ ነይሮም። (ኤርምያስ 5:31፣ 25:4-7) ነቶም እሙናት ነብያት የሆዋ መስጐጕቲ ኣውሪዶምሎም: አረ ሕሉፍ ሓሊፎምሲ ንገለ ኻብኣቶም ቀቲሎምዎም ኢዮም። (2 ዜና መዋእል 24:20, 21፣ ግብሪ ሃዋርያት 7:51, 52) ይኹን እምበር: የሆዋ ዓቕሊ ምርኣይ ቀጺሉ ኢዩ።—2 ዜና መዋእል 36:15
የሆዋ ዓቕሉ ኣይወድአን
10. የሆዋ ንዓቕሉ ደረት ዝገበረሉ መዓስ ኢዩ፧
10 ይኹን እምበር: ታሪኽ ዓቕሊ የሆዋ ደረት ከም ዘለዎ ኢዩ ዝሕብረና። ብ740 ቅ.ኣ.ዘ. ኣሶራውያን ነቶም ዓሰርተ ነገድ መንግስቲ እስራኤል ስዒሮም ክማርኽዎም ፈቐደ። (2 ነገስት 17:5, 6) ኣብ መወዳእታ ናይቲ ቐጺሉ ዝነበረ ዘመን ድማ ባቢሎናውያን ነቶም ክልተ ነገድ መንግስቲ ይሁዳ ኽወሩን ንየሩሳሌም ምስ ቤት መቕደሳ ኸዕንዉዋን ፈቐደሎም።—2 ዜና መዋእል 36:16-19
11. የሆዋ ፍርዲ ኸውርድ ከሎ እውን ከይተረፈ ዓቕሊ ዘርኣየ ብኸመይ ኢዩ፧
11 ይኹን እምበር: የሆዋ ንእስራኤልን ይሁዳን ፍርዱ ኸውርደለን ከሎ እውን ከይተረፈ ዓቕሊ ኣርእዩ ኢዩ። ብነብዪኡ ኤርምያስ ኣቢሉ እቶም ሕሩያት ህዝቡ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ምዃኖም ተነበየ። ከምዚ ድማ በለ:- “ንባቢሎን ሰብዓ ዓመት ምስ መልኣ: ክዝክረኩም እየ እሞ: ናብ እዛ ስፍራ እዚኣ ኸም እትምለሱ ገይረ ነቲ ጽቡቕ ቃለይ ክፍጽመልኩም እየ። ክርከበልኩም . . . ካብ ኵሎም እቶም ናባታቶም ዝሰጐጕኩኹም ህዝብታትን ስፍራታትን ድማ ክእክበኩም እየ።”—ኤርምያስ 29:10, 14
12. ተረፍ ኣይሁድ ናብ ይሁዳ ምምላሶም: ኣምላኽ ምስ ምምጻእ እቲ መሲሕ እተተሓሓዘ ምድላው ይገብር ከም ዝነበረ ዝሕብር ብኸመይ ኢዩ፧
12 ካብ መንጎ እቶም እተማረኹ ኣይሁድ ገለ ተረፍ ናብ ይሁዳ ተመሊሶም ኣብታ እንደገና እተሃንጸት ቤት መቕደስ የሩሳሌም ኣምልኾ የሆዋ ከም ዝምለስ ገይሮም ኢዮም። እዞም ተረፍ እዚኣቶም ምስ ዕላማ ኣምላኽ እተተሓሓዘ ዕዮ ብምፍጻሞም ከምቲ ዕረፍትን ብልጽግናን ዘምጽእ “ኣውሊ ኻብ እግዚኣብሄር” ይዀኑ። “ከም ኣንበሳ ኣብ ማእከል እንስሳ ዱር” ተባዓትን ሓያላትን ነበሩ። (ሚክያስ 5:7, 8) እዚ “ከም ኣንበሳ ኣብ ማእከል እንስሳ ዱር” ዝብል መግለጺ: ኣብ እዋን መቃባውያን ማለት እቶም ካብ ስድራቤት መቃቢ ዝዀኑ ኣይሁድ ንጸላእቶም ካብ ምድሪ ተስፋ ሰጒጎም ነታ ረኺሳ ዝነበረት ቤት መቕደስ እንደገና ንየሆዋ ምስ ወፈይዋ ተፈጺሙ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ስለዚ ኻልኦት እሙናት ተረፍ ወዲ ኣምላኽ ከም መሲሕ ኰይኑ ክቕልቀል ከሎ ብሓጐስ ምእንቲ ኽቕበልዎ እታ ሃገርን እታ ቤት መቕደስን ተዓቚባ ኢያ ነይራ።—ዳንኤል 9:25፣ ሉቃስ 1:13-17, 67-79፣ 3:15, 21, 22
13. ኣይሁድ ንወዱ ምስ ቀተልዎ እውን ከይተረፈ የሆዋ ዓቕሉ ዘርኣዮም ብኸመይ ኢዩ፧
13 ኣይሁድ ንወዱ ምስ ቀተልዎ እውን ከይተረፈ ክፍሊ መንፈሳውያን ዘርኢ ኣብርሃም ንምዃን ካብ ካልኦት ተፈልዮም ንኽጽውዑ ኣጋጣሚ ብምሃብ ንሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ዝኣክል ዓቕሉ ኣርእይዎም ኢዩ። (ዳንኤል 9:27) b ቅድሚ 36 ከ.ኣ.ዘ. ዀነ ብድሕሪኡ ገለ ኣይሁድ ነዚ ጻውዒት እዚ ተቐቢሎምዎ ኢዮም። ከምቲ ዳሕራይ ጳውሎስ ዝበሎ ድማ “ብሕርየት ጸጋ ተረፍ አሎ።”—ሮሜ 11:5
14. (ሀ) ብ36 ከ.ኣ.ዘ. እቲ ኽፍሊ መንፈሳውያን ዘርኢ ኣብርሃም ናይ ምዃን መሰል ንመን ኢዩ እተዋህበ፧ (ለ) ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንመንፈሳውያን እስራኤል ንምምራጽ እተጠቕመሉ መገዲ ዝነበሮ ስምዒት ብኸመይ ገለጸ፧
14 እቲ ኽፍሊ መንፈሳውያን ዘርኢ ኣብርሃም ናይ ምዃን መሰል: ንመጀመርታ ግዜ ብ36 ከ.ኣ.ዘ. ነቶም ካብ ኣይሁድ ኰነ ካብ ጵሮሴሊት ዘይኰኑ ኣህዛብ ተዋህበ። ኵሎም እቶም ነዚ መሰል እዚ እተቐበልዎ ድማ ካብቲ ዘይንበቕዖ ሕያውነት የሆዋን ዓቕሉን ጥቕሚ ረኸቡ። (ገላትያ 3:26-29፣ ኤፌሶን 2:4-7) ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ መንፈሳውያን እስራኤል ንምቛም እቲ ዝድለ ቝጽሪ ንምምላእ ዝሓገዘ ብጥበብን ብዕላማን እተገብረ ምሕረት ዝመልኦ ዓቕሊ የሆዋ ዘለዎ ዓሚቝ ሞሳ ብምግላጽ ከምዚ በለ:- “ወዳጄ: መዓሙቕ ሃብቲ ኣምላኽን ጥበቡን ፍልጠቱን: ክንደይ ዘይምርመር ኰታ እዩ ፍርዱ: ክንደይ ብኣሰረ ኣሰር ዘይርከብከ እዩ መገዱ።”—ሮሜ 11:25, 26, 33፣ ገላትያ 6:15, 16
ምእንቲ ስሙ ኢሉ ዘርኣዮ ዓቕሊ
15. ኣምላኽ ዓቕሊ ዝገብረሉ ቐንዲ ምኽንያት እንታይ ኢዩ: ከመይ ዝበለ ኽርክርከ ኢዩ ንኽድቅስ ግዜ ዘድልዮ፧
15 የሆዋ ዓቕሊ ዝገብር ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧ እቲ ቐንዲ ምኽንያት ነቲ ቕዱስ ስሙ ንምዕባይን ሉዓላውነቱ ንምርግጋጽን ኢዩ። (1 ሳሙኤል 12:20-22) ነቲ የሆዋ ንሉዓላውነቱ ዝጥቀመሉ ኣገባብ ኣመልኪቱ ሰይጣን ዘልዓሎ ክርክር ኣብ ቅድሚ ዅሉ ፍጥረት ብዘዕግብ መገዲ ንኽድቅስ ግዜ የድልዮ ኢዩ። (እዮብ 1:9-11፣ 42: 2, 5, 6) ስለዚ ህዝቡ ኣብ ግብጺ ኽጭቈኑ ኸለዉ: የሆዋ ንፈርኦን “ሓይለይ ከርእየካ: ስመይ ድማ ኣብ ኵላ ምድሪ ምእንቲ ኺውረ: ብእኡ ምኽንያት ኣንበርኩኻ” በሎ።—ዘጸኣት 9:16
16. (ሀ) ዓቕሊ የሆዋ ንስሙ ዝዀኑ ህዝቢ ንምድላው ዘኽኣለ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ስም የሆዋ ዝቕደስ: ሉዓላውነቱ ኸኣ ዝረጋገጽ ብኸመይ ኢዩ፧
16 ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ዓቕሊ የሆዋ ነቲ ቕዱስ ስሙ ንምኽባር ዝህልዎ ግደ ክገልጽ ከሎ ነተን የሆዋ ንፈርኦን እተዛረበን ቃላት ጠቒስወን ኣሎ። ቀጺሉ ድማ ጳውሎስ ከምዚ በለ:- “ኣምላኽከ ቝጥዓኡ ምእንቲ ኼርኢ ሓይሉውን ኬፍልጥ ደልዩስ: ነቶም ንጥፍኣት እተዳለዉ ኣቓሑ ቝጥዓ ብብዙሕ ትዕግስቱ እንተ ጾሮም: እዚ ኸኣ ነቶም ቀደም ንኽብሪ ዘዳለዎም ኣቓሑ ምሕረት እቲ ሃብቲ ኽብሩ ምእንቲ ኼፍልጦም: ንኣናውን: ማለት ካብ ኣህዛብ ድማ እምበር: ካብ ኣይሁድ ጥራይ ንዘይኰንና ዝጸውዓና: ከምቲ ኣብ ሆሴእ ዚብሎ፤ ነቲ ህዝበይ ዘይኰነ ንእኡ ህዝበይ ክብሎ እየ።” (ሮሜ 9:17, 22-25) የሆዋ ዓቕሊ ስለ ዘርኣየ ካብ እተፈላለዩ ህዝብታት ‘ንስሙ ህዝቢ’ ኸውጽእ ክኢሉ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:14) እዞም “ቅዱሳን” እዚኣቶም ኣብ ትሕቲ እቲ ርእሶም ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ብምዃን ነታ የሆዋ ነቲ ዓቢ ስሙ ንምቕዳስን ሉዓላውነቱ ንምርግጋጽን ዝጥቀመላ መንግስቲ ይወርሱ።—ዳንኤል 2:44፣ 7:13, 14, 27፣ ራእይ 4:9-11፣ 5:9, 10
ዓቕሊ የሆዋ ድሕነት የምጽእ
17, 18. (ሀ) እንታይ ብምግባር ኢና ከይተፈለጠና ነቲ የሆዋ ዘርእዮ ዘሎ ዓቕሊ ክንነቕፎ እንኽእል፧ (ለ) ንዓቕሊ የሆዋ ብኸመይ ክንርእዮ ኢና ተተባቢዕና ዘሎና፧
17 የሆዋ ካብቲ ወድሰብ ኣብ ሓጢኣት ዝወደቐሉ ግዜ ጀሚሩ ክሳዕ ሕጂ ዓቃል ኣምላኽ ምዃኑ ከርኢ ጸኒሑ ኢዩ። ቅድሚ ማይ ኣይሂ ዘርኣዮ ዓቕሉ ግቡእ መጠንቀቕታ ንኽወሃብን ህይወት እተድሕን መርከብ ንኽትስራሕን ግዜ ኣፍቀደ። ይኹን እምበር: ትዕግስቱ ደረት ነበሮ: ማይ ኣይሂ ኸኣ መጸ። ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ: የሆዋ ብዙሕ ዓቕሊ ኢዩ ዘርኢ ዘሎ: ካብቲ ገሊኣቶም እተጸበይዎ ንላዕሊ ዝኸውን ግዜ ኸኣ ጸኒሑ ኢዩ። ይኹን እምበር: እዚ ንኽንሕለል ምኽንያት ኣይኰነናን ኢዩ። ከመይሲ ምሕላል ነቲ ኣምላኽ ዘርኣዮ ዓቕሊ ካብ ምንቃፍ ፈሊኻ ኣይርአን ኢዩ። ጳውሎስ “ሕያውነት ኣምላኽ ናብ ንስሓ ኸም ዚስሕበካ ሰኣን ምፍላጥካስ ሃብቲ ሕያውነቱን ጸዋር ምዃኑን ዓቕሉንዶ ትንዕቕ አሎኻ፧” ብምባል ሓተተ።—ሮሜ 2:4
18 ስምረቱ ረኺብና ንድሕነት ምእንቲ ኽንበቅዕ ዓቕሊ ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ከም ዘድልየና ሓደ እኳ ኻባና ምሉእ ብምሉእ ክርድኦ ዝኽእል የለን። ጳውሎስ “ብፍርሃትን ራዕድን ንምድሓንኩም ፈጽሙ” ብምባል ይመኽረና። (ፊልጲ 2:12) ሃዋርያ ጴጥሮስ ንብጾቱ ክርስትያናት ከምዚ ብምባል ጸሓፈሎም:- “ጐይታስ: ኵላቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር: ሓደ እኳ ኺጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝዀነ: ምእንታኻትኩም ይዕገስ አሎ እምበር: ከምቲ ንገሊኣቶም ዚድንጒ ዚመስሎም: ንተስፋኡ ኣየደንጕዮን እዩ።”—2 ጴጥሮስ 3:9 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።
19. ካብ ዓቕሊ የሆዋ በየናይ መገድታት ኢና ኽንጥቀም እንኽእል፧
19 ስለዚ እምበኣር: የሆዋ ነገራት ንምፍጻም ኣብ ዝጥቀመሉ ኣገባብ ትዕግስቲ ኣብ ክንዲ እነጥፍእ ነቲ ጴጥሮስ “ትዕግስቲ ጐይታና ንምድሓንኩም ቍጸርዎ” ብምባል ዝሃቦ ምኽሪ ነቕልበሉ። እቲ ምድሓን ተባሂሉ ዘሎ ንመን ኢዩ፧ ንዓናን ነቶም “ወንጌል መንግስቲ” ኽሰምዑ ዘድልዮም ማእለያ ዘይብሎም ሰባትን ኢዩ። (2 ጴጥሮስ 3:15፣ ማቴዎስ 24:14) እዚ ድማ ነቲ ናይ የሆዋ ብዙሕ ዓቕሊ ኸነማስወሉን ምስ ሰባት ኣብ እንገብሮ ርክብ ዓቃላት ክንከውንን ክሕግዘና ኢዩ።
[እግረ-ጽሑፋት]
a ኣብ እብራይስጢ እታ “ኣፍንጫ” ወይ “ስርንቕቲ” (ኣፍ) እትብል ቃል ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ንቝጥዓ ኢያ እተመልክት። እዚ ኸኣ ሓደ እተቘጥዐ ሰብ ብነድሪ ስለ ዘተንፍስ ወይ ስለ ዝሕንሕን ኢዩ።
b ብዛዕባ እዚ ትንቢት እዚ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ነታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ! ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብ ገጽ 191-4 ርአ።
ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧
• ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ “ዓቕሊ” ኽበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧
• የሆዋ ቕድሚ ማይ ኣይሂ: ድሕሪ ምርኮ ባቢሎን: ኣብ ቀዳማይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. ዓቕሊ ዘርኣየ ብኸመይ ኢዩ፧
• የሆዋ ዓቕሊ ዘርኣየ ብኸመይ ዝበለ ቐንዲ ምኽንያታት ኢዩ፧
• ንዓቕሊ የሆዋ ብኸመይ ኢና ክንርእዮ ዘሎና፧
[ሕቶታት መጽናዕቲ]
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]
የሆዋ ቕድሚ ማይ ኣይሂ ዘርኣዮ ዓቕሊ ነቶም ሽዑ ዝነበሩ ሰባት ንኽንስሑ እኹል ኣጋጣሚ ሂብዎም ኢዩ
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]
ድሕሪ ምውዳቕ ባቢሎን ኣይሁዳውያን ካብ ዓቕሊ የሆዋ ተጠቒሞም ኢዮም
[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]
ኣብቲ ቐዳማይ ዘመን ኣይሁዳውያንን ኣይሁዳውያን ዘይኰኑ ሰባትን ካብ ዓቕሊ የሆዋ ተጠቒሞም ኢዮም
[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]
ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ነቲ ዓቕሊ የሆዋ ዝኸፈተሎም ኣጋጣሚ ይጥቀምሉ ኣለዉ