ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ስኪት—ምስጢሮም ዘይተፈልጠ ጥንታዎት ህዝቢ

ስኪት—ምስጢሮም ዘይተፈልጠ ጥንታዎት ህዝቢ

ስኪት​—ምስጢሮም ዘይተፈልጠ ጥንታዎት ህዝቢ

ብኣፍራስ ዝንቀሳቐሱ ሰበኽ-ሳግም ህዝቢ ምርኮ ሰሊቦም ክመጹ ኸለዉ እቲ ኸባቢ ብዶረና ተሸፈነ። እዞም ምስጢሮም ዘይተፈልጠ ህዝቢ: ካብ 700 ክሳዕ 300 ቅ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ ኣብ ምድረ-ሳዕሪ ኣውሮጳን እስያን ዓብላልነት ዝነበሮም ኢዮም ነይሮም። ድሕሪኡ ኣብ ታሪኽ ኣሰር ብምግዳፍ ካብ ገጽ ምድሪ ጠፍኡ። አረ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ከይተረፈ ይጠቕሶም ኢዩ። እዚኣቶም ስኪት ተባሂሎም ዝፍለጡ ህዝቢ ኢዮም።

እዞም ንብዙሕ ዘመናት በረኻ ኣፍራስ ዝጓስዩ ዝነበሩ ሰበኽ-ሳግም ህዝቢ: ካብቲ ኣብ ምብራቓዊ ኣውሮጳ ዝርከብ ኣኽራናት ካርፔትያን ኣትሒዙ ኽሳዕ እዚ ሕጂ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ሩስያ ዝርከብ ምድረ-ሳዕሪ ይመላለሱ ነበሩ። እቲ ናይ ቻይና ሃጸይ ሹዋን ኣብ ሻምናይ ዘመን ቅ.ኣ.ዘ. ዝወሰዶ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ኣብ ምዕራብ ዋሕዚ ስደተኛታት ከም ዝህሉ ገበረ። ህዝቢ ስኪት ናብ ምዕራብ ገጾም ኣብ ዝገዓዙሉ እዋን: ነቶም ንኮከሰስን ሰሜናዊ ኽፍሊ ጸሊም ባሕርን ዝቈጻጸሩ ዝነበሩ ህዝቢ ሲመር ሰጐግዎም።

ህዝቢ ስኪት ሃብቲ ኽድልቡ ይደልዩ ስለ ዝነበሩ: ነታ ርእሲ ኸተማ ኣሶር ዝነበረት ነነዌ ዘመትዋ። ጸኒሖም ምስ ኣሶር ብምትሕብባር ምስ ሜዶን: ባቢሎንያ: ከምኡውን ካልኦት ሃገራት ተዋግኡ። መጥቃዕትታቶም ክሳዕ ሰሜናዊ ግብጺ እውን በጺሑ ኢዩ። እታ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ እስራኤል እትርከብ ቤት-ሻን እትበሃል ዝነበረት ከተማ ድሓር ስኪቶፖሊስ ተባሂላ ምጽዋዓ ንእተወሰነ እዋን ብህዝቢ ስኪት ተጐቢጣ ምንባራ ዝሕብር ክኸውን ይኽእል ኢዩ።—1 ሳሙኤል 31:11, 12

ኣብ መወዳእታ: ህዝቢ ስኪት ኣብዚ ሕጂ ኣብ ሮማንያ: ሞልዶቫ: ዩክረይን: ከምኡውን ደቡባዊ ሩስያ ዝርከብ ምድረ-ሳዕሪ ተጣየሱ። ኣብኡ ድማ ኣብ መንጎ ግሪኻውያንን ሓረስቶት ዩክረይንን ደቡባዊ ሩስያን ንግዳዊ ርክባት የካይዱ ስለ ዝነበሩ ሃብተሙ። ንእኽሊ: መዓር: ጸምርን ከብትን ብናይ ግሪኽ ወይኒ: ኣጭርቕቲ: ኣጽዋር: ስርሓት ስነ-ጥበብ ይልውጥዎ ነበሩ። ስለዚ ኸኣ ኢዮም ኣዝዮም ሃብታማት ዝዀኑ።

ዘገርሙ ፈረሰኛታት

ነዞም ኣብ ምድረ-ሳዕሪ ዝነብሩ ተዋጋእቲ: ፈረስ ልክዕ ከምቲ ገመል ነቶም ኣብ ምድረ-በዳ ዝነብሩ ህዝቢ ኢዩ። ህዝቢ ስኪት ብሉጽ ክእለት ዝነበሮም ፈረሰኛታት ኢዮም ነይሮም: ካብቶም ንመጀመርታ ግዜ ኮረሻን ርኻብን እተጠቕሙ ህዝቢ እውን ኢዮም። ስጋ ፈረስ ይበልዑ: ጸባ ባዝራ ድማ ይሰትዩ ነበሩ። ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ንዝሓርር መስዋእቲ ኣፍራስ የቕርቡ ነበሩ። ካብ ህዝቢ ስኪት ሓደ ተዋጋኢ ኽመውት ከሎ: ፈረሱ ይቕተል እሞ ምስ ኵሉ እቲ ስርዓት ፈረስን ስልማታቱን ብኽብሪ ይቕበር።

ከምቲ እቲ ጸሓፍ ታሪኽ ሄሮደተስ ገሊጽዎ ዘሎ: ስኪት ዘስካሕክሕ ልምድታት ነበሮም፣ ሓደ ኻብዚ ድማ ንሽክና ርእሲ እቲ ዝቐተልዎ ሰብ ንመስተዪ ይጥቀምሉ ነበሩ። ንጸላእቶም ብብዝሒ እናወረሩ በስያፍ: ብፋስ: ብዂናት ገይሮም ይቐትልዎም: ኣካላት ዝትርብዕ ዓንቃሪቦ ብዘለዎ ፍላጻ ድማ ይጥቀሙ ነበሩ።

ንዘለኣለም ዝኸውን ጥሪት እተነብሮ መቓብራት

ህዝቢ ስኪት ይጥንቍሉ: ንሓውን ኣንስተይቲ ኣምላኽን ድማ የምልኹ ነበሩ። (ዘዳግም 18:10-12) መቓብር ልክዕ ከም ማሕደር ምዉታት ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ ነይሮም። ሓደ ጐይታ እንተ ሞይቱ ንኸገልግልዎ ተባሂሉ ባሮትን እንስሳታትን ይስውኡሉ ነበሩ። እቲ ሃብትን እቶም ገላዉን ነቶም ኣሕሉቕ ናብቲ “ዝቕጽል ዓለም” ኣሰንዮሞም ይኸዱ ዝብል እምነት ነበሮም። ኣብ ሓደ መቓብር ነገስታት: ሓሙሽተ ደቂ ተባዕትዮ ባሮት ኣእጋሮም ናብቲ ጐይታኦም ገጹ ብምግባር ተቐቢሮም ጸኒሖም ኢዮም፣ እዚ ድማ ተንሲኦም ስርሖም ንምቕጻል ድሉዋት ክዀኑ ተባሂሉ ኢዩ።

መራሕቲ ክቕበሩ ኸለዉ ብዙሕ መስዋእትታት ይግበረሎም ነበረ: ኣብ ግዜ ሓዘን ድማ ህዝቢ ስኪት ደሞም የፍስሱ ጸጕሮም እውን ይላጽዩ ነበሩ። ሄሮደተስ “ገለ ኽፋል እዝኖም ይጨርምዎ: ኣራእሶም ይላጸዩ: ምናቶም ይጠብሑ: ግንባሮምን ኣፍንጮኦምን ይትልትሉ: ንጸጋመይቲ ኢዶም ድማ ብፍላጻ የንኩሉ ነበሩ” ብምባል ጸሓፈ። ብኣንጻሩ ግን ኣብቲ ዘመን እቲ ንዝነበሩ እስራኤላውያን “ብዛዕባ ምዉት ኣብ ስጋኹም ቅርጺ ኣይትግበሩ” ዝብል ሕጊ ኣምላኽ ተዋሂብዎም ነበረ።—ዘሌዋውያን 19:28

ስኪት ምዉታቶም ዝቐበሩሉ ብኣሽሓት ዝቝጸር ኩርጋን (መቓብራት ኵምራ ሓመድ) ገዲፎም ኢዮም ሓሊፎም። ኣብዚ ኩርጋን እዚ እተረኽበ ብዙሕ ስልማታት ንመዓልታዊ ናብራ ስኪት ዘርኢ ኢዩ። ናይ ሩስያ ሃጸይ ጴጥሮስ ዓቢ ከምዚ ዝኣመሰለ ስልማታት ብ1715 ክእክብ ጀመረ: እዚ ዘብለጭልጭ ነገራት ኣብ ሩስያን ዩክረይንን ኣብ ዘሎ ኣብያተ-መዘክር ክርከብ ይከኣል ኢዩ። እዚ “ምስሊ እንስሳታት ዝሓዘ ስነ-ጥበብ” እዚ ኣፍራስ: ንስርታት: ኣሞራታት: ደማሙ: ግስላታት: ውዕላታት: ሸውዓተ ቀርኑ: ከምኡውን ክንፊ ዘለዎም ወይ ዘይብሎም ኣካሎም ናይ ሓደ እንስሳ ኣራእሶም ድማ ናይ ካልእ እንስሳ ዝዀነ ጽውጽዋያዊ እንስሳታት ዘጠቓልል ነበረ።

ህዝቢ ስኪትን መጽሓፍ ቅዱስን

መጽሓፍ ቅዱስ ንስኪት ሓንሳእ ጥራይ ኢዩ ብቐጥታ ጠቒስዎም ዘሎ። ኣብ ቈሎሴ 3:11 “ክርስቶስ ኵሉን ኣብ ኵሉን እዩ እምበር: ኣብኡስ ጽርኣውን ኣይሁዳውን: ግዝረትን ዘይግዝረትን: ባርባርን ስኪትን: ባርያን ጭዋን የልቦን” ዝብል ንረክብ። እቲ ክርስትያን ሃዋርያ ጳውሎስ ነዘን ቃላት እዚኣተን ክጽሕፍ ከሎ: እታ “ስኪት” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል ንእተወሰነ ህዝቢ ዘይኰነስ ንኣዝዮም ድሑራት ህዝቢ ኸመልክት ኢዩ ጠቒስዋ። ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ወይ መስለጢ ሓይሊ ዘሕድሮ ድራኸ ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ውልቀ-ሰባት እውን ከይተረፈ ኣምላኻዊ ባህርያት ንኽለብሱ ከም ዘኽእሎም ኢዩ ዘጕልሕ ነይሩ።—ቈሎሴ 3:9, 10

ገሊኣቶም ተመራመርቲ ስነ-ጥንቲ እቲ ኣብ ኤርምያስ 51:27 ተጠቒሱ ዘሎ ኣሽከናዝ: እቲ ኻብ ኣሶራውያን ዝዀነ ኣሽጉዛይ ምዃኑ ኢዮም ዝኣምኑ: እዛ ስያመ እዚኣ ድማ ህዝቢ ስኪት እውን ይጽውዑላ ነይሮም ኢዮም። ኣብ ሻውዓይ ዘመን ቅ.ኣ.ዘ. ስኪትን ሚናን ካብ ኣሶር ንኽዓልዉ ኢሎም ኪዳን ከም እተኣታተዉ ሓደ ጽላት ኲኒፎርም ይጠቅስ ኢዩ። ኤርምያስ ነብዪ ቀቅድሚ ምዃኑ: ህዝቢ ስኪት ናብ ግብጺ ክኸዱን ክምለሱን ከለዉ ዋላ ሓንቲ ጕድኣት ከየውረዱ ብምድሪ ይሁዳ ሓሊፎም ነይሮም። ስለዚ: ይሁዳ ኻብ ሰሜን መጥቃዕቲ ኸም ዝወርዳ ኽንበ ዝሰምዕዎ ዘበሉ ዅሎም: ፍጻሜ ናይቲ ትንቢት ኣጠራጢርዎም ክኸውን ይኽእል ኢዩ።—ኤርምያስ 1:13-15

ገሊኣቶም ምሁራት እቲ ኣብ ኤርምያስ 50:42 ዝርከብ “ቀስትን ኲናትን ይሕዙ: ጨካናት: ምሕረት ዜብሎም እዮም። ድምጾም ከም ህማም ባሕሪ እዩ: ኣፍራስ ይሰሩ። ኣቲ ጓል ባቢሎን: ንውግእ ከም እተዳለወ ሰብኣይ ተሰሊፎም ይመጹኺ አለዉ” ዝብል ትንቢት ንህዝቢ ስኪት ዝእምት ኢዩ ኢሎም ይሓስቡ ኢዮም። እንተዀነ ግን: እዛ ጥቕሲ እዚኣ ብቐዳምነት ነቶም ብ539 ቅ.ኣ.ዘ. ንባቢሎን ዝሰዓርዋ ሜዶንን ፋርስን እተመልክት ኢያ።

እቲ ኣብ ህዝቅኤል ምዕራፍ 38ን 39ን ተጠቒሱ ዘሎ “ሃገር ማጎግ” ንዓሌታት ስኪት ዘመልክት ኢዩ ዝብል ሓሳብ ኣሎ። ይኹን እምበር: “ሃገር ማጎግ” ምሳልያዊ ትርጕም እውን ኣለዎ። ነቲ ኣብ ሰማይ ውግእ ምስ ተገብረ ሰይጣንን መላእኽቱን እተደርበዩሉ ኸባቢ ምድሪ ኸም ዘመልክት ኣየጠራጥርን ኢዩ።—ራእይ 12:7-17

ስኪት ነቲ ነነዌ ኸም እትግምጠል ዝገልጽ ናሆም እተነበዮ ትንቢት ኣብ ምፍጻም ተኻፊሎም ኢዮም። (ናሆም 1:1, 14) ከለዳውያንን ስኪትን ሜዶናውያንን ንነነዌ ብ632 ቅ.ኣ.ዘ. ወረርዋ: በዚ ኸምዚ ድማ ሃጸያዊ ግዝኣት ኣሶር ወደቐ።

ምኽንያቱ ዘይተፈልጠ ውድቀት

ስኪት ጠፊኦም ኢዮም: ስለምንታይ ግን ኢዮም ዝጠፍኡ፧ ሓደ ውሩይ ዩክረይናዊ ተመራማሪ ስነ-ጥንቲ “እንታይ ከም ዘጋጠሞም ኣይንፈልጦን ኢና” በለ። ገሊኣቶም ምሁራት ንሃብቲ ዝነበሮም ህርፋን ስለ ዝጐደለ: ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ዘመን ቅ.ኣ.ዘ. በቶም ሳርመሽያ ዝበሃሉ ሓድሽ ጕጅለ ሰበኽ-ሳግም ተደምሲሶም ኢሎም ይኣምኑ።

ካልኦት ምሁራት ድማ ማይ ቤት ምስ ማይ ቤት ብምውግኦም ናብ ጥፍኣት ኣምሪሖም ኢሎም ይሓስቡ። ተረፍ ስኪት ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ኮከሰስ ዝነብሩ ኦሰሽያ ዝበሃሉ ህዝቢ ይርከቡ ኢዮም ዝብሉ እውን ኣለዉ። በዚ ይኹን በቲ: እዞም ምስጢሮም ዘይተፈልጠ ጥንታዎት ህዝቢ ኣብ ታሪኽ ኣሰር ገዲፎም ኢዮም፣ እዚ ድማ ነታ ስኪት እትብል ስም ምስ ጭከና ኸም እትተሓሓዝ ገይሮማ ኢዮም።

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ካርታ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

◻ ናይ ጥንቲ ኸተማ

• ዘመናዊት ከተማ

ዳንዩብ

ሃገረ ስኪት ኣንፈት ጕዕዞ ስደት

• ኪየቭ

ድኒፕሮ

ድኒስተር

ጸሊም ባሕሪ

ኦሰሽያ

ኣኽራናት ኮከሰስ

ባሕሪ ካስፕያ

ኣሶር ← ኣንፈት ወራር

◻ ነነዌ

ጢግሪስ

ሜዶን ← ኣንፈት ወራር

መሶጶታምያ

ባቢሎንያ ← ኣንፈት ወራር

◻ ባቢሎን

ኤፍራጥስ

ሃጸያዊ ግዝኣት ፋርስ

◻ ሹሻ

ወሽመጥ ፋርስ

ጳለስጢና

• ቤት-ሻን (ስኪቶፖሊስ)

ግብጺ ← ኣንፈት ወራር

ኒል

ባሕሪ መዲተራንያን

ግሪኽ

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ህዝቢ ስኪት ተዋጋእቲ ኢዮም ነይሮም

[ምንጪ ስእሊ]

The State Hermitage Museum, St. Petersburg

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ስኪት ንንብረቶም ብስነ-ጥበባዊ ስርሓት ግሪኽ ይልውጥዎ ስለ ዝነበሩ ሃብታማት ኰኑ

[ምንጪ ስእሊ]

Courtesy of the Ukraine Historic Treasures Museum, Kiev