ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ዘማስዉሉ ትርጕም ሓዳስ ዓለም

ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ዘማስዉሉ ትርጕም ሓዳስ ዓለም

ምሉኣትን ርዱኣትን ኴንኩም ደው በሉ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ

ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ዘማስዉሉ ትርጕም ሓዳስ ዓለም

ዓሰርተ ኽልተ ዓመትን ሰለስተ ወርሕን ዓሰርተ ሓደ መዓልትን ጥንቃቐ ዝመልኦ ጻዕሪ ኢዩ ተገይሩሉ። ብ13 መጋቢት 1960 ድማ ናይ መወዳእታ ኽፋል ናይዚ ሓድሽ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ተዛዘመ። ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም ከኣ ተባህለ።

ድሕሪ ሓደ ዓመት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ ትርጕም እዚ ኣብ ሓደ ጥራዝ ጠርኒፎም ሓተምዎ። እቲ ብ1961 ዝወጸ ሕታም ሓደ ሚልዮን ቅዳሓት ነበሮ። ክሳዕ ሕጂ ልዕሊ ሚእቲ ሚልዮን ዝኸውን ቅዳሓት ተሓቲሙ ኣሎ: እዚ ድማ ንትርጕም ሓዳስ ዓለም ሓደ ኻብቲ ዝሰፍሐ ዝርጋሐ ዝረኸበ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ገይርዎ ኣሎ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ ትርጕም እዚ ኸዳልዉ ዝደረኾም ግን እንታይ ኢዩ፧

ንምንታይ ሓድሽ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ኣድለየ፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘሎ መልእኽቲ ምእንቲ ኽርድእዎን ኽሰብክዎን ንብዙሕ ዓመታት እተፈላለየ ናይ እንግሊዝኛ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ኢዮም ዝጥቀሙ ነይሮም። እዚ ትርጕማት እዚ ዝነኣደሉ ነጥብታት እኳ እንተ ነበሮ: መብዛሕትኡ ግዜ ብሃይማኖታዊ ስርዓታትን እምነታትን ህዝበ-ክርስትና ተጸልዩ ኢዩ። (ማቴዎስ 15:6) ስለዚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ መንፈስ ዝነፈሶ በዅሪ ጽሑፍ ብትኽክል ዘመሓላልፍ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትርጕም ከም ዘድሊ ተገንዘቡ።

በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እቲ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝነበረ ናታን ኤች. ኖር ሓድሽ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ክዳሎ ኣብ ጥቅምቲ 1946 እማመ ምስ ኣቕረበ ናይ መጀመርታ ስጕምቲ ተወስደ። ነቲ በዅሪ ጽሑፍ ብትኽክል ዘመሓላልፍ: ነቲ ሽዑ እዋን ብምሁራት እተረኽበ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኢደ-ጽሑፋት ዘጠቓልል: ከምኡውን ሎሚ ዘለዉ ኣንበብቲ ብቐሊሉ ዝርድእዎ ትርጕም ንምድላው ብ2 ታሕሳስ 1947 ናይ ትርጕም ሓዳስ ዓለም መጽሓፍ ቅዱስ ኮሚተ ተመስረተ።

ብ1950 እቲ ቐዳማይ ክፋል ናይዚ ትርጕም ማለት ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ምስ ተሓትመ: እቶም ተርጐምቲ ሸቶኦም ከም ዝወቕዑ ተረጋገጸ። ኣቐዲሙ ንጹር ዘይነበረ ጥቕስታት ብዘደንቕ መገዲ በርሀ። ንኣብነት: ነቲ ኣብ ናይ ትግርኛ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ማቴዎስ 5:3 ዝርከብ “ብመንፈስ ድኻታት . . . ብጹኣን እዮም” ዝብል ንምርድኡ ዘጸግም ጥቕሲ: “እቶም መንፈሳዊ ድሌቶም ንምምላእ ዝነቕሑ ሕጉሳት ኢዮም” ተባሂሉ ተተርጐመ። እቲ “ብዋላ ሓንቲ እኳ ኣይትጠንቀቑ” (ኪንግ ጀምስ ቨርሽን) ተባሂሉ ተተርጒሙ ዝነበረ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝሃቦ ማዕዳ “ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ” ተባሂሉ ተተርጐመ። (ፊልጲ 4:6) እቲ ኣብ ናይ ትግርኛ መጽሓፍ ቅዱስ “ምምጻእካ” ተባሂሉ ተተርጒሙ ዝነበረ ድማ “ህላወኻ” ተባህለ። (ማቴዎስ 24:3) እምበኣር ትርጕም ሓዳስ ዓለም ሓድሽ ምርዳእ ከም ዝሃበ ንጹር ኢዩ።

ብዙሓት ምሁራት በዚ ተመሲጦም ኢዮም። ንኣብነት: እቲ እንግሊዛዊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር ኣሌክሳንደር ቶምሶን ትርጕም ሓዳስ ዓለም ነቲ ኣብ ቋንቋ ግሪኽ ዝርከብ ናይ ህሉው ግዜ ግሲ ብትኽክል ብምትርጓም ዝመጸ ሓለፍ ዝበለ ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ። ንኣብነት: ኣብ ኤፌሶን 5:25 “ኣቱም ሰብኡት: ኣንስትኹም ኣፍቅሩ” ኣብ ክንዲ ምባል “ኣቱም ሰብኡት: ነንስትኹም ምፍቃር ኣይተቋርጹ” ተባሂሉ ኣሎ። ቶምሶን ብዛዕባ ትርጕም ሓዳስ ዓለም “ከምዚ ዝኣመሰለ ዘደንቕ ኣገባብ ምሉእ ብምሉእን ብተደጋጋምን እተጠቕመ ኻልእ ትርጕም ዘሎ ኣይመስለንን” በለ።

ካልእ ንትርጕም ሓዳስ ዓለም ፍልይ ዘብሎ ነገር: ነቲ የሆዋ ዝብል ብሕታዊ ስም ኣምላኽ ኣብ ናይ እብራይስጢ ዀነ ኣብ ናይ ግሪኽ ቅዱሳት ጽሑፋት ምጥቃሙ ኢዩ። እዚ ናይ እብራይስጢ ስም ኣምላኽ እዚ: ኣብቲ ብሉይ ኪዳን ተባሂሉ ዝፍለጥ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ዳርጋ 7,000 ግዜ ኻብ ተጠቕሰ: ፈጣሪና ኣምለኽቱ ስሙ ኽጥቀሙን ከም ሓደ ኣካል ክፈልጥዎን ከም ዝደሊ ንጹር ኢዩ። (ዘጸኣት 34:6, 7) ትርጕም ሓዳስ ዓለም ብሚልዮናት ንዝቝጸሩ ሰባት ከምኡ ኽገብሩ ሓጊዙ ኢዩ።

ትርጕም ሓዳስ ዓለም ብብዙሕ ቋንቋታት ተዳለወ

ትርጕም ሓዳስ ዓለም ብእንግሊዝኛ ኻብ ዝወጽእ ኣትሒዙ: ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዚ ትርጕም እዚ በብቛንቋኦም ኽዳለወሎም ሃንቀው ኢሎም ኢዮም፣ ነዚ እውን ብቑዕ ምኽንያት ኣለዎም። ኣብ ገሊአን ሃገራት በቲ ናይቲ ዓዲ ቛንቋ እተዳለወ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ምርካብ ኣጸጋሚ ኢዩ ነይሩ፣ ከመይሲ እቶም ተወከልቲ ናይተን መጽሓፍ ቅዱስ ዝዝርግሓ ማሕበራት ነቲ ዘዳለዉዎ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኢድ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክኣቱ ኣይደልዩን ኢዮም ነይሮም። ብተወሳኺውን እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ትርጕማት ንኣገዳሲ ትምህርትታት ይዓብጦ ኢዩ። ንኣብነት: ኣብ ደቡባዊ ኣውሮጳ ብዝዝረብ ቋንቋ እተሓትመ ሓደ ትርጕም: ነቲ “ስምካ ይቀደስ” ዝብል ቃላት የሱስ: “ሰባት ክብሪ ይሃቡኻ” ኢሉ ብምትካእ ነቲ ንስም ኣምላኽ ዝምልከት ኣገዳሲ ነጥቢ ደፊንዎ ኢዩ።—ማቴዎስ 6:9

ብ1961 ተርጐምቲ ነቲ ብእንግሊዝኛ እተዳለወ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ድሮ ናብ ካልእ ቋንቋታት ክትርጕምዎ ጀሚሮም ነይሮም ኢዮም። ድሕርዚ ኣብ ውሽጢ ኽልተ ዓመት ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ናብ ሽዱሽተ ተወሰኽቲ ቛንቋታት ተተርጐመ። ኣብቲ ግዜ እቲ ሰለስተ ርብዒ ኻብቶም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ብቛንቋኦም ከንብብዎ ይኽእሉ ነበሩ። ብሚልዮናት ንዝቝጸሩ ሰባት ቅዳሕ ናይዚ ትርጕም እዚ ኸብጽሑሎም እንተድኣ ዀይኖም ግን ብዙሕ ዕዮ ኽዕየ ነበሮ።

ብ1989 ኣብቲ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ናይ ትርጕም ኣገልግሎት ምስ ተመስረተ እዚ ሸቶ እዚ ኽብጻሕ ዝከኣል ኰነ። እዚ ናይ ትርጕም ኣገልግሎት እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ቃላት ብሓገዝ ኮምፕዩተር መጽናዕቲ ናይ ምግባር ሜላ ትርጕም ኣማዕበለ። በዚ ሜላ እዚ ብምጥቃም: ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት: ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ድማ ኣብ ውሽጢ ኽልተ ዓመት ናብ ካልእ ቋንቋታት ኽትርጐም ተኻእለ፣ እዚ ድማ ካብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምትርጓም ዘድሊ ግዜ ኣዝዩ ዝሓጸረ ኢዩ። እዚ ሜላ እዚ ኻብ ዝመሃዝ ኣትሒዙ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ካብ እንግሊዝኛ ናብ 29 ቋንቋታት ተተርጒሙ ኣሎ: በዚ ቛንቋታት እዚ ድማ ልዕሊ ኽልተ ቢልዮን ዝዀኑ ሰባት ይዛረቡ ኢዮም። ኣብዚ እዋን እዚ ብኻልእ 12 ቛንቋታት ይትርጐም ኣሎ። ሎሚ እቲ ናይ እንግሊዝኛ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ምሉእ ብምሉእ ወይ ብኸፊል ናብ 41 ቋንቋታት ተተርጒሙ ኣሎ።

ብ3 ነሓሰ 1950 ኣብቲ ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ እተገብረ “ቲኦክራሲያዊ ወሰኽ” ዘርእስቱ ኣሰምብሊ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እቲ ናይ መጀመርታ ኽፋል ትርጕም ሓዳስ ዓለም ካብ ዝወጽእ ኣትሒዙ ልዕሊ 50 ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። ኣብቲ ግዜ እቲ ናታን ኤች. ኖር ነቶም ኣኼበኛታት ከምዚ ብምባል ተማሕጸኖም:- “ነዚ ትርጕም እዚ ውሰድዎ። ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ኣንብብዎ: ከሐጕሰኩም ኢዩ። ኣጽንዕዎ እሞ ንቓል ኣምላኽ ዘለኩም ምርዳእ ከመሓይሸልኩም ኢዩ። ንኻልኦት ከኣ ዓድልዎ።” ንሕናውን ንመጽሓፍ ቅዱስ መዓልታዊ ኸተንብብ ኢና እነተባብዓካ: ከመይሲ ሒዝዎ ዘሎ መልእኽቲ ‘ምሉእን ብዅሉ ፍቓድ ኣምላኽ ርዱእን ኴንካ ደው ንኽትብል’ ክሕግዘካ ይኽእል ኢዩ።—ቈሎሴ 4:12

[ኣብ ገጽ 8, 9 ዘሎ ግራፍ/ስእልታት]

(For fully formatted text, see publication)

“ትርጕም ሓዳስ ዓለም ዝወጸሉ ቋንቋታት”

እቲ መጀመርታ ብእንግሊዝኛ ዝወጸ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ሎሚ ምሉእ ብምሉእ ወይ ብኸፊል ናብ 41 ቋንቋታት ተተርጒሙ ኣሎ

ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ

1950 1

1960-69 6 5

1970-79 4 2

1980-89 2 2

1990--ሎሚ 29 19