ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንኽንድሕን ገለ ተስፋ ኣሎና ድዩ፧

ንኽንድሕን ገለ ተስፋ ኣሎና ድዩ፧

ንኽንድሕን ገለ ተስፋ ኣሎና ድዩ፧

መበል 20 ዘመን ኣብ ታሪኽ ወድሰብ እቲ ዝበዝሐ ደም ዝፈሰሰሉ ዘመን ተባሂሉ ኢዩ። ብፍላይ ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት ዓሰርተታት ዓመታት ገበን: ውግእ: ዓሌታዊ ናዕቢ: ሓሽሽ ምውሳድ: ምትላል: ናዕቢ ኣስፋሕፊሑ ኣሎ። ኣብ ርእሲ እዚውን ሕማምን እርጋንን ሞትን ዘስዕቦ ስቓይን መከራን ኣሎ። እዚ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘሎ ማእለያ ዘይብሉ ጸገማት ክውገደሉ ዘይደሊ መን ኢዩ፧ ኣብ መጻኢ ገለ ናይ ድሕነት ተስፋ ይህሉዶ ዀን ይኸውን፧

 ኣስታት 2,000 ዓመታት ኣቐዲሙ ሃዋርያ ዮሃንስ ዝረኣዮ ራእይ እስከ ሕሰበሉ። ንሱ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እንሆ ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ: ንሱውን ምሳታቶም ኪነብር እዩ: ንሳቶም ከኣ ህዝቡ ኪዀኑ እዮም: ኣምላኽውን ባዕሉ ምሳታቶምን ኣምላኾምን ኪኸውን እዩ። ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ: ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ።” (ራእይ 21:3, 4) ነብዪ ኢሳይያስ እውን ብተመሳሳሊ ኸምዚ ኢሉ ተነበየ:- “ንሞት ንሓዋሩ ኺውሕጦ: እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንንብዓት ካብ ገጽ ኵሎም ኪደርዞ እዩ። እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ እሞ: ንሕስራን ህዝቡ ኻብ ኵላ ምድሪ ኼርሕቖ እዩ።”—ኢሳይያስ 25:8

መብጽዓታት ኣምላኽ ፍጻሜኡ ኽረክብ ከሎ ዝህሉ ዅነታት እሞ ሕስብ ኣብሎ! ደቅሰብ ካብ ጭቈናን ናዕብን ከምኡውን ስቓይን ጭንቅን ካብ ዘምጽኣሎም ነገራት ድሕነት ክረኽቡ ወይ ሓራ ኽወጹ ኢዮም። አረ: ሕማምን እርጋንን ሞትን እውን ኣይከሳቕየናን ኢዩ! ቃል ኣምላኽ: መጽሓፍ ቅዱስ: ሰባት ኣብ ሓንቲ ፍጹም ኵነታት ዝህልዋ ምድሪ ዘለኣለማዊ ህይወት ረኺቦም ክነብሩ ምዃኖም ይመባጻዕ ኢዩ። (ሉቃስ 23:43፣ ዮሃንስ 17:3) እዚ ኣጋጣሚ እዚ ድማ ንዅሎም ነዚ ኽረኽቡ ዝደልዩ ኽፉት ኢዩ። እግዚኣብሄር “ዅሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ [ኢዩ] ዚፈቱ።”—1 ጢሞቴዎስ 2:3, 4

ካብ መብጽዓታት ኣምላኽ ምእንቲ ኽንጥቀም ግን የሱስ ክርስቶስ ኣብ ድሕነትና ዘለዎ ግደ ኽንርድኦን ኣብኡ ኽንኣምንን ኣሎና። የሱስ ባዕሉ “ኣምላኽ: በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር: ከይጠፍእሲ: ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ: ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ” በለ። (ዮሃንስ 3:16) ሃዋርያ ጴጥሮስ ነቲ የሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ጕዳይ እዚ ዘለዎ ኣገዳሲ ግደ ኽገልጽ ከሎ “ብእኡ ኽንድሕን ዚግባእ ካልእ ስም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንሰብ ኣይተዋህበን እሞ: ምድሓን ብሓደ ኻልእ ከቶ የልቦን” በለ። (ግብሪ ሃዋርያት 4:12) ሃዋርያ ጳውሎስን እቲ መተዓይይቱ ዝነበረ ሲላስን ንሓደ ብቕንዕና ዝሓተቶም ሰብኣይ “ብጐይታና የሱስ እመን እሞ ንስኻን ቤትካን ክትድሕኑ ኢኹም” ብምባል ተማሕጸንዎ።—ግብሪ ሃዋርያት 16:30, 31

እወ: የሱስ ክርስቶስ “ራእሲ ህይወት” ኢዩ: ድሕነት ክርከብ ዝከኣል ድማ ብእኡ ጥራይ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 3:15) እንተዀነ ግን: ሓደ ሰብኣይ ኣብ ድሕነትና ኽሳዕ ክንድዚ ዓቢ ግደ ኽህልዎ ዝኸኣለ ብኸመይ ኢዩ፧ ነዚ ብንጹር ምርድኡ ንምድሓን ዘሎና ተስፋ ኸደልድሎ ይግባእ።

[ኣብ ገጽ 2 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Page 3: Bombers: USAF photo; starving children: UNITED NATIONS/J. FRAND; burning battleship: U.S. Navy photo