ንግብዝና ብኸመይ ኢኻ እትቃለሶ፧
ንግብዝና ብኸመይ ኢኻ እትቃለሶ፧
ጌተሰማኔ ኣብ እትበሃል ስፍራ ኣታኽልቲ: ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ንየሱስ ቀሪቡ “ሰዓሞ።” እዚ ብልምዲ መግለጺ ዓሚቝ ፍቕሪ ኢዩ። ይኹን እምበር: እቲ ይሁዳ ዝገበሮ ኣካላዊ መግለጺ ነቶም በታ ለይቲ እቲኣ ንየሱስ ክኣስርዎ መጺኦም ዝነበሩ ሰባት ኣሕሊፉ ንዝህቦ ከም ምልክት እተጠቕመሉ ናይ ኣምሰሉ መግለጺ ጥራይ ኢዩ ነይሩ። (ማቴዎስ 26:48, 49) ይሁዳ ግቡዝ ኢዩ ነይሩ። ግቡዝ ማለት ከኣ ዘይኰኖ ክመስል ዝፍትን: ነቲ ሕማቕ ድራኸኡ ድማ ብናይ ቅንዕና መሸፈኒ ዝሓብእ ሰብ ማለት ኢዩ። እታ “ግቡዝ” ተባሂላ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል: ቃል ብቓሉ “ምላሽ ዝህብ” ማለት ክትከውን ከላ ንሓደ ናይ መድረኽ ተዋሳኣይ እተመልክት ከኣ ኢያ። ድሕሪ ግዜ ግን እታ ቓል ንዝዀነ ይኹን ንኻልኦት ንምትላል ኢሉ ናይ ኣምሰሉ ባህሪ ዘርኢ ሰብ ከተመልክት ጀመረት።
ግብዝና ምስ ዘጋጥመካ እንታይ ግብረ-መልሲ ኢኻ እተርኢ፧ ንኣብነት: ሽጋራ ምትካኽ ጐዳኢ ምዃኑ ዝሕብር ናይ ሕክምና መርትዖ እኳ እንተሎ ትምባኾ ዘፍርያ ትካላት ግን ሽጋራ ምትካኽ ከተባብዓ ክትርኢ ከሎኻ ትሓርቕዶ፧ ነቶም ብሕድሪ እተዋህብዎም ሰባት ዝሃስዩ ኣለይቲ ዘርእይዎ ግብዝና የሕርቐካዶ፧ ሓደ ሓቀኛ ገይርካ እትሓስቦ ዝነበርካ ዓርክኻ መታለሊ ዀይኑ ክትረኽቦ ኸሎኻ የጕህየካዶ፧ ሃይማኖታዊ ግብዝናኸ ብኸመይ ኢዩ ዝትንክፈካ፧
“ኣቱም ግቡዛት . . . ወይለኹም”
የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝነበረ ሃይማኖታዊ ዅነታት ንርአ። ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን እሙናት መማህራን ሕጊ ኣምላኽ ከም ዝዀኑ የምስሉ ነበሩ: ብሓቂ ክርአ ኸሎ ግን ንኣእምሮ ሰባት በቲ ካብ ኣምላኽ ዘርሕቕ ናይ ሰብ ትምህርትታት ኢዮም ዝመልእዎ ነይሮም። ነቲ ፍቕርን ድንጋጽን ዘንጸባርቕ መሰረታዊ ስርዓታት ዕሽሽ እናበሉ ኣብ ቃላት ናይቲ ሕጊ የተኵሩ ነበሩ። ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ንኣምላኽ እተወፈዩ እናምሰሉ ኣብ ብሕቶም ግን ብኽፍኣት ዝመልኡ ኢዮም ነይሮም። ተግባራቶምን ቃላቶምን ፈጺሙ ኣይራኸብን ኢዩ ነይሩ። እቲ ዝገብርዎ ነገራት “ሰብ ምእንቲ ኺርእዮም” ኢዮም ዝገብርዎ። “ወጻኢኡ ጽቡቕ ኰይኑ ዚርኤ: ውሽጡ ግን ኣዕጽምቲ ምዉታትን ርኽሰትን ዝመልኤ ልቕሉቕ መቓብር” ይመስሉ ነበሩ። ንግብዝናኦም ብትብዓት ብምቅላዕ የሱስ ደጋጊሙ “ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን: . . . ወይለኹም” በሎም።—ማቴዎስ 23:5, 13-31
ኣብቲ እዋን እቲ ትነብር ነይርካ እንተ ትኸውን: ከምቶም ቅኑዕ ልቢ ዝነበሮም ሰባት በዚ ሃይማኖታዊ ግብዝና እዚ ብሓቂ ምጕሄኻ ነይርካ። (ሮሜ 2:21-24፣ 2 ጴጥሮስ 2:1-3) ይኹን እምበር: ግብዝና ናይቶም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ንዅሉ ሃይማኖታት እንተላይ ነቲ የሱስ ክርስቶስን ደቀ መዛሙርቱን ዝምህርሉን ዝመላለስሉን ዝነበሩ ሃይማኖት ክሳዕ ምንጻግ ከብጽሓካ መፍቀድካሉዶ፧ ከምዚ ምግባር ንዓኻዶ ኸይኰነ ዝጐድእ፧
ሃይማኖታውያን ሰባት ዘርእይዎ ግብዝና ካብ ጽልኢ እተላዕለ ሃይማኖት ዝበሃል ከም እነርሕቕ ክገብረና ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር: እዚ ዓይነት መልሰ-ግብሪ እዚ ንቕንዕና ናይቶም ሓቀኛታት ኣምለኽቲ እውን ንኸይነስተብህለሉ ኸዕውረና ይኽእል ኢዩ። እቲ ኻብ ግብዝና ንምርሓቕ ኢልና እንሃንጾ ቐጽሪ ካብቶም ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ከርሕቐና ይኽእል ኢዩ። ስለዚ እምበኣር: እቲ ንግብዝና እነርእዮ መልሰ-ግብሪ ምኽንያታውን ሚዛናውን ክኸውን ኣለዎ።
“ተጠንቀቑ”
ብመጀመርታ ደረጃ: ንግቡዛት ከነለልዮም ክንክእል ኣሎና። እዚ ምግባር ኵሉ ግዜ ቀሊል ኢዩ ማለት
ኣይኰነን። ሓንቲ ስድራቤት ኣዝዩ ኽቡር ዋጋ ምስ ኣጥፍአት ኢያ ነዚ ተገንዚባቶ። እታ ኣደ ቐልባ ኣጥፍአት። እቲ ሆስፒታል ብዘርኣዮ ሸለልትነት ኣብ ቤት ፍርዲ ንምኽሳስ እታ ስድራቤት ምስ ሓደ ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዘሎ ቤተ-ክርስትያን ሰባኺ ዝዀነ ጠበቓ ተወዓዓለት። ሽሕኳ እቲ ሆስፒታል 3.4 ሚልዮን ዶላር ብምኽፋል ነቲ ነገር እንተ ኣደቀሶ: ዅነታት እታ ስድራቤት ዝያዳ እናኸፍአ ኸደ። እታ ኣደ ብድኽነት ሞተት: መቕበሪኣ ዝኸውን ገንዘብ እኳ ኣይነበረን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ እቲ ጠበቓ ንዝበዝሕ እቲ ገንዘብ ኣብ ጁባኡ ከም ዝኣቱ ስለ ዝገበረ ኢዩ። ብዛዕባ እዚ ጠበቓ እዚ: ሓደ ናይ ሕጊ መጽሔት ከምዚ ብምባል ገለጸ:- “ንዝገብሮ ተግባራት ዝሰብኽ እንተድኣ ነይሩ ዀይኑ . . . መልእኽቱ ‘ንዝመት’ ዝብል ኢዩ ክኸውን ነይርዎ።” ካብ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ብኸመይ ኢና ኽንዕቈብ እንኽእል፧የሱስ ነቶም ብሃይማኖታዊ ግብዝና እተኸቡ ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ ሰባት “ተጠንቀቑ” ብምባል መኸሮም። (ማቴዎስ 16:6፣ ሉቃስ 12:1) እወ: ጥንቁቓት ክንከውን ይግብኣና። ሰባት ጽቡቕ ዕላማን ቅንዕናን ዘለዎም መሲሎም ክቐርቡና ይኽእሉ ኢዮም: ብወገንና ግን ጥንቁቓት ብምዃን ብላዕሊ ላዕሊ ቅኑዕ መሲሉ ንዝቐርበና ዝዀነ ይኹን ሰብ ሃንደራእ ኢልና ኽንቅበሎ የብልናን። ትምዩን ገንዘብ ተዘርጊሑ ምህላዉ እንተድኣ ፈሊጥና ንእንቕበሎ ገንዘብ ተጠንቂቕናዶ ኣይንርእዮን ኢና፧
ኣብታ ሓቀኛ ክርስትያናዊት ጉባኤ እውን ግቡዛት ሰባት ተራእዮም ኢዮም። ወደ መዝሙር ይሁዳ ብዛዕባኦም ከጠንቅቕ ከሎ “እዚአቶም ብዘይ ፍርሃት ምሳኻትኩም እናበልዑ ንርእሶም ዚጓስዩ: ኣብቲ ናይ ፍቕሪ መኣድኹም ጸያቒቶ እዮም: ንፋስ ንየው ነጀው ዚደፍኦ: ማይ ዜብሉ ደበና: ዘይፈርያ . . . ኣእዋም ሓጋይ [ኢዮም]” በለ።—ይሁዳ 12
‘ክንጥንቀቕ’ ኣሎና ኽበሃል ከሎ: ብሓደ ፈቃር ዝመስል: ብሓቂ ኽርአ ኸሎ ግን ኣብ ገዛእ ርእሱ ጥራይ ዘተኵርን ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘይተመርኰሰ ኣረኣእያ ዘስፋሕፍሕን ሰብ: ከየታልለና ክንሕሎ ኣሎና ማለት ኢዩ። ኸምዚ ዝበለ ሰብ ልክዕ ከምቲ ኣብ ህዱእ ማያት ተሓቢኡ ዝጸንሕ በላሕቲ ኣኻውሕ ነቶም ገርህታት መንፈሳዊ መርከቦም ክሰብረሎም ይኽእል ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 1:19) ሓደ ግብዝ ሰብ መንፈሳዊ ቅሳነት ክህብ ከም ዝኽእል ይመባጻዕ ይኸውን: መወዳእትኡ ግን ከምቲ ‘ማይ ዘይብሉ ደበና’ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ሓደ መታለሊ ሰብ ልክዕ ከምቲ ዘይፈሪ ኦም ናይ ሓቂ ክርስትያናዊ ፍረ ኣይፈርን ኢዩ። (ማቴዎስ 7:15-20፣ ገላትያ 5:19-21) እወ: ካብዞም መታለልቲ እዚኣቶም ክንሕሎ የድሊ። ኸምዚ ኽንገብር ከሎና ግን ነቲ ኻልኦት ሰባት ዘለዎም ድራኸ ክንጥርጥሮ የብልናን።
“ኣይትፍረዱ”
ዘይፍጹማት ሰባት ናታቶም ገዲፎም ጕድለት ካልኦት ሰባት ክርእዩስ ክንደይ ዝቐለለ ዀን ኢዩ! ይኹን እምበር እዚ ኸምዚ ዝበለ ዝንባለ ንግብዝና እተቓላዕና ኢዩ ዝገብረና። የሱስ “ኣታ ግብዝ: ቅድም ካብ ዓይንኻ ጕንዲ ኣውጽእ። ሽዑ ኻብ ዓይኒ ሓውካ በሰር ንምውጻእ ኣጸቢቕካ ትርኢ” በለ። ነቲ “ብዝፈረድኩምዎ ፍርዲ ኺፍረደኩም . . . እዩ እሞ: ከይፍረደኩም ኣይትፍረዱ። ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ ዘይፈለጥካስ: ንምንታይከ ኣብ ዓይኒ ሓውካ: ዘሎ በሰር እትርኢ፧” ብምባል ዝሃበና ምኽሪ ክንስዕቦ ይግብኣና።—ማቴዎስ 7:1-5
ሓድሓደ ግዜ ሰባት ግብዝና ዘለዎ ዝመስል ነገራት ምስ ዝገብሩ: ተሃዊኽና ግቡዛት ኢልና ኸይንጥቅኖም ክንጥንቀቕ ኣሎና። ንኣብነት ሃዋርያ ጴጥሮስ ነቶም ካብ የሩሳሌም ዝመጹ መበቈሎም ካብ ኣይሁድ ገላትያ 2:11-14፣ ግብሪ ሃዋርያት 10:24-28, 34, 35) ይኹን እምበር: በርናባስን ጴጥሮስን ምንድልሃጾም ምስቶም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ወይ ምስ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ከም ዝስርዑ ኣይገበሮምን።
ዝዀኑ በጻሕቲ ምእንቲ ኸሕጕስ ካብቶም ኣብ ኣንጾክያ ዝነበሩ ኣመንቲ “ኣግለሰ: ርእሱውን ፈለየ።” በርናባስ ‘እኳ ብግብዝና ጴጥሮስን ካልኦትን ክሳዕ ዝሰሓብ ኰነ።’ ጴጥሮስ ኣህዛብ ናብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ንኽመጹ መገዲ ክኸፍተሎም መሰል ተዋሂብዎ ኽነሱ ኢዩ ከምዚ ዝገበረ። (“ፍቕሪ ብዘይግብዝና ትኹን”
የሱስ “ንሰባት ሰናይ ክትገብረሎም ከሎኻ: ከምቲ እቶም ተዋሳእቲ: ብሰብ ምእንቲ ኽንኣዱ: ኣብ ኣብያተ-ጸሎትን ኣብ ኣደባባያትን ዝገብርዎ: ቀቅድሜኻ ዝኸይድ በዓል መለኸት ኣይትዕሰብ” ብምባል ይምዕድ። (ማቴዎስ 6:2፣ ፊልፕስ) ሃዋርያ ጳውሎስ “ፍቕሪ ብዘይግብዝና ትኹን” ኢሉ ጸሓፈ። (ሮሜ 12:9) ነቲ መንእሰይ ጢሞቴዎስ “ፍቕሪ ኻብ ንጹህ ልቢ: . . . ካብ ልግሚ ዜብላ እምነት” ክሕዝ ኣተባብዖ። (1 ጢሞቴዎስ 1:5) ፍቕርናን እምነትናን ብስስዐን ምትላልን ዘይተጸየቐ እንተድኣ ዀይኑ ኻልኦት ክኣምኑና ኢዮም። ነቶም ምሳና ዘለዉ ሰባት ምንጪ ሓይልን ምትብባዕን ክንኰኖም ኢና። (ፊልጲ 2:4፣ 1 ዮሃንስ 3:17, 18፣ 4:20, 21) ልዕሊ ዅሉ ድማ ስምረት የሆዋ ኽህልወና ኢዩ።
በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ: ግብዝና ነቶም ዘንጸባርቕዎ ሰባት መወዳእትኡ ሞት ከስዕበሎም ኢዩ። ሽዑ ግብዝና ምሉእ ብምሉእ ክቃላዕ ኢዩ። የሱስ ክርስቶስ “ዘይቅላዕ ክዱን: ዘይፍለጥ ድማ ስዉር የልቦን” በለ። (ማቴዎስ 10:26፣ ሉቃስ 12:2) እቲ ጥበበኛ ዝነበረ ንጉስ ሰሎሞን “ኣምላኽሲ ንዅሉ ግብርን ንሕቡእ ነገር ዘበለን: ሰናይ ኰነ ወይስ እኩይ: ናብ ፍርዲ ኼምጽኦ እዩ” በለ።—መክብብ 12:14
ክሳዕ ሽዑ ግን እቲ ካልኦት ዘርእይዎ ግብዝና ካብቲ ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ዝመጽእ ልባዊ ፍቕሪ ክፈልየና ስለምንታይ እነፍቅደሉ፧ እምብዛ ተጠራጠርቲ ኸይኰንና ጥንቃቐ ከነርኢ ንኽእል ኢና። ብእተኻእለ መጠን ፍቕርናን እምነትናን ብዘይግብዝና ከነርእዮ ንጽዓር።—ያእቆብ 3:17፣ 1 ጴጥሮስ 1:22
[ኣብ ገጽ 22, 23 ዘሎ ስእሊ]
እቲ ናይ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ግብዝና ካብ የሱስ ክርስቶስን ደቀ መዛሙርቱን ክፈልየካ መፍቀድካሉዶ፧