ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ መዕቈቢና ኢዩ

የሆዋ መዕቈቢና ኢዩ

የሆዋ መዕቈቢና ኢዩ

“ጐይታይ: ንስኻ መዕቈብየይ ኢኻ: ኢልካ ኢኻ እሞ: . . . እከይ ዘበለ ኣይኪረኽበካን . . . እዩ።”—መዝሙር 91:9, 10

1. የሆዋ መዕቈቢና ኢዩ ኽንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

 የሆዋ ንህዝቡ ናይ ሓቂ መዕቈቢ ኢዩ። ምሉእ ብምሉእ ንየሆዋ ውፉያት እንተድኣ ዄንና “ብዅሉ ወገን ንጽቀጥ: ግናኸ ኣይጸበናን: እንገብሮ ይጠፍኣና: ግናኸ ተስፋ ኣይንቐብጽን ኢና: ንስጐጒ: ድርቡያት ግና ኣይኰንናን። ይደፍኡና: ግናኸ ኣይንጠፍእን ኢና።” ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ የሆዋ “ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ” ይህበና ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 4:7-9) እወ: ሰማያዊ ኣቦና ብፍርሃት ኣምላኽ ክንመላለስ ይሕግዘና ኢዩ: ነተን “ጐይታይ: ንስኻ መዕቈብየይ ኢኻ: ኢልካ ኢኻ እሞ: ንልዑልሲ መጸግዒኻ ስለ ዝገበርካዮ: እከይ ዘበለ ኣይኪረኽበካን . . . እዩ” ዝብላ ቓላት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ከነቕልበለን ንኽእል ኢና።—መዝሙር 91:9, 10

2. ብዛዕባ መበል 91 መዝሙርን ብዛዕባ እቲ እትህቦ መብጽዓን እንታይ ክበሃል ይከኣል፧

2 እዘን ኣብ መበል 91 መዝሙር ዘለዋ ቓላት ብሙሴ ኢየን ተጻሒፈን ክዀና ዝኽእላ። ቀቅድሚ እታ ቐዳመይቲ ቝጽሪ ናይ መበል 90 መዝሙር ዘሎ ጽሑፍ ንሙሴ ከም ደራሲ ገይሩ ድሕሪ ምጥቃሱ ኣብ መንጎ ካልእ ጸሓፊ ከይተጠቕሰ መበል 91 መዝሙር ትቕጽል። መበል 91 መዝሙር ምናልባት እናተቐባበልካ ኢያ ተዘሚራ ክትከውን እትኽእል፣ እዚ ማለት ድማ መጀመርታ ሓደ ሰብ ይዝምር እሞ (91:1, 2): መዘምራን ከኣ ይምልስሉ (91:3-8)። ቀጺሉ ሓደ ሰብ ይዝምር (91:9ሀ) ጕጅለ ሰባት ይቕበልዎ (91:9ለ-13)። ኣብ መጨረሽታ ኸኣ ሓደ ዘማሪ ነተን ናይ መወዳእታ ቓላት ይዝምር ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (91:14-16) እንተ በዚ እንተ በቲ: መበል 91 መዝሙር ነቶም ክፍሊ ቕቡኣት ክርስትያን ብሓፈሻ መንፈሳዊ ዕቝባ ኽረኽቡ ምዃኖም ትመባጻዕ: ነቶም ህይወቶም ዝወፈዩ ብጾቶም ከኣ ብጕጅለ ደረጃ ተመሳሳሊ ውሕስነት ትህቦም። a ንዅሎም ኣገልገልቲ የሆዋ ኣብ ግምት ብምእታው ነዛ መዝሙር እዚኣ ጥቕሲ ብጥቕሲ ንርኣያ።

‘ኣብ ጸግዒ ኣምላኽ’ ተዓቘብ

3. (ሀ) “ጸግዒ እቲ ልዑል” እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ‘ኣብ ጽላል እቲ ዅሉ ዝኽእል ብምንባር’ እንታይ ኢና ክንረክብ እንኽእል፧

3 እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ኣብ ጸግዒ እቲ ልዑል ዚሐድር: ኣብ ጽላል እቲ ዅሉ ዝኽእል ይነብር። ንእግዚኣብሄር: ጸግዔይን ዕርደይን ዝውከሎ ኣምላኸይን እዩ: እብሎ አሎኹ” ብምባል ይዝምር። (መዝሙር 91:1, 2) “ጸግዒ እቲ ልዑል” ንዓና ብፍላይ ድማ ነቶም ቀንዲ ዒላማ ድያብሎስ ዝዀኑ ቅቡኣት ምሳልያዊ መዕቈቢ ቦታ ኢዩ። (ራእይ 12:15-17) ልክዕ ከም መንፈሳውያን ኣጋይሽ ኴንና ምስ ኣምላኽ እንተ ዘይንዕቈብ ነይርና ድያብሎስ ንዅልና ብሓንሳእ መጥፍኣና ነይሩ። “ኣብ ጽላል እቲ ዅሉ ዝኽእል” ብምንባር ዕቝባ ኣምላኽ ንረክብ ኢና። (መዝሙር 15:1, 2፣ 121:5) ካብቲ ልዑል ጐይታና የሆዋ ንላዕሊ ገይሩ ዘተኣማምን ጸግዒ ወይ ጽኑዕ ዕርዲ ክዀነና ዝኽእል ካልእ ኣካል ፈጺሙ የለን።—ምሳሌ 18:10

4. ሰይጣን እቲ “ሃዳናይ” ከመይ ዝበለ ብልሓት ኢዩ ዝጥቀም: ብኸመይከ ኢና ኸነምልጥ እንኽእል፧

4 እቲ ጸሓፍ መዝሙር ኣስዕብ ኣቢሉ [የሆዋ] ካብ መጻወድያ ሃዳናይ: ካብ ዜጥፍእ [“መዓት ዘምጽእ:” NW] ፌራ ኼናግፈካ እዩ” በለ። (መዝሙር 91:3) ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ሃዳናይ መብዛሕትኡ ግዜ መፈንጠራ ወይ መጻወድያ ተጠቒሙ ኣዕዋፍ ይሕዝ ነበረ። ገለ ኻብቲ እቲ “ሃዳናይ” ዝዀነ ሰይጣን ዝጥቀመሉ መፈንጠራታት እታ እክይቲ ማሕበሩን ‘ፍሕሶታቱን’ ኢዩ። (ኤፌሶን 6:11) ናብ እከይ ንኽስሕበናን መንፈሳውነትና ንኸጥፍኣልናን ተባሂሉ ሕቡእ መፈንጠራታት ኣብ መገድና ተነቢሩ ኣሎ። (መዝሙር 142:3) ይኹን እምበር: ንረሲእነት ስለ ዝነጸግናዮ ‘ነፍስና ልክዕ ከምቲ ኻብ መፈንጠራ እተምልጥ ዑፍ ኢያ።’ (መዝሙር 124:7, 8) የሆዋ ኻብቲ እኩይ “ሃዳናይ” ስለ ዘድሕነናስ ኣየ ኽንደይ መማሰውቲ ዀን ኢና!—ማቴዎስ 6:13

5, 6. ከመይ ዝበለ “ፌራ” ኢዩ “መዓት” ዘምጽአ: ህዝቢ የሆዋ ግን ኢዶም ዘይህቡ ስለምንታይ ኢዮም፧

5 እቲ ጸሓፍ መዝሙር “መዓት ዘምጽእ ፌራ” ኢሉ ይጠቅስ። ልክዕ ከም ሕማም ተላገብ: ንሰብኣዊ ስድራቤትን ነቶም ንሉዓላውነት የሆዋ ዝድግፉን “መዓት” ዘምጽኣሎም ነገር ኣሎ። በዚ መዳይ እዚ ዝመጸ ጸሓፍ ታሪኽ ኣርኖልድ ቶይንቢ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ካልኣይ ውግእ ዓለም ካብ ዘብቅዕ ንነጀው: ብሰንኪ ሃገራውነት ቍጽሪ ናይተን ሉዓላውነተን ዘኽበራ ሃገራት ብዕጽፊ ወሲኹ ኣሎ። . . . እዚ ሕጂ ዘሎ ኣተሓሳስባ ወድሰብ በብግዜኡ ዝጐጃጅል እናዀነ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ።”

6 ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ብምሉኡ: ገለ ገለ ገዛእቲ ንጓህሪ ናይቲ ጐጃጃሊ ዝዀነ ኣህጕራዊ ግጭት ከንበድብድዎ ጸኒሖም ኢዮም። ንዕኦም ወይ ከኣ ንእተፈላለየ ምስልታት ወይ ኣርማታት ናይ ኣምልኾ ኽብሪ ንኽወሃብ እውን ሓቲቶም ኢዮም። ይኹን እምበር: የሆዋ ነቶም እሙናት ህዝቡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ “ፌራ” ኽወድቁ ፈጺሙ ኣየፍቅድን ኢዩ። (ዳንኤል 3:1, 2, 20-27፣ 6:7-10, 16-22) ከም ፈቃራት ኣህጕራውያን ኣሕዋት መጠን ንየሆዋ ምሉእ ተወፋይነትና ንህቦ: ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት ገለልትነትና ንሕሉ: “ኣብ ኵሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ: ኣብኡ ቕቡል” ምዃኑ ኸኣ ብዘይ ምፍልላይ ኣፍልጦ ንህብ ኢና። (ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35፣ ዘጸኣት 20:4-6፣ ዮሃንስ 13:34, 35፣ 17:16፣ 1 ጴጥሮስ 5:8, 9) ከም ክርስትያናት መጠን ብመልክዕ መስጐጕቲ ዝመጽእ “መዓት” ነሕልፍ እኳ እንተዀንና: “ኣብ ጸግዒ እቲ ልዑል” ብምህላውና ግን ሕጕሳት ኢና መንፈሳዊ ዕቝባ ኸኣ ኣሎና።

7. የሆዋ ‘ብግልግለኡ’ ዘዕቝበና ብኸመይ ኢዩ፧

7 ንየሆዋ ዕቝባና ስለ እንገብሮ ካብቲ “ብግልግሌኡ ኼጐልብበካ: ኣብ ትሕቲ ኣኽናፉ ኸኣ መጸግዒ ኽትረክብ ኢኻ: ሓቁ ዋልታን ጸግዕን እዩ” ዝብል ቃላት ምጽንናዕ ንረክብ ኢና። (መዝሙር 91:4) ከምቲ ሓንቲ ዑፍ ንጨጨውታ በኽናፋ ገይራ እተዕቝቦም ኣምላኽ የዕቝበና ኢዩ። (ኢሳይያስ 31:5) ‘ብግልግሌኡ ኸጐልብበና’ ኢዩ። ብሓፈሻ ክርአ ኸሎ ናይ ሓንቲ ዑፍ ‘ግልግለ’ ኣኽናፋ ኢዩ። ብኡኡ ገይራ ኸኣ ንጨጨውታ ካብ ሃደንቲ ተዕቝቦም። ንሕናውን ልክዕ ከምተን ዕቝባ ኣዲአን ዝደልያ ጨቓዊት ኣብታ ናይ ሓቂ ክርስትያናዊት ማሕበሩ ዕቝባ ረኺብና ስለ ዘሎና ብምሳልያዊ መገዲ ኣብ ትሕቲ ግልግለ የሆዋ ዕቝባ ንረክብ ኣሎና።—ሩት 2:12፣ መዝሙር 5:1, 11

8. ‘ሓቂ’ የሆዋ ኸም ዋልታን ከም ጸግዕን ዝኸውን ብኸመይ ኢዩ፧

8 ኣብ ‘ሓቂ’ ወይ ተኣማንነት ትውክልቲ ንገብር ኢና። እዚ ድማ ምስቲ ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝጥቀምሉ ዝነበሩ መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ርቡዕ ኵርናዕ ቅርጺ ንምሉእ ኣካላት ሰብ ክሽፍን ዝኽእል ዓቢ ዋልታ ዝመሳሰል ኢዩ። (መዝሙር 5:12) ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዕቝባ እምንቶ ምግባር ካብ ፍርሂ ናጻ ይገብረና። (ዘፍጥረት 15:1፣ መዝሙር 84:11) ሓቅነት ኣምላኽ ልክዕ ከም እምነትና ነቲ ካብ ሰይጣን ዝውርወር ርሱን መንትግ ዝከላኸልን ነቲ ኻብ ጸላኢ ዝመጽእ መጥቃዕቲ ዝምክትን ዓቢ ዋልታ ኢዩ። (ኤፌሶን 6:16) ልክዕ ከምቲ ብድሕሪኡ ዄንና ጸኒዕና ደው እንብለሉ ዕርዲ ድማ ጸግዒ ይዀነና ኢዩ።

‘ኣይክንፈርህን ኢና’

9. ለይቲ ዘፍርህ ክኸውን ዝኽእል ስለምንታይ ኢዩ: ንሕና ግን ዘይንፈርህ ስለምንታይ ኢና፧

9 እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብዛዕባ ዕቝባ ኣምላኽ ክዛረብ ከሎ “ካብ ስምባድ ለይቲ: ካብቲ ብመዓልቲ ዚውርወር ፍላጻ: ካብቲ ብጸልማት ዚኸይድ ፌራ: ብቐትሪ ዜባድም ሕማም ኣይክትፈርህን ኢኻ” በለ። (መዝሙር 91:5, 6) መብዛሕትኡ ሕማቕ ነገራት ዝፍጸም ብጕልባብ ጸልማት ስለ ዝዀነ ለይቲ ዘፍርህ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ጸላእትና ኣብቲ ሎሚ ንምድሪ ሸፊንዋ ዘሎ መንፈሳዊ ጸልማት ኰይኖም መንፈሳውነትና ንምጥፋእን ዕዮ ስብከትና ንምትዕንቓጽን መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ምትላል ተግባር ክፍጽሙ ኢዮም ዝርከቡ። ብወገንና ግን የሆዋ ስለ ዘዕቝበና ‘ካብ ስምባድ ለይቲ ኣይንፈርህን ኢና።’—መዝሙር 64:1, 2፣ 121:4፣ ኢሳይያስ 60:2

10. (ሀ) “ብመዓልቲ ዚውርወር ፍላጻ” ንምንታይ ኢዩ ከመልክት ዝኽእል: ብኸመይከ ኢና እንምክቶ፧ (ለ) እቲ “ብጸልማት ዚኸይድ ፌራ” እንታይ ኢዩ: ክንፈርሆ ዘይብልናኸ ስለምንታይ ኢና፧

10 እቲ “ብመዓልቲ ዚውርወር ፍላጻ” ብኣፍ ንዝዝረብ መጥቃዕቲ ኸመልክት ይኽእል ኢዩ። (መዝሙር 64:3-5፣ 94:20) ናይ ሓቂ ሓበሬታ ንምሃብ እናጸዓርና ብዝኸድና መጠን: እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ነቲ ቕዱስ ኣገልግሎትና ዝጻረር ግሁድ ተቓውሞ እናፈሸለ ኢዩ ዝኸይድ። “ካብቲ ብጸልማት ዚኸይድ ፌራ” እውን ኣይንፈርህን ኢና። እዚ ምሳልያዊ ፌራ እዚ ኣብታ ብሓይሊ ሰይጣን ተታሒዛ ዘላ ብስነ-ምግባራዊ ይኹን ብሃይማኖታዊ መገዲ ዝሓመመት ጸልማት ዓለም ኢዩ ዝራባሕ። (1 ዮሃንስ 5:19) ንሰባት ብዛዕባ የሆዋን ዕላማታቱን ፍቕራዊ ምድላዋቱን ዝመጸ ከም ዝጽልምቶም ብምግባር ናብ ሞት ክመርሕ ዝኽእል ናይ ኣእምሮን ልብን ኵነታት ኢዩ ዘፍሪ። (1 ጢሞቴዎስ 6:4) ኣብ ከባቢና ኸምዚ ዝኣመሰለ ጸልማት እኳ እንተሎ መንፈሳዊ ብርሃን ብብዝሒ ስለ እንረክብ ኣይንፈርህን ኢና።—መዝሙር 43:3

11. ነቶም “ብቐትሪ ዜባድም ሕማም” ዝሓዞም እንታይ ኢዩ ዘጋጥሞም፧

11 እቲ “ብቐትሪ ዜባድም ሕማም” እንተዀነ እውን ኣየፍርሃናን ኢዩ። “ቐትሪ” ነቲ ፍልጠት ዓለም ተባሂሉ ዝጽዋዕ ከመልክት ይኽእል ኢዩ። እቶም በቲ ናይዛ ዓለም እዚኣ ፍቕረ-ንዋይ እተታሕዙ ኸኣ መንፈሳዊ ጥፍኣት ኢዩ ዝወርዶም። (1 ጢሞቴዎስ 6:20, 21) ብትብዓት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ እናኣወጅና ብዝኸድና መጠን የሆዋ መዕቈቢና ስለ ዝዀነ ንዅሎም ጸላእትና ኣይንፈርሆምን ኢና።—መዝሙር 64:1፣ ምሳሌ 3:25, 26

12. ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ኣብ ጥቓ መን ኢዮም ‘ዝወድቁ’ ዘለዉ: በየናይ መገዲኸ፧

12 እቲ ጸሓፍ መዝሙር ቀጺሉ “ኣብ ጥቓኻ ሽሕ: ኣብ የማንካውን እልፊ ኺወድቁ እዮም: ኣባኻ ግና ኣይኪበጽሕን እዩ። በዒንትኻ ጥራይ ክትጥምቶ: ረሲኣን ዚረኽብዎ መስጣውን ክትርኢ ኢኻ” በለ። (መዝሙር 91:7, 8) ብዙሓት ሰባት ንየሆዋ መዕቈቢኦም ስለ ዘይገብርዎ ብመንፈሳዊ ሞት ‘ኣብ ጥቓና ይወድቁ ኢዮም።’ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ዛጊት ‘ኣብ የማን’ እዞም ሎሚ ዘለዉ መንፈሳውያን እስራኤል “እልፊ” ወዲቖም ኣለዉ። (ገላትያ 6:16) ይኹን እምበር: ካብቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ንኹን ካብቶም ህይወቶም ዝወፈዩ ብጾቶም ኣብ “ጸግዒ” ኣምላኽ ዕቝባ ረኺብና ኣሎና። እቶም ብንግድን ብሃይማኖትን ብኻልእ መገድታትን መከራ ዝዓጽዱ ዘለዉ ‘ረሲኣን ዝረኽብዎ መስጣ ንርእዮ’ ኣሎና።—ገላትያ 6:7

‘እከይ ዘበለ ኣይክረኽበናን ኢዩ’

13. ከመይ ዝበለ እከይ ኢዩ ዘይረኽበና: ስለምንታይከ፧

13 ናይዛ ዓለም እዚኣ ድሕንነት እናፈረሰ እኳ ይኸይድ እንተ ሃለወ: ንሕና ግን ኣብ ህይወትና ንኣምላኽ ስለ እነቐድም በቲ እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ጐይታይ: ንስኻ መዕቈብየይ ኢኻ: ኢልካ ኢኻ እሞ: ንልዑልሲ መጸግዒኻ ስለ ዝገበርካዮ: እከይ ዘበለ ኣይኪረኽበካን: ስቓይውን ኣብ ድንኳንካ ኣይኪቐርብን እዩ” ብምባል እተዛረቦ ቓላት ንተባባዕ ኢና። (መዝሙር 91:9, 10) እወ: የሆዋ መዕቈቢና ኢዩ። ነቲ ልዑል ኣምላኽ ከኣ ዕቝባ እንረኽበሉ ‘ጸግዒ’ ገይርናዮ ኢና። ንየሆዋ ከም ናይ ኣድማስ ሉዓላዊ መጠን ንውድሶ: ምንጪ ድሕንነትና ብምዃኑ ድማ ኣብኡ ‘ንጽጋዕ:’ ብስራት መንግስቱ ኸኣ ንእውጅ ኢና። (ማቴዎስ 24:14) ስለዚ ድማ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብዛ መዝሙር እዚኣ ተገሊጹ ዘሎ ዝዀነ ይኹን ‘እከይ ኣይክረኽበናን’ ኢዩ። ምንቅጥቃጥ ምድሪ: ህቦብላ ንፋስ: ምዕልቕላቕ ማይን ብሰንኪ ውግእ ዝመጽእ ዕንወትን ምስ ሰብና ኸጋጥመና ኸሎ እውን ከይተረፈ ንእምነትና ዀነ ንመንፈሳዊ ድሕንነትና ኣየጥፍኦን ኢዩ።

14. ከም ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጠን በቲ ቐታሊ ዝዀነ መዓት ዘይንትንከፍ ስለምንታይ ኢና፧

14 ቅቡኣት ክርስትያናት ካብዚ ኣገባብ እዚ ተፈልዮም ኣብ ድንኳን ዝነብሩ ተቐማጦ ኢዮም ኰይኖም ዘለዉ። (1 ጴጥሮስ 2:11) ‘ስቓይውን ኣብ ድንኳኖም ኣይክቐርብን ኢዩ።’ ተስፋና ሰማያዊ ይኹን ምድራዊ ብዘየገድስ: ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰናን፣ በቲ ኸም እኒ ዘይስነ-ምግባራውነት: ፍቕረ-ንዋይ: ናይ ሓሶት ሃይማኖት: ነቲ “ኣራዊት” ከምኡውን ነቲ ‘ምስሉ’ ሕቡራት ሃገራት ምምላኽ ዝኣመሰለ ብመንፈሳዊ መገዲ ቀታሊ ዝዀነ መዓታት ኣይክንትንከፍን ኢና።—ራእይ 9:20, 21፣ 13:1-18፣ ዮሃንስ 17:16

15. በየናይ መዳያት ኢና ናይ መላእኽቲ ሓገዝ እንረክብ ዘሎና፧

15 እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብዛዕባ እቲ እንረኽቦ ዕቝባ ኣስዕብ ኣቢሉ ክዛረብ ከሎ “ኣብ ኵሉ መገድኻ ኺሕልዉኻ: [የሆዋ] ንመላእኽቱ ኺእዝዘልካ እዩ እሞ: እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍሲ: ኣብ ልዕሊ ኣእዳዎም ኪጾሩኻ እዮም” በለ። (መዝሙር 91:11, 12) መላእኽቲ ንኸዕቍቡና ሓይሊ ተዋሂብዎም ኢዩ። (2 ነገስት 6:17፣ መዝሙር 34:7-9፣ 104:4፣ ማቴዎስ 26:53፣ ሉቃስ 1:19) ‘ኣብ ኵሉ መገድና’ ይሕልዉና ኢዮም። (ማቴዎስ 18:10) ከም ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ መጠን ናይ መላእኽቲ መሪሕነትን ሓለዋን ኣሎና: ብመንፈሳዊ መገዲ እውን ኣይንዕንቀፍን ኢና። (ራእይ 14:6, 7) ዕዮና ደው ንምባል ዝግበር ከም እገዳ ዝኣመሰለ ‘ኣእማን’ እውን እንተዀነ ዓንቂፉ ስምረት ኣምላኽ ከም እንስእን ኣይገብረናን ኢዩ።

16. ‘ብኣንበሳ’ ይኹን ‘ብተመን’ ዝመጸና መጥቃዕቲ ብኸመይ ኢዩ ዝፈላለ: ብኸመይከ ኢና እንምልሸሉ፧

16 እቲ ጸሓፍ መዝሙር ቀጺሉ “ኣብ ልዕሊ ኣንበሳን ተመንን ክትከይድ: ሽደን ኣንበሳን ገበልን ክትረግጽ ኢኻ” በለ። (መዝሙር 91:13) ልክዕ ከምቲ ኣንበሳ ቀጥታዊ መጥቃዕቲ ዝገብር ገለ ካብ ጸላእትና እውን ንዕዮና ደው ንምባል ቅሉዕ ሕግታት ብምውጻእ ብቐጥታ ይቃወሙና ኢዮም። ከምቲ ተመን ካብቲ እተሓብኣሉ ቦታ ኣድብዩ ዘጥቅዕ ብዘይተጸበናዮ መገዲ መጥቃዕቲ ዘውርዱልና ኣካላት እውን ኣለዉ። ሓድሓደ ግዜ ኻህናት ብድሕሪ መጋረጃ ዀይኖም ብሓገግቲ ኣካልን ብደያኑን ብኻልኦትን ገይሮም የጥቅዑና ኢዮም። ይኹን እምበር: ብሓገዝ የሆዋ ኣብ ኣብያተ-ፍርዲ ብምቕራብ ብሰላማዊ መገዲ መሰልና ኸም ዝኽበር ንገብር ኢና: በዚ ኸምዚ ኸኣ “ብናይ ወንጌል ምምጽራይን ምጽናዕን” ንጽዕር ኢና።—ፊልጲ 1:7፣ መዝሙር 94:14, 20-22

17. “ሽደን ኣንበሳ” ብኸመይ ኢና እንረግጽ፧

17 እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ሽደን ኣንበሳን ገበልን” ብዛዕባ ምርጋጽ ይዛረብ ኢዩ። ሽደን ኣንበሳ ዘፍርህ ክኸውን ከሎ: ገበል ከኣ ገዚፍ ዓሌት ለመምታ ኢዩ። (ኢሳይያስ 31:4) እዞም ብሽደን ኣንበሳ ተመሲሎም ዘለዉ ሰባት ወይ ማሕበራት ግሁድ መጥቃዕቲ ኽፍንዉ ኸለዉ ኣዝዮም ሕሱማት እኳ እንተዀኑ ንሕና ግን ንዕኦም ዘይኰነስ ንኣምላኽ ብምእዛዝ ብምሳልያዊ መገዲ ንረግጾም ኢና። (ግብሪ ሃዋርያት 5:29) ስለዚ “ሽደን ኣንበሳ” መንፈሳዊ ጕድኣት ኣየውርደልናን ኢዩ።

18. “ገበል” ንመን ኢዩ ኸዘኻኽረና ዝኽእል: መጥቃዕቲ ኽፍንወልና ከሎኸ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘድሊ፧

18 እቲ ብዛዕባ “ገበል” እተዋህበ ሓሳብ ነቲ “ድያብሎስን ሰይጣንን ዚብሀል ዓብዪ ገበል: እቲ ናይ ጥንቲ ተመን” ከዘኻኽረና ይኽእል ኢዩ። (ራእይ 12:7-9፣ ዘፍጥረት 3:15) ንሱ ልክዕ ከምቲ ንግዳያቱ ጨፍሊቑ ዝውሕጥ ዘፍርህ ለመምታ ኢዩ። (ኤርምያስ 51:34) ሰይጣን ክጥምጠመናን በዚ ናይዛ ዓለም እዚኣ ጸቕጥታት ክጭፍልቐናን ክውሕጠናን ኣብ ዝፍተነሉ እዋን ከኣ ኣምሊጥና ነዚ “ገበል” እዚ ንረግጾ። (1 ጴጥሮስ 5:8) እቶም ቅቡኣት ተረፍ ኣብ ፍጻሜ ናይ ሮሜ 16:20 ኽካፈሉ እንተድኣ ዀይኖም ከምዚ ኽገብሩ ኣለዎም።

የሆዋ—እቲ ምንጪ ምድሓንና

19. ኣብ የሆዋ እንዕቈብ ስለምንታይ ኢና፧

19 እቲ ጸሓፍ መዝሙር: ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዘለዎ ሰብ “ኣጥቢቑ ስለ ዘፍቀረኒ: ከናግፎ: ንስመይ ስለ ዝፈለጦ: ከልዕሎ እየ” ኢሉ ኸም እተዛረበ ገይሩ ኣቕሪብዎ ኣሎ። (መዝሙር 91:14) እቲ ኣብዚ “ከልዕሎ እየ” ተባሂሉ ዘሎ ቓላት ኣብቲ ኽብጻሕ ዘይከኣል ስፍራ ሓፍ ክብል ማለት ኢዩ። ንየሆዋ ስለ ‘እነፍቅሮ’ ከም ኣምለኽቱ መጠን ኣብ ትሕቲኡ ንዕቈብ ኢና። (ማርቆስ 12:29, 30፣ 1 ዮሃንስ 4:19) ኣምላኽ ድማ ካብ ጸላእትና ‘የናግፈና።’ ካብ ምድሪ ፈጺምና ኣይክንጠፍእን ኢና። ስም ኣምላኽ ስለ እንፈልጦን ብእምነት ድማ ስለ እንጽውዖን ክንድሕን ኢና። (ሮሜ 10:11-13) ‘ንዘለኣለም ብስም የሆዋ ንምምልላስ’ ድማ ቈራጽነት ገይርና ኢና።—ሚክያስ 4:5 NW፣ ኢሳይያስ 43:10-12

20. መበል 91 መዝሙር ክትድምደም ከላ የሆዋ ነቲ እሙን ኣገልጋሊኡ እንታይ ኢሉ ኢዩ ተማባጺዑሉ፧

20 ኣብ መደምደምታ መበል 91 መዝሙር የሆዋ ብዛዕባ እቲ እሙን ኣገልጋሊኡ ኸምዚ ይብል:- “ኪጽውዓኒ ኣነውን ክመልሰሉ: ብጸበባ ምስኡ ክኸውን: ከናግፎን ከኽብሮን እየ። ነዊሕ ዕድመ ኸጽግቦ: ምድሓነይውን ከርእዮ እየ።” (መዝሙር 91:15, 16) ንኣምላኽ ከም ፍቓዱ ገይርና ብጸሎት ቀሪብና ምስ እንጽውዖ ይምልሰልና ኢዩ። (1 ዮሃንስ 5:13-15) ዛጊት ብምኽንያት እቲ ሰይጣን ዘጐሃሃሮ ጽልኢ ዝመጸ ጸበባ ኣሕሊፍና ኢና። ይኹን እምበር: እተን “ብጸበባ ምስኡ ክኸውን . . . እየ” ዝብላ ቓላት ነቲ ኣብ ዝመጽእ ዘጋጥመና ፈተናታት የዳልዋና: እዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ኽጠፍእ ከሎ ኣምላኽ ከም ዘድሕነና ድማ የረጋግጻልና።

21. እቶም ቅቡኣት ዛጊት ከቢሮም ዘለዉ ብኸመይ ኢዮም፧

21 ሽሕኳ ሰይጣን ብርቱዕ ምጽራር እንተ ኣውረደ ኣብ ማእከልና ዘለዉ ቕቡኣት ኣብ ምድሪ “ነዊሕ ዕድመ” ድሕሪ ምጽንሖም ብምሉኦም ኣብቲ የሆዋ ዝመደቦ ግዜ ኣብ ሰማይ ክኸብሩ ኢዮም። ይኹን እምበር: ሕጂ እውን እንተዀነ ኣምላኽ ነቶም ቅቡኣት ስለ ዘናገፎም ዛጊት መንፈሳዊ ኽብሪ ረኺቦም ኣለዉ። ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ኣብ ምድሪ ኸም መሰኻኽር የሆዋ መጠን ብመሪሕነት ከገልግሉሲ ኸመይ ዝበለ ኽብሪ ዀን ኢዩ! (ኢሳይያስ 43:10-12) የሆዋ ብዝዓበየ መገዲ ንህዝቡ ዘናግፈሉ ግዜ ኣብታ ሉዓላውነቱ ዘረጋግጸላን ነቲ ቕዱስ ስሙ ዝቕድሰላን ዓባይ መዓልቲ ውግእ ኣርማጌዶን ኢዩ።—መዝሙር 83:18 NW፣ ህዝቅኤል 38:23 NW፣ ራእይ 16:14, 16

22. ‘ምድሓን የሆዋ ዝርእዩ’ መን ኢዮም፧

22 ቅቡኣት ክርስትያናት ንኹን ህይወቶም ዝወፈዩ ብጾቶም ብዘየገድስ ኵላትና ኻብ ኣምላኽ ኢና ምድሓን እንጽበ። እቶም ንየሆዋ ብተኣማንነት ዘገልግልዎ ዘለዉ ካብታ “ዓባይን መፍርሂትን መዓልቲ እግዚኣብሄር” ኽድሕኑ ኢዮም። (ዮኤል 2:30-32) ነቶም ኣብታ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ዝሰግሩ “ዓቢ ጭፍራ” እነቕውምን ኣብ እዋን እታ ናይ መወዳእታ ፈተና እሙናት ኴንና እንቕጽልን ዘበልና ዅላትና: ኣምላኽ “ነዊሕ ዕድመ” ማለት መወዳእታ ዘይብሉ ህይወት ‘ከጽግበና ኢዩ።’ ንብዙሓት ከኣ ኸተንስእ ኢዩ። (ራእይ 7:9 NW፣ 20:7-15) የሆዋ ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ‘ድሕነት ከም እንርኢ’ ብምግባር ዓቢ ሓጐስ ክሕጐስ ኢዩ። (መዝሙር 3:8) ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዓበይቲ ተስፋታት እናተጸበና ኣምላኽ ንኽብሩ ኢሉ መዓልትታትና ኣብ ምቝጻር ንኽሕግዘና ወትሩ ናብኡ ንጠምት። ብቓላትናን ተግባራትናን የሆዋ ዕቝባና ምዃኑ ነርኢ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ጸሓፍቲ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ንመበል 91 መዝሙር ብዛዕባ መሲሕ እትዛረብ ትንቢት ገይሮም ኣይኰኑን ዘቕርብዋ። የሆዋ ልክዕ ከምቲ ኣብዚ “ዘመን መወዳእታ” ነቶም ቅቡኣት ሰዓብቲ የሱስን ነቶም ህይወቶም ዝወፈዩ ብጾቶምን ብጕጅለ ደረጃ ዕቝባን ዕርድን ኰይንዎም ዘሎ: ነቲ ሰብ ኰይኑ ዝነበረ የሱስ ክርስቶስ እውን ዕቝባን ዕርድን ኰይንዎ ከም ዝነበረ ፍሉጥ ኢዩ።—ዳንኤል 12:4

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• “ጸግዒ እቲ ልዑል” እንታይ ኢዩ፧

• ስለምንታይ ኢና ዘይንፈርህ፧

• ‘እከይ ዘበለ ዘይረኽበና’ ብኸመይ ኢዩ፧

• የሆዋ ምንጪ ምድሓንና ኢዩ ኽንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ሓቅነት የሆዋ ብኸመይ ዓቢ ዋልታ ከም ዝዀነና ትፈልጥዶ፧

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ኣገልገልቲ የሆዋ ዘይተጸበይዎ መጥቃዕትን ምጽራርን ዝወርዶም እኳ እንተዀነ: የሆዋ ግን ኣገልግሎቶም ክፍጽሙ ይሕግዞም ኢዩ

[ምንጪ ስእሊ]

Cobra: A. N. Jagannatha Rao, Trustee, Madras Snake Park Trust