ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሱስ መድሓኒ ኢዩ—ብኸመይ፧

የሱስ መድሓኒ ኢዩ—ብኸመይ፧

የሱስ መድሓኒ ኢዩ—ብኸመይ፧

“የሱስ መድሓኒ ኢዩ!” “የሱስ መድሓኒና ኢዩ!” ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከባ ብዙሓት ሃገራት ከምዚ ዝኣመሰለ ቓላት ኣብ ህንጻታትን ህዝባዊ ቦታታትን ተጻሒፉ ይርአ ኢዩ። ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት የሱስ መድሓኒኦም ምዃኑ ኻብ ልቦም ይኣምንሉ ኢዮም። “ከመይ ገይሩ ኢዩ የሱስ ዘድሕነና፧” ኢልካ ምስ እትሓቶም ምናልባት “ኣብ ክንዳና ብሙማቱ” ወይ “ምእንቲ ሓጢኣትና ኽብል ስለ ዝሞተ” ኢሎም ምመለሱልካ። እወ: ሞት የሱስ ንኽንድሕን መገዲ ኸፊቱልና ኢዩ። ሞት ናይ ሓደ ሰብኣይ ግን ንሓጢኣት ብዙሓት ብኸመይ ኢዩ ክኸፍሎ ዝኽእል፧ “ሞት የሱስ ብኸመይ ኢዩ ኸድሕነና ዝኽእል፧” ተባሂልካ እንተ ትሕተት እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

 መጽሓፍ ቅዱስ ነዛ ሕቶ እዚኣ ዝህቦ መልሲ ኣዝዩ ቐሊል: ግናኸ ንጹርን ዓቢ ኣገዳስነት ዘለዎን ኢዩ። ኣገዳስነቱ ንምግንዛብ ግን መጀመርታ ህይወት የሱስን ሞቱን ንሓደ ኣዝዩ ኸቢድ ጸገም ዝኸውን መፍትሒ ገይርና ኽንርእዮ ኣሎና። ድሕርዚ ጥራይ ኢና ነቲ ኣዝዩ ዓቢ ዋጋ ዘለዎ ሞት የሱስ ብግቡእ ክንርድኦ እንኽእል።

የሱስ ህይወቱ በጅነት ንኽህብ ኣምላኽ ዝፈቐደ: ነቲ ኣዳም ምስ ሓጥአ እተፈጥረ ዅነታት ንምዕራይ ኢዩ። እቲ እተፈጸመ ሓጢኣት ክሳዕ ክንደይ ዘሕዝን ኰን ኢዩ ነይሩ! እቲ ቐዳማይ ሰብኣይን ሰበይቱ ሄዋንን ፍጹማት ኢዮም ነይሮም። ኣብታ ጽብቕቲ ገነት ኤደን ኢዮም ዝነብሩ ነይሮም። ኣምላኽ ነታ ዝነብሩላ ዝነበሩ ገነት ናይ ምክንኻን ትርጕም ዘለዎ ስራሕ ሃቦም። ንኻልኦት ህያዋን ፍጥረታት ምድሪ ብፍቕሪ ኽገዝኡ ነበሮም። ሰባት እናበዝሑን ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ዘርኦም ንምድሪ እናመልኡዋን ምስ ከዱ: ነታ ገነት ናብ ምልእቲ ምድሪ ኸስፍሕዋ ነበሮም። (ዘፍጥረት 1:28) ኣየ ኸመይ ዝበለ ባህ ዘብልን ዘደንቕን ስራሕ ኰን ኢዩ ተዋሂብዎም ዝነበረ! ኣብ ርእሲ እዚውን: ኣብ ነሓድሕዶም ፍቕሪ ነበሮም። (ዘፍጥረት 2:18) ዝጐደሎም ኣይነበሮምን። ዘሐጕስ ዘለኣለማዊ ህይወት ኣብ ቅድሚኦም ተነቢርሎም ነበረ።

ኣዳምን ሄዋንን ዝሓጥእሉ ምኽንያት ምርድኡ ኢዩ ዘጸግመካ። እንተዀነ ግን: እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ካብ ፈጣሪኦም የሆዋ ኣምላኽ ዓለዉ። እቲ መንፈሳዊ ፍጡር ሰይጣን ድያብሎስ ብተመን ገይሩ ሄዋን ትእዛዝ የሆዋ ንኸተፍርስ ሓባበላ: ኣዳም ድማ ሰዓባ።—ዘፍጥረት 3:1-6

ፈጣሪ ንኣዳምን ሄዋንን እንታይ ስጕምቲ ኸም ዝወስደሎም ኣብ ሕቶ ዝኣቱ ጕዳይ ኣይነበረን። ነቲ ዘይምእዛዝ ዘምጽኦ ሳዕቤን ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ድሮ ኣነጺርሎም ነይሩ ኢዩ:- “ካብ ኵሉ ኦም ገነት ከም ዝደሌኻ ብላዕ: ካብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና: ካብኣ ምስ እትበልዕ መዓልትስ ሞት ክትመውት ኢኻ እሞ: ካብኣ ኣይትብላዕ።” (ዘፍጥረት 2:16, 17) ድሕሪ እቲ ሓጢኣት ድማ ካልእ ዝያዳ ኣገዳስነት ዘለዎ ሕቶ መልሲ ኽረክብ ነበሮ።

ደቅሰብ ዓቢ ሽግር የጋጥሞም

እቲ ናይ መጀመርታ ሓጢኣት ንደቅሰብ ኣዝዩ ኸቢድ ጸገም ኢዩ ፈጢርሎም። ኣዳም ክፍጠር ከሎ ፍጹም ኢዩ ነይሩ። ስለዚ: ደቁ ፍጹም ዘለኣለማዊ ህይወት ክረኽቡ ምኸኣሉ ነይሮም። ይኹን እምበር ኣዳም ውሉድ ቅድሚ ምውላዱ ኢዩ ሓጢኡ። ነዚ ዝስዕብ ፍርዱ ክቕበል ከሎ ዅሎም ዓሌታት ደቅሰብ ገና ኣብ ሕቝኡ ኢዮም ነይሮም:- “ናብታ እተፈጠርካላ ምድሪ ኽሳዕ እትምለስ: እንጌራ ብረሃጽ ገጽካ ኽትበልዕ ኢኻ። መሬት ኢኻ እሞ: ናብ መሬት ድማ ትምለስ።” (ዘፍጥረት 3:19) ስለዚ ኣዳም ምስ ሓጥአን ከምቲ ኣምላኽ ዝበሎ ናብ ሞት ኸምርሕ ምስ ጀመረን: ኵሎም ደቅሰብ ምስኡ ሞት ተፈርዶም።

ሃዋርያ ጳውሎስ ጸኒሑ “ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ [ኣዳም] ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝአተወ: ብሓጢኣትውን ሞት: ኵላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ: ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሐለፈ” ኢሉ ኽጽሕፍ ሓቁ ኢዩ። (ሮሜ 5:12) እወ: እቶም ፍጹማት ኰይኖምን ንዘለኣለም ናይ ምንባር ኣጋጣሚ ሒዞምን ክውለዱ ዝነበሮም ቈልዑ: ብሰንኪ እቲ ናይ መጀመርታ ሓጢኣት ሓመምትን ኣረግትን መወትን ኰይኖም ተወልዱ።

ገሊኣቶም “እዚ ፍትሓዊ ኣይኰነን። ኣዳም ድኣ እምበር ንሕና ንኣምላኽ ምእዛዝ ኣይኣበናን። ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋናን ሓጐስናን ንምንታይ ንኽልከል፧” ይብሉ ይዀኑ። ቤት ፍርዲ ንሓደ ውሉድ ኣቦኡ ማኪና ስለ ዝሰረቐ ክእሰር እንተ ዝፈርዶ ነይሩ: እቲ ውሉድ “እዚ ፍትሓዊ ኣይኰነን! ዝበደልክዎ የብለይን” ክብል ከም ዝኽእል ንፈልጥ ኢና።—ዘዳግም 24:16

ሰይጣን ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ከም ዝሓጥኡ ብምግባር: ንኣምላኽ ኣብ ክዋጽኣሉ ዘይክእል ኣጸጋሚ ዅነታት ከም ዘእተዎ ገይሩ ኢዩ ደምዲሙ ዝኸውን። ድያብሎስ ኣብ ታሪኽ ደቅሰብ ውሉድ ከይተወልደ ኣቐዲሙ ኢዩ መጥቃዕቱ ፈንዩ። ኣብቲ ኣዳም ዝሓጥኣሉ እዋን እቲ ኣገዳሲ ሕቶ ‘የሆዋ ነቶም ኣዳምን ሄዋንን ዝወልድዎም ውሉዳት እንታይ ክገብሮም ኢዩ፧’ ዝብል ነበረ።

የሆዋ ኣምላኽ ፍትሓውን ርትዓውን ስጕምቲ ኢዩ ወሲዱ። እቲ ጻድቕ ዝነበረ ኤሊሁ “ረሲእነት ካብ ኣምላኽ ይርሐቕ: ክፍኣትውን ካብቲ ዅሉ ዚኽእል ይርሐቕ” በለ። (እዮብ 34:10) ነብዪ ሙሴ እውን ብዛዕባ የሆዋ “ኵሉ መገዱ ፍርዲ [“ፍትሒ:” NW] እዩ እሞ: እቲ ኸውሒ ግብሩ ፍጹም እዩ: ዓመጽ ዜብሉ ኣምላኽ እምነት እዩ: ንሱ ጻድቕን ቅኑዕን እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (ዘዳግም 32:4) እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ: ሓጢኣት ኣዳም ንዘምጽኦ ሽግር ንምፍታሕ እተጠቕመሉ መገዲ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ኣጋጣሚና ዘጥፍእ ኣይኰነን።

ኣምላኽ ፍጹም መፍትሒ ኣዳለወ

ኣምላኽ ንሰይጣን ድያብሎስ ክፈርዶ ኸሎ ብዝርዝር ዝገለጾ መፍትሒ እሞ ርአ። የሆዋ ንሰይጣን “ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን [ሰማያዊት ማሕበር ኣምላኽ]: ኣብ መንጎ ዘርእኻን [ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ሰይጣን ዘላ ዓለም] ኣብ መንጎ ዘርኣን [የሱስ ክርስቶስ] ከኣ ጽልኢ እተክል አሎኹ። ንሱ ርእስኻ [ርእሲ ሰይጣን] ኪጭፍልቕ እዩ: ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ኽትነክስ [ሞት የሱስ] ኢኻ” በሎ። (ዘፍጥረት 3:15) ኣብዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ናይ መጀመርታ ትንቢት: የሆዋ እቲ ኣብ ሰማይ ዝነብር ዝነበረ መንፈሳዊ ፍጡር ዝዀነ ወዱ: ናብ ምድሪ መጺኡ እቲ ፍጹም ሰብኣይ የሱስ ኰይኑ ኽነብርን ከይሓጥአ ኽመውትን—ሸዀኑኡ ኽንከስ—ዕላማ ኸም ዘለዎ ኣሚቱ ኢዩ።

ኣምላኽ ፍጹም ሰብ ክመውት ዝደለየ ስለምንታይ ኢዩ፧ ኣዳም እንተ ሓጢኡ የሆዋ ኣምላኽ ዝህቦ መቕጻዕቲ እንታይ ድዩ ነይሩ፧ ሞት ደይኰነን፧ (ዘፍጥረት 2:16, 17) ሃዋርያ ጳውሎስ “ዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (ሮሜ 6:23) ኣዳም ብሙማቱ ዓስቢ ሓጢኣቱ ኸፊሉ ኢዩ። ህይወት ተዋሂብዎ ነበረ: ሓጢኣት ክፍጽም መረጸ: ስለዚ ብሞት ተቐጽዐ። (ዘፍጥረት 3:19) ብሰንኪ እቲ ሓጢኣት እቲ: ኵሉ ዓሌት ሰብ ኣብ ትሕቲ ዅነኔ ብምእታዉ እንታይ ኢዩ ዝግበሮ፧ ሓጢኣቶም ንምትዕራቕ ሞት የድሊ ነበረ። ንሓጢኣት ኵሎም ደቅሰብ ሕጋዊ ብዝዀነ መገዲ ምሉእ ብምሉእ ክሽፍን ዝኽእል ግን ናይ መን ሞት ኢዩ፧

ኣምላኽ ንጥንታዎት እስራኤል ዝሃቦም ሕጊ “ነፍሲ ኣብ ክንዲ ነፍሲ [ወይ ህይወት ኣብ ክንዲ ህይወት]” ዝሓትት ነበረ። (ዘጸኣት 21:23) ብመሰረት እዚ ሕጋዊ ስርዓት እዚ: እቲ ንሓጢኣት ደቅሰብ ዝሽፍን ሞት ምስቲ ኣዳም ዘጥፍኦ ነገር ማዕረ ክኸውን ኣለዎ። ሞት ናይ ካልእ ፍጹም ሰብ ጥራይ ኢዩ ንዓስቢ ሓጢኣት ክኸፍል ዝኽእል። የሱስ ነዚ ዘማልእ ሰብኣይ ኢዩ ነይሩ። እወ: የሱስ ንዅሎም እቶም ካብ ኣዳም እተወልዱ: ነዚ ናይ ድሕነት ምድላው ድማ ኽጥቀምሉ ዝደልዩ ደቅሰብ ዝኸውን “ተመዓራራዪ በጅነት” ኢዩ።—1 ጢሞቴዎስ 2:6 NW፣ ሮሜ 5:16, 17

ሞት የሱስ ዓቢ ዋጋ ኣለዎ

ሞት ኣዳም ዋጋ የብሉን: ከመይሲ ስለ ዝሓጥአ ሞት ይግብኦ ኢዩ ነይሩ። የሱስ ግን ከይሓጥአ ስለ ዝሞተ: ሞቱ ዓቢ ዋጋ ኣለዎ። የሆዋ ኣምላኽ ንሞት እቲ ፍጹም ህይወት የሱስ: በጃ ናይቶም እዙዛት ዘርኢ እቲ ሓጥእ ኣዳም ገይሩ ኽቕበሎ ይኽእል ኢዩ። መስዋእቲ የሱስ ድማ ንዝሓለፈ ሓጢኣትና ጥራይ ኣይኰነን ዝኸፍል። ከምኡ ጥራይ ነይሩ እንተ ዝኸውን መጻኢ ተስፋ ኣይምሃለወናን። ብሓጢኣት ስለ እተጠነስና እንደገና ምሕጣእና ዘይተርፍ ኢዩ። (መዝሙር 51:5) ሞት የሱስ ነቲ የሆዋ መጀመርታ ንዘርኢ ኣዳምን ሄዋንን ሓሲብዎ ዝነበረ ፍጽምና ንኽንበጽሖ ዘኽእለና ምዃኑስ ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኢና ኸነማስወሉ እንኽእል!

ኣዳም ምስ ሓደ ኽመውት ከሎ ኣብ ክንከፍሎ ዘይንኽእል ከቢድ ዕዳ (ሓጢኣት) ዝገደፈና ኣቦ ኸነመሳስሎ ንኽእል ኢና። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን የሱስ ክመውት ከሎ ኻብቲ ማእለያ ዘይብሉ ኣዳም ዘሰከመና ዕዳ ሓራ ኣውጺኡና ጥራይ ዘይኰነስ: ንዘለኣለም ንኽንነብር እውን ምድላው ገይሩልና ኢዩ። ሞት የሱስ ነቲ ዝሓለፈ ሓጢኣትና ዝድምስስ ጥራይ ዘይኰነስ ንመጻኢና እውን እተገብረ ዘደንቕ ምድላው ኢዩ።

የሱስ ከድሕነና ዝኽእል ምእንታና ስለ ዝሞተ ኢዩ። ሞቱ ኽሳዕ ክንደይ ዓቢ ዋጋ ዘለዎ ምድላው ኰን ኢዩ! እዚ ምድላው እዚ ኣምላኽ ነቲ ሓጢኣት ኣዳም ዘምጽኦ እተሓላለኸ ጸገማት ዘዳለዎ መፍትሒ ምዃኑ ምስ እነስተውዕል: ኣብ የሆዋን ተግባራቱን ዘሎና እምነት ይድልድል። እወ: ሞት የሱስ ካብ ሓጢኣትን ሕማምን እርጋንን ሞትን ሓራ ኸም ዘውጽእ “ዝኣመነ ዅሉ” ዝድሕነሉ መገዲ ኢዩ። (ዮሃንስ 3:16) ኣምላኽ ንድሕነትና ኢሉ ነዚ ፍቕራዊ ምድላው እዚ ብምግባሩስ ተማስወሉ ዲኻ፧

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ኣዳም ኣብ ደቅሰብ ሓጢኣትን ሞትን ኣምጽአ

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ፍጹም መፍትሒ ኣዳለወ