ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

 እቲ ኣብ ኤርምያስ 7:⁠16 ዝርከብ ኣምላኽ ዝሃቦ መምርሒ: ክርስትያናት ካብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ንእተወገደ ሓደ ዘይተናስሐ ሓጢኣተኛ ኽጽልዩሉ የብሎምን ማለት ድዩ፧

የሆዋ ነቶም ዘይእሙናት ኣይሁድ ናይ ጥፍኣት ፍርዲ ምስ በየነሎም ንኤርምያስ ከምዚ በሎ:- “እምበኣርሲ: ኣይክሰምዓካን እየ እሞ: ምእንቲ እዚ ህዝቢ እዚ ኣይትለምን: ኣይትማህለል: ኣይትጸሊ: ላሕውን ኣይተብለኒ።”​—⁠ኤርምያስ 7:16

የሆዋ ንኤርምያስ ኣብ ክንዲ እስራኤላውያን ከይጽሊ ዝኸልከሎ ስለምንታይ ኢዩ፧ ንሕጉ ብቕሉዕ ይጥሕሱ ስለ ዝነበሩ ኢዩ። ቅጭጭ ከይበሎም ብጋህዲ ‘ይሰርቁ: ይቐትሉ: ይዝምዉ: ብሓሶት ይምሕሉ: ንበዓል ይዓጥኑ: ንዘይፈልጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲውን ይስዕቡ’ ነበሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ የሆዋ ነቶም እምነት ዘይነበሮም ኣይሁድ “ከምቲ ንዅሎም ኣሕዋትኩም: ንዅሎም ዘርኢ ኤፍሬም: ዝደርቤኽዎም: ካብ ቅድመይ ክድርብየኩም እየ” በሎም። ኤርምያስ ወይ ዝዀነ ይኹን ካልእ ሰብ: ፍርዱ ንኽቕይር ንየሆዋ ክልምኖ ኣይክእልን ኢዩ።​—⁠ኤርምያስ 7:⁠9, 15

ሃዋርያ ዮሃንስ ምስዚ ብምስምማዕ ብዛዕባ እቲ ናብ ኣምላኽ ዝቐርብ ግቡእ ጸሎት ጽሒፉ ኣሎ። ብመጀመርታ ንክርስትያናት “ከምቲ ፍቓዱ ጌርና ሓደ ነገር እንተ ለመንናዮ: ይሰምዓና እዩ” ብምባል ኣረጋጊጹሎም ኢዩ። (1 ዮሃንስ 5:14) ቀጺሉ ኣብ ክንዲ ካልኦት ብዛዕባ ምጽላይ ከምዚ በለ:- “ሓደ: ንሓዉ ናብ ሞት ዘየብጽሕ ሓጢኣት ኪገብር እንተ ረአዮ: ይለምን ኣምላኽውን ነቶም ናብ ሞት ዘየብጽሕ ሓጢኣት ዝገበሩስ ህይወት ክህቦም እዩ። ናብ ሞት ዜብጽሕ ሓጢኣት አሎ: ብዛዕባዚ ኣይኰንኩን ይለምን ዝብል ዘሎኹ።” (1 ዮሃንስ 5:16) የሱስ እውን ብዛዕባ እቲ ‘ሕድገት ዘይግበረሉ’ ሓጢኣት ማለት ኣንጻር መንፈስ ቅዱስ ዝፍጸም ሓጢኣት ተዛሪቡ ኣሎ።​—⁠ማቴዎስ 12:⁠31, 32

እዚ ኽበሃል ከሎ ግን እቶም ሓጢኣት ፈጺሞም ብዘይ​ምንሳሖም ካብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ እተወገዱ ዅሎም “ናብ ሞት ዜብጽሕ” ሓጢኣት ኢዮም ገይሮም እሞ ብዛዕብኦም ክንጽሊ የብልናን ማለት ድዩ፧ ግድን ከምኡ ማለት ኣይኰነን: ከመይሲ ናብ ሞት ዘብጽሕ ሓጢኣት ዝገበሩ ዅሎም ከይኰኑ ይኽእሉ ኢዮም። አረ ናብ ሞት ዘብጽሕ ሓጢኣት ድዩ ኣይኰነን እውን ንኽትፈልጥ ኣጸጋሚ ኢዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ ኣብነት ዝኸውን ናይ ይሁዳ ንጉስ ምናሴ ኢዩ። ንናይ ሓሶት ኣማልኽቲ መሰውኢ ሃኒጹ: ደቁ ንመስዋእቲ ኣሕሊፉ ሂቡ: ኣብ ሓተታ መናፍስቲ ተኻፊሉ: ኣብ ቤት መቕደስ የሆዋ ኸኣ ጽሩብ ምስሊ ኣንቢሩ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ እኳ ድኣ ምናሴን እቶም ህዝብን “ካብ ናይቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዘጥፍኦም ህዝብታት ዝኸፍኤ” ገበሩ ኢዩ ዝብለና። በዚ ዅሉ ድማ የሆዋ ንምናሴ ከም ዝማረኽን ብመቝሕ ተኣሲሩ ናብ ባቢሎን ከም ዝኸይድን ብምግባር ቀጺዕዎ ኢዩ።​—⁠2 ነገስት 21:1-9፣ 2 ዜና መዋእል 33:1-11

ይኹን እምበር: ምናሴ ክንድዚ ዝኣክል ከቢድ ሓጢኣት እኳ እንተገበረ ናብ ሞት ዘብጽሕ ሓጢኣት ገይሩ ድዩ፧ እቲ ጸብጻብ ብዛዕብኡ ከምዚ ብምባል ስለ ዝገልጸልና ናብ ሞት ዘብጽሕ ሓጢኣት ከም ዘይገበረ ግሁድ ኢዩ:- “ዓቕሉ ምስ ጸበቦ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ጸለየ: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣቦታቱውን ኣዝዩ ርእሱ ኣትሐተ። ናብኡ ኸአ ተማህለለ: ንሱ ድማ ራሕረሓሉ: ጸሎቱ ኸኣ ሰምዖ: ናብታ መንግስቱውን ናብ የሩሳሌም መለሶ። ሽዑ ምናሴ: እግዚኣብሄር ንሱ ኣምላኽ ከም ዝዀነ: ፈለጠ።”​—⁠2 ዜና መዋእል 33:12, 13

ስለዚ እምበኣር: ሓደ ሰብ ካብታ ጉባኤ ስለ እተወገደ ጥራይ ሃንደራእ ኢልና ናብ ሞት ዘብጽሕ ሓጢኣት ገይሩ ኢዩ ናብ ዝብል መደምደምታ ኽንበጽሕ ኣይግብኣናን ኢዩ። ናይ ሓቂ ዅነታት ልቡ ንኽቕላዕ ግዜ ይሓትት ይኸውን። አረ ሓደ ኻብቲ ናይ ውገዳ ዕላማሲ እቲ ሓጢኣተኛ ናብ ልቡ ተመሊሱ ንኽናሳሕን ንኽምለስን ኢዩ።

እቲ ሰብ ኣብታ ጉባኤ ስለ ዘየሎ: ኣብ ኵነታት ልቡን ኣመለኻኽትኡን ዝርአ ዝዀነ ይኹን ለውጢ ብመጀመርታ ደረጃ ኸስተብህልሉ ዝኽእሉ እቶም ዝቐርብዎ ማለት ናይ መርዓ ብጻይ ወይ ኣባላት ስድራ​ቤት ኢዮም። እቶም ነዚ ለውጢ እዚ ዘስተብህሉ ሰባት እቲ በደለኛ ናብ ሞት ዘብጽሕ ሓጢኣት ከም ዘይፈጸመ ክድምድሙ ይኽእሉ ኢዮም። ካብቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ ሓይሊ ንኽረክብን የሆዋ ምስ ፍቓዱ ተሰማሚዑ ነቲ ሓጢኣተኛ ዘድሊ ነገር ንኽገብረሉን ክጽልይሉ ይድረኹ ይዀኑ።​—⁠መዝሙር 44:⁠21፣ መክብብ 12:⁠14

ገለ ሰባት ነቲ እቲ ሓጢኣተኛ ኸም እተናስሐ ዝሕብር እኹል መርትዖ ኸስተብህልሉ ኣብ ዝኽእልሉ ዅነታት ምህላዎም: እታ ጉባኤ ብሓፈሻ ኸተስብህለሉ ትኽእል ኢያ ማለት ኣይኰነን። ኣባላት እታ ጉባኤ ሓደ ሰብ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ብዛዕባ እቲ በደለኛ ኽጽሊ ምስ ዝሰምዕዎ ኽግረሙን ክርበሹን አረ ኽዕንቀፉውን ይኽእሉ ኢዮም። በዚ ምኽንያት እዚ እምበኣር: እቶም ነቲ ሓጢኣተኛ ኽጽልይሉ ዘለዎም ኰይኑ ዝስምዖም ሰባት ነቲ ቐጺሉ ዝስዕብ ነቶም ናይ ጉባኤ ሽማግለታት ብምሕዳግ: ብብሕቶም ጥራይ ኢዮም ክጽልይሉ ዘለዎም።

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Reproduced from Illustrierte Pracht - Bibel/Heilige Schrift des Alten und Neuen Testaments, nach der deutschen Uebersetzung D. Martin Luther’s

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ምናሴ ርእሱ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ምስ ኣትሓተ እቲ ዝፈጸሞ ዓቢ ሓጢኣት ተሓድገሉ