ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንየሆዋ ፍርሃዮ ትእዛዛቱ እውን ሓልዎ

ንየሆዋ ፍርሃዮ ትእዛዛቱ እውን ሓልዎ

ንየሆዋ ፍርሃዮ ትእዛዛቱ እውን ሓልዎ

“መፈጸምታ ዅሉ እቲ ነገር ንስማዕ: እዚ ናይ ሰብ ኵለንትና እዩ እሞ: ንኣምላኽ ፍርሃዮ: ንትእዛዛቱውን ሐልዎ።”መክብብ 12:13

1, 2. (ሀ) ፍርሃት ብስጋዊ መገዲ ኸዕቝበና ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) መስተውዓልቲ ወለዲ ኣብ ደቆም ጥዑይ ፍርሃት ኽሰርጹ ዝጽዕሩ ስለምንታይ ኢዮም፧

 ሊዮናርዶ ዳ ቪንቺ “ድፍረት ንህይወት ኣብ ሓደጋ ዘውድቓ ክኸውን ከሎ ፍርሂ ግን የዕቝባ ኢዩ” በለ። ሓደ ሰብ ኣጉል ትብዓት ወይ ዓሻ ድፍረት ምስ ዝህልዎ ንሓደጋ ኣየስተብህለሉን ኢዩ: ፍርሃት ምስ ዝህልዎ ግን ንኽጥንቀቕ የዘኻኽሮ። ንኣብነት: ኣብ ደንደስ ጸድፊ ምስ እንህሉ እሞ ኣንከራሪና ኽንወድቕ ከም እንኽእል ምስ እንግንዘብ: መብዛሕትና ብባህርያዊ ፍርሂ ንድሕሪት ኢና እነንሳሕብ። ብተመሳሳሊ መገዲ: ኣብታ ቐዳመይቲ ዓንቀጽ ከም እተማሃርናዮ ጥዑይ ፍርሃት ምስ ኣምላኽ ጥዑይ ርክብ ከም ዝህልወና ይገብር ጥራይ ዘይኰነስ ጕድኣት ንኸይበጽሓና እውን የዕቝበና ኢዩ።

2 ይኹን እምበር: ንመብዛሕትኡ ሎሚ ዘሎ ሓደገኛ ዅነታት ንኽንጥንቀቐሉ ኽንማሃሮ ኢዩ ዘሎና። ቈልዑ: ንኤለክትሪክ ወይ ንተሽከርከርቲ ስለ ዘይጥንቀቕሉ ብቐሊሉ ከቢድ ሓደጋ ኸጋጥሞም ይኽእል ኢዩ። a መስተውዓልቲ ወለዲ: ብዛዕባ እቲ ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ሓደጋ ደጋጊሞም ብምጥንቃቕ ኣብ ደቆም ጥዑይ ፍርሃት ክሰርጹ ኢዮም ዝጽዕሩ። ወለዲ እዚ ዓይነት ፍርሂ እዚ ንህይወት ደቆም ከድሕን ከም ዝኽእል ይፈልጡ ኢዮም።

3. የሆዋ ብዛዕባ መንፈሳዊ ሓደጋ ዘጠንቅቐና ስለምንታይን ብኸመይን ኢዩ፧

3 የሆዋ እውን ብዛዕባ ድሕንነትና ከምኡ ዝኣመሰለ ሓልዮት ኢዩ ዘለዎ። ኸም ሓደ ፈቃር ኣቦ መጠን ንኽንጥቀም ኢሉ ብቓሉን ብማሕበሩን ኣቢሉ ይምህረና ኢዩ። (ኢሳይያስ 48:⁠17) ገለ ኽፍሊ ናይዚ መደብ መለኮታዊ ትምህርቲ ብዛዕባ መንፈሳዊ ሓደጋታት ጥዑይ ፍርሂ ምእንቲ ኸነሕድር “ብጊሓት ብጊሓት” መጠንቐቕታ ምሃብ ዘጠቓለለ ኢዩ። (2 ዜና መዋእል 36:⁠15፣ 2 ጴጥሮስ 3:⁠1) ሰባት ‘ንኣምላኽ ክፈርሁን ትእዛዛቱ ኽሕልዉን ንሓዋሩ እዚ ልቢ እዚ እንተ ዝህልዎም’ ብዙሕ መንፈሳዊ ሓደጋታትን ስቓይን ምተኣልየ። (ዘዳግም 5:⁠29) ኣብዚ “ኽፉእ ዘመን” እዚ ንኣምላኽ ዝፈርህ ልቢ ኸነጥርን ካብ መንፈሳዊ ሓደጋ ኽንዕቈብን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧​—⁠2 ጢሞቴዎስ 3:⁠1

ካብ እከይ ርሓቕ

4. (ሀ) ክርስትያናት እንታይ ዓይነት ጽልኢ ኢዮም ከማዕብሉ ዘለዎም፧ (ለ) የሆዋ ብዛዕባ ርኹስ ጠባይ ከመይ ኢዩ ዝስምዖ፧ (እግረ⁠-​ጽሑፍ ርአ።)

4 መጽሓፍ ቅዱስ “ንእግዚኣብሄር ምፍራህ ንኽፍኣት ምጽላእ” ምዃኑ ይገልጸልና። (ምሳሌ 8:13) ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ-ቃላት ነዚ ዓይነት ጽልኢ እዚ ኽገልጾ ኸሎ “ኣንጻርካ ንዝዀኑ: እትጽየፎም: እትንዕቖም: ከምኡውን ክትረኽቦም ወይ ክትቀርቦም ዘይትደሊ ሰባት ወይ ነገራት እተንጸባርቖ ስምዒታዊ ኣመለኻኽታ ኢዩ” ይብል። ስለዚ እምበኣር: ፍርሃት ኣምላኽ ንዅሉ እቲ ኣብ ኣዒንቲ የሆዋ ክፉእ ዘበለ ነገራት ብውሽጥኻ ምጽልኡ ወይ ምፍንፋኑ እውን ዘጠቓልል ኢዩ። b (መዝሙር 97:10) ልክዕ ከምቲ ኣብ ደንደስ ጸድፊ ኸም ዘሎና ምስ ፈለጥና ባህርያዊ ፍርሂ ሒዙና እንርሕቕ ፍርሃት ኣምላኽ እውን ካብ ክፉእ ንኽንርሕቕ ይድርኸና ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ሰብ . . . ብፍርሃት እግዚኣብሄር ካብ እከይ ይርሕቕ” ይብለና።​—⁠ምሳሌ 16:6

5. (ሀ) ነቲ ዘሎና ንኣምላኽ ናይ ምፍራህን ንኽፍኣት ዘበለ ናይ ምጽላእን ባህሪ ብኸመይ ኢና ኸነደልድሎ እንኽእል፧ (ለ) ታሪኽ ህዝቢ እስራኤል በዚ መዳይ እዚ ብኸመይ ኢዩ ትምህርቲ ዝዀነና፧

5 ነቲ ሓጢኣት ውዒሉ ሓዲሩ ዘምጽኦ ጐዳኢ ሳዕቤናት ኣብ ግምት ብምእታው ነዚ ጥዑይ ፍርሃትን ንእከይ ዘበለ ናይ ምጽላእ ባህርን ከነደልድሎ ንኽእል ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ: ንስጋ ኢልና ንዝራእ ወይ ንመንፈስ ብዘየገድስ ንዝዘራእናዮ ከም እንዓጽድ የረጋግጸልና ኢዩ። (ገላትያ 6:⁠7, 8) በዚ ምኽንያት እዚ የሆዋ ንትእዛዛቱ ዕሽሽ ምባልን ንሓቀኛ ኣምልኾ ምጥንጣንን ዘምጽኦ ሳዕቤን ጽቡቕ ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ። መለኮታዊ ዕቝባ እንተ ዘይህልዎም እቶም ሒደትን መሃርሃሪ ዘይነበሮምን ህዝቢ እስራኤል ኣብ ኢድ እቶም ጨካናትን ሓያላትን ጐረባብቶም ምወደቑ ነይሮም። (ዘዳግም 28:⁠15, 45-48) ካብ ተመክሮኦም ተማሂርና ኣምላኻዊ ፍርሂ ምእንቲ ኸነማዕብል እቲ እስራኤላውያን ብሰንኪ ዘይምእዛዞም ዝወረዶም ሳዕቤን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “መለበሚ ኪኸውን” ብዝርዝር ተገሊጹ ኣሎ።​—⁠1 ቈረንቶስ 10:⁠11

6. ፍርሃት ኣምላኽ ከነማዕብል ከሎና ኽንምርምሮ እንኽእል ገለ ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣብነታት እንታይ ኢዩ፧ (እግረ⁠-​ጽሑፍ ርአ።)

6 መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ርእሲ እቲ ንህዝቢ እስራኤል ብሓፈሻ ዝበጽሖም ነገራት ብዛዕባ እቶም ብሰንኪ ቕንኢ: ዘይስነ⁠-​ምግባራውነት: ስስዐ ወይ ትዕቢት መገዶም ዝሰሓቱ ውልቀ⁠-​ሰባት ዝገልጽ ናይ ሓቂ ተመክሮ እውን ሒዙልና ኣሎ። c ገለ ካብዞም ሰባት እዚኣቶም ንየሆዋ ኣምላኽ ንዓመታት ዝኣክል ከገልግልዎ ጸኒሖም ኢዮም። ይኹን እምበር: ኣብ ህይወቶም ኣብ ዘጋጠሞም ወሳኒ ዅነታት እቲ ንኣምላኽ ዝነበሮም ፍርሃት ዓሚቝ ስለ ዘይነበረ መሪር ፍረ ዓጺዶም ኢዮም። ብዛዕባ ኸምዚ ዝኣመሰለ ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣብነታት ምስትንታን ነቲ ኸምኡ ዝኣመሰለ ጌጋታት ንኸይንፍጽም ዝገበርናዮ ቈራጽነት ከደልድለልና ይኽእል ኢዩ። ብብሕትና ሕማቕ ኵነታት ክሳዕ ዝወርደና ንምኽሪ ኣምላኽ ከየቕለብናሉ ኽንጸንሕሲ ክንደይ ዘሕዝን ኰን ኢዩ! ተመክሮ ዓቢ መምህር ኢዩ ዝበሃል ብሂል እኳ እንተሎ እቲ ርእስኻ ብምርዋይ እተሕልፎ ተመክሮ ግን ዓቢ መምህር ኣይኰነን።​—⁠መዝሙር 19:⁠7

7. የሆዋ ኣብቲ ምሳልያዊ ድንኳኑ ዝዕድሞ ንመን ኢዩ፧

7 ኣምላኻዊ ፍርሃት እነጥርየሉ ኻልእ ብቑዕ ምኽንያት ከኣ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ንምሕላው ዘሎና ባህጊ ኢዩ። ነቲ ምስኡ ዘሎና ርክብ ኣኽቢርና ስለ እንርእዮ ንየሆዋ ኸይነጕህዮ ዝብል ፍርሂ ኣሎና። ኣምላኽ ኣብቲ ምሳልያዊ ድንኳኑ ዝዕድሞ ዓርኩ ገይሩ ዝርእዮ ንመን ኢዩ፧ ነቲ “ብቕንዕና ዚመላለስን ጽድቂ ዚገብርን ብልቡ ሓቂ ዚዛረብን” ጥራይ ኢዩ። (መዝሙር 15:1, 2) ነዚ ምስ ፈጣሪና ዘሎና ክቡር ርክብ ዓቢ ግምት ምስ እንህቦ: ኣብ ቅድሚኡ ተጠንቂቕና ብቕንዕና ኽንመላለስ ኢና።

8. ኣብ ግዜ ሚልክያስ ዝነበሩ ገለ እስራኤላውያን ነቲ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮም ርክብ ኣቕሊሎም ዝረኣይዎ ብኸመይ ኢዮም፧

8 እቲ ዘሕዝን ግን ኣብ ግዜ ሚልክያስ ዝነበሩ ገለ እስራኤላውያን ነቲ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮም ርክብ ኣቕሊሎም ርእዮምዎ ኢዮም። ንየሆዋ ኣብ ክንዲ ዝፈርህዎን ዘኽብርዎን: ኣብ መሰውኢኡ ሕሙማትን ሓንካሳትን እንስሳታት የቕርቡ ነበሩ። ኣብቲ ብዛዕባ መርዓ ዝነበሮም ኣመለኻኽታ እውን ፍርሃት ኣምላኽ ከም ዘጥፍኡ ተንጸባሪቑ ኢዩ። ጐራዙት ምእንቲ ክምርዓዉ ነተን ኣንስቲ ንእስነቶም ብዘይ​ረብሕ ምኽንያት ይፈትሕወን ነበሩ። ሚልክያስ የሆዋ “ፍትሕ” ከም ዝጸልእ: እቲ ጠላም መንፈሶም ከኣ ካብ ኣምላኾም ከም ዘርሓቖም ነገሮም። እቲ መስዋእቲ ብምሳልያዊ መገዲ በቲ መሪር ንብዓት ናይተን ዝጠንጠንወን ኣንስቶም ጠልቅዩ ኽነሱ ኣምላኽ ንመስዋእትታቶም ከመይ ገይሩ ኢዩ ኽሰምሮ ዝኽእል፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ንመለክዒታቱ ዝነበሮም ቅሉዕ ንዕቀት: የሆዋ “ምፍርሄይ አበይ አሎ፧” ክሳዕ ምባል ኣብጺሕዎ ኢዩ።​—⁠ሚልክያስ 1:6-8፣ 2:13-16

9, 10. ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ኣኽቢርና ከም እንምልከቶ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

9 የሆዋ ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ ብሰንኪ እቶም ስሱዓትን ስነ⁠-​ምግባር ዘይብሎምን ሰብኡትን ኣቦታትን ወይ ከኣ ኣንስትን ኣዴታትን እውን ከይተረፈ እተገፍዑ ሓያሎ ንጹሃት ሰብ ሓዳርን ቈልዑን ንዘለዎም ጓሂ ይዕዘቦ ኢዩ። የጕህዮ ኸኣ ኢዩ። ሓደ ዓርኪ ኣምላኽ ንነገራት ከምቲ ኣምላኽ ዝርእዮ ገይሩ ኢዩ ዝምልከቶ: ሓዳሩ ንምድልዳል ይጽዕር: ንማእሰር መርዓ ዘናእስ ዓለማዊ ኣተሓሳስባ ይነጽግ: ካብ ‘ምንዝር ድማ ይሃድም።’​—⁠1 ቈረንቶስ 6:⁠18

10 ኣብ መርዓ ይኹን ኣብ ካልእ መዳያት ናብራ ህይወትና: ንዅሉ እቲ ኣብ ኣዒንቲ የሆዋ ሕማቕ ዘበለ ነገራት እነርእዮ ጽልኢ: ምስቲ ምስኡ ንዘሎና ዕርክነት ኣዕሚቝና ምምሳውና ተሓዊሱ ስምረት የሆዋ ኸውህበና ኢዩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ “ኣብ ኵሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ: ኣብኡ ቕቡል እዩ እምበር: ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ ኸም ዜልቦ: ብሓቂ ኣስተብሀልኩ” ብምባል ኣትሪሩ ገሊጹ ኣሎ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35) ፍርሃት ኣምላኽ ንውልቀ⁠-​ሰባት ኣብ ብዙሕ ፈታኒ ዅነታት ቅኑዕ ዘበለ ንኽገብሩ ብኸመይ ከም ዝደረኾም ብዙሕ ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣብነታት ኣሎና።

ንኣምላኽ ዝፈርሁ ሰለስተ ሰባት

11. ኣብርሃም ‘ንእግዚኣብሄር ዝፈርህ’ እተባህለሉ ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት ኢዩ፧

11 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ የሆዋ ባዕሉ ኸም ፈታዊኡ ገይሩ እተዛረበሉ ሓደ ሰብኣይ ኣሎ። እዚ ድማ እቲ ርእሲ ኣቦታት ዝዀነ ኣብርሃም ኢዩ። (ኢሳይያስ 41:⁠8) ኣምላኽ ንኣብርሃም ነቲ ሓደ ወዱ ይስሃቕ ክስውኣሉ ምስ ሓተቶ እቲ ዝነበሮ ፍርሃት ኣምላኽ ተፈቲኑ ኢዩ። ከመይሲ ኣምላኽ ዘርኢ ኣብርሃም ዓቢ ህዝቢ ከም ዝዀኑ ኽመባጽዓሉ ኸሎ እቲ ዘርኢ ብይስሃቅ ኣቢሉ ኸም ዝሓልፍ ኢዩ ነጊርዎ ነይሩ። (ዘፍጥረት 12:⁠2, 3፣ 17:⁠19) እቲ “ፍቁር ኣምላኽ” ነዛ መራር ፈተና እዚኣ ኽዋጽኣላ ድዩ፧ (ያእቆብ 2:⁠23) ኣብርሃም ካራኡ ኣልዒሉ ንይስሃቕ ክስውኦ ኢዱ ምስ ሰደደ: መልኣኽ የሆዋ “ነዚ ሓደ ውሉድካ እኳ ካብ ዘይከላእካንስ: ንእግዚኣብሄር ከም እትፈርህ ሕጂ ፈሊጠ አሎኹ እሞ: ኢድካ ኣብዚ ወዲ ኣይትዘርግሕ: ገለውን ኣይትግበሮ: በለ።”​—⁠ዘፍጥረት 22:10-12

12. ኣብርሃም ፍርሃት ኣምላኽ ንኸርኢ እንታይ ኢዩ ደሪኽዎ: ንሕናኸ ከምኡ ዝኣመሰለ መንፈስ ከነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

12 ኣብርሃም ኣቐድም ኣቢሉ እውን ንየሆዋ ዝፈርህ ምዃኑ ኣርእዩ እኳ እንተ ነበረ: ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ዝነበሮ ፍርሃት ኣምላኽ ብሓለፍ ዝበለ መገዲ ኢዩ ኣርእይዎ። ንይስሃቕ ንኽስውኦ ዘርኣዮ ፍታው ካብ ናይ ኣኽብሮት ምእዛዝ ንላዕሊ ኢዩ ነይሩ። ፍታው ዘርኣየሉ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ኣድላዪ እንተድኣ ዀይኑ ሰማያዊ ኣቦኡ ንይስሃቕ ብምትንሳእ መብጽዕኡ ክፍጽም ምዃኑ ምሉእ ትውክልቲ ስለ ዝነበሮ ኢዩ። ከምቲ ጳውሎስ ዝበሎ “[ኣምላኽ] ነታ ዝሀቦ ተስፋ ኺገብራውን ክእለት ከም ዘለዎ: [ኣብርሃም] ኣጸቢቑ ተረዲኡ ነበረ።” (ሮሜ 4:16-21) ብዙሕ መስዋእቲ ምግባር ኣብ ዝሓተና ዅነታት እውን ከይተረፈ ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባር ተዳሊናዶ ኣሎና፧ የሆዋ “ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦም” ፈሊጥና ከምዚ ዝኣመሰለ ተኣዛዝነት ምርኣይ ዘለኣለማዊ ረብሓታት ከም ዘምጽእ ምሉእ እምነትዶ ኣሎና፧ (እብራውያን 11:6) እዚ ናይ ሓቂ ፍርሃት ኣምላኽ ኢዩ።​—⁠መዝሙር 115:⁠11

13. ዮሴፍ ኣፉ መሊኡ “ንኣምላኽ እፈርህ እየ” ክብል ዝኽእል ዝነበረ ስለምንታይ ኢዩ፧

13 ካልእ ብተግባር እተራእየ ፍርሃት ኣምላኽ ዝገልጽ ኣብነት ንርአ: እዚ ኸኣ ናይ ዮሴፍ ኣብነት ኢዩ። ባርያ ዀይኑ ኣብ ቤት ጶጢፋር ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ዝሙት ንኽፍጽም መዓልታዊ ጸቕጢ ይግበረሉ ነበረ። ካብታ ምስኣ ብዕልግና ንኽፍጽም ሞኽ ተብሎ ዝነበረት ሰበይቲ ጐይታኡ ክፍለየሉ ኣብ ዘይክእል ኵነታት ኢዩ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ ‘ቀጥ ኣቢላ ምስ ሓዘቶ ሃዲሙ ንግዳም ወጸ።’ ብቕጽበት ካብ ክፉእ ንኽርሕቕ ዝደረኾ እንታይ ኢዩ፧ እቲ ቐንዲ ምኽንያት ንኣምላኽ ዝነበሮ ፍርሂ ማለት “ዓብዪ ኽፍኣትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከኣ ሓጢኣትን” ንኸይፍጽም ዝነበሮ ባህጊ ምዃኑ ኣየጠራጥርን ኢዩ። (ዘፍጥረት 39:7-12) እወ: ዮሴፍ ኣፉ መሊኡ “ንኣምላኽ እፈርህ እየ” ኽብል ይኽእል ነይሩ ኢዩ።​—⁠ዘፍጥረት 42:18

14. እቲ ዮሴፍ ዘርኣዮ ምሕረት ናይ ሓቂ ፍርሃት ኣምላኽ ከም ዝነበሮ ዘንጸባርቕ ብኸመይ ኢዩ፧

14 ዮሴፍ ገለ ዓመታት ጸኒሑ ምስቶም ብጭከና ንባርነት ዝሸጥዎ ኣሕዋቱ ገጽ ንገጽ ተራኸበ። መግቢ ስኢኖም ምስ መጽዎ ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ሕነ ንምፍዳይ ብቐሊሉ ክጥቀመሉ ይኽእል ነይሩ ኢዩ። ኣብ ሰባት ምጭካን ግን ፍርሃት ኣምላኽ ዘንጸባርቕ ኣይኰነን። (ዘሌዋውያን 25:⁠43) በዚ ምኽንያት እዚ ዮሴፍ ዅነታት ልቢ ኣሕዋቱ ከም እተቐየረ እኹል መርትዖ ምስ ረኸበ: ብምሕረት ይቕረ በለሎም። ንሕናውን ልክዕ ከም ዮሴፍ እቲ ዘሎና ፍርሃት ኣምላኽ ንእከይ ብሰናይ ገይርና ንኽንስዕሮ: ኣብ እከይ ንኸይንወድቕ ከኣ ክኽልክለና ኢዩ።​—⁠ዘፍጥረት 45:⁠1-11፣ መዝሙር 130:⁠3, 4፣ ሮሜ 12:⁠17-21

15. ኣካይዳ እዮብ ንልቢ የሆዋ ዘሐጐሶ ስለምንታይ ኢዩ፧

15 ካልእ ንኣምላኽ ብምፍራህ ዝመጸ ሓለፍ ዝበለ ኣብነት ዝዀነና ድማ እዮብ ኢዩ። የሆዋ ንድያብሎስ “ከም እዮብ ገይሩ ንኣምላኽ ዚፈርህን ካብ ክፉእ ዚርሕቕን ፍጹምን ቅኑዕን ሰብ ኣብ ምድሪ የልቦን እሞ: ንባርያይ እዮብስ ኣስተብሂልካዮዶ፧” በሎ። (እዮብ 1:8) እቲ መንቅብ ዘይነበሮ ኣካይዳ እዮብ ንልቢ ሰማያዊ ኣቦኡ ንብዙሕ ዓመታት ኣሐጒስዎ ኢዩ። እዮብ ንኣምላኽ ዝፈርሆ ዝነበረ ከምኡ ምግባር ቅኑዕን ዝበለጸ ናብራ ህይወትን ምዃኑ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ ኢዩ። እዮብ “እንሆ: ፍርሃት እግዚኣብሄርሲ ጥበብ እዩ: ካብ ክፉእ ምርሓቕ ከኣ ምስትውዓል እዩ” በለ። (እዮብ 28:28) ከም እተመርዓወ ሰብኣይ መጠን ከኣ ንጐራዙት ብቕለት ቍሊሕ ኢሉ ኣይፈልጥን ኢዩ: ኣብ ልቡውን ናይ ዝሙት ኣተሓሳስባ ኣይነበሮን። ሃብታም ሰብኣይ እኳ እንተ ነበረ: ኣብ ሃብቲ ኣይተወከለን: ንዅሉ ኣምልኾ ጣኦት ከኣ ነጺግዎ ኢዩ።​—⁠እዮብ 31:⁠1, 9-11, 24-28

16. (ሀ) እዮብ ምሕረት ዝገበረ በየናይ መገድታት ኢዩ፧ (ለ) እዮብ ይቕረ በሃላይ ከም ዝነበረ ብኸመይ ኢዩ ኣርእዩ፧

16 ይኹን እምበር: ንኣምላኽ ምፍራህ ክበሃል ከሎ ሰናይ ዘበለ ምግባርን ካብ እከይ ዘበለ ምርሓቕን ማለት ኢዩ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ድማ ኢዩ: እዮብ ንዕዉራት: ሓንካሳት: ድኻታት ዝድንግጸሎም ዝነበረ። (ዘሌዋውያን 19:14፣ እዮብ 29:⁠15, 16) እዮብ ‘እቲ ንብጻዩ ምሕረት ዘይገብረሉ: ንፍርሃት እቲ ዅሉ ዝኽእል ከም ዝሓድጎ’ ይርድኦ ነይሩ ኢዩ። (እዮብ 6:14) ምሕረት ዘይምግባር ክበሃል ከሎ ይቕረ ዘይምባል ወይ ከኣ ቂም ምሓዝ ማለት ኢዩ። እዮብ ነቲ ካብ ኣምላኽ ዝመጸ መምርሒ ብምእዛዝ ኣብ ክንዲ እቶም ብዙሕ ዘጕሃይዎ ሰለስተ ኣዕሩኽቱ ጸልዩ ኢዩ። (እዮብ 42:⁠7-10) ንሕናኸ ብገለ መገዲ ንዝበደለና ኣማኒ ብጻይና ከምኡ ዝኣመሰለ ይቕረ ናይ ምባል መንፈስ ከነርእዮ ንኽእልዶ ኢና፧ ኣብ ክንዲ እቲ ዝበደለና ሰብ ልባዊ ጸሎት ምቕራብ ቂም ንኸይንሕዘሉ ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ። እዮብ ፍርሃት ኣምላኽ ብምርኣዩ ዝረኸቦ በረኸት ነቲ የሆዋ ‘ንዝፈርህዎ ዝዓቘረሎም ዓቢ ለውሃቱ’ ዝገልጽ ኢዩ።​—⁠መዝሙር 31:19፣ ያእቆብ 5:⁠11

ፍርሃት ኣምላኽ ምስ ፍርሃት ሰብ ዝጻረር ኢዩ

17. ንሰብ ምፍራህ እንታይ ኢዩ ኽገብረና ዝኽእል: ከምዚ ዝኣመሰለ ፍርሂ ግን ኣርሒቕካ ዘይምርኣይ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

17 ፍርሃት ኣምላኽ ቅኑዕ ዘበለ ንምግባር ዝድርኸና ክኸውን ከሎ: ንሰብ ምፍራህ ግን ንእምነትና ኸማህምና ይኽእል ኢዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢዩ የሱስ ንሃዋርያት ነቲ ብስራት ብቕንኢ ኽሰብኩ ኸተባብዖም ከሎ “ነቲ ነፍስን ስጋን ኣብ ገሃነም ኬጥፍእ ዚከአሎ ደኣ ኣዚኹም ፍርህዎ እምበር: ነቶም ንስጋ ዚቐትሉ: ንነፍሲ ግና ምቕታላ ዘይከአሎም ኣይትፍርህዎም” ዝበለ። (ማቴዎስ 10:28) ንሰብ ምፍራህ ኣርሒቕካ ዘይምርኣይ ኢዩ: ከመይሲ የሱስ ከም ዝገለጾ ሰባት ነቲ ብዛዕባ ህይወት ዘሎና ተስፋታት ከጥፍእዎ ኣይክእሉን ኢዮም። ኣብ ርእሲ እዚውን: ንኣምላኽ እንፈርሃሉ ምኽንያት ሓይሊ ኣህዛብ ምስቲ ዘፍርህ ሓይሉ ኽወዳደር ከሎ ኣብ ቍጽሪ ዘይኣቱ ምዃኑ ስለ እንግንዘብ ኢዩ። (ኢሳይያስ 40:⁠15) ንሕናውን ልክዕ ከም ኣብርሃም ነቶም እሙናት ኣገልገልቱ ኸተንስኦም ምዃኑ ምሉእ እምነት ኣሎና። (ራእይ 2:⁠10) ስለዚ ብምትእምማን “ኣምላኽ ምሳና ኻብ ኰነኸ: መን እዩ ዚቃወመና፧” ክንብል ንኽእል ኢና።​—⁠ሮሜ 8:31

18. የሆዋ ነቶም ዝፈርህዎ ብኸመይ ዝበለ መገድታት ኢዩ ዓስቦም ዝህቦም፧

18 እቲ ምጽራር ካብ ኣባል ስድራ​ቤትና ይኹን ካብቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘሸግረና ሰብ ይምጻእ ብዘየገድስ “ጽኑዕ እምንቶ ኣብ ምፍራህ እግዚኣብሄር” ምዃኑ ብተመክሮ ክንርእዮ ኢና። (ምሳሌ 14:26) ኣምላኽ ከም ዝሰምዓና ፈሊጥና: ሓይሊ ኽህበና ክንጽሊ ንኽእል ኢና። (መዝሙር 145:⁠19) የሆዋ ነቶም ዝፈርህዎ ፈጺሙ ኣይሓድጎምን ኢዩ። ብነብዪኡ ሚልክያስ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ውሕስነት ሂቡና ኣሎ:- “ሽዑ እቶም ንእግዚኣብሄር ዚፈርሁ ንሓድሕዶም ተዛራረቡ: እግዚኣብሄር ከኣ ጽን በለ ሰምዔውን። ነቶም ንእግዚኣብሄር ዚፈርሁን ንስሙ ኸኣ ዚሐስቡን ዚኸውን መጽሓፍ መዘከርታ ኣብ ቅድሚኡ ተጻሕፈ።”​—⁠ሚልክያስ 3:16

19. እንታይ ዝዓይነቱ ፍርሂ ኢዩ መወዳእታ ዝህልዎ: እቲ ንዘለኣለም ዝቕጽል ግን ኣየናይ ዓይነት ኢዩ፧

19 ኣብ ምድሪ ዝነብር ኵሉ ወድሰብ ንየሆዋ ዘምልኸሉ: ፍርሂ ሰብ ከኣ ዘይህልወሉ ግዜ ቐሪቡ ኢዩ። (ኢሳይያስ 11:⁠9) ናይ ጥሜት: ሕማም: ናይ ገበንን ውግእን ፍርሂ እውን ኣይክህሉን ኢዩ። እቶም ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘለዉ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ እቲ ዝግብኦ ክብርን ተኣዛዝነትን ውዳሰን እናሃብዎ ስለ ዝነብሩ: ፍርሃት ኣምላኽ ንዘለኣለም ክቕጽል ኢዩ። (ራእይ 15:⁠4) ክሳዕ ሽዑ ግን ዅላትና ነቲ “ብርግጽ ዓስቢ አሎ: ትጽቢትካ ኸኣ ከንቱ ኣይኪኸውንን እዩ እሞ: ልብኻ ዅሉ መዓልቲ ፍርሃት እግዚኣብሄር ይሀልዎ እምበር: ብሓጢኣተኛታት ኣይትቕናእ” ዝብል መንፈስ ዝነፈሶ ምኽሪ ሰሎሞን ነቕልበሉ።​—⁠ምሳሌ 23:17, 18

[እግረ-ጽሑፍ]

a ገለ ገለ ዓበይቲ ሰባት ስርሖም ምስ ሓደገኛ ዅነታት እተተሓሓዘ ብምዃኑ እናለመድዎ ይኸዱ እሞ ንሓደጋ ዘለዎም ፍርሂ ይጠፍእ። ሓደ ተመክሮ ዘለዎ ናይ ኢደ ጥበብ በዓል ሞያ: ብዙሓት ጸረብቲ ስለምንታይ ኣጻብዕቶም ከም ዝቝረጹ ምስ ተሓተ “ነቲ ብኤለክትሪክ ዝዓዪ ብርቱዕ ናህሪ ዘለዎ መጋዛት ዝነበሮም ፍርሂ ስለ ዘጥፍኡ ኢዩ” ኢሉ መለሰ።

b የሆዋ ከምኡ ዓይነት ጽልኢ ኢዩ ዘለዎ። ንኣብነት: ኤፌሶን 4:⁠29 ንጽዩፍ ቃላት “ምሽሙሽ ዘረባ” (NW ) ኢላ ትገልጾ። እታ “ምሽሙሽ” ተባሂላ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል: ቃል ብቓሉ ንዝመሽመሸ ፍረ: ዓሳ ወይ ስጋ ኢያ እተመልክት። እዚ ስያመ እዚ ብዛዕባ ሕማቕ ወይ ጽዩፍ ዘረባ ኽህልወና ዘለዎ ስምዒት ኣነጺሩ ዝገልጽ ኢዩ። ብተመሳሳሊ መገዲ: መብዛሕትኡ ግዜ ጣኦታት ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ከም “ዒባ” ኢዮም ተገሊጾም ዘለዉ። (ዘዳግም 29:⁠17 NW ፣ ህዝቅኤል 6:⁠9 NW ) ንዒባ ወይ ቀልቀል ዘሎና ባህርያዊ ጽልኢ: ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ጣኦታት ዘለዎ ናይ ምፍንፋን ስምዒት ንኽንርድኦ ይሕግዘና ኢዩ።

c ንኣብነት ነቲ ብዛዕባ ቃየል (ዘፍጥረት 4:⁠3-12): ዳዊት (2 ሳሙኤል 11:⁠2⁠-​12:⁠14)፣ ገሓዚ (2 ነገስት 5:⁠20-27)፣ ዑዝያ (2 ዜና መዋእል 26:⁠16-21) ዝገልጽ ጸብጻብ ቅዱሳት ጽሑፋት ንርአ።

ትዝክሮዶ፧

• ንእከይ ዘበለ ምጽላእ ኽንማሃር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

• ኣብ ግዜ ሚልክያስ ዝነበሩ ገለ እስራኤላውያን: ነቲ ምስ የሆዋ ዝነበሮም ርክብ ኣቕሊሎም ዝረኣይዎ ስለምንታይ ኢዮም፧

• ብዛዕባ ፍርሃት ኣምላኽ ካብ ኣብርሃምን ዮሴፍን እዮብን እንታይ ኢና ክንማሃር እንኽእል፧

• ኣየናይ ፍርሃት ኢዩ ፈጺሙ ዘየቋርጽ: ስለምንታይከ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

መስተውዓልቲ ወለዲ ኣብ ደቆም ጥዑይ ፍርሃት ይሰርጹ ኢዮም

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

ልክዕ ከምቲ ፍርሂ ካብ ሓደጋ ኸም እንርሕቕ ዝገብረና: ፍርሃት ኣምላኽ ከኣ ካብ እከይ ዘበለ ኸም እንርሕቕ ይገብረና

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

እዮብ ምስቶም ሰለስተ ናይ ሓሶት ኣዕሩኽቱ ኣብ እተራኸበሉ ዅነታት እውን ከይተረፈ ፍርሃት ኣምላኽ ኣንጸባሪቑ ኢዩ

[ምንጪ ስእሊ]

From the Bible translation Vulgata Latina, 1795