ወርቃዊት ሕጊ ንዅሉ እትኸውን ትምህርቲ
ወርቃዊት ሕጊ ንዅሉ እትኸውን ትምህርቲ
“ከምቲ ሰብ ኪገብሩልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም።”—ማቴዎስ 7:12
እዘን ቃላት እዚኣተን ኣስታት ክልተ ሽሕ ዓመታት ይገብር የሱስ ክርስቶስ ኣብቲ ፍሉጥ ናይ ከረን ስብከቱ እተዛረበን ኢየን። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ብዛዕባ እዛ መግለጺት እዚኣ ብዙሕ ተባሂሉን ተጻሒፉን ኢዩ። ንኣብነት: እዛ ሕጊ እዚኣ “ቀንዲ ትሕዝቶ ቅዱሳት ጽሑፋት:” “ጽማቝ ሓሳባት ናይቲ ሓደ ክርስትያን ንብጻዩ ኽገብረሉ ዘለዎ ነገራት:” ከምኡውን “መሰረታዊ ስነ-ምግባራዊ ስርዓት” ተባሂላ ኢያ። ኣዝያ ፍልጥቲ ስለ ዝዀነት ድማ መብዛሕትኡ እዋን ወርቃዊት ሕጊ ተባሂላ ኢያ እትጽዋዕ።
እቲ ኣብታ ወርቃዊት ሕጊ ዘሎ ሓሳባት ግን ኣብቲ ናይ ክርስትና ዓለም ተባሂሉ ዝፍለጥ ጥራይ እተሓጽረ ኣይኰነን። ኣይሁድነት: ቡድሂዝም: ከምኡውን ናይ ግሪኽ ፍልስፍና ነዛ ስነ-ምግባራዊት ሕጊ እዚኣ ብእተፈላለየ መልክዕ ይገልጽዋ ኢዮም። እቲ ኣብ ምብራቓዊ ዓለም ካብ ኵሉ ንላዕሊ ለባምን መምህርን ገይርካ ዝርአ ኮንፊሸስ እተዛረቦ ነገር: ብፍላይ እቶም ኣብ ርሑቕ ምብራቕ ዝነብሩ ሰባት ኣጸቢቖም ኢዮም ዝፈልጥዎ። እዚ ሓሳባት እዚ ኣብታ ሳልሰይቲ ክፋል ናይተን ኣርባዕተ መጻሕፍቲ ኮንፊሸስ ዝዀነት እተመርጸ ሓሳባት ዝሓዘት ጽሕፍቲ (እንግሊዝኛ): ሰለስተ ሳዕ ተገሊጹ ንረኽቦ። ኮንፊሸስ ካብ ተማሃሮኡ ንዝቐረበሉ ሕቶታት ክምልስ ከሎ: ክልተ ሳዕ “ከምቲ ኽግበረልኩም ዘይትደልይዎ: ንኻልኦት ከምኡ ኣይትግበሩ” ኢሉ መለሰ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ዚጉንግ ዝበሃል ተማሃራዩ: “ካልኦት ክገብሩለይ ዘይደልዮ: ኣነውን ክገብረሎም ኣይደልን ኢየ” ኢሉ ምስ ተጃህረ: እቲ መምህር “እወ: እንተዀነ ግን ክሳዕ ሕጂ ነዚ ኽትገብሮ ኣይከኣልካን” ብምባል ብህድኣት መለሰሉ።
ነዘን ቃላት እዚኣተን ዘንበበ ሰብ: እቲ ኮንፊሸስ እተጠቕሞ ኣገላልጻ ነቲ የሱስ ዳሕራይ ዝበሎ ብኣሉታ መልክዕ ዘስፈረ ምዃኑ ኽግንዘብ ይኽእል ኢዩ። እታ እንኮ ፍልልይ የሱስ እተዛረባ ወርቃዊት ሕጊ ንኻልኦት ሰናይ ምግባር ትሓትት ምዃና ኢያ። ሰባት ነቲ የሱስ እተዛረቦ ኣወንታዊ መግለጺ ኣብ ግብሪ እንተ ዘውዕልዎ: ንሓድሕዶም እንተ ዝተሓላለዩ: ከምኡውን ወትሩ በዛ ሕጊ እዚኣ እንተ ዝምርሑ: ዓለምና ዝሓሸት መንበሪት ምዀነትዶ፧ ብርግጽ ምዀነት ነይራ።
እዛ ሕጊ እዚኣ ብኣወንታዊ: ብኣሉታዊ: ወይ ብኻልእ መልክዕ ትገለጽ ብዘየገድስ: ኣብ እተፈላለየ ግዜን ቦታን ዝነብሩ ብብዙሕ መገድታት እተፈላለየ ድሕረ-ባይታ ዘለዎም ሰባት ነታ ወርቃዊት ሕጊ ሒዛቶ ዘላ ሓሳብ ይኣምንሉ ኢዮም። እዚ ድማ እቲ የሱስ ኣብ ናይ ከረን ስብከቱ ዝጠቐሶ ነገር ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታን ኣብ እተፈላለየ ዕድመን ንዝርከቡ ሰባት ዝኸውን ትምህርቲ ምዃኑ ዘርኢ ኢዩ።
ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት:- ‘ሰባት ብኣኽብሮት: ብዘይኣድልዎ: ብቕንዕና ኽርእዩኒ ድየ ዝደሊ፧ ዓሌታዊ ምፍልላይን ዓመጽን ውግእን ኣብ ዘይብላ ዓለም ክነብር ድየ ዝደሊ፧ ብስምዒትን ድሕንነትን ዝተሓላለዩ ኣባላት ስድራቤት ክህልዉኒ ድየ ዝደሊ፧’ ከም ሓቂ እንተ ዀይኑ: መን ኢዩ እሞ ከምዚ ዘይደሊ፧ እንተዀነ ግን: ብዙሓት ሰባት ነዚ ነገራት እዚ ኣይረኽብዎን ኢዮም። ክረኽብዎ ኢሎም እውን ተስፋ ኣይገብሩን ኢዮም።
ወርቃዊት ሕጊ ሃሲሳ
ኣብ ሰብኣውነት ዓመጽ ዘይተፈጸመሉን መሰላት ደቅሰብ ዘይተረግጸሉን እዋን ኣብ ታሪኽ ወድሰብ የለን። እዚ ድማ ንግዲ ባርያ ኣፍሪቃ: ደምበ ሞት ናዚ: ብዝበዛ ቘልዑ: ከምኡውን ኣብ እተፈላለየ ቦታ እተፈጸመ ዘስካሕክሕ ጃምላዊ ቕትለት ዘጠቓልል ኢዩ። ካልእ ብዙሕ ዘሰንብድ ነገራት እውን ክጥቀስ ይከኣል ኢዩ።
እዛ ብቴክኖሎጂ እተወንጨፈት ዓለም ብስስዐ እተመልአት ኢያ። ኣብ ዘይጥዕሞም እዋን ወይ መሰላትና ኢዩ ዝብልዎ ነገራት ኣብ ሓደጋ ኽኣቱ ኸሎ ብዛዕባ ኻልኦት ዝሓስቡ ሰባት ሒደት ኢዮም። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5) ብዙሓት ሰባት ስሱዓት: ጨካናት: ሓልዮት ዘይብሎም: ከምኡውን ንርእሰይ ይጥዓመኒ በሃልቲ ዝዀኑ ስለምንታይ ኢዮም፧ ነታ ወርቃዊት ሕጊ እናፈለጥዋ ኽነሶም: ዘይክውንነታዊት ወይ እተረስዐት ስነ-ምግባራዊ ስርዓት ኢሎም ዕሽሽ ስለ ዝብልዋዶ ኸይኰነ፧ እቲ ዘሕዝን ኣብ ኣምላኽ ንኣምን ኢና ዝብሉ ብዙሓት ሰባት እውን ከይተረፉ: ከምዚ ዓይነት ባህርይ የርእዩ ኣለዉ። ሰባት ዝጐዓዝሉ ዘለዉ ኣንፈት ምስ እንዕዘቦ: እቲ ንርእሰይ ይጥዓመኒ ዝብል ባህርይ እናገደደ እንተ ዘይኰይኑ እናሓሸ ኣይከይድን ኢዩ ዘሎ።
ስለዚ: እዚ ዝስዕብ ኣገዳሲ ሕቶታት ክሕሰበሉ ኣለዎ:- በታ ወርቃዊት ሕጊ ምምልላስ እንታይ ዘጠቓልል ኢዩ፧ ብኣኣ ዝመላለሱ ሰባት ኣለዉ ድዮም፧ ኵሎም ደቅሰብ ምስታ ወርቃዊት ሕጊ ተሰማሚዖም ዝነብሩሉ እዋን ይመጽእዶ ዀን ይኸውን፧ ናይዚ ሕቶታት እዚ ቅኑዕ መልሲ ንምርካብ: ነዛ እትስዕብ ዓንቀጽ በጃኻ ኣንብባ።
[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]
ኮንፊሸስን ካልኦትን ነታ ወርቃዊት ሕጊ ብእተፈላለየ መልክዕ ጠቒሶምዋ ኢዮም