ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ወርቃዊት ሕጊ ግብራዊት ኢያ

ወርቃዊት ሕጊ ግብራዊት ኢያ

ወርቃዊት ሕጊ ግብራዊት ኢያ

ብዙሓት ሰባት ንወርቃዊት ሕጊ: የሱስ እተዛረባ ትምህርቲ ስነ⁠-​ምግባር ገይሮም ዝርእይዋ እኳ እንተዀኑ: ንሱ ባዕሉ ግን “ትምህርተይሲ ናይቲ ዝለአኸኒ እዩ እምበር: ናተይ ኣይኰነን” በለ።​—⁠ዮሃንስ 7:⁠16

 እወ: ነታ ወርቃዊት ሕጊ ተባሂላ እትፍለጥ እውን ሓዊስካ ምንጪ ዅሉ ትምህርታት የሱስ: እቲ ዝለኣኾ ፈጣሪ ማለት የሆዋ ኣምላኽ ኢዩ።

ናይ መጀመርታ ዕላማ ኣምላኽ: ኵሎም ደቅሰብ ንሓድሕዶም ከምቲ ኽግበረሎም ዝደልይዎ ንኻልኦት ከምኡ ኽገብሩ ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ ንሰባት ዝፈጠረሉ መገዲ ንድሕንነት ካልኦት ብምሕላይ ዝመጸ ጽቡቕ ኣብነት ገዲፍሎም ኢዩ:- “ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ። ብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮ። ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም።” (ዘፍጥረት 1:⁠27) እዚ ኸኣ ንዘለኣለም እውን ከይተረፈ ሰላምን ሓጐስን ስኒትን ምእንቲ ኽህልዎም: ኣምላኽ ብእተወሰነ ደረጃ ኻብቲ ዘደንቕ ባህርያቱ ሂብዎም ማለት ኢዩ። እቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ሕልና ብግቡእ ምስ ዝስልጥን: ከምቲ ኽግበረሎም ዝደልይዎ ንኻልኦት ከምኡ ኽገብሩ ምመርሖም ነይሩ።

ስስዐ ዓብለለ

ወድሰብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘደንቕ ኣጀማምራ ኻብ ሃለዎ: እንታይ ድኣ ረኸቦ፧ ደቅሰብ ብሰንኪ ስስዐ ሕማቕ ባህርያት ከርእዩ ጀመሩ። ብዙሓት ሰባት ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዘፍጥረት ምዕራፍ 3 ዝርከብ: ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ዝገበርዎ ነገራት ይፈልጥዎ ኢዮም። እቲ ተጻራሪ ናይ ብምሉኡ ስርዓታት ኣምላኽ ዝዀነ ሰይጣን: ንኣዳምን ሄዋንን ስለ ዝደፋፍኦም: ናጽነትን ርእሰ⁠-​ውሳነ ናይ ምግባር መሰልን ንኽረኽቡ ኽብሉ ንምምሕዳር ኣምላኽ ብስስዐ ነጸግዎ። እቲ ስስዐ ዝመልኦ ናይ ዕልወት ተግባሮም ንዖኦም ጥራይ ዘይኰነስ ንዅሎም ብድሕሪኦም ዝመጹ ዘርኦም እውን ሕማቕ ሳዕቤን ኣምጺኡሎም ኢዩ። ነታ ወርቃዊት ሕጊ ዕሽሽ ምባል ዘምጽኦ ሳዕቤን ብንጹር ኢዩ ተራእዩ። ስለዚ ድማ ኢዩ “ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝአተወ: ብሓጢኣትውን ሞት: ኵላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ: ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሐለፈ።”​—⁠ሮሜ 5:⁠12

ደቅሰብ ብሓፈሻ ንፍቕራዊ መገድታት የሆዋ ኣምላኽ ዝባኖም መሊሶምሉ እኳ እንተዀኑ: የሆዋ ግን ኣይጠንጠኖምን። ንኣብነት: ንህዝቢ እስራኤል መምርሒ ዝዀኖም ሕጊ ሃቦም። እዚ ድማ ከምቲ ሰብ ክገብረሎም ዝደልይዎ ንኽገብሩ ኢዩ ዝምህሮም ነይሩ። ንባሮት: ኣቦ ንዘይብሎም ውሉዳት: ከምኡውን ንመበለታት ብኸመይ ክሕዙ ኸም ዘለዎም መምርሒ ዝህብ ነበረ። መጥቃዕቲ ዘውርድ: ዝጨዊ: ከምኡውን ዝሰርቕ ሰብ እንታይ ክግበር ከም ዘለዎ ዝሕብር ኢዩ ነይሩ። እቲ ናይ ጽሬት ሕግታት ንጥዕና ኻልኦት ሓልዮት ዘርኢ ነበረ። ብዛዕባ ጾታዊ ጕዳያት እውን ከይተረፈ ሕግታት ነይርዎም ኢዩ። የሆዋ ነቶም ህዝቢ “ንብጻይካስ ከም ርእስኻ ደኣ ፍተዎ” ብምባል ጽማቝ ሓሳባት ናይቲ ሕግታቱ ገለጸሎም: ነዛ ሕጊ እዚኣ ድማ የሱስ ድሓር ጠቒስዋ ኢዩ። (ዘሌዋውያን 19:⁠18፣ ማቴዎስ 22:⁠39, 40) እስራኤላውያን ንስደተኛታት ብኸመይ ክሕግዝዎም ከም ዘለዎም እውን እቲ ሕጊ ይገልጽ ነይሩ ኢዩ። ከምዚ ዝስዕብ ዝብል ትእዛዝ ተዋሂብዎም ነበረ:- “ንስደተኛ ኣይትጽቀጦ: ንስኻትኩም ድማ ኣብ ምድሪ ግብጺ ስደተኛታት ኔርኩም ኢኹም እሞ: ነፍሲ ስደተኛ ኸመይ ከም ዝዀነት ትፈልጡ ኢኹም።” ብኻልእ ኣበሃህላ: እስራኤላውያን ነቶም ሽጉራት ክሓልይሎም ነበሮም።​—⁠ዘጸኣት 23:⁠9፣ ዘሌዋውያን 19:⁠34፣ ዘዳግም 10:⁠19

እስራኤላውያን ብተኣማንነት ነቲ ሕጊ ኽሳዕ ዝሰዓቡ የሆዋ ይባርኾም ነበረ። ዳዊትን ሰሎሞንን ነገስታት ኣብ ዝነበርሉ ግዜ እታ ሃገር በልጸገት: እቶም ህዝቢ ድማ ሓጐስን ዕግበትን ረኸቡ። ብዛዕባዚ: ሓደ ታሪኻዊ ጸብጻብ ከምዚ ይብል:- “ይሁዳን እስራኤልን ምብዛሖም ከም ሑጻ ባሕሪ በዚሖም ነበሩ። ይበልዑን ይሰትዩን ይሕጐሱን ነበሩ። ይሁዳን እስራኤልን ድማ . . . ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ወይኑን በለሱን ብህድኣት ይቕመጥ ነበረ።”​—⁠1 ነገስት 4:⁠20, 25

እቲ ዘሕዝን ግን እቶም ህዝቢ ረኺቦሞ ዝነበሩ ሰላምን ህድኣትን ኣይቀጸለን። እስራኤላውያን ሕጊ የሆዋ ተዋሂብዎም እኳ እንተ ነበረ: ኣይሓለዉዎን፣ ስስዐዖም ነቲ ንኻልኦት ዘለዎም ሓልዮት ንኽሓንቆ ፈቐድሉ። እዝን እቲ ዝፈጸምዎ ኽሕደትን ብውልቂ ዀነ ብደረጃ ህዝቢ ሽግራት ኣምጽኣሎም። ኣብ መወዳእታ ኸኣ መንግስቲ ይሁዳ: ከተማ የሩሳሌም: ከምኡውን እታ እተደንቕ ቤት መቕደስ ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ብባቢሎናውያን ንኽድምሰስ የሆዋ ፈቐደ። ስለምንታይ፧ “ንቓላተይ ስለ ዘይሰማዕኩም: እንሆ: ንዅሎም ዓሌታት ሰሜንን ንነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ግዙኤይን ኪነቕሉ ኽልእከሎም እየ: ይብል እግዚኣብሄር: ናብ እዛ ሃገር እዚኣን ናብቶም ዚነብርዋን ናብቶም ኣብ ከባቢኣ ዘለዉ ዅላቶም ህዝብታትን ከምጽኦም እየ። ብጥራስ ከጥፍኦም እየ: ንመሰክሕን ንመላገጽን ንናይ ዘለኣለም ምድረ በዳን ከኣ ክገብሮም እየ።” (ኤርምያስ 25:⁠8, 9) ነቲ ጽሩይ ኣምልኾ የሆዋ ብምጥንጣኖምሲ: ክሳዕ ክንደይ ዓቢ ዋጋ ዀን ኢዮም ዝኸፈሉ!

ክንመስሎ ዘሎና ኣብነት

በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን የሱስ ክርስቶስ ነታ ወርቃዊት ሕጊ ምሂሩ ጥራይ ዘይኰነስ: ብኸመይ ብኣኣ ክንመላለስ ከም ዘሎና እውን ዝበለጸ ኣብነት ገዲፉልና ኢዩ። ንናይ ካልኦት ድሕንነት ካብ ልቡ ይሓሊ ነይሩ ኢዩ። (ማቴዎስ 9:⁠36፣ 14:⁠14፣ ሉቃስ 5:⁠12, 13) ሓደ ግዜ ኣብ ጥቓ ኸተማ ናይን: ሓንቲ ብሓዘን እተደቝሰት መበለት ነቲ ብሞት እተፈለያ ሓደ ወዳ ኽትቀብር ክትከይድ ከላ ኣጓነፈቶ። ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ቀጺሉ “ጐይታ ምስ ረአያ: ደንገጸላ” ይብለና። (ሉቃስ 7:⁠11-15) ብመሰረት ቫይንስ ኤክስፖዚቶሪ ዲክሸነሪ ኦቭ ኦልድ ኤንድ ኒው ተስታመንት ዎርድስ (እንግሊዝኛ) እታ “ደንገጸላ” እትብል ቃል “ውሽጥኻ ምትንካፍ” ማለት ምዃና ተሓቢሩ ኣሎ። ጓሂ ልባ ተሰምዖ: ንምጽንናዓ ድማ ኣወንታዊ ስጕምቲ ወሰደ። የሱስ ነቲ ወዲ ኣተንሲኡ ‘ነዲኡ ምስ ሃባ:’ ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኢያ እተሓጐሰት!

ኣብ መወዳእታ: የሱስ ምስ ዕላማ ኣምላኽ ብምስምማዕ ደቅሰብ ካብ ባርነት ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ምእንቲ ኽወጹ: ንኽስቀን ህይወቱ በጃኦም ንኽትሓልፍን ፍቓደኛ ዀነ። ብወርቃዊት ሕጊ ብምምልላስ ዝመጸ: ካብዚ ዝዓቢ ኣብነት የለን።​—⁠ማቴዎስ 20:⁠28፣ ዮሃንስ 15:⁠13፣ እብራውያን 4:⁠15

ነታ ወርቃዊት ሕጊ ኣብ ግብሪ ዘውዕልዋ ሰባት

ኣብዚ ግዜና ነታ ወርቃዊት ሕጊ ኣብ ግብሪ ዘውዕልዋ ሰባት ብሓቂዶ ኣለዉ ኢዮም፧ እወ: አረ ኽጥዕሞም ከሎ ጥራይ ኣይኰኑን ብኣኣ ዝመላለሱ። ንኣብነት: ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ናዚ ኣብ ጀርመን ኣብ ዝገዝኣሉ እዋን: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኣምላኽ ዘለዎም እምነትን ንብጻዮም ዘላቶም ፍቕርን ዓቂቦም ኢዮም: ካብቲ ኣብታ ወርቃዊት ሕጊ ዘለዎም መትከል እውን ፈልከት ኣይበሉን። እቲ ሽዑ ዝነበረ መንግስቲ: ኵሎም ኣይሁድ ንኽጽልኡን ንኽግፍዑን ሓያል ወፈራ ይገብር እኳ እንተ ነበረ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግና ነታ ወርቃዊት ሕጊ ኻብ ምስዓብ ድሕር ኣይበሉን። ኣብ መዳጐኒ ደምበታት እውን ከይተረፈ ነቶም ብጥሜት ዝሳቐዩ ዝነበሩ ኣይሁድ ኰኑ ኻልኦት እታ ዘላቶም ትኳቦ መግቢ ብምምቓል ሓልዮቶም ካብ ምርኣይ ዓዲ ኣይወዓሉን። ኣብ ርእሲ እዚ: እቲ መንግስቲ ኣጽዋር ኣልዒሎም ንኻልኦት ክቐትሉ ምስ ኣዘዞም: ከምቲ ብኻልኦት ክቕተሉ ዘይደልዩ: ኣይንቐትልን ኢና ኢሎም ኣበዩ። ነቶም ከም ርእሶም ገይሮም ከፍቅርዎም ትጽቢት ዝግበረሎም ሰባት ከመይ ገይሮም ክቐትልዎም ይኽእሉ፧ በዚ ምኽንያት እዚ ብዙሓት ኣብ መዳጐኒ ደምበታት ተዳጒኖም ጥራይ ዘይኰነስ ተቐቲሎም እውን ኢዮም።​—⁠ማቴዎስ 5:⁠43-48

ነዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኸተንብባ ኸሎኻ: ወርቃዊት ሕጊ ብተግባር ካብ እትረኣየሉ ሓደ መገድታት ኢኻ እትጥቀም ዘሎኻ። ሎሚ ብዙሓት ሰባት ተስፋ ምቝራጽን ቅባጸትን ኣጋጢምዎም ከም ዘሎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይፈልጡ ኢዮም። በዚ ምኽንያት እዚ: ንሰባት ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ተስፋን ተግባራዊ መምርሒታትን ንኽማሃሩ ምእንቲ ኽሕግዝዎም ብፍቓዶም ኣወንታዊ ስጕምቲ ይወስዱ ኣለዉ። እዚ ቕድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይ​ፈልጥ መጠን ዝግበር ዘሎ ስራሕ ክፍሊ ናይቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ ትምህርቲ ኢዩ። ውጽኢቱኸ እንታይ ኰነ፧ ከምቲ ኣብ ኢሳይያስ 2:⁠2-4 ብትንቢት ተነጊሩ ዝነበረ: ካብ መላእ ዓለም ልዕሊ ሽዱሽተ ሚልዮን ዝዀኑ ‘ብዙሓት ህዝብታት ጐደናታት እግዚኣብሄር ይማሃሩን ብመገዱ ይመላለሱን’ ኣለዉ። ብምሳልያዊ መገዲ ‘ኣስያፎም ንማሕረሻታት: ኲናውቶምውን ንገዘሞታት ምስራሕ’ ተማሂሮም ኢዮም። ኣብዚ ጽንኩር እዋን ድማ ሰላምን ደሓንን ረኺቦም ኣለዉ።

ንስኻኸ፧

ደቅሰብ ነታ ወርቃዊት ሕጊ ብምንጻጎም: ካብቲ ሰይጣን ድያብሎስ ኣብ ኤድን ዘለዓዓሎ ዕልዋ ኣትሒዙ ኣብ ደቅሰብ ዘምጽኦ ስቓይን መከራን እሞ ምልስ ኢልካ ሕሰበሉ። የሆዋ ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን ነዚ ናብቲ ዝነበሮ ንምምላስ መዲቡ ኣሎ። ብኸመይ፧ “ወዲ ኣምላኽ ከኣ ግብሪ ድያብሎስ ምእንቲ ኼፍርስ ኢሉ እዩ ነዚ እተገልጸ።” (1 ዮሃንስ 3:⁠8) እዚ ኸኣ እቲ ነታ ወርቃዊት ሕጊ ዝማሃረ: ብኣኣውን እተመላለሰ ጥበበኛን ክኢላን ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ዝመራሒኣ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ እትገዝኣሉ እዋን ኢዩ ዝኸውን።​—⁠መዝሙር 37:⁠9-11፣ ዳንኤል 2:⁠44

ናይ ጥንታዊት እስራኤል ንጉስ ዝነበረ ዳዊት ከምዚ በለ:- “ንእሽቶ ነበርኩ: አሪገ ኸኣ እኔኹ: ግናኸ ጻድቕ ተሐዲጉን: ዘርኡ እንጌራ ኺልምኑን ከቶ ኣይርኤኹን። ኵሉ መዓልቲ ርሕሩሕ እዩ እሞ የለቅሕ: ዘርኡውን ብሩኽ እዩ።” (መዝሙር 37:⁠25, 26) ሎሚ ዘለዉ መብዛሕትኦም ሰባት ኣብ ክንዲ ‘ዝርሕርሑን ዘለቅሑን:’ ጥሪት ክወስዱን ክምንዝዑንዶ ኣይኰንካን እትርእዮም ዘሎኻ፧ እምበኣር: ነታ ወርቃዊት ሕጊ ምስዓብ: ሕጅን ኣብ መጻኢ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ እትገዝኣሉ እዋንን በረኸት ስለ ዘምጽእ ናብ ናይ ሓቂ ሰላምን ደሓንን ከም ዝመርሕ ንጹር ኢዩ። መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሉ እቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ስስዐን እከይን ከምኡውን ነዚ ሕጂ ሰባት ብዘቘምዎ ሕግታት ዝምራሕ ብልሹው ኣገባብ ኣጥፊኣ: ኣምላኽ ብዘዳልዎ ሓድሽ ኣገባብ ክትትክኦ ኢያ። ድሕሪኡ: ኵሎም ደቅሰብ ተሓጒሶም በታ ወርቃዊት ሕጊ ኽመላለሱ ኢዮም።​—⁠መዝሙር 29:⁠11፣ 2 ጴጥሮስ 3:⁠13

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ነታ ወርቃዊት ሕጊ ምሂሩ ጥራይ ዘይኰነስ: ብኣኣ ብምምልላስ እውን ዝበለጸ ኣብነት ገዲፉ ኢዩ

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

በታ ወርቃዊት ሕጊ ምምልላስ ናብ ናይ ሓቂ ሰላምን ደሓንን ክመርሓና ይኽእል ኢዩ