የሆዋ ዘቕርቦ ጻውዒት ምቕባል ዓስቢ ኣለዎ
ታሪኽ ህይወት
የሆዋ ዘቕርቦ ጻውዒት ምቕባል ዓስቢ ኣለዎ
ማሪያ ዶ ሰዩ ዛናርዲ ዘዘንተወቶ
“የሆዋ ዝገብሮ ይፈልጥ ኢዩ። ነዚ ኣቕሪቡልኪ ዘሎ ጻውዒት ብትሕትና ኽትቅበልዮ ኣሎኪ።” እዘን ቅድሚ 45 ዓመታት ኣቦይ እተዛረበን ቃላት እዚኣተን ነቲ ማሕበር የሆዋ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት ንኽኸውን ዘቕረበትለይ ናይ መጀመርታ ጻውዒት ንኽቕበል ሓጊዘናኒ ኢየን። ክሳዕ ሕጂ ነዚ ኣቦይ ዝሃበኒ ምኽሪ አማስወሉ ኢየ: ከመይሲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ጻውዒት ብምቕባለይ ብዙሕ ዓስቢ ረኺበ ኢየ።
ብ1928 ኣቦይ ናይ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ኵንትራት ኣተወ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ተገዳስነት ኣሕደረ። ኣብ ማእከላይ ክፋል ፖርቱጋል ይነብር ስለ ዝነበረ ግን ምስ ጉባኤ ኣምላኽ ዘራኽቦ ዝነበረ እንኮ መገዲ ብጶስጣ ዝመጾ ዝነበረ ጽሑፋትን ናይ ኣባሓጎይ ዝነበረ መጽሓፍ ቅዱስን ኢዩ ነይሩ። ብ1949 ጓል 13 ዓመት ከለኹ ስድራቤትና ናብታ ዓዲ ኣደይ ዝዀነት ብራዚል ተሰዱ: ካብ ከተማ ሪዮ ዲ ጃንየሮ ውጽእ ኢልካ ኣብ ዝርከብ ቦታ ድማ ኽቕመጡ ጀመሩ።
ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ጐረባብትና ናብ ቤተ-ክርስትያኖም ክንከይድ ዓደሙና: ንሕና እውን ንእተወሰነ ግዜ ምስኦም ከድና። ኣቦይ ብዛዕባ ሲኦል: ነፍሲ: ከምኡውን መጻኢ ተስፋ ምድሪ ብሕቶ የዋጥሮም ነበረ፣ ንሳቶም ግን መልሲ ኣይነበሮምን። ስለዚ ኣቦይ “እቶም ናይ ሓቂ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ክሳዕ ዝመጹና ኽንጽበ ኢዩ ዘሎና” ይብል ነበረ።
ሓደ መዓልቲ: ሓደ ዓይነ-ስዉር ሰብኣይ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ንኸበርክተልና ናብ ገዛና መጸ። ኣቦይ ተመሳሳሊ ሕቶታት ሓተቶ: ንሱ ድማ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ርትዓዊ መልሲ ሃቦ። ኣብታ እትቕጽል ሰሙን ከኣ ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ክትበጽሓና መጸት። ኣቦይ ዝነበሮ ተወሳኺ ሕቶታት ምስ ማቴዎስ 13:38 እትርከብ “እታ ግራት ከኣ ዓለም እያ” እትብል ጥቕሲ ኣንበበትሉ። ኣቦይ ከኣ “ምሳኺ ክኸይድ እኽእልዶ፧” ኢሉ ሓተታ። “እወ: ትኽእል ኢኻ” ዝብል መልሲ ድማ ተዋህቦ። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ እንደገና ብምርካብና ኣዚና ተሓጐስና! ኣቦይ ኣብቲ ቐጺሉ ዝነበረ ዓቢ ኣኼባ ተጠምቀ: ኣነ ኸኣ ድሕርዚ ብዙሕ ከይጸናሕኩ ኣብ ሕዳር 1955 ተጠመቕኩ።
መለሰትሉ: ናብ ግራት ኣገልግሎት ክትከይድ ምዃና ብምግላጽ ተበገሰት። እንታይ ትብሎ ኸም ዘላ ምርዳእ ምስ ኣበዮ ድማ ነታ ኣብነቲ ናይ መጀመርታ ጻውዒት ተቐበልኩ
ድሕሪ ዓመትን መንፈቕን ካብቲ ኣብ ሪዮ ዲ ጃንየሮ ዝርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ዕዮ ስብከት ንኽኣቱ ዝዕድም ወረቐት ዝሓዘ ዓቢ ሓመዳይ ጶስጣ መጸኒ። ኣብቲ እዋን እቲ ኣደይ ጥዕና ስለ ዘይነበራ: ኣቦይ ንኸማኽረኒ ሓተትክዎ። “የሆዋ ዝገብሮ ይፈልጥ ኢዩ። ነዚ ኣቕሪቡልኪ ዘሎ ጻውዒት ብትሕትና ኽትቅበልዮ ኣሎኪ” ኢሉ ድማ መለሰለይ። በዘን ቃላት እዚኣተን ተተባቢዐ ነቲ ናይ መሕተቲ ቕጥዒ መላእኩ: ብ1 ሓምለ 1957 ከኣ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ጀመርኩ። መጀመርታ እተመደብክሉ ቦታ ድማ ኣብታ ኣብ ዞባዊ መንግስቲ ሪዮ ዲ ጃንየሮ እትርከብ ትሬስ ሪዮስ ነበረ።
እንጥቀመሉ ዝነበርና መጽሓፍ ቅዱስ ካቶሊክ ዘዳለወቶ ትርጕም ስለ ዘይነበረ: ኣብ ፈለማ እቶም ተቐማጦ ትሬስ ሪዮስ ንመልእኽትና ክሰምዕዎ ፍቓደኛታት ኣይነበሩን። ንሓደ ዠራርዶ ራማልዩ ዝበሃል ሰዓቢ እምነት ካቶሊክ ጽንዓት ክንገብረሉ ምስ ጀመርና ግን ሓገዝ ረኸብና። ብእኡ ኣቢለ ኸኣ ናይቲ ዓዲ ኻህን ዝፈረመሉ መጽሓፍ ቅዱስ ክረክብ ከኣልኩ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ: ዝዀነ ይኹን ሰብ ምስ ዝጻረረኒ ነታ ኽታም አርእዮ ነበርኩ: ብድሕሪኡ ድማ ዋላ ሓንቲ ሕቶ ኣየስዕብን ነበረ። ዠራርዶ ጸኒሑ ተጠምቀ።
ብ1959 ኣብ ማእከል ትሬስ ሪዮስ ናይ ወረዳ ኣሰምብሊ ምስ ተገብረ ኣዝየ ተሓጒሰ ኢየ። ኣብቲ ግዜ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘጽንዕ ዝነበረ ሓላፊ ፖሊስ እውን ከይተረፈ ኣብ ምልእቲ እታ ኸተማ ነቲ ፕሮግራም ዘፋልጥ ጽሑፋት ኽስቀል ምድላዋት ገበረ። ንሰለስተ ዓመታት ኣብ ትሬስ ሪዮስ ድሕሪ ምግልጋል: ኣብታ ኻብ ሳኦ ፓውሎ ብሸነኽ ምብራቕ 110 ኪሎ ሜትር ርሒቓ እትርከብ ኢቱ እትበሃል ንእሽቶ ኸተማ ኸይደ ኸገልግል ተመደብኩ።
እታ ቀያሕ መጽሓፍ: እታ ሰማያዊት መጽሓፍ: ከምኡውን እታ ብጫ መጽሓፍ
ንእተወሰነ ግዜ መንበሪ ድሕሪ ምንዳይ: ሓንቲ ኣብ ማእከል እታ ኸተማ እትነብር ማርያ ዝስማ ሕያወይቲ መበለት ንዓይን ነታ መገላግልተይን ዝኸውን ምቹእ ገዛ ኣካረየትና። ማርያ ከም ደቃ ትርእየና ነበረት። ነዊሕ ከይጸንሐ ናይታ ኸተማ ናይ ሮማዊት ካቶሊክ ኣቡን መጸ እሞ: ካብቲ ገዛ ኸተውጽኣና ተዛረባ፣ ንሳ ግን ኣብ መትከላ ጸኒዓ “በዓል ቤተይ ምስ ሞተ: ንስኻ ኣየጸናናዕካንን። እዘን ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዚኣተን ግን ኣባል ሃይማኖተን እኳ እንተ ዘይኰንኩ ሓጊዘናኒ ኢየን” በለቶ።
ኣብቲ ግዜ እቲ ኣቢሉ ኣብ ኢቱ ዝነበሩ ናይ ካቶሊክ ካህናት ንምእመናኖም እታ “ብዛዕባ ድያብሎስ እትገልጽ ቀያሕ መጽሓፍ” ከይቅበልዋ ገዘትዎም። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣብታ ሰሙን እቲኣ እነበርክታ ዝነበርና ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመስረተት “ለት ጎድ ቢ ትሩ” ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ኢያ። እታ ቐያሕ መጽሓፍ
በቶም ካህናት ስለ “እተኣገደት:” ነታ ሰማያዊት መጽሓፍ (“ኒው ሄቨንስ ኤንድ ኤ ኒው ኤርዝ” [እንግሊዝኛ]) ዝኸውን ኣቀራርባ ኣዳለና። ጸኒሑ: እቶም ካህናት ነዚ ዝገበርናዮ ለውጢ ምስ ሰምዑ: ነታ ብጫ መጽሓፍ (ዋት ሃዝ ረልጅን ዳን ፎር ማንካይንድ፧ [እንግሊዝኛ]) ክንዕድል ጀመርና: ብድሕሪኡ እውን እተፈላለየ ጽሑፋት እናቐያየርና ምብርካት ቀጸልና። እተፈላለየ ሕብርታት ዘለዎ በብዓይነቱ መጻሕፍቲ ስለ ዝነበረና ጠቒሙና ኢዩ!ኣብ ኢቱ ንሓደ ዓመት ኣቢለ ምስ ጸናሕኩ ናብቲ ኣብ ሪዮ ዲ ጃንየሮ ዝርከብ ቤትኤል ዝበሃል ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምኻድ: ነቲ ናይታ ሃገር ኣሰምብሊ ኣብ ምድላው ግዝያዊት ኰይነ ንኸገልግል ብቴለግራም ጻውዒት መጸኒ። ተሓጒሰ ድማ ተቐበልክዎ።
ተወሳኺ መሰላትን ብድሆታትን
ኣብ ቤትኤል ሕጽረት ስራሕ ኣይነበረን: እታ ዓቕመይ ኽገብር ብምኽኣለይ ድማ ኣሐጒሱኒ ኢዩ። ንግሆ ንግሆ ኣብ ዝግበር ናይ ዕለት ጥቕሲ ምይይጥን ሰኑይ ሰኑይ ምሸት ኣብ ዝግበር ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ እተመርኰሰ ናይ ስድራቤት መጽናዕትን ክካፈል ምኽኣለይ ብዙሕ ሃኒጹኒ ኢዩ! ኦቶ ኢስተልማንን ካልኦት ተመክሮ ዘለዎም ቤትኤላውያንን ዘቕርብዎ ዝነበሩ ልባዊ ጸሎት ውሽጠይ ተንኪፍኒ ኢዩ።
ድሕርቲ ኣሰምብሊ ናብ ኢቱ ንኽምለስ ሮዖይ ምስ ጠቕለልኩ: እቲ ናይቲ ጨንፈር ኣገልጋሊ ዝነበረ ግራንት ሚለር ቀዋሚት ኣባል ስድራ ቤትኤል ንኽኸውን ዝዕድም ዘይተጸበኽዎ ደብዳበ ሃበኒ። ሓብትና ሆዛ ያዘድጂን መዳቕስተይ ነበረት: ክሳዕ ሕጂውን ኣብ ብራዚል ኣብ ዝርከብ ቤትኤል ተገልግል ኣላ። ኣብቲ ግዜ እቲ 28 ቤትኤላውያን ጥራይ ኢና ነይርና: ኵላትና እውን ኣጸቢቕና ንቀራረብ ነበርና።
ብ1964 ዦዋ ዛናርዲ ዝበሃል ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ መንእሰይ: ስልጠና ንኽወሃቦ ናብ ቤትኤል መጸ። ኣብቲ ግዜ እቲ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ወይ ገያሺ ተዓዛቢ ብምዃን ኣብቲ ኸባቢ የገልግል ነበረ። ሓድሓደ ግዜ ጸብጻብ ክህብ ናብ ቤትኤል ክመጽእ ኸሎ ንራኸብ ነበርና። እቲ ናይቲ ጨንፈርና ኣገልጋሊ ንዦዋ ኣብቲ ሰኑይ ሰኑይ ምሸት ዝግበር ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ኽካፈል ፈቐደሉ: ስለዚ ዝያዳ ግዜ ብሓንሳእ ከነሕልፍ ከኣልና። ኣብ ነሓሰ 1965 ከኣ ኣነን ዦዋን ተመርዓና። በዓል ቤተይ ኣብቲ ናይ ወረዳ ኣገልግሎቱ ንኸሰንዮ ዘቕረበለይ ሕቶ ተሓጒሰ ኢየ ተቐቢለዮ።
ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ማእከላይ ክፍሊ ብራዚል ገያሺ ተዓዛቢ ዄንካ ምግልጋል ብዙሕ ሓደጋታት ነበሮ። ኣብቲ ኣብ ዞባዊ መንግስቲ ሚናስ ገራይስ እትርከብ ኣራን ንዝነበሩ ንእሽቶ ጕጅለ እንገብሮ ዝነበርና ምብጻሕ ፈጺመ ኣይርስዖን ኢየ። እተወሰነ መገዲ ብባቡር ድሕሪ ምኻድ: እቲ ዝተረፈ መገዲ ባልጃታትና: ናይ ጽሕፈት ማኪናና: ስላይድ ፊልም እተርኢ ማሽን: ናይ ኣገልግሎት ቦርሳታትና: ከምኡውን ጽሑፋትና ተሰኪምና ብእግርና ኽንጐዓዝ ነበረና። ሉሪቫል ሻንታል ዝበሃል ብዕድመ ዝደፍአ ሓው ከሳኽመና ኢሉ ኵሉ ሳዕ ኣብቲ መደበር ባቡር ይጽበየና ስለ ዝነበረ ብዙሕ ኢና ንሕጐስ ነይርና።
ኣብ ኣራን እነካይዶ ዝነበርና ኣኼባታት ገዛ ተኻሪኻ ኢዩ ዝግበር ነይሩ። ብድሕሪኡ ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ኽፍሊ ኸኣ ንድቅስ ነበርና። በቲ ኻልእ ሸነኽ ናይቲ ገዛ ድማ መግብና ንምኽሻንን ነቲ እቶም ኣሕዋት ብሰኬሎታት ገይሮም ዘምጽእዎ ማይ ንምፍላሕን እንጥቀመሉ ኣዕጻው ይቕመጥ ነበረ። ካብቲ ገዛ ብዙሕ ከይረሓቕካ ሕርሻ ኣርቃይ ይርከብ ነበረ: ነቲ ኣብኡ ዝነበረ ጕድጓድ ድማ ከም ዓይኒ ምድሪ ንጥቀመሉ ነበርና። ለይቲ ለይቲ እቶም ሕማም ቻጋስ ከመሓላልፉ ዝኽእሉ ባርበር ቢትልስ ዝበሃሉ ዓይነት ሕንዚዝ ምእንቲ ኸየሸግሩና: ፋኑስ ወሊዕና
ንድቅስ ነበርና። ንንግሆኡ ኣፍንጫና ብትኪ ጸሊሙ ይጸንሓና ነበረ። ብሓቂ ዘደንቕ ተመክሮ ኢዩ ነይሩ!ኣብ ዞባዊ መንግስቲ ፓረና ኣብ ዝርከብ ወረዳ እናገልገልና ኸለና: ካብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ሓንቲ ሓመዳይ ዝዓይነታ ዓባይ ጶስጣ መጸትና። ናብ ፖርቱጋል ኬድና ኸነገልግል ድማ ጻውዒት ቀረበልና! ኣብ ፖርቱጋል ዝግበር ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ኣብ ትሕቲ እገዳ ስለ ዝነበረን እቲ መንግስቲ እውን ንገሊኣቶም ኣሕዋትና ስለ ዝኣሰረን: እታ ደብዳበ ናብቲ ቦታ ቕድሚ ምኻድና ኣብ ሉቃስ 14:28 ተጠቒሱ ዘሎ መሰረታዊ ስርዓት ክንሓስበሉን ከጋጥም ንዝኽእል ሓደጋታት ከነመዛዝነሉን ዝገልጽ ማዕዳ ሒዛ ነበረት።
ከምዚ ዝኣመሰለ ስደት ናብ ዘለዋ ሃገር ንኸይድዶ ዀን ንኸውን፧ ዦዋ “እቶም ኣብ ፖርቱጋል ዘለዉ ኣሕዋትና ንየሆዋ ብተኣማንነት ከገልግሉ ኻብ ከኣሉ: ንሕና ዘይንኽእለሉ ምኽንያት የለን” በለ። ኣነውን እቲ ኣቦይ ዝሃበኒ ምትብባዕ ትዝ በለኒ እሞ “ነዚ ጻውዒት እዚ ዘቕረበልና የሆዋ ኻብ ኰነ: ክንቅበሎን ኣብኡ ኽንውከልን ኣለና” በልኩ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ: ናብቲ ኣብ ሳኦ ፓውሎ ዝርከብ ቤትኤል ከድና: ኣብኡውን ተወሳኺ መምርሒታት ተዋህበና: ንመገሻና ዘድልየና ወረቓቕቲ ድማ ኣተዓራረና።
ዦዋ ማሪያን ማሪያ ዦዋን
እታ ኤውዤንዮ ሲ እትበሃል መርከብ ብ6 መስከረም 1969 ካብቲ ኣብ ዞባዊ መንግስቲ ሳኦ ፓውሎ ዝርከብ ወደብ ሳንቶስ ነቐለት። ድሕሪ ትሽዓተ መዓልትታት ድማ ኣብ ፖርቱጋል በጻሕና። ኣብ መጀመርታ: ተመክሮ ምስ ዘለዎም ኣሕዋት ንገለ ኣዋርሕ ኣብቲ ኣብ ጥንታዊ ኽፍሊ ሊዝበን ዝርከብ ጸበብቲ ጐደናታት ኣልፋማን ሞራርያን ኣገልገልና። ፖሊስ ብቐሊሉ ምእንቲ ኸይሕዙና ኸኣ መስተብሃልቲ ክንከውን ኣሰልጠኑና።
ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ኣብ ኣባይቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢዩ ዝግበር ነይሩ። ጐረባብቲ ምጥርጣር ኽሓድሮም ክጅምር ከሎ: ብሃንደበት ኣባላት ፖሊስ መጺኦም ምእንቲ ኸይኣስሩና ኣኼባና ናብ ካልእ ቦታ ንቕይሮ ነበርና። ኣብቲ ኣብ ወሰናስን ከተማ ሊዝበን ዘሎ መናፈሻ ሞንሳንቶ: ከምኡውን ኣብቲ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝርከብ ኣእዋም ዝመልኦ ኮስታ ዳ ካፓሪካ ዝበሃል ቦታ: ንናፈስ ዘሎና ብምምሳል ኣሰምብሊታት ንገብር ነበርና። ኣብቲ ግዜ እቲ ንዙረት ዝኸውን ክዳውንቲ ኢና ንኽደን ነይርና: ትኵራት ተቐበልቲ ኣጋይሽ ድማ ኣብ ኣገዳሲ ቦታታት ኰይኖም ይሕልዉ ነበሩ። ዝዀነ ዘስግእ ሰብ ናባና እንተ መጺኡ: ጸወታ ንምጅማር: መግብታት ንምድላው: ወይ ባህላዊ ደርፍታት ንምድራፍ ድሉዋት ነበርና።
እቶም ናይ ጸጥታ ፖሊስ ብቐሊሉ ምእንቲ ኸይረ
ኽቡና: ናይ ሓቂ ስምና ኣይንጥቀምን ኢና ነይርና። እቶም ኣሕዋት ዦዋ ማሪያን ማሪያ ዦዋን ኢሎም ይጽውዑና ነበሩ። ኣብ ዝዀነ ይኹን ደብዳበ ወይ መዝገብ ስምና ኣይጸሓፍን ነበረ። ኣብ ክንድኡስ ብቝጽሪ ኢና ንፍለጥ ኔርና። ኣነውን እንተ ተኣሲረ ነሕዋተይ ኣሕሊፈ ምእንቲ ኸይህብ: ኰነ ኢለ ኣድራሽኦም ኣብ ኣእምሮይ ከይምዝግቦ እጽዕር ነበርኩ።ብሃንደበት ክንእሰር ከም እንኽእል ንፈልጥ ስለ ዝነበርና: እቲ ተገይሩልና ዝነበረ ብዙሕ ቀይድታት ብዘየገድስ ኣነን ዦዋን ንዝረኸብናዮ ኣጋጣሚ ዅሉ ተጠቒምና ምስክርነት ክንህብ ወሲንና ነበርና። ኣብቲ ሰማያዊ ኣቦና የሆዋ ክንውከል ከም ዘሎና እውን ተማሂርና ኢና። መዕቈቢና ስለ ዝነበረ: ‘ነቲ ዘይርአ ኸም ዝረኣናዮ’ ዀይኑ ኽሳዕ ዝስምዓና ብመላእኽቱ ገይሩ የዕቚብና ኢዩ።—እብራውያን 11:27
ሓደ እዋን: ኣብ ፖርቶ ኻብ ቤት ናብ ቤት እናሰበኽና ኸሎና: ሓደ ሰብኣይ ኣጋጠመና እሞ ናብ ገዝኡ ኽንኣቱ ግዲ በለና። እታ መገላግልተይ ፍቓደኛ ዀነት: ኣነ እውን ምስዓባ እንተ ዘይኰይኑ ኻልእ ምርጫ ኣይነበረንን። ኣብቲ ኮሪዶዮ ወተሃደራዊ ኽዳን ተኸዲኑ ናይ እተሳእለ ሰብ ስእሊ ምስ ረኣኹ ድማ ፈራህኩ። እንታይ ኢና እንገብሮ፧ እቲ ሰብኣይ ኮፍ ምስ ኣበለና: “ወድኺ ንውትህድርና ጻውዒት እንተ ዝቐርበሉ ምፈቐድክሉዶ፧” ኢሉ ሓተተኒ። ኣዝዩ ተኣፋፊ ጕዳይ ኢዩ ኣልዒሉ። ብልበይ ድሕሪ ምጽላይ: ህድእ ኢለ “ውላድ የብለይን: ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብ ‘እንተ’ እተመርኰሰ ሕቶ እንተ ዝሓተካ እውን ተመሳሳሊ መልሲ ኸም እትህበኒ ርግጸኛ ኢየ” በልክዎ። ድሕርዚ መልሲ ኣይሃበን። ኣስዕብ ኣቢለ ኸኣ “ሓው ወይ ኣቦ ምስ ዝሞተካ እንታይ ከም ዝስምዓካ ምስ እትሓተኒ ግን ሓወይን ኣቦይን ስለ ዝሞቱኒ: ክምልሶ ዝኽእል ሕቶ ኢዩ” በልክዎ። ኣዒንተይ ቝጽርጽር እናበለ ኢየ ዘዛርቦ ነይረ: ንሱ እውን ብኽያት ክስዕሮ ደለየ። በዓልቲ ቤቱ ኣብ ቀረባ ግዜ ኸም ዝሞተቶ ነገረና። ብዛዕባ ተስፋ ትንሳኤ ኽነግሮ ኸለኹ ጽን ኢሉ ሰምዓኒ። ድሕሪኡ ብትሕትና ተሰናበትናዮ እሞ ነቲ ጕዳይ ኣብ ኢድ የሆዋ ገዲፍናዮ ብሰላም መገድና ኸድና።
ኣብ ትሕቲ እገዳ እኳ እንተ ነበርና: ቅኑዓት ሰባት ፍልጠት ሓቂ ንኽረኽቡ ግን ሓገዝ ረኺቦም ኢዮም። ኣብ ፖርቶ በዓል ቤተይ: ኦራስዮ ንዝበሃል ነጋዳይ ጽንዓት ክመርሓሉ ጀመረ: ንሱ ድማ ቅልጡፍ ዕቤት ገበረ። ጸኒሑ ኤሚልዮ ዝበሃል ንፉዕ ሓኪም ዝዀነ ወዱ እውን ኣቕዋሙ ብወገን የሆዋ ገበረ እሞ ተጠምቀ። ብሓቂ: ንመንፈስ ቅዱስ የሆዋ ኽዓግቶ ዝኽእል ነገር የለን።
“የሆዋ ዝፈቕዶ ነገር ኣይትፈልጡን ኢኹም”
ብ1973 ኣነን ዦዋን ኣብቲ “መለኮታዊ ዓወት” ዘርእስቱ ኣብ ብራስለስ: በልጅዩም: እተገብረ ኣህጉራዊ ኣኼባ ኽንካፈል ተዓደምና። ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ስጳኛውያንን በልጅዩማውያንን ኣሕዋት: ከምኡውን ካብ ሞዛምቢክ: ኣንጎላ: ኬፕ ቬርደ: ማዴራ: ኣዞረስ ዝመጹ ልኡኻት ተረኺቦም ነይሮም። እቲ ኣብ ኒው ዮርክ ካብ ዝርከብ ቀንዲ ቤት ጸሕፈት ዝመጸ ሓው ኖር ኣብቲ ናይ መዛዘሚ ዝርርቡ “ንየሆዋ ብተኣማንነት ምግልጋል ኣይተቋርጹ። የሆዋ ዝፈቕዶ ነገር ኣይትፈልጡን ኢኹም። መን ይፈልጥ: ዝቕጽል ኣህጉራዊ ኣኼባ ኣብ ፖርቱጋል ትገብሩ ትዀኑ!” በለና።
ንዓመታኡ ኣብ ፖርቱጋል እንፍጽሞ ዕዮ ስብከትና
ሕጋዊ ተፈላጥነት ረኸበ። ከምቲ ሓው ኖር ዝበሎ ኸኣ ብ1978 ኣብ ሊዝበን ናይ መጀመርታ ኣህጉራዊ ኣኼባ ገበርና። ፖስተርን መጽሔታትን ናይ ህዝባዊ ዝርርብ መዐደሚ ወረቐታትን ሒዝና ኣብ ጐደናታት ሊዝበን ክንምርሽሲ ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ዓቢ መሰል ኰን ኢዩ! ሕልምና ጋህዲ ዀነ።ንፖርቱጋላውያን ኣሕዋትና ኣዚና ኢና እነፍቅሮም: መብዛሕትኦም ክርስትያናዊ ገለልትነቶም ንኽሕልዉ ኽብሉ ማእሰርትን ማህረምትን ኣሕሊፎም ኢዮም። ኣብ ፖርቱጋል ኣገልግሎትና ኽንቅጽል ኢና ንደሊ ነይርና። እንተዀነ ግን: ዝከኣል ኣይነበረን። ብ1982 ዦዋ ከቢድ ሕማም ልቢ ሓዞ: እቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ድማ ናብ ብራዚል ክንምለስ ሓሳብ ኣቕረበልና።
ፈታኒ እዋን
እቶም ኣብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ብራዚል ዘገልግሉ ኣሕዋት ብዙሕ ደጊፎምና ኢዮም: ኣብታ ኣብ ዞባዊ መንግስቲ ሳኦ ፓውሎ ኣብ ከተማ ዣባቴ እትርከብ ጉባኤ ኲሪሪን ከነገልግል መደቡና። ዦዋ እናኸበዶ ስለ ዝኸደ ግን ነዊሕ ከይጸንሐ ዓዲ ውዒል ኰነ። ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ንኸጽንዑ ናብ ገዛና ይመጹ ነበሩ: መዓልታዊ ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባን ሰሙናዊ ትምህርቲ መጽሓፍን እውን ኣብ ቤትና ይግበር ነበረ። እዚ ምድላዋት እዚ መንፈሳውነትና ንኽንዕቅብ ሓጊዙና ኢዩ።
ዦዋ ብ1 ጥቅምቲ 1985 ክሳዕ ዝመውት: ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዝከኣሎ ዅሉ ኻብ ምግባር ኣየቋረጸን። ምስ ሞተ ኣዝየ ጕህየን ተደቚሰን እኳ እንተ ነበርኩ: ኣገልግሎተይ ክቕጽል ግን ቈረጽኩ። ኣብ ሚያዝያ 1986 ሰረቕቲ ገዛይ ሰይሮም ብምእታው ሓንቲ ኸየትረፉ ንዅሉ ንብረተይ ምስ ዘመትዎ: ካልእ ዕንቅፋት ኣጋጢሙኒ ኢዩ። ኣብ ህይወተይ ንመጀመርታ ግዜ ጽምዋን ፍርህን ተሰምዓኒ። ድሕርዚ ምርዑዋት ሰብኣይን ሰበይትን ንእተወሰነ እዋን ምስኦም ኽነብር ዓደሙኒ: ነዚ ድማ ኣዝየ ኢየ ዘማስወሉ።
ሞት ዦዋን ዘጋጠመኒ ስርቅን ነቲ ንየሆዋ ዘቕርቦ ኣገልግሎት እውን ጸልይዎ ኢዩ። ኣብ ኣገልግሎት ዝነበረኒ ርእሰ-ምትእምማን ኣጥፋእኩ። ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመኒ ጸገም ናብቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ደብዳበ ምስ ጸሓፍኩ: ስምዒታዊ በሰላይ ክሳዕ ዝሃስስ ንእተወሰነ ግዜ ኣብ ቤትኤል ከገልግል ጻውዒት ቀረበለይ። ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ዘተባብዕ እዋን ኰን ኢዩ ነይሩ!
ምስ ሓሸኒ ነዊሕ ከይጸናሕኩ: ኣብታ ኣብ ዞባዊ መንግስቲ ሳኦ ፓውሎ እትርከብ ኢፑዋ እትበሃል ንእሽቶ ኸተማ ከገልግል ተመደብኩ። ኣብ ዕዮ ስብከት ትሕዝቲ እኳ እንተ ነበርኩ: ዝሕለለሉ ግዜያት ግን ነይሩ ኢዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋን: ነቶም ኣብ ጉባኤ ኲሪሪን ዝርከቡ ኣሕዋት እድውለሎም እሞ: ሓንቲ ስድራቤት ድማ ንእተወሰነ መዓልቲ ኽትበጽሓኒ ትመጽእ ነበረት። እዚ ምብጻሕ እዚ ብሓቂ ኣተባቢዑኒ ኢዩ! ኣብ ኢፑዋ ኣብ ዘሕለፍክዋ ናይ መጀመርታ ዓመት: 38 ኣሕዋትን ኣሓትን ነዊሕ ጕዕዞ ብምግባር በጺሖምኒ ኢዮም።
ዦዋ ኻብ ዝመውት ሽዱሽተ ዓመታት ጸኒሐ ማለት ብ1992 ናብታ ኽሳዕ ሕጂ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት ኰይነ ዘገልግለላ ዘለኹ ኣብ ዞባዊ መንግስቲ ሳኦ ፓውሎ እትርከብ ከተማ ፍራንካ ንኽግዕዝ ካብ ማሕበር የሆዋ ጻውዒት ቀረበለይ። እዚ ዞባ እዚ ኣዝዩ ብዙሕ ፍረ ዝርከቦ ኢዩ። ብ1994 ንኸንቲባ ናይታ ኸተማ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብረሉ ጀመርኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ: ኣብ ሓጋጊ ኣካል ብራዚል መንበር ንምርካብ ይወዳደር ብምንባሩ ብስራሕ ትሑዝ እኳ እንተ ነበረ: ሰኑይ ሰኑይ ድሕሪ ቐትሪ ነጽንዕ ነበርና። ጽንዓት ኣብ እንገብረሉ እዋን ምእንቲ ኸይንርበሽ ኢሉ ቴለፎኑ ይዓጽዋ ነበረ። ካብ ሓቂ ብዝረኸቦ ሓገዝ ቀስ እናበለ ኻብ ፖለቲካ ዓለም ክወጽእን ሓዳሩ ኸደልድልን ምርኣየይ ኣዝዩ ኢዩ ኣሐጒሱኒ! ብ1998 ንሱን በዓልቲ ቤቱን ተጠምቁ።
ንድሕሪት ምልስ ኢለ ኽርእዮ ኸለኹ: ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት ኰይነ ዘሕለፍክዎ ህይወት ብዙሕ በረኸታትን መሰላትን ዝረኸብኩሉ እዋን ኢዩ ነይሩ። ነቲ የሆዋ ብማሕበሩ ኣቢሉ ዘቕረበለይ ጻውዒት ብምቕባለይ ብሓቂ ብዙሕ ዓስቢ ረኺበ ኢየ። ኣብ መጻኢ እውን ዝዀነ ይኹን ጻውዒት እንተ ቐሪቡለይ: ከም ቀደመይ ተሓጒሰ ንኽቕበሎ ድልውቲ ኢየ።
[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]
ብ1957 ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዝጀመርኩሉ እዋንን ሎምን
[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]
ብ1963 ምስቶም ኣብ ብራዚል ዝነበሩ ስድራ ቤትኤል
[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ነሓሰ 1965 እተሳኣልናዮ ናይ መርዓና ስእሊ
[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ፖርቱጋል ኣገልግሎትና ተኣጊዱ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣሰምብሊ ኽንገብር ከሎና
[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]
ብ1978 “ዕውትቲ እምነት” ዘርእስቱ ኣህጉራዊ ኣኼባ ኣብ እተገብረሉ እዋን ኣብ ጐደናታት ሊዝበን ኣብ መገዲ ኽንሰብኽ ከሎና