ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

 ሓደ ዘይኣማኒ በዓል እንዳ ሃይማኖታዊ በዓል ከብዕል ምስ ዝደሊ እታ ክርስትያን በዓልቲ እንድኡ ነቲ ንኣምላኽ ዘለዋ ተኣማንነት ምስቲ ንበዓል ቤታ ዘለዋ ተገዛእነት ብሚዛናዊ መገዲ ኽትሕልዎ እትኽእል ብኸመይ ኢያ፧

ከምዚ ንኽትገብር ጥበብን ሜላን ዝሓታ ኢዩ። ይኹን እምበር: ንኽልቲኡ ሓላፍነታ ብሚዛናዊ መገዲ ንኽትዋጽኣሉ ጻዕሪ ምግባራ ሰናይ ኢዩ። የሱስ ምስዚ ኽመሳሰል ዝኽእል ኵነታት ኣመልኪቱ ምኽሪ ክህብ ከሎ “ናይ ቄሳር ንቄሳር: ናይ ኣምላኽውን ንኣምላኽ ሀቡ” በለ። (ማቴዎስ 22:21) የሱስ ኣብዚ ጕዳይ እዚ ብዛዕባ እቲ ንመንግስታት ክንፍጽሞ ዘሎና ግዴታ ኢዩ ዝዛረብ ነይሩ። ድሕሪ ገለ ግዜያት እውን ክርስትያናት ነዞም መንግስታት እዚኣቶም ክግዝኡ ተነጊሮም ኢዮም። (ሮሜ 13:1) ይኹን እምበር: ምኽሪ የሱስ ሓንቲ በዓልቲ ሓዳር ንኣምላኽ ክትፍጽሞ ዘለዋ ግዴታን በዓል ቤታ ዘይኣማኒ እኳ እንተዀነ ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት ንኽትግዝኦ ዘለዋ ሓላፍነትን ሚዛናዊ ኣብ ምግባር እውን ዝውዕል ኢዩ።

ሓደ ክርስትያን ዘለዎ ናይ መጀመርታ ግዴታ ኣብ ዝዀነ ይኹን ኵነታት ነቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ እሙን ኴንካ ምርካብ ምዃኑ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎ ሰብ ዝኽሕዶ ኣይኰነን። (ግብሪ ሃዋርያት 5:29) ሓደ ንየሆዋ ዘምልኽ ናይ ሓቂ ክርስትያን: ኣብ ሓላፍነት ዘሎ ሓደ ዘይኣማኒ ሰብ ገለ ነገር ንኽገብር ምስ ዝሓቶ ነቲ ዝለዓለ ሕግታት ኣምላኽ ከይጠሓሰ ተኣዛዝነቱ ኸርኢ ይኽእል ኢዩ።

ከምቲ ኣብ ዳንኤል ምዕራፍ 3 ተገሊጹ ዘሎ: ካብቶም ሰለስተ እብራውያን ትምህርቲ ዝህብ ኣብነት ንረክብ ኢና። እቲ ዝለዓለ ስልጣን ዝነበሮ ነቡካድነጻር እዞም ሰለስተ እብራውያንን ካልኦትን ኣብ ጐልጐል ዱራ ክመጹ ኣዋጅ ኣወጀ። እዞም ሰለስተ እብራውያን እዚኣቶም ኣብኡ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ክካየድ ምዃኑ ብምግንዛቦም ኣብቲ ቦታ እቲ ኸይከዱ መሪጾም ነይሮም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ምናልባት ዳንኤል ምኽንያት ኣቕሪቡ ክተርፍ ይኽእል ነይሩ ኢዩ: እዞም ሰለስተ እዚኣቶም ግን ኣይክእሉን ኢዮም ነይሮም ዝዀኑ። a ስለዚ ኣብቲ ግጉይ ተግባር ከይተኻፈሉ ኣብቲ ቦታ እቲ ክርከቡ ተሰማምዑ።—ዳንኤል 3:1-18

ብተመሳሳሊ መገዲ: ሓደ ዘይኣማኒ ሰብኣይ እውን ነቲ ክርስትያን በዓልቲ ቤቱ ኣብ እዋን በዓላት ክትገብሮ ዘይትደሊ ነገር ክትገብር ይሓታ ወይ ይደልያ ይኸውን። እዚ ዝስዕብ ኣብነታት ንርአ:- ኣብቲ ምስ ካልኦት ኰይኑ ዘብዕሎ በዓል ፍሉይ መግቢ ንኸተዳሉ ይነግራ። ወይ ከኣ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ምስ ስድራቤቱ ዀይኑ (ንሰበይቱ እውን ሓዊስካ) እንዳ ኣዝማዱ ኸይዱ ኽምገብ ወይ ኽበጽሖም ይደሊ። ወይ ድማ ቀቅድሚ እቲ በዓል ሰበይቱ ንዕዳጋ ኽትከይድ ከላ ገለ ነገራት ክትዓዳድገሉ ይነግራ ይኸውን። እዚ ድማ ነቲ በዓል ዘድሊ ፍሉይ መግቢ: ንህያብ ዝኸውን ነገራት: ወይ ድማ መጠቕለሊ ህያብን ካርተሊናን ዝሓቘፈ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

ኣብዚ ዅነታት እዚውን እንተዀነ እታ ክርስትያን በዓልቲ እንዳ ኣብ ተግባራት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ንኸይትካፈል ክትውስን እኳ እንተለዋ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዝቐርበላ ሕቶታት ግን ብኸመይ ኢያ እትዋጽኣሉ፧ በዓል ቤታ ርእሲ ስድራቤት ኢዩ: ቃል ኣምላኽ ከኣ “ኣትን ኣንስቲ: ከምቲ ንጐይታ ዚግባእ ጌርክን ንሰብኡትክን ተአዘዛኦም” ኢዩ ዝብል። (ቈሎሴ 3:18) ኣብዚ ዅነታት እዚ: ንኣምላኽ ዘለዋ ተኣማንነት ከየጥፍአት ንበዓል ቤታ ክትእዘዞ ትኽእልዶ፧ ንበዓል ቤታ እተርእዮ ተኣዛዝነት ምስቲ ቀዳምነት ዝወሃቦ ንየሆዋ እተርእዮ ተኣዛዝነት ብኸመይ ሚዛናዊ ክትገብሮ ኸም ዘለዋ ክትውስን ይግባእ።

ኣብ ካልእ ግዜያት: በዓል ቤታ ሓደ ፍሉይ መግቢ ስለ ዝፈቱ ወይ ከኣ ኣብ ፍሉይ እዋናት ብልምዲ ነቲ መግቢ እቲ ስለ ዝምገብ ጥራይ ንኽትሰርሓሉ ይሓታ ይኸውን። ከም እተፍቅሮን ንርእስነቱ ኣፍልጦ ከም እትህበሉን ከተርእዮ ትደሊ ኢያ። ነዚ ሕቶ እዚ ኣብ እዋን በዓል እኳ እንተ ሓተታ ፍቕራ ከተርእዮን ንርእስነቱ ኣፍልጦ ክትህበሉን ትኽእል ድያ፧ ገለ ክርስትያን ኣንስቲ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሕቶ ከምቲ ልሙድ ዝዀነ መዓልታዊ ዘዳልዋኦ መግቢ ገይረን ብምውሳድ ብጽሩይ ሕልና ይገብርኦ ይዀና። በዓል ቤታ እኳ ምስ በዓል እንተ ኣተሓሓዞ ዋላ ሓደ እሙን ክርስትያን ምስ በዓል ኣየተሓሕዞን ኢዩ። ብተመሳሳሊ እውን ኣብ ፍሉይ ኣጋጣሚታት ኣብ ወወርሒ ወይ ኣብ ዓዓመት ነዝማዱ ክበጽሕ ከሎ ምስኡ ክትከይድ ይደልያ ይኸውን። እዋን በዓል እኳ እንተዀነ ኸተሰንዮ ትኽእል ድያ፧ ወይ ከኣ ዕዳጋ ክትከይድ ከላ ክትዓዳድገሉ ንዝሓተታ ነገራት: ንምንታይ ክጥቀመሉ ከም ዝደለየ ኸይመርመረት ንኽትዕድገሉ ፍቓደኛዶ ምዀነት፧

ሓንቲ ክርስትያን በዓልቲ እንዳ ብዛዕባ እቲ ኣብ ካልኦት ከተሕድሮ እትኽእል ጽልዋ እውን ክትሓስብ ከም ዘለዋ ፍሉጥ ኢዩ። (ፊልጲ 2:4) ከምቲ እቶም ሰለስተ እብራውያን ናብ ጐልጐል ዱራ ክኸዱ ኸለዉ ካልኦት ንኸይርእይዎም ተጠንቂቖም ነይሮም ክዀኑ ዝኽእሉ: ካልኦት ሰባት ምስ በዓል እተተሓሓዘ ነገር ትገብር ከም ዘላ ገይሮም ንኸይወስድዎ ጥንቃቐታት ክትገብር ትኽእል ኢያ። ስለዚ በዓል ቤታ ንስምዒት እታ እተፍቅሮን እተኽብሮን በዓልቲ ቤቱ ኣብ ግምት ከእትዎ ስለ ዝኽእል ምስ በዓል እተተሓሓዘ ገለ ነገራት ባዕሉ ኽገብሮ ብሜላ ከተረድኦ ኽትፍትን ትኽእል ኢያ። ኣብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ተግባራት ምክፋል ክትኣቢ ስለ እትኽእል ንኽልቲኦም ዘሕፍር ኵነታት ካብ ምግባር ምቝጣብ ጥበባዊ ምዃኑ ክግንዘብ ይኽእል ይኸውን ኢዩ። እወ: ኣቐዲምካ ብህድኣት ምምይያጥ ሰላማዊ ፍታሕ ከምጽእ ይኽእል ኢዩ።—ምሳሌ 22:3

ስለዚ ሓንቲ እምንቲ ክርስትያን ነቲ ጭብጥታት ብምግምጋም እንታይ ክትገብር ከም ዘለዋ ክትውስን ይግባእ። ልክዕ ከምቲ እቶም ሰለስተ እብራውያን ዝገበርዎ ንኣምላኽ ምእዛዝ ቀዳምነት ክወሃቦ ኣለዎ። (1 ቈረንቶስ 10:31) ይኹን እምበር: ክርስትያናት ኣብታ ስድራቤት ወይ ከኣ ኣብቲ ማሕበረሰብ ሓላፍነት ዘለዎ ሰብ ሓደ ነገር ምስ ዝሓትት ከይተለማመጡ እንታይ ክገብሩ ከም ዝኽእሉ ባዕላቶም ክውስኑ ኣለዎም።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብ ናይ 1 ነሓሰ 2001 ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸ “ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” ርአ።