ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ሰብ መን እዩ ይብሉኒ አለዉ፧”

“ሰብ መን እዩ ይብሉኒ አለዉ፧”

“ሰብ መን እዩ ይብሉኒ አለዉ፧”

 በዓል ልደት ይቐርብ ኢዩ ዘሎ። ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዉ ሰባት በዓል ልደት ከብዕሉ ኢዮም። ናይ መን ልደት ግን ኢዮም ከብዕሉ፧ ናይ ወዲ ኣምላኽ ወይስ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ዓዱ ኣስፋሕፊሑ ንዝነበረ ሃይማኖት ተሃድሶ ንምክያድ ናይ እተላዕለ ውፉይ ኣይሁዳዊ፧ ናይ ሓደ ንግዝኣት ሮሜ ስለ ዘስግአ እተቐትለ ዓለወኛን ተሓላቒ ድኻታትን ድዩ ወይስ ናይ ሓደ ርእስኻ ምፍላጥን ጥበብ ምጥራይን ኣድላዪ ምዃኑ ዘጕልሐ ለባም ሰብ፧ ‘ብሓቂ የሱስ ክርስቶስ መን ኢዩ ነይሩ፧’ ኢልካ ንኽትሓትት እኹል ምኽንያት ኣሎካ።

የሱስ ባዕሉ እውን ሰባት ነዛ ሕቶ እዚኣ እንታይ ኢሎም ከም ዝምልስዋ ኽፈልጥ ይደሊ ነይሩ ኢዩ። ሓደ ግዜ ንደቀ መዛሙርቱ “ሰብ መን እዩ ይብሉኒ አለዉ፧” ኢሉ ሓተቶም። (ማርቆስ 8:27) ስለምንታይ ኢዩ ኸምኡ ኢሉ ዝሓተተ፧ ብዙሓት ድሮ ኻብ ምስዓቡ ተመሊሶም ነይሮም። ገሊኣቶም እውን ንጉስ ክገብርዎ ፈቲኖም ምስ ኣበዮም: ተደናጊሮምን ጕህዮምን ምንባሮም ፍሉጥ ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ: ንየሱስ ካብ ጸላእቱ ብድሆ ምስ ቐረበሉ: መንነቱ ንኸመስክር ኢሉ ኻብ ሰማይ ምልክት ኣየርኣዮምን። ስለዚ: ሃዋርያቱ ነታ ንመንነቱ እትምልከት ሕቶ እንታይ ኢሎም መለሱላ፧ ነቲ ኻልኦት ሰባት ዝነበሮም ኣረኣእያ ብምጥቃስ “ገሊኦም ዮሃንስ መጥምቕ: ካልኦት ድማ ኤልያስ: ገሊኦምውን ኤርምያስ ወይስ ሓደ ኻብ ነብያት ዚብሉ አለዉ” ኢሎም መለሱሉ። (ማቴዎስ 16:13, 14) ነቲ ኣብ ጳለስጢና ብዛዕባ የሱስ ዝናፈስ ዝነበረ ኸም ተጻራፊ: ፈላጥ ኢየ በሃሊ: ናይ ሓሶት ነብዪ: ከምኡውን ጽሉል ዝኣመሰለ እተፈላለየ ኣሉታዊ ኣረኣእያታት ግን ኣይነገርዎን።

ሰባት ብዛዕባ የሱስ ዝሃብዎ እተፈላለየ ርእይቶታት

የሱስ ሎሚ ተመሳሳሊ ሕቶ እንተ ዝሓትት: ምናልባት ነታ ሕቶ ቕሩብ ቅይር ብምባል “ምሁራት መን ኢዩ ይብሉኒ፧” ኢሉ ምሓተተ። ናይዚ መልሲ ድማ ‘እተፈላለየ ኣረኣእያታት ኢዩ ዘሎ’ ዝብል ምዀነ። ብመሰረት እቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቺካጎ ዝሰርሕ ዴቪድ ትሬሲ: ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ የሱስን ብዛዕባ እቲ ንሱ ዝበሎን ዝገበሮን ነገራት እተፈላለየ ኣረኣእያታትን ትርጕማትን ኣለዎም። ኣብ ዝሓለፈ ዘመን የሱስ ብሓቂ መን ከም ዝነበረ መልሲ ንምርካብ: ምሁራት ኣዝዩ ብዙሕን እተሓላለኸን ስነ-ማሕበራዊ: ስነ-ሰባዊ: ከምኡውን ስነ-ጽሑፋዊ መጽናዕትታት ገይሮም ኢዮም። ኣብ መወዳእታኡ ግን ንየሱስ መን ኰን ኢዩ ይብልዎ ይዀኑ፧

ገሊኣቶም ምሁራት እቲ ኣብ ታሪኽ ተጠቒሱ ዘሎ የሱስ ሰባት ንኽንስሑ ዝምህርን ብዛዕባ መወዳእታ ዓለም ዝሰብኽን ኣይሁዳዊ ነብዪ ኢዩ ነይሩ ንዝብል እምነቶም ኣይቀየርዎን። ይኹን እምበር: ወዲ ኣምላኽ: መሲህ: ወይ ተበጃዊ ኢሎም ክጽውዕዎ ግን ኣይደልዩን ኢዮም። ዝበዝሑ ምሁራት እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ካብ ሰማይ ምምጽኡን ካብ ሞት ምትንሳኡን ዝገልጽ ጸብጻባት ኣይወሓጠሎምን ኢዩ። ንገሊኣቶም ከኣ የሱስ ብኣነባብራኡን ትምህርትታቱን ነተን ድሓር ኣብ ክርስትና እተጠቓለላ ብዙሓት ሃይማኖታት ዘበገሰ ሰብ ጥራይ ኰይኑ ኢዩ ዝስምዖም። ከምቲ ኣብታ ቲዮሎጂ ቱደይ እትበሃል መጽሔት (እንግሊዝኛ) ተገሊጹ ዘሎ: ንየሱስ ከም ሓደ “ሲኒክ: ፈቐዶኡ ዀለል ዝብል ለባም ሰብ: መለኮታዊ ዕዮ ዝዓዪ ተራ ሰብ: ንማሕበረሰብ ዘተሓባብር: ነቲ ንቡር ስርዓታት ሕብረተሰብ ዘቋናጽብ ፋሉል ተዛራቢ: ኣብ መንጎ ህውከተኛታት ከም ድላዩ እናተንቀሳቐሰ ዝተዃቱኽ ወዲ ሹቕ: ጥፉሽ: ወይ ኣብ ድሑራት ኣቝሻት ጳለስጢና ዝነብር ዝነበረ ሓራቕ ሰብ” ገይሮም ዝርእይዎ ኣለዉ።

ካብዚ ዝገደደ ኣረኣእያታት ዘለዎም እውን ኣለዉ። የሱስ ጸሊም ኢዩ ዝብልዎ ኣረኣእያ ኣብ ናይ ራፕ ሙዚቃ: ኣብ ኣደባባያት ኣብ ዝርከብ ስነ-ቕርጻ: ከምኡውን ኣብ ሳዕስዒታት ይንጸባረቕ ኣሎ። a ገሊኣቶም ድማ የሱስ ጓል ኣንስተይቲ ኢዩ ነይሩ ይብሉ ኢዮም። ኣብ ክረምቲ 1993: ናብቲ ኣብ ካሊፎርንያ እተገብረ ኦሬንጅ ካውንቲ ፈይር ዝበሃል ምርኢት ዝኸዱ በጻሕቲ: ሓወልቲ ናይ “ክሪስቲ” እትበሃል ጥራሕ ነብሳ ኣብ መስቀል እተሰቕለት ኣንስተይቲ “ክርስቶስ” ርእዮም ኢዮም። ዳርጋ ኣብቲ ግዜ እቲ እውን “ክሪስታ” እትበሃል ኣብ መስቀል እተሰቕለት ኣንስተይቲ “የሱስ” ኣብ ኒው ዮርክ ንምርኢት ቐሪባ ነይራ። ክልቲኡ ምስልታት ብዙሕ ክርክር ኣላዒሉ ኢዩ። ኣብ መጀመርታ 1999 ከኣ “ብዛዕባ ንእሽቶ የሱስን ኤንጅል ዝበሃል ከልቡን ኣብ ንሓድሕዶም ዘለዎም ፍቕሪ” ዝትርኽ መጽሓፍ ኣብ ዕዳጋ ቐሪቡ ነይሩ። እቲ ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ርክብ “ብመንፈሳዊ መገዲ ውሽጥኻ ዝትክፍ ከምኡውን ሓደ ንእሽቶ ወድን ሓደ ኸልብን ንሓድሕዶም ህይወቶም ክተሓላለፉ ኽሳዕ ክንደይ ድሉዋት ምዃኖም ዘርኢ” ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ።

ክሳዕ ክንድዚ ኣገዳሲ ጕዳይ ድዩ፧

የሱስ መን ከም ዝነበረን መን ከም ዝዀነን ከገድሰካ ዘለዎ ስለምንታይ ኢዩ፧ “የሱስ ክርስቶስ ብኣካል ዘይርአ ክነሱ ነቶም ተገዛእቱ ጽልዋ ገይሩሎምን ኣዚዝዎምን ኢዩ” ብምባል ናፖልዮን እተዛረቦ ዘረባ ሓደ ምኽንያት ክዀነና ይኽእል ኢዩ። የሱስ በቲ ሓያል ትምህርትታቱን ብኣነባብራኡን: ዳርጋ ንኽልተ ሽሕ ዓመታት ዝኸውን ንህይወት ሰባት ኣጸቢቑ ተንኪፉ ኢዩ። እምበኣር ሓደ ጸሓፊ ኸምዚ ኽብል ሓቁ ኢዩ:- “ኵሉ እተሰለፈ ሰራዊት: እተሃንጸ ዘበለ ዅሉ ሓይሊ ባሕሪ: ኵሉ እተገብረ ባይቶታት: ኵሎም ዘመሓደሩ ነገስታት ብሓንሳእ ሓዊስካ: ኣብዛ ምድሪ ኸም ናቱ ገይሩ ንህይወት ናይ ሰብ ኣጸቢቑ ዝተንከፈ የለን።”

ኣብ ርእሲ እዚውን የሱስ ንመጻኢ ህይወትካ ብቐጥታ ስለ ዝትንክፎ: መን ምንባሩን መን ምዃኑን ክትፈልጥ የድልየካ ኢዩ። ተገዛኢ ናይታ ድሮ ቘይማ ዘላ የሱስ ዝንጉሳ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምዃን ኣጋጣሚ ኣሎካ። እዛ ሽግር ዝመልኣ ዓለምና: ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር የሱስ እተፈላለዩ ፍጥረታት ብብዝሒ ዝርከብዋን ባህርያዊ ሚዛና ዝሓለወትን እተደንቕ መንበሪት ክትከውን ኢያ። እታ የሱስ ዝገዛኢኣ መንግስቲ ንዝጠመየ ኸተጽግቦ: ንድኻ ኽትከናኸኖ: ንሕሙም ኸተሕውዮ: ንዝሞተ እውን ከተተንስኦ ምዃና ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ትንቢት የረጋግጸልና ኢዩ።

መራሒ ናይዛ ኣዝያ ኣድላዪት ዝዀነት መንግስቲ እዚኣ እንታይ ዓይነት ከም ዝዀነ ኽትፈልጥ ከም እትደሊ እተረጋገጸ ኢዩ። እዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ ናይ ሓቂ የሱስ መን ምዃኑ ኣጸቢቕካ ንኽትፈልጥ ክትሕግዘካ ኢያ።

[ምንጪ ስእሊ]

a የሱስ ከመይ ይመስል ከም ዝነበረ ንምፍላጥ: ነታ ኣብ ናይ 8 ታሕሳስ 1998 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ዝወጸት “የሱስ ከመይ ይመስል ነይሩ፧” እትብል ዓንቀጽ ርአ።